ሕዝበይ ንኣይ ፈልፋሊ ማይ ሕይወት ንዝዀንኩ ብምኅዳጎምን፡ ንርእሶም ከኣ ማይ ዘየዕቊር ነቓዕ ሓጽብታት ብምዂዓቶምን ክልተ ኃጢኣት ገይሮም እዮም እሞ፡ ኣቱም ሰማያት፡ በዚ ተገረሙ፡ ሰምብዱ፡ ኣዚኹም ውን ራዕራዕ በሉ፡ ኣነ እግዚኣብሔር ተዛሪበ ኣሎኹ። ኤር 2፡12-13
ኦ ኣምላኸይ እቲ ኣባና ዘርኣኻዮ ፍቕሪ መዘና የብሉን። ንሕና ገና ድኹማት ኩሎና ንሓደ ወድኻ መድኅን
ዓለም ክኸውን ለኣኽካዮ፡ እዚ ፍቕሪ’ዚ ኸኣ ፍጹም ዘይዕቀን ዘለዓለማዊ እዩ። ኣብ ሃገር ምዉታን ንሰብ ተስፋ ዝዀነ`ኸ መን`ዩ፧
ሓደ`ኳ ኣይነበረን። ኣምላኸይ ብርሃን ጽድቂ ምእንቲ ክንርኢ ንቅዱስ ወድኻ ሓዋርያ ጌርካ ናባና ለኣኽካዮ። ስለ እዚ ዓቢይ ክብሪ
ኸኣ ብስም ኢየሱስ ክርስቶስ አመስግነካ ኣሎኹ። ኣርዑት ሞት ካባና ከተርሕቕ፡ ነቶም ዝረኸሱ ክትቅድስ፡ ነቶም ኣብ ጸልማት እንነብር
ዝነበርና ኸኣ ብርሃን ኴንካ ዝተገለጽካ ወልደ እግዚኣብሔር ኢየሱስ ክርስቶስ ስምካ ይባረኽ። ንስኻ ንጥፉእ ክትደሊ ኢኻ ዝመጸኻ፡
ሓቂ ብሓቂ ኸኣ ተስፋ ኃጥኣን ንስኻ በይንኻ ኢኻ። ንስኻ`ኮ ብርሃን ክንርኢ ዝገበርካና፡ ኣረጊት መዋቲ ዘርኢ ሓዲግና ብሓድሽ መለኮታዊ
ዘርኢ ክንነብር እንደገና ዝፈጠርካና እንኮ ፈታዊና ኢኻ። ደምካ ኃጢኣትና ሓጺቡ ኣጽዲቑና እዩ ምእንትዚ ኸኣ ንዘለዓለም ክንባርኸካ
ኢና። ብቅዱስ መንፈስ ተሓቲምና ውሉድ ኣምላኽ ኢና`ሞ ዘፍርሃና ዀነ ዘሸብረና የልቦን። ኦ ሞት ኣበይ ኣሎ ሓይልኻ እናበልና ብሓይሊ
ደምካ ንዘለዓለም ንምካሕን ንዝምርን ኣሎና። ምድርና ብወንጌልካ ምልኣያ፡ ኩሉ ዝርኡ ክርዳድ ከኣ ካብ ቃልካ ዝተላዕለ ከንቱ ይኹን።
ንእግዚኣብሔር ኣቦና ስለ ኹሉ ነገር ብስም ኢየሱስ ክርስቶስ ስብሐት ይኹን።
ዝወደቐ ሰብዶ ኣይትንሥእን`ዩ᎒ መገዲ ዝተጋገየ ሰብዶ ኣይምለስን`ዩ᎒ (ኤር 8፡4)
ኣብቲ ጽላሎትኪ ዘጽለለ ኣይርእይን ኩነኔ?
“ንሱ ርእስኻ ክጭፍልቕ እዩ” ዘፍ3፡15
ብድኅር`ዚ ካብ ደም ኣቤል ጻድቕ ጀሚሩ ክሳዕ ደም ዘካርያስ ወዲ በራኽዩ ዘሎ፡ ደም ቅዱሳን ነቢያት
ንምድኃን ዓለም ከም ዘይበቅዕ ምስ ረኣየ፡ ክባልህን ክብጆን መዘከርታ ሕያዋንን ምዉታንን ድማ ናብ ቅድሚኡ ከእቱ፡ ተበጃውን መድኃንን
ወዱ ሰደደልና(ቅ. ኤጲፋንዮስ ቁ. 43)። እግዚኣብሔር ንሰብ ካብ ኩሉ ፍጥረት ብዘደንቕ መገዲ እዩ ፈጢርዎ፡ ካብ እስትንፋስ ሕይወት ተኻፋሊ ዝዀነ ውን ንሱ ሰብ
እዩ። ኣምላኽ ንሰብ መጠን ኣልቦ ፍቕሪ እዩ ዘለዎ። ሰብ ኃጢኣት ምስ ፈጸመ ውን እንተዀነ እቲ ካብቲ ሰብ ብፍታዉ ዝኣተዎ ማእሠር
ሞት ከውጽኦ ብቕዓት ዘለዎ እግዚኣብሔር ጥራይ ብምዃኑ ተስፋ ኃጥኣን ኣብኡ ጥራይ እዩ ዝነበረ። ቅዱስ ጳውሎስ ከምዚ ይብል፡ ብሰሪ
ሓደ ሰብኣይ ኃጢኣት ናብ ዓለም ኣተወ፡ ብምኽንያት ኃጢኣት’ውን ሞት መጸ፡ ኲላቶም ስለ ዝበደሉ ድማ ሞት ናብ ኲሉ ሰብ ተመሓላለፈ(ሮሜ5፡12)።
ካብ ኣዳም ዝተወልደ ዘበለ ዂሉ ኣብ ትሕቲ ሞት ከም ዝተገዝአ መጽሓፍ ቅዱስ መዝጊብልና ኣሎ። በዚ ምኽንያት`ዚ ኸኣ እዩ “ሓደ`ኳ
ጻድቕ የልቦን” ዚበለ። ቅዱሳት መጻሕፍቲ ሰብ ኣብ ጸልማት ከምዝነብር ዘሎን ኲላቶም ካብቲ ዝወደቀ ባህርይ ዝተረኽቡ ብምዃኖም፡
ካብኦም ንኻልኦት ተስፋ ድኅነት ክኸውንሲ ይትረፍ ንርእሶም እኳ ከድኅኑ ከም ዘይክእሉ፡ ተስፋ ኃጥኣን ክኾኑ ከም ዘይክእሉ ገሊጹልና
እዩ። “በቲ ለውሃት ምሕረት ኣምላኽና ካብ ላዕሊ ፀሓይ በሪቑ ኪበጽሓና እዩ። ንሱ(መሲሕ) ነቶም ኣብ ጸልማትን ኣብ ጽላሎት ሞትን
ዚርከቡ ኼብርህ እዩ፡ ነእጋርና ኸኣ ናብ መገዲ ሰላም ኪመርሕ እዩ”(ሉቃ 1፡78-79)።
እዚ ዓለም`ዚ ሃገረ ሞት፡ ጸልማት ዚነግሠሉ ብምንባሩ ሓደ`ኳ ብርሃን ክኸውን ከም ዘይክእል መጻሕፍቲ
ይምስክሩ(ዮሃ1፡6-9)። እዚ ጸልማት’ዚ ኃጢኣት ድኅሪ ምፍጻሙ ዝሰዓበ እዩ። እንተዀነ ኣቦና ኣዳምን ኣዴና ሔዋንን ተስፍኦም መን
ነበረ፧ ካብ ገነት ክወጹ ከለዉ ብዘይ ተስፋ ኣይወጹን፡ ንኃጢኣተኛ ካብ ምድኃን ዝዓቢ ተስፋ የብሉን፡ በዚ ምኽንያት`ዚ ኸኣ እግዚኣብሔር
“ንሱ ርእስኻ ክጭፍልቕ እዩ” ዚብል ተስፋ ድኅነት ሃቦም። ካብ ገነት`ውን ደበሎ ከዲኑ ኣውጽኦም፡ እቲ ዝፈሰሰ ደም ምሳሌ ናይቲ
ንድኅነቶም ዝፈስስ ደም መሲሕ/ ኣድኃኒ ምዃኑ ኸኣ ተረድኡ። ብዘለዉ ቀዳሞት ኣቦታት ጽድቅና ከም ጽዩቕ ጨርቒ ኰነ ንዓ መጺኻ ኣድኅነና
እናበሉ ብተስፋ ተጸበዩ። ምምጻእ መሲሕ ከኣ መተካእታ ዘይብሉ ተስፋ ኃጥኣን ነበረ። ንኣኻትኩም ነዞም እተኽብሩኒ ግና፡
ምድኃን ኃይለይ ከም ፀሓይ ጽድቂ ኺበርቀልኩም እዩ፡ ከም ጩራ ፀሓይ ከኣ ፈውሲ ከምጽኣልኩም እዩ። ንስኻትኩም ከኣ ከም ፍታሕ ብተይ
ክትወፁን ክትዕንድሩን ኢኹም(ሚልክ 4፡2)። ኣቀዲመ እቲ ኣብ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ዘሎ ሓሳብ ክገልጽ ኢለ ምጅማረይ፡
ዝያዳ ኣተኲሮይ ኣብኡ ክገብር ስለ ዝደለኹ እየ። ኣብ ድርሰት ኣብቲ ጽላሎትኪ ሰፊሩ ዘሎ ሓሳብ ምስ’ዚ ሕያው ቃል ኣነጻጺርኩም
ክትመዝኑን ክትዕይሩን ከኣ እላቦ።ደራሲ/ት ኣብ ድርሰቱ/ታ ከምዚ ይብል፦ “ደጋፊት ድኹማት ምርኩስ ተስፋ ኃጥኣን” እዚ
ሓሳብ’ዚ ብመድሎተ ጽድቅ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ክንመዝኖ ተራና እዩ። ንሕሙም ተስፍኡ ጥዕና፡ ንኃጥእ ከኣ ተስፋኡ ድኅነት እዩ።
እዚ ተስፋ ድኅነት እዚ ኸኣ ብሞት እዩ ዝፍጸም። ቅዱሳን ኣቦታት ተስፋኦም ኣብ መሲሕ ምግባሮም ንሱ ነቲ ዝኣሠረና ገዛኢ ቀቲሉ
ብደሙ ከም ዘድኅነና ስለ ዝኣመኑ እዮም። ከምቲ ድርሰት ኣብቲ ጽላሎትኪ ዝነግረና ዘሎ ተስፋ ኃጥኣን ኣብ ድንግል ማርያም እንተዝነብር
ንምንታይ ኰን`ዩ ኣምላኽ ሰብ ክኸውን መሪጹ፧ ኣቦ ንሓደ ወዱ ዝሃበሉ ምኽንያት ኩሉ ሕዝቢ ካብ ዝጠፍእ ሓደ በጃ ዂሉ
ምእንቲ ክመውት’ዶ ኣይኰነን ፧ ደራሲ/ት ወልደ እግዚኣብሔር ኢየሱስ ክርስቶስ ሰብ ዝዀነሉ ምሥጢር ዝተረድአ/ት ኣይመስለንን። እቲ
ቅዱስ ንሱ በይኑ ተስፋ ኃጥኣን ብምዃኑ ከምዚ ከማና ሰብ ክኸውን ተገብኦ። እቶም ውሉድ ሥጋን ደምን ዝለበሱ ሰብ ስለ ዝዀኑ፡
ኢየሱስ`ውን ከምኦም ሰብ ኮነ፡ እዚ ኸኣ ብሞቱ ነቲ ኣብ ልዕሊ ሞት ሥልጣን ዘለዎ ዲያብሎስ ምእንቲ ክስዕር፡ ነቶም
ብናይ ሞት ፍርሃት ምሉእ ዕድሚኦም ባራዩ ኾይኖም ዝነበሩ ሓራ ምእንቲ ከውጽእ ኢሉ እዩ። ከመይ ብሓቂ፡ ንዘርኢ ኣብርሃም እምበር
ንመላእኽቲ ከድኅን ኣይመጸን(ዕብ2፡14-15)። ኢየሱስ ክርስቶስ ተስፋ ኃጥኣን ምዃኑ ባዕሉ ውን መስኪሩ እዩ። ንሓጥኣን ናብ ንስሓ እምበር፡ ንጻድቃን ክጽውዕ ኣይመጻእኩን፡(ሉቃ5፡32)። ወዲ ሰብ ንዝጠፍኤ ኼድሕን መጺኡ ኣሎ (ማቴ18፡11)።
ስለዚ እምበኣር ካብ ጥንቲ ተስፋ ድኅነት እቶም
ዝወደቑ ሰባት(ኃጥኣን) መሲሕ(ክርስቶስ) ደኣ እምበር ድንግል ማርያም ኣይኮነትን። ቅዱሳት መጻሕፍቲ ዘይነገሩና መንፈስ ቅዱስ ዘይሃበና
ትምህርቲ ኸኣ ክንጽየፎ እዩ ዘሎና። ተስፋ፡ ተስፋ ጥራይ ኰይኑ ኣይኰነን ዝነብር ዝፍጸመሉ እዋንን ግዜን ኣለዎ፡ ስለዚ ኸኣ እቲ
ንኣቦታትና ዝተዋህበ ተስፋ ኃጥኣን (መሲሕ) ዚመጸሉ እዋን ምስ በጽሐ፡ “ጊዚኡ ምስ በጽሐ፡ ኣምላኽ ነቶም ኣብ ትሕቲ ሥልጣን ሕጊ
ዝነበሩ ምእንቲ ከድኅን፡ ንሕና`ውን ናይ ውልድነት ሥልጣን ምእንቲ ኽንረክብ፡ ነቲ ካብ ሰበይቲ ዝተወልደ(ዘፍ3፡15)፡ ኣብ ትሕቲ
ሕጊ`ውን ዝኃደረ ወዱ ለኣኾ(ገላ4፡4-5)። ክብሪ ንእግዚኣብሔር ይኹን እቲ ክመጽእ`ዩ ዝተባህለ ንኃጥኣን ዝተዋህበ ተስፋ ተፈፀመ።
ኢየሱስ ክርስቶስ ሎሚ ውን ነቶም ኣብ ኣርዑት ኃጢኣት ዝተኣስሩ ከድኅን ዝኽእል እሙን ተስፋ እዩ። ንሱ ንኃጥኣን ዚቕበል፡ ብንጹሕ
ደሙ ውን ዝዓርቕ ሊቀ ካህናት እዩ፡ ጾርኩም ሒዝኩም ንዑ ናብኡ፡ ብሓቂ ንሱ እሙንን ደንጋጽን ሊቀ ካህናት እዩ፡ ነቶም ብእኡ ኣቢሎም
ናብ ኣቦ ዚመጹ ኸኣ ንዘለዓለም ክማልደሎም ዚነብር እዩ። ተስፍኡ ኣብ መዋቲ ሰብ ዝገብር ርጉም እዩ ከም ዝበለ ጽሑፍ፡ ተስፋኹም
ኣብ ፍጡራት ዘይኰነስ ኣብቲ ከድኅነኩም ዝኽእል ኢየሱስ ክርስቶስ ግበሩ። ድርሰት ኣብቲ ጽላሎትኪ ካብ መንፈስ ኣምላኽ ዝተረኽበት
ብዘይምዃና ከኣ፡ ብዛዕባ እቲ መጻሕፍቲ ዝመስከርዎ፡ ነቢያት ዝተነበይዎ፡ ሓዋርያት ዝሰበኽዎ ቅኑዕ ወንጌል(ብሥራት) ንሱ ኸኣ ኢየሱስ ክትገልጽ ብዘይምኽኣላ ኢክርስቲያናዊት
እያ። ልብናን ኣእምሮናን ናብቲ ሓቀኛ ዝዀነ ተስፋ ኢየሱስ ክርስቶስ ነቕልብ። ንሱ ነቶም ብእምነት ክጸድቁ ዝደልዩ ቀረባኦም እዩ።ክርስቶስ ኢየሱስ ነቶም ኣነ ዝቐዳማዮም ሓጥኣን ኬድሕን ከም ዝመጸ፡ እዚ ቓል እዚ እሙን እዩ፡ ምቕባሉውን ብዅሉ ግቡእ እዩ(1ጢሞ1፡15) መዓልቲ ምድኃን ሎሚ እያ፡ካብ ጸልማት ወጺእኩም ንብርሃን
ሓቂ ተቐበሉ ጐይታ ከምዚ ይብል፡ ”ኣነ ንዓለም ብርሃኑ እየ፡ እቲ ዚስዕበኒ ኸኣ ብርሃን ሕይወት ኪረክብ እምበር ብጸልማት
ኣይኪኸይድን እዩ” (ዮሃ8፡12)።
………ይቕጽል
ምግላጹ ይብዛሓልካ ብሩኽ ሓወይ...
ReplyDeleteኣሜን ክብሪ ኹሉ ንክርስቶስ ኢየሱስ ⶓይታና ይኹን። ተባረኽ
ReplyDelete