ስለዚ ድማ ነቶም ብእኡ(ብኢየሱስ) ኣቢሎም ናብ ኣምላኽ ዚመጹ፡ ኵሉ ጊዜ ምእንታኦም ኪልምን ዚነብር ስለ ዝዀነ፡ ፈጺሙ ኼድሕኖም ይኽእል እዩ ዕብ7፡25።(ቀዳማይ
ክፋል)
ቅዱስን ሕያውን ኣቦ ምስጋና ንዓኻ ይግባእ፡ ብስም ቅዱስ ወድኻ ኢየሱስ ክርስቶስ ውን አመስግነካ ኣሎኹ።
ካብ ድቕድቕ ጸልማት ናብ ዘደንቕ ብርሃን ዘውጻእካና ንስኻ ኢኻ`ሞ ስምካ ይባረኽ። እቲ ኣብ ሕግኻ ተጻሒፉ ዘሎ ዂሉ፡ ነቲ ቅዱስ
ወድኻ መሲሕ ኢየሱስ ናዝራዊ ዝገልጽ`ዩ እሞ ምእንቲ ክንርድኦን ከነኽብረካን ጸጋኻ ሃበና። እሙንን ደንጋጽን ከምኡ`ውን መሓሪ ሊቀ
ካህናት ኢየሱስ ክርስቶስ ስምካ ይባረኽ። ብኽቡር ደምካ ሓጺብካ ናይ ኣቦኻ ካህናትን ነገሥታትን ጌርካና ኢኻ እሞ ንባርኸካ ኣሎና።
ጐይታ ነቲ ብዛዕባኻ ኣብ ሕጊ ተጻሒፉ ዘሎ ምእንቲ ክንርዳእ ምስትውዓልና ክፈት። ንስኻ ካብ ሰማይ ዝወረድካ ሓዋርያ፡ ካብ ምድሪ
`ውን ንሰማይ ዝዓረግካ ኣብ የማን ኣምላኽ ዝተቐመጥካ እሙን ሊቀ ካህናት ኢኻ፡ ኦ ኢየሱስ ስምካ ይባረኽ። ጐይታ መንፈስ ቅዱስ
ምስትውዓል ክንረክብ ንሕግኻ ውን ክንርዳእ ባርኸና፡ ብዘሎ ጥበብን ኃይልን ናትካ እዩ`ሞ ቃልካ እንርድኣሉ ጥበብን ኃይልን ሃበና።
ጐይታ መንፈስ ቅዱስ ጸጋኻ ኣይፈለየና።
ምቕባል ክህነትኩም
ንሾብዓተ መዓልቲ ኺጸንሕ እዩ፡ እተን ክህነት እትቕበሉለን መዓልታት ክሳዕ ዝመልኣ፡ ንሾብዓተ መዓልቲ ካብ ኣፍ ደገ እቲ እግዚኣብሔር
ዚርከበሉ ድንኳን ኣይትውጽኡ
ዘሌ 8፡33።
ቅዱስን ሕያውን ዝዀነ እግዚኣብሔር ጐይታ
ሠራዊት ስሙ ይባረኽ። ገላጺ ምሥጢራት ኣምላኽና ንሱ እዩ`ሞ ነቶም ኣብ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ሰፊሮም ዘለዉ ሓቕታት ብቅኑዕ መገዲ ክንርዳእን
ክንቅበልን ጸጋኡ ይርድኣና። ዕላማ እዚ ጽሑፍ’ዚ ነቲ “ኣውራ ነገር” ምግላጽን ምግሃድን እዩ፡ ናይ ዕብራውያን ጸሓፊ ከምዚ ይብለና
ሕጂ ድማ ነዚ እንብሎ ዘሎና ኣውራ ነገሩ እዚ እዩ፡ ንሕናስ ኣብ ሰማያት ኣብ የማን ዝፋን ግርማ እተቐመጠ፡ ናይቲ፡ ጐይታ ደኣ እምበር፡ ሰብ ዘይተኸሎ መቕደስን ድንኳን ሓቅን ኣገልጋሊ፡ ከምዚ ዘመሰለ ሊቀ ኻህናት ኣሎና(ዕብ8፡1) ። “ኣውራ ነገሩ” ዚብል ቃል ኣተኲሮና ብዝግባእ ክቓኒ ዝግብኦ ሕያው ቃል`ዩ። እዚ ኣውራ ነገር እዚ
ኸኣ ዓቢ መሠረታዊ ትምህርቲ ክርስትና ብምዃኑ ክሽርሸርን ኽሽፈንን ዘይግብኦ ሓቂ ውን ስለ ዝዀነ ሓዋርያ ዓሠርተው ሰለስተ ምዕራፋት
ዘካተተ መልእኽቲ ጸሓፈ። ”ሎሚ ድምጹ እንተሰማዕኩም ልብኹም ኣይተትርሩ” ተባሂሉ ንዝተዋህበ ስምዕታ ብሸለልትነት ምስ እንሰግሮ
ኸኣ ፍርዱ ቀሊል ከም ዘይከውን ርዱእ እዩ። ኣብ ምድርና ካብ ብዙኅ ዘመናት ጀሚሩ ብቕሉዕ ንክህነት ኢየሱስ ክርስቶስ ዝቃወሙ ናይ
ሓሶት ዘርእታት ተዘሪኦም እዮም። ንኣማኢት ዓመታት ኣንጻር እዚ ትኹል ቃል ኣምላኽ ዝተኻየዱ ሰፋሕቲ ቅልሳት ውን ቀለልቲ ኣይኰኑን፡
እንተዀነ ቃል ኣምላኽ ስለ ዘይእሰርስ ኣብዞም ሎሚ ዘሎና ወለዶታት ሓቂ በጺሑ ይርከብ፡ ክብሪ ንእግዚኣብሔር ይኹን። ነዚ ኣብ ደም
ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተመሥረተ ዘለዓለማዊ ክህነት ኢየሱስ ክርስቶስ ክንርድእኣሉ ዘይከኣልና ክልተ ዓበይቲ መሠረታውያን ሽግራት ኣለዉ።
1. ንሥርዓት ክህነት ኣሮንን ደቁን ብግቡእ ዘይምርዳእ፡ 2. ንሥርዓት ክህነት መልከጼዴቅ ውን ፈሊኻ ዘይምፍላጥ እዩ። ነዞም ክልተ
ክህነታት ምስ እንርዳእ ከኣ ንዘለዓለማዊ ክህነት ኢየሱስ ክርስቶስ ምርዳእ ኣይክንሽገርን ኢና።
እግዚኣብሔር ንሕዝቢ እስራኤል ካብ
ምድሪ ግብጺ ብዘደንቕ ኃይሉን ብርትዐኡን ብደም ገንሸል ኣሳጊሩ ናብ ምድረ-በዳ ከም ዘምጽኦም መጽሓፍ ኦሪት ዘጸኣት ብግቡእ መዝጊብዎ
ይርከብ። እግዚኣብሔር ንሙሴ ናብ ነዊሕ እምባ ድኅሪ ምጽውዑ ኸኣ ንድንኳን ምስክርነት ኰነ ነቲ ኣብኡ ዝፍጸም ኩሉ ከመይ ገይሩ
ክሰርዕ ከም ዘለዎ ኣርኣዮ። እስራኤላውያን ብመገዲ ሙሴ ሕጊ ተዋህቦም፡ መሠረት እዚ ሕጊ ኸኣ ደም እንስሳታት ነበረ፡ እዚ ኸኣ
ኣብ መንጐ እግዚኣብሔርን ሕዝቢ እስራኤልን ዝተፈጸመ ኪዳን ነበረ። ኣምላኽ ከኣ ሕጊ መሠረት ዝገበረ ኣገልግሎት ክህነት ሠርዐ።
ካብ ብዘለዉ ዓሌት እስራኤል ንኣገልግሎት ኣምላኽ ዝተፈልዩ ዓሌት ሌዊ ነበሩ፡ ብፍሉይ ከኣ ንኣገልግሎት ክህነት ዝተፈልዩ ኣሮንን
ደቁን ጥራይ ነበሩ። ንስኻ ከኣ ንሓውኻ ኣሮን፡ ደቁ ድማ ምስኡ፡ ኣሮን ደቂ ኣሮን ከኣ፡ ናዳብን ኣቢሁን ኣልኣዛርን ኢታማርን፡ ካህናት ኪኰኑኒ፡ ካብ ማእከል ደቂ እስራኤል ናባኻ ኣቕርቦም(ዘጸ28፡1)።
ስለዚ እምበኣር ብዛዕባ እቲ ኣብታ
ቀዳመይቲ ኪዳን ዚነበረ ኣገልግሎት ክህነት ክንሓስብ ከሎና፡ ብዛዕባ እቶም ብኣምላኽ ዝተሾሙ ኣሮንን ደቁን ጥራይ ንሓስብ ከም ዘሎና
ክንጸር ዝግብኦ ሓቂ እዩ። ሽሕ`ኳ እዚ ኣገልግሎት እዚ ድኻም ብዘለዎም ካህናት ዝፍጸም እንተዀነ፡ ነዚ ክብሪ እዚ ግን ካብ ኣምላኽ
ዝተቐበልዎ ደኣ እምበር ማንም ከም ድላዩ ክፍጽሞ ዝኽእል ከም ዘይኰነ ብኣጽንዖት ክገልጽ እደሊ። ድኹም ስለ ዝኾነ፡ ከምቲ ምእንቲ
ሕዝቢ ከምኡ`ውን ምእንቲ ርእሱ፡ ስለ ኃጢኣት ክሥውዕ ይግደድ። ከም ኣሮን ብኣምላኽ ዝተጸውዐ እምበር፡ ነዚ ኽብሪ`ዚ ባዕሉ ኺወስዶ
ዚኽእል ሓደ`ኳ የልቦን(ዕብ5፡3-4)።
ሥርዓት ኣቀባብላ ክህነት ደቂ ኣሮን
ከመይ ምዃኑ ኣብ ዘሌዋውያን ምዕራፍ 8 ብዝርዝር ተጻሒፉ ይርከብ። ሙሴ ከምቲ ትእዛዝ እግዚኣብሔር ንኣሮንን ንደቁን (ናዳብ፡ኣቢሁ፡ኣልኣዛር ኢታማር) ኣብ ኣፍ ደፍ ድንኳን ምርኻብ ኣቕረቦም። ሕዝቢ እስራኤል ውን ኣብ ኣፍ ደገ ድንኳን ምርኻብ ተኣከቡ።
ሙሴ ንኣሮንን ንደቁን ብማይ ድኅሪ ምሕጻቡ ዘዝምልከቶም ኣልባሳት በብተርታ ኣልበሶም። “ንኣሮን ድማ ቐሚሽ ታሕቲ ኸደኖ፡ ብቅናት`ውን
ኣቐነቶ፡ ቀሚስ ላዕሊ ከዲኑ ኸኣ ኣብ ልዕሊኡ ኤፎድ ገበረሉ፡ በቲ ብብልሓት ዝተገብረ ቅናት ኤፎድ ድማ ኣቐነቶ፡ ኣብ ልዕሊኡ ኸኣ
ሳንቃ ኣፍ ልቢ ገበረሉ፡ ናብቲ ሳንቃ ኣፍ ልቡ ድማ ኡሪምን ቱሚምን ዚብሃሉ ነገራት ገበረሉ። ኣብ ርእሱ ኸኣ መጠምጠምያ ገበረሉ።
ኣብ ልዕሊ እቲ መጠምጠምያ`ውን ብሸነኽ ቅድሚት፡ ከምቲ እግዚኣብሔር ንሙሴ ዝኣዘዞ ብወርቂ ዝተሰርሐ ጌጽ፡ ቅዱስ ኣኽሊል ገበረሉ።
…..ናብ ርእሲ ኣሮን ድማ ኻብቲ መቕብኢ ዘይቲ ኸዓወሉ፡ ምእንቲ ክቅድሶ ኸኣ ቐብኦ(ዘሌ8፡6-9/12)። ብድኅሪ`ዚ ውን ሙሴ ንደቂ
ኣሮን ኣቅሪቡ ቀመውሽቲ ታሕቲ ኸዲኑ ብቕናውቲ ኣቐነቶም፡ መጠምጠምያታት ውን ገበረሎም። ከምቲ ኣብ ሕጊ ተጻሒፉ ዘሎ ኸኣ ኣገባብን
ሥርዓትን ኣቐራርባ መሥዋዕትታት ኣርኣዮም። እዚ ምቅባል ክህነት እዚ ኸኣ
ንሾብዓተ መዓልታት ዝጸንሕ ብምንባሩ ንሾብዓተ መዓልታት ካብ ኣፍ ደገ ድንኳን ምርኻብ ከይወጹ ኣዘዞም፡ ኣሮንን ደቁን
ከኣ ነቲ እግዚኣብሔር ብሙሴ ገይሩ ዝኣዘዞም ኩሉ ገበርዎ። በታ ሳምነይቲ መዓልቲ ኸኣ ሊቀ ካህናት ኣሮን ምስ ደቁ ኣገልግሎቶም
ጀመሩ፡ ከምቲ ሕጊ ዝእዝዞ ገይሮም ከኣ መሥዋዕትታት ኣቕረቡ። ነዚ ኣገልግሎት`ዚ ኣምላኽ ስለ ዝሰርዖ ከኣ ከምቲ ትእዛዙ ምስ ተኸናወነ
ሓዊ ካብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ወፀ። ነቲ ኣብ ልዕሊ መሠውዒ ዝነበረ ዚሓርር መሥዋዕትን ነቲ ስብሕታትን ከኣ በልዖ። ኲሎም እቶም
ሕዝቢ ምስ ረኣይዎ፡ እልል በሉ፡ ብገጾም ተደፊኦም ድማ ሰገዱ(ዘሌ9፡24)።
እዚ ክህነት እዚ ኣብ ዓሌት ኣሮንን
ደቁን ጥራይ ዝተመሥረተ እዩ። እቶም ካብዚ ዓሌት`ዚ ወጻኢ ዘለዉ ሌዋውያን ይኹኑ ካልኦት ነገዳት እስራኤል ኣብ መሠውዒ ብኽህነት ከገልግሉ ኣይፍቀደሎምን እዩ። ኣምላኽ
ንዕዮ ክህነት ክዓዩ ንኣሮንን ንደቁን ጥራይ መሪጹ`ዩ፡ ብቕዱስ ዘይቲ ዝፈለዮም። ኣሮን እቲ እንኮ መንጐኛ ሊቀ ካህናት ብምዃን
ካብቶም ድኻም ዘለዎም ኃጥኣን ሕዝቢ፡ ምእንቲ ሕዝቢ መሥዋዕትን መባእን ከቕርብ ዝተመርጸ ኣገልጋሊ እዩ።
Bless you more pieti hawey bruk
ReplyDeleteAmen
ReplyDelete