Sunday, May 31, 2020

ሊቀ ካህናት 7ይ ክፋል

ስለዚ ድማ ነቶም ብእኡ(ብኢየሱስ) ኣቢሎም ናብ ኣምላኽ ዚመጹ፡ ኵሉ ጊዜ ምእንታኦም ኪልምን ዚነብር ስለ ዝዀነ፡ ፈጺሙ ኼድሕኖም ይኽእል እዩ ዕብ7፡25። (7ይ ክፋል)


ሰማይን ምድርን ዝፈጠርካ ኣምላኸይ ስምካ ይባረኽ። ንስኻ ንውሉድ ወለዶ ህያው ኢኻ`ሞ አመስግነካ ኣሎኹ። ንሥርዓት ክህነት መልከጼዴቅ ብምሳሌ ዘቖምካ ንስኻ ኢኻ`ሞ እባርኸካ ኣሎኹ። ኦ ንጉሥ ሰላምን ጽድቅን ዝዀንካ እንኮ ሊቀ ካህናት ኢየሱስ ስምካ ይባረኽ። ብኣኻ ብምእማንና ብደምካ ድኅነትን ሕይወትን ኮይኑልና እዩ`ሞ እባርኸካ ኣሎኹ። ጐይታ መንፈስ ቅዱስ ንሕይወተይ ሓሉን ባርኽን፡ ንስኻ ምንጪ ሰላመይ ኢኻ፡ ስለ ኹሉ ነገር ንእግዚኣብሔር ኣቦ  ብስም ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ስብሐት ይኹን።

መልከጼዴቅ፡ ኣቦ ኾነ ኣደ ወይ ወለዶ የብሉን። ዝተወልደሉ መዓልታት ወይ ናይ ሕይወቱ መወዳእታ የብሉን(ዕብ 7፡3)

   3. ወለዶ ዘይብሉ ካህን

ካብ ዝሓለፉ ክፋላት ተረዲእናዮም ከም ዘሎና ኣብ ነገረ ሊቀ ካህንነት ኣሮን ብቐዳማይ ደረጃ ዝስራዕ መዐየሪ ሓረግ ወለዶ እዩ። ካብ ዘርኢ ኣሮን ዘይተወልደ ዘበለ ኹሉ ኸኣ ካህን ክኸውን ኣይክእልን እዩ። በዚ ምኽንያት`ዚ ኸኣ እዩ ኣብ መጻሕፍቲ ዜና መዋእል፡ ነህምያን እዝራን ዝርዝር ወለዶ ካህናት እንረክብ። ሓደ ሰብ ሓረግ ወለዱ ብዝግባእ ክሳዕ ዘየነጸረ ኸኣ ናይ ክህነት ኣገልግሎት ኮነ፡ ኣብቲ ንካህናት ጥራይ ዝተዋህበ ቅድስተ ቅዱሳን ክበልዕ ግደ የብሉን። ቅዱስ ዳዊት ኣብ ዘመኑ ንኣገልግሎት ካህናት ዚምልከት መዋቕርን ኣሰራርዓን ሰሪዑ ነበረ። ካብ ዘርኢ ኣልኣዛርን ኢታማርን ዚውለዱ ካህናት ከኣ ኣብ ዕስራን ኣርባዕተን ምድባት ተመቓቒሎም ኣገልግሎቶም ይፍጽሙ ነበሩ(1ዜና24፡1-19)። ኣብ መጽሓፍ ወለዶ፡ ወለድኡ ዘይተጻሕፈ ኸኣ ኣብ ኣገልግሎት ግደ ኣይነበሮን።  ካህንን ጸሓፍን ዝነበረ እዝራ ብዛዕባ እቲ ድኅሪ ምርኮ ኣብ ኢዮሩሳሌምን ይሁዳን ዝተመልሱ ምርኮኛታት ንካህናት ዚምልከት ጽሑፍ ጽሒፉ ኣሎ።

እቶም ካብ ምርኮ ዝተመልሱ ዓሌት ካህናት ከኣ እዞም ዚስዕቡ እዮም (4289)፦ እዝራ ምዕራፍ ክልተ

Ø ደቂ የዳዕያ ካብ ቤት ኢያሱ 973

Ø ደቂ ኢመር 1052

Ø ደቂ ፋሽሑር 1247

Ø ደቂ ሓሪም 1017

 

ካብ ካህናት ከኣ ደቂ ሓባይ፡ደቂ ሃቆጽ፡ ደቂ ባርዚላይ።(ባርዚላይ ካብ ኣዋልድ ባርዚላይ ጊልዓዳዊ ሰበይቲ ዝወሰደ ብስሞም`ውን ዝተሰምየ እዩ። እዚኣቶም ጽሕፈት ወለዶኦም ደልዮም ስለ ዘይረኸብዎ ከም ዘይንጹሓት ተቘጽሩ፡ ብኽህነት ከየገልግሉ ድማ ተኸልከሉ። ገዛኢ እታ ሃገር ከኣ፡ ብኡሪምን ብቱሚምን ዜገልግል ካህን ክሳዕ ዝትንሥእ ካብቲ ዝተቐደሰ ቊርባን ከይበልዑ ኸልከሎም።

“ጽሕፈት ወለዶ” ንካህናት ክሳዕ ክንድ ምንታይ ኣገዳሲን ወሳንን ምንባሩ ኣጸቢቕና ተመልኪትና ክንከውን ተስፋ እገብር። “ጽሕፈት ወለዶ” ዘይብሉ ሰብ ከኣ ከም ዘይንጹሕ ተቖጹሩ ካብ ክህነትን ካብ ምብላዕ ዝተቐደሰ ቊርባንን ይኽልከል ከም ዝነበረ መጽሓፍ ቅዱስ መዝጊቡልና ኣሎ፡ ኲሎም ካህናት ደቂ ኣሮን ከኣ በዚ መሥመር ተዓይይሮም እዮም ካህናት ዝኾኑ።

እዚ ሕጂ ንዛረበሉ ዘሎና ካህንን ንጉሥን ግን ከምኦም ኣይኮነን። ጽሕፈት ወለዶኡ`ኳ እንተዘይሃለወ ንሱ ግን ካህን ልዑል ኣምላኽ እዩ። መልከጼዴቅ ካብ ወገን ሰብ እዩ፡ ብርግጽ ከኣ ኣቦን ኣደን ኣለዉዎ። ንሱ ካህን ልዑል ኣምላኽን ንጉሥን ብምዃን ኣብ ሳሌም ዝነበረ እዩ። ንሱ ግና መጽሓፍ ወለዶኡ ኣብ መጽሕፍቲ ዘይሰፈረ፡ መዓስ ከም ዝተወልደ፡ መዓስ ውን ከም ዝሞተ ዘይተመዝገበ  ብምዃኑ መጽሓፍ ቅዱስ ወለዶ ዘይብሉ ካህንን ንጉሥን ይብሎ። ካብ ካህናት ደቂ ኣሮን ዝፈልዮ ኸኣ እዚ እዩ፡ ንሱ ኣብቲ ብዛዕባ ካህናት ዝተጻሕፈ መጽሓፍ የሎን፡ ኣምላኽ ከኣ ብመደብ`ዩ ከምኡ ዝገበረ፡ ምኽንያቱ መልከጼዴቅ መጀመርታን መወዳእታን ከም ዘይብሉ ክርስቶስ ኢየሱስ ከኣ መጀመርታን መወዳእታን ዘይብሉ፡ ኣብ መጽሓፍ ወለዶ ካህናት ዘየለ ካህን ምዃኑ ዝገልጽ እዩ። ኣብ ጽሑፍ ወለዶ ካህናት ዘይምህላዉ ንሱ ምሳሌ ወዲ ኣምላኽ ኮይኑ ዘገልግል እዩ። ኢየሱስ ክርስቶስ ከኣ ክህነቱ ዘለዓለማዊ ምዃኑ፡ ብምትኽኻእ ወለዶታት ዘይቅጽል፡ ብሞት ዘይግደብ ክህነት ከም ዝውንን ዝሕብር መጽሓፍ ቅዱሳዊ ምሥጢር እዩ።


Thursday, May 28, 2020

ሊቀ ካህናት 6ይ ክፋል( መልከጼዴቅ መን`ዩ፧)


ስለዚ ድማ ነቶም ብእኡ(ብኢየሱስ) ኣቢሎም ናብ ኣምላኽ ዚመጹ፡ ኵሉ ጊዜ ምእንታኦም ኪልምን ዚነብር ስለ ዝዀነ፡ ፈጺሙ ኼድሕኖም ይኽእል እዩ ዕብ7፡25። (6ይ ክፋል)

ሰማይን ምድርን ዝፈጠርካ ኣምላኸይ ስምካ ይባረኽ። ንስኻ ንውሉድ ወለዶ ህያው ኢኻ`ሞ አመስግነካ ኣሎኹ። ንሥርዓት ክህነት መልከጼዴቅ ብምሳሌ ዘቖምካ ንስኻ ኢኻ`ሞ እባርኸካ ኣሎኹ። ኦ ንጉሥ ሰላምን ጽድቅን ዝዀንካ እንኮ ሊቀ ካህናት ኢየሱስ ስምካ ይባረኽ። ብኣኻ ብምእማንና ብደምካ ድኅነትን ሕይወትን ኮይኑልና እዩ`ሞ እባርኸካ ኣሎኹ። ጐይታ መንፈስ ቅዱስ ንሕይወተይ ሓሉን ባርኽን፡ ንስኻ ምንጪ ሰላመይ ኢኻ፡ ስለ ኹሉ ነገር ንእግዚኣብሔር ኣቦ  ብስም ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ስብሐት ይኹን።

እቲ ኻህን ልዑል ኣምላኽ ዝኾነ መልከጼዴቅ ንጉሥ ሳሌም ድማ እንጌራን ወይንን ኣምጽአ(ዘፍ14፡18)።

ኣቦ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብኹሉ ዘድልየና ነገር ባሪኹና`ዩ`ሞ ምስጋና ይኹኖ። ነዚ ዓቢይ ምሥጢር ኣምላኽ ምእንቲ ክንርዳእ ብክርስቶስ ኢየሱስ ጸጋኡ ዘፍሰሰልና ክብሪ ይኹኖ። ኣብ ቀዳሞት 5 ክፋላት ንሊቀ ካህንነት ኣሮን ተመልኪትና ነይርና፡ እነሆ ሕጂ  ኸኣ ንክህነት መልከጼዴቅ ብመንጽር ቅዱስ መጽሓፍ ክንምልከት ኢና፡ ጐይታ ምሥጢሩን ጸጋኡን የብዝኃልና። ካብ ዘፍጥረት ክሳዕ ራእይ ዮሃንስ ተዘርጊሑ ኣብ ዘሎ ቃል ኣምላኽ፡ ብዛዕባ መልከጼዴቅ ዝተባህለ ንጉሥ ሳሌምን ካህን ልዑል ኣምላኽን ኣብ ዘፍ 14፡17-23/ መዝ 110፡4/ ዕብ7 ጥራይ ተጠቂሱ ወይ ተገሊጹ ንረክብ። እንታይነት እዚ ካህንን ንጉሥን ዝኾነ ሰብ ምስ እንርዳእ ከኣ መለኮታዊ መልእኽቲ ኣምላኽ ክንርድኦ ቀሊል እዩ።

ብዘመን ኣምራፌል ንጉሥ ሰናኦር(ባቢሎን)፡ ንጉሥ ኣምራፌል ዝርከቦም ኣርባዕተ ነገሥታት ምስ 5ተ ነገሥታት ምድሪ ከንኣን ከም ዝተዋግኡ እሞ ንጉሥ ሰዶም ዝርከቦም ሓሙሽተ ነገሥታት ኣብ ውግእ ከም ዝተሳዕሩ መጽሓፍ ቅዱስ ይነግረና። ኣብራም ንወዲ ሓዉ ሎጥ ከድኅን 318 ዕጡቓት ኣገልገልቱን ምስ ሰብ ኪዳኑን ተንሲኡ፡ ኬዶርላኦሜር ዝርከቦም 4 ነገሥታት ስዒሩ ክምለስ ከሎ፡ ንጉሥ ሰዶምን ካህን ልዑል ኣምላኽን ንጉሥ ሳሌምን  ዝኾነ መልከጼዴቅ  ኣብ ለሰ ሻዌ ክቕበልዎ ወጹ። ካህን ልዑል ኣምላኽን ንጉሥ ሳሌምን ዝኾነ መልከጼዴቅ ከኣ ነቲ ኣቦ ደቂ እስራኤል ዝኾነ ኣብራም ባረኾ። ኅብረቱን ፍቕሩን ምእንቲ ክገልጸሉ ኸኣ እንጌራን ወይንን ኣምጽአ፡ ኣብራም ከኣ ካብቲ ዝማረኾ ዕሽር ሃቦ። እዚ ነቲ ዓቢይ ኣቦና ዝባርኽ ዘሎ ካህንን ንጉሥን ዝኾነ መልከጼዴቅ ማዕረ ኽንደይ`ኮን ዓቢይ`ዩ፧ ፍሉይ መለለዪ መልከጼዴቅ እንታይ`ዩ፧

  1.   1. ትርጉም ስሙ፦ መልከጼዴቅ ማለት ንጉሥ ጽድቂ ወይ ንጉሥ ሳሌም(ሻሎም) ማለት`ዩ። ጽድቅን ሰላምን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጣሚሮም ኢና እንረኽቦም።  ግብሪ ጽድቅስ ሰላም፡ ፍረ ጽድቂውን ህድኣትን ደሓንን ንዘለኣለም ኪኸውን እዩ(ኢሳ32፡17።  ለውሃትን ሓቅን ተራኸባ፣ ጽድቅን ሰላምን ተሳዓዐማ(መዝ85፡10)። ሓቀኛ ጽድቂ ምንጪ ሓቀኛ ሰላም እዩ። ምስ ኣምላኽ ሓቀኛ ዝኾነ ሰላም ከነስተማቕር እንተኾይንና ብግዲ ኣብ ቅድሚኡ ጻድቃን(ቅዱሳን) ክንከውን ኣሎና። ሰብ ሕጊ ብምፍጻም ክጸድቅ ኣይክእልን`ዩ ስለዚ ኸኣ ሓቀኛ ሰላም የብሉን። ሰብ በቲ ንኃጥኣን ከድኅን ዝኽእል ኢየሱስ ምስ ዝኣምን ከኣ እምነቱ ጽድቂ ኮይኑ ይቑጸረሉ፡ ብደም ክርስቶስ ምስ ኣምላኽ ስለ ዝተዓርቀ ኸኣ ብደም ወዱ ምስ ኣቦ ሰላም ኣለዎ።
  2. 2. ንግሥነትን ክህነትን ዝውንን እዩ፦ ኣብ መዝገብ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ዝፋንን መቕደስን ሓድሕዶም ዝተፈላለዩ እዮም። እቲ ሓደ ኣብቲ ካልእ ክኣቱ ኮነ ክሳተፍ ከኣ ኣይክእልን እዩ። መልከጼዴቅ ግን ካህን ልዑል ኣምላኽ(ፈጣሪ ሰማያትን ምድርን) ጥራይ ዘይኮነስ እንኮላይ ንጉሥ ሳሌም እዩ። ኣሮን ካህን ደኣ ነበረ እምበር ንጉሥ ኣይነበረን፡ ዳዊት ከኣ ንጉሥ ደኣ ነበረ እምበር ካህን ኣይነበረን። መልከጼዴቅ ግን ክህነትን ንግሥነትን ጠሚሩ ዝሓዘ ሰብ`ዩ ዝነበረ። ንጉሥ ዑዝያ ዕጣን ክዓጥን ናብ መቕደስ ኣምላኽ ድኅሪ ምእታዉ፡ ብቅጽበት መቕጻዕቲ ልዑል ኣምላኽ ኣብኡ ወረደ እሞ ለምጻም ኮነ ክሳዕ ዕለተ ሞቱ ውን ከምኡ ኢሉ ነበረ። ንሳቶም ንንጉስ ዑዝያ ተቓወምዎ፡ ከምዚ ኢሎም ከኣ ተዛረብዎ፡ ዑዝያ፡ ንእግዚኣብሄር ዕጣን ምዕጣንሲ ናይቶም ኪዐጥኑ እተቐደሱ ኻህናት ደቂ ኣሮን እዩ እምበር፡ ናትካ ኣይኰነን። በዲልካ፡ እዚ ኸኣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣይኬኽብረካን እዩ እሞ፡ ካብ ቤት መቅደስ ውጻእ(2ዜና26፡18)። ፍሉይነት እቲ ካህን ልዑል ኣምላኽን ንጉሥ ሳሌምን ዝኾነ መልከጼዴቅ እምበኣር እዚ እዩ፡ ንሱ ክህነትን ንግሥነትን ዘላፈነ፡ ንኣቦና ኣብራም ዝባረኸ፡ ካብኡ`ውን ዕሽር ዝተቐበለ ዓቢይ ሰብ እዩ።

 

ካብ እግዚኣብሔር ኣቦናን ካብቲ ኸም ፍቓድ ኣቦና ኣምላኽ፡ ካብዛ ሕጂ ዘላ እክይቲ ዓለም ምእንቲ ኼድሕነና ኢሉ፡ ብሰሪ ሓጢኣትና ነፍሱ ዝሃበ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን፡ ጸጋን ሰላምን ይውረድኩም።

 

………ይቅጽል……………

 


Monday, May 25, 2020

ቅጥዒ ግምገማ ገንሸል ኣምላኽ


ሰላም ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ምስኩላትኩም ይኹን ፍቑራትን ብሩኻትን ኣኅዋተይን ኣሓተይን። ጸጋ ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ስለ ዝረድኣና ብመጠንቲ ዓቢ ምሕረቱ ክሳዕ እዛ ሰዓት ተሓሊና ኣሎና። www.genshel.com  ዝልቀቕ ኣገልግሎት ጽሑፍ፡ በብእዋኑ ግምገማ ክግበረሉ፡ ርእኢቶታትን ሓሳባትን ተሳተፍቲ ውን ክእክብ ብምሕላነይ እነሆ ሎሚ ፈላሚ ግምገማ እዚ ዝሓለፉ ኪደታት ክንገብር ቅጥዒ ተዳልያ ኣላ። ርኢቶታትኩም ኮነ ሓሳባትኩም ንዕቤትን ዝርግሐን`ዚ ኣገልግሎት ወሳኒ ብምዃኑ ግዜኹም ሂብኩም ነዛ ቅጥዒ ክትምልከትዋ ብፍቕሪ ክርስቶስ እዕድመኩም ኣሎኹ ጸጋ ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ኩላትኩም ይኹን፡ ምእንታይን ምእንቲ`ዚ ናይ ጽሑፍ ኣገልግሎትን ጸልዩ።


 እዚ እቲ ቅጥዒ እዩ፡ ነዚ ጥብቆ ብምጥዋቕ ግምገማኹም ሃቡ

Thursday, May 21, 2020

ሊቀ ካህናት 5ይ ክፋል


ስለዚ ድማ ነቶም ብእኡ(ብኢየሱስ) ኣቢሎም ናብ ኣምላኽ ዚመጹ፡ ኵሉ ጊዜ ምእንታኦም ኪልምን ዚነብር ስለ ዝዀነ፡ ፈጺሙ ኼድሕኖም ይኽእል እዩ ዕብ7፡25። (ሓሙሻይ ክፋል)


መስተንክር ዝኾንካ ኣምላኸይ ስምካ ይባረኽ። ንስኻ በይንኻ ጐይታ ኢኻ ንዓኻ ንበይንኻ አምልኽ እእዘዝ`ውን ኣሎኹ። ብኹሉ ዘመን ሕይወተይ ሓላውየይ ንስኻ ኢኻ`ሞ ተባረኽ። ናፍቖት ልበይ ንስኻ በይንኻ ኢኻ ብዘይካኻ ሓደ`ኳ ንጉሥ የብለይን። ኦ ቅዱስ ኣቦይ ስምካ ይባረኽ። ንሓደ ወድኻ ኢየሱስ ክርስቶስ መድኅነይ ክኸውን ዝሃብካኒ ንስኻ ኢኻ`ሞ ተባረኽ። ብእኡ ካብ ማእሠር ኃጢኣት ተፈቲሐ ነጻ ኾንኩ፡ ደሙ ኃጢኣት ክሓጽብ ዝኽእል መድኃኒት እዩ፡ ኦ ኢየሱስ ሊቀ ካህናት ስምካ ይባረኽ። ጐይታ መንፈስ ቅዱስ ምስትውዓል ሃበኒ፡ ንልቢ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ክትበጽሕ ከኣ እልምነካ ኣሎኹ። ንምድርና ብወንጌል ኢየሱስ ክርስቶስ ባርካ። ስለ ኹሉ ነገር ንእግዚኣብሔር ኣቦ ብስም ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ስብሐት ይኹን።

እምበኣርሲ ኣታ ኢያሱ ሊቀ ካህናት፡ ስማዕ ንስኻትኩም`ውን ኣቱም ብጾቱ ዝኾንኩም ካህናት፡ ናይቲ ኪመጽእ ዘለዎ ሠናይ ነገር ትእምርቲ ዝኾንኩም ሰባት፡ ስምዑ፦ እነሆ ኣነ ነቲ ጨንፈር ዝበሃል ባርያይ ከምጽኦ እየ(ዘካ3፡8-9)።

እቲ ከም እሙናት ቆጺሩ ምሥጢሩ ክገልጸልና ዝፈተወ ኣምላኽ ስሙ ይባረኽ። ንሱ ብክርስቶስ ኢየሱስ ገይሩ ነዚ ዘለዓለማዊ ምሥጢሩ ኣካፈለና። እቲ ካብ ጥንቲ ሥዉር ዝነበረ፡ ብጽሕፈት ነቢያት ሎሚ ተጋሂዱ ኣሎ(ሮሜ16፡26)። ኣብ ዝሓለፉ ኣርባዕተ ክፋላት ንሊቀ ካህንነት ኣሮን ዚምልከት ርኢናን ተዓዚብናን ነይርና፡ ብርግጽ ከኣ ዝተሓላለኹ ብሂላት ኰነ ፍጻሜታት ከኣ ብቓል ኣምላኽ ዓቂንና ምስቲ ሓቀኛ ዝኾነ ምስክር ንሱ ኸኣ ቃል ኣምላኽ ወጊንና ኣሎና። ኣምላኽ ዝሰርዖ ሊቀ ካህንነት ኣሮን፡ ንደቂ እስራኤል ጥራይ ዝተዋህበ ምዃኑ`ውን ኣጸቢቕና ተረዲእና ኣሎና። እዞም ሊቃነ ካህናት እዚኦም ናይቲ ኪመጽእ ዘለዎ ሠናይ ነገር ትእምርቲ ምዃኖም ውን ቃል ኣምላኽ እነሆ ብግልጺ ይነግረና። ንሳቶም ነቲ “ባርያይ” ተሰምዩ ዘሎ ክመጽእ ዘለዎ ሠናይ ነገር ትእምርቲ እዮም። ኣውራ ኣገልግሎት ሊቃነ ካህናት ግን እንታይ እዩ፧ ንዝብል ሕቶ ሎሚ ክንርኢ ኢና።

ሊቀ ካህን ዘበለ ካብ ሕዝቢ፡ ምእንቲ ህዝቢ ዝምረጽ ኣገልጋሊ እዩ። መጽሐፈ ኦሪት ዘሌዋውያን ብዛዕባ ተግባር ዕዮኡ`ኳ ዘርዚሩ እንተሃለወ እቲ ዋና ስራሕ ሊቀ ካህናት ግን መንጐኛነት እዩ። ኣብ ዘሌዋውያን ምዕራፍ 16 ሰፊሩ ከም ዘሎ፡ በታ መዓልቲ ኅድገት ኃጢኣት ሓንሳእ ኣብ ዓመት ዝፍጸም ተግባር ኣሎ። ብቛንቋ ዕብራይስጥ “ዮም ኪፑር” ትበሃል። ሊቀ ካህናት ዘበለ ንብዘሎ ሕዝቢ ወኪሉ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዝርአ ኣገልጋሊ እዩ። ንሱ ድኻም ዘለዎ ብምዃኑ ቅድሚ ምእንቲ ኅድገት ኃጥኣት ሕዝቢ ምሥውዑ፡ ምእንቲ ገዛእ ርእሱን ቤቱን ዝራብዕ ብምስዋዕ፡ ንደሙ ሒዙ  መጋረጃ ሰጊሩ ናብ ውሽጢ ቅድስተ ቅዱሳን ብምእታው ንደሙ ኣብ ልዕሊ ናይ ሥርየት መኽደኒ ሾብዓተ ሳዕ ብምንጻግ ሥርየት ገዛእ ርእሱን ቤቱን ይረክብ። እዚ ሊቀ ካህናት`ዚ ናብቲ ክብሪ እግዚኣብሔር ዝግለጸሉ ኩሉ ሳዕ ኣይኣትዉን`ዩ እንታይ ደኣ ሓንሳእ ኣብ ዓመት ደም ሒዙ`ዩ ዝኣቱ፡ ብዘይ ደም እንተኣተወ ግን ብሞት`ዩ ዝቕጻዕ። ሊቀ ካህናት ዘበለ ንዕኡ ጥራይ ተባሂሉ ዝተዳለወ ፍሉይ ኣልባሳት ተኸዲኑ፡ ኣብ ደረቱ ሳንቃ ኣፍ ልቡ፡ ኣስማት ዓሠርተው ክልተ ነገደ እስራኤል ጸይሩ፡ ኡሪምን ቱሚምን ዚበሃሉ ኣእማን ኣብ የማነ ጸጋ ኤፎዱ ጸይሩ፡  ኣብ ጽንሃ ጓህሪ መሊኡ፡ ሕፍኒ ዕጣን ብምሓዝ ንዕኡ`ውን ኣብቲ ጓህሪ ብምእታው`ዩ ናብ ውሽጢ ቅድስተ ቅዱሳን ዝኣቱ።እዚ ካህን`ዚ ኣብቲ ክብሪ እግዚኣብሔር ዝግለጸሉ ቦታ ንብዘሎ ሕዝቢ እስራኤል ጸይሩ ተሰኪሙ`ዩ ዘሎ። ነቲ ብጨሔሎ ዘምጽኦ ደም ከኣ ሾብዓተ ሳዕ ኣብቲ ኣብ ልዕሊ ታቦት ዘሎ ናይ ሥርየት መኽደኒ ይነጽጎ። ኣዕይንቲ እግዚኣብሔር እስራኤላውያን ነቲ ተነቢሩ ዘሎ ኣብ ኣእማን ዝተጻሕፈ ሕጊ(10 ትእዛዛት) ክዕዘባ ከለዋ ንሶም ነቲ ሕጊ ብምፍራሶም በደለኛታት ምዃኖም`የን ዝርእያ። ዓስቢ ኃጢኣት ሞት ከም ዝኾነ ከኣ ንዕኦም ውን ሞት`ዩ ዝግብኦም። ጽድቂ ኣምላኽ ዚግለጸሉ ፍትሓዊ ፍርዲ ተፈጺሙ፡ ኣብ ክንዲ በደል ከኣ ሕይወት ከም ዝሓለፈ ዘርኢ ደም ኣብቲ ናይ ሥርየት መኽደኒ ክንጸግ ከሎ እቶም ሕዝቢ ኅድገት ኃጢኣት ይረኽቡ። ኣዕይንቲ ሕያው ኣምላኽ፡ ነቲ ብሰሪ ምፍራስ ሕጊ ዝተፈጸመ በደል ምእንቲ ከይርእያ ኸኣ እቲ ዝተነጽገ ደም ንብዘሎ ኃጢኣት ሸፈኖ፡ ኣዕይንቱ ኸኣ ነቲ ደም ተመልካታ`ሞ፡ ካብቲ ዙፋን ከኣ ምሕረት ወጸ።

ኣብዛ መዓልቲ ኅድገት ኃጢኣት ውን ዝፍጸም ካልእ ፍጻሜ ኣሎ። እቲ ሊቀ ካህናት ክልተ ድቤላታት ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ብምቕራብ፡ ሓዲኦም ንእግዚኣብሔር፡ እቲ ኻልእ ከኣ በደል ጸይሩ ናብ በረኻ ንኽኸይድ ዕጫ የውድቀሎም። ነቲ ብዕጫ ንእግዚኣብሔር ዝበጽሐ ሓሪዱ ንደሙ ኸኣ ናብ ቅድስተ ቅዱሳን ሒዝዎ ብምእታው ኣብ ልዕሊ ናይ ሥርየት መኽደኒ ይነጽጎ፡ ነቲ ሕዝቢ ኸኣ ኅድገት ኃጢኣት ይረኽበሉ፡ በቲ ደም እንስሳታት ከኣ ንቅድስተ ቅዱሳንን ንመሠውዕን ኣንጺሑ ምስ ወድአ ነቲ ብሕይወቱ ዘሎ ድቤላ የቕርቦ።ነዚ ናይ ምንጻህ ሥርዓት ብዘይካ እቲ ሓደ ሊቀ ካህናት ካልእ ክፍጽሞ ኣይክእልን`ዩ። ብዘለዉ ሕዝቢ እስራኤል ብመንጎኛነት እዚ ሊቀ ካህን`ዚ እንተዘይኮይኑ ናብ ኣምላኽ ክቀርቡ፡ ናብ ቅድስተ ቅዱሳን ክኣትዉ ኣይክእሉን እዮም። ናብ ቅድስተ ቅዱሳን ደም እንስሳታት ብምሓዝ ኣብ ዓመት ሓንሳእ ክኣቱ ብኣምላኽ ዝተሾመ በይኑ ንሱ(ኣሮንን ደቁን)ጥራይ እዩ።

ኣሮን ድማ ኽልቲኡ ኢዱ ኣብ ርእሲ እቲ ብሕይወት ዘሎ ድቤላ የንብር እሞ፡ ብዂሉ ኽፍኣት ደቂ እስራኤልን ብዂሉ በደሎምን ብዂሉ ኃጢኣቶምን ኣብ ልዕሊኡ ይናዘዝ፡ ኣብ ርእሲ እዚ ድቤላ ኸኣ የንብሮ፡ በቲ ነዚ ዝተመደበ ሰብኣይ ገይሩ ድማ ንምድረ በዳ ይስደዶ። እቲ ድቤላ ኸኣ ብዂሉ ኽፍኣቶም ኣብ ልዕሊኡ ጸይሩ ናብ ጽምዊ ቦታ ይኺድ፡ እቲ ሰብኣይ ድማ ንበረኻ ይፈንዎ(ዘሌ16፡21-22)። እቲ ሊቀ ካህናት ንብዘሎ በደልን ኃጢኣትን እስራኤል ተናዚዙ ኣብቲ ድቤላ ምስ ኣንበሮ፡ እቲ ንጹህ ድቤላ ዓስቢ ኃጢኣት ዝኾነ ሞት ጸይሩ ናብ ምድረበዳ ብሕይወቱ ከሎ ይኸይድ፡ እዚ ኸኣ ምሥጢር ቤዛነት እዩ።

ስለዚ እምበኣር እዚ ሊቀ ካህናት`ዚ ኣብ መንጐ እግዚኣብሔርን ደቂ እስራኤል ዘገልግል መንጐኛ እዩ። ንሱ ደም ከይኃዘ ናብ ቅድስተ ቅዱሳን ኣይኣቱን እዩ፡ እዚ ተግባር`ዚ ኸኣ ሓንሳእ ኣብ ዓመት ዚፍጸም እዩ። እዚ ሊቀ ካህናት`ዚ ክሳዕ ክንድ ምንታይ ኣገዳሲ ምዃኑ`ሞ ንመልከት፧ እዚኣቶም ግን ናይቲ ክመጽእ ዘለዎ ሠናይ ነገር ትእምርቲ ነበሩ። ሽሕ`ኳ እዚ ተግባርዚ ብኣምላኽ ዝተሰርዐ እንተነበረ ንሰባት ግን ፍጹም ዝገሮም ኣይነበረን። ደም ገናሽልን ደዓውልን ኃጢኣት ዓለም ከወግዱ ዝኽእሉ ኣይነበሩን። “እቲ ሊቀ ካህንነት፡ እቲ ዝቐርብ ዝነበረ መሥዋዕታት፡ እቲ ዝቐርበሉ ዝነበረ መቕደስ ውን ፍጹማን ኣይነበሩን። ንሳቶም ነቲ ተደጋጊሙ ዝቐርብ ዝነበረ መሥዋዕቲ ከቕርቡ ኸለዉስ መንፈስ ቅዱስ ዘለዓለማዊ ምሥጢር የረድኦም ነበረ። ድኻም ዘይብሉ ካህን፡ ብሞት ክዕገት ዘይክእል ኣገልግሎት፡ ካብ ኃጥኣን ዝተፈልየ ምእንቲ ገዛእ ርእሱ መሥዋዕቲ ዘየቕርብ ካህን፡ ናይ ገዛእ ርእሱ ደም ሒዙ ናብ ቅድስተ ቅዱሳን ዝኣቱ፡ ሰብ ኣብ ዝሰርሖ ምድራዊ መቕደስ፡ ዘይኮነስ ኣብታ ሰማያዊት መቕደስ ዝቐውም ብርቱዕ ካህን፡ ሓንሳዕ ብዝፍጽሞ ቤዛነት ናይ ዘለዓለም ድኅነት ክህብ ዝኽእል እንኮ መንጐኛ ከም ዝመጽእ ይነግሮም ነበረ”። 

ሊቀ ካህንነት ኣሮን ትእምርቲ ናይቲ ክመጽእ ዘለዎ ሠናይ ነገር ጥራይ`ዩ ዝነበረ፡ እሞ እቲ ሓቀኛን ቀንድን ሊቀ ካህናት`ከ መጺኡ`ዶ፧ ቅዱስ ጳውሎስ ከምዚ ይብል ፦ ክርስቶስ ግና ናይቲ ድሮ መጺኡ ዘሎ ሠናይ ነገር ሊቀ ካህናት ኮይኑ መጸ። ኣብቲ ብኢድ ሰብ ዘይተገብረ፡ ካብዚ ፍጥረት እዚ ዘይኮነ ብሉጽን ፍጹምን ድንኳን ኣተወ። ደም ድቤላታትን ምራዂትን ዘይኮነስ፡ ናይ ገዛእ ርእሱ ደም ኂዙ፡ ዘለዓለማዊ ድኅነት ረኺቡልና ሓደ ጊዜ ንሓዋሩ ናብታ ቅድስተ ቅዱሳን ኣተወ(ዕብ9፡11)። ቡሩኻት ኣኅዋተይን ኣኃተይን ናብ ቅድስተ ቅዱሳን ብዘይ ደም ኣይእቶን እዩ። ኣሮን ኮነ ደቁ ንእስራኤል ወኪሎም፡ ንኣስማት ነገዳቶም ጸይሮም፡ ናብ ቅድስተ ቅዱሳን ደም ኂዞም ይኣትዉ ከም ዝነበሩ፡ ክርስቶስ ውን ኣስማትና ጸይሩ ናብ ቅድስተ ቅዱሳን ክኣቱ ከሎ ብዘይ ደም ኣይኣተወን። ናብ ቅድስተ ቅዱሳን`ዶ ክትኣቱ/ትዊ ትደሊ/ዪ ኢኻ/ኺ፧ ንኢየሱስ ብምእማን ንዕኡ ብምቕባል፡ ብደሙ ናብ ቅድስተ ቅዱሳን እተዉ፡ ሳላ ደሙ መጋረጃ ተቐሊዑ`ዩ ንኢየሱስ ከም መንጐኛ ብምቕባል ምስ ኣቦ ተዓረቑ። ጸጋ ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ኩላትኩም ይኹን።

ስለዚ ኣኅዋተይ ሳላ ደም ክርስቶስ ናብ ቅድስተ ቅዱሳን ዜእቱ እምንቶ ረኺብና ኢና። እንኣትዎ ኸኣ በቲ መጋረጃ፡ ማለት ብሰብነቱ ዝተኸፍተ ሓድሽን ሕያውን ዝኾነ መገዲ ኣቢልና ኢና። ኣብ ቤት ኣምላኽ ዓቢይ ካህን ኣሎና(ዕብ 10፡19-21)

Friday, May 15, 2020

ሊቀ ካህናት 4ይ ክፋል



ስለዚ ድማ ነቶም ብእኡ(ብኢየሱስ) ኣቢሎም ናብ ኣምላኽ ዚመጹ፡ ኵሉ ጊዜ ምእንታኦም ኪልምን ዚነብር ስለ ዝዀነ፡ ፈጺሙ ኼድሕኖም ይኽእል እዩ ዕብ7፡25። (ራብዓይ ክፋል)


ሰማያዊ ቅዱስ ዝኾንካ ኣምላኸይ አመስግነካ ኣሎኹ፡ ንልበይ ከም ፍቓድካ ብጸጋኻ ምልኣዮ፡ እወ ኦ ጐይታ ብሓሳብካ ጥራይ ከገልግል ርድኣኒ። እቲ ንስኻ ኣብ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ዘቐመጥካዮን ዘንበርካዮን ሓቂ ኣብርሃለይ፡ ብመገዲ ጸልማት ክኸይድ ኣይትፈቅድን ኢኻ`ሞ ኣምላኸይ ብርሃነይ ኩን።  ኦ ጐይታ ንስኻ ንዝተሠወረ ነገር እትገልጽ ኣምላኸይ ኢኻ፡ ሓቅኻ ምእንቲ ክፈልጥ ምሥትውዓል ኣብዝሓለይ፡ ብጐይታና ብኢየሱስ ክርስቶስ ስም እልምነካ ኣሎኹ። ቃልካ እሙን እዩ “ ጸውዓኒ`ሞ ኣነ ክምልሰልካ ዘይትፈልጦ ዓብይን ሥውርን ምሥጢር ክገልጸልካ እየ” ኢልካ ኢኻ`ሞ ንሓቂ ክርዳእን ክቕበልን ደግፈኒ። ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ እሙን ሊቀ ካህናት ነቲ ዝተገልጸ ጽላሎት “ሊቃነ ካህናት ደቂ ኣሮን” ክግንዘብን ክርዳእን ርድኣኒ፡ ንዕኡ ኣምላኽ`ዩ ሰሪዕዎ`ሞ ክምልከቶን ከስተውዕሎን ባርኸኒ፡ ኣእምሮይ ባርኽ፡ ብነገር ኩሉ ነቲ ሓቐኛ ክህነትካ ክርዳእን ብእኡ ክውከልን ርድኣኒ። ንስኻ ንኣይ ናይ ደም መርዓዊ ኢኻ፡ ብደምካ ኪዳን ዘልዓለም ዘቖምካ እሙንን ደንጋጽን ሊቀ ካህናት`ውን ኢኻ፡ ስምካ ይባረኽ። ጐይታ መንፈስ ቅዱስ ንልቦናይ ኣብርህ፡ ንስኻ ምርሓኒ ኣነ ኸኣ ክኽተለካ እየ፡ ብኹሉ ነገር በረኸት እትህበና ጐይታ መንፈስ ቅዱስ ኣብቶም ብክርስቶስ ዝኣመኑ ዕየ። ንምድርና ፈውሳ፡ ንስኻ ንምኽሪ ዲያብሎስ እተፍርስ፡ ንኃይሉ ኸኣ እትገትእ ዕርቡን ርስቲ ቅዱሳን ጐይታን ኣምላኸይ መንፈስ ቅዱስ ኢኻ። ስለ ኹሉ ነገር ንእግዚኣብሔር ኣቦ ብስም ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ስብሐት ይኹን።

በቲ ዝሃቡኻ ብሩርን ወርቅን ጌርካ ድማ ዘውዲ ሥራሕ፡ ኣብ ርእሲ ሊቀ ካህናት ኢያሱ ወዲ ይሆጻድቕ ድማ ድፍኣዮ(ዘካ6፡11)።

ኦ ቅዱስን ሕያውን ኣምላኸይ ጥበብካ ክትገልጸለይ ብስም ሓደ ወድኻ ኢየሱስ እልምነካ ኣሎኹ። ንስኻ ነቲ ሕቱም ክትፈትሕ ዓቕሚ ዘሎካ ገላጺ ምሥጢራት ኢኻ`ሞ ሕግኻ ክርድኣሉ ዝኽእል ምሥትውዓልን ጥበብን ዓድለኒ፡ ብስም ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ባርኸኒ። ንዂላቶም ነዚ ጽሑፍ ዘንብቡ ውን ምርዳእ ቃላትካ ክትኅቦም ብስም ጐይታ ኢየሱስ እልምነካ ኣሎኹ።
ዘለዓለማዊ ዝኾነ ምኽሪ ኣምላኽ ነቶም ንሱ ክገልጸሎም ዝፈተወ እንተዘይኮይኑ ንኻልእ ግሉጽ ኣይኮነን። ነቶም ልቦም ብቕንዕና መሊኦም ብንጽህና ንሕጉ ክፈልጥዎ ዝብህጉ ኸኣ ኢድ ኣምላኸይ ምእንቲ ክትረድኦም ዘወትር ዝርግሕቲ እያ። መጽሓፍ ቅዱስ ንመንፈስ ቅዱስ “በሊሕ መንፈስ” ብምባል ይገልጾ፡ እዚ መንፈስ እዚ ፈልዩ ከረድእ ዝኽእል ብሩኽ መንፈስ`ዩ፡ ሎሚ ውን ንዕኡ ተስፋ ገይረ እጽሕፍ ኣሎኹ። ንዝተጸናበረን ንዝተሓዋወሰን ፈልዩ ነቲ ቅኑዕ ምህሮ ዘርእየና ሓቀኛ መምህር ጐይታ መንፈስ ቅዱስ ስለ ዘሎ ነፍሰይ ንኣምላኸይ ተመስግኖ ኣላ።

ኣብ ዝሓለፉ ክፋላት ከም ዝረኣናዮ፡ ኣብ መሠረትን ዝርግሐን፡ ክህነት ኣሮን ኣተኲርና ኢና ንዕዘብ ዘሎና። ነዚ ዝተዘርግሐ መስመር ሊቀ-ካህንነት ብንጹር መገዲ ምስ እንርዳእ ከኣ ብዙኃት ሕልኽልኽ ዝበሉ ዝተወሳሰቡ ታሪኻት`ዮም ዝፍትሑልና። “ኣብ ምድርና ሊቃነ ካህናት ደቂ ኣሮን ታቦተ ኪዳን ሒዞም ኣብ ዘመን ንጉሥ ሰሎሞን ናብ ምድርና መጺኦም እዮም” ንዝብል ትምህርቲ መጽሐፈ ክብረ-ነገሥት ምርኩስ ብምግባር ንዘመናት ንዝተዘርአ ዘይቅኑዕ ትምህርቲ ኸኣ ቅኑዕ መልስን ግምገማን ንርኢ ኣሎና። ሽሕ`ኳ ብዛዕባ መጽሐፈ ክብረ-ነገሥት ክብሎ ዝግባእ ብዙኅ እንተሃለወኒ፡ ንሕጂ ግና ኣብቲ ንሱ ብዛዕባ ታቦተ ኪዳንን ሊቃነ ካህናት ደቂ ኣሮንን ዘስፈሮ ዛዕባ ኣተኲረ ይጽሕፍ ምህላወይ ክትርድኡለይ እደሊ።

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ሳዶቅ ንጹር ዝኾነ ሓበሬታ ከም ዝሃበና ኣብ ዝሓለፈ ክፋላት ተንኪፈዮ ነይረ፡ ሎሚ ኸኣ ተራ ካህን ሳዶቅ ኣብ ምንጋሥ ንጉሥ ሰሎሞን ከመይ ከም ዝነበረ ክንርኢ ኢና። ቅዱስ ዳዊት ሸምጊሉ ኣብ ዝነበረሉ፡ ኣቤሴሎም ስለ ዝሞተ እቲ ካብ ኣጊት ዚውለድ ኣዶንያስ ወዲ ዳዊት ዝዓበየ ብምንባሩ፡ “ኣነ ክነግሥ`የ” ብምባል ተላዕለ። ሠረገላታትን ፈረሰኛታትን ምስኡ ዚጐዩ ኃምሳ ሰብኣይን ከኣ ኣዳልዩ ነበረ። ኣዶንያስ ነዚ ምሥጢር`ዚ ንኢዮኣብ ወዲ ጽሩያን ንካህን ኣብያታርን ኣካፊልዎም ነበረ`ሞ ንሳቶም ድማ ንሓሳቡ ደጊፎሞ ነበሩ። በንጻር`ዚ ኸኣ ካህን ሳዶቅን በናያ ወዲ የሆያዳን ነቢይ ናታንን ሺምዒን ረዒይን እቶም ጀጋኑ ሓለዉቲ ዳዊትን ግና ምስ ኣዶንያስ ኣይነበሩን(1ነገሥ1፡5-8)።   

ኣዶንያስ ንዝፋን መንግሥቲ ዳዊት ክቕጽል ኢሉ ብዝሓሎኖ ሓሳብን መሠረት እቲ ዘውጽኦ መደብን ኣብ ጥቓ ዓይኒ ማይ ኤን-ሮጌል ዘሎ እምኒ ተመን ዚበሃል ከውሒ ኣባጊዕን ኣሓን ስቡሓት ኣባይትይን ብምሕራድ ንዂሎም ኣኅዋቱ ደቂ ንጉሥን ንዂሎም ሹማምንቲ ንጉሥ ዘበሉ ሰብ ይሁዳን ጸዊዑ ከብቅዕ፡ ንነቢይ ናታንን ንበናያን ነቶም ጀጋኑ ሓለዉቲ ንጉሥ ዳዊትን ንሰሎሞን ኃዉን ግና ኣይጸውዖምን። ነቢይ ናታን ንቤርሳቤህ ብዝሃባ ምኽሪ ኸኣ ንሳ ከይዳ ንንጉሥ ዳዊት ብዛዕባ እቲ ንሱ ከይፈለጠ ዝነገሠ ኣዶንያስ ወዱን ብዛዕባ እቲ ንሱ ቅድም ወድኺ ሰሎሞን ክነግሥ`ዩ ኢሉ ብስም እግዚኣብሔር ዝመሓለላ ማሕላን ነገረቶ። ንጉሥ ዳዊት እዚ ነገራት`ዚ ሓቂ ከም ዝኾነ ምስ ፈለጠ ኸኣ ንካህን ሳዶቅን ንነቢይ ናታንን ንበናያ ወዲ የሆያዳን ጸዊዑ ከምዚ ኢሉ ኣዘዞም፦ “ ነቶም ሓለውተይ ምሳኹም ተማሊእኩም፡ ንወደይ ሰሎሞን ከኣ ኣብ በቕለይ ኣወጢሕኩም ናብ ርባ ጊሖን ኣውርድዎ። ኣብኡ ኸኣ ካህን ሳዶቅን ነቢይ ናታንን ኣብ ልዕሊ እስራኤል ኪነግሥ ይቕብእዎ። መለኸት እናነፋሕኩም ድማ ‘ንጉሥ ሰሎሞን ሕያው ይኹን’ በሉ “ ኪምለስ ከሎ ድማ ዓጂብኩምዎ ተመለሱ፡ ንሱ ኸኣ ኣብ ዝፋነይ ይቀመጥ እሞ ኣብ ክንዳይ ይንገሥ፡ ሰሎሞን ኣብ ልዕሊ እስራኤልን ኣብ ልዕሊ ይሁዳን ኪነግሥ ኣዚዘ እየ” በሎም(1ነገ1፡33-35)። ንሳቶም ከኣ ከምቲ ዳዊት ዝኣዘዞም ገበሩ። ካህን ሳዶቅ ከኣ በቲ ካብቲ እግዚኣብሔር ዚርከበሉ ድንኳን ዘምጽኦ፡ ኣብ ቀርኒ ዝመልአ ዘይቲ ገይሩ ንሰሎሞን ቀብኦ። መለኸት ከኣ ነፍሑ፡ ኲሎም ሕዝቢ ድማ፡ “ንጉሥ ሰሎሞን ሕያው ይኹን” በሉ።

ካህን ሳዶቅ ካብ ዘመን ሳኦል ጀሚሩ ምስ ንጉሥ ዳዊት ዝነበረ እሙን ኣማኻሪ ቅኑዕ ካህን ነበረ። ካብዚ ዘመናት’ዚ ጀሚሩ ክሳዕ 587 ዓ.ቅ.ክ ምፍራስ ቤተ መቕደስ ክሳዕ ዝኾነሉ ዘመናት ብተተካእቲ ካህናት ማይ ቤት ሳዶቅ ይቅጽል ከም ዝነበረ መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ። ከምኡ`ውን 1ዜና6፡15 መዝጊብዎ ከም ዘሎ የሆጻድቅ ተማሪኹ ናብ ባቢሎን ከም ዝኸደ ይነግር። ካብቶም ካብ ምርኮ ዝተመልሱ ኸኣ ብሰፉሕ ውን ኣብ መጻሕፍቲ ትንቢት ዘካርያስን እዝራን ነህምያን ሰፊሩ ዘሎ ሊቀ ካህናት ኢያሱ፡ ንሱ ወዲ የሆጻድቅ ምዃኑ መጽሓፍ ቅዱስ ይነግረና። በቲ ዝሃቡኻ ብሩርን ወርቅን ጌርካ ድማ ዘውዲ ሥራሕ፡ ኣብ ርእሲ ሊቀ ካህናት ኢያሱ ወዲ ይሆጻድቕ ድማ ድፍኣዮ(ዘካ6፡11)።

መተርጉማን ቅዱሳት መጻሕፍቲ ሳዶቅ ኣብ ዘመነ ዳዊትን ዘገልገለን ከምኡ`ውን ንሰሎሞን ዝቐብአ ንሱ`ዩ ድኅሪ ምባሎም። ንሱ ብመሠረት እዚ ዝርግሐ ዘመን`ዚ ዝሸምገለ ሰብ ብምንባሩ ከም ዝሞተ፡ ንእኡ ድማ ወዱ ኣሒመዓጽ ከም ዝተክኦን ይዛረቡ። ቀዳማይ መጽሓፈ ዜና መዋዕል ምዕራፍ ሽዱሽተ ከም ዝገልጾ ኸኣ ኣሒመዓጽ ወዲ ሳዶቅ ንኣዛርያ ከም ዝወለደ ይነግረና። ሰሎሞን ቤተ-መቕደስ ሰሪሑ ድኅሪ ምዝዛሙ ኸኣ ኣዛርያ ወዲ ኣሒመዓጽ፡ወዲ ሳዶቅ ናይ መጀመርታ ሊቀ ካህናት ነበረ። እነሆ ድማ ንጉሥ ሰሎሞን ኣብ ልዕሊ ዂሉ እስራኤል ንጉሥ ኮነ። ሹማምንቱ ኸኣ እዞም ዝስዕቡ እዮም፦ ኣዛርያ ወዲ ሳዶቅ፡ ካህን(1ነገ4፡1-2)። ንጉሥ ሰሎሞን መንግሥቱ ኣደልዲሉ ብመዋቕራት ዘርግሐ፡ ምሕደራኡ`ውን ካብቶም ቅድሚኡ ዝነበሩ ነገሥታት ይሁዳ ዝሓየለ ነበረ። ኣዛርያ ወዲ ሳዶቅ ዝተባህለሉ ምኽንያት ኣብ ኣጸዋውዓ እስራኤል፡ ወዲ ወድኻ ከም ወድኻ ተባሂሉ ምጽዋዕ ልምዲ ስለ ዝኾነ ደኣ እምበር ከምቲ ቀዳማይ መጽሐፈ ዜና መዋዕል መዝጊብዎ ዘሎ፡ ሳዶቅ ንኣሒመዓጽ ወለደ፡ ኣሒመዓጽ ከኣ ንኣዛርያ ወለደ። ኣዛርያ ከም ሹም መንግሥቲ እስራኤል እዚ ማለት ከኣ ኣብ ትሕቲ ንጉሥ ሰሎሞን ከም ዋና ኣመኃዳሪ እስራኤል(ፕራይ ሚንስተር)ን ከም ካህንን ኮይኑ ዘገልግል ዝነበረ እሙን ኣገልጋሊ እዩ።

ንሱ ኣብ ኢዮሩሳሌም ካህን ኮይኑ ኣብ ዘገልግለሉ ዝነበረ ዘመን ኣባሓጎኡ ካህን ሳዶቅ ብሕይወት ኣይነበረን። መጽሓፈ ክብረ-ነገሥት  ብዘመን ተዓቂኑ ዝተጻሕፈ ብዘይምዃኑ ኸኣ ሳዶቅ ሊቀ ካህናት ኣብ ዝነበረሉ ዘመን ኣዛርያ(ኣዛርያስ፡መጽሐፈ ክብረ-ነገሥት ከም ዘስፈሮ ስም) “ነቲ ታቦተ ኪዳን ወሲዱ ምስቶም ንኢትዮጵያ ክኸዱ ዝተኣወጀሎም ደቂ ሹማምንቲ ናብ እትዮጵያ መጸ” ዝበሎ ታሪኽ ዘይቅኑዕ ምዃኑ ንግንዘብ። “ካህን ኣዛርያ ንእስራኤል ሓዲጉ ናብ ኢትዮጵያ መጺኡ እዩ” ምባል ማለት ከኣ ነቲ ኣዛርያ ንዮሓናን ወለደ። ዮሓናን ንኣዛርያ ወለደ(ኣዛርያ ኣብታ ሰሎሞን ኣብ ኢዮሩሳሌም ዝሠርሓ ቤት መቕደስ፡ ብኽህነት ዜገልግል ዝነበረ እዩ)። ኣዛርያ ንኣማርያ ወለደ።….. እናበለ ክሳዕ እቲ ንባቢሎን ብምርኮ ዝወረደ የሆጻድቅ ዝተዘርግሐ ዓሠርተዉ ክልተ መሥመር ሊቀ ካህንነት ኣሮን ምኽሓድ እዩ። ስለዚ መጽሓፍ ቅዱስ ብዝሃበና ንጹር ሓበሬታ መሠረት፡ መሥመር ሊቀ ካህንነት ደቂ ኣሮን ቅድሚ ምርኮ ኮነ ድኅሪ ምርኮ ካብ ማይ ቤት ሳዶቅ ዝወጹ ካህናት ዝቐጸለ እዩ። እዚ ኣገልግሎት`ዚ ኸኣ ኣብ ሃገረ እስራኤል ዝተሓጽረ ምንባሩ ተረዲእና ኣሎና። ካብ ሓረግ ሊቀ ካህንነት ኣሮን ተቖሪጾም ናብ ምድርና ዝመጹ ሊቃነ ካህናት ኮነ ታቦተ ኪዳን ውን ከምዘየለ ኸኣ ብመንጽር ቅዱስ መጽሓፍ ተገንዚበን ተረዲአን ኣለኹ።

አለቃ ኪዳኔ ወልድ ክፍለ ኣብ መጽሐፈ ሰዋስው ወግስ፡ ወመዝገበ ቃላት ሐዲስ ኮነ አዲስ የመጽሐፍ ቅዱስ መዝገበ ቃላት ከም ዘስፈርዎ ኸኣ፡ ግሪካዊ ተጽዕኖ ኣብ ኣይሁድ ንዝፈጠሮ ተግባር ንምቅዋም ተላዒሎም ዝነበሩ ጉጅለታት ኣይሁድ፡ ፈሪሳውያን ሰዱቃውያንን፡ ኣብ ዘመን ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ውን ዝነበሩ እዮም። ሰዱቃውያን ሊቃነ ካህናት ኮይኖም ኣብ መቕደስ ዘገልግሉ ዝነበሩ ካብ ወገን ካህናት እዮም፡ እቲ “ሰዱቃውያን” ዚብል ስያሜ ኸኣ ካብ “ሳዶቅ” ዚብል ከምዝወጸ ይገልጹ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ኣገልግሎት ብዝነበሮም ተኣማንነት ዝፍለጡ ካህናት ማይ ቤት ሳዶቅ እዮም። ልዑል እግዚኣብሔር ተዛረበኒ፦ “ ሕዝቢ እስራኤል ካባይ ኪርሕቁ ኸለዉ፡ እቶም ካብ ወገን ሌዋውያን ዝኾኑ ካህናት ዘርኢ ሳዶቅ እሙናት ኮይኖም ኣብታ ቤት መቕደስ የገልግሉኒ ነበሩ። ስለዚ ሕጂ እቶም ኣብ ቅድመይ ዚቐርቡን ዜገልግሉንን መሥዋዕቲ ደም ዘቕርቡለይን ንሳቶም እዮም። እወ እቶም ኣብ ቤት መቕደሰይ ዝኣትዉ፡ ኣብ መሠውዕየይ ዘገልግሉ፡ ኣብ ቤት መቕደስ ሥርዓት ኣምልኾ ዝመርሑ በይኖም ንሳቶም እዮም(ሕዝ44፡15-16)። ኦ ጐይታ ንሕያው ቃላትካ ምእንቲ ክንርዳእን ንሓቂ ክንፈልጥን ንልቢ ባሮትካ ኣንቅሓዮን ኣብርሃዮን፡ ኣሜን።



Saturday, May 9, 2020

ሊቀ ካህናት 3 ክፋል


ስለዚ ድማ ነቶም ብእኡ(ብኢየሱስ) ኣቢሎም ናብ ኣምላኽ ዚመጹ፡ ኵሉ ጊዜ ምእንታኦም ኪልምን ዚነብር ስለ ዝዀነ፡ ፈጺሙ ኼድሕኖም ይኽእል እዩ ዕብ7፡25። (ሳልሳይ ክፋል)


ሰማያዊ ቅዱስ ዝኾንካ ኣምላኸይ አመስግነካ ኣሎኹ፡ ንልበይ ከም ፍቓድካ ብጸጋኻ ምልኣዮ፡ እወ ኦ ጐይታ ብሓሳብካ ጥራይ ከገልግል ርድኣኒ። እቲ ንስኻ ኣብ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ዘቐመጥካዮን ዘንበርካዮን ሓቂ ኣብርሃለይ፡ ብመገዲ ጸልማት ክኸይድ ኣይትፈቅድን ኢኻ`ሞ ኣምላኸይ ብርሃነይ ኩን።  ኦ ጐይታ ንስኻ ንዝተሠወረ ነገር እትገልጽ ኣምላኸይ ኢኻ፡ ሓቅኻ ምእንቲ ክፈልጥ ምሥትውዓል ኣብዝሓለይ፡ ብጐይታና ብኢየሱስ ክርስቶስ ስም እልምነካ ኣሎኹ። ቃልካ እሙን እዩ “ ጸውዓኒ`ሞ ኣነ ክምልሰልካ ዘይትፈልጦ ዓብይን ሥውርን ምሥጢር ክገልጸልካ እየ” ኢልካ ኢኻ`ሞ ንሓቂ ክርዳእን ክቕበልን ደግፈኒ። ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ እሙን ሊቀ ካህናት ነቲ ዝተገልጸ ጽላሎት “ሊቃነ ካህናት ደቂ ኣሮን” ክግንዘብን ክርዳእን ርድኣኒ፡ ንዕኡ ኣምላኽ`ዩ ሰሪዕዎ`ሞ ክምልከቶን ከስተውዕሎን ባርኸኒ፡ ኣእምሮይ ባርኽ፡ ብነገር ኩሉ ነቲ ሓቐኛ ክህነትካ ክርዳእን ብእኡ ክውከልን ርድኣኒ። ንስኻ ንኣይ ናይ ደም መርዓዊ ኢኻ፡ ብደምካ ኪዳን ዘልዓለም ዘቖምካ እሙንን ደጋጽን ሊቀ ካህናት`ውን ኢኻ፡ ስምካ ይባረኽ። ጐይታ መንፈስ ቅዱስ ንልቦናይ ኣብርህ፡ ንስኻ ምርሓኒ ኣነ ኸኣ ክኽተለካ እየ፡ ብኹሉ ነገር በረኸት እትህበና ጐይታ መንፈስ ቅዱስ ኣብቶም ብክርስቶስ ዝኣመኑ ዕየ። ንምድርና ፈውሳ፡ ንስኻ ንምኽሪ ዲያብሎስ እተፍርስ፡ ንኃይሉ ኸኣ እትገትእ ዕርቡን ርስቲ ቅዱሳን ጐይታን ኣምላኸይ መንፈስ ቅዱስ ኢኻ። ስለ ኹሉ ነገር ንእግዚኣብሔር ኣቦ ብስም ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ስብሐት ይኹን።
                                          ዘርኢ ሊቀ ካህናት

ጐይታ ሠራዊት እግዚኣብሔር ንሓሳቡ ክንርድኣሉ እንኽእል ጥበብን ምሥትውዓልን ይዓድለና። መጠን እቲ ንሱ ኣብ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ገሊጽዎ ዘሎ ሓቂ ክንርዳእ ጐይታ መንፈስ ቅዱስ የበርትዓና። ኣብ ዘመን ሕይወት “ሓቂ እንታይ’ዩ፧” ኢሉ ዝሓትት ሰብ፡ እቲ ጸልማት ተገፊፉ ብርሃን ከም ዝበርሃሉ ግሉጽ ነገር እዩ። ጐይታ ኣብ ቅድሚ ጲላጦስ ዝሃቦ ምሥክርነት ከኣ ብዛዕባ ሓቂ እዩ። “ኣነ ንሓቂ ኽምስክር እየ ዝተወለድኩ፡ ምእንትዚ`ውን እየ ናብ ዓለም ዝመጻእኩ፡ ወገን ሓቂ ዘበለ ዂሉ ኸኣ ድምፀይ ይሰምዕ እዩ” ኢሉ መለሰሉ። ጲላጦስ ከኣ “ሓቂ እንታይ`ዩ፧” በሎ(ዮሃ 18፡37)። ገጻት ሕይወት ብዙሕ እዩ፡ኩሉ ገጻት ከኣ ሓቂ እዩ ማለት ኣይኮነን። ኣብ ሕይወት ግን ዘይቅየር እንኮ ሓቂ ኣሎ ንሱ ኸኣ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። ከምቲ ጐይታ ንሓቂ ክገልጽ ዝተወልደ፡ ዕዮኡ ውን ወርትግ ሓቂ ዝኾነ፡ በንጻር`ዚ ኸኣ ኣቦ ሓሶት ዝኾነ፡ ንሓሶት ከኣ ከም ቀንዲ መሳርሒቱ ዝጥቀመላ ጸላኢ ዲይብሎስ ኣሎ። ንጸልማት ዘጥፍኦ ብርሃን እዩ፡ ንሓሶት ከኣ ከም ዘይነበረ ዝገብሮ ሓቂ እዩ። ሽሕ`ኳ እዚ ዘለናዮ ዘመናት ሓሶት ዝነገሰሉ፡ ንሓቂ`ውን ዝኸውን ቦታ ዘይርከበሉ፡ ብርሃን ወንጌል ዝጽለኣሉ ዘመን እንተኾነ፡ ሓቂ ግን ከምቲ ክኽወል ዘይክእል እምባ ንዝደለይዋ ምእንቲ ኽትርአ ተሰጢሓ ትርከብ። ዓለምን ክርስቲያንን ዝፍለይሉ መገዲ እዚ እዩ፡ ዓለም ንክርስቶስ ንዒቓን ሰቒላን ካብ ኣወገደቶስ ንክርስቶስ ኢየሱስ ዝኸውን ልቢ ንዕኡ ክቕበል፡ ንኽህነቱ`ውን ዝኣምን ልቢ ክህልዋ ኣይጽበይን እየ፡ ምኽንያቱ ንሳ ኣብ ትሕቲ እቲ መስፍን እዛ ዓለም ተባሂሉ ዝተገልጸ ዲያብሎስ ወዲቓ ከም ዘላ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ሓቂ እዩ።

ቤተክርስቲያን ካብ ዓለም ብደም ኢየሱስ ክርስቶስ ተሓጺባ ዝተቐደሰት፡ ካብ ክፍኣት ዝረሓቐት፡ ብደሙ`ውን ዝኸበረት ማኅበር ሕያው ኣምላኽ እያ። መርዓት ክርስቶስ ኢየሱስ ተባሂላ ክትስመ ዘኽኣላ ከኣ ሊቀ ካህንነት ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። ነዚ ዓሚቚ መለኮታዊ ሓሳብ ክንርድኦን ክንኣምኖን ብግዲ እዩ፡ ንእኡ እንተዘይኣሚንና ግና ኣካላት ክርስቶስ ኣይኮንናን ማለት`ዩ። ኣካላት ክርስቶስ እንኾነሉ ተግባር፡ ብእምነት ንኢየሱስ ክርስቶስ ከም ሊቀ ካህናትን መድኃንን ምቕባል እዩ። ኣብ ቀዳሞት ክልተ ክፋላት ብዛዕባ ክህነት ኣሮን ኢና ተዓዚብና`ሞ ሎሚ ውን ብዛዕባ`ዚ ክህነት`ዚ ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ ንዝተጻሕፈ ሓቂ ብምእማን፡ ነቲ ብሰባት ዝተሰንዐ ኣብ ምድርና`ውን ዘጒላዕልዐ ስሑት ትምህርቲ ክንርኢ ኢና።

ዕላማ ጽሑፈይ ነቲ ሓቀኛ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ትምህርቲ ምግላጽ እዩ። መጽሓፈ ክብረ ነገሥት ከም መወከሲ ነቶም ኣብ ምድርና ሊቃነ ካህናት ነይሮም`ዮም ተባሂሉ ዝንገር ኮነ፡ ምምጻእ ታቦተ ኪዳን ናብ ኢትዮጵያ ዚትርኽ መጽሓፍ እዩ። ንኣጸሓሕፍኡን ትኅዝትኡን ዚምልከት መጽናዕቲ ክግበረሉ ዝግብኦ ብምዃኑ ኸኣ ነፍሲ ወከፍና ብኣቃልቦ ክንዕይሮ ይግባእ። ብዛዕባ ንግሥቲ ሳባን ንሳ`ውን ጥበብ ሰሎሞን ክትርኢ ናብ ኢዮሩሳሌም ምኻዳን፡ ካብ ሰሎሞን`ውን ጥንሲ ሒዛ ምምጽኣን፡ ነቲ ዝወለደቶ ሕጻን ውን “በይነ ልሕከም(ኢብነ እልሐኪም)” ኢላ ከም ዝሰመየቶ ይትርኽ። ንሱ ወዲ ዕስራን ክልተን ዓመት ምስ ኮነ ኸኣ ኣቦኡ ክረክብ ናብ ኢዮርሳሌም ተበገሰ። ንሱ ኣብ ኢዮሩሳሌም ድኅሪ ምብጽሑ ድኅሪ ዝተወሰነ እዋናት ናብ ሃገረይ ክምለስ እየ ስለ ዝበለ ነፍሲ ወከፍ በዂሪ ውሉድ እስራኤል ምስኡ ክኸዱ ተኣወጀ ይብል።  እዞም ናብ ምድሪ ኢትዮጵያ ክኸዱ ዝተወሰነሎም ሰባት “ ኣዛርያስ ወዲ ሳዶቕ ብዝመኸሮ ምኽሪ ተሰማሚዖም ታቦተ ኪዳን ናብ ኢትዮጵያ ክወስድዋ ተመሓሓሉ” ይብል።

ንግሥቲ ሳባ ጥበብ ሰሎሞን ክትርኢ፡ ማለት እቲ ብዛዕባ ሰሎሞን ዝሰምዓቶ ሓቒ ምዃኑን ዘይምዃኑን ከተረጋግጽ፡ ካብ ደቡብ ተበጊሳ ናብ ኢዮርሳሌም ከም ዝመጸትን፡ ንሰሎሞን`ውን ብፈተንቲ ሕቶታት ከም ዝፈተነቶን ንሱ`ውን ከም ዝመለሰላን፡ ብዛዕባ እቲ ምስኡ ዝነበረ ጥበብን ብዛዕባ እቲ ኣብ ቤት መንግሥቲ ኮነ፡ ኣብ መቕደስ ዝረኣየቶ ሥርዓትን ኣግባባትን ከም ዝተማረኸት መጽሓፍ ቅዱስ ብግልጺ ኣስፊርዎ ዘሎ ሓቂ እዩ። ኣብ መፈጸምታ`ውን ንሳ ብሰሎሞን ንዝተዋህባ ህያብ ሒዛ ናብ ሃገራ ከም ዝኸደት ይነግር(1ነገ 10፡1-13/ 2ዜና9፡9። ከምኡ`ውን ኣብ ቀዳማይ ክፍለ ዘመን ዝነበረ ኣይሁዳዊ ጸሓፊ ታሪኽ ዮሴፍ ነዚ ታሪኽ`ዚ ይጽሕፍ። ብመሠረት መጽሓፈ ክብረ ነገሥት ኣቐሚጥዎ ዘሎ፡ በቲ በይነ ልሕከም(ኢብነ እልሐኪም) ንኢዮርሳሌም ዝደየበሉ እዋናት ሊቀ ካህናት ጻዶቅ ብሕይወት ከም ዝነበረን፡ መጽሓፈ ክብረ ነገሥት (ኣዛርያስ ወዲ ሳዶቕ) ብዝበሎ መሠረት ከኣ ንወዱ ከም ዝባረኾ ይነግረና፡ ድኅሪ ታቦተ ኪዳን ምውሳዱ ኸኣ ነቲ መሸፈኒ ገንጺሉ ዝረኣየን ብስምባደ ዝወደቐን ንሱ ሳዶቅ እዩ ይብል።

እምበኣር ክቡራት ኣኅዋተይን ኣኃተይን መጽሐፈ ክብረ ነገሥት ብዛዕባ ሳዶቅ እዚ በለ፡ መጽሓፍ ቅዱስ`ከ ብዛዕባ ሳዶቅን ሊቀ ካህናት ዝኾኑ ዘርኡን እንታይ ይብለና፧ ሳዶቅ`ከ ካበየናይ ወገን ኣሮን`ዩ፧ ሊቀ ካህንነት ኣሮን በቶም ካብ ሞት ዝተረፉ ክልተ ደቂ ኣሮን (ኣልኣዛርን ኢታማርን) እዩ ዝቕጽል። 1ይ መጽሐፈ ዜና መዋዕል ከኣ፡ ብኸምዚ ይገልጾ፦  ደቂ ኣሮን፦ ናዳብ፡ ኣቢሁ፡ ኣልኣዛር፡ ኢታማር። ኣልኣዛር ንፊንሃስ ወለደ። ፊንሃስ ንኣቢሹዓ ወለደ። ኣቢሺዓ ንቡቂ ወለደ። ቡቂ ንዑዚ ወለደ። ዑዚ ንዜራሕያ ወለደ። ዜራሕያ ንመራዮት ወለደ።መራዮት ንኣማርያ ወለደ። ኣማርያ ንኣሒጡብ ወለደ። ኣሒጡብ ንሳዶቅ ወለደ። ሳዶቅ ንኣሒመዓጽ ወለደ። ኣሒመዓጽ ንኣዛርያ ወለደ። ኣዛርያ ንዮሓናን ወለደ። ዮሓናን ንኣዛርያ ወለደ።(ኣዛርያ ኣብታ ሰሎሞን ኣብ ኢዮሩሳሌም ዝሠርሓ ቤት መቕደስ፡ ብኽህነት ዜገልግል ዝነበረ እዩ)። ኣዛርያ ንኣማርያ ወለደ።ኣማርያ ንኣሒጡብ ወለደ። ኣሒጡብ ንሳዶቅ ወለደ። ሳዶቅ ንሻሉም ወለደ። ሻሉም ንሒልቂያ ወለደ። ሒልቅያ ንኣዛርያ ወለደ።ኣዛርያ ንሰራያ ወለደ። ሰራያ ንይሆጻድቅ ወለደ። ይሆጻድቅ፡ እግዚኣብሔር ንሕዝቢ ይሁዳን ኢዮሩሳሌምን ብናቡከደነጾር ተማሪኾም ከም ዝኸዱ ምስ ገበሮም፡ ምስኦም ተማሪኹ ኸደ።

ጸሓፊ መጽሓፈ ዜና መዋዕል ፡ ብጥልቀትን ዕምቆትን ሓረግ ወለዶ ሊቀ ካህናት ክዝርዝር ዝኸኣለሉ ዓላማ ክሳዕ ክንደይ ንኣገልግሎት ሊቀ ካህንነት ብኣተኲሮ ከም ዝተመልከቶ ከነስተውዕል ይግበኣና እዩ። እዚ ካብ ናብ እናተሰጋገረ ዝኸይድ ዘሎ መስመር ሊቀ ካህንነት በቲ ሓደ ሊቀ ካህናት ብሕይወት ሃልዩ ክመርሖ ዝግብኦ ከባቢ 40 ዓመት እንተ ኣርባሕናዮ፡ ናይ ዕስራን ሓደን በብእዋኑ ዝነበሩ ሊቃነ ካህናት ንልዕሊ 840 ዓመታት ዝተዘርግሐ ብምዃኑ ንልቢ ዘደንቕ ጽፉፍ ኣሰራርዓን ኣመዛግባን እዩ። ካብ ሊቀ ካህናት ኣሮን ኣብ መበል ዓሠርተው ሓደ ተሰሪዑ ዘሎ ሊቀ ካህናት ኣብ ዘመን ንጉሥ ዳዊት ዝነበረ፡ እሙን ኣማኻሪ ዳዊት እዩ። ሳዶቅ ማለት ቅድስና ማለት`ዩ። ኣብ 10 century (1000) ዓ.ቅ.ክ ዝነበረ ኣገልጋሊ ሊቀ ካህናት እዩ። ሳዶቅ ወዲ ኣሒጡብን ኣሒሜለክ ወዲ ኣብያታርን ድማ ካህናት ነበሩ(2ሳሙ817)። ዳዊት ካብ ኣቤሴሎም ወዱ ኣብ ዝሃደመሉ እዋን ውን ሳዶቅን ኣብያታርን ንታቦት ኪዳን ምስኡ ሒዞም ወጹ ኣብ ርባ ቄድሮን ውን በጽሑ፡ ንሱ ግን ንስኻትኩም ኣብ ኢየሩሳሌም ጽንሑ ዝኾነ ነገር ከኣ ሓብሩኒ በሎም። ሽዑ ንጉሥ ንሳዶቅ፦” ንታቦት ኣምላኽ ናብ ከተማ ምለሶ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር መጐስ እንተደኣ ረኺበስ፡ ኪመልሰኒ እዩ፡ ንእኡን ንማኅደሩን ድማ ከርእየኒ እዩ። ኣይፈትወካን እንተበለኒ ግን እኔኹ ባህ ከም ዝበሎ ይግበረኒ በለ(2ሳሙ 15፡24)። ንጉሥ ዳዊት  ወሲኹ ከምዚ በለ “ንጉሥ ድማ ንሳዶቅ ካህን፡ ንስኻ ረኣዪ ደይኮንካን፧ ብሰላም ናብ ከተማ ተመለስ፡ ወድኻ ኣሒመዓጽን ዮናታን ወዲ ኣብያታርን ክልቲኦም ደቅኹም ድማ ምሳኻትኩም ይኺዱ። ርኣዩ፡ እቲ ወረ ዝነግረኒ ካባኻትኩም ክሳዕ ዝመጽእ፡ ኣነ ኣብቲ ጐልጐል ምድረ በዳ ክጸንሕ እየ በሎ”። ሽዑ ሳዶቅን ኣብያታርን ንታቦት ኣምላኽ ናብ ኢዮሩሳሌም መለስዎ፡ ኣብኡ ኸኣ ተቐመጡ(2ሳሙ15፡27)።

ኣቤሴሎም ናብ ኢዮሩሳሌም ምስ ኣተወ ብኽፉእ ምኽሪ ኣሒቶፌል ተደሪኹ ብዘሎ እስራኤል እናረኣየ ምስ ኣንስቲ ወሰን ኣብኡ ደቀሰ። ኣሒቶፌል 12ሽሕ ሰብኣይ ኃርየ፡ ሕጂ ንዳዊት ኣብ ምድረ በዳ ከክርቦ`ሞ ክቐትሎ ፍቐደለይ ብምባል ንኣቤሴሎም መኸሮ፡ ኣቤሴሎምን ዓበይቲ እስራኤልን ከኣ በዚ ባህበሎም፡ እንተኾነ ምኽሪ ሑሻይ በዓል ኣርኪ ክሰምዑ ብምድላዮም ተወከስዎ ንሱ ኸኣ ንምኽሪ ኣሒቶፌል ተቓወሞ። ንኣቤሴሎም ውን ካልእ ምኽሪ ሃቦ፡ በቲ ምኽሩ ከኣ ኣቤሴሎምን ዓበይቲ እስራኤልን ተሓጎሱ እግዚኣብሔር ንኣቤሴሎም ክፉእ ምእንቲ ከምጽኣሉ፡ ነቲ ጽቡቕ ምኽሪ ኣሒቶፌል ከም ዚብተን ገበሮ።

ሽዑ ሑሻይ ነቶም ካህናት፡ ንሳዶቅን ኣብያታርን “ኣሒፌቶል ንኣቤሴሎምን ነቶም ዓበይቲ እስራኤልን ከምዝን ከምዝን ኢሉ መኸሮም፡ ኣነ ኸኣ ከምዝን ከምዝን ኢለ መኸርኩ። እምበኣር ሕጂ ንጉሥን እቲ ምስኡ ዘሎ ዂሉ ሕዝቢ ምእንቲ ከይጠፍእሲ” ዝገበርካ ጌርካ ተሳገር እምበር በዛ ለይቲ እዚኣ ኣብቲ መሳገሪታት ምድረ በዳ ኣይትኅደር” ኢሎም ንዳዊት ኪነግርዎ ቐልጢፍኩም ልኣኹሉ” በሎም። ንሳቶም ምስ ከዱ፡ ኣሒመዓጽን ዮናታንን ድማ ካብታ ዔላ ወፂኦም ከይዶም ንንጉሥ  ዳዊት ነገርዎ። ንዳዊት ድማ ኣሒቶፌል ከምዝን ከምዝን ኢሉ መኺሩልኩም`ዩ እሞ ተንሢእኩም ቀልጢፍኩም ነቲ ርባ ተሳገርዎ በልዎ(2ሳሙ171-17/21-22)።

ካህን ሳዶቅ ካብ ዘርኢ ኣልኣዛር/ ካህን ኣብያታር ከኣ ካብ ዘርኢ ኢታማር እዮም። ካህን ሳዶቅ እሙን ኣማኻርን ቅኑዕ ኣገልጋልን ብምንባሩ ብዳዊት ዝተኣምነ ሰብ ነበረ። እቲ ብዛዕባ ምኽሪ ኣሒቶፌል ንዳዊት ዘብጽሐ፡ ብኣጓይያኡ ውን ዚፍለጥ ኣሒመዓስ ከኣ ወዱ እዩ። ኣብ ቀጻሊ ጽሑፋት ሳዶቅ ኣብ ምንጋሥ ሰሎሞን ዝነበሮ ታኣማንነት ክንርኢ ኢና። ንሓቂ ኣብ ልብና ቋጺርና ነቲ ሓቂ ዘይኮነ ፈሊና ክንርዳእን ንሓቂ ክንምስክርን ጐይታ ጸጋኡ የብዝኃልና። ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ኩላትና ይኹን። ኣሜን።

Friday, May 1, 2020

ሊቀ ካህናት ካልኣይ ክፋል


ስለዚ ድማ ነቶም ብእኡ(ብኢየሱስ) ኣቢሎም ናብ ኣምላኽ ዚመጹ፡ ኵሉ ጊዜ ምእንታኦም ኪልምን ዚነብር ስለ ዝዀነ፡ ፈጺሙ ኼድሕኖም ይኽእል እዩ ዕብ7፡25። (ካልኣይ ክፋል)

ኦ ዘለዓለማዊ ካህን ኢየሱስ ክርስቶስ ስምካ ይባረኽ፡ ንስኻ ገዛእ ርእስኻ መሥዋዕቲ ገይርካ ዘቕረብካ እሙንን ደንጋጽን ካህነይ ኢኻ`ሞ እባርኸካ ኣሎኹ። ብሓቂ ምእንት`ዚ ተግባር ኢኻ ኸኣ ሰብ ኮንካ። ኦ ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ መሥዋዕትኻ ብቑዕ፡ ክህነትካ`ውን ዘልዓለማዊ እዩ፡ ሎሚ ውን ኣብ ቅድሚ ኣቦ እትረኣየለይ መድኅነይ፡ ኃጢኣት ዓለም ዘርሓቕካ ገንሸል በይንኻ ኢኻ።  ቅዱስ ኣቦይ ስምካ ይባረኽ፡ ኣቦ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ዘለዓለም ምስጋና ይግበኣካ፡ ንሓደ ወድኻ ሊቀ ካህናት ጌርካ ስለ ዘተንሣእካዮ እባርኸካ ኣለኹ። ኦ ኣቦ፡ ንሱስ ምሳኻ ዝዓረቐና፡ ብደሙ ዘቕረበና እንኮ መንጐኛና ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። ጐይታ መንፈስ ቅዱስ ንሕግኻ ምእንቲ ክንርድኦ ምስትውዓል ዓድለና ጐይታየ ባርኸና፡ ቀድሰና፡ ኣበርትዓና፡ ንምድርና ውን ብወንጌልካ ምልኣያ። ጐይታ መንፈስ ቅዱስ እዘን ዘመናት እዚአን ብቓልካን መንፈስካን እንሕደሰለን ዘመናት ይኹናልና። ንስኻ በይንኻ ንሕይወትና ተቖጻጺርካዮ ኢኻ`ሞ ተባረኽ። ንእግዚኣብሔር ኣቦ ብስም ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ስብሐት ይኹን።

እምበኣር ኣብ ምድሪ እንተ ዚኸውንሲ፡ ከምቲ ሕጊ ዝእዝዞ ገይሮም መባእ ዘቕርቡ ካህናት ስለ ዘለዉ፡ ንሱ ከቶ ካህን ኣይምኾነን ነይሩ(ዕብ 8፡4)።

ቅዱስ እግዚኣብሔር ጐይታ ሠራዊት መስተንክር ዝኾነ ጥበቡ ይግለጸልና። መደቡ ሓሳቡን ምእንቲ ክንፈልጥ`ውን ምስትውዓል ይዓድለና። ኣብ ዝሓለፈ ክፋል ኣምላኽ መዓስን ብኸመይን ኣብታ ብደም እንስሳታት ዝተመረቐት ኪዳን ዘገልግሉ ካህናት ንሳቶም ከኣ ኣሮንን ደቑን ጥራሕ ምዃኖም ተመልኪትና ኔርና። እዚ ዓይነት ክህነት`ዚ ኸኣ ኣብ ሕጊ ዝተመሥረተ፡ ብዘርእን ዓሌትን ዝተፈልየ፡ ኣሮናዊ ክህነት እዩ። ዕላማ እዚ ክህነት`ዚ እንታይ`ዩ፧ እዞም ካህናት እዚኦም`ከ ንመን እዮም ዘገልግሉ፧ እቲ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዘለዎም ተልእኾን ዕዮን`ከ እንታይ`ዩ፧ ንዚብሉ ሕቶታት ኣብ ኣእምሮና`ሞ ንመላልሶ ንዝተወሰነ ካልኢታት ከኣ ንሕሰብ።

እግዚኣብሔር ጐይታ ሠራዊት ንሕዝቡ ካብ ባርነት ግብጺ ቅድሚ ምልቓቑ ንፈርዖን ንጉሥ ግብጺ ደጋጊሙ ከምዚ በሎ፦ እግዚኣብሔር ኣምላኽ እስራኤል ‘ንሕዝበይ ኣብ ምድረ-በዳ በዓል ኪገብሩለይ ኪኸዱ ኅደጎም’ ይብል ኣሎ በልዎ(ዘፀ5፡1)። ፈርዕን ንእስራኤላውያን ክኃድጐም ኣይፈተወን እንተኾነ ንሳቶም(እስራኤላውያን) ብኃያልን ብርትዕትን ቅልጽም እግዚኣብሔር ድኂኖም ካብ ግብጺ ወጹ፡ ፈርዖንን ሠራዊቱን ከኣ ባሕሪ ኣጎልበቦም። እዚ ሕዝቢ`ዚ ብደም ዝተዓደገ ስለ ዝኾነ ንኣምልኾ ድልዉ ነበረ። ቅዱስ ጳውሎስ ብዛዕባ ንእስራኤል ጥራይ ዝተዋህበ ጸጋ ከምዚ ይብል፦ ንሳቶም እስራኤላውያን እዮም፡ እግዚኣብሔር ከኣ ደቁ ገበሮም፡ኪዳን ኣተወሎም፡ ሕጊ ሓገገሎም፡ኣምልኾ ሠርዓሎም፡ተስፋ ድማ ሃቦም(ሮሜ9፡4)። ስለዚ እምበኣር እስራኤል በዂሪ ወደይ`ዩ ከም ዝበሎ እግዚኣብሔር ጽሑፍ እዩ`ሞ ንዕኦም ከኣ ኪዳን ኣተወሎም፡ እዚ ኪዳን እዚ ኸኣ ብደም እንስሳታት ዝተመረቐ ኪዳን እዩ። ንዕኦም`ውን ሕጊ ሃቦም፡ ኣምልኾ ኸኣ ሠርዓሎም። እዚ ኣምልኾ`ዚ ኸኣ ኣብ ድንኳን እግዚኣብሔር  ዝፍጸም ኣምልኾ ነበረ። እዚ ኣምልኾ`ዚ ኸኣ በቲ ኣምላኽ ዝሠርዖ ኣገልግሎት ክህነት ዝፍጸም ነበረ። ኣጸቢቕና ክንርድኦ ዝግበኣና ነገር ኣሎ፡ እዚ ክህነት`ዚ ኣብ ደም እንስሳታትን ሕግን ዝተመስረተ ኣገልግሎት እዩ። ብውህደትን ጥምረትን ተመላሊኡ ዝዕየ ተግባር ከኣ እዩ። ዕላማ`ዚ ክህነት እዚ ኸኣ ኣብ መንጐ ደቂ እስራኤል ንዝፍጸም ኩሉ በደልን ዘይምእዛዝን መቕጻዕትን ሞት ዘምጽእ ብምዃኑ ዕላማ እዚ ክህነት`ዚ ምእንቲ ኃጢኣት ዝቐርብ መሥዋዕትን መባእ ከምቲ ሕጊ ዝእዝዞ ብምቕራብ ኅድገት ኃጢኣት ምርካብ እዩ። ምኽንያቱ ከምቲ ሕጊ ዝእዝዞ ብዘይምፍሳስ ደም ሥርየት ኃጢኣት የልቦን።

ኣገልግሎት እዞም ካህናት ንመን`ዩ፧ ኢልና እንተሓተትና ኣገልግሎት እዞም ካህናት ንኹሉ ዝውክል ኣይኮነን እንታይ ደኣ ነቶም ኣምላኽ ደቁ ዝገበሮም፡ ኪዳን ዝኣተወሎም፡ ሕጊ ዝሓገገሎም፡ ኣምልኾ ኸኣ ዝሰርዓሎም ዘርኢ ኣብርሃም ዝኾኑ እስራኤላውያን ጥራይ ዝውክል እዩ። ኣምላኽ ነቶም ኣብ ትሕቲ ኪዳን ዘለዉ ጥራይ ዝሃቦ ጸጋን ውህበትን እዩ። እዞም ካህናት እዚኦም ካብ ሕዝቢ እስራኤል እዮም ተመሪጾም ብኣምላኽ ዝተሾሙ፡ ከምኡ ኸኣ እቲ ሊቀ ካህናት ኣብ ደረቱ ኣስማት ዓሠርተው ክልተ ነገደ እስራኤል በዕናቚ ዝተጻሕፎ ሳንቃ ኣፍ ልቢ ጸይሩ`ዩ ናብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ዝቐርብ። ንሱ እቲ ሊቀ ካህን ንብዘለዉ እስራኤላውያን ወኪሉ`ዩ ኣብ መቕደስ ዝኣቱ። ኣሮን ናብ መቕደስ ምስ ዚኣቱ፡ ነቲ ስም ደቂ እስራኤል ኣብቲ ናይ ፍርዲ ሳንቃ ኣፍ ልቢ ገይሩ፡ ወርትግ ኣብ ቅድሚ እግዚብሄር ንመዘከርታ ኪኸውን፡ ኣብ ልዕሊ ልቡ ይጹሮ(ዘፀ28፡29)። ቅዱስ ጳውሎስ`ውን ኣብ ናይ ዕብራውያን መልእኽቱ ከምዚ ይብል፦ ሊቀ ካህናት ዘበለ ዂሉ ካብቶም ከምኡ ዝኾኑ ሰባት ይኅረ። ንእግዚኣብሔር ብዜርኢ ነገር ከኣ መባእን መሥዋዕትን ስለ ኃጢኣት ምእንቲ ከቕርብ፡ ምእንቲ ሰብ ይሽየም(ዕብ5፡1)። ስለዚ ኸኣ ኣሮን ካብ እስራኤል ተኃርየ፡ ምእንቲ ኃጢኣት እስራኤል ከኣ መሥዋዕትን መባእን ከቕርብ ተሾመ።  ኣምላኽ ንኣሮን ዝሾሞን ዝመረጾን ባዕሉ እዩ፡ እግዚኣብሔር ንጹሀ ባህርይ ስለ ዝኾነ ምስ ኃጢኣት ኅብረት የብሉን። መጽሓፍ ከም ዝነግረና ኸኣ ዓስቢ ኃጢኣት ሞት`ዩ። እስራኤላውያን በደሎም ፀይሮም ምእንቲ ከይሞቱ ኸኣ ኣምላኽ ሥርዓት ምንጻህ ሓገገሎም። ብመሠረት ሕጊ ኸኣ እቲ ድኻም ዘለዎ ሊቀ ካህን መንጐኛ እቲ ኣብ ደም እንስሳታት ዝተመሥረተ ኪዳን ኮነ።  ምስ እዚ ተኣሳሲሩ  ዝኸይድ ካልእ ነገር ከኣ ኣብ ዙርያ ኣገልግሎት ድንኳን ወይ መቕደስ ብዘይካ ሌዋውያን ካልእ ግደ የብሉን፡ ንንግሥነት ብዝምልከት ከኣ ብዘይካ ነገደ ይሁዳ ካልኦት ነገዳት ግደ የብሎምን። ኣሮን ካብ ደቂ ሌዊ ብፍሉይ ንክህነት ዝተመርጸ ንሱን ዘርኡን ጥራይ ብምዃኖም ካልኦት ዓሌታትን ማይ ቤታትን ደቂ ሌዊ ኣብ ኣገልግሎት ክህነት ግደ የብሎምን። ዕዮኦም ድንኳን ምስክርነት ምትካልን ምንቃልን ከምኡ`ውን ካብ ናብ ምዝውዋር፡ ኣብቲ ደኃር ኣብ ዘመን ዳዊት ዝተሰርዐ 24 ክፍልታት ከኣ ዘመርቲ፡ ሃረምቲ መሳርሒታት፡ ሓለውቲ ደገ ….. ወዘተ ብምዃን ደኣ የገልግሉ ነበሩ እምበር ንመሥዋዕቲ ብዝምልከት፡ ምስ መቕደስን ሥርየት ኃጢኣትን ብዝምልከት ኣገልግሎት ኣይክፍሎምን እዩ። 

እስራኤላውያን ካብዚ ሰዓት`ዚ ጀሚሮም ክሳዕ`ታ መቕደስ ኣብ ኢዮርሳሌም ዝተሰርሐትላ እዋን ኣምልኾኦም ኣብ ድንኳን ይፍጸም ነበረ። መቕደስ ኣብ ኢዮርሳሌም ምስ ተሠርሐት ከኣ እቲ ኣገልግሎት ክህነት ኣብኡ ይፍጸም ነበረ። መሥዋዕትን መባእን ከኣ ኣብ ኢየሩሳሌም ጥራይ ይቐርብ ነበረ። እስራኤላውያን ናብ ዓለም ምሉእ ተበቲኖም እዮም እንተኾነ ምኩራባት ደኣ እምበር መቓድስ ኣይነበሮምን። ኣብ ስደት ዘለዉ ይኹኑ ኣብ ካልእ ከባቢታትን ከተማታትን እስራኤል ዝነበሩ እስራኤላውያን ማእከል ጸሎትን ምምሃርን ምጽናዕን ቅዱሳት ጽሑፋት ዝፍጹሙለን ምኲራባት ደኣ ነበሮም እምበር መቓድስ ኣይነበሮምን።  እቲ ኣገልግሎት መቕደስን እቲ ዝቐርብ ነበረ ደም ደዓውልን ገናሽልን ኣብ ኢዮሩሳሌም ጥራይ ነበረ። እቲ ኣብ ምድሪ ዝነበረ ኣገልግሎት ክህነት፡ ከምቲ ሕጊ ዝእዝዞ ገይሮም ዘቕርቡ ካህናት ዘለውዎ ኸኣ ኣብ ኢዮርሳሌም ጥራይ ነበረ። ኣቦታትና ኣብዚ እምባ`ዚ ሰገዱ፡ ንስኻትኩም ግና እታ ክሰግዱላ ዝግባእ ሥፍራ ኣብ ኢዮሩሳሌም እያ ኢኹም እትብሉ በለቶ። ኢየሱስ ከኣ “ ኣቲ ሰበይቲ፡ ኣብዚ እምባ እዚ ወይ ኣብ ኢዮሩሳሌም ነቦ ዘይሰግዱላ ጊዜ ከም ዝመጽእ እመንኒ። ንስኻትኩም ንዘይትፈልጥዎ ኢኹም እትሰግዱ፡ ንሕና ግና ምድኃን ካብ ኣይሁድ እዩ እሞ ንእንፈልጦ ኢና እንሰግድ(ዮሃ4፡20-21)። ኲሎም እቶም ኣብ ኢዮሩሳሌም ዚሕረዱን ዚሥውዑን ዝነበሩ እንስሳታት ምልክትን ምሳሌን መሲሕ ነበሩ። ቅዱስ ጳውሎስ ከምዚ እናበለ የብርሃልና ፦ እቲ ሊቀ ካህናት ነቲ ምእንቲ ኃጢኣት ዚውፈ ናይ እንስሳታት ደም ሒዙ ናብ ቅድስተ ቅዱሳን ይኣቱ። እቲ ሥጋ ግና ኣብ ወፃኢ ይሓርር ነበረ። ኢየሱስ ከኣ ንሕዝቢ ብደሙ ምእንቲ ኪቕድስ ኣብ ወፃኢ እታ ኸተማ ተሳቐየ(ዕብ 13፡11-12)። ምእንት`ዚ ኸኣ እዩ እቲ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ምእንቲ ኅድገት ኃጢኣት ዝፈስስ ዝነበረ ደም፡ ኣብታ ኣብ ኢዮርሳሌም ጥራይ ዝነበረት መቕደስ ዝቐርብ ዚነበረ።  መሲሕ ብዘይካ ኣብ ኢዮርሳሌም ኣብ ካልእ ከም ዘይመውት ዚነግር ሕያው ምልክት ከኣ`ዩ ዚነበረ፡ ወንጌላዊ ሉቃስ ከምዚ እናበለ ይትርኽ፦ “ እነሆ ኸኣ ክልተ ሰባት፡ ሙሴን ኤልያስን ምስኡ ይዘራረቡ ነበሩ። ብግርማ ኸኣ ተገልጹ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ኢዮሩሳሌም ኪፍጸም ዘለዎ ሞቱ ድማ ይዘራረቡ ነበሩ(ሉቃ9፡30-31)። 

ኣብ ምድርና ዝተሰምዐ ድምጺ ኣሎ፡ እቲ ድምጺ እቲ ኸኣ ድምጺ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ኣይኮነን፡ ብዓውታ ዝተቃልሐ ድምጺ ዘይቅኑዓት ሰባት እዩ። ኣብ ምድርና ንእግዚኣብሔር መሥዋዕትን መባእን ክቐርበላ ዝኽእል መቕደስ`ዶ ነይራ እያ፧ ከምቲ ሕጊ ዝእዝዞም ገይሮም መሥዋዕትን መባእን ከቕርቡ ዝኽእሉ ኣሮናውያን ሊቃነ ካህናት`ከ ነይሮም`ዶ፧ ከምቲ መጽሓፈ ክብረ ነገሥት መዝጊብዎ ዘሎኸ ብሓቂ`ዶ `ቲ ደም ንጹኃት ገናሽል ዝፈሰሉን ዝንጸገሉን ታቦተ ኪዳን፡ ኣብ ውሽጡ ውን ትእዛዛት እግዚኣብሔር ዚተጻሕፎ ጽላት፡ መና ዚመልአ ፍዮ ወርቂ፡ ከምኡ`ውን ዝጠጥዐት በትሪ ኣሮን ዚተነብሮ፡ ብዘመን ንጉሥ ሰሎሞን ናብ ምድርና መጺኡ ድዩ፧ ኢልና ክንምርምር ይግበኣና እዩ። ብመሠረት እቲ ታሪኽ መጽሐፈ ክብረ ነገሥት መዝጊብዎ ዘሎስ ታቦተ ኪዳን እግዚኣብሔርን ከምኡ`ውን ሊቃነ ካህናት ደቂ ኣሮን መጺኦም ዚብለናስ ድኅሪ ምምጽኦም ነቲ ሕጊ ዝእዝዞ ምእንቲ ኃጢኣት ዝቐርብ መሥዋዕትን መባእን`ከ ኣበይ ቀረበ፧ ነፍሲ ወከፍ ክምርምር ይግብኦ`ዩ፡ ምናልባት ገለ ኃይልን ዕላማን ኣምላኽ ዘይተረድኦም ኣብ ምድርና ቐረበ እንተበሉ ግን ነቲ መሲሕ ብዘይካ ኣብ ኢዮርሳሌም ኣብ ካልእ ኣይመውትን እዩ ዚብል ትምህርቲ ቅዱስ መጽሓፍ ብጭራስ ካብ ልቦም ከም ዘርሓቕዎ ክርድኡ ይግባእ። ጐይታ እንተፈቐዶስ ነዞም ሓሳባት እዚኣቶም ኣብ ቀጻሊ መደብ እዚ ጽሑፍ ክንምልከቶም ኢና። ንዕኡን ንመደቡን ምእንቲ ክንርዳእ ጸጋን ጥበብን ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ይርድኣና።ኣሜን።