እዚ(ማትሳ/ ዘይበዂዐ ቕጫ) ምእንታኻትኩም ዝወሃብ ዘሎ ሥጋይ
እዩ ሉቃ 22፡19 (2ይ ክፋል)
ኦ ዘለዓለማዊ ዝዀንካ ኣምላኸይ ስምካ ይባረኽ፡ ንስኻ ኣምላኽ ኩሉ ፍጥረት ኢኻ ንዘለዓለም ክብሪ ይግበኣካ።
ሎሚ ውን ሕያው ስለ ዝዀንካ ነዚ ኣብ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ዚተጻሕፈ ሓቂ ከስተውዕሎ ጥበብን ምስትውዓልን ስለ ዝሃብካኒ ብስም ኢየሱስ
ክርስቶስ አመስግነካ ኣሎኹ። ካብ ሓቕካ ዝተላዕለ ነፍሰይ ጸገበት፡ ከምቲ ኣውሊ ዝሓደሮ ምድሪ`ውን ርሓሰት ኣምላኸይ ኩሉ ነገራትካ
መስተንክር እዩ። ሥርዓታትካ ቅዱስን ሕያውን እዩ እሞ መሃረኒ፡ ብምሉእ ዘመነይ ከኣ ክባርኸካ እየ። ኦ ጐይታይን መድኃንየይን ኢየሱስ
ክርስቶስ፡ መባዂዕቲ ዘይብሉ ብሓዊ ዝበሰለ፡ ዝሰምበረ፡ ብዋዒ ዝቖሰለ፡ ንስኻ ኢኻ። ኦ መሲሐይ አኽብረካ ኣሎኹ፡ ንደቂ እስራኤል
ብምልክት ማትሳ ዝተገለጽካ ተስፋ ዝዀንካን ስምካ ይባረኽ። ብቑስልኻ ተፈዊሰ፡ ብስምብራትካ ውን ሓውየ እየ`ሞ ክባርኸካ እየ። ንስኻ
በይንኻ ጥራይ ኢካ መድኃንየይ፡ ብዘይካኻ መድኃኒ የብለይን። ብዓቢይ ንብዓትን ገዓርን ዝረኣኹኻ ጐይታ ንስኻ ጥራይ ኢኻ ካህነይ፡
ካልእ ካህን የብለይን ስምካ ይባረኽ። ብመውጋእትኻ ተማሒረ እየ። ጸጋኻ ይብዝሓለይ ኣቦይ ባርኸኒ። ገላጺ ዂሉ ጥበብ፡ ኣብርሆት
ውን እትህብ ጐይታ መንፈስ ቅዱስ ስምካ ይባረኽ። ንድንቁርና ካብ ሕይወተይ ስለ ዘርሓቕካዮ አመስግነካ ኣሎኹ፡ ንቅዱሳን ነቢያትን
ሓዋርያትን ዝገለጽካዮ ሓቂ፡ መባዂዕቲ ዘይብሉ ቕጫ ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። ንስኻ ሓሶት ዘይብልካ ቅኑዕ ምስክር ኢኻ፡ ብጸጋኻ ጋሪድካ
ጥበብ ስለ ዘብላዕካኒ እባርኸካ ኣሎኹ። ንምድርና ብወንጌል ኢየሱስ ክርስቶስ ምልኣያ ስምካ ኣብቶም እንኣምነካን እንውከለካን ክቡር
እዩ። ንእግዚኣብሔር ኣቦ ብስም ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ስብሐት ይኹን። ኣሜን።
ማትሳ (ዘበዂዐ ቅጫ/ Unleavened Bread) ንመሲሕ ዚሕብር
ፍላጻ
ስለዚ ክርስቶስ ኣብ ዓለም ኪመጽእ ከሎ ከምዚ ዚስዕብ በለ፦ “መሥዋዕትን መባእን ኣይደለኻን፡
እንተዀነ ሰብነት ኣዳሎኻለይ። ብዚሓርር መሥዋዕትን በቲ ምእንቲ ኃጢኣት ዚቐርብ መባእን ባህ ኣይበለካን። ሽዑ ኸኣ ኣነ ‘ኦ ኣምላኸይ
ከምቲ ኣብ መጽሓፍ ብዛዕባይ ተጻሒፉ ዘሎ፡ እነሆ ፍቓድካ ክፍጽም መጺአ ኣሎኹ’ በልኩ(ዕብ10፡5-7)።” ንኣቦ ጐይታና ኢየሱስ
ክርስቶስ ምስጋና ይኹን። ኣብዚ ክፍሊ መጽሓፍ ቅዱስ ብንጽጽር ክልተ ዓይነት መሥዋዕትታት እዮም ተጠቒሶም ዘለዉ። መፈጸምታ ዕላማ
እዞም መሥዋዕትታት ከኣ ንኃጢኣት ዘርሕቕን ንኣቦ ባህ ዘብልን ኣየናይ መሥዋዕቲ ዀን`ዩ፧ ዚብል እዩ። ኣቦ በቲ ኣብ ሕጊ ዝተሠርዐ
ዚሓርር መሥዋዕትን ምእንቲ ኃጢኣት ዝቐርብ መባእን ባህ ከም ዘይበሎ ኸኣ ብግልጺ ይዛረብ፡ እዚ እቲ ኣብ ትሕቲ እታ ቀዳመይቲ ኪዳን
ዝቐርብ ዝነበረ መሥዋዕትታት እዩ። ኃጢኣት ከወግዱ ዘይክእሉ ምዃኖም ከኣ መጽሓፍ ይገልጽ። ሽዑ መሲሕ ከምዚ በለ፡ “ ኦ ኣምላኸይ
ከምቲ ኣብ መጽሓፍ ብዛዕባይ ተጻሒፉ ዘሎ ፍቓድካ ክፍጽም መጺአ ኣሎኹ”። እታ ካብ ማእከል “ማትሳ ታሽ(Bag/ማኅፉዳ)” ተፈልያ
እትወጽእ “ማትሳ”፡ መባዂዕቲ ዘይብላ ካብ ጽሩይ ሓርጭ እትርከብ እያ፡ እዚ ትእዛዝ`ዚ ኸኣ ኣብ መጽሓፍ ሕጊ ጽሑፍ እዩ። “መባእን
መሥዋዕትን ኣይደለኻን እንተዀነ ሰብነት ኣዳሎኻለይ”በለ፡ እዛ ኣብ መጽሓፍ ሕጊ ተጻሒፋ፡ ኣብ እዋን በዓል ፋሲካ እትዳሎ “ማትሳ”
ምሳሌ እቲ ኣምላኽ ዘዳለዎ ሰብነት እያ። ኢየሱስ ክርስቶስ ንሰብነቱ ካብ ሰማይ ሒዝዎ ኣይመጸን እንታይ ደኣ ንሱ ንህላዌና ምእንቲ
ክወስድ ብግብሪ መንፈስ ቅዱስ ካብ ድንግል ማርያም ተወልደ። ንሱ ብሥጋን ደምን ከማና ሰብ ዝዀነ ወዲ ኣምላኽ እዩ። ስለዚ እምበኣር
እቶም ኣብ መጻሕፍቲ ተጻሒፎም ዘለዉ ኩሎም ጽሑፋት ብዛዕባ መሲሕ ዝሕብሩናን ንዕኡ`ውን እዮም ዝገልጹልናን።
ማትሳ(መባዂዕቲ ዘይብሉ ቅጫ)፡ ካብ ድኹም ሓርጭ ብዘይ መባዂዕቲ ድኅሪ ምድላዋ፡ ምእንቲ ክትበስል
ብብርቱዕ ሓዊ እያ ትቃጸል፡ ቅርጻ ጸፊሕ ብምዃኑ ኸኣ እቲ ሓዊ ንብዘሎ ዙርያኣ ዝኸብብ ስለ ዝዀነ ብሓዊ ተለብሊባ እያ እትደርቅ።
ኣዕይንትና ተኺልና ክንጥምታ ኸሎና ኸኣ ብፍሉይ ክልተ ባህርያት ንዕዘብ። ንሳቶም ከኣ ጋህ ዝበሉ ነዃላትን፡ ካብ ዋዒ ዝተላዕለ
ዝተጨማደደ ስምብራትን እዮም።
1. ጋህ ዝበሉ ነዃላት
ጋህ ዝበሉ ነዃላት፦ ኣብ መጻሕፍቲ ዘለዉ ምስጢራት ዘደንቑ እዮም። ማትሳ ብሓዊ ተለልያ እትህበና መልክዕን
ነዃላትን`ከ እንታይ ዓይነት መንፈሳዊ ትርጉም`ዩ ዘለዎም፧ ብምባል ንመጻሕፍቲ እንተሓተትናዮም፡ ንሳ ብምሳሌ ንመልክዕ መሲሕ እትሕብር
ብምዃና ከምዚ ይብሉና።
·
ንእኡ ኸኣ፣ እዚ ኣብ ማእከል ኣእዳውካ ዘሎ ቝስሊ እንታይ እዩ∶ እንተ በልዎ፣ ንሱ ድማ፣ እዚ ኣብ ቤት እቶም ዜፍቅሩኒ እተወጋእክዎ እዩ፣ ኪብል እዩ(ዘካ13፡6)።
·
ኣብ ልዕሊ ዘርኢ ዳዊትን ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ኢዮርሳሌም
ዚነብሩ ሕዝብን መንፈስ ጸጋን ምህለላን ክኽዑ እየ። ንሳቶም ከኣ ነቲ ወጊኦም ዝቐተልዎ፡ ክጥምትዎ እዮም፡ ከምቲ ንሓደ
ውሉድካ እትበኽየሉ ክበኽይሉ፡ ከምቲ ንበዂሪ ወድኻ መሪር ሓዘን እትኃዝነሉ ኣምሪሮም
ክኃዝንሉ እዮም(ዘካ12፡10)።
·
ጸላእቲ ከም ኣኽላባት ከበቡኒ፡ ገበርቲ እከይ ተኣኪቦም
ኣማእከሉኒ፡ ኣእዳወይን ኣእጋረይን ከኣ ሸንከሩኒ/ ንኽዳውንተይ ይማቐልዎ፡ ንቐምሸይ`ውን ዕጫ የውድቕሉ ኣለዉ።(መዝ
22፡16-18)።
“ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ
ከምቲ ብዛዕባይ ተጻሒፉ ዘሎ እነሆ ፍቓድካ ክፍጽም መጻእኩ” ከም ዝበለ ንኃጢኣት ከወግዶ ከም ገንሸል ኣብ ቀራንዮ ተሰቕለ። ንኢየሱስ
ከኣ ኣብ ጐልጐታ ብመስማር ምስ ዕንጨይቲ ሰሚሮም ሰቐልዎ። ንሱ ንብዘሎ መቕጻዕትና ዝተሰከመ ንጹህ እኳ እንተዀነ ብስቓይ ግን ተሓምሸሸ።
ኣእዳዉ ብመስማር ቖሰለ፡ ብምኽንያት ምውግኡ ኸኣ ኣብ ኣእዳዉን ኣእጋሩን ነዃል ነበረ። እዚ ነዃል እዚ ኣቐዲሙ ብማትሳ ዝተሰብከ
መግለጺ ስቕያት መሲሕ እዩ። ኣምላኸይ! ኣምላኸይ ንምንታይ ኃደግካኒ ኽብል ከሎ፡ ንሱ ክሳዕ ክንደይ ብመከራ ከም ዝተሓምሸሸ ዝነግረና
ቃል ስቕያት እዩ። ኣቦ ንብዘሎ ቅጽዓትና ኣብኡ ኣንበሮ፡ በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ እቲ ቕጽዓት ኣብ ወዱ፡ ምሕረት ከኣ ኣባና ኣብቶም
ብክርስቶስ ዝኣመንና ተገለጸ። እቲ ንወዱ እኳ ምእንቲ ዂላትና ኣሕሊፉ ዝሃቦ እምበር ዘይነሓፎ፡ከመይ ደኣ`ኸ ምስኡ ኩሉ
ዘይህበና!(ሮሜ8፡32)። ንወዱ ዘይነሓፈሉ ምኽንያት እንታይ`ዩ፧ እንተበልና “ ኪሳቐን ብመከራ ክሕምሸሽን ፍቓደይ እዩ፡ ሞቱ ኅድገት
ኃጢኣት ዘምጽእ መሥዋዕቲ ነበረ(ኢሳ 53፡10) ብምባል ኢሳይያስ ንፍቓድ ኣቦ ይነግረና።
መዝሙር 22 “መዝሙር
መሲሕ” ተባሂላ እያ እትጽዋዕ፡ ብግልጺ ኸኣ እዛ መዝሙር እዚኣ ንስቓይ ኢየሱስ ክርስቶስ እትገልጸልና መዝሙር እያ። ኣእዳዉን ኣእጋሩን
ወጊኦም ድኅሪ ምስቓሎም እቶም ዓቀይቲ ነቲ ኣብ መዝሙር 22፡18 ዝተነግረ ትንቢት ፈጸምዎ። እቶም ወተሃደራት ግና ንኢየሱስ ምስ ሰቐልዎ፡ ነቲ
ኽዳውንቱ ወሲዶም ንነፍሲ ወከፍ ሓደ ሓደ ምእንቲ ክበጽሖም ኣብ ኣርባዕተ መቐልዎ። ነቲ ቐሚሹ`ውን ከምኡ፡ እቲ ቐሚሹ ግና ካብ
ላዕሊ ክሳዕ ታሕቲ ኲለንትናኡ እሉም ነበረ እምበር ስፋይ ኣይነበሮን። ንሓድሕዶም ከኣ “ ንዝበጽሐ ኺበጽሖስ ዕጭ ነውድቐሉ እምበር
ኣይንቕደዶ” ተበሃሃሉ። እዚ ኸኣ “ እቲ ክዳውንተይ ንርእሶም ተማቐልዎ፡ ንቐምሸይ`ውን ዕጭ ኣውደቕሉ” ዚብል ጽሑፍ ኺፍጸም እቶም
ዓቀይቲ እዚ ገበሩ(ዮሃ1923-24)።
ኣምላኽ ንእስራኤል ኣብ ዝሃቦ ሥርዓታት ዝተገልጸ መሲሕ ጥራይ እዩ። ማትሳ እትህበና ዓቢ
ምሥጢር “መውጋእትን ቁስልን ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ”። እምበኣር ልባትና ይነቓቓሕ ኢየሱስ ንፍቓድ ኣምላኽ ምእንቲ ክፍጽም
ንሰብነቱ ሓንሳእ ንሓዋሩ ስለ ዝሠውዐ፡ ተቐዲስና ኢና(ዕብ10፡10)። ኦ ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ስምካ ይባረኽ። ንኢየሱስ ክርስቶስ
ብምእማን ዘይተቐደስኩም ሎሚ ሕይወትኩም ንዕኡ ብምሃብ ተቐደሱ፡ ከም መድኃኒኹም ጌርኩም ብእምነት ተቐበልዎ፡ ንሱ ንዓኹም ከድኅን
ብዙኅ ተሳቕዩ እዩ`ሞ ብእምነት ተቐበልዎ፡ ካብ ዘይጠፍእ ዘርኢ`ውን ዳግም ተወለዱ፡ ደሙ ሎሚ ውን ክቕድስ ዝኽእል ሕያው እዩ።
ንዝሓለፋ መዓልታትኩም ረስዕወን ሎሚ ንኢየሱስ ብእምነት ምቕባል ኣብ ቅድሚ ኣቦ ክትጸድቁ(ጻድቃን) ትኽእሉ ኢኹም ከምዚ ኢልኩም
ጸልዩ፡ “ ኦ ኣቦ እጽወዓካ ኣሎኹ፡ ንብዙኅ ዘመናት ካብ ፍቕርኻ ኰብሊለ ነበርኩ ሕጂ ግና ናባኻ ክምለስ እደሊ ኣሎኹ፡ ኣብ ሕቚፍኻ
ከጽልል እብህግ ኣሎኹ። ንሓደ ወድኻ መድኅን ሕይወተይ ጌርካ ሂብካኒ ኢኻ`ሞ ሎሚ ብእምነት ንመድኃኒየይ ኣብ ልበይ እቅበሎ ኣለኹ፡
ብኺዳን ደሙ ሕያው ክኸውን ካብ ዘይጠፍእ ዘርኢ ውለደኒ፡ ኦ ኣቦ ብደም ወድኻ ኢየሱስ ቀድሰኒ። ኦ ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ሊቀ
ካህነይ ሕይወትካ ምእንታይ ዝሰዋዕካ፡ እነሆ ብእምነት እጽወዓካ ኣሎኹ ንማእሰር ሞት ካባይ ብተኮ፡ ኢየሱስ፡ ኢየሱስ፡ ኢየሱስ ነፍሰይ
ተቐበል ብደምካ ቐድሰኒ፡ ንሕይወተይ ውን ውረሶ። ጐይታ መንፈስ ቅዱስ ንልቢ እትምርምር ንስኻ ኢኻ እሞ ባርኸኒ፡ ብቕኑዕ መገዲ
ምርሓኒ ንኢየሱስ ኣብ ሕይወተይ ግለጾ፡ ካብ ደም ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተላዕለ መንፈስካ ይውረሰኒ ንዓ መንፈስ ቅዱስ ኣበርትዓኒ፡
ብስም ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ጸለኹ፡ንስኻ`ውን ሰማዕካኒ፡ ስለ ኹሉ ነገር ንእግዚኣብሔር ኣቦ ብስም ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ስብሓት
ይኹን።
ስለዚ ብኣፍካ “ኢየሱስ
ጐይታ እዩ” ኢልካ ተመስከርካ፡ ብልብኻ`ውን ኣምላኽ ካብ ምዉታት ከም ዘተንሥኦ እንተ ኣመንካ ክትድኅን ኢኻ። ከመይ ሰብ ብልቡ
ኣሚኑ ይጸድቕ፡ ብኣፉ መስኪሩ`ውን ይድኅን ሮሜ10፡9-10
No comments:
Post a Comment