ስለዚ ድማ ነቶም ብእኡ(ብኢየሱስ) ኣቢሎም ናብ ኣምላኽ ዚመጹ፡ ኵሉ ጊዜ ምእንታኦም ኪልምን ዚነብር ስለ ዝዀነ፡ ፈጺሙ ኼድሕኖም ይኽእል እዩ ዕብ7፡25።
(6ይ ክፋል)
ሰማይን ምድርን ዝፈጠርካ ኣምላኸይ ስምካ ይባረኽ። ንስኻ ንውሉድ ወለዶ ህያው ኢኻ`ሞ አመስግነካ ኣሎኹ። ንሥርዓት ክህነት መልከጼዴቅ ብምሳሌ ዘቖምካ ንስኻ ኢኻ`ሞ እባርኸካ ኣሎኹ። ኦ ንጉሥ ሰላምን ጽድቅን ዝዀንካ እንኮ ሊቀ ካህናት ኢየሱስ ስምካ ይባረኽ። ብኣኻ ብምእማንና ብደምካ ድኅነትን ሕይወትን ኮይኑልና እዩ`ሞ እባርኸካ ኣሎኹ። ጐይታ መንፈስ ቅዱስ ንሕይወተይ ሓሉን ባርኽን፡ ንስኻ ምንጪ ሰላመይ ኢኻ፡ ስለ ኹሉ ነገር ንእግዚኣብሔር ኣቦ ብስም ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ስብሐት ይኹን።
እቲ ኻህን ልዑል ኣምላኽ ዝኾነ መልከጼዴቅ ንጉሥ ሳሌም ድማ እንጌራን ወይንን ኣምጽአ(ዘፍ14፡18)።
ኣቦ ጐይታና
ኢየሱስ ክርስቶስ ብኹሉ ዘድልየና ነገር ባሪኹና`ዩ`ሞ ምስጋና ይኹኖ። ነዚ ዓቢይ ምሥጢር ኣምላኽ ምእንቲ ክንርዳእ ብክርስቶስ ኢየሱስ
ጸጋኡ ዘፍሰሰልና ክብሪ ይኹኖ። ኣብ ቀዳሞት 5 ክፋላት ንሊቀ ካህንነት ኣሮን ተመልኪትና ነይርና፡ እነሆ ሕጂ ኸኣ ንክህነት መልከጼዴቅ ብመንጽር ቅዱስ መጽሓፍ ክንምልከት ኢና፡ ጐይታ
ምሥጢሩን ጸጋኡን የብዝኃልና። ካብ ዘፍጥረት ክሳዕ ራእይ ዮሃንስ ተዘርጊሑ ኣብ ዘሎ ቃል ኣምላኽ፡ ብዛዕባ መልከጼዴቅ ዝተባህለ
ንጉሥ ሳሌምን ካህን ልዑል ኣምላኽን ኣብ ዘፍ 14፡17-23/ መዝ 110፡4/ ዕብ7 ጥራይ ተጠቂሱ ወይ ተገሊጹ ንረክብ። እንታይነት
እዚ ካህንን ንጉሥን ዝኾነ ሰብ ምስ እንርዳእ ከኣ መለኮታዊ መልእኽቲ ኣምላኽ ክንርድኦ ቀሊል እዩ።
ብዘመን
ኣምራፌል ንጉሥ ሰናኦር(ባቢሎን)፡ ንጉሥ ኣምራፌል ዝርከቦም ኣርባዕተ ነገሥታት ምስ 5ተ ነገሥታት ምድሪ ከንኣን ከም ዝተዋግኡ
እሞ ንጉሥ ሰዶም ዝርከቦም ሓሙሽተ ነገሥታት ኣብ ውግእ ከም ዝተሳዕሩ መጽሓፍ ቅዱስ ይነግረና። ኣብራም ንወዲ ሓዉ ሎጥ ከድኅን
318 ዕጡቓት ኣገልገልቱን ምስ ሰብ ኪዳኑን ተንሲኡ፡ ኬዶርላኦሜር ዝርከቦም 4 ነገሥታት ስዒሩ ክምለስ ከሎ፡ ንጉሥ ሰዶምን ካህን
ልዑል ኣምላኽን ንጉሥ ሳሌምን ዝኾነ መልከጼዴቅ ኣብ ለሰ ሻዌ ክቕበልዎ ወጹ። ካህን ልዑል ኣምላኽን ንጉሥ ሳሌምን ዝኾነ መልከጼዴቅ
ከኣ ነቲ ኣቦ ደቂ እስራኤል ዝኾነ ኣብራም ባረኾ። ኅብረቱን ፍቕሩን ምእንቲ ክገልጸሉ ኸኣ እንጌራን ወይንን ኣምጽአ፡ ኣብራም ከኣ
ካብቲ ዝማረኾ ዕሽር ሃቦ። እዚ ነቲ ዓቢይ ኣቦና ዝባርኽ ዘሎ ካህንን ንጉሥን ዝኾነ መልከጼዴቅ ማዕረ ኽንደይ`ኮን ዓቢይ`ዩ፧ ፍሉይ
መለለዪ መልከጼዴቅ እንታይ`ዩ፧
- 1. ትርጉም ስሙ፦ መልከጼዴቅ ማለት ንጉሥ ጽድቂ ወይ ንጉሥ ሳሌም(ሻሎም) ማለት`ዩ። ጽድቅን ሰላምን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጣሚሮም ኢና እንረኽቦም። ግብሪ ጽድቅስ ሰላም፡ ፍረ ጽድቂውን ህድኣትን ደሓንን ንዘለኣለም ኪኸውን እዩ(ኢሳ32፡17። ለውሃትን ሓቅን ተራኸባ፣ ጽድቅን ሰላምን ተሳዓዐማ(መዝ85፡10)። ሓቀኛ ጽድቂ ምንጪ ሓቀኛ ሰላም እዩ። ምስ ኣምላኽ ሓቀኛ ዝኾነ ሰላም ከነስተማቕር እንተኾይንና ብግዲ ኣብ ቅድሚኡ ጻድቃን(ቅዱሳን) ክንከውን ኣሎና። ሰብ ሕጊ ብምፍጻም ክጸድቅ ኣይክእልን`ዩ ስለዚ ኸኣ ሓቀኛ ሰላም የብሉን። ሰብ በቲ ንኃጥኣን ከድኅን ዝኽእል ኢየሱስ ምስ ዝኣምን ከኣ እምነቱ ጽድቂ ኮይኑ ይቑጸረሉ፡ ብደም ክርስቶስ ምስ ኣምላኽ ስለ ዝተዓርቀ ኸኣ ብደም ወዱ ምስ ኣቦ ሰላም ኣለዎ።
- 2. ንግሥነትን ክህነትን ዝውንን እዩ፦ ኣብ መዝገብ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ዝፋንን መቕደስን ሓድሕዶም ዝተፈላለዩ እዮም። እቲ ሓደ ኣብቲ ካልእ ክኣቱ ኮነ ክሳተፍ ከኣ ኣይክእልን እዩ። መልከጼዴቅ ግን ካህን ልዑል ኣምላኽ(ፈጣሪ ሰማያትን ምድርን) ጥራይ ዘይኮነስ እንኮላይ ንጉሥ ሳሌም እዩ። ኣሮን ካህን ደኣ ነበረ እምበር ንጉሥ ኣይነበረን፡ ዳዊት ከኣ ንጉሥ ደኣ ነበረ እምበር ካህን ኣይነበረን። መልከጼዴቅ ግን ክህነትን ንግሥነትን ጠሚሩ ዝሓዘ ሰብ`ዩ ዝነበረ። ንጉሥ ዑዝያ ዕጣን ክዓጥን ናብ መቕደስ ኣምላኽ ድኅሪ ምእታዉ፡ ብቅጽበት መቕጻዕቲ ልዑል ኣምላኽ ኣብኡ ወረደ እሞ ለምጻም ኮነ ክሳዕ ዕለተ ሞቱ ውን ከምኡ ኢሉ ነበረ። ንሳቶም ንንጉስ ዑዝያ ተቓወምዎ፡ ከምዚ ኢሎም ከኣ ተዛረብዎ፡ ዎ ዑዝያ፡ ንእግዚኣብሄር ዕጣን ምዕጣንሲ ናይቶም ኪዐጥኑ እተቐደሱ ኻህናት ደቂ ኣሮን እዩ እምበር፡ ናትካ ኣይኰነን። በዲልካ፡ እዚ ኸኣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣይኬኽብረካን እዩ እሞ፡ ካብ ቤት መቅደስ ውጻእ(2ዜና26፡18)። ፍሉይነት እቲ ካህን ልዑል ኣምላኽን ንጉሥ ሳሌምን ዝኾነ መልከጼዴቅ እምበኣር እዚ እዩ፡ ንሱ ክህነትን ንግሥነትን ዘላፈነ፡ ንኣቦና ኣብራም ዝባረኸ፡ ካብኡ`ውን ዕሽር ዝተቐበለ ዓቢይ ሰብ እዩ።
ካብ እግዚኣብሔር ኣቦናን ካብቲ ኸም ፍቓድ ኣቦና ኣምላኽ፡ ካብዛ ሕጂ ዘላ እክይቲ ዓለም ምእንቲ ኼድሕነና ኢሉ፡ ብሰሪ ሓጢኣትና ነፍሱ ዝሃበ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን፡ ጸጋን ሰላምን ይውረድኩም።
………ይቅጽል……………
ኣሜን! ቃለ ህይወት የስምዕኣልና።
ReplyDelete