ሕዝበይ ንኣይ ፈልፋሊ ማይ ሕይወት ንዝዀንኩ ብምኅዳጎምን፡ ንርእሶም ከኣ ማይ ዘየዕቊር ነቓዕ ሓጽብታት ብምዂዓቶምን ክልተ ኃጢኣት ገይሮም እዮም እሞ፡ ኣቱም ሰማያት፡ በዚ ተገረሙ፡ ሰምብዱ፡ ኣዚኹም ውን ራዕራዕ በሉ፡ ኣነ እግዚኣብሔር ተዛሪበ ኣሎኹ። ኤር 2፡12-13
ሰማያዊ ጥበብን ኃይልን እትገልጽ እግዚኣብሔር ኣቦ፡ ብምሉእ ጥበብን ምስትውዓልን ቃልካ ክንርዳእ ክትህበና
ብስም ሓደ ወድኻ ኢየሱስ ክርስቶስ ንልምነካ ኣሎና። ንስኻ ነቲ ግደ ርስቲ ቕዱሳን ዝኾነ መንግሥቲ ብርሃን ዘብቃዕካና ክቡር ኣቦና
ኢኻ’ሞ ብምሉእ ሓጐስ ነመስግነካ ኣሎና። ካብ ሥልጣን ጸልማት ኣውጺእካ፡ ብኽቡር ደም መሲሕካ ኣንጺህካ ናብታ መንግሥቲ ቅዱስ ወድኻ
ስለ ዘእተኻና ንባርኸካ ኣሎና። ብእኡ ሥርየትን ድኅነትን ምእንቲ ክዀነልና፡ ነቲ በዂሪ ወድኻ ርእሲ ማኅበር ጌርካ ኣቖምካዮ፡ ብእኡ
ኸኣ ሲኦል ተዘምተ፡ ሞት ውን ተሳዕረ። ስለ ዂሉ ነገር ብስም ጻድቕ ወድኻ ኢየሱስ ክርስቶስ ንባርኸካ ኣሎና። ኦ ጐይታ ኢየሱስ
ክርስቶስ ገንሸል ብምዃን ኣሳጊርካና ኢኻ፡ ብደምካ ውን እነና ሕያዋን ኰይንና ኣሎና። ሳላ ክቡር ደምካ ካብዚ ክፉእ ዓለም ተመንጢልና
ብዋጋ ደም ተዓዲግና ናብ ሕይወት ኣቲና ኣሎና፡ እቲ ብኣኻ ዚኣምንስ ካብ ሞት ናብ ሕይወት ደኣ ይሳገር እምበር ናብ ኲነኔስ ኣይወድቕን
እዩ። ኦ ሊቀ ካህናት ኢየሱስ ብደምካ ንኃጥኣን ናብ ሕይወት ከተስግር ማእከላይ፡መንጐኛ፡ ኣታዓራቒ ኰይንካ ነፍሳትና ኣድኂንካየን
ኢኻ`ሞ ተባረኽ። ንመንፈስ ቅዱስ ኣቦና ምስጋና ይኹን፡ መገዲ ሓቕን ጽድቕን ዘብራህካልና፡ ኣብ ልባትና ብርሃን ይብራህ ዝበልካ፡
ቅዱስ መንፈስ ስምካ ይባረኽ። ክፍኣት ኣብ ቅድሜኻ ዕድመ ዘይብሉ ከንቱ እዩ፡ ሳላ ዓቢይ ብርሃንካ ጸልማትና ተቐንጢጡ ጠፊኡ እዩ።
ንሕናስ ካብቶም ንድኅሪት ዝምለሱ ኣይኰንናን፡ ብበረኸት ዘበለ መሊእካናን ኣጸናኒዕካናን ኢኻ`ሞ ስምካ ይባረኽ። ንምድርና ብብርሃን
ወንጌል ውረሶ፡ ክፍኣት ዘበለ ኩሉ ብኃይሊ ብርቱዕ ቃልካ ይመሖ፡ ብጐይታና ብኢየሱስ ክርስቶስ ስም ኣሜን።
ዝወደቐ ሰብዶ ኣይትንሥእን`ዩ᎒ መገዲ ዝተጋገየ ሰብዶ ኣይምለስን`ዩ᎒ (ኤር 8፡4)
ኣብቲ ጽላሎትኪ ዘጽለለ ኣይርእይን ኩነኔ?
አማን፡ አማን እብለክሙ፡ ዘይሰምዕ፡ ቃልየ፡ ወየአምን፡ በዘፈነወኒ፡ይረክብ፡ሕይወተ፡ ዘለዓለም፡ ወኢየሐውር፡ውስተ፡
ደይን፡ አላ፡ ዐደወ፡ እሞት፡ ውስተ፡ ሕይወት።
ዮሐ5፡24
እግዚኣብሔር ጐይታ ሠራዊት ካባና ዝጽበዮ ሓደ ነገር`ኳ የብሉን፡ ንሱ ግን ሕጉ ክሕሎ ብርቱዕ ድሌት
ስለ ዘለዎ፡ ሕዝቡ ሕጉ ብምሕላው ክነብሩን ክባረኹን ደለየን መደበን። ሕጊ እግዚኣብሔር ጥበበኛ ዝገብር፡ ዓወት ዝዕድል፡ መገዲ
ዘቕንዕ፡ ንሕይወት ዝመርሕ ሕያውን ዝዓዪን እዩ። እዞም ሎሚ ዘሎና ወለዶታት ቃሉ ክንጸውር ዘሎና ናይ ኣምላኽ ኅሩያት ኣገልገልቲ
ክንከውን ኣምላኽ ይጽወዓና ኣሎ፡ ከም ፍቓዱ ክንነብር`ከ እንታይ ንግበር፧ ንቓሉ ዘወትር ንብልዓዮ። “ኣብቲ ጽላሎትኪ” ዚብል ድርሰት
ብሚዛን ቃል ኣምላኽ ኣብ ንርእየሉ ዘሎና ኩነት፡ ልብታትና ብምስትውዓል ክመልኦ ጐይታ መንፈስ ቅዱስ ይርድኣና። እቲ ንዘመናት ክሰዓር
ዘይክእል ቃል ሎሚ ውን ሕያው`ዩ። እቶም ኣገልገልቲ ክእሠሩ፡ ወይ ውን ብሞት ናብ ጐይታ ክኸዱ ይኽእሉ እዮም ንሱ ግን( ቃል ኣምላኽ)
ክእሠር ዘይክእል፡ ክመውት ዘይክእል፡ ንእሱራት ክፈትሕ ንሙታን ከኣ መገዲ ኣምላኽን ዘለዓለማዊ ሕይወትን ከብርህ ዝኽእል ብርቱዕ
ሰይፊ እዩ። ሎሚ ውን ከም መቐጸልታ እቶም ዝሓለፉ ክፋላት ካልእ መሠረታዊ ነጥቢ`ዛ ድርሰት ክንርኢ ኢና። ኣብ ትኅዝቶ ድርሰት ኣብቲ
ጽላሎትኪ ከምዚ ዚስዕብ ቃል ሰፊሩ ይርከብ። “ ድልድል መሳገሪት ማዕዶት ናይ ሕይወትና”። ቅድሚ ኹሉ እቲ ሓሳብ ንጹርን
ግሁድን ምእንቲ ክኸውን ማዕዶት እንታይ ማለት’ዩ ንዝብል ሕቶ፡ አለቃ ኪዳኔ ወልድ ክፍሌ ንዝጸሓፍዎ፡ “ መጽሐፈ ሰዋስው
ወግስ፡ ወመዝገበ ቃላት ሐዲስ” ክንውከስ ኢና። ዐደወ፡ የዐዱ፡ ይዕዱ(ዕብራይስጥ፡ዐዳህ/ ሱርሰት፡ዕዳእ/ ዐረብ/ዐደእ)፡ ምስጋር፡
ምሕላፍ፡ ምዝላል፡ ምጒዓዝ፡ ዚብል ትርጉም ኣለዎ። ካብዚ ሥርወ ቃል`ዚ ኸኣ ማዕዶ/ማዕዶት ይወጽእ። “ማዕዶት፡ ዚብል ጥምሮ
ቃል ከኣ ማይ/ ዕዶት ንዚብሉ ቃላት ጠሚሩ ዝሓዘ እዩ። ማይ/ሩባ ተሳጊርካ፡ሓሊፍካ ዘሎ ቦታ ዘመልክት እዩ። አለቃ ኪዳነ ወልድ
ክፍሌ ነዚ ሓሳብ ከረድኡ ከለዉ፡ “ዐደወ እሞት ውስተ ሕይወት” እናበሉ ኣብነት ድኅሪ ምቕራቦም፡ ብኣቆጻጽራ ቤተክርስቲያን “ማዕዶት”
ተባሂላ ንዝተሰምየት ጽባሕ ትንሣኤ ዘላ መዓልቲ( ሰኑይ) ውን ወሲኾም ይጠቕሱ። በንጻር እዚ ደራሲ/ት ኣብቲ ጽላልሎትኪ ናይ ሕይወትና
ድልድል መሳገሪት ማዕዶት እናበለ ንድንግል ማርያም ክጽውዓ እንከሎስ፡ ካበይ ናበይ ኰን’ዩ ተሳጊሩ፧ ዚብል ሕቶ ቅጅል ይብለኒ።
“ዐደወ” ዚብል ቃል ካብ ሞት ናብ ሕይወት ንዘሎ ምስጋር ዝገልጽ ምዃኑ ደራሲ ኣብቲ ጽላሎትኪ ከስተውዕል ብዘይ ምኽኣሉ እነሆ ብድፍረት
ተሳሒቡ ወዲቑ ንርእዮ ኣሎና። ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንሱ እቲ ንነፍሳትና ከሳግር ዝኽእል ወዲ ኣምላኽ ምዃኑ ብቓሉ ገሊጹልና
ይርከብ። ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ፡ እቲ ንቓለይ ዚሰምዕ፡ በቲ ዝለኣኸኒ`ውን ዚኣምን ናይ ዘለዓለም ሕይወት ኣላቶ፡ ንሱ
ካብ ሞት ናብ ሕይወት ይሳገር እምበር ናብ ፍርዲ ኣይክበጽሕን እዩ(ዮሃ5፡24)። ተግባር ምስጋር ብደም እዩ ዚፍጸም፡ ንሱ
ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ሞት ናብ ሕይወት ከእትወና ኸሎ፡ በቲ ውሒዝ ደሙ ኣስጊሩ እዩ። ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ መልእኽቱ`ውን
ከምዚ ይብል፡ ነቲ ግደ ርስቲ ቅዱሳን ዝዀነ መንግሥቲ ብርሃን ዘብቅዓና ኣቦ ብሓጐስ ከተመስግኑ ንጽሊ ኣሎና። ንሱ ካብ ሥልጣን
ጸልማት ኣውጽኣና፡ ናብታ መንግሥቲ ፍቁር ወዱ`ውን ኣእተወና ቆሎ1፡13።
ማዕዶት እምበኣር ካብ ሞት ወጺእካ፡ ናብ ሕይወት ምስኣተኻ ዘሎ ኩነት ዚገልጽ ቃል እዩ። ቤተክርስቲያን
ነፍሳት ብደም ክርስቶስ ኢየሱስ ካብ ሲኦል ወጺአን ናብ ሕይወት ኣትየን ብምባል ጽባሕ ትንሣኤ እትሓስቦን እትዝክሮን። ሎሚ ውን
ነፍሳት ካብ ሞት ናብ ሕይወት ክሳገራ፡ ብክርስቶስ ኢየሱስ ብምእማን ክድኅና መንፈስ ቅዱስ ይዛረብ ኣሎ። ካብዚ ወጻኢ ካብ ሞት
ናብ ሕይወት ከሳግር ዝኽእል ፍጡር ሓደ`ኳ የልቦን። ትኅዝቶ ድርሰት ኣብቲ ጽላሎትኪ ኸኣ ነዚ ከም ጸሓይ ዝበረቐ ሓቂ ወንጌል ክጋርድን
ክሽፍንን ዝተጻሕፈ ብምዃኑ ኣብ ቅድሚ ሚዛን ሓቂ፡ፈኲስን ውዱቕን፡ ከምኡ`ውን ካብ ኣእምሮ ሰባት ደኣ እምበር ካብ መንፈስ ቅዱስ ከም ዘይተጻሕፈ ብግሁድ
ተራእዩ ኣሎ። ነፍሲ ወከፍ ሰብ ገዛእ ርእሱ ከድኅንን ከምልጥን ይግባእ እዩ። ብቕኑዕ መንፈስ ነዚ ጽሑፍ`ዚ ብምንባብ ገጽና ናብቲ
ካብ ሞት ከድኅነናን ናይ ኣቦኡ ካህናት ክገብረናን፡ ሊቀ ካህናት ብምዃን ገዛእ ርእሱ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኣሕሊፉ ዝሃበ ኢየሱስ
ክርስቶስ ጐይታና ንምለስ። እቲ ካብ ኩሉ ዝበልጽ ሰላም ኣምላኽ ብክርስቶስ ኢየሱስ ኣብ ሕይወትኩም ይብጻሕ።
……..ይቕጽል
No comments:
Post a Comment