እዚ(ማትሳ/ ዘይበዂዐ ቕጫ) ምእንታኻትኩም ዝወሃብ ዘሎ ሥጋይ እዩ ሉቃ 22፡19 (3ይ ክፋል)
ኣምላኸይ! ኣምላኸይ! አመስግነካ ኣሎኹ። ንስኻ እቲ ኣብ ዝፋን እተቐመጥካ ጐይታ ሠራዊት ኢኻ። ንዓኻ
ዝመስለካ ሓደ`ኳ የልቦን። ኦ ኣምላኸይ ብምሉእ ዘመነይ ክቓንየልካን ክዕልለልካን ባርኸኒ። ኣብ ቅድሜኻ ሓደ`ኳ ጻድቕ ስለ ዘይነበረ፡
ንሓደ ወድኻ፡ ንፍቑርካን መልአኽ ምኽርኻን፡ ኃይሊ ብርቱዕ የማንካን ኢየሱስ ክርስቶስ ናብ ዓለም ለኣኽካዮ። “ንሱ ብመከራ ክሕምሸሽ
ፍቓደይ እዩ ሞቱ ኅድገት ኃጢኣት ዘምጽእ መሥዋዕቲ ነበረ” ብምባል
ንሓደ ወድኻ ከይነሓፍካ ንዓና ኣፍቀርካና። ኦ ኣቦ አመስግነካ ኣሎኹ፡ እዚ ፍቕሪ እዚ ንዓይ ንኃጢኣተኛ ምእንቲ ከተጽድቕ ዝኸፈልካዮ
ዘይበርስ ፍቕሪ እዩ፡ ስለ ኩሉ ግብርኻ ብስም ኢየሱስ ክርስቶስ ተባረኽ።
ኦ ኢየሱስ ስምካ ይባረኽ፡ ዝባንካ ንገረፍቲ፡ ምዕጒርትኻ
ኸኣ ንነጸይቲ ፀጒሪ ምእንቲ ኃጢኣተይ ሃብካ፡ ብጸርፎም ተጓእ ኣይበልካን፡ ነቲ ኣብ ቅድሜኻ ዝነበረ ዓወት ደኣ ተመልከትካ ብምኽንያት
ስቓይካ ተፈዊሰ እየ`ሞ አመስግነካ ኣሎኹ። ኦ ሊቀ ካህነይ እባርኸካ ኣሎኹ ብዘይካኻ ከኣ ከድኅነኒ ኢሉ ሕይወት ዝኸፈለ የልቦን፡
ኦ ፍትወይ ልበይ ብፍቕርኻ ተማሪኹ ኣሎ፡ ብዘይ ኲናት ስዒርካኒ ኢኻ፡ ልበይ ከም ስምዒ ብፍቕርኻ መኸኸ፡ ኦ ጐይታ ኢየሱስ እፈትወካ`የ
ስምካ ይባረኽ። ጐይታ መንፈስ ቅዱስ ምስትውዓል እትዕድለኒ ኣቦይ ስምካ ይባረኽ፡ ጸጋኻ ኣብዞም ንኣሽቱ ስለ ዘዕዘዝካ ተባረኽ።
ኃይልኻ ተዓጢቕና ንእግዚኣብሔር እነመስግን ብርቱዕ ጭፍራ፡ ንዕኡ ንበይኑ እንዝምርን እንምብርከኽን ብርቱዕ ሠራዊት ጌርካና ኢኻ`ሞ
ተባረኽ ጸጋኻ ይባርኸና፡ይሓልወና ንሕና ብኣኻ ኢና ብሕይወት ዘሎና። ስለ ኹሉ ነገር ንእግዚኣብሔር ኣቦ ብስም ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ
ስብሐት ይኹን።
አንሰ ዕፄ ወአኮ
ሰብእ፡ ምኑን በኅበ ሰብእ ወትሑት በውስተ ሕዝብ
ኣነ ሓሰኻ እምበር ሰብ
ኣይኰንኩን፡ ብሰብ ዝተነዓቕኩን ኲሉ ሰብ ዘላግጸለይን እየ(መዝ22፡6)
ማትሳ (ዘበዂዐ ቅጫ/ Unleavened
Bread) ንመሲሕ ዚሕብር ፍላጻ
ንገዛእ ርእሰይ መላሊሰ ሓተትክዋ፧ ንነፍሰይ ተወስክዋ፧ መን`ዩ ንገዛእ ርእሱ ምስ ሓሰኻ
ዘነጻጽር በልክዋ፧ መን`ከ`ዩ ክሳዕ ክንድዚ ዝተናዕቐ፧ ልበይ ኪኖ ቃላት ኰይንዎ ኣሎ። እቲ ዘፍቀረኒ ብደሙ ኸኣ ዝሓጸበኒ ክርስቶስ
ኢየሱስ ብንብዓትን ስቅያትን ከምዚ በለ “ ኣነ ሓሰኻ እየ ሰብ ኣይኰንኩ፡ ብሰብ ዝተነዓቕኩን ኲሉ ሰብ ዘላግጸለይን እየ” ልበይ
በዚ ቃል`ዚ ከም ስምዒ መኸኸ፡ ክሳዕ ክንድዚ ጐይታ ኢየሱስ ከም ዘፍቀረኒ ኸኣ ነፍሰይ ተረድአት፡ ነዚ ጐይታ`ዚ ንዘለዓለም ክብሪ
ይኹኖ።
2. ዝተጨማደደ መልክዕ፦ እቲ ካልኣይ መልክዕ ናይታ
ኣብ እዋን ፋሲካ እትቚረስ ቅጫ፡ ካብ ምልብላብ እቲ ሓዊ ዝተላዕለ፡ ዝደረቐ ዝተጨማደደ መልክዕ እዩ። ከምቲ ኣቐዲምና ክንርእዮ
ዝቐነና እዛ ማትሳ እዚኣ ምሳሌ መሲሕ እያ። ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብዘይካ ኃጢኣት ፍጹም ዝዀነ ሰብን ኣምላኽን እዩ። ዳዊት
ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሑ ስቓይ `ቲ መሲሕ ክገልጽ ከሎ፡ “ኃይለይ ከም ማይ ፈሰሰ፡ ብዘሎ ኣዕጽምተይ ተፈላለየ፡ ልበይ ከም ስምዒ
ኣብ ማእከል ኣምዑተይ መኸኸ። ጐረሮይ ከም ገልዒ ነቐጸ፡ ልሳነይ ኣብ ትንሓገይ ጠበቐ፡ ከም ምዉት ኣብ መሬት ደርበኻኒ(መዝ22፡14-15)
ይብል። ኣምላኽ ንብዘሎ መቕጻዕትና ኣብኡ ኣውደቖ፡ ንሱ ኸኣ ብሰሪ ገበንና ተኸትከተን ቆሰለን፡ ኢየሱስ ነታ ጽዋዕ ሞት ክሰቲ ክሳዕ
ሞት እዙዝ ኮነ፡ ክብሪ ኹሉ ንዕኡ ይኹን። ነቢየ እግዚኣብሔር ኢሳይያስ ውን ከምዚ በለ “ ዝባነይ ንገረፍቲ፡ ምዕጒርተይ ከኣ ንነጸይቲ
ፀጒሪ ሃብኩ። ኪጸርፉንን ጡፍ ክብሉለይ ከለዉን ገጸይ ኣይከወልኩን(ኢሳ50፡6)”። ካብታ ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተተታኅዘላ እዋንን
ሰዓትን ንሱ ገዛእ ርእሱ ንመከራ ኣኅሊፉ ሃበ። ልክዕ ከምታ ብሓዊ ዝተለብለበት ማትሳ፡ መቕጻዕቲ ኣብኡ ብምውዳቚ ተሳቐየ፡ ተጨነቐ፡
ከምቲ ሰባት ምእንቲ ከይርእይዎ ገጾም ዝጒልበብሉ ሕሙም ሰብ፡ ብፍጹም ስቓይ ተሓምሸሸ፡ ዝባኑ ንመግረፍቲ ወፈየ፡ እቲ ገዛኢ ኸኣ
ገረፎ “ ብድኅሪ`ዚ ጲላጦስ ንኢየሱስ ወሲዱ ገረፎ(ዮሃ19፡1)”። ነቢየ እግዚኣብሔር ኢሳይያስ “ ንሱ ግና ብሰሪ ገበንና ቘሰለ፡
ብሰሪ ኣበሳና ድማ ተኸትከተ፡ ንሕና ሰላም ምእንቲ ክንረክብ፡ መቕጻዕቲ ናብኡ ወረደ፡ ንሕና`ውን ብስምብራቱ ሓዌና” በለ። ኣብ
ዝባን ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝዀነ በሰላ ወይ ስምብራት ኣቐዲሙ ኣምላኽ ኣብ ዝሃቦም ሥርዓት መባዂዕቲ ዘይብሉ ቅጫ ተጋህደ።
ንሕና እዞም ኃጥኣን፡ እወ ንሕና እዞም ዓመጽቲ ብበሰልኡ ምእንቲ ክንሓዊ ንሱ ተኸትከተ።
ንሕና ምእንቲ ክንፍወስ ንሱ ሓመመ፡ ንሕና ምእንቲ ክንነጽህ ኢየሱስ ገዛእ ርእሱ ሰብ ኰነ ምእንትዚ ኸኣ ኣቦ ንሓደ ወዱ ክሳዕ
ዘይርኅርኃሉ ጨከነ። እታ መባዂዕቲ ዘይብላ ቅጫ ማትሳ ንዘመናት ብዛዕባ መሲሕ ሰበኸት፡ በታ ኢየሱስ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ድራር ፋሲካ
ዝበልዓላ ለይቲ፡ ኣብ ብዘሎ ኅብረተ ሰብ እስራኤል ማትሳ ይቚረስ ነበረ እንተዀነ ሓደ`ኳ “እዚ ሥጋይ`ዩ” ዚበለ የልቦን። ብዙኃት
ነታ ማትሳ ክቖርስዋ ከለዉ ነቲ ካብ ምድሪ ግብጺ ዝወጽሉ ህሞት እናዘከሩ እዮም ቀጨጭኦም ዝቖርሱ ዝነበሩ።
እዛ ለይቲ እዚኣ ግን ፍልይቲ እያ። “ ምስ ሕዝቢ እስራኤልን ሕዝቢ ይሁዳን ሓድሽ ኪዳን
ዝኣትወለን መዓልታት ክመጻ እየን(ኤር31፡31)” ተባሂሉ ዝተነግረ ትንቢት፡ መሲሕ ነታ ማትሳ ኣልዒሉ “እዚ ሥጋይ እዩ” ብምባል
ነቲ ንዘመናት ብምሳሌን ከም ጽላሎትን ዝንገር ዝነበረ ምሥጢር “ማትሳ” ኣግሃዶ። እዛ ለይቲ እዚኣ ፍልይቲ ለይቲ እያ፡ ልክዕ ከምቲ
ማትሳ ብመከራ ኃሊፋ፡ ብነዃላትን ስንብራትን ኃሊፋ ኣብ መፈጸምታ ኸኣ እትቊረስ፡ ኢየሱስ ከኣ ምእንቲ ድኅነት ኲሉ ዓለም መቕጻዕቲ
ተቐቢሉ፡ ብመከራ ተሓምሺሹ፡ ብመግረፍቲ ሰንቢሩ፡ ብሽንካር ተሸንኪሩ፡ ኣብ መወዳእታ ኸኣ ከም ዝመውት(ዝቚረስ)፡ ብምኽንያት እቲ
ዝተቖርሰ ሥጋኡን ዝፈሰሰን ደሙን ከኣ ሓድሽ ኪዳን ከም ዝምሥረት ኣወጀ።
እዚ ኪዳን`ዚ ናይ ዘለዓለም ኪዳን ደም እዩ። ኣምላኽ ነቶም ብኢየሱስ ዝኣመኑን ከም መድኃኒኦምን
ጐይታኦምን ዝተቐበሉ ከኣ ብሳላ እዚ ደም`ዚ ኣበሳኦም ይቕረ ክብለሎም፡ ኃጢኣቶም ድማ ድኅርዚ ከም ዘይዝክሮ ኣወጀ። ኦ ወገነይ
ኃጥእ`የ ምባል ጥራይ ትርጒም የብሉን ጽድቂ ውን ከውህብ ኣይክእልን እዩ። ሰብ ኃጥእ ምዃኑ ኣብ ዝፋን ሰማይ እውጅ እዩ፡ ምእንት`ዚ ኸኣ እዩ ኢየሱስ
ክርስቶስ ከድኅነና ዝመጸ፡ እትኸፍሎ ዋጋ የልቦን ነቲ ዝተኸፍለልካ ናይ መስቀል ዋጋ ብእምነት ብምቕባል ደኃን። ንኢየሱስ ከም ጐይታይን
መድኃንን ሕይወትካ ምስ እትቕበል ብደሙ ስለ እትሕጸብ ኣብ ቅድሚ ኣቦ ጻድቕ ኢኻ። ብኢየሱስ ክርስቶስ ከኣ ናይ እግዚኣብሔር ኣቦኡ
ናይ መንግሥቱ ካህን ክትከውን ኢኻ። ንእኡ ነቲ ዘፍቐረና ካብ ኃጢኣትና`ውን ብደሙ ዝሓጸበና ኢየሱስ ክርስቶስ ክብርን ሥልጣንን
ስብሐትን ንዘለዓለም ይኹን።
No comments:
Post a Comment