Friday, May 1, 2020

ሊቀ ካህናት ካልኣይ ክፋል


ስለዚ ድማ ነቶም ብእኡ(ብኢየሱስ) ኣቢሎም ናብ ኣምላኽ ዚመጹ፡ ኵሉ ጊዜ ምእንታኦም ኪልምን ዚነብር ስለ ዝዀነ፡ ፈጺሙ ኼድሕኖም ይኽእል እዩ ዕብ7፡25። (ካልኣይ ክፋል)

ኦ ዘለዓለማዊ ካህን ኢየሱስ ክርስቶስ ስምካ ይባረኽ፡ ንስኻ ገዛእ ርእስኻ መሥዋዕቲ ገይርካ ዘቕረብካ እሙንን ደንጋጽን ካህነይ ኢኻ`ሞ እባርኸካ ኣሎኹ። ብሓቂ ምእንት`ዚ ተግባር ኢኻ ኸኣ ሰብ ኮንካ። ኦ ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ መሥዋዕትኻ ብቑዕ፡ ክህነትካ`ውን ዘልዓለማዊ እዩ፡ ሎሚ ውን ኣብ ቅድሚ ኣቦ እትረኣየለይ መድኅነይ፡ ኃጢኣት ዓለም ዘርሓቕካ ገንሸል በይንኻ ኢኻ።  ቅዱስ ኣቦይ ስምካ ይባረኽ፡ ኣቦ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ዘለዓለም ምስጋና ይግበኣካ፡ ንሓደ ወድኻ ሊቀ ካህናት ጌርካ ስለ ዘተንሣእካዮ እባርኸካ ኣለኹ። ኦ ኣቦ፡ ንሱስ ምሳኻ ዝዓረቐና፡ ብደሙ ዘቕረበና እንኮ መንጐኛና ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። ጐይታ መንፈስ ቅዱስ ንሕግኻ ምእንቲ ክንርድኦ ምስትውዓል ዓድለና ጐይታየ ባርኸና፡ ቀድሰና፡ ኣበርትዓና፡ ንምድርና ውን ብወንጌልካ ምልኣያ። ጐይታ መንፈስ ቅዱስ እዘን ዘመናት እዚአን ብቓልካን መንፈስካን እንሕደሰለን ዘመናት ይኹናልና። ንስኻ በይንኻ ንሕይወትና ተቖጻጺርካዮ ኢኻ`ሞ ተባረኽ። ንእግዚኣብሔር ኣቦ ብስም ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ስብሐት ይኹን።

እምበኣር ኣብ ምድሪ እንተ ዚኸውንሲ፡ ከምቲ ሕጊ ዝእዝዞ ገይሮም መባእ ዘቕርቡ ካህናት ስለ ዘለዉ፡ ንሱ ከቶ ካህን ኣይምኾነን ነይሩ(ዕብ 8፡4)።

ቅዱስ እግዚኣብሔር ጐይታ ሠራዊት መስተንክር ዝኾነ ጥበቡ ይግለጸልና። መደቡ ሓሳቡን ምእንቲ ክንፈልጥ`ውን ምስትውዓል ይዓድለና። ኣብ ዝሓለፈ ክፋል ኣምላኽ መዓስን ብኸመይን ኣብታ ብደም እንስሳታት ዝተመረቐት ኪዳን ዘገልግሉ ካህናት ንሳቶም ከኣ ኣሮንን ደቑን ጥራሕ ምዃኖም ተመልኪትና ኔርና። እዚ ዓይነት ክህነት`ዚ ኸኣ ኣብ ሕጊ ዝተመሥረተ፡ ብዘርእን ዓሌትን ዝተፈልየ፡ ኣሮናዊ ክህነት እዩ። ዕላማ እዚ ክህነት`ዚ እንታይ`ዩ፧ እዞም ካህናት እዚኦም`ከ ንመን እዮም ዘገልግሉ፧ እቲ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዘለዎም ተልእኾን ዕዮን`ከ እንታይ`ዩ፧ ንዚብሉ ሕቶታት ኣብ ኣእምሮና`ሞ ንመላልሶ ንዝተወሰነ ካልኢታት ከኣ ንሕሰብ።

እግዚኣብሔር ጐይታ ሠራዊት ንሕዝቡ ካብ ባርነት ግብጺ ቅድሚ ምልቓቑ ንፈርዖን ንጉሥ ግብጺ ደጋጊሙ ከምዚ በሎ፦ እግዚኣብሔር ኣምላኽ እስራኤል ‘ንሕዝበይ ኣብ ምድረ-በዳ በዓል ኪገብሩለይ ኪኸዱ ኅደጎም’ ይብል ኣሎ በልዎ(ዘፀ5፡1)። ፈርዕን ንእስራኤላውያን ክኃድጐም ኣይፈተወን እንተኾነ ንሳቶም(እስራኤላውያን) ብኃያልን ብርትዕትን ቅልጽም እግዚኣብሔር ድኂኖም ካብ ግብጺ ወጹ፡ ፈርዖንን ሠራዊቱን ከኣ ባሕሪ ኣጎልበቦም። እዚ ሕዝቢ`ዚ ብደም ዝተዓደገ ስለ ዝኾነ ንኣምልኾ ድልዉ ነበረ። ቅዱስ ጳውሎስ ብዛዕባ ንእስራኤል ጥራይ ዝተዋህበ ጸጋ ከምዚ ይብል፦ ንሳቶም እስራኤላውያን እዮም፡ እግዚኣብሔር ከኣ ደቁ ገበሮም፡ኪዳን ኣተወሎም፡ ሕጊ ሓገገሎም፡ኣምልኾ ሠርዓሎም፡ተስፋ ድማ ሃቦም(ሮሜ9፡4)። ስለዚ እምበኣር እስራኤል በዂሪ ወደይ`ዩ ከም ዝበሎ እግዚኣብሔር ጽሑፍ እዩ`ሞ ንዕኦም ከኣ ኪዳን ኣተወሎም፡ እዚ ኪዳን እዚ ኸኣ ብደም እንስሳታት ዝተመረቐ ኪዳን እዩ። ንዕኦም`ውን ሕጊ ሃቦም፡ ኣምልኾ ኸኣ ሠርዓሎም። እዚ ኣምልኾ`ዚ ኸኣ ኣብ ድንኳን እግዚኣብሔር  ዝፍጸም ኣምልኾ ነበረ። እዚ ኣምልኾ`ዚ ኸኣ በቲ ኣምላኽ ዝሠርዖ ኣገልግሎት ክህነት ዝፍጸም ነበረ። ኣጸቢቕና ክንርድኦ ዝግበኣና ነገር ኣሎ፡ እዚ ክህነት`ዚ ኣብ ደም እንስሳታትን ሕግን ዝተመስረተ ኣገልግሎት እዩ። ብውህደትን ጥምረትን ተመላሊኡ ዝዕየ ተግባር ከኣ እዩ። ዕላማ`ዚ ክህነት እዚ ኸኣ ኣብ መንጐ ደቂ እስራኤል ንዝፍጸም ኩሉ በደልን ዘይምእዛዝን መቕጻዕትን ሞት ዘምጽእ ብምዃኑ ዕላማ እዚ ክህነት`ዚ ምእንቲ ኃጢኣት ዝቐርብ መሥዋዕትን መባእ ከምቲ ሕጊ ዝእዝዞ ብምቕራብ ኅድገት ኃጢኣት ምርካብ እዩ። ምኽንያቱ ከምቲ ሕጊ ዝእዝዞ ብዘይምፍሳስ ደም ሥርየት ኃጢኣት የልቦን።

ኣገልግሎት እዞም ካህናት ንመን`ዩ፧ ኢልና እንተሓተትና ኣገልግሎት እዞም ካህናት ንኹሉ ዝውክል ኣይኮነን እንታይ ደኣ ነቶም ኣምላኽ ደቁ ዝገበሮም፡ ኪዳን ዝኣተወሎም፡ ሕጊ ዝሓገገሎም፡ ኣምልኾ ኸኣ ዝሰርዓሎም ዘርኢ ኣብርሃም ዝኾኑ እስራኤላውያን ጥራይ ዝውክል እዩ። ኣምላኽ ነቶም ኣብ ትሕቲ ኪዳን ዘለዉ ጥራይ ዝሃቦ ጸጋን ውህበትን እዩ። እዞም ካህናት እዚኦም ካብ ሕዝቢ እስራኤል እዮም ተመሪጾም ብኣምላኽ ዝተሾሙ፡ ከምኡ ኸኣ እቲ ሊቀ ካህናት ኣብ ደረቱ ኣስማት ዓሠርተው ክልተ ነገደ እስራኤል በዕናቚ ዝተጻሕፎ ሳንቃ ኣፍ ልቢ ጸይሩ`ዩ ናብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ዝቐርብ። ንሱ እቲ ሊቀ ካህን ንብዘለዉ እስራኤላውያን ወኪሉ`ዩ ኣብ መቕደስ ዝኣቱ። ኣሮን ናብ መቕደስ ምስ ዚኣቱ፡ ነቲ ስም ደቂ እስራኤል ኣብቲ ናይ ፍርዲ ሳንቃ ኣፍ ልቢ ገይሩ፡ ወርትግ ኣብ ቅድሚ እግዚብሄር ንመዘከርታ ኪኸውን፡ ኣብ ልዕሊ ልቡ ይጹሮ(ዘፀ28፡29)። ቅዱስ ጳውሎስ`ውን ኣብ ናይ ዕብራውያን መልእኽቱ ከምዚ ይብል፦ ሊቀ ካህናት ዘበለ ዂሉ ካብቶም ከምኡ ዝኾኑ ሰባት ይኅረ። ንእግዚኣብሔር ብዜርኢ ነገር ከኣ መባእን መሥዋዕትን ስለ ኃጢኣት ምእንቲ ከቕርብ፡ ምእንቲ ሰብ ይሽየም(ዕብ5፡1)። ስለዚ ኸኣ ኣሮን ካብ እስራኤል ተኃርየ፡ ምእንቲ ኃጢኣት እስራኤል ከኣ መሥዋዕትን መባእን ከቕርብ ተሾመ።  ኣምላኽ ንኣሮን ዝሾሞን ዝመረጾን ባዕሉ እዩ፡ እግዚኣብሔር ንጹሀ ባህርይ ስለ ዝኾነ ምስ ኃጢኣት ኅብረት የብሉን። መጽሓፍ ከም ዝነግረና ኸኣ ዓስቢ ኃጢኣት ሞት`ዩ። እስራኤላውያን በደሎም ፀይሮም ምእንቲ ከይሞቱ ኸኣ ኣምላኽ ሥርዓት ምንጻህ ሓገገሎም። ብመሠረት ሕጊ ኸኣ እቲ ድኻም ዘለዎ ሊቀ ካህን መንጐኛ እቲ ኣብ ደም እንስሳታት ዝተመሥረተ ኪዳን ኮነ።  ምስ እዚ ተኣሳሲሩ  ዝኸይድ ካልእ ነገር ከኣ ኣብ ዙርያ ኣገልግሎት ድንኳን ወይ መቕደስ ብዘይካ ሌዋውያን ካልእ ግደ የብሉን፡ ንንግሥነት ብዝምልከት ከኣ ብዘይካ ነገደ ይሁዳ ካልኦት ነገዳት ግደ የብሎምን። ኣሮን ካብ ደቂ ሌዊ ብፍሉይ ንክህነት ዝተመርጸ ንሱን ዘርኡን ጥራይ ብምዃኖም ካልኦት ዓሌታትን ማይ ቤታትን ደቂ ሌዊ ኣብ ኣገልግሎት ክህነት ግደ የብሎምን። ዕዮኦም ድንኳን ምስክርነት ምትካልን ምንቃልን ከምኡ`ውን ካብ ናብ ምዝውዋር፡ ኣብቲ ደኃር ኣብ ዘመን ዳዊት ዝተሰርዐ 24 ክፍልታት ከኣ ዘመርቲ፡ ሃረምቲ መሳርሒታት፡ ሓለውቲ ደገ ….. ወዘተ ብምዃን ደኣ የገልግሉ ነበሩ እምበር ንመሥዋዕቲ ብዝምልከት፡ ምስ መቕደስን ሥርየት ኃጢኣትን ብዝምልከት ኣገልግሎት ኣይክፍሎምን እዩ። 

እስራኤላውያን ካብዚ ሰዓት`ዚ ጀሚሮም ክሳዕ`ታ መቕደስ ኣብ ኢዮርሳሌም ዝተሰርሐትላ እዋን ኣምልኾኦም ኣብ ድንኳን ይፍጸም ነበረ። መቕደስ ኣብ ኢዮርሳሌም ምስ ተሠርሐት ከኣ እቲ ኣገልግሎት ክህነት ኣብኡ ይፍጸም ነበረ። መሥዋዕትን መባእን ከኣ ኣብ ኢየሩሳሌም ጥራይ ይቐርብ ነበረ። እስራኤላውያን ናብ ዓለም ምሉእ ተበቲኖም እዮም እንተኾነ ምኩራባት ደኣ እምበር መቓድስ ኣይነበሮምን። ኣብ ስደት ዘለዉ ይኹኑ ኣብ ካልእ ከባቢታትን ከተማታትን እስራኤል ዝነበሩ እስራኤላውያን ማእከል ጸሎትን ምምሃርን ምጽናዕን ቅዱሳት ጽሑፋት ዝፍጹሙለን ምኲራባት ደኣ ነበሮም እምበር መቓድስ ኣይነበሮምን።  እቲ ኣገልግሎት መቕደስን እቲ ዝቐርብ ነበረ ደም ደዓውልን ገናሽልን ኣብ ኢዮሩሳሌም ጥራይ ነበረ። እቲ ኣብ ምድሪ ዝነበረ ኣገልግሎት ክህነት፡ ከምቲ ሕጊ ዝእዝዞ ገይሮም ዘቕርቡ ካህናት ዘለውዎ ኸኣ ኣብ ኢዮርሳሌም ጥራይ ነበረ። ኣቦታትና ኣብዚ እምባ`ዚ ሰገዱ፡ ንስኻትኩም ግና እታ ክሰግዱላ ዝግባእ ሥፍራ ኣብ ኢዮሩሳሌም እያ ኢኹም እትብሉ በለቶ። ኢየሱስ ከኣ “ ኣቲ ሰበይቲ፡ ኣብዚ እምባ እዚ ወይ ኣብ ኢዮሩሳሌም ነቦ ዘይሰግዱላ ጊዜ ከም ዝመጽእ እመንኒ። ንስኻትኩም ንዘይትፈልጥዎ ኢኹም እትሰግዱ፡ ንሕና ግና ምድኃን ካብ ኣይሁድ እዩ እሞ ንእንፈልጦ ኢና እንሰግድ(ዮሃ4፡20-21)። ኲሎም እቶም ኣብ ኢዮሩሳሌም ዚሕረዱን ዚሥውዑን ዝነበሩ እንስሳታት ምልክትን ምሳሌን መሲሕ ነበሩ። ቅዱስ ጳውሎስ ከምዚ እናበለ የብርሃልና ፦ እቲ ሊቀ ካህናት ነቲ ምእንቲ ኃጢኣት ዚውፈ ናይ እንስሳታት ደም ሒዙ ናብ ቅድስተ ቅዱሳን ይኣቱ። እቲ ሥጋ ግና ኣብ ወፃኢ ይሓርር ነበረ። ኢየሱስ ከኣ ንሕዝቢ ብደሙ ምእንቲ ኪቕድስ ኣብ ወፃኢ እታ ኸተማ ተሳቐየ(ዕብ 13፡11-12)። ምእንት`ዚ ኸኣ እዩ እቲ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ምእንቲ ኅድገት ኃጢኣት ዝፈስስ ዝነበረ ደም፡ ኣብታ ኣብ ኢዮርሳሌም ጥራይ ዝነበረት መቕደስ ዝቐርብ ዚነበረ።  መሲሕ ብዘይካ ኣብ ኢዮርሳሌም ኣብ ካልእ ከም ዘይመውት ዚነግር ሕያው ምልክት ከኣ`ዩ ዚነበረ፡ ወንጌላዊ ሉቃስ ከምዚ እናበለ ይትርኽ፦ “ እነሆ ኸኣ ክልተ ሰባት፡ ሙሴን ኤልያስን ምስኡ ይዘራረቡ ነበሩ። ብግርማ ኸኣ ተገልጹ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ኢዮሩሳሌም ኪፍጸም ዘለዎ ሞቱ ድማ ይዘራረቡ ነበሩ(ሉቃ9፡30-31)። 

ኣብ ምድርና ዝተሰምዐ ድምጺ ኣሎ፡ እቲ ድምጺ እቲ ኸኣ ድምጺ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ኣይኮነን፡ ብዓውታ ዝተቃልሐ ድምጺ ዘይቅኑዓት ሰባት እዩ። ኣብ ምድርና ንእግዚኣብሔር መሥዋዕትን መባእን ክቐርበላ ዝኽእል መቕደስ`ዶ ነይራ እያ፧ ከምቲ ሕጊ ዝእዝዞም ገይሮም መሥዋዕትን መባእን ከቕርቡ ዝኽእሉ ኣሮናውያን ሊቃነ ካህናት`ከ ነይሮም`ዶ፧ ከምቲ መጽሓፈ ክብረ ነገሥት መዝጊብዎ ዘሎኸ ብሓቂ`ዶ `ቲ ደም ንጹኃት ገናሽል ዝፈሰሉን ዝንጸገሉን ታቦተ ኪዳን፡ ኣብ ውሽጡ ውን ትእዛዛት እግዚኣብሔር ዚተጻሕፎ ጽላት፡ መና ዚመልአ ፍዮ ወርቂ፡ ከምኡ`ውን ዝጠጥዐት በትሪ ኣሮን ዚተነብሮ፡ ብዘመን ንጉሥ ሰሎሞን ናብ ምድርና መጺኡ ድዩ፧ ኢልና ክንምርምር ይግበኣና እዩ። ብመሠረት እቲ ታሪኽ መጽሐፈ ክብረ ነገሥት መዝጊብዎ ዘሎስ ታቦተ ኪዳን እግዚኣብሔርን ከምኡ`ውን ሊቃነ ካህናት ደቂ ኣሮን መጺኦም ዚብለናስ ድኅሪ ምምጽኦም ነቲ ሕጊ ዝእዝዞ ምእንቲ ኃጢኣት ዝቐርብ መሥዋዕትን መባእን`ከ ኣበይ ቀረበ፧ ነፍሲ ወከፍ ክምርምር ይግብኦ`ዩ፡ ምናልባት ገለ ኃይልን ዕላማን ኣምላኽ ዘይተረድኦም ኣብ ምድርና ቐረበ እንተበሉ ግን ነቲ መሲሕ ብዘይካ ኣብ ኢዮርሳሌም ኣብ ካልእ ኣይመውትን እዩ ዚብል ትምህርቲ ቅዱስ መጽሓፍ ብጭራስ ካብ ልቦም ከም ዘርሓቕዎ ክርድኡ ይግባእ። ጐይታ እንተፈቐዶስ ነዞም ሓሳባት እዚኣቶም ኣብ ቀጻሊ መደብ እዚ ጽሑፍ ክንምልከቶም ኢና። ንዕኡን ንመደቡን ምእንቲ ክንርዳእ ጸጋን ጥበብን ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ይርድኣና።ኣሜን።


No comments:

Post a Comment