ሕዝበይ ንኣይ ፈልፋሊ ማይ ሕይወት ንዝዀንኩ ብምኅዳጎምን፡ ንርእሶም ከኣ ማይ ዘየዕቊር ነቓዕ ሓጽብታት ብምዂዓቶምን ክልተ ኃጢኣት ገይሮም እዮም እሞ፡ ኣቱም ሰማያት፡ በዚ ተገረሙ፡ ሰምብዱ፡ ኣዚኹም ውን ራዕራዕ በሉ፡ ኣነ እግዚኣብሔር ተዛሪበ ኣሎኹ። ኤር 2፡12-13
ኣብ ኲሉ ዘመናት ህያው ዝዀንካ ኣምላኸይ፡ ብምሉእ ልበይ አመስግነካ ኣሎኹ። እቲ ኣባና ዝዀነ ተግባር
ፍቕሪ መዘና የብሉን። ንብዘሎ ኣበሳና ኣብ ወድኻ ኣውደቕካዮ፡ ንሕና ምእንቲ ከይንጠፍእ ከኣ ብኽንድዚ ዓቢይ ፍቕሪ ንወድኻ ሃብካና።
ንሱ ገዛእ ርእሱ ከም ቅቡል መሥዋዕቲ ኣብ ቅድሜኻ ኣቕረበ፡ ብመሥዋዕቲ ሓደ ወድኻ ኸኣ ባህ በለካ። ብምፍሳስ ደም ቅዱስ ወድኻ
ኢየሱስ ተቐዲስና ኢና። ኢንታ ዘይርከቦ ንጹሕ መሥዋዕቲ፡ ኃጢኣት ከርሕቕ ዝኽእል ብቑዕ ደም ወድኻ ኢየሱስ ክርስቶስ ጥራይ እዩ።
ምእንት`ዚ ዓቢይ ግብሪ ኸኣ ንድነቕን ንግረምን ብስም ኢየሱስ ክርስቶስ ውን ነመስግነካ ኣሎና። ኦ ሊቀ ካህናት ኢየሱስ ክርስቶስ
ንዓይ ንኃጥእ ከተጽድቕን ክትቅድስን ክቡር ደምካ ኣፍሲስካ ኢኻ`ሞ ስብሓት ይኹንካ። ንስኻ ብቑዕ ኢኻ፡ ካብ ብዘሎ ነገዳትን ሕዝብታትን
ቋንቋታትን ንኣምላኽና ካህናትን መንግሥትን ክንከውን ተሓሪድካ ዓዲግካና ኢኻ፡ ብኣኻ ኣዚና ንሕጐስ ኣሎና ስምካ ይባረኽ። ንሞት
ዝሰዓርካ፡ ሕይወት ከኣ ዝሃብካና በይንኻ ኢኻ`ሞ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ስብሐት ይኹንካ። ነፍሳትና ብሳላኻ ፍጹም የዕሪፈንን
ተናጊፈንን ኣለዋ፡ ክብሪ ኹሉ ንዓኻ ይኹን ገንሸለይ። መንፈስ ቅዱስ
ንኣመንቲ እተጸናንዕ እተበርትዕ ሓቅን ጽድቅን እትነግር መንፈስ ስምካ ይባረኽ። ምልኣት መንፈስ ደረት ኣልቦ`ዩ ኪኖ መዓሙቕ ባሕርን
ብራኸ ኣኽራናትን እዩ። ኦ ጐይታ ብኃይልኻ ዓወት ረኺብና ኣሎና፡ ዘይነጽፍ ውሒዝ ፍቕርኻ ንልባትና ወርትግ ክመልኦ ንልምነካ ኣሎና።
ብኹሉ ኃይልን ጥበብን ኣዕብየና፡ ሕግኻን ቃልካን ኣብ ልባትና ይንበር፡ ኦ ጐይታ መንፈስ ቅዱስ ውህበታትካ ከምቲ ካብ ላዕሊ ዝውሕዝ
ወሓዚ፡ ንሕይወትና የጥለቕልቆ። መንፈስ ብርትዐን ኃይልን ሂብካና ኢኻ`ሞ ተባረኽ። ንምድርና ከም ቃልካ ብወንጌል ኢየሱስ ክርስቶስ
ፈውሳ፡ ብኣኻ ንእመን ንተኣማመን ኢና። ምኽሪ ክፉኣት ሰባት ብጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝፈረሰ ይኹን፡ ብርሃንካ ኣብ ልቢ ሕዝብና
ይብራህ። ስለ ዂሉ ነገር ንእግዚኣብሔር ኣቦ ብጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ስብሐት ይኹን።
ዝወደቐ ሰብዶ ኣይትንሥእን`ዩ᎒ መገዲ ዝተጋገየ ሰብዶ ኣይምለስን`ዩ᎒ (ኤር 8፡4)
ኣብቲ ጽላሎትኪ ዘጽለለ ኣይርእይን ኩነኔ?
እግዚኣብሔር ንግብጻውያን ክቐትል ክኃልፍ እዩ። ነቲ ደም ኣብ ላዕለዋይ ልዳትን ኣብ ክልቲኡ
ቐዋሚ ልዳትን ምስ ረኣየ ኸኣ ነታ ደገ ክኃልፋ እዩ፡ መልኣከ ሞት ናብ ቤትኩም ኣትዩ ኺቐትለኩም እውን ኣይኪሓድጎን
እዩ(ዘጸ12፡23)።
ዘለዓለማዊ ዝዀነ ኣምላኽና ግብሩ መስተንክር፡ዕዮኡ`ውን ፍጹም ጐደሎ ዘይብሉ እዩ። ሓሳባቱ ካብ ሓሳባትና፡
መገድታቱ’ውን ካብ መገድና ኣዝዩ ዝተፈልየ እዩ። እቲ ኣምላኽ ንዓና ዝሓሰቦ ሓሳብ ከኣ መፈጸምታን ተስፋን እንረኽበሉ ሠናይ እዩ።
ነገረ-ድኅነት ዚብል ዛዕባ ኸኣ መለኮታዊ ኣጀንዳ እዩ። ድርሰት ኣብቲ ጽላሎትኪ፡ ብሚዛን ቃለ እግዚኣብሔር ኢና ንርኢ ዘሎና። ልብታትና
ክሰፍሕ ምስትዋልና ክዓቢ ደኣ እምበር ስቕ ኢልካ ብሃውሪ ወይ ብሃሰሰ-ለባም እንጐዓዞ ሕይወት ክህሉ ኣይግባእን። ደራሲ/ት ኣብቲ
ጽላሎትኪ ኣብ መፈጸምታ ኣንቀጽ ከምዚ ይብል፡ “ እቲ ናይ ሞት መልኣኽ ንድኅሪት ክምለስ/ ጸሎትኪ’ዩ ነይሩ ናይ
ሕይወተይ ዋሕስ”። ኣብዚ ክፍሊ`ዚ ብኣተኲሮ ክንርእዮም ዝግበኣና ዓበይቲ ነጥብታት ኣለዉ። ናይ ሞት መልኣኽ ንድኅሪት ምምላሱ፡
ጸሎታ ውን ውሕስነት ሕይወት ምዃኑ ደራሲ ብኣተኲሮ ገሊጹ ይርከብ። ደራሲ/ት ነዚ ምንጪ`ዚ ካበይ ረኸቦ፧ መልኣከ ሞት`ከ መዓስ
ኰን`ዩ ንድኅሪት ተመሊሱ፧ ጸሎት ድንግል ማርያም`ከ ውሕስነት ሕይወት ድዩ፧ ዚብሉ ሕቶታት ክለዓሉ ባህርያዊ እዩ። በሉ ንዑ ነቲ
ቅዱስ ቃል መጽሓፍ ንመርምሮ፡ ጥበብን ሓቕን ከኣ ካብኡ ክንረክብ ኢና። ሞት ናብ ዓለም መዓስ`ዩ ኣትዩ ኢልና እንተሓተትና፡ ሰብ
ምስ በደለ ዚብል መልሲ`ዩ ዝወሃበና። ሰብ ኃጢኣት ምስ ፈጸመ፡ ሞት ከኣ ደሞዝ ወይ ዓስቢ ኃጢኣት ስለ ዝዀነ ሞት ኣብ ልዕሊ ሰብ
ነገሠ። ብዘሎ ሰብ ኃጥእ ከም ዝዀነ ቅዱስ መጽሓፍ ክምስክር ከሎስ፡ ኩሉ ኣብ ትሕቲ ሞት ከም ዝተገዝአ`ዶ ኣይኰነን ዝነግር ዘሎ፧
እሞ ዓስቢ ኃጢኣት ከይተኸፍለ`ኸ ከመይ ኣቢሉ`ዩ ሞት ንድኅሪት ዝምለስ፧ ንሕና ግና ኃጢኣት ገበርና፡ ንስኻ ድማ ኰረኻልና፡
ንሕና ኸኣ ኣብ ኃጢኣትና ንነዊሕ ዘመን ነበርና፡ ከመይ ኢልና ደኣ ክንድኅን ኢና፧ ኲላትና ብኃጢኣትና ረኸስና፡ ጽድቅና`ውን ከም
ጨርቂ መርገም ኮነ፡ ብሰሪ ኃጢኣትና ኸኣ ከምቲ ንፋስ ንየው ነጀው ዚብቊጾ ንቑጽ ቈጽሊ ኾንና(ኢሳ64፡5-6)። ብምባል
ነብያት ብሃረርታ ምድኃን ክመጻሎም ይጽበዩ ነበሩ። ዓስቢ ኃጢኣት ዝዀነ ሞት ብኸመይ ከም ዝስገር እግዚኣብሔር ንሕዝቡ ኣርእዩ ኣሎ።
ኣብ ምድሪ ግብጺ ዝነብሩ ዝነበሩ ሰባት፡ እስራኤላውያን ኰነ ግብጻውያን ካብ ኣዳም ዝተረኽቡ ሞት ከኣ ኣብኦም ዝሠልጠነ ነበሩ።
እግዚኣብሔር ብመገዲ ነቢየ እግዚኣብሔር ሙሴ፡ ሥርዓት ፋሲካ(ምኅላፍ) ንእስራኤል ሃቦም።
“ በዛ ለይቲ እዚኣ ብምድሪ ግብጺ
ክሓልፍ እየ፡ ንዂሉ ሰብ ክሳዕ እንስሳ ክቐትል እየ። ንዂሎም ኣማልኽቲ ግብጺ ኸኣ ኽቀጽዖም እየ። ኣነ እግዚኣብሔር እየ። እቲ
ደም ኣበየኖት ኣባይቲ ከም ዘሎኹም ምልክት ኺኾነኩም እዩ፡ ኣነ ኸኣ ነቲ ደም ምስ ረኣኹ ኽኃልፈኩም እየ።ንምድሪ ግብጺ ክወቕዓ
ከለኹ ድማ እቲ ዝቐትል መዓት ኣይክትንክፈኩምን እዩ(ዘጸ12፡12-13)። እስራኤላውያን ካብቲ ዝወርድ ነበረ መዓት፡ ቤቶም
ብደም ገንሸል ኣወቂቦም ምልክት ብምግባሮም ብሕይወት ተረፉ። እቲ መልኣከ ሞት ነቲ ደም ምስ ረኣየ፡ ነታ ደገ ኃሊፍዋ ከደ ምኽንያቱ
ኣብ ክንድኦም ዝተሰውአ ገንሸል ንዕኦም ሓርነት ኣወጀሎም። እቶም ሞት ዝግብኦም ኣብ ጽላል ደም ብምጽላሎም፡ ካብ ሞት ደሓኑ። ኃይሊ
ደም ንሞት ክገዝእ ዝኽእል ሥልጣን ከም ዘለዎ ኸኣ ተመስከረ። እዚ ምሳሌ ናይቲ ክመጽእ ዘለዎ ሠናይ ነገር ነበረ። ሰባት ከይሞቱ፡
እቲ ብምኽንያት ኃጢኣት ዝመጽእ ቊጥዓ ኸኣ ከይበጽሖምን ቀጺሉ ውን ውሕስነት ክህቦምን ዝኽእል ደም ኢየሱስ ክርስቶስ ጥራይ እዩ። ጸጋ ኣምላኽ ተገሊጹ እዩ እሞ፡ ንዅሉ ሰብውን ምድሓን ኣምጺኡ`ዩ(ቲቶ 2፡11)፡ ተባሂሉ ከም ዝተጻሕፈ ንኃይሊ
ሞት ክገዝእ፡ ነቶም ምሉእ ዕድሚኦም ከኣ ባራዩ ኰይኖም ዝነበሩ፡ ብምፍሳስ ደሙ ከድኅን ክርስቶስ ኢየሱስ ሰብ ኮነ። ስለዚ እምበኣር
ቅዱሳት መጻሕፍቲ ከም ዝነግሩና፡ እቲ ብክርስቶስ ኢየሱስ ዝኣምን ብደሙ ተሓጺቡ ጻድቕ ስለ ዝኸውን ሞት ኣብኡ ሥልጣን የብሉን።
”ብእኡ ዝኣምን ዘበለ ዂሉ ናይ ዘለዓለም ሕይወት ምእንቲ ኪረክብ እምበር ከይጠፍእሲ፡ ከምቲ ሙሴ ኣብ በረኻ ንተመን
ዝሰቐሎ፡ ወዲ ሰብ(ኢየሱስ) ድማ ክስቀል ይግባእ እዩ። በቲ ሓደ ወዱ ዝኣመነ ዂሉ ናይ ዘለዓለም ሕይወት ምእንቲ ኽረክብ እምበር
ከይጠፍእሲ፡ ኣምላኽ ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ ክሳዕ ክንድ`ዚ ንዓለም ኣፍቀራ። ምኽንያቱ ኣምላኽ ንወዱ ናብ ዓለም ዝለኣኾ፡
ዓለም ብእኡ ምእንቲ ኽትድኅን እምበር ንዓለም ኪፈርድ ኢሉ ኣይኮነን። እቲ ብእኡ ዚኣምን ኣይክፍረዶን እዩ፡ እቲ ብእኡ
ዘይኣምን ግና ብሓደ ወዲ ኣምላኽ ስለ ዘይኣመነ ድሮ ተፈሪድዎ እዩ(ዮሃ3፡15-18)።
እቲ ብኢየሱስ ክርስቶስ ዝኣምን ብደሙ ዝተቐደሰ
ብምዃኑ ሞት ኣብኡ ሥልጣን የብሉን፡ ፍርሃት ሞት ከኣ ኣብኡ የልቦን። ሎሚ ብዙኃት ሰባት ሞት ክሰምዑ ከለዉ ይፈርሁን ይምብድበዱን
ምኽንያቱ ኸኣ ብክርስቶስ ኢየሱስ ስለ ዘይኣመኑ እዮም። እቶም ብኢየሱስ ክርስቶስ ዝኣመኑ ግን ብደሙ ዝጸደቑ ስለ ዝዀኑ ኲነኔ የብሎምን፡
ንኣይ ሕይወተይ ማለት ክርስቶስ እዩ፡ ሙማት ከኣ ረብሓይ እዩ(ፊሊ1፡21) እናበሉ እዮም ዝዝምሩ። እቶም ብክርስቶስ ኢየሱስ ዘይኣመኑ
ንዕኡ ከም ጐይታን መድኃንን ሕይወቶም፡ ከም ወዲ ኣምላኽን ሊቀ ካህኖም(ዓራቒኦም) ዘይተቐበሉ ግን ፍርሃት ሞት ዘለዎም፡ ቊጥዓ
ኣምላኽ ዝጽበዮም ሰባት እዮም። ውሕስነት ሕይወት ሰብ፡ ናይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ደም ጥራይ እዩ። በዚ ምኽንያት ድርሰት ኣብቲ
ጽላሎትኪ፡ ንድንግል ማርያም ውሕስነት ሕይወትን ንመልኣከ ሞት ንድኅሪት እትመልስን ጌሩ ምቕማጡ፡ ካብ ትምህርቲ እግዚኣብሔር ዝወጸ
ክሕደት እዩ። ሰብ ንክርስቶስ ኢየሱስ ብእምነት ብምቕባል ከም ዝድኅንን ውሕስነት ሕይወት ከም ዝረክብን ቅዱሳት መጻሕፍቲ ይዛረቡ
ኣለዉ፡ እቲ ብናይ ሓሶት ትምህርቲ ነዚ ቅኑዕ ትምህርቲ ክጻረር ዝደሊ ግና ኣብ ደም ኢየሱስ ክርስቶስ ዕሽሽ ብምባሉ ኣብ ቁጥዓ
ከም ዝወደቐ ክፈልጥ ይግባእ። ስለዚ ምእንቲ ኸይንጠፍእ ናብቲ ዝሰማዕናዮ ኣዚና ኸነቕልብ ይግብኣና እዩ። እቲ ብመላእኽቲ ዝተነግረ
ቓል ክትእዘዞ ዝግባእ ሓቂ ካብ ኮነ፡ ኲሉ በደልን ዘይምእዛዝን ከኣ ፍርዱ ዚቕበል ካብ ኮነ፡ ንሕና ግዳ ንኽንድዚ ዚዓቢ ምድኃን
ዕሽሽ ክንብል ከሎና ከመይ ጌርና ክንመልቚ ንኽእል፧ እዚ እቲ ብመጀመርታ ብጐይታ ዝተነግረ ድኅነት፡ በቶም ዝሰምዕዎ ተረጋጊጹልና
እዩ። ኣምላኽ ከኣ ብትእምትርን ብዘደንቕ ነገራትን ብበበይኑ ዝኾነ ተኣምራትን በቲ ኸም ፍቓዱ ዚዕድሎ መንፈስ ቅዱስን ገይሩ ኣረጋጊጹልና
እዩ(ዕብ2፡1-4)።
ኦ ክቡር/ቲ ኣንባቢ/ት ነቲ
ካብ ሰማይ ዝዛረበና ዘሎ ነቕልበሉ፡ ሕይወትናን ሕይወት ወለዶታትን ከም ፍቓድ ኣምላኽ ክምራሕ ሎሚ ንወስን። ብዘይካ ኢየሱስ ክርስቶስ
ሞት ዝስዕር ሓደ`ኳ የልቦን፡ ካብ ሞት ከድኅን ዝኽእል ውን ሓደ`ኳ የልቦን፡ ብእኡ ምእማን ብደሙ ምቕዳስን ዘለዓለማዊ ውሕስነትን
ዘለዎ እዩ። ደጊም ካብ ከንቱ ኣተሓሳስባ ሰባት ሓራ ክትወጹ ብጐይታና
ኢየሱስ ክርስቶስ እምሕጸነኩም ኣሎኹ። ኣብ ሕይወትኩም ንዘይረብሑ ከንቱ ጽሑፋት ከተተግብሩ ኣይትድከሙ፡ ግዜኹም ከም ለባማት ተጠቐምሉ፡
መገድን ሓቕን ሕይወትን ክርስቶስ ኢየሱስ ሎሚ ውን ኣእዳዉ ዘርጊሑ
ይጽበየኩም ኣሎ።
ድርሰት ኣብቲ ጽላሎትኪ፡ ብሚዛን ቃለ እግዚኣብሔር፡” ቴቄል”(ቴቄል፣ ብሚዛን ተመዚንካ፣ቀሊልካ ተረኽብካ(ዳን 5፡26-28) ኰይና ተረኺባ እያ፡ ስለዚ ሕይወትና ክንሕሉ ይግባእ። ኣብ መፈጸምታ ንደረስቲ እዛ ድርሰት ኰነ፡ ንደረስቲ መዛሙር ሃገርና ከሕልፎ ዝደሊ መልእኽቲ፡ ዕዮና ከም ፍቓድ ኣምላኽ ቅዱሳት መጻሕፍቲ(መጽሓፍ ቅዱስ) መሠረት ዝገበረ ይኹን፡ “እዞም ሓሰውቲ ጸሓፍቲ ንሕገይ ለዊጦሞ፡ ንቓለይ ከኣ ወጊዶሞ እዮም” ዚብል ሕያው ቃል ኣምላኽና ኣባና ከይፍጸም ንጠንቀቕ። ዝወደቐ ሰብ ከም ዝትንሥእ፡ መገዲ ዝተጋገየ ውን ከም ዝምለስ ንሕናውን ንበደልናን ንበደል ኣቦታትናን ክንስሓሉ ይግባእ እዩ። እቲ ብዘመናት ኩሉ ሕያው ዝዀነ ኣምላኽ፡ ከምቲ ፍቓዱን መደቡን ብክርስቶስ ኢየሱስ ብምእማን ክንነጽህ ይጽወዓና ኣሎ`ሞ ንጽውዓኡ ተቐቢልና ብሓድሽ ሕይወት ንመላለስ። ስለ ኹሉ ነገር ንእግዚኣብሔር ኣቦ ብስም ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ስብሐት ይኹን።
ድርሰት ኣብቲ ጽላሎትኪ፡ ብሚዛን ቃለ እግዚኣብሔር፡” ቴቄል”(ቴቄል፣ ብሚዛን ተመዚንካ፣ቀሊልካ ተረኽብካ(ዳን 5፡26-28) ኰይና ተረኺባ እያ፡ ስለዚ ሕይወትና ክንሕሉ ይግባእ። ኣብ መፈጸምታ ንደረስቲ እዛ ድርሰት ኰነ፡ ንደረስቲ መዛሙር ሃገርና ከሕልፎ ዝደሊ መልእኽቲ፡ ዕዮና ከም ፍቓድ ኣምላኽ ቅዱሳት መጻሕፍቲ(መጽሓፍ ቅዱስ) መሠረት ዝገበረ ይኹን፡ “እዞም ሓሰውቲ ጸሓፍቲ ንሕገይ ለዊጦሞ፡ ንቓለይ ከኣ ወጊዶሞ እዮም” ዚብል ሕያው ቃል ኣምላኽና ኣባና ከይፍጸም ንጠንቀቕ። ዝወደቐ ሰብ ከም ዝትንሥእ፡ መገዲ ዝተጋገየ ውን ከም ዝምለስ ንሕናውን ንበደልናን ንበደል ኣቦታትናን ክንስሓሉ ይግባእ እዩ። እቲ ብዘመናት ኩሉ ሕያው ዝዀነ ኣምላኽ፡ ከምቲ ፍቓዱን መደቡን ብክርስቶስ ኢየሱስ ብምእማን ክንነጽህ ይጽወዓና ኣሎ`ሞ ንጽውዓኡ ተቐቢልና ብሓድሽ ሕይወት ንመላለስ። ስለ ኹሉ ነገር ንእግዚኣብሔር ኣቦ ብስም ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ስብሐት ይኹን።
ተፈፀመ
No comments:
Post a Comment