ስለዚ ድማ ነቶም ብእኡ(ብኢየሱስ) ኣቢሎም ናብ ኣምላኽ ዚመጹ፡ ኵሉ ጊዜ ምእንታኦም ኪልምን ዚነብር ስለ ዝዀነ፡ ፈጺሙ ኼድሕኖም ይኽእል እዩ ዕብ7፡25።
(ራብዓይ ክፋል)
ሰማያዊ ቅዱስ ዝኾንካ ኣምላኸይ አመስግነካ ኣሎኹ፡ ንልበይ ከም ፍቓድካ ብጸጋኻ ምልኣዮ፡ እወ ኦ ጐይታ
ብሓሳብካ ጥራይ ከገልግል ርድኣኒ። እቲ ንስኻ ኣብ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ዘቐመጥካዮን ዘንበርካዮን ሓቂ ኣብርሃለይ፡ ብመገዲ ጸልማት
ክኸይድ ኣይትፈቅድን ኢኻ`ሞ ኣምላኸይ ብርሃነይ ኩን። ኦ ጐይታ ንስኻ
ንዝተሠወረ ነገር እትገልጽ ኣምላኸይ ኢኻ፡ ሓቅኻ ምእንቲ ክፈልጥ ምሥትውዓል ኣብዝሓለይ፡ ብጐይታና ብኢየሱስ ክርስቶስ ስም እልምነካ
ኣሎኹ። ቃልካ እሙን እዩ “ ጸውዓኒ`ሞ ኣነ ክምልሰልካ ዘይትፈልጦ ዓብይን ሥውርን ምሥጢር ክገልጸልካ እየ” ኢልካ ኢኻ`ሞ ንሓቂ
ክርዳእን ክቕበልን ደግፈኒ። ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ እሙን ሊቀ ካህናት ነቲ ዝተገልጸ ጽላሎት “ሊቃነ ካህናት ደቂ ኣሮን” ክግንዘብን
ክርዳእን ርድኣኒ፡ ንዕኡ ኣምላኽ`ዩ ሰሪዕዎ`ሞ ክምልከቶን ከስተውዕሎን ባርኸኒ፡ ኣእምሮይ ባርኽ፡ ብነገር ኩሉ ነቲ ሓቐኛ ክህነትካ
ክርዳእን ብእኡ ክውከልን ርድኣኒ። ንስኻ ንኣይ ናይ ደም መርዓዊ ኢኻ፡ ብደምካ ኪዳን ዘልዓለም ዘቖምካ እሙንን ደንጋጽን ሊቀ ካህናት`ውን
ኢኻ፡ ስምካ ይባረኽ። ጐይታ መንፈስ ቅዱስ ንልቦናይ ኣብርህ፡ ንስኻ ምርሓኒ ኣነ ኸኣ ክኽተለካ እየ፡ ብኹሉ ነገር በረኸት እትህበና
ጐይታ መንፈስ ቅዱስ ኣብቶም ብክርስቶስ ዝኣመኑ ዕየ። ንምድርና ፈውሳ፡ ንስኻ ንምኽሪ ዲያብሎስ እተፍርስ፡ ንኃይሉ ኸኣ እትገትእ ዕርቡን
ርስቲ ቅዱሳን ጐይታን ኣምላኸይ መንፈስ ቅዱስ ኢኻ። ስለ ኹሉ ነገር ንእግዚኣብሔር ኣቦ ብስም ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ስብሐት ይኹን።
በቲ ዝሃቡኻ ብሩርን ወርቅን ጌርካ ድማ ዘውዲ ሥራሕ፡ ኣብ ርእሲ
ሊቀ ካህናት ኢያሱ ወዲ ይሆጻድቕ ድማ ድፍኣዮ(ዘካ6፡11)።
ኦ ቅዱስን ሕያውን ኣምላኸይ ጥበብካ ክትገልጸለይ ብስም ሓደ ወድኻ ኢየሱስ እልምነካ ኣሎኹ። ንስኻ
ነቲ ሕቱም ክትፈትሕ ዓቕሚ ዘሎካ ገላጺ ምሥጢራት ኢኻ`ሞ ሕግኻ ክርድኣሉ ዝኽእል ምሥትውዓልን ጥበብን ዓድለኒ፡ ብስም ጐይታ ኢየሱስ
ክርስቶስ ባርኸኒ። ንዂላቶም ነዚ ጽሑፍ ዘንብቡ ውን ምርዳእ ቃላትካ ክትኅቦም ብስም ጐይታ ኢየሱስ እልምነካ ኣሎኹ።
ዘለዓለማዊ ዝኾነ ምኽሪ ኣምላኽ ነቶም ንሱ ክገልጸሎም ዝፈተወ እንተዘይኮይኑ ንኻልእ ግሉጽ ኣይኮነን።
ነቶም ልቦም ብቕንዕና መሊኦም ብንጽህና ንሕጉ ክፈልጥዎ ዝብህጉ ኸኣ ኢድ ኣምላኸይ ምእንቲ ክትረድኦም ዘወትር ዝርግሕቲ እያ። መጽሓፍ
ቅዱስ ንመንፈስ ቅዱስ “በሊሕ መንፈስ” ብምባል ይገልጾ፡ እዚ መንፈስ እዚ ፈልዩ ከረድእ ዝኽእል ብሩኽ መንፈስ`ዩ፡ ሎሚ ውን ንዕኡ
ተስፋ ገይረ እጽሕፍ ኣሎኹ። ንዝተጸናበረን ንዝተሓዋወሰን ፈልዩ ነቲ ቅኑዕ ምህሮ ዘርእየና ሓቀኛ መምህር ጐይታ መንፈስ ቅዱስ ስለ
ዘሎ ነፍሰይ ንኣምላኸይ ተመስግኖ ኣላ።
ኣብ ዝሓለፉ ክፋላት ከም ዝረኣናዮ፡ ኣብ መሠረትን ዝርግሐን፡ ክህነት ኣሮን ኣተኲርና ኢና ንዕዘብ
ዘሎና። ነዚ ዝተዘርግሐ መስመር ሊቀ-ካህንነት ብንጹር መገዲ ምስ እንርዳእ ከኣ ብዙኃት ሕልኽልኽ ዝበሉ ዝተወሳሰቡ ታሪኻት`ዮም
ዝፍትሑልና። “ኣብ ምድርና ሊቃነ ካህናት ደቂ ኣሮን ታቦተ ኪዳን ሒዞም ኣብ ዘመን ንጉሥ ሰሎሞን ናብ ምድርና መጺኦም እዮም” ንዝብል
ትምህርቲ መጽሐፈ ክብረ-ነገሥት ምርኩስ ብምግባር ንዘመናት ንዝተዘርአ ዘይቅኑዕ ትምህርቲ ኸኣ ቅኑዕ መልስን ግምገማን ንርኢ ኣሎና።
ሽሕ`ኳ ብዛዕባ መጽሐፈ ክብረ-ነገሥት ክብሎ ዝግባእ ብዙኅ እንተሃለወኒ፡ ንሕጂ ግና ኣብቲ ንሱ ብዛዕባ ታቦተ ኪዳንን ሊቃነ ካህናት
ደቂ ኣሮንን ዘስፈሮ ዛዕባ ኣተኲረ ይጽሕፍ ምህላወይ ክትርድኡለይ እደሊ።
መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ሳዶቅ ንጹር ዝኾነ ሓበሬታ ከም ዝሃበና ኣብ ዝሓለፈ ክፋላት ተንኪፈዮ ነይረ፡
ሎሚ ኸኣ ተራ ካህን ሳዶቅ ኣብ ምንጋሥ ንጉሥ ሰሎሞን ከመይ ከም ዝነበረ ክንርኢ ኢና። ቅዱስ ዳዊት ሸምጊሉ ኣብ ዝነበረሉ፡ ኣቤሴሎም
ስለ ዝሞተ እቲ ካብ ኣጊት ዚውለድ ኣዶንያስ ወዲ ዳዊት ዝዓበየ ብምንባሩ፡ “ኣነ ክነግሥ`የ” ብምባል ተላዕለ። ሠረገላታትን ፈረሰኛታትን
ምስኡ ዚጐዩ ኃምሳ ሰብኣይን ከኣ ኣዳልዩ ነበረ። ኣዶንያስ ነዚ ምሥጢር`ዚ ንኢዮኣብ ወዲ ጽሩያን ንካህን ኣብያታርን ኣካፊልዎም
ነበረ`ሞ ንሳቶም ድማ ንሓሳቡ ደጊፎሞ ነበሩ። በንጻር`ዚ ኸኣ ካህን ሳዶቅን በናያ ወዲ የሆያዳን ነቢይ ናታንን ሺምዒን ረዒይን
እቶም ጀጋኑ ሓለዉቲ ዳዊትን ግና ምስ ኣዶንያስ ኣይነበሩን(1ነገሥ1፡5-8)።
ኣዶንያስ ንዝፋን መንግሥቲ ዳዊት ክቕጽል ኢሉ ብዝሓሎኖ ሓሳብን መሠረት እቲ ዘውጽኦ መደብን ኣብ ጥቓ
ዓይኒ ማይ ኤን-ሮጌል ዘሎ እምኒ ተመን ዚበሃል ከውሒ ኣባጊዕን ኣሓን ስቡሓት ኣባይትይን ብምሕራድ ንዂሎም ኣኅዋቱ ደቂ ንጉሥን
ንዂሎም ሹማምንቲ ንጉሥ ዘበሉ ሰብ ይሁዳን ጸዊዑ ከብቅዕ፡ ንነቢይ ናታንን ንበናያን ነቶም ጀጋኑ ሓለዉቲ ንጉሥ ዳዊትን ንሰሎሞን
ኃዉን ግና ኣይጸውዖምን። ነቢይ ናታን ንቤርሳቤህ ብዝሃባ ምኽሪ ኸኣ ንሳ ከይዳ ንንጉሥ ዳዊት ብዛዕባ እቲ ንሱ ከይፈለጠ ዝነገሠ
ኣዶንያስ ወዱን ብዛዕባ እቲ ንሱ ቅድም ወድኺ ሰሎሞን ክነግሥ`ዩ ኢሉ ብስም እግዚኣብሔር ዝመሓለላ ማሕላን ነገረቶ። ንጉሥ ዳዊት
እዚ ነገራት`ዚ ሓቂ ከም ዝኾነ ምስ ፈለጠ ኸኣ ንካህን ሳዶቅን ንነቢይ ናታንን ንበናያ ወዲ የሆያዳን ጸዊዑ ከምዚ ኢሉ ኣዘዞም፦
“ ነቶም ሓለውተይ ምሳኹም ተማሊእኩም፡ ንወደይ ሰሎሞን ከኣ ኣብ በቕለይ ኣወጢሕኩም ናብ ርባ ጊሖን ኣውርድዎ። ኣብኡ ኸኣ ካህን
ሳዶቅን ነቢይ ናታንን ኣብ ልዕሊ እስራኤል ኪነግሥ ይቕብእዎ። መለኸት እናነፋሕኩም ድማ ‘ንጉሥ ሰሎሞን ሕያው ይኹን’ በሉ “ ኪምለስ
ከሎ ድማ ዓጂብኩምዎ ተመለሱ፡ ንሱ ኸኣ ኣብ ዝፋነይ ይቀመጥ እሞ ኣብ ክንዳይ ይንገሥ፡ ሰሎሞን ኣብ ልዕሊ እስራኤልን ኣብ ልዕሊ
ይሁዳን ኪነግሥ ኣዚዘ እየ” በሎም(1ነገ1፡33-35)። ንሳቶም ከኣ ከምቲ ዳዊት ዝኣዘዞም ገበሩ። ካህን ሳዶቅ ከኣ በቲ ካብቲ
እግዚኣብሔር ዚርከበሉ ድንኳን ዘምጽኦ፡ ኣብ ቀርኒ ዝመልአ ዘይቲ ገይሩ ንሰሎሞን ቀብኦ። መለኸት ከኣ ነፍሑ፡ ኲሎም ሕዝቢ ድማ፡
“ንጉሥ ሰሎሞን ሕያው ይኹን” በሉ።
ካህን ሳዶቅ ካብ ዘመን ሳኦል ጀሚሩ ምስ ንጉሥ ዳዊት ዝነበረ እሙን ኣማኻሪ ቅኑዕ ካህን ነበረ። ካብዚ
ዘመናት’ዚ ጀሚሩ ክሳዕ 587 ዓ.ቅ.ክ ምፍራስ ቤተ መቕደስ ክሳዕ ዝኾነሉ ዘመናት ብተተካእቲ ካህናት ማይ ቤት ሳዶቅ ይቅጽል ከም
ዝነበረ መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ። ከምኡ`ውን 1ዜና6፡15 መዝጊብዎ ከም ዘሎ የሆጻድቅ ተማሪኹ ናብ ባቢሎን ከም ዝኸደ ይነግር። ካብቶም
ካብ ምርኮ ዝተመልሱ ኸኣ ብሰፉሕ ውን ኣብ መጻሕፍቲ ትንቢት ዘካርያስን እዝራን ነህምያን ሰፊሩ ዘሎ ሊቀ ካህናት ኢያሱ፡ ንሱ ወዲ
የሆጻድቅ ምዃኑ መጽሓፍ ቅዱስ ይነግረና። በቲ ዝሃቡኻ ብሩርን ወርቅን ጌርካ ድማ ዘውዲ ሥራሕ፡ ኣብ ርእሲ ሊቀ ካህናት
ኢያሱ ወዲ ይሆጻድቕ ድማ ድፍኣዮ(ዘካ6፡11)።
መተርጉማን ቅዱሳት መጻሕፍቲ ሳዶቅ ኣብ ዘመነ ዳዊትን ዘገልገለን ከምኡ`ውን ንሰሎሞን ዝቐብአ ንሱ`ዩ
ድኅሪ ምባሎም። ንሱ ብመሠረት እዚ ዝርግሐ ዘመን`ዚ ዝሸምገለ ሰብ ብምንባሩ ከም ዝሞተ፡ ንእኡ ድማ ወዱ ኣሒመዓጽ ከም ዝተክኦን
ይዛረቡ። ቀዳማይ መጽሓፈ ዜና መዋዕል ምዕራፍ ሽዱሽተ ከም ዝገልጾ ኸኣ ኣሒመዓጽ ወዲ ሳዶቅ ንኣዛርያ ከም ዝወለደ ይነግረና። ሰሎሞን
ቤተ-መቕደስ ሰሪሑ ድኅሪ ምዝዛሙ ኸኣ ኣዛርያ ወዲ ኣሒመዓጽ፡ወዲ ሳዶቅ ናይ መጀመርታ ሊቀ ካህናት ነበረ። እነሆ ድማ ንጉሥ ሰሎሞን
ኣብ ልዕሊ ዂሉ እስራኤል ንጉሥ ኮነ። ሹማምንቱ ኸኣ እዞም ዝስዕቡ እዮም፦ ኣዛርያ ወዲ ሳዶቅ፡ ካህን(1ነገ4፡1-2)። ንጉሥ ሰሎሞን
መንግሥቱ ኣደልዲሉ ብመዋቕራት ዘርግሐ፡ ምሕደራኡ`ውን ካብቶም ቅድሚኡ ዝነበሩ ነገሥታት ይሁዳ ዝሓየለ ነበረ። ኣዛርያ ወዲ ሳዶቅ
ዝተባህለሉ ምኽንያት ኣብ ኣጸዋውዓ እስራኤል፡ ወዲ ወድኻ ከም ወድኻ ተባሂሉ ምጽዋዕ ልምዲ ስለ ዝኾነ ደኣ እምበር ከምቲ ቀዳማይ
መጽሐፈ ዜና መዋዕል መዝጊብዎ ዘሎ፡ ሳዶቅ ንኣሒመዓጽ ወለደ፡ ኣሒመዓጽ ከኣ ንኣዛርያ ወለደ። ኣዛርያ ከም ሹም መንግሥቲ እስራኤል
እዚ ማለት ከኣ ኣብ ትሕቲ ንጉሥ ሰሎሞን ከም ዋና ኣመኃዳሪ እስራኤል(ፕራይ ሚንስተር)ን ከም ካህንን ኮይኑ ዘገልግል ዝነበረ እሙን
ኣገልጋሊ እዩ።
ንሱ ኣብ ኢዮሩሳሌም ካህን ኮይኑ ኣብ ዘገልግለሉ ዝነበረ ዘመን ኣባሓጎኡ ካህን ሳዶቅ ብሕይወት ኣይነበረን።
መጽሓፈ ክብረ-ነገሥት ብዘመን ተዓቂኑ ዝተጻሕፈ ብዘይምዃኑ ኸኣ ሳዶቅ
ሊቀ ካህናት ኣብ ዝነበረሉ ዘመን ኣዛርያ(ኣዛርያስ፡መጽሐፈ ክብረ-ነገሥት ከም ዘስፈሮ ስም) “ነቲ ታቦተ ኪዳን ወሲዱ ምስቶም ንኢትዮጵያ
ክኸዱ ዝተኣወጀሎም ደቂ ሹማምንቲ ናብ እትዮጵያ መጸ” ዝበሎ ታሪኽ ዘይቅኑዕ ምዃኑ ንግንዘብ። “ካህን ኣዛርያ ንእስራኤል ሓዲጉ
ናብ ኢትዮጵያ መጺኡ እዩ” ምባል ማለት ከኣ ነቲ ኣዛርያ ንዮሓናን ወለደ። ዮሓናን ንኣዛርያ ወለደ(ኣዛርያ ኣብታ ሰሎሞን ኣብ ኢዮሩሳሌም
ዝሠርሓ ቤት መቕደስ፡ ብኽህነት ዜገልግል ዝነበረ እዩ)። ኣዛርያ ንኣማርያ ወለደ።….. እናበለ ክሳዕ እቲ ንባቢሎን ብምርኮ ዝወረደ
የሆጻድቅ ዝተዘርግሐ ዓሠርተዉ ክልተ መሥመር ሊቀ ካህንነት ኣሮን ምኽሓድ እዩ። ስለዚ መጽሓፍ ቅዱስ ብዝሃበና ንጹር ሓበሬታ መሠረት፡
መሥመር ሊቀ ካህንነት ደቂ ኣሮን ቅድሚ ምርኮ ኮነ ድኅሪ ምርኮ ካብ ማይ ቤት ሳዶቅ ዝወጹ ካህናት ዝቐጸለ እዩ። እዚ ኣገልግሎት`ዚ
ኸኣ ኣብ ሃገረ እስራኤል ዝተሓጽረ ምንባሩ ተረዲእና ኣሎና። ካብ ሓረግ ሊቀ ካህንነት ኣሮን ተቖሪጾም ናብ ምድርና ዝመጹ ሊቃነ
ካህናት ኮነ ታቦተ ኪዳን ውን ከምዘየለ ኸኣ ብመንጽር ቅዱስ መጽሓፍ ተገንዚበን ተረዲአን ኣለኹ።
አለቃ ኪዳኔ ወልድ ክፍለ ኣብ
መጽሐፈ ሰዋስው ወግስ፡ ወመዝገበ ቃላት ሐዲስ ኮነ አዲስ የመጽሐፍ ቅዱስ መዝገበ ቃላት ከም ዘስፈርዎ ኸኣ፡ ግሪካዊ ተጽዕኖ ኣብ
ኣይሁድ ንዝፈጠሮ ተግባር ንምቅዋም ተላዒሎም ዝነበሩ ጉጅለታት ኣይሁድ፡ ፈሪሳውያን ሰዱቃውያንን፡ ኣብ ዘመን ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ
ውን ዝነበሩ እዮም። ሰዱቃውያን ሊቃነ ካህናት ኮይኖም ኣብ መቕደስ ዘገልግሉ ዝነበሩ ካብ ወገን ካህናት እዮም፡ እቲ “ሰዱቃውያን”
ዚብል ስያሜ ኸኣ ካብ “ሳዶቅ” ዚብል ከምዝወጸ ይገልጹ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ኣገልግሎት ብዝነበሮም ተኣማንነት ዝፍለጡ
ካህናት ማይ ቤት ሳዶቅ እዮም። ልዑል እግዚኣብሔር ተዛረበኒ፦ “ ሕዝቢ እስራኤል ካባይ ኪርሕቁ ኸለዉ፡ እቶም ካብ ወገን ሌዋውያን
ዝኾኑ ካህናት ዘርኢ ሳዶቅ እሙናት ኮይኖም ኣብታ ቤት መቕደስ የገልግሉኒ ነበሩ። ስለዚ ሕጂ እቶም ኣብ ቅድመይ ዚቐርቡን ዜገልግሉንን
መሥዋዕቲ ደም ዘቕርቡለይን ንሳቶም እዮም። እወ እቶም ኣብ ቤት መቕደሰይ ዝኣትዉ፡ ኣብ መሠውዕየይ ዘገልግሉ፡ ኣብ ቤት መቕደስ
ሥርዓት ኣምልኾ ዝመርሑ በይኖም ንሳቶም እዮም(ሕዝ44፡15-16)። ኦ ጐይታ ንሕያው ቃላትካ ምእንቲ ክንርዳእን ንሓቂ ክንፈልጥን
ንልቢ ባሮትካ ኣንቅሓዮን ኣብርሃዮን፡ ኣሜን።
No comments:
Post a Comment