“ንእሽቶ ሓዊ ክንደይ ዓቢ ዱር ዘይተንድድ” ያዕ3፡5
ኣቦ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ስሙ ይባረኽ፡ ብዘሎ ዘመነይ ኲሉ ዝረድኣኒ በይኑ ንሱ እዩ`ሞ ክብሪ
ይዂኖ። ብሞት ወዱ ዘድኃነኒ፡ ንኢየሱስ ክርስቶስ ከኣ ሊቀ ካህነይ ገይሩ ዝሾሞ ንሱ`ዩ እሞ ብስም ኢየሱስ አመስግኖ ኣለኹ። ካብ
ጠቢባን ዝተሠወረ ጥበብ ኣምላኽ ንዓይ ንንኡስ ስለ ዝገለጸለይ ክዝምረሉን ክቓንየሉን ክባርኾን እየ። ሕይወቱ በጃይ ንዝወፈየ ጐይታ
ኢየሱስ ክርስቶስ እባርኾ ኣሎኹ፡ ብሥጋን ደምን ንባህርየይ ዝተኻፈለ ጻድቅ ሊቀ ካህን ስሙ ይባረኽ። ክፈልጠካ ስለ ዝረዳእካኒ አመስግነካ
ኣሎኹ፡ ንሊቀ ካህንነትካ ኣብ ልበይ ዘብራህካዮ በይንኻ ንስኻ ኢኻ፡ ኦ ጐይታ ነፍሰይ ከምቲ ዘይነጽፍ ወሓዚ ወርትግ ክትዝምረልካ
ባርካ። ስምካ ንዘለዓለም ኣብ ከናፍረይ ኣንብሮ ብዘሎ ኽብሪ ንዓኻ ይግባእ። ጐይታ መንፈስ ቅዱስ ከምቲ ንእሽቶ ሓዊ ንዓቢ ዱር
እተንድድ፡ ንምድረ-በዳ ልበይ ብመንፈስካ ፈራዪ ሽዕበት ስለ ዝገበርካዮ እባርኸካ ኣለኹ። ኲሉ እቲ ከም ሓሰር ፈኲስን ከንቱን ዝዀነ
ኣብ ልበይ ዝነበረ ክፍኣት፡ በቲ ቅዱስ ሓዊ ኣቃጺልካ ንልቦናይ ስለ ዝወረስካዮ አመስግነካ ኣሎኹ። እቲ ካብ ኩሉ ዝበልጽ ዕዮ ሊቀ
ካህንነት/ኣተዓራቕነት/ኣማላድነት/መንጐኛነት ኢየሱስ ክርስቶስ ክርዳእን ብእኡ ክኣምንን ስለ ዝደገፍካኒ ስምካ ይባረኽ። ስለ ዂሉ
ነገር ንእግዚኣብሔር ኣቦይ ብስም ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ስብሐት ይኹን።
ኣብ ሰማያት ኣብ የማን ልዑል እግዚኣብሔር ዝተቐመጠ ሊቀ ካህናት
ኣሎኒ።
ቅድሚ ኩሉ ነገር ንናይ ወዱ ሊቀ-ካህንነት ኣብ ሕይወተይ ክገሃድ ዝፈቐደ ኣምላክ ብስም ኢየሱስ ምስጋና
ይዂኖ። ንኣምላኽና ምስጋና ይግብኦ እዩ፡እዚ ኸኣ ናይ ነፍሳትና ዕረፍቲ እዩ። መዝሙር ንልቢ ክቓኒ፡ ከቕንዕን ክዝንን ዝኽእል ንእግዚኣብሔር
ዝቐርብ መንፈሳዊ ኣምልኾ እዩ። መጽሓፍ ከምዚ ይብል “ ኣነ ግና ኃያል ስለ ዝዀንካ ኽዝምረልካ እየ፡ እምባይ፡ ብመዓልቲ ጸበባይ`ውን
መዕቈቢ ዄንካኒ ኢኻ እሞ ንሳህልኻ ኣንጊሀ እልል ክብለሉ እየ። ኦ ኃይለይ መዝሙር ምስጋና ኽዝምረልካ እየ፡ እምባይሲ ኣምላኽ፡
እቲ ዘፍቅረኒ ኣምላኽ እዩ(መዝ 59፡16-17)”። ነዚ ሥልጥኑን ብመዓልቲ ጸበባ`ውን ጸግዒ ዝዀነኒ ኣምላኽ ዘወትር ክዝምረሉ
እየ፡ ንሳህሉ`ውን ኣንጊሀ ክዕልለሉ እየ። ቅድሚ ሒደት ዓመታት ጐይታ በዚ መገዲ`ዚ ኣብ ሕይወተይ ዝዓየዮ ዕዮ ሎሚ ክምስክሮ ልበይ
ብምንቃዱ`የ ኣእዳወይ ኣልዒለ ክጽሕፍ ዝጀመርኩ። ኣምላኽ ብዙኅ ሳዕን ብብዙኅ መገድን ይዛረብ`ዩ እሞ ሎሚ እቲ ንመቓውሕ ልበይ
ሰይሩ ኣብ ሕልፍኝ ሕይወተይ ዝኣተወን ፍጹም ዝወረሰንን ዕዮ ኣምላኸይ ብንኡስ ዓቕመይ ክገልጾ ክፍትን እየ፡ ጸጋ ጐይታ ኢየሱስ
ይርድኣኒ።
ድኅረ ባይታዊ ኣተዓባብያይ ኣብ ቤተክርስቲያን ብምዃኑ መዝሙር ምዝማር ካብ ንእስነተይ ዝተመሃርክዎ
ጥበብ እዩ። ምናልባት በዚ ሕጂ ዘለኽዎ ኲነት መዝሙር ንዓኻ እንታይ`ዩ፧ ዚብል ሓታቲ እንተ ዝርከብ “ ንክርስቶስ ኢየሱስ
ዘርኣየኒ ብርሃን እዩ” ኢለ ምመለስክሉ ነይረ። ኣብ መጀመርያ ናይ 2014 ዓ.ም እየ ናብ ኢትዮጵያ ኣትየ። ኣዲስ ኣበባ
ካብ ዝኣተዂላ ዕለት ጀሚረ ቋንቋ ኣምሓረኛ ናይ ምኽኣልን ምምላኽን ብርቱዕ ድሌት ሓዲሩኒ ነበረ። ኣምሓረኛ ምንባብን ምጽሓፍን እሞ
ይትረፍ ምስ ሰብ ብግቡእ ክዘራረበሉ ዝኽእል ዓቕሚ`ውን ኣይነበረንን። ብዘይካ እቲ ኣብ ትምህርቲ ሰንበት እንሰምዖ ዝነበርና ብቛንቋ
ኣምሓረኛ ዝተሰርሑ መዛሙር ዝፈጠሮ ድርኺት ካልእ ኣብ ልበይ ኣይነበረን። በዚ ምኽንያት`ዚ ኸኣ ክኽእሎ ኣሎኒ ዚብል ወኒ ኣብ ልበይ
ተላዕለ። ንሓደ ብቐረባ ዝፈልጦ ዓርከይ፡ ቅድመይ`ውን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝነበረ፡ “ ኣምሓረኛ” ብኸመይ`ዩ ዚልመድ ኢለ” ክሓቶ
ከለኹ ትዝ ይብለኒ። እቲ ንሱ ዝሃበኒ ምኽሪ ኸኣ “ ኩሉ ሳዕ ፋና ብሮድካስቲንግ (ናይ ሬድዮ መርሐ-ግብር) ምስማዕ፡ ንናይ ምስማዕን
ምዝራብን ክእለትካ የማዕብሎ እዩ” ብምባል ፍቱን መድኃኒት ኣዘዘለይ። ልበይ ግን በዚ ሓሳብ ኣይተሰማምዐን ሽዑ ካልእ ሓሳብ ኣብ
ልበይ ተቐመጠ፡ ካብ ንእስነተይ ጀሚረ ብመዝሙር ምስማዕን ምዝማርን እየ ዓብየ፡ ሕጂ ኸኣ ብመልክዕ ቪድዮ ዝተዳለዉ፡ ኣብቲ ቪድዮ`ውን
ግጥሞም ዝርአ ናይ ኣምሓረኛ መዛሙር ዳውንሎድ ጌረ ብምምጻእ፡ ብእኦም ቛንቋ ከጽንዕ መደብኩ።
ናብ እንዳ ኢንተርኔት ካፌ ከይደ 3 ብዝግባእ ቋንቋ ክምህራኒ ዝኽእላ መዛሙር ሒዘ መጻእኹ። ካብተን
ሠለስተ መዝሙር ሓንቲ ሊቀ-ካህናት እትብል፡ ግጥምን ዜማን ብቀሲስ ትዝታው ሳሙኤል ተዳልያ፡ ብዘማሪት ዘርፌ ከበደ ዝተዘመረት መዝሙር
እያ። ቋንቋ ኣምሓረኛ ንምኽኣል ብርቱዕ ድሌት ስለ ዝነበረኒ ለይትን መዓልትን ክሰምዕን ከጽንዕን ጀመርኩ። ንግሆ ገና ኣብ ዓራተይ
ከለኹ መዝሙር ምስማዕ ስርሐይ ኢለ ተተሓሓዝክዎ። እዚ ዂሉ ነገር ግን ቋንቋ ኣምሓረኛ ንምምላኽ ዝግበር ዝነበረ ዕዮ እዩ።
ድኅሪ ዝተወሰነ ዕዮ ካብ ብዝሒ ምስምዐይ ዝተላዕለ ግጥሚ እተን መዛሙር ኣብ ቃለይ ሰፈረ፡ ስዒቡ`ውን
ልበይ ብኃይሊ እቲ መዝሙር ተማረኸ፡ ብእኡ ንልበይ ደስታ ኰነ። ብፍላይ ከኣ ግጥምታት እታ “ሊቀ ካህናት” እትብል መዝሙር ንልበይ
ማረኾ። ሊቀ-ካህናት እንታይ ማለት`ዩ፧ ዚብል ሕቶ ውን ኣብ ሕይወተይ
ንመጀመርታ እዋን ተፈጥረ። ልበይ ብዛዕባ ሊቀ-ካህናት ብዝሓተተኒ ቁጽሪ ኸኣ ነቲ ገላጺ ኩሉ ምስጢራት ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ገንጺለ
ከንብብ ጀመርኩ። ብምኽንያት እዛ መዝሙር ከኣ ነቲ ዘየስተውዓልክዎ ዝነበርኩ ትምህርቲ ሊቀ ካህንነት ከስተውዕል ጀመርኩ። ኢየሱስ
ክርስቶስ ገንሸል ብምዃን ምእንታይ ዝኸፈሎ ሕይወትን ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ሊቀ ካህንነት ውን እንታይ ምዃኑ ካብ ግጥሚ እታ መዝሙር
ክርዳእ ጀመርኩ። እዚኣ ኸኣ ኣብ ሕይወተይ ዝተወልዐት ንእሽቶ ሓዊ እያ። መልኬጼዴቅ መን ምዃኑን ምስ ክህነት ኢየሱስ ክርስቶስ
ዘለዎ ምሳሌነትን ክመሃር ጀመርኩ፡ ኣብ ልበይ ከኣ ሚዛን ዝደፍአ ትምህርቲ ኰነ፡ ጐይታ ስሙ ይባረኽ።
ነዚ ነገራት ብግቡእ ምእንቲ ክርዳእ ከኣ መጽሓፍ ቅዱስን ንመጽሓፍ ቅዱስ መሠረት ብምግባር ብዛዕባ
ሊቀ ካህንነት ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተጻሕፉ መጻሕፍትን ከንብብ ከኣልኩ። ጐይታ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ልበይ ብርሃን ክበርህ ስለ ዝፈቐደ
ኸኣ እታ ንእሽቶ ሓዊ ንብዘሎ ኣብ ልበይ ዝነበረ ዘይቅኑዕ ኣተሓሳስባ ኣቃጺላ ኣርሓቐቶ። ሊቀ ካህናት፡ አረ እንዳንተ ያለ ከወዴት
አለ ፡ መንገዴን አቅናዉ ዚብላ መዛሙር ቛንቋ ኣምሓረኛ ንምኽኣልን ምምላኽን ኢለ ዝሰምዐን ዝነበርኩ እየን፡ ጐይታ ግን ብዛዕባይ
ካብኡ ዝበልጽ ሓሰበ። ብደሙ ተሓጺበን ተቐዲሰን ሳላ ሊቀ ካህነይ ናብ ኣቦ ቐረብኩ። ብሓቂ፡ “ እምበኣር ንሰማያት ዝዓረገ ዓቢይ
ሊቀ ካህናት፡ ኢየሱስ ወዲ ኣምላኽ ካብ ዚህልወና ኣብ እምነትና ንጽናዕ። ብድኻምና ክድንግጸልና ዘይክእል ሊቀ ካህናት ኣይኰነን(ዕብ4፡14-15)
ተባሂሉ ከም ዝተጻሕፈ ክርስቶስ እቲ እንኮ ምስ ኣቦ ክዓርቐኒ ዝኽእል መንጐኛን ኣተዓራቕን ምዃኑ ተረዳእኩ። መጽሓፍ፡ ነቶም ብእኡ(ብኢየሱስ)
ኣቢሎም ናብ ኣቦ ክመጹ ዝደልዩ ዘወትር ኪማልደሎም ይነብር፡ ከም ዝበሎ ብመገዲ ልመናን ኣተዓራቕነትን ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ኣቦ
ተዓረቕኩ። ብደሙ ተሸፊነ ኸኣ ዉሉድ ኣምላኽ ኰንኩ፡ ኣምላኽ ከኣ ብመንፈሱ መልኣኒ።
ሎሚ ልበይ ብእግዚኣብሔር እሕጐስ ኣሎ፡ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ መንጐ ሰማይን ምድርን ዝቖመ ሊቀ ካህን
እዩ፡ ነቲ ተሠዊርኒ ዝነበረ ቅኑዕ ሓቂ ኣምላኽ ስለ ዘብርሃለይ ብምሉእ ኃይለይ ክዝምረሉን ክዕልለሉን እየ። ነታ ብመጻወድያ ሃዳናይ
ተታሒዛ እተሕለሉ ዝነበረት ነፍሰይ፡ ጐይታ ብኃይሊ ዝማሬ ኣናገፋ፡ ኣብሊጸ ብዛዕባ ሊቀካህንነቱ ክግደስን ከጽንዕን ከኣ ገይርኒ
ኣሎ። ኢየሱስ “ናይ ነፍሳትና መልሕቕ” ተባሂሉ ዝተሰይመሉ ጥበብ መንጐኛ ሓድሽ ኪዳን ስለ ዝዀነ እዩ። ምናልባት ሎሚ በዞም ዘመናት
እዚኦም ናይ ኢየሱስ ሊቀ ካህንነት ምኽሓድን ዘይምእማንን ብሰባት ከመጒሰና ይኽእል ይኸውን ግንከ ጽኑዕ መልሕቕ ነፍሳት ንዝዀነ
ሊቀ ካህናት ኢየሱስ ኣይንድገፍን ኢልና ኣብ ተሰባሪ ሻንብቆ ከም ዝተደገፍና ክንቆጽሮ ይግብኣና። ንወለዶታት ከኅልፎ ዝደሊ እንኮ
ሓቂ ኸኣ፡ ንሊቀ ካህንነቱ ዘይኣመነት ነፍሲ፡ ነቲ ኣምላኽ ብማሕላ ዘጽንዖ “ንስኻ ከም ማዕርግ መልኬጼዴቅ ንዘለዓለም ካህን ኢኻ”
ዚበሎ ኪዳን ምቅዋማ ዘስዕቦ ዘለዓለማዊ ሞት እዩ። ኣቱም ንሊቀ-ካህንነቱ እትቕበሉ ደስ ይበልኩም፡ ንሕና ግን ክህነቱ ዘይሰዓር፡
መንግሥቱ ዘይትናወጽ፡ ካብ ሰማያት ልዕል ዝበለ፡ ካብ ኃጥአን ከኣ ዝተፈልየ፡ ኣብታ ድንኳን ሓቂ ዘገልግል እሙን ሊቀ ካህናት ኢየሱስ
ወዲ ኣምላኽ ኣሎና፡ ኣሎና፡ ኣሎና። እቲ ብኽንድዚ ዕዮ ኣብ ሕይወተይ ዝዓየየ ኣምላኽ ስሙ ይባረኽ።
"ወመጽአ ክርስቶስ ዓራቂ ማእከለ እግዚአብሔር ወእጓለ እመሕያው ወዐረቆሙ ለክልኤሆሙ።መለኮትሰ ዘአቡሁ ወዚአሁ ወትስብእትሰ ዘዚአነ ወኮነ ዓራቄ ማእከለ ክልኤሆሙ ወአሰረ ክልኤተ ህላዌያተ በበይናቲሆሙ በተዋሕዶ ወከመዝ አማሰነ ቦቱ ጽልአ"
"ኣብ መንጐ ሰብን እግዚኣብሔርን ከኣ ዓራቒ ኽርስቶስ መጸ።ንኽልቲኦም ከኣ ዓረቖም።መለኮት ናይ ኣቡኡን ናቱን እዩ።ሰብነት ግና ናትና እዩ።ኣብ መንጐ ኽልቲኦም ዓራቒ ኾይኑ፣ኸኣ ንኽልተ ህላዌ ብተዋህዶ ንሓድሕዶም ሓደ ገበረ።በዚ ኸምዚ ድማ ንጽልኢ ብእኡ ኣጥፍአ።"
ሊቀ ካህናት ኢየሱስ ሊቀ ካህናት
የአዲስ ኪዳን በግ ንጹህ መሥዋዕት
መሥዋዕትም አቅራቢ ተቀባይም ሆነ
በደሙ ቤዛነት ፍጥረት ሁሉ ዳነ
|
ሊቀ ካህናት ኢየሱስ ሊቀ ካህናት
ንጹሕ መሥዋዕቲ ገንሸል ሓድሽ ኪዳን
ኣቕራቢ መሥዋዕቲ፡ ተቐባሊ`ውን ኰነ
ብደም ቤዛነቱ ፍጥረት ኩሉ ድኃነ
|
ስንሠቃይ አይቶ ክብሩን ሁሉ ትቶ
በስቃይ ደቀቀ ሊያነሳን ወደቀ
ሲኦል ተበዝብዟል ሥልጣኑ ተይዝዋል
ለተቤዠን ንጉሥ ምስጋናችን ይፍሰስ
ለተቤዠን ንጉሥ ምስጋናችን ይድረስ
|
ምእንቲ ስቓይና ኩሉ ክብሩ ኃዲጉ
ብስቓይ ተሓምሺሹ ከልዕለና ወዲቁ
ሲኦል ተዘሚቱ ሥልጣኑ`ውን ተመንጢሉ
ንዝተበጀወና ንጉሥ ምስጋናና ይፍሰሰ
|
No comments:
Post a Comment