Thursday, March 19, 2020

ግኖስቲካውያን (ሰብአ ፈጠራ) part 1



ግኖስቲካውያን (ሰብአ ፈጠራ) part 1

ሕያውን ዘለዓለማውን ኣምላኸይ እግዚኣብሔር ስምካ ይባረኽ። ንስኻ በይንኻ ካብ ጥንቲ ንምድርን ኣብኡ ንዘሎ ነገራትን ዝፈጠርካ ኢኻ፡ ንስኻ ምንጪ ዂሉ ሕይወት ኢኻ፡ ከማኻ ዝበለ ኸኣ ሓደ እኳ የልቦን። እቲ ኣብ ሰብ ዘሎካ ፍቕሪ መዘና የብሉን፡ ንሓደ ወድኻ ኢየሱስ ክርስቶስ ክሳዕ መሃብ ክሳዕ ክንድዚ ኣፍቀርካና። ንዘለዓለም ምእንቲ ክንዕልለልካ ኦ ኣምላኽ ምእንቲ ስም ኢየሱስ ክርስቶስ ክትብል ባርኸና። ኦ ተሓሪድካ ከተድኅነና ዝፈተኻ ኢየሱስ ክርስቶስ ስምካ ይባረኽ፡ ንዓኻ ንበይንኻ ምስጋና ይግበኣካ ንሕይወትካ ተሓጒስካ ዝሃብካና ሊቀ ካህንና በይንኻ ንስኻ ኢኻ፡ ኦ ጐይታ ዘወትር ምእንቲ ክንባርኸኻ ንከናፍርና ብውዳሴኻ ምልኣዮ፡ ንጽሑፍ እቶም ሕሱማት ጸሓፍቲ ካብ ምድርና ወግዶ፡ ንዓኻ ምስ ረኸብና ተጸናንዒናን ተሓጒስናን የዕሪፍናን ኣሎና፡ ብዘይካኻ እንደልዮ ዀነ እንብህጐ ኸኣ ሓደ`ኳ የልቦን። ጐይታ መንፈስ ቅዱስ እተበርትዓና ኣቦና፡ ከም ሓጺን ኣስራዚ ኣብ ቅድሚ ብዙኃት ደው እተብለና ንስኻ ኢኻ፡ ንስኻ ካብ ምኽሪ ክፉኣት ከተናግፈና፡ ካብ ቅልጽም ሓያላት`ውን ክትብጀወና እትኽእል ጸግዕና ኢኻ`ሞ ስምካ ይባረኽ። ንሕና ንደልያካ ኣሎና ንምድርና ካብቲ ኣርኪስዋ ዘሎ ተግባር ኣንጽሃያ፡ ኦ ጐይታ ንሕዝብና ምስትውዓልን ጥበብን ክትዕድሎ፡ ወርትግ ውን ብቃል ኣምላኽ ክምላእ ክትረድኦ ብስም ኢየሱስ ናዝራዊ እልምን ኣሎኹ። ንስኻ ጸግዕና ኢካ፡ ከውልናን እምባናን ጐይታ መንፈስ ቅዱስ ኢኻ፡ ብመገድኻ ምርሓና። ንእግዚኣብሔር ኣቦ ብስም ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ስብሓት ይኹን።
ኣምላኽ ብመጀመርታ ሰማይን ምድርን ፈጠረ። ዘፍ1፡1

ኣብ ዘይቅረብ ብርሃን ንዘሎ ኣቦ ብርሃናት እግዚኣብሔር ብስም ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ምስጋና ይኹን፡ ንሱ ደኳኒናን ፈጣሪናን በይኑ እዩ፡ ብዘይ ብእኡ ካልእ ክፈጥር ዝኽእል ሓደ`ኳ የልቦን። ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ነቲ ሓቂ፡ ሓቂ  ነቲ ዘይቅኑዕ ዝዀነ ኸኣ ኣይቅኑዕን እዩ ክንብል ቅኑዕ መምርሒ ሂቡና እዩ። ቅዱስ ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ ከምዚ ብምባል ጸሓፈሉ፡ ንቓል ሓቂ ትኽንትኽ ዚምህር፡ ዜኅፍር ዘይብሉ ዝተመስከረሉ ኣገልጋሊ ጌርካ ገዛእ ርእስኻ ንኣምላኽ ከተወፊ ጸዓር(2ጢሞ2፡15)። መዐቀኒ ሓደ ቕኑዕ ኣገልጋሊ ኣምላኽ፡ ንቓል ኣምላኽ ትኽንትኽ ምዝራቡ እዩ። ኣብ ታሪኽ ክርስትና ምድርና ካብ ቓል ሓቂ ወጺኦም ዝተፈጸሙ ፍጻሜታት ማእለያ የብሎምን ክሳዕ ሕጂ ውን ይቕጽሉ ኣለዉ። እዞም ሎሚ ዘሎና ወለዶታት ንቃል ኣምላኽ ክሳዕ ዘይበላዕናዮ ከኣ ነቶም ከም መንሽሮ ዚባልዑ ትምህርታት ክንፈልጦም ኰነ ክንቃወሞም ዓቕሚ ኣይክንረክብን ኢና። ዕላማ እዚ ጽሑፍ እዚ ነቲ ሰሊኹ ኣብ ቤተክርስቲያን ዚኣተወ ንምድርና ውን መርገም ዘምጸአ ግኖስቲካዊ ትምህርቲ መሰረት ዝገበረ ተግባር ምቅዋም እዩ። ሎሚ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተክርስቲያን ካብቲ ኣትያቶ ዘላ ሰልሚ ክትወጽእ ከም ዘለዋ እትዝክረሉን እትትንስኣሉን ዘመናት እዩ። ንቓል ኣምላኽ ትኽንትኽ ዘይነግሩ ኣገልገልቲ ትማሊ ንዝዘርእዎ ክርዳድ ሎሚ ብወረጦ ቃል ኣምላኽ እንነቅለሉ ወርሓት ትንሣኤ እዩ። ከም ፍቓድ እግዚኣብሔር ጐይታ ሠራዊት ነቲ ኣብ ክርስትና ሕይወት ተዘርኡ፡ ንብዙኃት ውን ዘጥፍአ ግኖስቲካዊ ምንቅስቓስ ብሒደት ነጥብታት ንመልከት። “ የቤተ ክርስቲያን ታሪክ በዓለም መድረክ” ብሊቀ ጳጳስ አባ ጎርጎርዮስ ዝተጻሕፈ መጽሓፍ መሠረት ገይረ ከቕርቦ እየ፡ ጐይታ መንፈስ ቅዱስ ይርድኣኒ።

ግኖስቲካውያን ማለት ፈላጣት ወይ ሰብ ፍልጠት ማለት እዩ። ስሞም ካብቲ “ግኖሲስ” ማለት ፍልጠት ዚብል ናይ ግሪክ ቃል ዝተወስደ እዩ። ፈላጣት ኢና ንምባል ስሞም ባዕሎ ዘውጽኡ እዮም። ትምህርቶም ከኣ ግኖስቲዝም ይበሃል፡ እዚ ማለት ከኣ ኣእሙራዊ፡ ፍልጠታዊ ከም ማለት እዩ። ድኅነት ብፍልጠት ደኣ እምበር ብእምነት ኣይኰነን ዚብሉ`ውን እዮም። ግኖስቲካውያን ክትዓቶም ኰነ ዝርርባቶም ቅዱሳት መጻሕፍቲ መሠረት ገይሮም ዘይኰነስ ብልበ-ወለዳዊ ፍልስፍና እዩ ዚነበረ፡ በዚ ምኽንያት`ዚ ኸኣ ኣብ ቤተክርስቲያን ጸገማት ፈጠሩ። ግኖስቲካውያን ንክርስትና ምስቲ ኣብ ዘመኖም ዝነበረ ፍልስፍናን፡ ናይ ምሥራቓውያን ልማድ ጥንቆላን ምትሃትን ምስ ትምህርቲ ክርስትና ክጸናብሩ ዝጸዓሩ እዮም። እዚ ናይ ምትሕውዋስን ምድብላቕን ኪደት ከኣ ብብዝሒ ክርስቲያናት ኣብ ዝነበርዎ ቦታታት እዩ ዘስፋሕፍሐ፡ንሳተን ከኣ፡ ኣብ ሶርያ/አንጾኪያ፡ ኣብ ግብጺ/ እስክንድርያ፡ ኣብ ንእሽቶ ኤስያ እየን። እዘን መናሃርያ ግኖስቲካዊ ትምህርቲ ዚዀና ከተማታት ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ሮማ እየን ዚነበራ።  ግኖስቲካውያን ከም መምርሒ ገይሪም ዝጥቀምሎም ሓሳባት እዚኣቶም እዮም፡ ናይ ፕላቶ፡ ናይ ኣሪስቶተል፡ ፒታጐራስ፡ ስቶይካውያን ከምኡ`ውን ኣይሁዳዊ ባህሊ ምስ ግሪኻዊ ፍልስፍና ዝሓዋወሰ ናይ ኣይሁዳዊ ፊሎ ሥነ-ሓሳብ፡ ከምኡ`ውን ካብ ምብራቓውያንን ከለዳውያንን ቆጸራ ከዋኽብቲ፡ ናይ ፋርሳውያን(ዞረስተርያን) ብኽልተ ኣማልኽቲ ምእማን እዩ። ከም ተወሳኺ`ውን ካብ መጻሕፍቲ ብሉይ ኰነ ሓዲስ ሓደ ሓደ ቃላት ወሲዶም ከምቲ ንዕኦም ዚርድኦም ብምትርጓም ንሓሳባቶም ድጋፍ ገይሮም የቕርብዎም።   

እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ ፍጹም፡ ንሠናይ ግብሪ ዘበለ ኣጸቢቑ ዝተዳለወ ምእንቲ ክኸውን፡ ብመንፈስ ኣምላኽ ዝተጻሕፈ ቅዱስ መጽሓፍ ንትምህርቲ፡ ንተግሣጽ፡ ንምእራም፡ ቅኑዕ ናብራ ንምምሃር ይጠቕም እዩ። 2ጢሞ 3፡16-17




No comments:

Post a Comment