ስለዚ ድማ ነቶም ብእኡ(ብኢየሱስ) ኣቢሎም ናብ ኣምላኽ ዚመጹ፡ ኵሉ ጊዜ ምእንታኦም ኪልምን ዚነብር ስለ ዝዀነ፡ ፈጺሙ ኼድሕኖም ይኽእል እዩ ዕብ7፡25። (13 ክፋል)
ንኣና ዘድልየና ሊቀ ካህናት ከመይ ዝበለ`ዩ፧
ኦ ዘለዓለማዊ
ኣምላኸይ ስምካ ይባረኽ። መገዲ ምድኃንካ ዝገለጽካልና ንስኻ በይንኻ ኢኻ`ሞ ተባረኽ። ስለ ኹሉ ነገር ብስም ጻድቕ ወድኻ ኢየሱስ
ክርስቶስ ተባረኽ። ቅዱስ እግዚኣብሔር ጐይታ ሠራዊት ንጥበቡ እንርድኣሉ ኣእምሮ ስለ ዝዓደለና ስሙ ይባረኽ። ኣምላኽ ንመንፈስና
ይድርኾ ኣሎ፡ ምሥጢር ፍቓዱ ክንፈልጥ`ውን ሃረር ይብል ኣሎ። ነፍሲ ወከፍና ነቲ ብክርስቶስ ኢየሱስ ጥራይ ዝፍጸም ድኅነት ከነስተውዕሎ
ጐይታ ይርድኣና። ትማሊ ኃሊፋ እያ፡ ኣምላኽ ከኣ እነሆ “ሎሚ” እትበሃል ብልጽቲ ህያብ ሂቡና ኣሎ። ትማሊ ንሊቀ ካህንነቱ ዝነጸግናሉ
ዘመን ነይሩ ክኸውን ይኽእል እዩ፡ ሎሚ ግን ንሊቀ ካህንነቱ ንቕበለሉ ዘመን እዩ። ዘመን ዕሽነትና ረሲዕና፡ ሎሚ ንኢየሱስ ኣብ
ሕይወትና ከም ሊቀ ካህንና ብምቕባል እንሕደሰሉ ዘመን እዩ። ንኣይ/ ንኣኻ/ ንኣኺ/ ዝግባእ ሊቀ ካህናት ፈሊጥናዮዶ ኣሎና፧ ምድራዊ
ኣብ ዝኾነ ጽላሎታዊ መቕደስ ዘገልግል ካህን`ዶ`ዩ ዘድልየኒ ዘሎ፧ ኣይፋል ንኣይ ዘድልየኒ ካህንሲ ካብዚ ምድሪ`ዚ ኣብ ዘይኮነት፡
ኣምላኽ ዝደኮና ሰማያዊት ድንኳን ዘገልግል ሰማያዊ ካህን`ዩ ዘድልየኒ ዘሎ፡ ንሱ ውን እዩ መጠነይ።
v ካብ ሰማያት ልዕል ዝበለ ካህን
ኣእምሮና
ብዛዕባ እቲ ቐንዲ ኣገልግሎት ደኣ እምበር ብዛዕባ እቲ ብምሳሌ ዝተደኮነ ምድራዊ መቕደስን ኣገልግሎትን ብምሕሳብ ክጽመድ ኣይግባእን
እዩ። እቲ ካብ ካልእ ዓሌት ዝተንሥአ ካህን ከምቶም ቀዳሞት ካህናት ኣይኮነን። እቶም ቀዳሞት ካህናት ካብዚ ምድሪ`ዚ እዮም፡ ንሱ
ግን ካብዚ ምድሪ`ዚ ኣይኮነን። ንሱ ብባህሪኡ ኣርኣያ ኣምላኽ ዝኾነ፡ ንኹሉ ፍጥረት ውን ብኃይሊ ቃሉ ዘቆመ ወዲ ኣምላኽ እዩ።
ንሰማያት ዝፈጠረን ዝደኮነን፡ ከም መጋረጃ`ውን ዝገተረ እዩ። ንሱ ነቶም ሥልጡናት ዝኾኑ ሰማያውያን ኃይላትን ሥልጣናትን ዝፈጠረ
እዩ። ንሱ ካብ ጥንቲ ካብ ዘለዓለም እዩ። እግዚኣብሔር፡ “ኣቲ ኣብ ምድሪ ኤፍራታ ዘሎኺ ቤተልሔም፡ ንስኺ ካብተን ኣብ ይሁዳ ዘለዋ
ኸተማታት ዝነኣስኪ ኢኺ። ትውልዱ ካብ ጥንቲ ዝኾነ ኣብ እስራኤል ገዛኢ ክኸውን ዘለዎ ካባኺ ከተንሥእ እየ” ይብል ኣሎ(ሚክ5፡2)።
እምበኣር
ኣኅዋተየ እቲ ንኣና ዘድልየና ዘሎ ካህን፡ ቅዱስ፡ ንጹሕ፡ ካብ ኃጥኣን ዝተፈልየ፡ ካብ ሰማያት ከኣ ልዕል ዝበለ እዩ። ኢየሱስ
ክርስቶስ፡ ቅዱስን ጻድቕን ስለ ዝኾነ ሞት ኣጽኒዑ ክሕዞ ኣይከኣለን(ግብ2፡24)፡ ምእንት`ዚ ኸኣ ንሱ ብሞት ዘይሰዓር ክህነት
ዝጨበጠ ሕያው ካህን ኮነ። ኢየሱስ ክርስቶስ ካብቶም ሰማያውያን ፍጥረታት`ውን ኣዝዩ ዝተፈልየ እዩ። ንሱ ልዕሊ ኹሉ ዝኾነ ብሩኽ
ኣምላኽ እዩ። ኣብታ ሰማያዊት ድንኳን ብክህነት ከገልግል ዝግብኦ፡
ደም ሒዙ ውን ናብ ቅድስተ ቅዱሳን ክኣቱ ዝኽእል ኣካል፡ አምላክ ወሰብእ(ፍጹም ኣምላኽን ፍጹም ሰብን) ክኸውን ግዴታ
እዩ። ኢየሱስ ክርስቶስ ቅድሚ ምፍጣር ዓለም ዝነበረ ንፍጥረት ውን ህላዌ ዝሃበ ፍጹም ኣምላኽ እዩ፡ ከምኡ`ውን ምእንቲ ድኅነት
ሰብ፡ ብመንፈስ ቅዱስ ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ዝተወልደ ፍጹም ሰብ እዩ። ንሱ በይኑ ኸኣ ፍጹም ኣምላኽ ከምኡ`ውን ፍጹም ሰብ
ስለ ዝኾነ፡ ኣምላኽ ብመሓላ ሊቀ ካህናት ገይሩ ሸሞ። እቲ ንኣና ዘድልየና ዘሎ ካህን ከኣ ከምዚ ዝበለ እዩ። ካብ መላእኽቲ`ኸ
ኣምላኽ ንመኖም`ዩ ሊቀ ካህናት ገይሩ ዝሸሞ፧ ንመኖም`ዩ ኸ ንስኻ ከም ማዕርግ መልከጼዴቅ ንዘለዓለም ካህን ኢኻ ዝበሎ፧ ወይ ውን
ንመኖም`ዩ ኣብ መንጐ ኣምላኽን ሰብን መንጐኛ ገይሩ ዘቆሞ፧ ንመኖምከ`ዩ ንሰባት ክዓርቕ ዝኽእል ኪዳን ደም ዝሃቦ፧ ነዚ ነገራት`ዚ
ኣምላኽ ንሓደ ካብ መላእኽቲ`ኳ ኣይሃቦን። ስለዚ ካብ ምድቃስና ክንበራበር ይግበኣና እዩ፡ “ንኣይ ዘድልየኒ ካህን መን`ዩ፧” ዚብል
ሕልና ክህልወና ይግባእ እዩ።
ኣምላኽ
ንእኡ ነቲ ዘፍቅሮ ወዱ፡ ዘለዓለማዊ ካህን ገይሩ ሸይምዎ እዩ። እቶም ንክህነት ኣሮን ዝተቓወሙ፡ ቆራሕ፡ ዳታንን ኣቢራምን ንኣምላኽ
ብምንዓቖም ምድሪ ተኸፊታ ከም ዝወሓጠቶም ጽሑፍ እዩ (እግዚኣብሄር ሓድሽ ነገር እንተ ገበረ ግና፡ እዚኣቶም ምስ ዅሉ ዘለዎም ብህይወቶም ናብ ሲኦል ኪወርዱ፡ ምድሪ ኣፋ ኸፊታ እንተ ወሐጠቶም፡ ሽዑ እዞም ሰባት እዚኦም ንእግዚኣብሄር ከም ዝነዐቕዎ ኽትፈልጡ ኢኹም፡ በለ ዘኁ 16፡30) ። ንሕና እዞም ሎሚ ዘሎናኸ ደኣ ነቲ ኣምላኽ ከም ምኽሩን መደቡን ዝሠርዖ ሊቀ ካህንነት/ መንጐኛነት/ ኣተዓራቕነት/
ኣማላድነት ኢየሱስ ክርስቶስ እንተ ዘይተቐበልናዮስ ካብ ቚጥዓኡ ነምልጥ`ዶ ይመስለና፧ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ንሕይወቱ ብቓል ኣምላኽ
ክዕይራን ክሰፍራን ይግብኦ እዩ`ሞ ንተንስእ ንቓሉ ኸኣ ኣሜን ኢልና ንቀበሎ።
ጸጋ ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ኩልኻትኩም ይኹን