እዚ(ማትሳ/ ዘይበዂዐ ቕጫ) ምእንታኻትኩም
ዝወሃብ ዘሎ ሥጋይ እዩ ሉቃ 22፡19 (1ይ ክፋል)
ኦ ዘለዓለማዊ ዝዀንካ ኣምላኸይ ስምካ ይባረኽ፡ ንስኻ ኣምላኽ ኩሉ ፍጥረት ኢኻ ንዘለዓለም ክብሪ ይግበኣካ።
ሎሚ ውን ሕያው ስለ ዝዀንካ ነዚ ኣብ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ዚተጻሕፈ ሓቂ ከስተውዕሎ ጥበብን ምስትውዓልን ስለ ዝሃብካኒ ብስም ኢየሱስ
ክርስቶስ አመስግነካ ኣሎኹ። ካብ ሓቕካ ዝተላዕለ ነፍሰይ ጸገበት፡ ከምቲ ኣውሊ ዝሓደሮ ምድሪ`ውን ርሓሰት ኣምላኸይ ኩሉ ነገራትካ
መስተንክር እዩ። ሥርዓታትካ ቅዱስን ሕያውን እዩ እሞ መሃረኒ፡ ብምሉእ ዘመነይ ከኣ ክባርኸካ እየ። ኦ ጐይታይን መድኃንየይን ኢየሱስ
ክርስቶስ፡ መባዂዕቲ ዘይብሉ ብሓዊ ዝበሰለ፡ ዝሰምበረ፡ ብዋዒ ዝቖሰለ፡ ንስኻ ኢኻ። ኦ መሲሐይ አኽብረካ ኣሎኹ፡ ንደቂ እስራኤል
ብምልክት ማትሳ ዝተገለጽካ ተስፋ ዝዀንካን ስምካ ይባረኽ። ብቑስልኻ ተፈዊሰ፡ ብስምብራትካ ውን ሓውየ እየ`ሞ ክባርኸካ እየ። ንስኻ
በይንኻ ጥራይ ኢካ መድኃንየይ፡ ብዘይካኻ መድኃኒ የብለይን። ብዓቢይ ንብዓትን ገዓርን ዝረኣኹኻ ጐይታ ንስኻ ጥራይ ኢኻ ካህነይ፡
ካልእ ካህን የብለይን ስምካ ይባረኽ። ብመውጋእትኻ ተማሒረ እየ። ጸጋኻ ይብዝሓለይ ኣቦይ ባርኸኒ። ገላጺ ዂሉ ጥበብ፡ ኣብርሆት
ውን እትህብ ጐይታ መንፈስ ቅዱስ ስምካ ይባረኽ። ንድንቁርና ካብ ሕይወተይ ስለ ዘርሓቕካዮ አመስግነካ ኣሎኹ፡ ንቅዱሳን ነቢያትን
ሓዋርያትን ዝገለጽካዮ ሓቂ፡ መባዂዕቲ ዘይብሉ ቕጫ ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። ንስኻ ሓሶት ዘይብልካ ቅኑዕ ምስክር ኢኻ፡ ብጸጋኻ ጋሪድካ
ጥበብ ስለ ዘብላዕካኒ እባርኸካ ኣሎኹ። ንምድርና ብወንጌል ኢየሱስ ክርስቶስ ምልኣያ ስምካ ኣብቶም እንኣምነካን እንውከለካን ክቡር
እዩ። ንእግዚኣብሔር ኣቦ ብስም ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ስብሐት ይኹን። ኣሜን።
ማትሳ (ዘይበዂዐ ቅጫ/ Unleavened Bread) ንመሲሕ ዚሕብር
ፍላጻ
ዘወትር ብምሕረቱ ዝጋርደኒ ጸጋኡ`ውን ዘብዝኃለይ ኣምላኽ ስሙ ይባረኽ። ብኹሉ ዘመነይ ክዝምረሉ፡ ብምሉእ
ኃይለይ`ውን ክውድሶ እየ፡ ምኽንያቱ መድኃንየይ ንሱ በይኑ እዩ። ትማሊ ምሸት ምስ ምሕራድ ገንሸል ኣብ ግብጺ ዝተኣሳሰር ጽሑፍ
ክጽሕፍ ኢለ ንዕኡ ብዝግባእ ከብርሃለይ ዝኽእል መጽሓፍ እናኣንበብኩ ከለኹ፡ ኣብቲ ጽሑፍ ብዛዕባ እቲ እስራኤላውያን ካብ ግብጺ
ድኅሪ ምውጽኦም ዘኽብርዎ፡ በዓል ፋሲካን ኣከባብርኡን ይትንትን ነበረ፡ ኣብታ በዓል ፋሲካ ዝበዓለላ ለይቲ፡ ኣርባዕተ ወይኒ ዝመልኣ
ጽዋዓት ከምኡ`ውን ተወሳኺ ሓንቲ ወይኒ ዝመልአት ግን ከኣ ዘይትስተ ጽዋዕ ኣብቲ ድራር ዝተዳለወሉ ጠረጴዛ ከም ዝቕመጣ ነበብኩ።
ከም ፍቓድ ጐይታ ኣብ ካልእ ጽሑፋተይ ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ኣብዘን ጽወዓት ዘንበሮ መለኮታዊ መልእኽቱ ክንርኢ ኢና። ብሕልናይ ኣብቲ
ተዳልዩ ዝተቐረበ ዝተፈላለየ ትኅዝቶታት ዘለዎም መግብታት እዝንቢ ነበርኩ፡ ኣእሙረይ ከኣ በቲ ብቛንቋ ዕብራይስጥ ማትሳ(Matzoh)
ዚበሃል መባዂዕቲ ዘይብሉ ቅጫ(ኅብስቲ) ተማረኸ። መጽሓፍ ከም ዝእዝዞ፦ በተን ሾብዓተ መዓልቲ ቅጫ ይበላዕ፡ ኣባኻ ብሑቝ ኣይርኤ፡ ኣብ ኩሉ ዶብካውን ማይ ብሑቕ ኣይርኤ ዘጸ 13፡7። ፋሲካን
በዓል ቕጫን በሓደ ዝኽበሩ በዓላት እዮም። ብፋሲካ ጀሚሩ ስዒቡ`ውን በዓል ቅጫ ይቕጽል ብድምር ከኣ ንሸሞንተ መዓልታት ዝኽበር
በዓላት እዩ። ኣብዘን መዓልታት እዚአን መባኹዕቲ ዘይብሉ እንጌራ ጥራይ እዩ ዚብላዕ። በታ በዓል ፋሲካ ዝኽበረላ በዓል፡ ሠለስተ
ማትሳ(ዘይበዂዐ ቅጫ) ተዳልዩ ኣብ ማትሳ ታሽ (Matzoh Tash) ይኽተት ወይ ይንበር። ማትሳ ማለት ዘይበዂዐ ቕጫ`ዩ፡ ታሽ
ማለት ከኣ ማሕፉዳ(Bag) ማለት እዩ። እዛ ማትሳ ታሽ (ማሕፉዳ) ሠለስተ ቀጸላታት ዝሓዘት እያ፡ እተን ሠለስተ ማትሳ( ዘይበዂዓ
ቀጨጩ) ከኣ ኣብኣ እየን ዝተሓዛ፡ ነፍሲ ወከፈን ከኣ ኣብ ነናተን ቀጸላ ይኣትዋ። መምህራን ኣይሁድ ነዚ ኣሰራርዓ`ዚ ምልክት ሓድነት
እዩ ኢሎም ይገልጽዎ። ሠለስተ ግን ከኣ ኣብ ሓንቲ ማትሳ ታሽ(ማሕፉዳ)። ገሊኦም እቶም ሠለስተ ምልክት ናይ ኣብርሃም፡ ይስሓቕ፡
ያዕቆብ እዩ ክብሉ ኸለዉ፡ እቶም ኢየሱስ ንሱ ክርስቶስ እዩ ኢሎም ዝኣመኑ ኣይሁዳውያን ኣመንቲ(ቤተክርስቲያን) ከኣ ሠለስተ ምዃኖም ናይ ኣቦ፡ወዲ፡መንፈስ
ቅዱስ፡ ሠለስትነት፡ ኣብ ሓንቲ ማትሳ ታሽ ምህላዎም ከኣ ናይ ኃድነት ምሳሌ እዩ ይብሉ። ኣነ`ውን ምስ እዚ ሓሳብ እሰማማዕ እየ።
መጽሓፍ ቅዱስ ንመባዂዕቲ ከም
ምልክት ወይ ምሳሌ ናይ ኃጢኣት`ዩ ዘቐምጦ። ኣብቲ ንኣምላኽ ክቐርብ ዝተኣዘዘ ናይ እኽሊ ቊርባን መባዂዕቲ ከይኣቱ ተኣዚዙ ይርከብ።መስዋእቲ ብልዒ ኣብ እቶን ካብ እተሰንከተ ምስ እተቕርብ ድማ፡ ካብ ድኹም ሓርጭ ብዘይቲ እተቘምጥዔ፡ ዘይበዂዔ ቅጫታትን ዘይቲ እተለኸየ፡ ዘይበዂዔ ረቀቕቲ ቅጫታትን ይኹን(ዘሌ
2፡4)። ኣምላኽ ክቐርብ ንዝኣዘዞ መሥዋዕቲ እኽሊ፡ ክልተ ነገራት ከይግበረሉ ይእዝዝ ንሳቶም ከኣ መባዂዕትን መዓርን እዮም። መባዂዕቲ
ምሳሌ ናይ ኃጢኣት፡ መዓር ከኣ ምሳሌ ካብ ኣምላኽ ብምዕላው ዘሎ ሓልዮት ናብራ እዛ ዓለም ዝሕብሩ እዮም። እቲ ንእግዚኣብሔር እተቕርብዎ መስዋእቲ ብልዒ ገለ እኳ ብኹዕ ኣይገበር። ካብ ብኹዕ ኰነ ወይ ካብ መዓር ንእግዚኣብሄር ገለ እኳ መስዋእቲ ሓዊ ኣይተሕርሩ(ዘሌ 2፡11)።
ማትሳ(መባዂዕቲ ዘይብሉ ቅጫ) ምሳሌ ናይ
ቅድስና እዩ። ኣቦ እታ ስድራ-ቤት ካብቶም ኣብ ማሕፉዳ ዘለዉ ነታ ኣብ ማእከል ዘላ ሓንቲ መሪጹ ከውጽኣ መጽሓፍቲ ኣይሁድ ይሕብሩ።
እዛ ካብ ማሕፉዳ ወጺኣ ኣብ ኣእዳው እቲ ኣቦ ዘላ ማትሳ ምልክት መሲሕ እያ። ኣቦ፡ ወዲ፡ መንፈስ ቅዱስ ካብ ኃጢኣት ዝረሓቑ ቅዱሳን(ፍሉያት)
እዮም። ሓደ ኻብኦም ንሱ ኸኣ ወልድ(ኢየሱስ ክርስቶስ) ምእንቲ ከድኅነና ሰብ ኰነ። መጽሓፍ ከምዚ ይብል እቶም ውሉድ ሥጋን ደምን
ዚለበሱ ሰብ ስለ ዝዀኑ፡ ኢየሱስ`ውን ከምኦም ሰብ ኰነ፡ እዚ ኸኣ ብሞቱ ነቲ ኣብ ልዕሊ ሞት ሥልጣን ዘለዎ ዲያብሎስ ምእንቲ ክስዕር፡
ነቶም ብናይ ሞት ፍርሃት ምሉእ ዕድሚኦም ባራዩ ኾይኖም ዝነበሩ ሓራ ምእንቲ ከውጽእ ኢሉ እዩ(ዕብ 2፡14-15)።
ኢየሱስ ክርስቶስ በይኑ ቅዱስ ዘርኢ'ዩ።እዚ ዘርኢ`ዚ ብግብሪ መንፈስ ቅዱስ ዝተጠንሰ ኃጢኣት ዘይሓለፎ ቅዱስ እዩ። ኣብዚ ምድሪ ኣብ ዝነበረለን
እዋናት`ውን ተዀነ ብኃጢኣት ዘይክሰስ እዩ። ከምዚ ከማና እኳ ብብዙኅ እንተተፈተነ ኃጢኣት ግን ኣይገበረን። እቶም ኣብ ትሕቲ ሥልጣን
ሞት ዝወደቁ ኹሎም ከኣ ባራዩ ምንባሮም ተጻሒፉ ኣሎ፡ ጐይታ ከምዚ ይብል ኩሉ እቲ ኃጢኣት ዝገብር ባርያ ኃጢኣት እዩ፡ ምእንትዚ
ኸኣ እዮም ሞት ኣጽኒዑ ዝሓዞም። ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ግን ጻድቕ፡ ኃጢኣት ዘይተረኽቦ ቅዱስ ካብ ምዃኑ ዝተላዕለ ሞት ኣጽኒዑ
ክሕዞ ኣይከኣለን(ግብ2፡24)፡ ኣምላኽ ከኣ ብመንፈስ ቅድስና ኣተንስኦ። ማትሳ እምበኣር እቲ ኃጢኣት ዓለም ከርሕቕ ዝመጽ ገንሸል ንሱ ካብ ኃጢኣት
ዝተፈልየ፡ ቅዱስን ጻድቕን ምዃኑ ዘመልክት(ዝሕብር) መባዂዕቲ ዘይብሉ ቅጫ እዩ።
Blessed one may God blessing u more nd more
ReplyDeleteAmen may God bless u
Deleteኦ ጐይታይን መድኃንየይን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ መባዂዕቲ ዘይብሉ ብሓዊ ዝበሰለ፡ ዝሰምበረ፡ ብዋዒ ዝቖሰለ፡ ንስኻ ኢኻ። I like this expression!! God Bless you bro!
ReplyDeleteኣሜን ተባረኽ/ኺ
Deleteዋው ዘገርም ንግላጽ ፍቁረይ / ኣምላኽ ኣዕዚዙ ይባርኽካ
ReplyDelete