Tuesday, March 31, 2020

ግኖስቲካውያን( ሰብአ ፈጠራ) 2ይ ክፋል



ግኖስቲካውያን( ሰብአ ፈጠራ) 2ይ ክፋል

ሕያውን ዘለዓለማውን ኣምላኸይ እግዚኣብሔር ስምካ ይባረኽ። ንስኻ በይንኻ ካብ ጥንቲ ንምድርን ኣብኡ ንዘሎ ነገራትን ዝፈጠርካ ኢኻ፡ ንስኻ ምንጪ ዂሉ ሕይወት ኢኻ፡ ከማኻ ዝበለ ኸኣ ሓደ እኳ የልቦን። እቲ ኣብ ሰብ ዘሎካ ፍቕሪ መዘና የብሉን፡ ንሓደ ወድኻ ኢየሱስ ክርስቶስ ክሳዕ መሃብ ክሳዕ ክንድዚ ኣፍቀርካና። ንዘለዓለም ምእንቲ ክንዕልለልካ ኣምላኽ ምእንቲ ስም ኢየሱስ ክርስቶስ ክትብል ባርኸና። ተሓሪድካ ከተድኅነና ዝፈተኻ ኢየሱስ ክርስቶስ ስምካ ይባረኽ፡ ንዓኻ ንበይንኻ ምስጋና ይግበኣካ ንሕይወትካ ተሓጒስካ ዝሃብካና ሊቀ ካህንና በይንኻ ንስኻ ኢኻ፡ ጐይታ ዘወትር ምእንቲ ክንባርኸኻ ንከናፍርና ብውዳሴኻ ምልኣዮ፡ ንጽሑፍ እቶም ሕሱማት ጸሓፍቲ ካብ ምድርና ወግዶ፡ ንዓኻ ምስ ረኸብና ተጸናንዒናን ተሓጒስናን የዕሪፍናን ኣሎና፡ ብዘይካኻ እንደልዮ ዀነ እንብህጐ ኸኣ ሓደ` የልቦን። ጐይታ መንፈስ ቅዱስ እተበርትዓና ኣቦና፡ ከም ሓጺን ኣስራዚ ኣብ ቅድሚ ብዙኃት ደው እተብለና ንስኻ ኢኻ፡ ንስኻ ካብ ምኽሪ ክፉኣት ከተናግፈና፡ ካብ ቅልጽም ሓያላት`ውን ክትብጀወና እትኽእል ጸግዕና ኢኻ` ስምካ ይባረኽ። ንሕና ንደልያካ ኣሎና ንምድርና ካብቲ ኣርኪስዋ ዘሎ ተግባር ኣንጽሃያ፡ ጐይታ ንሕዝብና ምስትውዓልን ጥበብን ክትዕድሎ፡ ወርትግ ውን ብቃል ኣምላኽ ክምላእ ክትረድኦ ብስም ኢየሱስ ናዝራዊ እልምን ኣሎኹ። ንስኻ ጸግዕና ኢኻ፡ ከውልናን እምባናን ጐይታ መንፈስ ቅዱስ ኢኻ፡ ብመገድኻ ምርሓና። ንእግዚኣብሔር ኣቦ ብስም ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ስብሓት ይኹን።

ኣምላኽ ብመጀመርታ ሰማይን ምድርን ፈጠረ። ዘፍ11

ዓለም ከመይ ኢላ ከም ዝተፈጥረት`ዶ  ኣየስተውዓልኩምን ኢኹም፧ እቲ ኣብ ልዕሊ እታ ኸባብ ምድሪ፡ ኣብ ዝፋኑ ዚቕመጥ እዩ ዚፈጠራ(ኢሳ 40፡21-22)። እግዚኣብሔር ጐይታ ሠራዊት ነቲ ኣብ ዓለም ዝርአ ግሁድን ከምኡ`ውን ነቲ ዘይርአ ሥዉርን ዝፈጠረ ንሱ በይኑ ምዃኑ`ዩ ቅዱስ መጽሓፍ ዝነግረና ሓቂ እዩ፡ ብሓቂ ነዚ ሥልጡን ኣምላኽ ክብሪ ይኹኖ።

ኣብ ዝሓለፈ ቀዳማይ ክፋል ኖስቲካውያን መን ምዃኖምን መሠረት ትምህርቶም ገይሮም ዝጥቀሙሎም ሥነ- ሓሳባት ውን ናይ እኒ መን ምዃኖም ርኢና ነይርና። ሎሚ ኸኣ እቲ ቀዳማይ መለለዪ ትምህርቲ ኖስቲካውያን ዝዀነ “ምንታዌ”፡ ድዋሊዝም(ክልተኣውነት) ዚብል ኣስተምህሮ ክንርኢ ኢና። ሎሚ ኣብ ቤተክርስቲያን ሰሊዀም ብምእታው ተሰዂዖም ንዝርከቡ ኖስቲካዊ ትምህርቲ መሠረት ዝገበሩ ትምህርታት ብቓል ኣምላኽ ክንምሕዎም ፍቓድ ሕያው ኣምላኽና እዩ። እቲ ቅዱስ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክንክተል እሞ ካብ ከንቱ ትምህርታት ሓራ ክንውጽእ ይግባእ። ጐይታ መንፈስ ቅዱስ ጸጋኡ ይዓድለና።

ግኖስቲካውያን ትምህርቲ ክልተ ኣማልኽቲ ወይ ምንታዌ(ማንታነት)ዚኽተሉ እዮም። ብኣተሓሳስባ ግኖስቲካውያን ክልተ ኣማልኽቲ ኣለዉ ተባሂሉ`ዩ ዝእመን፡ እዚኣቶም ከኣ ሠናይ ኣምላኽን ክፉእ(እከይ) ኣምላኽን ተባሂሎም ይፍለጡ። ኣብ ዓለም ዘሎ ኲሉ ክፉእ ነገር ክፉእ ኣምላኽ ፈጠሮ፡ ኲሉ ጽቡቕ ነገር ከኣ ሠናይ ኣምላኽ ፈጠሮ። ንጸልማት ዝፈጠረ ክፉእ ኣምላኽ ክኸውን ከሎ ንብርሃን ዝፈጠረ ከኣ ሠናይ(ሕያዋይ) ኣምላኽ እዩ። ካብዚ ሥነ-ሓሳብ እዚ ተላዒሎም ከኣ ነቲ ሕያዋይ ኣምላኽ ልዑላዊ ብምግባር፡ ረቂቕን ዘይርአን ዓለም ዝፈጠረ ሉዓላዊ ሠናይ ኣምላኽ እዩ፡ ነቲ ዝርአን ግዙፍን ዓለም ዝፈጠረ ኸኣ ትሑታውን ክፉእን ኣምላኽ እዩ ይብሉ ነበሩ። ብትምህርቲ ግኖስቲካውያን ሠራዒ ብሉይ ኪዳን ዝዀነ አምላከ እስራኤል ክፉእ ኣምላኽ እዩ፡ ብእምነት ዘይኰነስ ብፍልጠት ምፍልሳፍ ይደልዩ ብምንባሮም፡ ብሉይ ኪዳንን ናይቲ ብሉይ ኪዳን ውን ተቐበልቲ ንዝዀኑ ኣይሁድን ኣምሪሮም ይጸልእዎም ነበሩ። ምስ ሓዲስ ኪዳን ግን ፍጹም ክረሓሓቁ ስለ ዘይክእሉ እዚ ማለት ኣብ ሓዲስ ኪዳን ዝስበኽ ትምህርቲ ክርስትና፡ ንኣሕዛብ ውን ክሓቊፍ ዝኽእል(ብወገን ዘየዳሉ)ስለ ዝዀነ ፡ ንኣቦ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ መሥራቲ ሓዲስ ኪዳን ብምዃኑ ሠናይ ኣምላኽ እዩ ይብሉ ነበሩ።

እዚ ትምህርቲ`ዚ ኸኣ ነቲ “በቀዳሚ ገብረ እግዚአብሔር ሰማየ ወምድረ” ኣምላኽ ብመጀመርታ ሰማይን ምድርን ፈጠረ ዚብል ፈላሚ ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝጻረር እዩ። በይናዊ ንዝዀነ ኣምላኽነት እግዚኣብሔር ጐይታ ሠራዊት ውን ዝኽሕድ ትምህርቲ እዩ።




Sunday, March 29, 2020

ብእምነት እትርከብ ጽድቂ ዕብ 11፡7



                             ብእምነት እትርከብ ጽድቂ ዕብ 11፡7

እግዚኣብሔር፡ እምነት ጽድቂ እንረኽበሉ  ሃቀና ልቢ ክኸውን ንምንታይ መረጸ ኢልና ክንሓትት ንኽእል ኢና። እግዚኣብሔር ብሓቂ ነቶም ኩሎም  ፍቕሪ ዘርእዩ ጽድቂ ክህቦም ንምንታይ`ዩ ዘይከኣለ፧ ወይ ደስታን ዕግበትን፧ ወይ ውን ትሕትናን ጥበብን ንዘርእዩ ኩሎም ጽድቂ ክህቦም ዘይምውሳኑ ንምንታይ`ዩ፧ እግዚኣብሔር እምነት ጽድቂ ክንቅበለሉ እንኽእል መገዲ ክኸውን ንምንታይ መረጸ፧

እቲ ምኽንያት ከም እንርእዮ፡ እምነት ኣብ ገዛእ ርእስና እንድገፈሉ ጉዳይ ዘይኰነ መገዲ ልቢ ብምዃኑ እዩ። ብመሠረቱ ውን ብእምነት ናብ ክርስቶስ ክንቀርብ ከሎና፡ “ ምሩኽ ኰይነ እየ፡ ካብ ሕጂ ንደሓር ኣብ ገዛእ ርእሰይ ኰነ፡ ኣብ ግብረይ ኣይድገፍን እየ፡ ገዛእ ርእሰይ`ውን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ከጽድቅ ከም ዘይክእል ፈሊጠን ተረዲኤን ኣሎኹ። ምእንትዚ ኸኣ ኦ ኢየሱስ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ጻድቕ ጌርካ ከተቕርበኒ ንዓኻ ብፍጹም ኣሚነ ኣሎኹ፡ ደገፈይ ውን ብፍጹም ኣባኻ እዩ”  ብምባል ኢና። ስለዚ ኸኣ እምነት ተቓራኒ ናይቲ ኣብ ገዛእ ርእስና እንድገፎ እዩ፡ ብግብሪ ገዛእ ርእስና ዘይኰነስ ምሉእ ብምሉእ ኣብቲ ካብ ኣምላኽ ዝወሃብ ነጻ ውህበት(ጸጋ) ዝድገፍን ምሉእ ብምሉእ ውን ምስ ድኅነት ዝገጣጠም ሃቀና ልቢ እዩ። ስለዚ ኸኣ ቅዱስ ጳውሎስ ከምዚ ይብል፡ እታ ተስፋ ካብ እምነት እያ፡ ስለዚ ዘርኢ ኣብርሃም ኲሎም ነዛ ተስፋ እዚኣ ብጸጋ ክወርስዋ እዮም(ሮሜ4፡16)

ካብ ዘንበብክዎ

Thursday, March 26, 2020

እቲ ናይ ብሓቂ ህላዌ ዘለዎ ግና ክርስቶስ እዩ



እዚ ዂሉ ናይቲ ክመጽእ ዘለዎ ጽላሎት እዩ። እቲ ናይ ብሓቂ ህላዌ ዘለዎ ግና ክርስቶስ እዩ።
ቆሎ 2፡17
ኦ እግዚኣብሔር ጐይታ ሠራዊት ብእኡ ምእንቲ ከነዕርፍ ንሓደ ወድኻ ኢየሱስ ክርስቶስ ስለ ዝሃብካና አመስግነካ ኣሎኹ። እቲ ኣብ ሕጊ ሙሴን መዝሙራን መጻሕፍቲ ነቢያትን ብምሳሌ ዚተገልጸ ዕረፍቲ”ሰንበት” ቅዱስ ወድኻ ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ`ሞ ስሙ ይባረኽ። ኦ ናይ ዘለዓለም ዕረፍተይ ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ንዝኸበደኒ ጾር ዘርሓቕካ እሙን መድኅነይ ኢኻ`ሞ ስምካ ይባረኽ። ንስኻ ናይቶም ብኣኻ ዝኣመኑ ኩሎም ሰንበት፡ ዕረፍቲ ኢኻ ዘወትር ኣዕይንትና ናባኻ ክጥምታ ርድኣና። ኦ ጐይታ መንፈስ ቅዱስ ባርኸና ሓቀኛ መገዲ ሕይወት ምርሓና፡ ነቲ ብሕሱማት ጸሓፍቲ ዝተዘርአ ክርዳድ ብኃይሊ ቃልካ ኣጥፍኣዮ ንሕዝብና ውን ሕግኻ ምእንቲ ክርዳእን ከስተንትኖን ምስትውዓል ሃቦ። ጐይታየ ንስኻ ሓላዊና ኢኻ`ሞ አመስግነካ ኣሎኹ። ንእግዚኣብሔር ኣቦ ብስም ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ስብሐት ይኹን።

ሰንበት(ግእዝ)፡ ሳባት(ዕብራይስጥ)፡ሳባቲስሞስ(ግሪክ) ዕረፍቲ(ትግርኛ)
ቅድሚ ዂሉ ነገር ነቲ ኣቦ ብርሃናት ዝዀነ እግዚኣብሔር ኣቦ ብስም ሓደ ወዱ ኢየሱስ ክርስቶስ ምስጋና ይኹን። ኣብ ኩሉ ዘመናት ዚረድኣናን ዝሓለወናን ንሱ በይኑ እግዚኣብሔር እዩ። ከም መጠን ዓቢይ ምሕረቱ ክሳዕ እዛ ሰዓት እዚኣ ዝሓለወና ስሙ ይባረኽ። ቅድሚ ገለ እዋናት ኣብ መራኸቢ ብዙኃን፡ ብዛዕባ ቅድስት ኣብ ዚተሰብከ ስብከት፡ ንሰንበት ብዚምልከት ካብ ትምህርቲ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ዝወጸ  ስብከት ተሰቢኹ ርኢና ኣሎና። ነዚ ጽሑፍ እዚ ክጽሕፍ ዝደረኸኒ ኸኣ እቲ ትምህርቲ ኢመጽሓፍ ቅዱሳዊ ትምህርቲ ብምዃኑ ብሚዛን ቃል ኣምላኽ ክዕየር ውን ግቡእ ስለ ዝዀነ እየ። ካብ ሓቐኛ ዚዀነ ወንጌል ዚተፈልየ፡ ኩሉ ትምህርቲ ማለት ንክርስቶስ ኢየሱስ ዘየኽብር ትምህርቲ ካልእ ወንጌል ምዃኑ ክንግንዘብን ክንጥንቀቕን ይግበኣና እዩ። እቲ ከም መወከሲ እዚ ትምህርቲ ቀሪቡ ዘሎ “አንድምታ ውዳሴ ማርያም” ኣስፊርዎ ዘሎ ሓሳብ ብቃል ኣምላኽ ክስፈር`ዶ ኣይምተገብአን`ዩ? ኣብዞም ዘመናት እዚኦም ሥልጣን መጽሓፍ ቅዱስን ልዕልናኡን መለኮታዊ ትኅዝትኡን ባይታ ወዲቁ ይርከብ። ንሱ እንኮን ብሉጽን መልእኽቲ ሕያው ኣምላኽን መዐቀኒ ኲሎም ጽሑፋትን እዩ። ምስ ሓሳብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘይሳነ መጽሓፍ ከኣ ዘቊጸሮ ዘመናት ብዘየገድስ ካልእ ወንጌል ብምዃኑ ተቐባልነት የብሉን።

1 1.አንድምታ ውዳሴ ማርያም ዘእሑድ፦  ውዳሴሃ ለእግዝእትነ ማርያም ድንግል ወላዲተ አምላክ ዘይትነበብ በዕለተ ሰንበተ ክርስቲያን። ናይ ኣይሁድ ሰንበት ስለ ዘላ ካብኣ ንኽፈሊ ሰንበተ ክርስቲያን በለ። እዚኸ ብኸንቱ`ዶ እዩ? በዛ ዕለት እዚኣ ብሓቂ ፍስሃ ቤተክርስቲያን ተፈጸመ ከም ዚብል። ክልተ መዓልቲ ዘኽብር እንተዀነ፡ ዓርቢ ናይ ምሸት ይወጽእ እሑድ ናይ ምሸት ይምለስ። ሓንቲ መዓልቲ ዘኽብር እንተዀነ፡ ቀዳም ናይ ምሸት ይወጽእ፡ እሑድ ናይ ምሸት ይምለስ። ከምዚ እናበለ ክነብር ከሎ፡ ጐይታ ዚመጸላ ዕለተ እሑድ`ያ`ሞ ብዝወጾ ይተርፍ።

  2 ሰአሊ ለነ ሰንበተ ክርስቲያን ቅድስት፡ ለዉሉደ ሰብእ መድኃኒት፡ ወእስከ ለዓለም ሰፋኒት፡ ንዂሎም ደቂ-ሰባት መድኃኒት ዝዀንኪ፡ ክሳዕ ዘለዓለም`ውን ገዛኢት ዝዀንኪ ሰንበተ ክርስቲያን ለምንልና/ (መጽሐፈ ሰዓታት)

ክቡራት ኣኅዋተይን ኣኃተይን ነበብቲ እዚ ጽሑፍ፣ ሎሚ ንሕና ከም ሰብ ቤርያ እቲ ተጻሒፉ ዘሎስ ከም ፍቓድ ኣምላኽ ድዩ? ተጻሒፉ ዘሎ ብምባል ብሚዛን ቃል ኣምላኽ ክንምርምሮ ይግበኣና እዩ። ኣብ ቁጽሪ 1ን2 ዘለዉ ሓሳባት ብቐጥታ ካብቶም ተጠቂሶም ዘለዉ መጻሕፍቲ ዚተጻሕፉ እዮም። ኣብ ምድርና ብዙኃት ንቃል ኣምላኽ ለዊጦሞን ቀይሮሞን እዮም፡ እዚ ተግባር እዚ ኸኣ ሕይወት ቀዳሞት ወለዶታት ዘጥፍአ ንዓና`ውን ከጥፍኣና ዚኽእል ከም መንሽሮ ዚላባዕ ትምህርቲ እዩ። ቅዱስ ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ ከምዚ ብምባል ጸሓፈሉ፡ ንቓል ሓቂ ትኽንትኽ ዚምህር፡ ዜኅፍር ዘይብሉ ዝተመስከረሉ ኣገልጋሊ ጌርካ ገዛእ ርእስኻ ንኣምላኽ ከተወፊ ጸዓር(2ጢሞ215) መዐቀኒ ሓደ ቕኑዕ ኣገልጋሊ ኣምላኽ፡ ንቓል ኣምላኽ ትኽንትኽ ምዝራቡ እዩ። ኣብ ታሪኽ ክርስትና ምድርና ካብ ቓል ሓቂ ወጺኦም ዝተፈጸሙ ፍጻሜታት ማእለያ የብሎምን ክሳዕ ሕጂ ውን ይቕጽሉ ኣለዉ።

ኣብ ብሉይ ኪዳን ከም ጽላሎት ኰይኖም ዚተገልጹ ንእስራኤል ዚተዋህቡ ውህበታት ኣለዉ፡ እዚኣቶም ኲሎም ከኣ ንምምጻእ መሲሕ ዘመልክቱ ደኣ እምበር ብቐንዱ ንሳቶም ኣይነበሩን። በዓለ ሳምንት ተባሂላ እትፍለጥ ከኣ ሳባት እያ። ሳባት ዚብል ቃል ዕረፍቲ ማለት እዩ። እስራኤላውያን ካብ ባርነት ግብጺ፡ ብኃይሊ ብርቱዕ ኣምላኾም ከም ዝወጹን፡ ብደም ገንሸል ተጋሪዶም ከም ዚድኃኑን ዚዝክሩላ መዓልቲ ዕረፍቶም እያ።ንስኻ ድማ ኣብ ሃገር ግብጺ ባርያ ኸም ዝነበርካ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኸኣ ብጽንዕቲ ኢድን ብዝርግሕቲ ቕልጽምን ካብኣ ኸም ዘውጽኣካ ዘክር፡ ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ፡ መዓልቲ ሰንበት ክትሕሉ፡ ኣዘዘካ(ዘዳ5፡15)። ነቢይ ሕዝቅኤል ውን ከምዚ በለ፦ኣብ ርእሲ እዚ ኸኣ እቲ ዚቕድሶም ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ኪፈልጡስ፣ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኦምን ትእምርቲ ምእንቲ ኪዀና ኢለ፣ ሰናብተይ ሀብክዎ(ሕዝ 20፡12)። መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ሾብዓተ መዓልታት ሰንበት ብምባል ዚጽውዓ ነታ ናይ መወዳእታ መዓልቲ ጥራይ እዩ። ንእሑድ ብዚምልከት ብቛንቋ ግእዝ ዚተጻሕፈ ሓዲስ ኪዳን ከምዚ ይብል “ ወበእሑድ ሰንበት መጽአት ማርያም መግደላዊት”/በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ሰሙን ግና ማርያም መግደላዊት፡ ገና ጸልማት ከሎ፡ ኣንጊሃ ናብቲ መቓብር መጸት፡ ነቲ እምኒ ኸኣ ካብ ኣፍ መቓብር ተፈንቂሉ ረኣየቶ(ዮሃ 20፡1)። Now on the first day of the week, very early, while it was still dark, Mary Magdalene came to the place and saw that the stone had been taken away from it.። በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ሰሙን ዚብል ቃል ብግሪክ “ሚያ ቶን ሳባቶን” ዚብል ቃል ኮይኑ ትርጉሙ ኸኣ በታ ቀዳመይቲ መዓልቲ ሰሙን ዚብል እዩ። ወበእሑድ ሰንበት ዚብል ቃል ግን ኣብ ግእዝ ደኣ እምበር ኣብ ግሪክ ብዘይምህላዉ ናይ ትርጉም ስሕተት ምዃኑ ርዱእ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ነታ ቀዳመይቲ መዓልቲ ሰሙን ሰንበት ኢሉ ኣይጽውዓን እዩ።

ኣብ ዘመነ ብሉይ እስራኤላውያን  ዕረፍተ ሥጋ ንኽትኮኖም ዕለተ ሰንበት ሂብዎም ነበረ፡ ይኹን ደኣ እምበር ሰንበት ከም ጽላሎት ንክርስቶስ ተመልክት ነበረት፡ መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ እናበለ የረድኣናደጊም ብብልዕን መስተን፡ ወይ ብምብዓል በዓላት፡ ወይ ብሰርቂ ወርሒ፡ ወይ ብሰናብቲ ዝመጸ፡ ሓደ እኳ ኣይፍረድኩም። እዚ ዂሉ ናይቲ ኺመጽእ ዘለዎ ጽላሎት እዩ። እቲ ናይ ብሓቂ ህላዌ ዘለዎ ግና ግና ክርስቶስ እዩ(ቆሎ2፡16-17)፡ ስለዚ ኸኣ ኣብ ሓዲስ ኪዳን ሰንበተ ክርስቲያን ኢየሱስ ክርስቶስ ደኣ እምበር እሑድ ኣይኰነትን። መጽሓፍ ከምዚ ይብል ንዑ ኅቤየ ኲልክሙ ስሩሐን ወጽዑራን ወአነ አአርፈክሙ፡ ኣቱም ኲልኹም እትጽዕሩን ጾር ዚኸበደኩምን፡ ናባይ ንዑ፡ ኣነ ኸኣ ከዕርፈኩም እየ(ማቴ11፡28)። ነዚ ብምስትውዓል ከኣ ናብቲ ከዕርፈና ዚኽእል ጐይታ ኢየሱስ ክንቀርብን ከነዕርፍን ደኣ ይግበኣና እምበር ንዘይትሰምዕን ከተዕርፍ`ውን ዘይከኣላ ዕለተ እሑድ ዕረፍትና`ያ ምባል ኢክርስቲያናዊ እዩ።ሰብ ብክርስቶስ ኢየሱስ እንተዘይኣሚኑ ድሮ ተፈሪድዎ ከም ዘሎ መጽሓፍ ቅዱስ ይነግረና፡ ኣምላኽ ንወዱ ናብ ዓለም ዚለኣኾ፡ ዓለም ብእኡ ምእንቲ ክትድኅን እምበር ንዓለም ክፈርድ ኢሉ ኣይኮነን። እቲ ብእኡ ዚኣምን ኣይክፍረዶን እዩ፡ እቲ ብእኡ ዘይኣምን ግና ብሓደ ወዲ ኣምላኽ ስለ ዘይኣመነ ድሮ ተፈሪድዎ እዩ(ዮሃ3፡17-18)። አንድምታ ውዳሴ ማርያም ኣቐሚጥዎ ዘሎ ሓሳብ ከኣ ትምህርቲ ኣጋንንቲ ደኣ እምበር ምህሮ መንፈስ ቅዱስ ኣይኰነን። እቲ ወዲ ኣምላኽ ኣብኡ ዚነብር ሰብ ሕይወት ኣላቶ፡ እቲ ወዲ ኣምላኽ ኣብኡ ዘይነብር ሰብ ሕይወት የብሉን(1ዮ5፡12)። እቶም ብክርስቶስ ኢየሱስ ዚኣመኑ ኲሎም ኲነኔ የብሎምን፡ እቶም ንክርስቶስ ዘይኣመኑ ኲሎም ከኣ ደቂ ኲነኔ እዮም። ድኅሪ ሞት ዚልወጥ ታሪኽ የሎን፡ ሰባት ብሕይወት እንከለዉ እዮም ዝጸድቁን ዚዂነኑን፡ ክርስቶስ ነቶም ዘኣምንዎ ምኽንያት ድኅነቶም ነቶም ዚኽሕድዎ ከኣ ምኽንያት ኲነኒኦም እዩ። ካብ ከንቱ ትምህርቲ ክትዕቀቡን ክትሕለዉን ብስም ኢየሱስ ክርስቶስ እምሕጸነኩም ኣሎኹ። ደራሲ መጽሐፈ ሰዓታት ንሰንበተ ክርስቲያን ከም መድኃኒት ደቂ ሰባትን ገዛኢትን ገይሩ ድኅሪ ምቕራቡ ለምንልና እናበለ ኸኣ ይምሕጸና። መድኃኒት ዚብል ቃል ዓሚቊን ዘለዓለማውን ልዑል ቃል እዩ። ዳዊት ከምዚ ይብል “እግዚኣብሄር ከውሔይን እምባይን መድሓንየይን እዩ” 2ሳሙ22፡2። ድኅነት ንእግዚኣብሔር ጐይታ ሠራዊት ዚወሃብ ቃል እዩ፡ ብድፍረት ንዕለት መድኅኒት ደቂ ሰባት ኢኺ ምባል ኪኖ ምዕባድን ንሕጊ ኣምላኽ ምጥሓስን ክወሃቦ ዝኽእል ትርጒም የልቦን።ንእስራኤል ንስሓን ሕድገት ሓጢኣትን ምእንቲ ኺህብሲ ኣምላኽ ንእኡ ራእስን መድሓንን ገይሩ ናብ የማኑ ልዕል ኣበሎ(ግብ5፡31)። ኣብ መጻሕፍተ ሕጊ ኰነ ነቢያትን መዝሙራትን እግዚኣብሔር ደኣ መድኃንየይ ተባህለ እንበር ሰንበት ኣይኮነትን። ድኅነት ብቤዛነት እዩ ዚፍጸም ምእንትዚ ኸኣ እዮም መጻሕፍቲ ንኢየሱስ መድኃኒና ዚብልዎ፡ ድኅነት ብደም ኢየሱስ ጥራይ ደኣ እምበር ብኻልእ ኣይርከብን እዩ። ዕለተ እሑድ እትህቦ ድኅነት ከኣ ከቶ የልቦን። እግዚኣብሔር ሰብ ክድኅነሉ ዝኽእል ካልእ ምርጫ እንተዝነብሮ ንሓደ ወዱ ብብርቱዕ ስቓይን መከራን ኃሊፉ ብሞቱ ሥርየት ኃጢኣት ምእንቲ ክህበና ኣይምለኣኾን። ካብ ፍጥረት ኩሉ ንሰብ ከድኅኖ ዝኽእል ብዘይምንባሩ ኢየሱስ ክርስቶስ ከማና ሰብ ኰይኑ ኣድኃነና። ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ በይኑ መድኃኒናን ንጉሥናን እዩ፡ ካብቲ እሙን ምስክርን በዂሪ ምዉታትን ርእሲ ነገሥታት ምድርን ዝኾነ ኢየሱስ ክርስቶስጸጋን ሰላምን ምሳኻትኩም ይኹን(ራእ 1፡5) ዙፋን ኣቡኡ ዳዊት ዝወረሰ፡ ንዘልዓለም ከኣ ዘይትናወጽ መንግሥቲ ዘላቶ፡ ዓመታቱ ውን ከቶ ዘይውድኣ፡ ገዛኢና ኢየሱስ ክርስቶስ ደኣ እምበር ዕለተ ሰንበተ ክርስቲያን ኣይኰነትን። ስለዚ ሎሚ ንድምጹ ንስማዕ እቲ ዝዛረበና ዘሎ ካብ ሰማይ ደኣ እምበር ካብ ምድሪ ኣይኰነን፡ መገድና ክንምልከትን ናብ ኣምላኽና ክንምለስን ይግባእ። ኣንታ ወለዶ ቃል እግዚኣብሔር ስማዕ፡ ካብ ከንቱ ትምህርታት ወጺእካ ብኢየሱስ ክርስቶስ ደሓን። ኣብ ምድርና ብዙኅ ክርዳድ ተዘሪኡ እዩ ንወንጌል ግን ከጥፍኣ ኣይከኣለን፡ ኢየሱስ ንምድርና ብወንጌሉ ክመልኣ እዩ፡ ንዕኡ ንበይኑ ከኣ ክንዝምረሉ ኢና። ኣዕይንትና ነዚ ክውን ሓቂ ምእንቲ ክርእያ ወትሩ ብስም ኢየሱስ ክርስቶስ ንጽሊ ኣሎና፡ ጸጋ ጐይታ ምስኩላትና ይኹን ንሱ ነታ ብሃረርታ እንጽበያ ዘመን ትንሣኤ ምድርና ከርእየና እዩ፡ ንእኡ ካብ ዘለዓለም ንዘለዓለም ክብሪ ይኹን፡ ንእግዚኣብሔር ኣቦ ብስም ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ስብሐት ይኹን/ኣሜን።

(ኢሳ43፡3,11/ኢሳ45፡15/20፡21/ሆሴ14፡4/መዝ 80፡2/ሉቃ1፡47/ሉቃ2፡11/ዮሃ4፡32/ግብ4፡12/ዮሃ14፡13/ዮሃ16፡23-24/)

ብዘይካ መንግሥተ ሰማያት`ከ ካልእ ዕረፍቲ ኣበይ ኣሎ? ናይዚኣ ምልክትን ምሳሌን ከኣ ሳባት እያ።(Homilies of st. John Chrysostom on the Epistile to the Hebrews p.153)






Thursday, March 19, 2020

ግኖስቲካውያን (ሰብአ ፈጠራ) part 1



ግኖስቲካውያን (ሰብአ ፈጠራ) part 1

ሕያውን ዘለዓለማውን ኣምላኸይ እግዚኣብሔር ስምካ ይባረኽ። ንስኻ በይንኻ ካብ ጥንቲ ንምድርን ኣብኡ ንዘሎ ነገራትን ዝፈጠርካ ኢኻ፡ ንስኻ ምንጪ ዂሉ ሕይወት ኢኻ፡ ከማኻ ዝበለ ኸኣ ሓደ እኳ የልቦን። እቲ ኣብ ሰብ ዘሎካ ፍቕሪ መዘና የብሉን፡ ንሓደ ወድኻ ኢየሱስ ክርስቶስ ክሳዕ መሃብ ክሳዕ ክንድዚ ኣፍቀርካና። ንዘለዓለም ምእንቲ ክንዕልለልካ ኦ ኣምላኽ ምእንቲ ስም ኢየሱስ ክርስቶስ ክትብል ባርኸና። ኦ ተሓሪድካ ከተድኅነና ዝፈተኻ ኢየሱስ ክርስቶስ ስምካ ይባረኽ፡ ንዓኻ ንበይንኻ ምስጋና ይግበኣካ ንሕይወትካ ተሓጒስካ ዝሃብካና ሊቀ ካህንና በይንኻ ንስኻ ኢኻ፡ ኦ ጐይታ ዘወትር ምእንቲ ክንባርኸኻ ንከናፍርና ብውዳሴኻ ምልኣዮ፡ ንጽሑፍ እቶም ሕሱማት ጸሓፍቲ ካብ ምድርና ወግዶ፡ ንዓኻ ምስ ረኸብና ተጸናንዒናን ተሓጒስናን የዕሪፍናን ኣሎና፡ ብዘይካኻ እንደልዮ ዀነ እንብህጐ ኸኣ ሓደ`ኳ የልቦን። ጐይታ መንፈስ ቅዱስ እተበርትዓና ኣቦና፡ ከም ሓጺን ኣስራዚ ኣብ ቅድሚ ብዙኃት ደው እተብለና ንስኻ ኢኻ፡ ንስኻ ካብ ምኽሪ ክፉኣት ከተናግፈና፡ ካብ ቅልጽም ሓያላት`ውን ክትብጀወና እትኽእል ጸግዕና ኢኻ`ሞ ስምካ ይባረኽ። ንሕና ንደልያካ ኣሎና ንምድርና ካብቲ ኣርኪስዋ ዘሎ ተግባር ኣንጽሃያ፡ ኦ ጐይታ ንሕዝብና ምስትውዓልን ጥበብን ክትዕድሎ፡ ወርትግ ውን ብቃል ኣምላኽ ክምላእ ክትረድኦ ብስም ኢየሱስ ናዝራዊ እልምን ኣሎኹ። ንስኻ ጸግዕና ኢካ፡ ከውልናን እምባናን ጐይታ መንፈስ ቅዱስ ኢኻ፡ ብመገድኻ ምርሓና። ንእግዚኣብሔር ኣቦ ብስም ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ስብሓት ይኹን።
ኣምላኽ ብመጀመርታ ሰማይን ምድርን ፈጠረ። ዘፍ1፡1

ኣብ ዘይቅረብ ብርሃን ንዘሎ ኣቦ ብርሃናት እግዚኣብሔር ብስም ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ምስጋና ይኹን፡ ንሱ ደኳኒናን ፈጣሪናን በይኑ እዩ፡ ብዘይ ብእኡ ካልእ ክፈጥር ዝኽእል ሓደ`ኳ የልቦን። ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ነቲ ሓቂ፡ ሓቂ  ነቲ ዘይቅኑዕ ዝዀነ ኸኣ ኣይቅኑዕን እዩ ክንብል ቅኑዕ መምርሒ ሂቡና እዩ። ቅዱስ ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ ከምዚ ብምባል ጸሓፈሉ፡ ንቓል ሓቂ ትኽንትኽ ዚምህር፡ ዜኅፍር ዘይብሉ ዝተመስከረሉ ኣገልጋሊ ጌርካ ገዛእ ርእስኻ ንኣምላኽ ከተወፊ ጸዓር(2ጢሞ2፡15)። መዐቀኒ ሓደ ቕኑዕ ኣገልጋሊ ኣምላኽ፡ ንቓል ኣምላኽ ትኽንትኽ ምዝራቡ እዩ። ኣብ ታሪኽ ክርስትና ምድርና ካብ ቓል ሓቂ ወጺኦም ዝተፈጸሙ ፍጻሜታት ማእለያ የብሎምን ክሳዕ ሕጂ ውን ይቕጽሉ ኣለዉ። እዞም ሎሚ ዘሎና ወለዶታት ንቃል ኣምላኽ ክሳዕ ዘይበላዕናዮ ከኣ ነቶም ከም መንሽሮ ዚባልዑ ትምህርታት ክንፈልጦም ኰነ ክንቃወሞም ዓቕሚ ኣይክንረክብን ኢና። ዕላማ እዚ ጽሑፍ እዚ ነቲ ሰሊኹ ኣብ ቤተክርስቲያን ዚኣተወ ንምድርና ውን መርገም ዘምጸአ ግኖስቲካዊ ትምህርቲ መሰረት ዝገበረ ተግባር ምቅዋም እዩ። ሎሚ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተክርስቲያን ካብቲ ኣትያቶ ዘላ ሰልሚ ክትወጽእ ከም ዘለዋ እትዝክረሉን እትትንስኣሉን ዘመናት እዩ። ንቓል ኣምላኽ ትኽንትኽ ዘይነግሩ ኣገልገልቲ ትማሊ ንዝዘርእዎ ክርዳድ ሎሚ ብወረጦ ቃል ኣምላኽ እንነቅለሉ ወርሓት ትንሣኤ እዩ። ከም ፍቓድ እግዚኣብሔር ጐይታ ሠራዊት ነቲ ኣብ ክርስትና ሕይወት ተዘርኡ፡ ንብዙኃት ውን ዘጥፍአ ግኖስቲካዊ ምንቅስቓስ ብሒደት ነጥብታት ንመልከት። “ የቤተ ክርስቲያን ታሪክ በዓለም መድረክ” ብሊቀ ጳጳስ አባ ጎርጎርዮስ ዝተጻሕፈ መጽሓፍ መሠረት ገይረ ከቕርቦ እየ፡ ጐይታ መንፈስ ቅዱስ ይርድኣኒ።

ግኖስቲካውያን ማለት ፈላጣት ወይ ሰብ ፍልጠት ማለት እዩ። ስሞም ካብቲ “ግኖሲስ” ማለት ፍልጠት ዚብል ናይ ግሪክ ቃል ዝተወስደ እዩ። ፈላጣት ኢና ንምባል ስሞም ባዕሎ ዘውጽኡ እዮም። ትምህርቶም ከኣ ግኖስቲዝም ይበሃል፡ እዚ ማለት ከኣ ኣእሙራዊ፡ ፍልጠታዊ ከም ማለት እዩ። ድኅነት ብፍልጠት ደኣ እምበር ብእምነት ኣይኰነን ዚብሉ`ውን እዮም። ግኖስቲካውያን ክትዓቶም ኰነ ዝርርባቶም ቅዱሳት መጻሕፍቲ መሠረት ገይሮም ዘይኰነስ ብልበ-ወለዳዊ ፍልስፍና እዩ ዚነበረ፡ በዚ ምኽንያት`ዚ ኸኣ ኣብ ቤተክርስቲያን ጸገማት ፈጠሩ። ግኖስቲካውያን ንክርስትና ምስቲ ኣብ ዘመኖም ዝነበረ ፍልስፍናን፡ ናይ ምሥራቓውያን ልማድ ጥንቆላን ምትሃትን ምስ ትምህርቲ ክርስትና ክጸናብሩ ዝጸዓሩ እዮም። እዚ ናይ ምትሕውዋስን ምድብላቕን ኪደት ከኣ ብብዝሒ ክርስቲያናት ኣብ ዝነበርዎ ቦታታት እዩ ዘስፋሕፍሐ፡ንሳተን ከኣ፡ ኣብ ሶርያ/አንጾኪያ፡ ኣብ ግብጺ/ እስክንድርያ፡ ኣብ ንእሽቶ ኤስያ እየን። እዘን መናሃርያ ግኖስቲካዊ ትምህርቲ ዚዀና ከተማታት ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ሮማ እየን ዚነበራ።  ግኖስቲካውያን ከም መምርሒ ገይሪም ዝጥቀምሎም ሓሳባት እዚኣቶም እዮም፡ ናይ ፕላቶ፡ ናይ ኣሪስቶተል፡ ፒታጐራስ፡ ስቶይካውያን ከምኡ`ውን ኣይሁዳዊ ባህሊ ምስ ግሪኻዊ ፍልስፍና ዝሓዋወሰ ናይ ኣይሁዳዊ ፊሎ ሥነ-ሓሳብ፡ ከምኡ`ውን ካብ ምብራቓውያንን ከለዳውያንን ቆጸራ ከዋኽብቲ፡ ናይ ፋርሳውያን(ዞረስተርያን) ብኽልተ ኣማልኽቲ ምእማን እዩ። ከም ተወሳኺ`ውን ካብ መጻሕፍቲ ብሉይ ኰነ ሓዲስ ሓደ ሓደ ቃላት ወሲዶም ከምቲ ንዕኦም ዚርድኦም ብምትርጓም ንሓሳባቶም ድጋፍ ገይሮም የቕርብዎም።   

እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ ፍጹም፡ ንሠናይ ግብሪ ዘበለ ኣጸቢቑ ዝተዳለወ ምእንቲ ክኸውን፡ ብመንፈስ ኣምላኽ ዝተጻሕፈ ቅዱስ መጽሓፍ ንትምህርቲ፡ ንተግሣጽ፡ ንምእራም፡ ቅኑዕ ናብራ ንምምሃር ይጠቕም እዩ። 2ጢሞ 3፡16-17