Sunday, April 26, 2020

ሥጋ ኢየሱስ`ዶ`ዩ ተሠዊዑ ወይስ ሥጋ ማርያም፧


ንሳቶም፡ ትንሳኤ ቕድሚ ሕጂ ዀይኑ፡ እናበሉ ኻብ ሓቂ ዘምቢሎም፡ እምነት ሓያሎ ሰባት ይገላብጡ ኣለዉ። 2ጢሞ 2፡18

ኦ ክቡርን ሕያውን ዝዀንካ ኣምላኸይ አመስግነካ ኣሎኹ፡ ካብ ኣጽናፍ ናብ ኣጽናፍ ተዘርጊሖም ብዘለዉ ኲሎም ፍጥረታት ምስጋና ዝቐርበልካ ኣምላኸይ ብስም ኢየሱስ አመስግነካ ኣሎኹ። ንክርስቶስ ኢየሱስ ሰብነት ዘዳለኻሉ፡ ንሱ ብሞቱ ኸኣ ሕይወት ክህበና ናባና ዝለኣኽካዮ ቅዱስን ጻድቕን ኣቦ ስምካ ይባረኽ። ንሱስ ከምዚ ኸማይ ፍጹም ሰብ እዩ ብዘይ በይና ኃጢኣት ከኣ ብዂለንትኡ ነኅዋቱ ዝመሰለ እዩ። ኦ ሊቀ ካህናት ኢየሱስ ክርስቶስ አመስግነካ ኣለኹ፡ ንስኻ ንኣባጊዕካ እትፈልጠን ካብ ዘርኢ ዳዊት ዝተወለድካ፡ ካብ ምዉታን ከኣ ዝተንሣእካ ጐይታይን ኣምላኸይን ኢኻ። ከምቲ ፍጹም ኣምላኽ ዝዀንካ ከምኡ ውን ፍጹም ሰብ ኢኻ እምበር ሕጸጽ የብልካን። ንዕሽነት እዚ ዘመን`ዚ ኸኣ መኸተምታ ክትገብረሉ እልምነካ ኣሎኹ። ጐይታ መንፈስ ቅዱስ ስምካ ይባረኽ፡ ነቲ ካባኻ ዘይኰነ ምህሮ ካብ ልቢ ሕዝብና ምሓዎ፡ “ነቲ ብሥጋ ዝተገልጸ፡ ኢየሱስ ክርስቶስ” ዘወትር ክንዝክሮ መሃረና። ኦ ኣምላኸይ ንሓሳብ ሰይጣን ኣይንስሕቶን ኢና`ሞ ብቓልካ ስለ ዝሃነጽካና ነመስግነካ ኣሎና። ስለ ኹሉ ነገር ንእግዚኣብሔር ጐይታ ሠራዊት ብስም ኢየሱስ ናዝራዊ ስብሐት ይኹን።  
ሥጋ ኢየሱስ`ዶ`ዩ ተሠዊዑ ወይስ ሥጋ ማርያም፧

ቅድሚ ኹሉ ነቲ ሕያው ዝኾነ ኣምላኽን ኣቦ ጐይታና ኢየሱስን ስብሐት ይኹን። ንሓደ ወዱ ክሳዕ ምሃብ ዘፍቀረና ኣቦ ስሙ ይባረኽ። ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ሥግው ቃል፡ ሎሚ ውን ሕያው`ዩ እሞ ስሙ ይባረኽ። ጐይታ መንፈስ ቅዱስ ሓሳቡን መገዱን ክንርድኣሉ እንኽእል ምስትውዓልን ጥበብን ይዓድለና። ኣብ ኣርእስቲ ገሊጸዮ ከም ዘለኹ፡ “ሥጋ ኢየሱስ`ዶ`ዩ ተሠዊዑ ወይስ ሥጋ ማርያም፧” ብዝብል ሓሳብ ኢና ሎሚ ብመሠረት ቃል ኣምላኽ ክንመሃርን ክንዕይርን። ኣገዳስነት እዚ ኣርእስቲ እንታይ`ዩ፧ ዕላማኡ ኸ ከመይ’ዩ፧ ንዝብል ኣብቲ ጽሑፍ ክንረኽቦ ኢና። ኣብ ዘመን ቅዱስ ጳውሎስ ብፍልስናዊ(ኖስቲካዊ) ምህሮ ተጸልዮም ንሓቂ ዝተቓወሙ ሰባት ከም ዘለዉ፡ ቅዱስ ጳውሎስ ጽሒፉ ኣሎ። ባህርያት ሓሰውቲ መምህራን ውን ገሊጽዎ ኣሎ። እቲ ዘረባኦም ከም መንሽሮ እናለሐመ ዚባላዕ እዩ። ሄሜኔዎስን ፊሌጦስን ካባታቶም እዮም(2ጢሞ2፡17)። ኣብ ዓለምና ብዙኃት ብድፉኑ “ትንሣኤ ምዉታን” የለን ዚብሉ ኣለዉ እዚኣቶም ከጋግይዎ ዝኽእሉ ከኣ ውሑድ እዩ፧ እቲ ዓቢ ዝዀነ ውድቀት ዘምጽአን ንኣመንቲ`ውን እምነቶም ዝገላበጠን ምህሮ ግን ምህሮ እቶም ሄሜኔዎስን ፈሎጦንን ዝርከብዎም  ሰባት እዩ። ንትንሣኤ ምዉታን ኣይከሓድዎን፡ እቲ ንሶም ዝበልዎ ግን “ትንሣኤ ምዉታን ቅድሚ ሎሚ ዀይኑ ሓሊፉ እዩ” ዚብል ነበረ። ኲሎም እቶም ብክርስቶስ ኢየሱስ ዝኣመኑ ነቲ ዓቢ ተስፋ ትንሣኤ ምዉታንን ክብሪ እቶም ዝሞቱን ብሕይወት ዘለዉን ዝገሃደሉ፡ ንጐይታ ውን ኣብ ኣየር እንቕበለሉ እምነት ክርስትና ከም ከንቱን ሕሉፍን ገይሮም ክቖጽርዎ ደረኽዎም። በዚ ምኽንያት`ዚ ኸኣ ተቓወምቲ ሓቂ(ወንጌል) ተባህሉ።
ሎሚ ውን እንተዀነ ብዙኃት ተቓወምቲ ሓቂ፡ ተቓወምቲ ወንጌል ኢየሱስ ክርስቶስ ኰይኖም ተንሢኦም ኣለዉ። እቲ ከም መንሽሮ ወይ ውን ከም ኮረና ቀልጢፉ ዝላባዕ ትምህርቶም ከኣ ንብዙኃት የናውጽን ተጥፍእን ኣሎ። ኣብ ቃል ቅዱስ መጽሓፍ ዘይተሰረተ ሰብ፡ ንምህሮ ቅዱስ ወንጌል ከምቶም ጸባ ዝሃርፉ ህጻናት ዘይሰተዮ ሰብ፡ ነዚ ምህሮ እዚ ክፈልየሉ ዝኽእል ምስትውዓል ስለ ዘይረክብ ብተላባዒ ትምህርቶም ክተሓዝን ክጠፍእን ይኽእል እዩ። ኢየሱስ ክርስቶስ ግን ሎሚ ንወለዶታት ከድኅን ዝኽእል ሕያው እዩ። ሓሳብ ኣምላኽን መገድታቱን ካብ ናይ ሰብ መገድን ሓሳብን ዝተፈልየ እዩ፡ “ዕሽነት ኣምላኽ ካብ ጥበብ ሰብ ይበልጽ ተባሂሉ እዩ እሞ ሰብ ክንዲ ዝጠበበ ይጠብብ ንሓሳብ ኣምላኽ ከፍርሶ ኣይክእልን እዩ።

ክርስትና ምድርና ብብዙኅ ኣጋንንታዊ ትምህርቲ ካብ ነዊሕ እዋን ክሽርሸር ጀሚሩ እዩ። መቐጸልታኡ`ውን ሎሚ ንዕድላት መራኸቢ ብዙኃን ተጠቒምካ ዝሓልፍ ዘሎ ምህሮ ኣጋንንቲ ብዙኅ እዩ። እቲ ኢየሱስ ንሱ ክርስቶስ ምዃኑ ዝኽሕድ እንተዘይኮነስ መን`ዩ ጸረ ክርስቶስ፧ ተባሂሉ ከም ዝተጻሕፈ ብዙኃት ጸረ ክርስቶስ ተላዒሎምሉ ዘለዉ ዘመን እዩ። ብሽፋን ስም ድንግል ማርያም ዝካየድ ዘሎ ዘመተ ወንጌል ኢየሱስ ክርስቶስ ብዙኅ እዩ። እዚ ተግባራት`ዚ ኸኣ ኣምልኾ ጣዖት እዩ። እቲ ዝተዋረደ ሥጋ መን`ዩ፧ እቲ ኣብ ቅድሚ ጲላጦስ ዝተገርፈ ሥጋ መን`ዩ፧ እቲ ኣኽሊል እሾዂ ዝተደፍኦ ሥጋ መን`ዩ፧ እቲ ብመስማር ዝተሸንከረ፡ ብኲናት ዝተወግአ ሥጋ መን`ዩ፧ እቲ ዝሞተ ሥጋ መን`ዩ፧ እቲ ዝተገንዘ ሥጋ መን`ዩ፧ ካብ ምዉታን ዝተንስአ ሥጋ መን`ዩ፧  ሥጋይ ብተስፋ ክትነብር እያ። ምኽንያቱ ንነፍሰይ ኣብ ሲኦም ኣይትኃድጋን ኢኻ፡ ንቕዱስካ ድማ ኣብ መቓብር ኪብስብስ ኣይትገድፎን ኢኻ(መዝ 16፡8-11/ ግብ2፡25-27) ተባሂሉ ኣቐዲሙ ዝተነግረ ትንቢት ንሥጋ ኢየሱስ ዶ`ዩ፧ ወይስ ንሥጋ ማርያም፧

ኣብዞም ነገራት እዚኦም ንጹር ርድኢት እንተዘይሃልዩና ንኢየሱስ ክርስቶስ ከም ዝሰቐልናዮን ከምቶም ዘላገጽሉ ውን ከም ዘላገጽናሉን፡ ከም ዝኸሓድናዮን ክንፈልጥ ይግበኣና። ኣብ ምድርና ብሽፋን ስም ድንግል ማርያም ዝዓዪ ክፉእ መንፈስ ከም ዘሎ ግሉጽ እዩ። ኣብ ቤተክርስቲያንና ብስም ድንግል ማርያም ዝኣተዉ ስሕተታት፡ ዝተፈጸሙ ክሕደታትን ኣብ መጨረሽታ`ውን ነቶም ወንጌል ከምኡ ኣይእዝዘናን እዩ ንዑ ተመለሱ ዝበሉ ብምስጓግ፡ ብምእሳር፡ ደሞም ኣብ ምድሪ ብኽዓውን ብምቕታልን ዝተሓፉ ዘመናት ብዙኃት እዮም ሎሚ ውን ይቕጽሉ ኣለዉ። “ያለ ማርያም አማላጅነት ዓለም አይድንም” (ብዘይ ናይ ማርያም ኣማላድነት ዓለም ኣይድኅንን እዩ) ክሳዕ ምባል ድፍረትን ኃጢኣትን ተዘሪኡ እዩ። ነቲ ካብ ጥንቲ ዝነበረ መለኮታዊ ኣጀንዳ ድኅነት ተሳትፎ ድንግል ማርያም ኮነ ካልኦት እናኣእተዉ ከንቱ ክገብርዎ ይጽዕሩ፡ ድኅነት ግን ኣምላኻዊ ኣጀንዳን መደብን እዩ። ንስምዒታቶም ክገትኡን ንገዛእ ርእሶም ውን ብቃል ኣምላኽ ክገርሕዋ ዘይከኣሉ ሰባት ከኣ ኣብቲ ወንጌል ክስክኸሉ ዝተዋህቦም መድረኽ ከምዚ ብምባል ክሰብኩ ጀመሩ። ሓደ ሰባኺ “ ኢየሱስ ዝተሰቕለ ካብ ማርያም ብዝወሰዶ ሥጋ እዩ`ሞ ሥጋ ኢየሱስ፡ ሥጋ ማርያም እዩ” ኢሉ ስብከቱ ፈጺሙ ኣብ መቐመጢኡ ተመሊሱ ኣብ ጥቃ ሓደ ሊቅ ተቐመጠ። እቶም ሊቅ ከኣ ነቲ ሰባኺ ኣሕርር ኣቢሎም ቆንጠጥዎ። በዛ ሰዓት እዚኣ እቲ ሰባኺ “ኣቦይ እንታይ መዲለ፧ እንታይ ኣጥፊአ በሎም። ንሶም ከኣ “እዛ ምቕንጣው ንዓኻ ድያ ተሰሚዓትካ ነዴኻ በልዎ፧ እቶም ሊቅ ነቲ ሰባኺ ዘሕለፍሉ መልእኽቲ ግሉጽ እዩ። እቲ ሥጋ ካብ ድንግል ማርያም እኳ እንተወሰዶ፡ ሥጋ ኢየሱስ ደኣ እምበር ሥጋ ማርያም ተባሂሉ ዝጽውዓሉ ወለሓደ ምኽንያት የልቦን።

እምበኣር ሥጋ ኢየሱስ`ዶ`ዩ ተሠዊዑ ወይስ ሥጋ ማርያም፧ ኢየሱስ ክርስቶስ ብኹሉ ነገር ከምዚ ከማና እዩ፡ ንሱ ካብ ሰብ ዝፍለየሉ ተግባር ኃጢኣት ዘይፈልጥ ብምዃኑ ጥራይ እዩ። ኩሉ ሰብ ካብ ዘርኢ ኣዳም ስለ ዝውለድ ኃጢኣተኛ እዩ፡ ብኃጢኣት ተጠኒሱ ኸኣ ብኃጢኣት ይውለድ። እቲ ዝውለድ ሕጻን ካብ ድላይ ሰብኣይን ሰበይትን ብሩካቤ እዩ ዝውለድ(ዮሃ1፡13)። ምሽሕ`ኳ ንሱ ነቲ ሥጋ ካብ ወለዱ ይውሰዶ ደኣ እምበር ምስ ተወልደ ምሉእ ሰብ ስለ ዝኾነ እቲ ሥጋ ናቱ ደኣ እምበር ናይ ወለዱ ኣይበሃልን እዩ። እቲ ሕጻን እንተሓመመ፡ እንተጠመየ፡ እንተሞተ ውን፡ እቲ ሕጻን ሓመመ፡ ጠመየ፡ ሞተ፡ እንተተገንዘ ውን ሥጋ እቲ ሕጻን ተገንዘ ደኣ እምበር ሥጋ ኣዲኡ ሓመመ፡ጠመየ፡ሞተ፡ ተገንዘ፡ ተቐብረ ኣይበሃልን እዩ። ንምንታይ እዩ ከምኡ ዘይበሃል እንተበልና ንሱ ሰብ ስለ ዝዀነ እዩ። ከምቲ ዘለዓለማዊ ምኽሪ ኣምላኽ እቲ ቃል ብሥራት ናብ ድንግል ማርያም ምስ መጸ ንሳ ውን ምስ ተቐበለቶ፡ ንኣኣ መንፈስ ቅዱስ ጸለላ፡ ጋረዳ፡ ኣንጽሃ። ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ከኣ ንጹሕ ሰብነት ተወሃሃደ፡እዚ ግብሪ`ዚ ብኃይሊ መንፈስ ቅዱስ ዝተኸናወነ እዩ። ንሱ ምስ ተወልደ ሽሕ`ኳ እቲ ሥጋ ካብ ድንግል ማርያም እንተወሰዶ ንሱ ምሉእ ፍጹም ሰብ ስለ ዝዀነ ሥጋ ኢየሱስ ከኣ እምበር ሥጋ ማርያም ተባሂሉ ኣይጽዋዕን እዩ። ከም ሕጻናት በብቁሩብ ዝዓበየ ኢየሱስ እዩ። ንሱ ብዘይካ ኃጢኣት ብኹሉ ነገር ነኅዋቱ መሰሎም። እቶም ውሉድ ሥጋን ደምን ዝለበሱ ሰብ ስለ ዝኾኑ፡ ኢየሱስ`ውን ከምኦም ሰብ ኮነ(ዕብ2፡14)። ስለዚ እምበኣር ኢየሱስ ሰብ ድኅሪ ምዃኑ ምምቓል የብሉን፡ ሥጋ ማርያም እዩ ዚበሃለሉ ምኽንያት ውን የልቦን፡ ንሱ ሰብ ኮይኑ እዩ እቲ ምስኡ ዘሎ ሥጋ ኸኣ ሥጋኡ እዩ። ኢሳይያስ ኣብ ምዕራፍ 53፡10 “ ኪሳቐን ብመከራ ክሕምሸሽን ፍቓደይ እዩ፡ ሞቱ ኅድገት ኃጢኣት ዘምጽእ መሥዋዕቲ ነበረ” ይብል እቲ ነቲ ምስ ኣምላኽ ዝነበሮ ማዕርነት ኣይኃድግን እየ ኢሉ ዘይተኸራኸረ እንተኾነ ሰብ ብምዃን  መልክዕ ባርያ ብምውሳድ ብገዛእ ፍቓዱ ንርእሱ ድኻ ዝገበረ፡ መን`ዩ፧ ኢልና እንተሓተትና እቲ ሰብ ዝኾነ ኢየሱስ`ዩ መልስና። እቲ ፍቓድ ኣምላኽ ክፍጽም ዝተሓምሸሸ ሰብነት(ሥጋ) ኢየሱስ`ዶ`ዩ ወይስ ሰብነት(ሥጋ) ድንግል ማርያም`ዩ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብለና “ ሽዑ ኸኣ ኣነ እነሆ ኣብቲ መጽሓፍ ብዛዕባይ ጽሑፍ እዩ። ዎ ኣምላኽ ፍቓድካ ክገብር ኢለ እመጽእ ኣሎኹ በልኩ። ኣብ ላዕሊ ከምቲ ሕጊ ጌሮም ዘቕርብዎ መሥዋዕቲ ሕሩድን መሥዋዕቲ ብልዕን ዚሓርር መሥዋዕትን ስለ ኃጢኣት ዚስዋእን ኣይደሌኻን ብእኡ`ውን ባህ ኣይበለካን ኢሉ። ደሓር ከኣ እነሆ ፍቓድካ ክገብር ኢለ እመጽእ ኣሎኹ በለ። ምእንቲ ነቲ ዳሕራይ ኬጽንዕ ኢሉ፡ ነቲ ቐዳማይ ሰዓሮ። በዚ ፍቓድ እዚ በቲ ሓንሳእ ንሓዋሩ ዚኣክል እተሰውኤ መሥዋዕቲ ሥጋ ኢየሱስ ክርስቶስ ተቐዲስና ኢና(ዕብ 10፡7-10)።  ኣምላኽ ዝተቐበሎ መሥዋዕቲ ብእኡ ኸኣ ሰባት ክድኅኑ፡ ጽድቂ ክረኽቡ ዝተኣወጀሉ፡ ቤዛ ብዙኃት ብምዃን ዝተሰውዐ ዝተሓርደ ሥጋ ኢየሱስ ክርስቶስ ደኣ እምበር ሥጋ ማርያም ኣይኮነን። ሥጋ ፍጡራን ንዓለም ከድኅን ስለ ዘይክእል እዩ ኣምላኽ ንሓደ ወዱ ንኢየሱስ ክርስቶስ ዕርቅን ሰላምን ከምጽእ ናብ ምድሪ ልኢኽዎ። ሎሚ ነቲ ከም መንሽሮ ዝባላዕ ትምህርቲ ነርሕቆ “ሥጋ ማርያም`ዩ ተሰቒሉ፡ ሥጋ ማርያም`ዩ ተንሲኡ፡ ሥጋ ማርያም`ዩ ዳግም ዝመጽእ” ዚብል ትምህርቲ፡  ነቲ ኢየሱስ ከምዚ ኸማና ብዘይ ኃጢኣት ሰብ ኮነ፡ ገዛእ ርእሱ መሥዋዕቲ ኃጢኣት ብምግባር ቤዛነት ፈጸመ፡ ዚብል ትምህርቲ ዝኽሕድን ዝጻረን እዩ። ኣቱም ኣኅዋተይን ኣኃተን ንሓቂ ኣይትቃወምዋ፡ ንነፍሳትኩም ከኣ ንሰይጣን ኣኅሊፍኩም ኣይትሃቡ። ክቡራትን ፍቁራትን ኣኅዋተን ኣኃተይን ሎሚ ንቃል ኣምላኽ መሠረት ዘይገበሩ ከም መንሽሮ ዝላብዕሉ ዘለዉ ዘመናት እዩ`ሞ ገዛእ ርእስና ብቃል ኣምላኽ ክንዕጠቕን ብሰይፊ ቃሉ ውን ንሓሳብ ሰይጣን ክንቆራርጾ ይግባእ። ኢየሱስ ክርስቶስ ፍጹም ሰብ ፍጹም ኣምላኽ ስለ ዝዀነ ነቶም ብእኡ ኣቢሎም ናብ ኣምላኽ ዝመጹ ንዘለዓለም ኪማልደሎም ዝኽእል እሙን ሊቀ ካህናት እዩ። ኢየሱስ ፍጹም ሰብ እንተዘይኰይኑ ግን ክርስቶስ ውን ሊቀ ካህናት ኣይኮነን ማለት እዩ፧ ሊቀ ካህናት እንተዘይኮይኑ ድማ ገዛእ ርእሱ ኣብ ቅድሚ ኣቦ ኣየቕረበን ማለት እዩ፧ ንሕና ውን ገና ኣብ ኃጢኣትና ኣሎና ማለት እዩ፧ ኦ ፍቑራት ነቲ ኣብ ክርስቶስ ኢየሱስ ዘለኩም እምነት ኣጽኒዕኩም ሓዝዎ፡ሽሕ`ኳ ብዙኃት እንተኸሓድዎ ንሱ ግን እሙን ኮይኑ እዩ ዝነብር። ንሕና እዞም ኢየሱስ ፍጹም ሰብ ፍጹም ኣምላኽ ምዃኑ እንኣምን ግና “ ሳላ ደም ክርስቶስ ናብ ቅድስተ ቅዱሳን ዜእቱ እምንቶ ረኺብና ኢና። እንኣትዎ ኸኣ በቲ መጋረጃ፡ ማለት ብሰብነቱ(ብሥጋኡ) ዝተኸፍተ ሓድሽን ሕያውን ዝኾነ መገዲ ኣቢልና ኢና ኣብ ቤት ኣምላኽ ዓቢይ ካህን ኣሎና(ዕብ 10፡19-21)።

ወንጌላውያን ኢየሱስ ሞተ ምስ በሉ ኣስዒቦም ከምዚ ይብሉ፦

ማቴ 27፡58-59
ማር15፡43
ሉቃ 23፡52
ዮሃ19፡38-40
ናብ ጲላጦስ ቀሪቡ ድማ ናይ ኢየሱስ ሥጋ ለመነ። ሽዑ ጲላጦስ ኪህብዎ ኣዘዘ። ዮሴፍ ድማ ነቲ ሥጋ ወሲዱ ብጽሩይ በፍታ ገነዞ።
እቲ ንመንግሥቲ ኣምላኽ ዚጽበያ፡ ናይ ባይቶ ኣይሁድ ኅፉር ኣማኻሪ ዮሴፍ ብዓል ኣርማትያስ መጸ፡ ብትብዓት ናብ ጲላጦስ ኣትዩ ኸኣ ሥጋ ኢየሱስ ኪወሃቦ ለመኖ።
ንሱ ናብ ጲላጦስ ከይዱ ሥጋ ኢየሱስ ለመኖ።
ድኅርዚ፡ ዮሴፍ ብዓል ኣርማትያስ፡ እቲ ነቶም ኣይሁድ ስለ ዝፈርሀ ብኅቡእ ወደ መዝሙር ኢየሱስ ዝነበረ፡ ሥጋ ኢየሱስ ኪወስድ ንጲላጦስ ለመኖ። ጲላጦስ ከኣ ፈቐደሉ። ስለዚ ከይዱ ንሥጋ ኢየሱስ ወሰዶ። እቲ ቅድም ብለይቲ ናብ ኢየሱስ መጺኡ ዝነበረ ኒቆዲሞስ ውን ሠላሳን ሓደን ኪሎ ግራም ኣቢሉ ዚኸውን ከርበ ምስ ዓልወ ዝተሓወሰ ኂዙ መጸ። ንሥጋ ኢየሱስ ወሲዶም ከኣ ከምቲ ልማድ ኣይሁድ ምስ ሽቱ ብሓድሽ ዓለባ ገይሮም ገነዝዎ።

ካብኣ ሥጋን ነፍስን ምስ ተዋሃደ፡ ምሳና ማዕረ ኾነ፡ ምእንታና ድማ ብሓቂ መከራ ተዓገሠ፡ ብምትሃት ኣይኮነን። ከማና መገዲ ብምኻድ ደኸመ፡ ብምትሃት ኣይኮነን።ብትእዛዝ ጲላጦስ ምእንታና ኺገርፍዎ ከለዉን ነቲ መከራ ኪቕበል ኸሎን እቲ ማህረምትን ዝብጠትን ሕማምን፡ ከማና ተሰምዖ። እቲ ኺጸፍዕዎን ኣእዳዉን ኣእጋሩን ብሽንካር ኪሽንክርዎን ከለዉ እቲ ዝተቐበሎ መከራ ከማና ይፍለጦ ነበረ።ከምቲ ነቢይ ኢሳይያስ ብዛዕባኡ “ንሱ ደዌና ወሰደ፡ መከራና ፆረ” ዝበሎ፡ ንሱ ምእንታና ጐሃየ፡ ንሕና ኸኣ ምእንቲ ኃጢኣትና ቚሱልን ሕሡርን ሕሙምን ድዉይን ኮይኑ ረኣናዮ። ንሱ ግና ነዚ ዂሉ ምእንቲ በደልና ተዓገሠ፡ ደጊሙ ብሽንካር ብዂናት ቘሰለ ንመከራና ናብ ርእሱ ፀዓኖ“ በለ። ወካዕበ ንሰምዖ ለጳውሎስ እንዘ ይብል በእንቲአሁ ከመ ውእቱ ሊቀ ካህናቲነ ወይክል ይሕምም ሕማምነ ወተመከረ ከማነ በኲሉ ግብር ዘእንበለ ኃጢአት ባሕቲታ(ዕብ 4፡14-16)። ከም ብሓድሽ ጳውሎስ`ውን “ኣታዓራቂና ስለ ዝኾነ ብሕማምና ኪሓምም ይኽእል እዩ፡ ብዘይ በይና ኃጢኣት ብዂሉ ግብሪ ከማና ተፈተነ” ኪብል ንሰምዖ። ንሱ ነባቢት ነፍሲ ከም ዝወሰደ ንእመን፡ ካልኣይ ብሓቂ ሕማም ነፍሳትና ህውከት፡ ጭንቀት፡ ሓዘን ልቢ ተዓገሠ። ዮሃንስ ወንጌላዊ`ውን ብዛዕባኡ” ነፍሰይ ክሳዕ ሞት በጺሓ ተጨነቐት” ዝበሎ ዘኪሩ ነገረና። ከምኡውን ንሱ ኺሓዝንን ኪጭነቕን ከም ዝጀመረ ኣብ ወንጌል ማርቆስ ጽሑፍ እዩ(ማር 14፡34-36/ ዮሃ12፡27)። ብምትሃት ዘይኮነስ ብርግጽ ብሕማም ሥጋ፡ መከራ ስለ ዝተቐበለ። በዚ ንእመን። ነቶም” ኪገርፍዎ ከለዉ ኣይተሰምዖን፡ ኪሰቕልዎ ከለዉ`ውን ኣይደኸመን፡ ብሽንካራት ኪሽንክርዎ ከለዉ ድማ ኣየሕመሞን” ዚብሉ ንሕና ከምቶም ዓላውያን ነውግዞም ኢና። ንሕና ግና ንሱ ምእንቲ ኃጢኣትና ብሥጋ ከም ዝሓመመን ከም ዝሞተን ንኣምን ኢና። ነፍሱ ካብ ሥጋኡ ምስ ተፈልየ፡ ንሥጋኡ ገነዝዎ፡ ብርግጽ ድማ ካብ ሞት ተንስአ።ብድኅሪ ትንሣኤኡ ብርግጽ በልዐ፡ ናብ ሰማያት ከኣ ዓረገ።
         ሃይ.አበው ዘዮሓንስ ኤጲስቆጶስ ዘኢዮሩሳሌም ምዕራፍ 52 ቊ.5-11



Saturday, April 25, 2020

ሊቀ ካህናት (ቀዳማይ ክፋል)



ስለዚ ድማ ነቶም ብእኡ(ብኢየሱስ) ኣቢሎም ናብ ኣምላኽ ዚመጹ፡ ኵሉ ጊዜ ምእንታኦም ኪልምን ዚነብር ስለ ዝዀነ፡ ፈጺሙ ኼድሕኖም ይኽእል እዩ ዕብ7፡25።(ቀዳማይ ክፋል)

ቅዱስን ሕያውን ኣቦ ምስጋና ንዓኻ ይግባእ፡ ብስም ቅዱስ ወድኻ ኢየሱስ ክርስቶስ ውን አመስግነካ ኣሎኹ። ካብ ድቕድቕ ጸልማት ናብ ዘደንቕ ብርሃን ዘውጻእካና ንስኻ ኢኻ`ሞ ስምካ ይባረኽ። እቲ ኣብ ሕግኻ ተጻሒፉ ዘሎ ዂሉ፡ ነቲ ቅዱስ ወድኻ መሲሕ ኢየሱስ ናዝራዊ ዝገልጽ`ዩ እሞ ምእንቲ ክንርድኦን ከነኽብረካን ጸጋኻ ሃበና። እሙንን ደንጋጽን ከምኡ`ውን መሓሪ ሊቀ ካህናት ኢየሱስ ክርስቶስ ስምካ ይባረኽ። ብኽቡር ደምካ ሓጺብካ ናይ ኣቦኻ ካህናትን ነገሥታትን ጌርካና ኢኻ እሞ ንባርኸካ ኣሎና። ጐይታ ነቲ ብዛዕባኻ ኣብ ሕጊ ተጻሒፉ ዘሎ ምእንቲ ክንርዳእ ምስትውዓልና ክፈት። ንስኻ ካብ ሰማይ ዝወረድካ ሓዋርያ፡ ካብ ምድሪ `ውን ንሰማይ ዝዓረግካ ኣብ የማን ኣምላኽ ዝተቐመጥካ እሙን ሊቀ ካህናት ኢኻ፡ ኦ ኢየሱስ ስምካ ይባረኽ። ጐይታ መንፈስ ቅዱስ ምስትውዓል ክንረክብ ንሕግኻ ውን ክንርዳእ ባርኸና፡ ብዘሎ ጥበብን ኃይልን ናትካ እዩ`ሞ ቃልካ እንርድኣሉ ጥበብን ኃይልን ሃበና። ጐይታ መንፈስ ቅዱስ ጸጋኻ ኣይፈለየና።
ምቕባል ክህነትኩም ንሾብዓተ መዓልቲ ኺጸንሕ እዩ፡ እተን ክህነት እትቕበሉለን መዓልታት ክሳዕ ዝመልኣ፡ ንሾብዓተ መዓልቲ ካብ ኣፍ ደገ እቲ እግዚኣብሔር ዚርከበሉ ድንኳን ኣይትውጽኡ
ዘሌ 8፡33።

ቅዱስን ሕያውን ዝዀነ እግዚኣብሔር ጐይታ ሠራዊት ስሙ ይባረኽ። ገላጺ ምሥጢራት ኣምላኽና ንሱ እዩ`ሞ ነቶም ኣብ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ሰፊሮም ዘለዉ ሓቕታት ብቅኑዕ መገዲ ክንርዳእን ክንቅበልን ጸጋኡ ይርድኣና። ዕላማ እዚ ጽሑፍ’ዚ ነቲ “ኣውራ ነገር” ምግላጽን ምግሃድን እዩ፡ ናይ ዕብራውያን ጸሓፊ ከምዚ ይብለና ሕጂ ድማ ነዚ እንብሎ ዘሎና ኣውራ ነገሩ እዚ እዩ፡ ንሕናስ ኣብ ሰማያት ኣብ የማን ዝፋን ግርማ እተቐመጠ፡ ናይቲ፡ ጐይታ ደኣ እምበር፡ ሰብ ዘይተኸሎ መቕደስን ድንኳን ሓቅን ኣገልጋሊ፡ ከምዚ ዘመሰለ ሊቀ ኻህናት ኣሎና(ዕብ8፡1) ። “ኣውራ ነገሩ” ዚብል ቃል ኣተኲሮና ብዝግባእ ክቓኒ ዝግብኦ ሕያው ቃል`ዩ። እዚ ኣውራ ነገር እዚ ኸኣ ዓቢ መሠረታዊ ትምህርቲ ክርስትና ብምዃኑ ክሽርሸርን ኽሽፈንን ዘይግብኦ ሓቂ ውን ስለ ዝዀነ ሓዋርያ ዓሠርተው ሰለስተ ምዕራፋት ዘካተተ መልእኽቲ ጸሓፈ። ”ሎሚ ድምጹ እንተሰማዕኩም ልብኹም ኣይተትርሩ” ተባሂሉ ንዝተዋህበ ስምዕታ ብሸለልትነት ምስ እንሰግሮ ኸኣ ፍርዱ ቀሊል ከም ዘይከውን ርዱእ እዩ። ኣብ ምድርና ካብ ብዙኅ ዘመናት ጀሚሩ ብቕሉዕ ንክህነት ኢየሱስ ክርስቶስ ዝቃወሙ ናይ ሓሶት ዘርእታት ተዘሪኦም እዮም። ንኣማኢት ዓመታት ኣንጻር እዚ ትኹል ቃል ኣምላኽ ዝተኻየዱ ሰፋሕቲ ቅልሳት ውን ቀለልቲ ኣይኰኑን፡ እንተዀነ ቃል ኣምላኽ ስለ ዘይእሰርስ ኣብዞም ሎሚ ዘሎና ወለዶታት ሓቂ በጺሑ ይርከብ፡ ክብሪ ንእግዚኣብሔር ይኹን። ነዚ ኣብ ደም ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተመሥረተ ዘለዓለማዊ ክህነት ኢየሱስ ክርስቶስ ክንርድእኣሉ ዘይከኣልና ክልተ ዓበይቲ መሠረታውያን ሽግራት ኣለዉ። 1. ንሥርዓት ክህነት ኣሮንን ደቁን ብግቡእ ዘይምርዳእ፡ 2. ንሥርዓት ክህነት መልከጼዴቅ ውን ፈሊኻ ዘይምፍላጥ እዩ። ነዞም ክልተ ክህነታት ምስ እንርዳእ ከኣ ንዘለዓለማዊ ክህነት ኢየሱስ ክርስቶስ ምርዳእ ኣይክንሽገርን ኢና።

እግዚኣብሔር ንሕዝቢ እስራኤል ካብ ምድሪ ግብጺ ብዘደንቕ ኃይሉን ብርትዐኡን ብደም ገንሸል ኣሳጊሩ ናብ ምድረ-በዳ ከም ዘምጽኦም መጽሓፍ ኦሪት ዘጸኣት ብግቡእ መዝጊብዎ ይርከብ። እግዚኣብሔር ንሙሴ ናብ ነዊሕ እምባ ድኅሪ ምጽውዑ ኸኣ ንድንኳን ምስክርነት ኰነ ነቲ ኣብኡ ዝፍጸም ኩሉ ከመይ ገይሩ ክሰርዕ ከም ዘለዎ ኣርኣዮ። እስራኤላውያን ብመገዲ ሙሴ ሕጊ ተዋህቦም፡ መሠረት እዚ ሕጊ ኸኣ ደም እንስሳታት ነበረ፡ እዚ ኸኣ ኣብ መንጐ እግዚኣብሔርን ሕዝቢ እስራኤልን ዝተፈጸመ ኪዳን ነበረ። ኣምላኽ ከኣ ሕጊ መሠረት ዝገበረ ኣገልግሎት ክህነት ሠርዐ። ካብ ብዘለዉ ዓሌት እስራኤል ንኣገልግሎት ኣምላኽ ዝተፈልዩ ዓሌት ሌዊ ነበሩ፡ ብፍሉይ ከኣ ንኣገልግሎት ክህነት ዝተፈልዩ ኣሮንን ደቁን ጥራይ ነበሩ። ንስኻ ከኣ ንሓውኻ ኣሮን፡ ደቁ ድማ ምስኡ፡ ኣሮን ደቂ ኣሮን ከኣ፡ ናዳብን ኣቢሁን ኣልኣዛርን ኢታማርን፡ ካህናት ኪኰኑኒ፡ ካብ ማእከል ደቂ እስራኤል ናባኻ ኣቕርቦም(ዘጸ28፡1)።

ስለዚ እምበኣር ብዛዕባ እቲ ኣብታ ቀዳመይቲ ኪዳን ዚነበረ ኣገልግሎት ክህነት ክንሓስብ ከሎና፡ ብዛዕባ እቶም ብኣምላኽ ዝተሾሙ ኣሮንን ደቁን ጥራይ ንሓስብ ከም ዘሎና ክንጸር ዝግብኦ ሓቂ እዩ። ሽሕ`ኳ እዚ ኣገልግሎት እዚ ድኻም ብዘለዎም ካህናት ዝፍጸም እንተዀነ፡ ነዚ ክብሪ እዚ ግን ካብ ኣምላኽ ዝተቐበልዎ ደኣ እምበር ማንም ከም ድላዩ ክፍጽሞ ዝኽእል ከም ዘይኰነ ብኣጽንዖት ክገልጽ እደሊ። ድኹም ስለ ዝኾነ፡ ከምቲ ምእንቲ ሕዝቢ ከምኡ`ውን ምእንቲ ርእሱ፡ ስለ ኃጢኣት ክሥውዕ ይግደድ። ከም ኣሮን ብኣምላኽ ዝተጸውዐ እምበር፡ ነዚ ኽብሪ`ዚ ባዕሉ ኺወስዶ ዚኽእል ሓደ`ኳ የልቦን(ዕብ5፡3-4)።

ሥርዓት ኣቀባብላ ክህነት ደቂ ኣሮን ከመይ ምዃኑ ኣብ ዘሌዋውያን ምዕራፍ 8 ብዝርዝር ተጻሒፉ ይርከብ። ሙሴ ከምቲ ትእዛዝ እግዚኣብሔር ንኣሮንን ንደቁን (ናዳብ፡ኣቢሁ፡ኣልኣዛር ኢታማር) ኣብ ኣፍ ደፍ ድንኳን ምርኻብ ኣቕረቦም። ሕዝቢ እስራኤል ውን ኣብ ኣፍ ደገ ድንኳን ምርኻብ ተኣከቡ። ሙሴ ንኣሮንን ንደቁን ብማይ ድኅሪ ምሕጻቡ ዘዝምልከቶም ኣልባሳት በብተርታ ኣልበሶም። “ንኣሮን ድማ ቐሚሽ ታሕቲ ኸደኖ፡ ብቅናት`ውን ኣቐነቶ፡ ቀሚስ ላዕሊ ከዲኑ ኸኣ ኣብ ልዕሊኡ ኤፎድ ገበረሉ፡ በቲ ብብልሓት ዝተገብረ ቅናት ኤፎድ ድማ ኣቐነቶ፡ ኣብ ልዕሊኡ ኸኣ ሳንቃ ኣፍ ልቢ ገበረሉ፡ ናብቲ ሳንቃ ኣፍ ልቡ ድማ ኡሪምን ቱሚምን ዚብሃሉ ነገራት ገበረሉ። ኣብ ርእሱ ኸኣ መጠምጠምያ ገበረሉ። ኣብ ልዕሊ እቲ መጠምጠምያ`ውን ብሸነኽ ቅድሚት፡ ከምቲ እግዚኣብሔር ንሙሴ ዝኣዘዞ ብወርቂ ዝተሰርሐ ጌጽ፡ ቅዱስ ኣኽሊል ገበረሉ። …..ናብ ርእሲ ኣሮን ድማ ኻብቲ መቕብኢ ዘይቲ ኸዓወሉ፡ ምእንቲ ክቅድሶ ኸኣ ቐብኦ(ዘሌ8፡6-9/12)። ብድኅሪ`ዚ ውን ሙሴ ንደቂ ኣሮን ኣቅሪቡ ቀመውሽቲ ታሕቲ ኸዲኑ ብቕናውቲ ኣቐነቶም፡ መጠምጠምያታት ውን ገበረሎም። ከምቲ ኣብ ሕጊ ተጻሒፉ ዘሎ ኸኣ ኣገባብን ሥርዓትን ኣቐራርባ መሥዋዕትታት ኣርኣዮም። እዚ ምቅባል ክህነት እዚ ኸኣ  ንሾብዓተ መዓልታት ዝጸንሕ ብምንባሩ ንሾብዓተ መዓልታት ካብ ኣፍ ደገ ድንኳን ምርኻብ ከይወጹ ኣዘዞም፡ ኣሮንን ደቁን ከኣ ነቲ እግዚኣብሔር ብሙሴ ገይሩ ዝኣዘዞም ኩሉ ገበርዎ። በታ ሳምነይቲ መዓልቲ ኸኣ ሊቀ ካህናት ኣሮን ምስ ደቁ ኣገልግሎቶም ጀመሩ፡ ከምቲ ሕጊ ዝእዝዞ ገይሮም ከኣ መሥዋዕትታት ኣቕረቡ። ነዚ ኣገልግሎት`ዚ ኣምላኽ ስለ ዝሰርዖ ከኣ ከምቲ ትእዛዙ ምስ ተኸናወነ ሓዊ ካብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ወፀ። ነቲ ኣብ ልዕሊ መሠውዒ ዝነበረ ዚሓርር መሥዋዕትን ነቲ ስብሕታትን ከኣ በልዖ። ኲሎም እቶም ሕዝቢ ምስ ረኣይዎ፡ እልል በሉ፡ ብገጾም ተደፊኦም ድማ ሰገዱ(ዘሌ9፡24)።

እዚ ክህነት እዚ ኣብ ዓሌት ኣሮንን ደቁን ጥራይ ዝተመሥረተ እዩ። እቶም ካብዚ ዓሌት`ዚ ወጻኢ ዘለዉ ሌዋውያን ይኹኑ ካልኦት ነገዳት እስራኤል ኣብ መሠውዒ ብኽህነት ከገልግሉ ኣይፍቀደሎምን እዩ። ኣምላኽ ንዕዮ ክህነት ክዓዩ ንኣሮንን ንደቁን ጥራይ መሪጹ`ዩ፡ ብቕዱስ ዘይቲ ዝፈለዮም። ኣሮን እቲ እንኮ መንጐኛ ሊቀ ካህናት ብምዃን ካብቶም ድኻም ዘለዎም ኃጥኣን ሕዝቢ፡ ምእንቲ ሕዝቢ መሥዋዕትን መባእን ከቕርብ  ዝተመርጸ ኣገልጋሊ እዩ።

Saturday, April 18, 2020

ግጥሚ ንዕሽነት ኣሚነ


እዚ(ማትሳ/ ዘይበዂዐ ቕጫ) ምእንታኻትኩም ዝወሃብ ዘሎ ሥጋይ እዩ ሉቃ 22፡19 (3ይ ክፋል)



እዚ(ማትሳ/ ዘይበዂዐ ቕጫ) ምእንታኻትኩም ዝወሃብ ዘሎ ሥጋይ እዩ ሉቃ 2219 (3 ክፋል)


ኣምላኸይ! ኣምላኸይ! አመስግነካ ኣሎኹ። ንስኻ እቲ ኣብ ዝፋን እተቐመጥካ ጐይታ ሠራዊት ኢኻ። ንዓኻ ዝመስለካ ሓደ`ኳ የልቦን። ኦ ኣምላኸይ ብምሉእ ዘመነይ ክቓንየልካን ክዕልለልካን ባርኸኒ። ኣብ ቅድሜኻ ሓደ`ኳ ጻድቕ ስለ ዘይነበረ፡ ንሓደ ወድኻ፡ ንፍቑርካን መልአኽ ምኽርኻን፡ ኃይሊ ብርቱዕ የማንካን ኢየሱስ ክርስቶስ ናብ ዓለም ለኣኽካዮ። “ንሱ ብመከራ ክሕምሸሽ ፍቓደይ እዩ ሞቱ ኅድገት ኃጢኣት ዘምጽእ መሥዋዕቲ ነበረ”  ብምባል ንሓደ ወድኻ ከይነሓፍካ ንዓና ኣፍቀርካና። ኦ ኣቦ አመስግነካ ኣሎኹ፡ እዚ ፍቕሪ እዚ ንዓይ ንኃጢኣተኛ ምእንቲ ከተጽድቕ ዝኸፈልካዮ ዘይበርስ ፍቕሪ እዩ፡ ስለ ኩሉ ግብርኻ ብስም ኢየሱስ ክርስቶስ ተባረኽ።  ኦ ኢየሱስ ስምካ ይባረኽ፡ ዝባንካ ንገረፍቲ፡  ምዕጒርትኻ ኸኣ ንነጸይቲ ፀጒሪ ምእንቲ ኃጢኣተይ ሃብካ፡ ብጸርፎም ተጓእ ኣይበልካን፡ ነቲ ኣብ ቅድሜኻ ዝነበረ ዓወት ደኣ ተመልከትካ ብምኽንያት ስቓይካ ተፈዊሰ እየ`ሞ አመስግነካ ኣሎኹ። ኦ ሊቀ ካህነይ እባርኸካ ኣሎኹ ብዘይካኻ ከኣ ከድኅነኒ ኢሉ ሕይወት ዝኸፈለ የልቦን፡ ኦ ፍትወይ ልበይ ብፍቕርኻ ተማሪኹ ኣሎ፡ ብዘይ ኲናት ስዒርካኒ ኢኻ፡ ልበይ ከም ስምዒ ብፍቕርኻ መኸኸ፡ ኦ ጐይታ ኢየሱስ እፈትወካ`የ ስምካ ይባረኽ። ጐይታ መንፈስ ቅዱስ ምስትውዓል እትዕድለኒ ኣቦይ ስምካ ይባረኽ፡ ጸጋኻ ኣብዞም ንኣሽቱ ስለ ዘዕዘዝካ ተባረኽ። ኃይልኻ ተዓጢቕና ንእግዚኣብሔር እነመስግን ብርቱዕ ጭፍራ፡ ንዕኡ ንበይኑ እንዝምርን እንምብርከኽን ብርቱዕ ሠራዊት ጌርካና ኢኻ`ሞ ተባረኽ ጸጋኻ ይባርኸና፡ይሓልወና ንሕና ብኣኻ ኢና ብሕይወት ዘሎና። ስለ ኹሉ ነገር ንእግዚኣብሔር ኣቦ ብስም ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ስብሐት ይኹን።
አንሰ ዕፄ ወአኮ ሰብእ፡ ምኑን በኅበ ሰብእ ወትሑት በውስተ ሕዝብ
ኣነ ሓሰኻ እምበር ሰብ ኣይኰንኩን፡ ብሰብ ዝተነዓቕኩን ኲሉ ሰብ ዘላግጸለይን እየ(መዝ22፡6)

ማትሳ (ዘበዂዐ ቅጫ/ Unleavened Bread) ንመሲሕ ዚሕብር ፍላጻ

ንገዛእ ርእሰይ መላሊሰ ሓተትክዋ፧ ንነፍሰይ ተወስክዋ፧ መን`ዩ ንገዛእ ርእሱ ምስ ሓሰኻ ዘነጻጽር በልክዋ፧ መን`ከ`ዩ ክሳዕ ክንድዚ ዝተናዕቐ፧ ልበይ ኪኖ ቃላት ኰይንዎ ኣሎ። እቲ ዘፍቀረኒ ብደሙ ኸኣ ዝሓጸበኒ ክርስቶስ ኢየሱስ ብንብዓትን ስቅያትን ከምዚ በለ “ ኣነ ሓሰኻ እየ ሰብ ኣይኰንኩ፡ ብሰብ ዝተነዓቕኩን ኲሉ ሰብ ዘላግጸለይን እየ” ልበይ በዚ ቃል`ዚ ከም ስምዒ መኸኸ፡ ክሳዕ ክንድዚ ጐይታ ኢየሱስ ከም ዘፍቀረኒ ኸኣ ነፍሰይ ተረድአት፡ ነዚ ጐይታ`ዚ ንዘለዓለም ክብሪ ይኹኖ።

2. ዝተጨማደደ መልክዕ፦ እቲ ካልኣይ መልክዕ ናይታ ኣብ እዋን ፋሲካ እትቚረስ ቅጫ፡ ካብ ምልብላብ እቲ ሓዊ ዝተላዕለ፡ ዝደረቐ ዝተጨማደደ መልክዕ እዩ። ከምቲ ኣቐዲምና ክንርእዮ ዝቐነና እዛ ማትሳ እዚኣ ምሳሌ መሲሕ እያ። ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብዘይካ ኃጢኣት ፍጹም ዝዀነ ሰብን ኣምላኽን እዩ። ዳዊት ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሑ ስቓይ `ቲ መሲሕ ክገልጽ ከሎ፡ “ኃይለይ ከም ማይ ፈሰሰ፡ ብዘሎ ኣዕጽምተይ ተፈላለየ፡ ልበይ ከም ስምዒ ኣብ ማእከል ኣምዑተይ መኸኸ። ጐረሮይ ከም ገልዒ ነቐጸ፡ ልሳነይ ኣብ ትንሓገይ ጠበቐ፡ ከም ምዉት ኣብ መሬት ደርበኻኒ(መዝ22፡14-15) ይብል። ኣምላኽ ንብዘሎ መቕጻዕትና ኣብኡ ኣውደቖ፡ ንሱ ኸኣ ብሰሪ ገበንና ተኸትከተን ቆሰለን፡ ኢየሱስ ነታ ጽዋዕ ሞት ክሰቲ ክሳዕ ሞት እዙዝ ኮነ፡ ክብሪ ኹሉ ንዕኡ ይኹን። ነቢየ እግዚኣብሔር ኢሳይያስ ውን ከምዚ በለ “ ዝባነይ ንገረፍቲ፡ ምዕጒርተይ ከኣ ንነጸይቲ ፀጒሪ ሃብኩ። ኪጸርፉንን ጡፍ ክብሉለይ ከለዉን ገጸይ ኣይከወልኩን(ኢሳ50፡6)”። ካብታ ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተተታኅዘላ እዋንን ሰዓትን ንሱ ገዛእ ርእሱ ንመከራ ኣኅሊፉ ሃበ። ልክዕ ከምታ ብሓዊ ዝተለብለበት ማትሳ፡ መቕጻዕቲ ኣብኡ ብምውዳቚ ተሳቐየ፡ ተጨነቐ፡ ከምቲ ሰባት ምእንቲ ከይርእይዎ ገጾም ዝጒልበብሉ ሕሙም ሰብ፡ ብፍጹም ስቓይ ተሓምሸሸ፡ ዝባኑ ንመግረፍቲ ወፈየ፡ እቲ ገዛኢ ኸኣ ገረፎ “ ብድኅሪ`ዚ ጲላጦስ ንኢየሱስ ወሲዱ ገረፎ(ዮሃ19፡1)”። ነቢየ እግዚኣብሔር ኢሳይያስ “ ንሱ ግና ብሰሪ ገበንና ቘሰለ፡ ብሰሪ ኣበሳና ድማ ተኸትከተ፡ ንሕና ሰላም ምእንቲ ክንረክብ፡ መቕጻዕቲ ናብኡ ወረደ፡ ንሕና`ውን ብስምብራቱ ሓዌና” በለ። ኣብ ዝባን ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝዀነ በሰላ ወይ ስምብራት ኣቐዲሙ ኣምላኽ ኣብ ዝሃቦም ሥርዓት መባዂዕቲ ዘይብሉ ቅጫ ተጋህደ።

ንሕና እዞም ኃጥኣን፡ እወ ንሕና እዞም ዓመጽቲ ብበሰልኡ ምእንቲ ክንሓዊ ንሱ ተኸትከተ። ንሕና ምእንቲ ክንፍወስ ንሱ ሓመመ፡ ንሕና ምእንቲ ክንነጽህ ኢየሱስ ገዛእ ርእሱ ሰብ ኰነ ምእንትዚ ኸኣ ኣቦ ንሓደ ወዱ ክሳዕ ዘይርኅርኃሉ ጨከነ። እታ መባዂዕቲ ዘይብላ ቅጫ ማትሳ ንዘመናት ብዛዕባ መሲሕ ሰበኸት፡ በታ ኢየሱስ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ድራር ፋሲካ ዝበልዓላ ለይቲ፡ ኣብ ብዘሎ ኅብረተ ሰብ እስራኤል ማትሳ ይቚረስ ነበረ እንተዀነ ሓደ`ኳ “እዚ ሥጋይ`ዩ” ዚበለ የልቦን። ብዙኃት ነታ ማትሳ ክቖርስዋ ከለዉ ነቲ ካብ ምድሪ ግብጺ ዝወጽሉ ህሞት እናዘከሩ እዮም ቀጨጭኦም ዝቖርሱ ዝነበሩ።

እዛ ለይቲ እዚኣ ግን ፍልይቲ እያ። “ ምስ ሕዝቢ እስራኤልን ሕዝቢ ይሁዳን ሓድሽ ኪዳን ዝኣትወለን መዓልታት ክመጻ እየን(ኤር31፡31)” ተባሂሉ ዝተነግረ ትንቢት፡ መሲሕ ነታ ማትሳ ኣልዒሉ “እዚ ሥጋይ እዩ” ብምባል ነቲ ንዘመናት ብምሳሌን ከም ጽላሎትን ዝንገር ዝነበረ ምሥጢር “ማትሳ” ኣግሃዶ። እዛ ለይቲ እዚኣ ፍልይቲ ለይቲ እያ፡ ልክዕ ከምቲ ማትሳ ብመከራ ኃሊፋ፡ ብነዃላትን ስንብራትን ኃሊፋ ኣብ መፈጸምታ ኸኣ እትቊረስ፡ ኢየሱስ ከኣ ምእንቲ ድኅነት ኲሉ ዓለም መቕጻዕቲ ተቐቢሉ፡ ብመከራ ተሓምሺሹ፡ ብመግረፍቲ ሰንቢሩ፡ ብሽንካር ተሸንኪሩ፡ ኣብ መወዳእታ ኸኣ ከም ዝመውት(ዝቚረስ)፡ ብምኽንያት እቲ ዝተቖርሰ ሥጋኡን ዝፈሰሰን ደሙን ከኣ ሓድሽ ኪዳን ከም ዝምሥረት ኣወጀ።

እዚ ኪዳን`ዚ ናይ ዘለዓለም ኪዳን ደም እዩ። ኣምላኽ ነቶም ብኢየሱስ ዝኣመኑን ከም መድኃኒኦምን ጐይታኦምን ዝተቐበሉ ከኣ ብሳላ እዚ ደም`ዚ ኣበሳኦም ይቕረ ክብለሎም፡ ኃጢኣቶም ድማ ድኅርዚ ከም ዘይዝክሮ ኣወጀ። ኦ ወገነይ ኃጥእ`የ ምባል ጥራይ ትርጒም የብሉን ጽድቂ ውን ከውህብ ኣይክእልን እዩ።  ሰብ ኃጥእ ምዃኑ ኣብ ዝፋን ሰማይ እውጅ እዩ፡ ምእንት`ዚ ኸኣ እዩ ኢየሱስ ክርስቶስ ከድኅነና ዝመጸ፡ እትኸፍሎ ዋጋ የልቦን ነቲ ዝተኸፍለልካ ናይ መስቀል ዋጋ ብእምነት ብምቕባል ደኃን። ንኢየሱስ ከም ጐይታይን መድኃንን ሕይወትካ ምስ እትቕበል ብደሙ ስለ እትሕጸብ ኣብ ቅድሚ ኣቦ ጻድቕ ኢኻ። ብኢየሱስ ክርስቶስ ከኣ ናይ እግዚኣብሔር ኣቦኡ ናይ መንግሥቱ ካህን ክትከውን ኢኻ። ንእኡ ነቲ ዘፍቐረና ካብ ኃጢኣትና`ውን ብደሙ ዝሓጸበና ኢየሱስ ክርስቶስ ክብርን ሥልጣንን ስብሐትን ንዘለዓለም ይኹን።

Saturday, April 11, 2020

እዚ(ማትሳ/ ዘይበዂዐ ቕጫ) ምእንታኻትኩም ዝወሃብ ዘሎ ሥጋይ እዩ ሉቃ 22፡19 (2ይ ክፋል)



እዚ(ማትሳ/ ዘይበዂዐ ቕጫ) ምእንታኻትኩም ዝወሃብ ዘሎ ሥጋይ እዩ ሉቃ 22፡19 (2ይ ክፋል)

ኦ ዘለዓለማዊ ዝዀንካ ኣምላኸይ ስምካ ይባረኽ፡ ንስኻ ኣምላኽ ኩሉ ፍጥረት ኢኻ ንዘለዓለም ክብሪ ይግበኣካ። ሎሚ ውን ሕያው ስለ ዝዀንካ ነዚ ኣብ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ዚተጻሕፈ ሓቂ ከስተውዕሎ ጥበብን ምስትውዓልን ስለ ዝሃብካኒ ብስም ኢየሱስ ክርስቶስ አመስግነካ ኣሎኹ። ካብ ሓቕካ ዝተላዕለ ነፍሰይ ጸገበት፡ ከምቲ ኣውሊ ዝሓደሮ ምድሪ`ውን ርሓሰት ኣምላኸይ ኩሉ ነገራትካ መስተንክር እዩ። ሥርዓታትካ ቅዱስን ሕያውን እዩ እሞ መሃረኒ፡ ብምሉእ ዘመነይ ከኣ ክባርኸካ እየ። ኦ ጐይታይን መድኃንየይን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ መባዂዕቲ ዘይብሉ ብሓዊ ዝበሰለ፡ ዝሰምበረ፡ ብዋዒ ዝቖሰለ፡ ንስኻ ኢኻ። ኦ መሲሐይ አኽብረካ ኣሎኹ፡ ንደቂ እስራኤል ብምልክት ማትሳ ዝተገለጽካ ተስፋ ዝዀንካን ስምካ ይባረኽ። ብቑስልኻ ተፈዊሰ፡ ብስምብራትካ ውን ሓውየ እየ`ሞ ክባርኸካ እየ። ንስኻ በይንኻ ጥራይ ኢካ መድኃንየይ፡ ብዘይካኻ መድኃኒ የብለይን። ብዓቢይ ንብዓትን ገዓርን ዝረኣኹኻ ጐይታ ንስኻ ጥራይ ኢኻ ካህነይ፡ ካልእ ካህን የብለይን ስምካ ይባረኽ። ብመውጋእትኻ ተማሒረ እየ። ጸጋኻ ይብዝሓለይ ኣቦይ ባርኸኒ። ገላጺ ዂሉ ጥበብ፡ ኣብርሆት ውን እትህብ ጐይታ መንፈስ ቅዱስ ስምካ ይባረኽ። ንድንቁርና ካብ ሕይወተይ ስለ ዘርሓቕካዮ አመስግነካ ኣሎኹ፡ ንቅዱሳን ነቢያትን ሓዋርያትን ዝገለጽካዮ ሓቂ፡ መባዂዕቲ ዘይብሉ ቕጫ ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። ንስኻ ሓሶት ዘይብልካ ቅኑዕ ምስክር ኢኻ፡ ብጸጋኻ ጋሪድካ ጥበብ ስለ ዘብላዕካኒ እባርኸካ ኣሎኹ። ንምድርና ብወንጌል ኢየሱስ ክርስቶስ ምልኣያ ስምካ ኣብቶም እንኣምነካን እንውከለካን ክቡር እዩ። ንእግዚኣብሔር ኣቦ ብስም ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ስብሐት ይኹን። ኣሜን።
ማትሳ (ዘበዂዐ ቅጫ/ Unleavened Bread) ንመሲሕ ዚሕብር ፍላጻ

ስለዚ ክርስቶስ ኣብ ዓለም ኪመጽእ ከሎ ከምዚ ዚስዕብ በለ፦ “መሥዋዕትን መባእን ኣይደለኻን፡ እንተዀነ ሰብነት ኣዳሎኻለይ። ብዚሓርር መሥዋዕትን በቲ ምእንቲ ኃጢኣት ዚቐርብ መባእን ባህ ኣይበለካን። ሽዑ ኸኣ ኣነ ‘ኦ ኣምላኸይ ከምቲ ኣብ መጽሓፍ ብዛዕባይ ተጻሒፉ ዘሎ፡ እነሆ ፍቓድካ ክፍጽም መጺአ ኣሎኹ’ በልኩ(ዕብ10፡5-7)።” ንኣቦ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ምስጋና ይኹን። ኣብዚ ክፍሊ መጽሓፍ ቅዱስ ብንጽጽር ክልተ ዓይነት መሥዋዕትታት እዮም ተጠቒሶም ዘለዉ። መፈጸምታ ዕላማ እዞም መሥዋዕትታት ከኣ ንኃጢኣት ዘርሕቕን ንኣቦ ባህ ዘብልን ኣየናይ መሥዋዕቲ ዀን`ዩ፧ ዚብል እዩ። ኣቦ በቲ ኣብ ሕጊ ዝተሠርዐ ዚሓርር መሥዋዕትን ምእንቲ ኃጢኣት ዝቐርብ መባእን ባህ ከም ዘይበሎ ኸኣ ብግልጺ ይዛረብ፡ እዚ እቲ ኣብ ትሕቲ እታ ቀዳመይቲ ኪዳን ዝቐርብ ዝነበረ መሥዋዕትታት እዩ። ኃጢኣት ከወግዱ ዘይክእሉ ምዃኖም ከኣ መጽሓፍ ይገልጽ። ሽዑ መሲሕ ከምዚ በለ፡ “ ኦ ኣምላኸይ ከምቲ ኣብ መጽሓፍ ብዛዕባይ ተጻሒፉ ዘሎ ፍቓድካ ክፍጽም መጺአ ኣሎኹ”። እታ ካብ ማእከል “ማትሳ ታሽ(Bag/ማኅፉዳ)” ተፈልያ እትወጽእ “ማትሳ”፡ መባዂዕቲ ዘይብላ ካብ ጽሩይ ሓርጭ እትርከብ እያ፡ እዚ ትእዛዝ`ዚ ኸኣ ኣብ መጽሓፍ ሕጊ ጽሑፍ እዩ። “መባእን መሥዋዕትን ኣይደለኻን እንተዀነ ሰብነት ኣዳሎኻለይ”በለ፡ እዛ ኣብ መጽሓፍ ሕጊ ተጻሒፋ፡ ኣብ እዋን በዓል ፋሲካ እትዳሎ “ማትሳ” ምሳሌ እቲ ኣምላኽ ዘዳለዎ ሰብነት እያ። ኢየሱስ ክርስቶስ ንሰብነቱ ካብ ሰማይ ሒዝዎ ኣይመጸን እንታይ ደኣ ንሱ ንህላዌና ምእንቲ ክወስድ ብግብሪ መንፈስ ቅዱስ ካብ ድንግል ማርያም ተወልደ። ንሱ ብሥጋን ደምን ከማና ሰብ ዝዀነ ወዲ ኣምላኽ እዩ። ስለዚ እምበኣር እቶም ኣብ መጻሕፍቲ ተጻሒፎም ዘለዉ ኩሎም ጽሑፋት ብዛዕባ መሲሕ ዝሕብሩናን ንዕኡ`ውን እዮም ዝገልጹልናን።
ማትሳ(መባዂዕቲ ዘይብሉ ቅጫ)፡ ካብ ድኹም ሓርጭ ብዘይ መባዂዕቲ ድኅሪ ምድላዋ፡ ምእንቲ ክትበስል ብብርቱዕ ሓዊ እያ ትቃጸል፡ ቅርጻ ጸፊሕ ብምዃኑ ኸኣ እቲ ሓዊ ንብዘሎ ዙርያኣ ዝኸብብ ስለ ዝዀነ ብሓዊ ተለብሊባ እያ እትደርቅ። ኣዕይንትና ተኺልና ክንጥምታ ኸሎና ኸኣ ብፍሉይ ክልተ ባህርያት ንዕዘብ። ንሳቶም ከኣ ጋህ ዝበሉ ነዃላትን፡ ካብ ዋዒ ዝተላዕለ ዝተጨማደደ ስምብራትን እዮም።
1.    ጋህ ዝበሉ ነዃላት

ጋህ ዝበሉ ነዃላት፦ ኣብ መጻሕፍቲ ዘለዉ ምስጢራት ዘደንቑ እዮም። ማትሳ ብሓዊ ተለልያ እትህበና መልክዕን ነዃላትን`ከ እንታይ ዓይነት መንፈሳዊ ትርጉም`ዩ ዘለዎም፧ ብምባል ንመጻሕፍቲ እንተሓተትናዮም፡ ንሳ ብምሳሌ ንመልክዕ መሲሕ እትሕብር ብምዃና ከምዚ ይብሉና።
·       ንእኡ ኸኣ፣ እዚ ኣብ ማእከል ኣእዳውካ ዘሎ ቝስሊ እንታይ እዩ እንተ በልዎ፣ ንሱ ድማ፣ እዚ ኣብ ቤት እቶም ዜፍቅሩኒ እተወጋእክዎ እዩ፣ ኪብል እዩ(ዘካ13፡6)። 
·       ኣብ ልዕሊ ዘርኢ ዳዊትን ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ኢዮርሳሌም ዚነብሩ ሕዝብን መንፈስ ጸጋን ምህለላን ክኽዑ እየ። ንሳቶም ከኣ ነቲ ወጊኦም ዝቐተልዎ፡ ክጥምትዎ እዮም፡ ከምቲ ንሓደ ውሉድካ   እትበኽየሉ ክበኽይሉ፡ ከምቲ ንበዂሪ ወድኻ መሪር ሓዘን እትኃዝነሉ ኣምሪሮም ክኃዝንሉ እዮም(ዘካ12፡10)።
·       ጸላእቲ ከም ኣኽላባት ከበቡኒ፡ ገበርቲ እከይ ተኣኪቦም ኣማእከሉኒ፡ ኣእዳወይን ኣእጋረይን ከኣ ሸንከሩኒ/ ንኽዳውንተይ ይማቐልዎ፡ ንቐምሸይ`ውን ዕጫ የውድቕሉ ኣለዉ።(መዝ 22፡16-18)።

“ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ከምቲ ብዛዕባይ ተጻሒፉ ዘሎ እነሆ ፍቓድካ ክፍጽም መጻእኩ” ከም ዝበለ ንኃጢኣት ከወግዶ ከም ገንሸል ኣብ ቀራንዮ ተሰቕለ። ንኢየሱስ ከኣ ኣብ ጐልጐታ ብመስማር ምስ ዕንጨይቲ ሰሚሮም ሰቐልዎ። ንሱ ንብዘሎ መቕጻዕትና ዝተሰከመ ንጹህ እኳ እንተዀነ ብስቓይ ግን ተሓምሸሸ። ኣእዳዉ ብመስማር ቖሰለ፡ ብምኽንያት ምውግኡ ኸኣ ኣብ ኣእዳዉን ኣእጋሩን ነዃል ነበረ። እዚ ነዃል እዚ ኣቐዲሙ ብማትሳ ዝተሰብከ መግለጺ ስቕያት መሲሕ እዩ። ኣምላኸይ! ኣምላኸይ ንምንታይ ኃደግካኒ ኽብል ከሎ፡ ንሱ ክሳዕ ክንደይ ብመከራ ከም ዝተሓምሸሸ ዝነግረና ቃል ስቕያት እዩ። ኣቦ ንብዘሎ ቅጽዓትና ኣብኡ ኣንበሮ፡ በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ እቲ ቕጽዓት ኣብ ወዱ፡ ምሕረት ከኣ ኣባና ኣብቶም ብክርስቶስ ዝኣመንና ተገለጸ። እቲ ንወዱ እኳ ምእንቲ ዂላትና ኣሕሊፉ ዝሃቦ እምበር ዘይነሓፎ፡ከመይ ደኣ`ኸ ምስኡ ኩሉ ዘይህበና!(ሮሜ8፡32)። ንወዱ ዘይነሓፈሉ ምኽንያት እንታይ`ዩ፧ እንተበልና “ ኪሳቐን ብመከራ ክሕምሸሽን ፍቓደይ እዩ፡ ሞቱ ኅድገት ኃጢኣት ዘምጽእ መሥዋዕቲ ነበረ(ኢሳ 53፡10) ብምባል ኢሳይያስ ንፍቓድ ኣቦ ይነግረና።

መዝሙር 22 “መዝሙር መሲሕ” ተባሂላ እያ እትጽዋዕ፡ ብግልጺ ኸኣ እዛ መዝሙር እዚኣ ንስቓይ ኢየሱስ ክርስቶስ እትገልጸልና መዝሙር እያ። ኣእዳዉን ኣእጋሩን ወጊኦም ድኅሪ ምስቓሎም እቶም ዓቀይቲ ነቲ ኣብ መዝሙር 22፡18  ዝተነግረ ትንቢት ፈጸምዎ። እቶም ወተሃደራት ግና ንኢየሱስ ምስ ሰቐልዎ፡ ነቲ ኽዳውንቱ ወሲዶም ንነፍሲ ወከፍ ሓደ ሓደ ምእንቲ ክበጽሖም ኣብ ኣርባዕተ መቐልዎ። ነቲ ቐሚሹ`ውን ከምኡ፡ እቲ ቐሚሹ ግና ካብ ላዕሊ ክሳዕ ታሕቲ ኲለንትናኡ እሉም ነበረ እምበር ስፋይ ኣይነበሮን። ንሓድሕዶም ከኣ “ ንዝበጽሐ ኺበጽሖስ ዕጭ ነውድቐሉ እምበር ኣይንቕደዶ” ተበሃሃሉ። እዚ ኸኣ “ እቲ ክዳውንተይ ንርእሶም ተማቐልዎ፡ ንቐምሸይ`ውን ዕጭ ኣውደቕሉ” ዚብል ጽሑፍ ኺፍጸም እቶም ዓቀይቲ እዚ ገበሩ(ዮሃ1923-24)። 
ኣምላኽ ንእስራኤል ኣብ ዝሃቦ ሥርዓታት ዝተገልጸ መሲሕ ጥራይ እዩ። ማትሳ እትህበና ዓቢ ምሥጢር “መውጋእትን ቁስልን ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ”። እምበኣር ልባትና ይነቓቓሕ ኢየሱስ ንፍቓድ ኣምላኽ ምእንቲ ክፍጽም ንሰብነቱ ሓንሳእ ንሓዋሩ ስለ ዝሠውዐ፡ ተቐዲስና ኢና(ዕብ10፡10)። ኦ ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ስምካ ይባረኽ። ንኢየሱስ ክርስቶስ ብምእማን ዘይተቐደስኩም ሎሚ ሕይወትኩም ንዕኡ ብምሃብ ተቐደሱ፡ ከም መድኃኒኹም ጌርኩም ብእምነት ተቐበልዎ፡ ንሱ ንዓኹም ከድኅን ብዙኅ ተሳቕዩ እዩ`ሞ ብእምነት ተቐበልዎ፡ ካብ ዘይጠፍእ ዘርኢ`ውን ዳግም ተወለዱ፡ ደሙ ሎሚ ውን ክቕድስ ዝኽእል ሕያው እዩ። ንዝሓለፋ መዓልታትኩም ረስዕወን ሎሚ ንኢየሱስ ብእምነት ምቕባል ኣብ ቅድሚ ኣቦ ክትጸድቁ(ጻድቃን) ትኽእሉ ኢኹም ከምዚ ኢልኩም ጸልዩ፡ “ ኦ ኣቦ እጽወዓካ ኣሎኹ፡ ንብዙኅ ዘመናት ካብ ፍቕርኻ ኰብሊለ ነበርኩ ሕጂ ግና ናባኻ ክምለስ እደሊ ኣሎኹ፡ ኣብ ሕቚፍኻ ከጽልል እብህግ ኣሎኹ። ንሓደ ወድኻ መድኅን ሕይወተይ ጌርካ ሂብካኒ ኢኻ`ሞ ሎሚ ብእምነት ንመድኃኒየይ ኣብ ልበይ እቅበሎ ኣለኹ፡ ብኺዳን ደሙ ሕያው ክኸውን ካብ ዘይጠፍእ ዘርኢ ውለደኒ፡ ኦ ኣቦ ብደም ወድኻ ኢየሱስ ቀድሰኒ። ኦ ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ሊቀ ካህነይ ሕይወትካ ምእንታይ ዝሰዋዕካ፡ እነሆ ብእምነት እጽወዓካ ኣሎኹ ንማእሰር ሞት ካባይ ብተኮ፡ ኢየሱስ፡ ኢየሱስ፡ ኢየሱስ ነፍሰይ ተቐበል ብደምካ ቐድሰኒ፡ ንሕይወተይ ውን ውረሶ። ጐይታ መንፈስ ቅዱስ ንልቢ እትምርምር ንስኻ ኢኻ እሞ ባርኸኒ፡ ብቕኑዕ መገዲ ምርሓኒ ንኢየሱስ ኣብ ሕይወተይ ግለጾ፡ ካብ ደም ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተላዕለ መንፈስካ ይውረሰኒ ንዓ መንፈስ ቅዱስ ኣበርትዓኒ፡ ብስም ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ጸለኹ፡ንስኻ`ውን ሰማዕካኒ፡ ስለ ኹሉ ነገር ንእግዚኣብሔር ኣቦ ብስም ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ስብሓት ይኹን።

ስለዚ ብኣፍካ “ኢየሱስ ጐይታ እዩ” ኢልካ ተመስከርካ፡ ብልብኻ`ውን ኣምላኽ ካብ ምዉታት ከም ዘተንሥኦ እንተ ኣመንካ ክትድኅን ኢኻ። ከመይ ሰብ ብልቡ ኣሚኑ ይጸድቕ፡ ብኣፉ መስኪሩ`ውን ይድኅን ሮሜ10፡9-10

Friday, April 10, 2020

እዚ(ማትሳ/ ዘይበዂዐ ቕጫ) ምእንታኻትኩም ዝወሃብ ዘሎ ሥጋይ እዩ ሉቃ 22፡19 (1ይ ክፋል)



እዚ(ማትሳ/ ዘይበዂዐ ቕጫ) ምእንታኻትኩም ዝወሃብ ዘሎ ሥጋይ እዩ ሉቃ 22፡19 (1ይ ክፋል)

ኦ ዘለዓለማዊ ዝዀንካ ኣምላኸይ ስምካ ይባረኽ፡ ንስኻ ኣምላኽ ኩሉ ፍጥረት ኢኻ ንዘለዓለም ክብሪ ይግበኣካ። ሎሚ ውን ሕያው ስለ ዝዀንካ ነዚ ኣብ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ዚተጻሕፈ ሓቂ ከስተውዕሎ ጥበብን ምስትውዓልን ስለ ዝሃብካኒ ብስም ኢየሱስ ክርስቶስ አመስግነካ ኣሎኹ። ካብ ሓቕካ ዝተላዕለ ነፍሰይ ጸገበት፡ ከምቲ ኣውሊ ዝሓደሮ ምድሪ`ውን ርሓሰት ኣምላኸይ ኩሉ ነገራትካ መስተንክር እዩ። ሥርዓታትካ ቅዱስን ሕያውን እዩ እሞ መሃረኒ፡ ብምሉእ ዘመነይ ከኣ ክባርኸካ እየ። ኦ ጐይታይን መድኃንየይን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ መባዂዕቲ ዘይብሉ ብሓዊ ዝበሰለ፡ ዝሰምበረ፡ ብዋዒ ዝቖሰለ፡ ንስኻ ኢኻ። ኦ መሲሐይ አኽብረካ ኣሎኹ፡ ንደቂ እስራኤል ብምልክት ማትሳ ዝተገለጽካ ተስፋ ዝዀንካን ስምካ ይባረኽ። ብቑስልኻ ተፈዊሰ፡ ብስምብራትካ ውን ሓውየ እየ`ሞ ክባርኸካ እየ። ንስኻ በይንኻ ጥራይ ኢካ መድኃንየይ፡ ብዘይካኻ መድኃኒ የብለይን። ብዓቢይ ንብዓትን ገዓርን ዝረኣኹኻ ጐይታ ንስኻ ጥራይ ኢኻ ካህነይ፡ ካልእ ካህን የብለይን ስምካ ይባረኽ። ብመውጋእትኻ ተማሒረ እየ። ጸጋኻ ይብዝሓለይ ኣቦይ ባርኸኒ። ገላጺ ዂሉ ጥበብ፡ ኣብርሆት ውን እትህብ ጐይታ መንፈስ ቅዱስ ስምካ ይባረኽ። ንድንቁርና ካብ ሕይወተይ ስለ ዘርሓቕካዮ አመስግነካ ኣሎኹ፡ ንቅዱሳን ነቢያትን ሓዋርያትን ዝገለጽካዮ ሓቂ፡ መባዂዕቲ ዘይብሉ ቕጫ ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። ንስኻ ሓሶት ዘይብልካ ቅኑዕ ምስክር ኢኻ፡ ብጸጋኻ ጋሪድካ ጥበብ ስለ ዘብላዕካኒ እባርኸካ ኣሎኹ። ንምድርና ብወንጌል ኢየሱስ ክርስቶስ ምልኣያ ስምካ ኣብቶም እንኣምነካን እንውከለካን ክቡር እዩ። ንእግዚኣብሔር ኣቦ ብስም ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ስብሐት ይኹን። ኣሜን።

ማትሳ (ዘይበዂዐ ቅጫ/ Unleavened Bread) ንመሲሕ ዚሕብር ፍላጻ

ዘወትር ብምሕረቱ ዝጋርደኒ ጸጋኡ`ውን ዘብዝኃለይ ኣምላኽ ስሙ ይባረኽ። ብኹሉ ዘመነይ ክዝምረሉ፡ ብምሉእ ኃይለይ`ውን ክውድሶ እየ፡ ምኽንያቱ መድኃንየይ ንሱ በይኑ እዩ። ትማሊ ምሸት ምስ ምሕራድ ገንሸል ኣብ ግብጺ ዝተኣሳሰር ጽሑፍ ክጽሕፍ ኢለ ንዕኡ ብዝግባእ ከብርሃለይ ዝኽእል መጽሓፍ እናኣንበብኩ ከለኹ፡ ኣብቲ ጽሑፍ ብዛዕባ እቲ እስራኤላውያን ካብ ግብጺ ድኅሪ ምውጽኦም ዘኽብርዎ፡ በዓል ፋሲካን ኣከባብርኡን ይትንትን ነበረ፡ ኣብታ በዓል ፋሲካ ዝበዓለላ ለይቲ፡ ኣርባዕተ ወይኒ ዝመልኣ ጽዋዓት ከምኡ`ውን ተወሳኺ ሓንቲ ወይኒ ዝመልአት ግን ከኣ ዘይትስተ ጽዋዕ ኣብቲ ድራር ዝተዳለወሉ ጠረጴዛ ከም ዝቕመጣ ነበብኩ። ከም ፍቓድ ጐይታ ኣብ ካልእ ጽሑፋተይ ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ኣብዘን ጽወዓት ዘንበሮ መለኮታዊ መልእኽቱ ክንርኢ ኢና። ብሕልናይ ኣብቲ ተዳልዩ ዝተቐረበ ዝተፈላለየ ትኅዝቶታት ዘለዎም መግብታት እዝንቢ ነበርኩ፡ ኣእሙረይ ከኣ በቲ ብቛንቋ ዕብራይስጥ ማትሳ(Matzoh) ዚበሃል መባዂዕቲ ዘይብሉ ቅጫ(ኅብስቲ) ተማረኸ። መጽሓፍ ከም ዝእዝዞ፦  በተን ሾብዓተ መዓልቲ ቅጫ ይበላዕ፡ ኣባኻ ብሑቝ ኣይርኤ፡ ኣብ ኩሉ ዶብካውን ማይ ብሑቕ ኣይርኤ ዘጸ 13፡7። ፋሲካን በዓል ቕጫን በሓደ ዝኽበሩ በዓላት እዮም። ብፋሲካ ጀሚሩ ስዒቡ`ውን በዓል ቅጫ ይቕጽል ብድምር ከኣ ንሸሞንተ መዓልታት ዝኽበር በዓላት እዩ። ኣብዘን መዓልታት እዚአን መባኹዕቲ ዘይብሉ እንጌራ ጥራይ እዩ ዚብላዕ። በታ በዓል ፋሲካ ዝኽበረላ በዓል፡ ሠለስተ ማትሳ(ዘይበዂዐ ቅጫ) ተዳልዩ ኣብ ማትሳ ታሽ (Matzoh Tash) ይኽተት ወይ ይንበር። ማትሳ ማለት ዘይበዂዐ ቕጫ`ዩ፡ ታሽ ማለት ከኣ ማሕፉዳ(Bag) ማለት እዩ። እዛ ማትሳ ታሽ (ማሕፉዳ) ሠለስተ ቀጸላታት ዝሓዘት እያ፡ እተን ሠለስተ ማትሳ( ዘይበዂዓ ቀጨጩ) ከኣ ኣብኣ እየን ዝተሓዛ፡ ነፍሲ ወከፈን ከኣ ኣብ ነናተን ቀጸላ ይኣትዋ። መምህራን ኣይሁድ ነዚ ኣሰራርዓ`ዚ ምልክት ሓድነት እዩ ኢሎም ይገልጽዎ። ሠለስተ ግን ከኣ ኣብ ሓንቲ ማትሳ ታሽ(ማሕፉዳ)። ገሊኦም እቶም ሠለስተ ምልክት ናይ ኣብርሃም፡ ይስሓቕ፡ ያዕቆብ እዩ ክብሉ ኸለዉ፡ እቶም ኢየሱስ ንሱ ክርስቶስ እዩ ኢሎም ዝኣመኑ ኣይሁዳውያን ኣመንቲ(ቤተክርስቲያን) ከኣ ሠለስተ ምዃኖም ናይ ኣቦ፡ወዲ፡መንፈስ ቅዱስ፡ ሠለስትነት፡ ኣብ ሓንቲ ማትሳ ታሽ ምህላዎም ከኣ ናይ ኃድነት ምሳሌ እዩ ይብሉ። ኣነ`ውን ምስ እዚ ሓሳብ እሰማማዕ እየ።

መጽሓፍ ቅዱስ ንመባዂዕቲ ከም ምልክት ወይ ምሳሌ ናይ ኃጢኣት`ዩ ዘቐምጦ። ኣብቲ ንኣምላኽ ክቐርብ ዝተኣዘዘ ናይ እኽሊ ቊርባን መባዂዕቲ ከይኣቱ ተኣዚዙ ይርከብ።መስዋእቲ ብልዒ ኣብ እቶን ካብ እተሰንከተ ምስ እተቕርብ ድማ፡ ካብ ድኹም ሓርጭ ብዘይቲ እተቘምጥዔ፡ ዘይበዂዔ ቅጫታትን ዘይቲ እተለኸየ፡ ዘይበዂዔ ረቀቕቲ ቅጫታትን ይኹን(ዘሌ 2፡4)። ኣምላኽ ክቐርብ ንዝኣዘዞ መሥዋዕቲ እኽሊ፡ ክልተ ነገራት ከይግበረሉ ይእዝዝ ንሳቶም ከኣ መባዂዕትን መዓርን እዮም። መባዂዕቲ ምሳሌ ናይ ኃጢኣት፡ መዓር ከኣ ምሳሌ ካብ ኣምላኽ ብምዕላው ዘሎ ሓልዮት ናብራ እዛ ዓለም ዝሕብሩ እዮም። እቲ ንእግዚኣብሔር እተቕርብዎ መስዋእቲ ብልዒ ገለ እኳ ብኹዕ ኣይገበር። ካብ ብኹዕ ኰነ ወይ ካብ መዓር ንእግዚኣብሄር ገለ እኳ መስዋእቲ ሓዊ ኣይተሕርሩ(ዘሌ 2፡11)።
 ማትሳ(መባዂዕቲ ዘይብሉ ቅጫ) ምሳሌ ናይ ቅድስና እዩ። ኣቦ እታ ስድራ-ቤት ካብቶም ኣብ ማሕፉዳ ዘለዉ ነታ ኣብ ማእከል ዘላ ሓንቲ መሪጹ ከውጽኣ መጽሓፍቲ ኣይሁድ ይሕብሩ። እዛ ካብ ማሕፉዳ ወጺኣ ኣብ ኣእዳው እቲ ኣቦ ዘላ ማትሳ ምልክት መሲሕ እያ። ኣቦ፡ ወዲ፡ መንፈስ ቅዱስ ካብ ኃጢኣት ዝረሓቑ ቅዱሳን(ፍሉያት) እዮም። ሓደ ኻብኦም ንሱ ኸኣ ወልድ(ኢየሱስ ክርስቶስ) ምእንቲ ከድኅነና ሰብ ኰነ። መጽሓፍ ከምዚ ይብል እቶም ውሉድ ሥጋን ደምን ዚለበሱ ሰብ ስለ ዝዀኑ፡ ኢየሱስ`ውን ከምኦም ሰብ ኰነ፡ እዚ ኸኣ ብሞቱ ነቲ ኣብ ልዕሊ ሞት ሥልጣን ዘለዎ ዲያብሎስ ምእንቲ ክስዕር፡ ነቶም ብናይ ሞት ፍርሃት ምሉእ ዕድሚኦም ባራዩ ኾይኖም ዝነበሩ ሓራ ምእንቲ ከውጽእ ኢሉ እዩ(ዕብ 2፡14-15)። 

ኢየሱስ ክርስቶስ በይኑ ቅዱስ ዘርኢ'ዩ።እዚ ዘርኢ`ዚ ብግብሪ መንፈስ ቅዱስ ዝተጠንሰ ኃጢኣት ዘይሓለፎ ቅዱስ እዩ። ኣብዚ ምድሪ ኣብ ዝነበረለን እዋናት`ውን ተዀነ ብኃጢኣት ዘይክሰስ እዩ። ከምዚ ከማና እኳ ብብዙኅ እንተተፈተነ ኃጢኣት ግን ኣይገበረን። እቶም ኣብ ትሕቲ ሥልጣን ሞት ዝወደቁ ኹሎም ከኣ ባራዩ ምንባሮም ተጻሒፉ ኣሎ፡ ጐይታ ከምዚ ይብል ኩሉ እቲ ኃጢኣት ዝገብር ባርያ ኃጢኣት እዩ፡ ምእንትዚ ኸኣ እዮም ሞት ኣጽኒዑ ዝሓዞም። ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ግን ጻድቕ፡ ኃጢኣት ዘይተረኽቦ ቅዱስ ካብ ምዃኑ ዝተላዕለ ሞት ኣጽኒዑ ክሕዞ ኣይከኣለን(ግብ2፡24)፡ ኣምላኽ ከኣ ብመንፈስ ቅድስና ኣተንስኦ።  ማትሳ እምበኣር እቲ ኃጢኣት ዓለም ከርሕቕ ዝመጽ ገንሸል ንሱ ካብ ኃጢኣት ዝተፈልየ፡ ቅዱስን ጻድቕን ምዃኑ ዘመልክት(ዝሕብር) መባዂዕቲ ዘይብሉ ቅጫ እዩ።