ኒቆዲሞስ
ኦ ቅዱስ ኣቦ ስምካ ይባረኽ፡ ንስኻ ካብ ጥንቲ ካብ ዘለዓለም ብሩኽ ኢኻ። ንሕና ብባህርና ደቂ ቊጥዓን
ዓመጻን ነበርና፡ ብዳግም ልደት ውሉድካ ምእንቲ ክንከውን ንኢየሱስ ክርስቶስ ናባና ለኣኽካዮ፡ ስለ ኹሉ ነገር ብስም ኢየሱስ አመስግነካ
ኣለኹ። ካብ ሥጋን ደምን ጥራይ ዘይኰነስ ዳግማይ ካብ መንፈስካ ስለ ዝተወለድኩ እባርኸካ ኣሎኹ። ንኢየሱስ ክርስቶስ ብምእማንን
ብምቕባልን ዳግም ብምውላደይ ከኣ ዉሉድካን ወራሲኻን ኰንኩ። ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ሎሚ`ውን ቃልካ ሕያው እዩ፡ ሰብ ካልኣይ ግዜ
እንተዘይተወልደ ንመንግሥቲ ኣምላኽ ኣይርእያን እዩ፡ ሰብ ዳግም ዝውለድ ከኣ ብእምነት ጥራይ እዩ። ኦ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ
ነዚ ሓቂ`ዚ ስለ ዝገለጽካለይ ስምካ ይባረኽ። ንሕና ንዓኻ ብምእማን
ውሉድ ኣምላኽ ምእንቲ ክንከውን፡ ንስኻ ብሥጋን ደምን ከማና ሰብ ኰንካ ስምካ ይባረኽ። ጐይታ መንፈስ ቅዱስ ንስኻ ምርሓና፡
ንልቢ ብዙኃት ውን ኣንቅሓዮ፡ ልቢ ብዙኃት ነዚ ሓቂ ብምርዳእ ንኢየሱስ ጐይትኦምን ኣምላኾምን ገይሮም ክቕበሉን ካብ ዘይጠፍእ ዘርኢ
ዳግም ክውለዱን ምስትውዓል ሃቦም። ስለ ዂሉ ነገር ንእግዚኣብሔር ኣቦ ብስም ኢየሱስ ክርስቶስ ስብሐት ይኹን።
ኢታንክር ፡ እስመ ፡ እቤለከ ፡ ሀለወክሙ ፡ ትትወለዱ ፡ ዳግመ
ካልኣይ ክትውለዱ
ብግዲ እዩ ስለ ዝበልኩኻ ኣይትገረም(ዮሃ3፡7)
ኣምላኽ ኩሉ ፍጥረት ዝዀነ እግዚኣብሔር ጐይታ ሠራዊት እሙንን ጻድቕን እዩ`ሞ ስሙ ይባረኽ። ምስትውዓልን
ምርዳእን ምእንቲ ክህበና ኸኣ ብስም ኢየሱስ ክርስቶስ እልምኖ ኣለኹ። መበገሲ እዚ ጽሑፍ`ዚ ኣብ ላዕሊ ስሙ ተጠቒሱ ዘሎ ኒቆዲሞስ
እዩ። ንኒቆዲሞስ፡ ዚተነግረ መሠረታዊ ትምህርቲ ክርስትና ምዃኑ ሎሚ ውን ሕያው`ዩ እሞ ብኣተኲሮ ክትዕዘብዎ እምሕጸነኩም። ኒቆዲሞስ
ዚብል ቃል ግሪኻዊ መበቆል ዘለዎ ኰይኑ ጥምሮ ክልተ ቓላት እዩ። Nike ማለት ዓወት ክኸውን ከሎ፡ Demos ማለት ከኣ ሕዝቢ
ማለት እዩ። ስለዚ ኸኣ ኒቆዲሞስ፡ ዓወት ሕዝቢ ዚብል ትርጒም ኣለዎ።
ብዛዕባ ኒቆዲሞስ ኣብ ወንጌል ዮሃንስ ጥራይ ኢና ተጻሒፉ እንረክብ፡ ወንጌላዊ ኣብ ምዕራፍ ሠለስተ፡
ምዕራፍ ሾብዓተ ከምኡ`ውን ምዕራፍ ዓሠርተው ትሽዓተ ጠቂስዎ ይርከብ። ብዋናነት ግን ኣብ ምዕራፍ ሠለስተ ብለይቲ ናብ ጐይታ ምምጽኡን
ካብኡ ውን ብዛዕባ ዳግም ልደት ከምዝተማህረ ጽሒፉ ይርከብ። ኒቆዲሞስ ካብቶም ንሕጊ ኣምላኽ ኣጥቢቆም ዝሕልዉ ወገን ፈሪሳውያን፡
ከምኡ`ውን ኣብ ሕዝቢ እስራኤል ዝለዓለ ስልጣን ዝነበሮም ኣባል እቲ 71 ኣባላት ዝነበርዎ ሳንሄድሪን(Supreme
council) እዩ። እዚኣቶም ብሊቀ ካህናት ዝምርሑ ኣብ ሃይማኖታዊ፡ ማሕበራዊ ከምኡ`ውን ገበናዊ ጉዳያት ውሳኔ ክህቡን ክፈርዱን
መዝነት ዝነበሮም እዮም። ብተወሳኺ ውን ኒቆዲሞስ መምህር(Rabbi) እስራኤል ምንባሩ ጐይታ መስኪርሉ ኣሎ። ኒቆዲሞስ ብዕድመ ዝሸምገለ
ሰብ ምንባሩ`ውን ቅዱሳት መጻሕፍቲ መዝጊቦሞ ይርከቡ። እዚ ብኽንድ`ዚ ዝኣክል ኃላፍነትን መዝነትን ዝተመልአ ኣብ ሕዝቢ እስራኤል
ውን ዓቢይ ቦታ ዝነበሮ ሰብ፡ በቶም ክርስቶስ ኢየሱስ ዝገብሮም ዝነበረ ተኣምራት ተሳሒቡ፡ “ኣምላኽ ምስኡ ኣሎ” ብምባል እዩ ብለይቲ
ናብ ኢየሱስ ዝገስገሰ። ኒቆዲሞስ ምሳሌ ናይቶም ብቕንዕና ተሳሒቦም ልቦም ኣብ ኣምላኽ ዘውድቑ ሰባት እዩ። በታ ናይ ዝርርብ ለይቲ
ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንኒቆዲሞስ ብዛዕባ ሓድሽ ልደት፡ ካብ ላዕሊ ዝርከብ ልደት እዩ ዝነገሮ። “ ሰብ ካልኣይ ግዜ እንተዘይተወልደ፡
ንመንግሥቲ ኣምላኽ ክርእያ ከቶ ከም ዘይክእል፡ ብሓቂ ብሓቂ እብለካ ኣለኹ” እናበለ ጐይታ ንኒቆዲሞስ ነቲ መምህር እስራኤል ነገሮ።
እዚ ምህሮ`ዚ ኸኣ ንነፍሳት ዘዕርፍ ምህሮ ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ።
ሰባት ካብ ወለዶም ተወሊዶም እዮም ኣብዚ ምድሪ`ዚ ዝነብሩ እዚ ኸኣ ካብ ሥጋን ደምን ዝዀነ ልደት
ይበሃል። እዚ ልደት እዚ ኸኣ ንዂሉ ወዲ-ኣዳም ዝውክል ልደት እዩ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ሥጋዊ ሰብ ብምባል ይገልጾ( 1ቆሮ 2፡14)።
እዚ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንኒቆዲሞስ ዝነግሮ ዘሎ ልደት ከኣ ካብዚ ዝተፈልየ እዩ። ብቛንቋ ግሪክ ánōthen (ἄνωθεν.) ማለት born from above (ብ1990
ዝተሓትመ መጽሓፍ ቅዱስ ትግርኛ`ውን ኣብ ሕዳግ ናይታ ምዕራፍ” ካብ ላዕሊ እንተ ዘይተወልደ) ብምባል መብርሂ ጽሒፉ ይርከብ። ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንኒቆዲሞስ ብኣጽንዖት ዝነግሮ ዘሎ፡ ዳግም(ካብ ላዕሊ)
እንተ ዘይተወሊድካ ንመንግስቲ ኣምላኽ ኣይትርእያን ኢኻ`ዩ ዚብሎ ዘሎ። ሽሕ`ኳ ኒቆዲሞስ፡ ፈሪሳዊ፡ መምህር፡ ሓለቃ ኣይሁድ ከምኡ`ውን
ሽማግለ እንተነበረ ዳግም ክውለድ የገድሶ ነበረ። ሰብ ኣብዚ ምድሪ ክመጽእ ከሎ ብልደት`ዩ ዝመጽእ ምእንቲ ክውለድ ኢሉ ውን ዝኸፍሎ
ነገር የብሉን። ከምኡ`ውን ሰብ ካብ ላዕሊ ንኽውለድ ዝኸፍሎ ክፍሊት፡ ዝህቦ ምጽዋት፡ ዝጾሞ ጾም ኰነ ካልኦት ነገራት የልቦን።
ዘለዎ ደረጃ ትምህርቲ፡ መንፈሳዊ ኰነ ምሕደራዊ መዝነት፡ ዝሓለፎም ተመኲሮታት ህይወትን ኣብ ሕዝቢ ዘለዎ ተቐባልነትን ዳግም ክወልድዎ
ኣይክእሉን እዮም። ሰብ ክሳዕ ዳግም ዘይተወልደ ኸኣ ሥጋዊ ሰብ( ካብ ሥጋን ደምን ዝተወልደ) ደኣ እምበር ዉሉድ ኣምላኽ ኣይኰነን
ምእንት`ዚ እዩ ጐይታ ደጋጊሙ ንኒቆዲሞስ ዘብርሃሉ።
ዳግም ምውላድ ግዴታ ምዃኑ ክንድነቅ ውን ከም ዘይብልና ጐይታ ብቃሉ ከምዚ
ይብል፦ ካልኣይ ክትውለዱ ብግዲ እዩ ስለ ዝበልኩኻ ኣይትገረም(ዮሃ3፡7)።
ሰብ ብኸመይ`ዩ ዳግም(ካብ ላዕሊ) ዚውለድ፧ ዚብል ሓሳብ ንልብና ክሕዞ ባህርያዊ እዩ። ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንኒቆዲሞስ ዚሃቦ
ምሳሌ ግሉጽ መልሲ እዩ። ብእኡ ዝኣምን ናይ ዘለዓለም ሕይወት ምእንቲ ክረክብ እምበር ከይጠፍእሲ፡ ከምቲ ሙሴ ኣብ በረኻ
ንተመን ዝሰቐሎ፡ ወዲ ሰብ ድማ ከምኡ ክስቐል ይግባእ እዩ(ዮ3፡14-15)። እቲ ካብ ሥጋን ደምን ዝተወልደ ሰብ፡ ንሱ ካብ ባህሪ
እቲ ቐዳማይ ኣዳም ዝተኻፈለ ብምዃኑ ውሉድ ቊጥዓ እዩ፡ ንመንግስቲ ኣምላኽ`ውን ክርእያ ኣይክእልን እዩ።ንሕና ዅላትና ኸኣ ነቲ ናይ ስጋን ናይ ሓሳባትን ድሌት እናገበርና፡ ቀደም ብትምኒት ስጋና ምሳታቶም ንነብር ነበርና፡ ከምቶም ካልኦትውን ብባህርይና ደቂ ቝጥዓ ነበርና(ኤፌ 2፡3)።
ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ካብዚ ባርነት እዚ ምእንቲ ሓራ ክገብረና ሥጋን ደምን ብምክፋል ከማና ሰብ ኰነ። ኣብ መንጐ
ኣምላኽን ሰብን ከኣ ማእከላይ ኮነ። ነቶም ብእኡ ኣቢሎም ናብ ኣቦ ክቐርቡ ዝደልዩ ኸኣ መገዲ ደም ኰነ። ነቶም ዝተቐበልዎ ዘበሉ
ብስሙ ንዚኣምኑ ዂሎም ግና ውሉድ ኣምላኽ ክዀኑ ሥልጣን ሃቦም። ንሳቶም
ከኣ ካብ ኣምላኽ እምበር ካብ ደም፡ ወይ ካብ ፍትወት ሥጋ፡ ወይ ካብ ድላይ ሰብኣይ ዘይተወልዱ እዮም(ዮሃ1፡12-13)። እምነት ካብ ምስማዕ እዩ፡ ምስማዕ ከኣ ብቃል ክርስቶስ እዩ እሞ፡ እቶም ንድምጺ
ወንጌል ሰሚዖም ብኣፎም ኢየሱስ ጐይታ እዩ ኢሎም ዚምስክሩ፡ ብልቦም ከኣ ኣምላኽ ካብ ምዉታን ከም ዘተንስኦ ዚኣምኑ፡ ነቲ ብብዙኃት
ዝተገፍዐ እምነ መኣዝን ዝዀነ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝቕበልዎን ዝኣምንዎን እዮም ዳግም ዝተወልዱ። ዳግም ልደት/ ካብ ላዕሊ ዝዀነ ልደት
ንኢየሱስ ክርስቶስ ብምእማን ጥራይ ደኣ እምበር ከቶ`ውን ብኻልእ ዘይከውን ልደት እዩ። እዚ መንፈሳዊ ልደት እዩ መጽሓፍ ከምዚ
ይብል በቲ ሓደ ወዱ ዝኣመነ ዘበለ ዂሉ ናይ ዘለዓለም ሕይወት ምእንቲ ክረክብ እምበር ከይጠፍእሲ፡ ኣምላኽ ንወዱ በጃ ክሳዕ ዚህብ
ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ(ዮሃ3፡16)። ንዳግም ልደት ብኻልእ ኣይትድለያ ንሳ ብክርስቶስ ብምእማን ጥራይ እትርከብ ማኅደር
ሓድሽ ሕይወት እያ። ንሕና ብዝገበርናዮ ግብሪ ጽድቂ ዘይኮነስ ብምሕረቱ፡ ማለት በቲ ካልኣይ ልደት ዚህብ ምሕጻብን ብመንፈስ ቅዱስ
ብምቕዳስን ኣድኃነና። ብጸጋኡ ጸዲቕና ብተስፋ ናይ ዘለዓለም ሕይወት ወረስቲ ምእንቲ ኽንከውን ብመድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ገይሩ
ንመንፈስ ቅዱስ ኣብ ልዕሌና ኣብዚኁ ኣፍሰሶ። እዚ እሙን ዘረባ እዩ(ቲቶ3፡5-8)። ሎሚ ብዳግም ልደት ካብ ላዕሊ ብክርስቶስ ብምእማን
ንወለድ፡ ምሳና ኣሎና እንብሎ ኲሉ ነገር ዳግም ክወልደና ኣይክእልን እዩ። ንዑ ንክርስቶስ ኢየሱስ ብምእማን ዳግም ተወለዱ ኣምላኽ
ከኣ ወረስቲ ክገብረኩም እዩ።
ጸጋ ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ኩላትና ይኹን።
(peternice2001@gmail.com/ www.genshelamlak.com)።
Amen blessed one may God protec u more nd more
ReplyDeleteAmen
DeleteAmen😇 I really appericated hour work especially "ነቶም ዝተቐበልዎ ዘበሉ ብስሙ ንዚኣምኑ ዂሎም ግና ውሉድ ኣምላኽ ክዀኑ ሥልጣን ሃቦም". Keep it up Peter, blessings +
Deleteኣምላክ ይባርካ ብሩኽ እዚ ካብ ላዕሊ ምውላድ ዮሃንስ 3 (John)
ReplyDelete5፤ የሱስ መለሰ፡ ብሓቂ እብለካ አሎኹ፡ ካብ ማይን መንፈስን እንተ ዘይተወልደ፡ ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ኪኣቱ ዚኽእል የልቦን።