ብእምነት እትርከብ ጽድቂ ዕብ 11፡7
እግዚኣብሔር፡ እምነት ጽድቂ እንረኽበሉ ሃቀና ልቢ ክኸውን ንምንታይ መረጸ ኢልና ክንሓትት ንኽእል ኢና። እግዚኣብሔር
ብሓቂ ነቶም ኩሎም ፍቕሪ ዘርእዩ ጽድቂ ክህቦም ንምንታይ`ዩ ዘይከኣለ፧
ወይ ደስታን ዕግበትን፧ ወይ ውን ትሕትናን ጥበብን ንዘርእዩ ኩሎም ጽድቂ ክህቦም ዘይምውሳኑ ንምንታይ`ዩ፧ እግዚኣብሔር እምነት
ጽድቂ ክንቅበለሉ እንኽእል መገዲ ክኸውን ንምንታይ መረጸ፧
እቲ ምኽንያት ከም እንርእዮ፡ እምነት
ኣብ ገዛእ ርእስና እንድገፈሉ ጉዳይ ዘይኰነ መገዲ ልቢ ብምዃኑ እዩ። ብመሠረቱ ውን ብእምነት ናብ ክርስቶስ ክንቀርብ ከሎና፡ “
ምሩኽ ኰይነ እየ፡ ካብ ሕጂ ንደሓር ኣብ ገዛእ ርእሰይ ኰነ፡ ኣብ ግብረይ ኣይድገፍን እየ፡ ገዛእ ርእሰይ`ውን ኣብ ቅድሚ
እግዚኣብሔር ከጽድቅ ከም ዘይክእል ፈሊጠን ተረዲኤን ኣሎኹ። ምእንትዚ ኸኣ ኦ ኢየሱስ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ጻድቕ ጌርካ ከተቕርበኒ
ንዓኻ ብፍጹም ኣሚነ ኣሎኹ፡ ደገፈይ ውን ብፍጹም ኣባኻ እዩ”
ብምባል ኢና። ስለዚ ኸኣ እምነት ተቓራኒ ናይቲ ኣብ ገዛእ ርእስና እንድገፎ እዩ፡ ብግብሪ ገዛእ ርእስና ዘይኰነስ ምሉእ
ብምሉእ ኣብቲ ካብ ኣምላኽ ዝወሃብ ነጻ ውህበት(ጸጋ) ዝድገፍን ምሉእ ብምሉእ ውን ምስ ድኅነት ዝገጣጠም ሃቀና ልቢ እዩ። ስለዚ
ኸኣ ቅዱስ ጳውሎስ ከምዚ ይብል፡ እታ ተስፋ ካብ እምነት እያ፡ ስለዚ ዘርኢ ኣብርሃም ኲሎም ነዛ ተስፋ እዚኣ ብጸጋ ክወርስዋ እዮም(ሮሜ4፡16)
ካብ ዘንበብክዎ
No comments:
Post a Comment