ስለዚ ድማ ነቶም ብእኡ(ብኢየሱስ) ኣቢሎም ናብ ኣምላኽ ዚመጹ፡ ኵሉ ጊዜ ምእንታኦም ኪልምን ዚነብር ስለ ዝዀነ፡ ፈጺሙ ኼድሕኖም ይኽእል እዩ ዕብ7፡25።
(ሳልሳይ ክፋል)
ሰማያዊ ቅዱስ ዝኾንካ ኣምላኸይ አመስግነካ ኣሎኹ፡ ንልበይ ከም ፍቓድካ ብጸጋኻ ምልኣዮ፡ እወ ኦ ጐይታ
ብሓሳብካ ጥራይ ከገልግል ርድኣኒ። እቲ ንስኻ ኣብ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ዘቐመጥካዮን ዘንበርካዮን ሓቂ ኣብርሃለይ፡ ብመገዲ ጸልማት
ክኸይድ ኣይትፈቅድን ኢኻ`ሞ ኣምላኸይ ብርሃነይ ኩን። ኦ ጐይታ ንስኻ
ንዝተሠወረ ነገር እትገልጽ ኣምላኸይ ኢኻ፡ ሓቅኻ ምእንቲ ክፈልጥ ምሥትውዓል ኣብዝሓለይ፡ ብጐይታና ብኢየሱስ ክርስቶስ ስም እልምነካ
ኣሎኹ። ቃልካ እሙን እዩ “ ጸውዓኒ`ሞ ኣነ ክምልሰልካ ዘይትፈልጦ ዓብይን ሥውርን ምሥጢር ክገልጸልካ እየ” ኢልካ ኢኻ`ሞ ንሓቂ
ክርዳእን ክቕበልን ደግፈኒ። ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ እሙን ሊቀ ካህናት ነቲ ዝተገልጸ ጽላሎት “ሊቃነ ካህናት ደቂ ኣሮን” ክግንዘብን
ክርዳእን ርድኣኒ፡ ንዕኡ ኣምላኽ`ዩ ሰሪዕዎ`ሞ ክምልከቶን ከስተውዕሎን ባርኸኒ፡ ኣእምሮይ ባርኽ፡ ብነገር ኩሉ ነቲ ሓቐኛ ክህነትካ
ክርዳእን ብእኡ ክውከልን ርድኣኒ። ንስኻ ንኣይ ናይ ደም መርዓዊ ኢኻ፡ ብደምካ ኪዳን ዘልዓለም ዘቖምካ እሙንን ደጋጽን ሊቀ ካህናት`ውን
ኢኻ፡ ስምካ ይባረኽ። ጐይታ መንፈስ ቅዱስ ንልቦናይ ኣብርህ፡ ንስኻ ምርሓኒ ኣነ ኸኣ ክኽተለካ እየ፡ ብኹሉ ነገር በረኸት እትህበና
ጐይታ መንፈስ ቅዱስ ኣብቶም ብክርስቶስ ዝኣመኑ ዕየ። ንምድርና ፈውሳ፡ ንስኻ ንምኽሪ ዲያብሎስ እተፍርስ፡ ንኃይሉ ኸኣ እትገትእ ዕርቡን
ርስቲ ቅዱሳን ጐይታን ኣምላኸይ መንፈስ ቅዱስ ኢኻ። ስለ ኹሉ ነገር ንእግዚኣብሔር ኣቦ ብስም ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ስብሐት ይኹን።
ዘርኢ ሊቀ
ካህናት
ጐይታ ሠራዊት እግዚኣብሔር ንሓሳቡ ክንርድኣሉ እንኽእል ጥበብን ምሥትውዓልን ይዓድለና። መጠን እቲ
ንሱ ኣብ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ገሊጽዎ ዘሎ ሓቂ ክንርዳእ ጐይታ መንፈስ ቅዱስ የበርትዓና። ኣብ ዘመን ሕይወት “ሓቂ እንታይ’ዩ፧”
ኢሉ ዝሓትት ሰብ፡ እቲ ጸልማት ተገፊፉ ብርሃን ከም ዝበርሃሉ ግሉጽ ነገር እዩ። ጐይታ ኣብ ቅድሚ ጲላጦስ ዝሃቦ ምሥክርነት ከኣ
ብዛዕባ ሓቂ እዩ። “ኣነ ንሓቂ ኽምስክር እየ ዝተወለድኩ፡ ምእንትዚ`ውን እየ ናብ ዓለም ዝመጻእኩ፡ ወገን ሓቂ ዘበለ ዂሉ ኸኣ
ድምፀይ ይሰምዕ እዩ” ኢሉ መለሰሉ። ጲላጦስ ከኣ “ሓቂ እንታይ`ዩ፧” በሎ(ዮሃ 18፡37)። ገጻት ሕይወት ብዙሕ እዩ፡ኩሉ ገጻት
ከኣ ሓቂ እዩ ማለት ኣይኮነን። ኣብ ሕይወት ግን ዘይቅየር እንኮ ሓቂ ኣሎ ንሱ ኸኣ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። ከምቲ ጐይታ
ንሓቂ ክገልጽ ዝተወልደ፡ ዕዮኡ ውን ወርትግ ሓቂ ዝኾነ፡ በንጻር`ዚ ኸኣ ኣቦ ሓሶት ዝኾነ፡ ንሓሶት ከኣ ከም ቀንዲ መሳርሒቱ ዝጥቀመላ
ጸላኢ ዲይብሎስ ኣሎ። ንጸልማት ዘጥፍኦ ብርሃን እዩ፡ ንሓሶት ከኣ ከም ዘይነበረ ዝገብሮ ሓቂ እዩ። ሽሕ`ኳ እዚ ዘለናዮ ዘመናት
ሓሶት ዝነገሰሉ፡ ንሓቂ`ውን ዝኸውን ቦታ ዘይርከበሉ፡ ብርሃን ወንጌል ዝጽለኣሉ ዘመን እንተኾነ፡ ሓቂ ግን ከምቲ ክኽወል ዘይክእል
እምባ ንዝደለይዋ ምእንቲ ኽትርአ ተሰጢሓ ትርከብ። ዓለምን ክርስቲያንን ዝፍለይሉ መገዲ እዚ እዩ፡ ዓለም ንክርስቶስ ንዒቓን ሰቒላን
ካብ ኣወገደቶስ ንክርስቶስ ኢየሱስ ዝኸውን ልቢ ንዕኡ ክቕበል፡ ንኽህነቱ`ውን ዝኣምን ልቢ ክህልዋ ኣይጽበይን እየ፡ ምኽንያቱ ንሳ
ኣብ ትሕቲ እቲ መስፍን እዛ ዓለም ተባሂሉ ዝተገልጸ ዲያብሎስ ወዲቓ ከም ዘላ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ሓቂ እዩ።
ቤተክርስቲያን ካብ ዓለም ብደም ኢየሱስ ክርስቶስ ተሓጺባ ዝተቐደሰት፡ ካብ ክፍኣት ዝረሓቐት፡ ብደሙ`ውን
ዝኸበረት ማኅበር ሕያው ኣምላኽ እያ። መርዓት ክርስቶስ ኢየሱስ ተባሂላ ክትስመ ዘኽኣላ ከኣ ሊቀ ካህንነት ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ።
ነዚ ዓሚቚ መለኮታዊ ሓሳብ ክንርድኦን ክንኣምኖን ብግዲ እዩ፡ ንእኡ እንተዘይኣሚንና ግና ኣካላት ክርስቶስ ኣይኮንናን ማለት`ዩ።
ኣካላት ክርስቶስ እንኾነሉ ተግባር፡ ብእምነት ንኢየሱስ ክርስቶስ ከም ሊቀ ካህናትን መድኃንን ምቕባል እዩ። ኣብ ቀዳሞት ክልተ
ክፋላት ብዛዕባ ክህነት ኣሮን ኢና ተዓዚብና`ሞ ሎሚ ውን ብዛዕባ`ዚ ክህነት`ዚ ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ ንዝተጻሕፈ ሓቂ ብምእማን፡ ነቲ
ብሰባት ዝተሰንዐ ኣብ ምድርና`ውን ዘጒላዕልዐ ስሑት ትምህርቲ ክንርኢ ኢና።
ዕላማ ጽሑፈይ ነቲ ሓቀኛ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ትምህርቲ ምግላጽ እዩ። መጽሓፈ ክብረ ነገሥት ከም መወከሲ
ነቶም ኣብ ምድርና ሊቃነ ካህናት ነይሮም`ዮም ተባሂሉ ዝንገር ኮነ፡ ምምጻእ ታቦተ ኪዳን ናብ ኢትዮጵያ ዚትርኽ መጽሓፍ እዩ። ንኣጸሓሕፍኡን
ትኅዝትኡን ዚምልከት መጽናዕቲ ክግበረሉ ዝግብኦ ብምዃኑ ኸኣ ነፍሲ ወከፍና ብኣቃልቦ ክንዕይሮ ይግባእ። ብዛዕባ ንግሥቲ ሳባን ንሳ`ውን
ጥበብ ሰሎሞን ክትርኢ ናብ ኢዮሩሳሌም ምኻዳን፡ ካብ ሰሎሞን`ውን ጥንሲ ሒዛ ምምጽኣን፡ ነቲ ዝወለደቶ ሕጻን ውን “በይነ ልሕከም(ኢብነ
እልሐኪም)” ኢላ ከም ዝሰመየቶ ይትርኽ። ንሱ ወዲ ዕስራን ክልተን ዓመት ምስ ኮነ ኸኣ ኣቦኡ ክረክብ ናብ ኢዮርሳሌም ተበገሰ።
ንሱ ኣብ ኢዮሩሳሌም ድኅሪ ምብጽሑ ድኅሪ ዝተወሰነ እዋናት ናብ ሃገረይ ክምለስ እየ ስለ ዝበለ ነፍሲ ወከፍ በዂሪ ውሉድ እስራኤል
ምስኡ ክኸዱ ተኣወጀ ይብል። እዞም ናብ ምድሪ ኢትዮጵያ ክኸዱ ዝተወሰነሎም
ሰባት “ ኣዛርያስ ወዲ ሳዶቕ ብዝመኸሮ ምኽሪ ተሰማሚዖም ታቦተ ኪዳን ናብ ኢትዮጵያ ክወስድዋ ተመሓሓሉ” ይብል።
ንግሥቲ ሳባ ጥበብ ሰሎሞን ክትርኢ፡ ማለት እቲ ብዛዕባ ሰሎሞን ዝሰምዓቶ ሓቒ ምዃኑን ዘይምዃኑን ከተረጋግጽ፡
ካብ ደቡብ ተበጊሳ ናብ ኢዮርሳሌም ከም ዝመጸትን፡ ንሰሎሞን`ውን ብፈተንቲ ሕቶታት ከም ዝፈተነቶን ንሱ`ውን ከም ዝመለሰላን፡ ብዛዕባ
እቲ ምስኡ ዝነበረ ጥበብን ብዛዕባ እቲ ኣብ ቤት መንግሥቲ ኮነ፡ ኣብ መቕደስ ዝረኣየቶ ሥርዓትን ኣግባባትን ከም ዝተማረኸት መጽሓፍ
ቅዱስ ብግልጺ ኣስፊርዎ ዘሎ ሓቂ እዩ። ኣብ መፈጸምታ`ውን ንሳ ብሰሎሞን ንዝተዋህባ ህያብ ሒዛ ናብ ሃገራ ከም ዝኸደት ይነግር(1ነገ
10፡1-13/ 2ዜና9፡9። ከምኡ`ውን ኣብ ቀዳማይ ክፍለ ዘመን ዝነበረ ኣይሁዳዊ ጸሓፊ ታሪኽ ዮሴፍ ነዚ ታሪኽ`ዚ ይጽሕፍ። ብመሠረት
መጽሓፈ ክብረ ነገሥት ኣቐሚጥዎ ዘሎ፡ በቲ በይነ ልሕከም(ኢብነ እልሐኪም) ንኢዮርሳሌም ዝደየበሉ እዋናት ሊቀ ካህናት ጻዶቅ ብሕይወት
ከም ዝነበረን፡ መጽሓፈ ክብረ ነገሥት (ኣዛርያስ ወዲ ሳዶቕ) ብዝበሎ መሠረት ከኣ ንወዱ ከም ዝባረኾ ይነግረና፡ ድኅሪ ታቦተ ኪዳን
ምውሳዱ ኸኣ ነቲ መሸፈኒ ገንጺሉ ዝረኣየን ብስምባደ ዝወደቐን ንሱ ሳዶቅ እዩ ይብል።
እምበኣር ክቡራት ኣኅዋተይን ኣኃተይን መጽሐፈ ክብረ ነገሥት ብዛዕባ ሳዶቅ እዚ በለ፡ መጽሓፍ ቅዱስ`ከ
ብዛዕባ ሳዶቅን ሊቀ ካህናት ዝኾኑ ዘርኡን እንታይ ይብለና፧ ሳዶቅ`ከ ካበየናይ ወገን ኣሮን`ዩ፧ ሊቀ ካህንነት ኣሮን በቶም ካብ
ሞት ዝተረፉ ክልተ ደቂ ኣሮን (ኣልኣዛርን ኢታማርን) እዩ ዝቕጽል። 1ይ መጽሐፈ ዜና መዋዕል ከኣ፡ ብኸምዚ ይገልጾ፦ ደቂ ኣሮን፦ ናዳብ፡ ኣቢሁ፡ ኣልኣዛር፡ ኢታማር። ኣልኣዛር ንፊንሃስ
ወለደ። ፊንሃስ ንኣቢሹዓ ወለደ። ኣቢሺዓ ንቡቂ ወለደ። ቡቂ ንዑዚ ወለደ። ዑዚ ንዜራሕያ ወለደ። ዜራሕያ ንመራዮት ወለደ።መራዮት
ንኣማርያ ወለደ። ኣማርያ ንኣሒጡብ ወለደ። ኣሒጡብ ንሳዶቅ ወለደ። ሳዶቅ ንኣሒመዓጽ ወለደ። ኣሒመዓጽ ንኣዛርያ
ወለደ። ኣዛርያ ንዮሓናን ወለደ። ዮሓናን ንኣዛርያ ወለደ።(ኣዛርያ ኣብታ ሰሎሞን ኣብ ኢዮሩሳሌም ዝሠርሓ ቤት መቕደስ፡ ብኽህነት
ዜገልግል ዝነበረ እዩ)። ኣዛርያ ንኣማርያ ወለደ።ኣማርያ ንኣሒጡብ ወለደ። ኣሒጡብ ንሳዶቅ ወለደ። ሳዶቅ ንሻሉም ወለደ። ሻሉም
ንሒልቂያ ወለደ። ሒልቅያ ንኣዛርያ ወለደ።ኣዛርያ ንሰራያ ወለደ። ሰራያ ንይሆጻድቅ ወለደ። ይሆጻድቅ፡ እግዚኣብሔር ንሕዝቢ ይሁዳን
ኢዮሩሳሌምን ብናቡከደነጾር ተማሪኾም ከም ዝኸዱ ምስ ገበሮም፡ ምስኦም ተማሪኹ ኸደ።
ጸሓፊ መጽሓፈ ዜና መዋዕል ፡ ብጥልቀትን ዕምቆትን ሓረግ ወለዶ ሊቀ ካህናት ክዝርዝር ዝኸኣለሉ ዓላማ
ክሳዕ ክንደይ ንኣገልግሎት ሊቀ ካህንነት ብኣተኲሮ ከም ዝተመልከቶ ከነስተውዕል ይግበኣና እዩ። እዚ ካብ ናብ እናተሰጋገረ ዝኸይድ
ዘሎ መስመር ሊቀ ካህንነት በቲ ሓደ ሊቀ ካህናት ብሕይወት ሃልዩ ክመርሖ ዝግብኦ ከባቢ 40 ዓመት እንተ ኣርባሕናዮ፡ ናይ ዕስራን
ሓደን በብእዋኑ ዝነበሩ ሊቃነ ካህናት ንልዕሊ 840 ዓመታት ዝተዘርግሐ ብምዃኑ ንልቢ ዘደንቕ ጽፉፍ ኣሰራርዓን ኣመዛግባን እዩ።
ካብ ሊቀ ካህናት ኣሮን ኣብ መበል ዓሠርተው ሓደ ተሰሪዑ ዘሎ ሊቀ ካህናት ኣብ ዘመን ንጉሥ ዳዊት ዝነበረ፡ እሙን ኣማኻሪ ዳዊት
እዩ። ሳዶቅ ማለት ቅድስና ማለት`ዩ። ኣብ 10 century (1000) ዓ.ቅ.ክ ዝነበረ ኣገልጋሊ ሊቀ ካህናት እዩ። ሳዶቅ ወዲ ኣሒጡብን ኣሒሜለክ ወዲ
ኣብያታርን ድማ ካህናት ነበሩ(2ሳሙ817)። ዳዊት ካብ ኣቤሴሎም ወዱ ኣብ ዝሃደመሉ እዋን ውን ሳዶቅን ኣብያታርን ንታቦት ኪዳን
ምስኡ ሒዞም ወጹ ኣብ ርባ ቄድሮን ውን በጽሑ፡ ንሱ ግን ንስኻትኩም ኣብ ኢየሩሳሌም ጽንሑ ዝኾነ ነገር ከኣ ሓብሩኒ በሎም። ሽዑ
ንጉሥ ንሳዶቅ፦” ንታቦት ኣምላኽ ናብ ከተማ ምለሶ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር መጐስ እንተደኣ ረኺበስ፡ ኪመልሰኒ እዩ፡ ንእኡን ንማኅደሩን
ድማ ከርእየኒ እዩ። ኣይፈትወካን እንተበለኒ ግን እኔኹ ባህ ከም ዝበሎ ይግበረኒ በለ(2ሳሙ 15፡24)። ንጉሥ ዳዊት ወሲኹ ከምዚ በለ “ንጉሥ ድማ ንሳዶቅ ካህን፡ ንስኻ ረኣዪ ደይኮንካን፧ ብሰላም
ናብ ከተማ ተመለስ፡ ወድኻ ኣሒመዓጽን ዮናታን ወዲ ኣብያታርን ክልቲኦም ደቅኹም ድማ ምሳኻትኩም ይኺዱ። ርኣዩ፡ እቲ ወረ ዝነግረኒ
ካባኻትኩም ክሳዕ ዝመጽእ፡ ኣነ ኣብቲ ጐልጐል ምድረ በዳ ክጸንሕ እየ በሎ”። ሽዑ ሳዶቅን ኣብያታርን ንታቦት ኣምላኽ ናብ ኢዮሩሳሌም
መለስዎ፡ ኣብኡ ኸኣ ተቐመጡ(2ሳሙ15፡27)።
ኣቤሴሎም ናብ ኢዮሩሳሌም ምስ ኣተወ ብኽፉእ ምኽሪ ኣሒቶፌል ተደሪኹ ብዘሎ እስራኤል እናረኣየ ምስ
ኣንስቲ ወሰን ኣብኡ ደቀሰ። ኣሒቶፌል 12ሽሕ ሰብኣይ ኃርየ፡ ሕጂ ንዳዊት ኣብ ምድረ በዳ ከክርቦ`ሞ ክቐትሎ ፍቐደለይ ብምባል
ንኣቤሴሎም መኸሮ፡ ኣቤሴሎምን ዓበይቲ እስራኤልን ከኣ በዚ ባህበሎም፡ እንተኾነ ምኽሪ ሑሻይ በዓል ኣርኪ ክሰምዑ ብምድላዮም ተወከስዎ
ንሱ ኸኣ ንምኽሪ ኣሒቶፌል ተቓወሞ። ንኣቤሴሎም ውን ካልእ ምኽሪ ሃቦ፡ በቲ ምኽሩ ከኣ ኣቤሴሎምን ዓበይቲ እስራኤልን ተሓጎሱ እግዚኣብሔር
ንኣቤሴሎም ክፉእ ምእንቲ ከምጽኣሉ፡ ነቲ ጽቡቕ ምኽሪ ኣሒቶፌል ከም ዚብተን ገበሮ።
ሽዑ ሑሻይ ነቶም ካህናት፡ ንሳዶቅን
ኣብያታርን “ኣሒፌቶል ንኣቤሴሎምን ነቶም ዓበይቲ እስራኤልን ከምዝን ከምዝን ኢሉ መኸሮም፡ ኣነ ኸኣ ከምዝን ከምዝን ኢለ መኸርኩ።
እምበኣር ሕጂ ንጉሥን እቲ ምስኡ ዘሎ ዂሉ ሕዝቢ ምእንቲ ከይጠፍእሲ” ዝገበርካ ጌርካ ተሳገር እምበር በዛ ለይቲ እዚኣ ኣብቲ መሳገሪታት
ምድረ በዳ ኣይትኅደር” ኢሎም ንዳዊት ኪነግርዎ ቐልጢፍኩም ልኣኹሉ” በሎም። ንሳቶም ምስ ከዱ፡ ኣሒመዓጽን ዮናታንን ድማ ካብታ
ዔላ ወፂኦም ከይዶም ንንጉሥ ዳዊት ነገርዎ። ንዳዊት ድማ ኣሒቶፌል
ከምዝን ከምዝን ኢሉ መኺሩልኩም`ዩ እሞ ተንሢእኩም ቀልጢፍኩም ነቲ ርባ ተሳገርዎ በልዎ(2ሳሙ171-17/21-22)።
ካህን ሳዶቅ ካብ ዘርኢ ኣልኣዛር/ ካህን ኣብያታር ከኣ ካብ ዘርኢ ኢታማር እዮም። ካህን ሳዶቅ እሙን
ኣማኻርን ቅኑዕ ኣገልጋልን ብምንባሩ ብዳዊት ዝተኣምነ ሰብ ነበረ። እቲ ብዛዕባ ምኽሪ ኣሒቶፌል ንዳዊት ዘብጽሐ፡ ብኣጓይያኡ ውን
ዚፍለጥ ኣሒመዓስ ከኣ ወዱ እዩ። ኣብ ቀጻሊ ጽሑፋት ሳዶቅ ኣብ ምንጋሥ ሰሎሞን ዝነበሮ ታኣማንነት ክንርኢ ኢና። ንሓቂ ኣብ ልብና
ቋጺርና ነቲ ሓቂ ዘይኮነ ፈሊና ክንርዳእን ንሓቂ ክንምስክርን ጐይታ ጸጋኡ የብዝኃልና። ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ኩላትና
ይኹን። ኣሜን።
AmlaK ybarKka kbur Hawey. 10 BC ilkaya zeleka 1000BC eya kem zmesleni. Ab medemdemta gna qurub mnxxar (Comparsion) zedlya koynu rekibeyo. Msti kab kwnnet zrehaqe giega tmhrti gbue meredaeta xeHafela. EgziabHier ybarkka!
ReplyDeleteAmen kbur hawey kibri yhabeley. Eti Hsab ayteasren hakika. ab zktselu kifalat kiktselo ele eye. ab 4 kfal eti hasab kiktsel u. Goyta bzemen kulu ybarka.
ReplyDelete