Wednesday, April 8, 2020

ከይትመውት ብፍጥነት መድኃኒትካ ወሓጦ!!!


ከይትመውት ብፍጥነት መድኃኒትካ ወሓጦ!!!



ሓደ ኣዝዩ ብሕማም ዝተጻዕረ ሰብ፡ መድኃኒት ናይ ሕማሙ ክረክብ ናብ ዶክተር`ዩ ዚኸይድ። እቲ ዶክተር ዘለዎ ኩነታት ብምምርማር፡ ከምኡ`ውን ስምዒታት `ቲ ሕማም ብምጽናዕን ምልላይን ሕሙም መፍትሒ ክረኽበሉ ዝኽእል መድኃኒት፡ ኣብ ወረቐት ጽሒፉ ይህቦ። ኣብቲ ወረቐት ነቲ ሕማም ገወግድ ዝኽእል ናይ መድኃኒት ዝርዝር እዩ ሰፊሩ ዘሎ። ነዛ ወረቐት እዚኣ ሕሙም ከንብባ ኣይግደድን`ዩ፡ ምኽንያቱ ሕሙም ናብቲ ዶክተር ዝኸደሉ ዕላማ ኣፈታትሓ እቲ ጽሕፈት ክመሃር ዘይኰነስ መድኃኒት ደልዩ እዩ። ነዚ ጽሑፍ`ዚ እቲ ዝምልከቶ ኣካል፡ ፋርማሲስት(ክኢላ መድኃኒት) ጥራሕ`ዩ ክርድኦ ዝኽእል። ዝሓመመ ሰብ ግን ነዚ ጽሑፍ እንተዘይ ኣንበብክዎ፡ እንተዘይ ተረዳእክዎ ብምባል ንዕኡ ንምርዳእ ዝሕግዝዎ፡ ሕክምናዊ መዝገበ  ቃላት ክገናጽል እንተተለመ፡ ክወስዶ ዝግብኦ መድኃኒት ብዘይ ምውሓጡ ካብ ንፍልጠት ንሞትን መቓብርን ዝቐረበ ሰብ`ዩ ዝኸውን። እቲ ቐንዲ ዛዕባ ዶክተር እንታይ ዓይነት መድኃኒት ጽሒፉ ዘይኰነስ፡ ብቕንዕና ንዝተኣዘዘ መድኃኒት ውሒጥካዮ`ዶ፧ ዚብል እዩ።

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኃጢኣት ንዝተባህለ ሕማም ከወግድ ዝኽእል መድኃኒት ተጻሒፍሉ ዝርከብ ወረቐት እዩ። ትእዛዝ እዚ መድኃኒት ሕሙም ክርድኦ ብዝኽእል ቛንቋ`ዩ ተጻሒፉ ዘሎ፡ ምኽንያቱ እቲ መድኃኒት ክእዝዝ ብቕዓት ዘለዎ ዶክተር እግዚኣብሔር፡ ነቲ መድኃኒት ሕሙም ክርድኣሉ ብዝኽእል ቛንቋ እዩ። ኩሉ ሕሙም መድኃኒቱ ምእንቲ ክፈልጥን ክርዳእን ብቛንቋ ሰብ ተጻሕፈ። እቲ መድኃኒት ኣበይ ከም ዝርከብ ኣብቲ ተዘርዚርሉ ዘሎ ወረቐት ስለ ዘሎ ኣበይ ክንረኽቦ ኢና ኢልና ኣይንጭነቕን ኣይንደናበርን`ውን ኢና። እዚ መድኃኒት`ዚ ኣብ ዝዀነ ካልእ ቦታ ኣይርከብን`ዩ። ብግበሩለይ ክገብረልካ ወይ ውን ብገንዘበይ፡ ብልፍዓተይ ክረኽቦ ይኽእል እየ ዘይበሃለሉ ፍሉይ መድኃኒት እዩ። ካብ ዝዀነ ይኹን መምህር፡ መጋቢ፡ ሊቅ፡ነቢይ፡ ቀሲስ ዓዲግካ ክርከብ ዘይከኣል እዩ። እዚ መድኃኒት`ዚ ካብ ሰማይ ናብ ምድሪ ዝተላእከ መድኃኒት እዩ፡ ስሙ ኸኣ ኢየሱስ እዩ።

v ብወዲ ዚኣምን ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣላቶ፡ እቲ ብወዲ ዘይኣምን ግና ቍጥዓ ኣምላኽ ደኣ ኣብኡ ይነብር እምበር፡ ንህይወት ኣይኪርእያን እዩ(ዮሃ3፡36)።


v እቲ ንቓለይ ዚሰምዖን በቲ ዝለኣኸኒ ዚኣምንን ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣላቶ። ንሱ ኻብ ሞት ናብ ህይወት ተሳገረ እምበር፡ ናብ ፍርዲ ኸም ዘይበጽሕ፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ(ዮሃ5፡24) ።

v እቲ ወዲ ዘለዎ ህይወት አላቶ፡ ወዲ ኣምላኽ ዜብሉ ህይወት የብሉን(1ዮሃ5፡12) ።

እዚ ኹሉ ኣብቲ መድኃኒት ተዘርዚርሉ ዝርከብ ወረቐት`ዩ ተጻሒፉ ዘሎ ። ሕሙም ትእዛዝ መድኃኒት ንዝተጻሕፎ ወረቐት ሒዝዎ ስቕ እንተበለ መድኃኒት ስለ ዘይረክብ ዘጓንፎ ሞት ጥራይ እዩ።
ንመጽሓፍ ቅዱስ ምናልባት ንልዕሊ 20 ዓመታት ስቕ ኢልካ ተሸኪምካዮ ወይ ኣብ ከብሕኻ ስለ ዘቐመጥካዮ ኣየጽድቕን እዩ። ንኽርክር ኰነ ብሓሳባት ንምርጻም እንተ ኣንበብካዮ`ውን ጽድቂ ኣይርከብን እዩ። ሕሙም ንዝተጻሕፈሉ መድኃኒት ገዚኡ እንተኣቐመጦስ እንታይ ይጠቕሞ፧ ክሳዕ ዘይወሓጦ ኸኣ ክሓዊ፡ ክፍወስ ኣይክእልን እዩ።
እዚ መድኃኒት ንኹሉ ዝተቐረበ እምነ-መኣዝን እዩ። ነቲ ብእኡ ዝኣምን ከም ሕያው እምኒ ዝገብር እዩ። ነቲ ዘይኣምን ከኣ ኣንደልሂጹ ዝሕምሽሽ`ዩ። ስለዚ ከኣ ነቲ ካብ ሰማይ ዝተኣዘዘ፡ ኣቦ ዝሓተሞ መድኃኒት ኣሚንና ክንቅበሎ፡ ክንውሕጦ ይግባእ። እዚ መድኃኒት`ዚ ንሕሙማት ብጸጋ(ብኸምኡ) ከድኅን ኣብ ቀራንዮ ዝርከብ እዩ። ለፊዐ፡ሰጊደ፡ ጸይመ፡ ደኺመ ክረኽቦ እየ ኣይትበል ወይ ውን ብገንዘብ ክገዝኦ`የ ኣይትበል፡ እንታይ ደኣ ኢየሱስ ጐይታ`ዩ ኢልካ ብኣፍካ ተመስከርካ፡ ብልብኻ ኸኣ ኣምላኽ ካብ ምዉታን ከም ዘተንስኦ ተኣመንካ ክትድኅን ኢኻ። ኢየሱስ ክርስቶስ ብደሙ ክዕድገካ ደኺሙ፡ነቢዑ፡ተሳቕዩ፡ ብገዓር ለሚኑ ኣብ ቅድሚ ኣቦ ውን ተሰሚዑ`ዩ። ኣምላኽ ነቲ መድኃኒት ክርስቶስ ብእምነት ብምውሓጥ ክትጸድቕ ኣዊጁ ኣሎ። ብግብሪ ዚርከብ ስለ ዘይኰነስ ብኸምኡ ማለት ከም ውህበት ዝተዋህበ ነጻ መድኃኒት እዩ። ነዚ መድኃኒት`ዚ ብእምነት ተቐበሎ`ሞ ድኅነትካ ኸኣ ብቕጽበት ክፍጸም`ዩ። ሕያው ስለ ዝዀንካ ኸኣ ኲነኔ ኣይክትርእይን ኢኻ። ውህበት ነቲ ዝቕበል ደኣ`ዩ ነጻ፡ ንወሃብስ ክቡር ዋጋ ዝተኸፍለሉ እዩ። ኣቦ መድኃኒት ኣዚዙልካ ኣሎ፡ ነዚ መድኃኒት`ዚ ብእምነት ተቐበሎ። ሕሙም ንግሉ ዝተኣዘዘሉ መድኃኒት ከም ትእዛዝ መሰረት ብግሉ`ዩ ነቲ መድኃኒት ዝውሕጦ። ኢየሱስ ክርስቶስ ብግሊ ክትውሕጦ ዝተዋህበካ መድኃኒት እዩ፡ ንዕኡ ከም ጐይታኻን መድኅን ሕይወትካን ጌርካ ተቐበሎ፡ ናይ ዘለዓለም ሕይወት ከኣ ክትረክብ ኢኻ። ንኣኻትኩም ብስም ወዲ ኣምላኽ እትኣምኑ ዘሎኹም፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት ከም ዘላትኩም ምእንቲ ኽትፈልጡ ኢለ እየ እዚ ጽሒፈልኩም ዘሎኹ(ዮሃ 5፡13)።  ኣምላኽ ንሰብ ዝሃቦ ካልእ መድኃኒት የልቦን፡ ንኻልእ ተስፋ ኣይትግበር ኣብ ሰማይ ኰነ ኣብ ምድሪ ካልእ መድኃኒት የለን። ንስኻ ምእንቲ ክትድኅን ኣምላኽ ወዱ ብሞት ክሕምሸሽ ፈቒዱ እዩ፡ እትኸፍሎ ዋጋ የልቦን ንስኻ ሕሙም ምዃንካ ኣብ ዙፋን ሰማይ እዉጅ`ዩ፡ ምእንቲ ክትድኅን ከኣ እዩ መድኃኒት ተኣዚዙልካ፡ ንኢየሱስ ብእምነት ናብ ሕይወትካ ጸውዓዮ። ሕማምካ ተላባዒ`ዩ እሞ ፍጠን፡ ንመድኃኒትካ ኢየሱስ ወሓጦ፡ ብቕጽበት ከኣ ክትድኅን ኣብ የማን ኣቦ`ውን ክትቅመጥ ኢኻ።

ምንጪ፡ ካብ ኣምሓረኛ ዝተተርጐመ ጽሑፍ

No comments:

Post a Comment