Thursday, March 26, 2020

እቲ ናይ ብሓቂ ህላዌ ዘለዎ ግና ክርስቶስ እዩ



እዚ ዂሉ ናይቲ ክመጽእ ዘለዎ ጽላሎት እዩ። እቲ ናይ ብሓቂ ህላዌ ዘለዎ ግና ክርስቶስ እዩ።
ቆሎ 2፡17
ኦ እግዚኣብሔር ጐይታ ሠራዊት ብእኡ ምእንቲ ከነዕርፍ ንሓደ ወድኻ ኢየሱስ ክርስቶስ ስለ ዝሃብካና አመስግነካ ኣሎኹ። እቲ ኣብ ሕጊ ሙሴን መዝሙራን መጻሕፍቲ ነቢያትን ብምሳሌ ዚተገልጸ ዕረፍቲ”ሰንበት” ቅዱስ ወድኻ ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ`ሞ ስሙ ይባረኽ። ኦ ናይ ዘለዓለም ዕረፍተይ ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ንዝኸበደኒ ጾር ዘርሓቕካ እሙን መድኅነይ ኢኻ`ሞ ስምካ ይባረኽ። ንስኻ ናይቶም ብኣኻ ዝኣመኑ ኩሎም ሰንበት፡ ዕረፍቲ ኢኻ ዘወትር ኣዕይንትና ናባኻ ክጥምታ ርድኣና። ኦ ጐይታ መንፈስ ቅዱስ ባርኸና ሓቀኛ መገዲ ሕይወት ምርሓና፡ ነቲ ብሕሱማት ጸሓፍቲ ዝተዘርአ ክርዳድ ብኃይሊ ቃልካ ኣጥፍኣዮ ንሕዝብና ውን ሕግኻ ምእንቲ ክርዳእን ከስተንትኖን ምስትውዓል ሃቦ። ጐይታየ ንስኻ ሓላዊና ኢኻ`ሞ አመስግነካ ኣሎኹ። ንእግዚኣብሔር ኣቦ ብስም ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ስብሐት ይኹን።

ሰንበት(ግእዝ)፡ ሳባት(ዕብራይስጥ)፡ሳባቲስሞስ(ግሪክ) ዕረፍቲ(ትግርኛ)
ቅድሚ ዂሉ ነገር ነቲ ኣቦ ብርሃናት ዝዀነ እግዚኣብሔር ኣቦ ብስም ሓደ ወዱ ኢየሱስ ክርስቶስ ምስጋና ይኹን። ኣብ ኩሉ ዘመናት ዚረድኣናን ዝሓለወናን ንሱ በይኑ እግዚኣብሔር እዩ። ከም መጠን ዓቢይ ምሕረቱ ክሳዕ እዛ ሰዓት እዚኣ ዝሓለወና ስሙ ይባረኽ። ቅድሚ ገለ እዋናት ኣብ መራኸቢ ብዙኃን፡ ብዛዕባ ቅድስት ኣብ ዚተሰብከ ስብከት፡ ንሰንበት ብዚምልከት ካብ ትምህርቲ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ዝወጸ  ስብከት ተሰቢኹ ርኢና ኣሎና። ነዚ ጽሑፍ እዚ ክጽሕፍ ዝደረኸኒ ኸኣ እቲ ትምህርቲ ኢመጽሓፍ ቅዱሳዊ ትምህርቲ ብምዃኑ ብሚዛን ቃል ኣምላኽ ክዕየር ውን ግቡእ ስለ ዝዀነ እየ። ካብ ሓቐኛ ዚዀነ ወንጌል ዚተፈልየ፡ ኩሉ ትምህርቲ ማለት ንክርስቶስ ኢየሱስ ዘየኽብር ትምህርቲ ካልእ ወንጌል ምዃኑ ክንግንዘብን ክንጥንቀቕን ይግበኣና እዩ። እቲ ከም መወከሲ እዚ ትምህርቲ ቀሪቡ ዘሎ “አንድምታ ውዳሴ ማርያም” ኣስፊርዎ ዘሎ ሓሳብ ብቃል ኣምላኽ ክስፈር`ዶ ኣይምተገብአን`ዩ? ኣብዞም ዘመናት እዚኦም ሥልጣን መጽሓፍ ቅዱስን ልዕልናኡን መለኮታዊ ትኅዝትኡን ባይታ ወዲቁ ይርከብ። ንሱ እንኮን ብሉጽን መልእኽቲ ሕያው ኣምላኽን መዐቀኒ ኲሎም ጽሑፋትን እዩ። ምስ ሓሳብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘይሳነ መጽሓፍ ከኣ ዘቊጸሮ ዘመናት ብዘየገድስ ካልእ ወንጌል ብምዃኑ ተቐባልነት የብሉን።

1 1.አንድምታ ውዳሴ ማርያም ዘእሑድ፦  ውዳሴሃ ለእግዝእትነ ማርያም ድንግል ወላዲተ አምላክ ዘይትነበብ በዕለተ ሰንበተ ክርስቲያን። ናይ ኣይሁድ ሰንበት ስለ ዘላ ካብኣ ንኽፈሊ ሰንበተ ክርስቲያን በለ። እዚኸ ብኸንቱ`ዶ እዩ? በዛ ዕለት እዚኣ ብሓቂ ፍስሃ ቤተክርስቲያን ተፈጸመ ከም ዚብል። ክልተ መዓልቲ ዘኽብር እንተዀነ፡ ዓርቢ ናይ ምሸት ይወጽእ እሑድ ናይ ምሸት ይምለስ። ሓንቲ መዓልቲ ዘኽብር እንተዀነ፡ ቀዳም ናይ ምሸት ይወጽእ፡ እሑድ ናይ ምሸት ይምለስ። ከምዚ እናበለ ክነብር ከሎ፡ ጐይታ ዚመጸላ ዕለተ እሑድ`ያ`ሞ ብዝወጾ ይተርፍ።

  2 ሰአሊ ለነ ሰንበተ ክርስቲያን ቅድስት፡ ለዉሉደ ሰብእ መድኃኒት፡ ወእስከ ለዓለም ሰፋኒት፡ ንዂሎም ደቂ-ሰባት መድኃኒት ዝዀንኪ፡ ክሳዕ ዘለዓለም`ውን ገዛኢት ዝዀንኪ ሰንበተ ክርስቲያን ለምንልና/ (መጽሐፈ ሰዓታት)

ክቡራት ኣኅዋተይን ኣኃተይን ነበብቲ እዚ ጽሑፍ፣ ሎሚ ንሕና ከም ሰብ ቤርያ እቲ ተጻሒፉ ዘሎስ ከም ፍቓድ ኣምላኽ ድዩ? ተጻሒፉ ዘሎ ብምባል ብሚዛን ቃል ኣምላኽ ክንምርምሮ ይግበኣና እዩ። ኣብ ቁጽሪ 1ን2 ዘለዉ ሓሳባት ብቐጥታ ካብቶም ተጠቂሶም ዘለዉ መጻሕፍቲ ዚተጻሕፉ እዮም። ኣብ ምድርና ብዙኃት ንቃል ኣምላኽ ለዊጦሞን ቀይሮሞን እዮም፡ እዚ ተግባር እዚ ኸኣ ሕይወት ቀዳሞት ወለዶታት ዘጥፍአ ንዓና`ውን ከጥፍኣና ዚኽእል ከም መንሽሮ ዚላባዕ ትምህርቲ እዩ። ቅዱስ ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ ከምዚ ብምባል ጸሓፈሉ፡ ንቓል ሓቂ ትኽንትኽ ዚምህር፡ ዜኅፍር ዘይብሉ ዝተመስከረሉ ኣገልጋሊ ጌርካ ገዛእ ርእስኻ ንኣምላኽ ከተወፊ ጸዓር(2ጢሞ215) መዐቀኒ ሓደ ቕኑዕ ኣገልጋሊ ኣምላኽ፡ ንቓል ኣምላኽ ትኽንትኽ ምዝራቡ እዩ። ኣብ ታሪኽ ክርስትና ምድርና ካብ ቓል ሓቂ ወጺኦም ዝተፈጸሙ ፍጻሜታት ማእለያ የብሎምን ክሳዕ ሕጂ ውን ይቕጽሉ ኣለዉ።

ኣብ ብሉይ ኪዳን ከም ጽላሎት ኰይኖም ዚተገልጹ ንእስራኤል ዚተዋህቡ ውህበታት ኣለዉ፡ እዚኣቶም ኲሎም ከኣ ንምምጻእ መሲሕ ዘመልክቱ ደኣ እምበር ብቐንዱ ንሳቶም ኣይነበሩን። በዓለ ሳምንት ተባሂላ እትፍለጥ ከኣ ሳባት እያ። ሳባት ዚብል ቃል ዕረፍቲ ማለት እዩ። እስራኤላውያን ካብ ባርነት ግብጺ፡ ብኃይሊ ብርቱዕ ኣምላኾም ከም ዝወጹን፡ ብደም ገንሸል ተጋሪዶም ከም ዚድኃኑን ዚዝክሩላ መዓልቲ ዕረፍቶም እያ።ንስኻ ድማ ኣብ ሃገር ግብጺ ባርያ ኸም ዝነበርካ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኸኣ ብጽንዕቲ ኢድን ብዝርግሕቲ ቕልጽምን ካብኣ ኸም ዘውጽኣካ ዘክር፡ ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ፡ መዓልቲ ሰንበት ክትሕሉ፡ ኣዘዘካ(ዘዳ5፡15)። ነቢይ ሕዝቅኤል ውን ከምዚ በለ፦ኣብ ርእሲ እዚ ኸኣ እቲ ዚቕድሶም ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ኪፈልጡስ፣ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኦምን ትእምርቲ ምእንቲ ኪዀና ኢለ፣ ሰናብተይ ሀብክዎ(ሕዝ 20፡12)። መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ሾብዓተ መዓልታት ሰንበት ብምባል ዚጽውዓ ነታ ናይ መወዳእታ መዓልቲ ጥራይ እዩ። ንእሑድ ብዚምልከት ብቛንቋ ግእዝ ዚተጻሕፈ ሓዲስ ኪዳን ከምዚ ይብል “ ወበእሑድ ሰንበት መጽአት ማርያም መግደላዊት”/በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ሰሙን ግና ማርያም መግደላዊት፡ ገና ጸልማት ከሎ፡ ኣንጊሃ ናብቲ መቓብር መጸት፡ ነቲ እምኒ ኸኣ ካብ ኣፍ መቓብር ተፈንቂሉ ረኣየቶ(ዮሃ 20፡1)። Now on the first day of the week, very early, while it was still dark, Mary Magdalene came to the place and saw that the stone had been taken away from it.። በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ሰሙን ዚብል ቃል ብግሪክ “ሚያ ቶን ሳባቶን” ዚብል ቃል ኮይኑ ትርጉሙ ኸኣ በታ ቀዳመይቲ መዓልቲ ሰሙን ዚብል እዩ። ወበእሑድ ሰንበት ዚብል ቃል ግን ኣብ ግእዝ ደኣ እምበር ኣብ ግሪክ ብዘይምህላዉ ናይ ትርጉም ስሕተት ምዃኑ ርዱእ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ነታ ቀዳመይቲ መዓልቲ ሰሙን ሰንበት ኢሉ ኣይጽውዓን እዩ።

ኣብ ዘመነ ብሉይ እስራኤላውያን  ዕረፍተ ሥጋ ንኽትኮኖም ዕለተ ሰንበት ሂብዎም ነበረ፡ ይኹን ደኣ እምበር ሰንበት ከም ጽላሎት ንክርስቶስ ተመልክት ነበረት፡ መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ እናበለ የረድኣናደጊም ብብልዕን መስተን፡ ወይ ብምብዓል በዓላት፡ ወይ ብሰርቂ ወርሒ፡ ወይ ብሰናብቲ ዝመጸ፡ ሓደ እኳ ኣይፍረድኩም። እዚ ዂሉ ናይቲ ኺመጽእ ዘለዎ ጽላሎት እዩ። እቲ ናይ ብሓቂ ህላዌ ዘለዎ ግና ግና ክርስቶስ እዩ(ቆሎ2፡16-17)፡ ስለዚ ኸኣ ኣብ ሓዲስ ኪዳን ሰንበተ ክርስቲያን ኢየሱስ ክርስቶስ ደኣ እምበር እሑድ ኣይኰነትን። መጽሓፍ ከምዚ ይብል ንዑ ኅቤየ ኲልክሙ ስሩሐን ወጽዑራን ወአነ አአርፈክሙ፡ ኣቱም ኲልኹም እትጽዕሩን ጾር ዚኸበደኩምን፡ ናባይ ንዑ፡ ኣነ ኸኣ ከዕርፈኩም እየ(ማቴ11፡28)። ነዚ ብምስትውዓል ከኣ ናብቲ ከዕርፈና ዚኽእል ጐይታ ኢየሱስ ክንቀርብን ከነዕርፍን ደኣ ይግበኣና እምበር ንዘይትሰምዕን ከተዕርፍ`ውን ዘይከኣላ ዕለተ እሑድ ዕረፍትና`ያ ምባል ኢክርስቲያናዊ እዩ።ሰብ ብክርስቶስ ኢየሱስ እንተዘይኣሚኑ ድሮ ተፈሪድዎ ከም ዘሎ መጽሓፍ ቅዱስ ይነግረና፡ ኣምላኽ ንወዱ ናብ ዓለም ዚለኣኾ፡ ዓለም ብእኡ ምእንቲ ክትድኅን እምበር ንዓለም ክፈርድ ኢሉ ኣይኮነን። እቲ ብእኡ ዚኣምን ኣይክፍረዶን እዩ፡ እቲ ብእኡ ዘይኣምን ግና ብሓደ ወዲ ኣምላኽ ስለ ዘይኣመነ ድሮ ተፈሪድዎ እዩ(ዮሃ3፡17-18)። አንድምታ ውዳሴ ማርያም ኣቐሚጥዎ ዘሎ ሓሳብ ከኣ ትምህርቲ ኣጋንንቲ ደኣ እምበር ምህሮ መንፈስ ቅዱስ ኣይኰነን። እቲ ወዲ ኣምላኽ ኣብኡ ዚነብር ሰብ ሕይወት ኣላቶ፡ እቲ ወዲ ኣምላኽ ኣብኡ ዘይነብር ሰብ ሕይወት የብሉን(1ዮ5፡12)። እቶም ብክርስቶስ ኢየሱስ ዚኣመኑ ኲሎም ኲነኔ የብሎምን፡ እቶም ንክርስቶስ ዘይኣመኑ ኲሎም ከኣ ደቂ ኲነኔ እዮም። ድኅሪ ሞት ዚልወጥ ታሪኽ የሎን፡ ሰባት ብሕይወት እንከለዉ እዮም ዝጸድቁን ዚዂነኑን፡ ክርስቶስ ነቶም ዘኣምንዎ ምኽንያት ድኅነቶም ነቶም ዚኽሕድዎ ከኣ ምኽንያት ኲነኒኦም እዩ። ካብ ከንቱ ትምህርቲ ክትዕቀቡን ክትሕለዉን ብስም ኢየሱስ ክርስቶስ እምሕጸነኩም ኣሎኹ። ደራሲ መጽሐፈ ሰዓታት ንሰንበተ ክርስቲያን ከም መድኃኒት ደቂ ሰባትን ገዛኢትን ገይሩ ድኅሪ ምቕራቡ ለምንልና እናበለ ኸኣ ይምሕጸና። መድኃኒት ዚብል ቃል ዓሚቊን ዘለዓለማውን ልዑል ቃል እዩ። ዳዊት ከምዚ ይብል “እግዚኣብሄር ከውሔይን እምባይን መድሓንየይን እዩ” 2ሳሙ22፡2። ድኅነት ንእግዚኣብሔር ጐይታ ሠራዊት ዚወሃብ ቃል እዩ፡ ብድፍረት ንዕለት መድኅኒት ደቂ ሰባት ኢኺ ምባል ኪኖ ምዕባድን ንሕጊ ኣምላኽ ምጥሓስን ክወሃቦ ዝኽእል ትርጒም የልቦን።ንእስራኤል ንስሓን ሕድገት ሓጢኣትን ምእንቲ ኺህብሲ ኣምላኽ ንእኡ ራእስን መድሓንን ገይሩ ናብ የማኑ ልዕል ኣበሎ(ግብ5፡31)። ኣብ መጻሕፍተ ሕጊ ኰነ ነቢያትን መዝሙራትን እግዚኣብሔር ደኣ መድኃንየይ ተባህለ እንበር ሰንበት ኣይኮነትን። ድኅነት ብቤዛነት እዩ ዚፍጸም ምእንትዚ ኸኣ እዮም መጻሕፍቲ ንኢየሱስ መድኃኒና ዚብልዎ፡ ድኅነት ብደም ኢየሱስ ጥራይ ደኣ እምበር ብኻልእ ኣይርከብን እዩ። ዕለተ እሑድ እትህቦ ድኅነት ከኣ ከቶ የልቦን። እግዚኣብሔር ሰብ ክድኅነሉ ዝኽእል ካልእ ምርጫ እንተዝነብሮ ንሓደ ወዱ ብብርቱዕ ስቓይን መከራን ኃሊፉ ብሞቱ ሥርየት ኃጢኣት ምእንቲ ክህበና ኣይምለኣኾን። ካብ ፍጥረት ኩሉ ንሰብ ከድኅኖ ዝኽእል ብዘይምንባሩ ኢየሱስ ክርስቶስ ከማና ሰብ ኰይኑ ኣድኃነና። ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ በይኑ መድኃኒናን ንጉሥናን እዩ፡ ካብቲ እሙን ምስክርን በዂሪ ምዉታትን ርእሲ ነገሥታት ምድርን ዝኾነ ኢየሱስ ክርስቶስጸጋን ሰላምን ምሳኻትኩም ይኹን(ራእ 1፡5) ዙፋን ኣቡኡ ዳዊት ዝወረሰ፡ ንዘልዓለም ከኣ ዘይትናወጽ መንግሥቲ ዘላቶ፡ ዓመታቱ ውን ከቶ ዘይውድኣ፡ ገዛኢና ኢየሱስ ክርስቶስ ደኣ እምበር ዕለተ ሰንበተ ክርስቲያን ኣይኰነትን። ስለዚ ሎሚ ንድምጹ ንስማዕ እቲ ዝዛረበና ዘሎ ካብ ሰማይ ደኣ እምበር ካብ ምድሪ ኣይኰነን፡ መገድና ክንምልከትን ናብ ኣምላኽና ክንምለስን ይግባእ። ኣንታ ወለዶ ቃል እግዚኣብሔር ስማዕ፡ ካብ ከንቱ ትምህርታት ወጺእካ ብኢየሱስ ክርስቶስ ደሓን። ኣብ ምድርና ብዙኅ ክርዳድ ተዘሪኡ እዩ ንወንጌል ግን ከጥፍኣ ኣይከኣለን፡ ኢየሱስ ንምድርና ብወንጌሉ ክመልኣ እዩ፡ ንዕኡ ንበይኑ ከኣ ክንዝምረሉ ኢና። ኣዕይንትና ነዚ ክውን ሓቂ ምእንቲ ክርእያ ወትሩ ብስም ኢየሱስ ክርስቶስ ንጽሊ ኣሎና፡ ጸጋ ጐይታ ምስኩላትና ይኹን ንሱ ነታ ብሃረርታ እንጽበያ ዘመን ትንሣኤ ምድርና ከርእየና እዩ፡ ንእኡ ካብ ዘለዓለም ንዘለዓለም ክብሪ ይኹን፡ ንእግዚኣብሔር ኣቦ ብስም ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ስብሐት ይኹን/ኣሜን።

(ኢሳ43፡3,11/ኢሳ45፡15/20፡21/ሆሴ14፡4/መዝ 80፡2/ሉቃ1፡47/ሉቃ2፡11/ዮሃ4፡32/ግብ4፡12/ዮሃ14፡13/ዮሃ16፡23-24/)

ብዘይካ መንግሥተ ሰማያት`ከ ካልእ ዕረፍቲ ኣበይ ኣሎ? ናይዚኣ ምልክትን ምሳሌን ከኣ ሳባት እያ።(Homilies of st. John Chrysostom on the Epistile to the Hebrews p.153)






No comments:

Post a Comment