Wednesday, June 10, 2020

ሊቀ ካህናት 10ይ ክፋል

ስለዚ ድማ ነቶም ብእኡ(ብኢየሱስ) ኣቢሎም ናብ ኣምላኽ ዚመጹ፡ ኵሉ ጊዜ ምእንታኦም ኪልምን ዚነብር ስለ ዝዀነ፡ ፈጺሙ ኼድሕኖም ይኽእል እዩ ዕብ7፡25። (10ይ ክፋል)

                                      ካልእ ካህን ክትንሥእ ንምንታይ ኣድለየ፧

ኣቦ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብዂሉ ጸጋ ስለ ዝረድኣና ክብርን ምስጋናን ይኹኖ። ነዚ ዓቢይ ምሥጢር ኣምላኽ ዝገለጸልና ንሱ በይኑ ሕያው ኣምላኽና እዩ። ኣብ ዝተፈላለየ መኣዝናት ዓለም ዘሎኹም ክቡራት ኣኅዋተይን ኣኃተይን ኣኣብ ዘሎኹሞ ጸጋን ሰላምን ጐይታ ኢየሱስ ይብዝኃልኩም። ንሊቀ ካህንነት ኣሮንን ደቁን ርኢና፡ ናብ ሊቀ ካህንነት መልከጼዴቅ ውን ሰጊርና ኢና። መጽሓፍ ቅዱስ ፈልዩ ዘቐመጦም ነጥብታት ምዃኑ ውን ተገንዚብና ኣሎና። ገና ዳዊት ብሕይወቱ ኸሎ፡ ነቲ ዝትንሥእ ካህን ተስፋ ይገብር ምንባሩ ውን ተመልኪትናዮ ኣሎና። ንምንታይ`ዩ ግን ካህናት እናሃለዉስ ካልእ ካህን ክትንሥእ ኣድልዩ፧ እቲ ክህነት ንምንታይ`ዩ ክልወጥ ተደልዩ፧ ክህነት ክቕየር እንተኮይኑ ኸኣ እቲ መሠረት እቲ ክህነት ዝነበረ ሕጊ`ውን ክቕየር ናይ ግድን እዩ። ክህነት ተሳዒሩ ካልእ ዓይነት ክህነት ክትከል ዘድልየሉ ዓቢይ ምኽንያት ከም ዘሎ ግን ኲላትና ብኣተኲሮ ክንግንዘቦ ይግብኣና።

ፍጹምነት ዘይብሉ ክህነት፦ እዚ ክህነት`ዚ ድኹምን ናብ ፍጻሜ ውን ዘየብጽሕን እዩ። እዚ ማለት ከኣ እዚ ክህነት እዚ ነቶም ኣብ ትሕቲ እቲ ሕግን ኣገልግሎትን ተማእዚዞም ዝኸዱ ከቶ ፍጹምነት(ጻድቕነት)፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ተቐባልነት ከውህቦም ዘይክእል እዩ። እዚ ክህነት`ዚ ናብቲ ምልኣት መለኮታውነት ዘለዎ ህላዌ ኣምላኽ ከብጽሕ ኣይክእልን እዩ። ኣብ ቅድሚ እቲ ሰማያት`ኳ ኣብ ቅድሚኡ ንጹሓት ኣይኮኑን ዝተባህለ እግዚኣብሔር፡ ደው ከብሎም ኣይክእልን እዩ። ሓደ`ኳ ጻድቕ የልቦን ከም ዝበለ ቅዱስ መጽሓፍ፡ ከምኡ`ውን ሰብ ሕጊ ሙሴ ብምፍጻም ክጸድቕ ኣይክእልን`ዩ?  መሠረት እዚ ክህነት`ዚ ኸኣ ሕጊ ሙሴ ብምዃኑ፡ ንሳቶም ኃጥኣን ምዃኖም ዘወትር ይወቕሶም ደኣ እምበር ንኃጢኣቶም ከውግድ ዝኽእል፡ ብቅድስና ውን ክመልኦም ዝኽእል ኣይነበረን። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ብዙኃት ካህናት፡ ተደጋጋሚ መሥዋዕትታት ይቐርቡ ነበሩ። ምብዛሕ እቶም ካህናት ንድኻሞም ዝገልጽ፡ ብሞት ዝግደቡ ምዃኖም ዝሕብር እዩ። ምድግጋም እቲ መሥዋዕትታት ከኣ ህላዌ እቲ ኃጢኣት ዝሕብር፡ ገና ውን እቲ በደል ከምዘይተወገደ ዝገልጽ ጽላሎታዊ ኣገልግሎት እዩ። እዚ ዓይነት ኪደት`ዚ ኸኣ ዘለዓለማዊ ድኅነት ዘየምጽእ፡ ናብ ቅድሚ ኣቦ ዘየቕርብን ብጽድቂ ከም እትርአ ዘይገብርን፡ ናይ እግዚኣብሔር ካህናትን ነገሥታትን፡ ቅዱስ ሕዝብን ጥሪት ኣምላኽን ዘይገብር ብምዃኑ ተሳዒሩ ክቕየር ተገብአ። ካብዚ ዝሓሸን ዝበለጸን ከምኡ`ውን ዘለዓለማዊ ውሕስነት ዝህብ ኣገልግሎት ክህነት ክትከል ከኣ ፍቓድ ኣምላኽ ነበረ።

ስለዚ ኸኣ ኣብ ዘይጠፍእ ኃይሊ ሕይወት ዝተመሥረተ፡ ናብ ኣምላኽ ዘቕርብ፡ ኣብ ቅድሚኡ`ውን ጻድቃን(ቅዱሳን) ክገብር ዝኽእል፡ ምሉእ ብምሉእ ከኣ ኃጢኣት ከወግድ ዝኽእል ኣገልግሎት የድሊ ነበረ። እቲ ሰማያዊ ነገር ካብቲ ምድራዊ ብዝሓሸን ዝበለጽን ምንጻሕ ከም ዘድልዮ ርዱእ እዩ። እቲ ክህነት ክልወጥ ከሎ ኸኣ ምስኡ ዝልወጡ ዓበይቲ ነጥብታት ኣለዉ።

  • ካብ ዓሌት ሌዊ ዘይኮነ ካህን
  • ዝበለጸ መባእን መሥዋዕትን
  • መሥዋዕቲ ዚቐርበሉ ሰማያዊ መቕደስ

ሊቀ ካህናት ዘበለ መባእን መሥዋዕትን ኬቕርብ እዩ ዚሽየም፡ ስለዚ እዚ ካህን እዚ`ውን ገለ ዘቕርቦ ኺህልዎ ግዲ እዩ። እምበኣርከ ኣብ ምድሪ እንተዝኸውንሲ፡ ከምቲ ሕጊ ዝእዝዞ ገይሮም መባእ ዘቕርቡ ካህናት ስለ ዘለዉ፡ ንሱ ከቶ ካህን ኣይምኾነን ነይሩ። ዕብ8፡3-4

                                              ጸሎት

ኦ ሕያውን ቅዱስን ኣቦ ስምካ ይባረኽ። ብስም ሓደ ወድኻ ኢየሱስ ክርስቶስ ስለ ዝባረኽካና አመስግነካ ኣሎኹ። ምግላጽ ምሥጢርካ ኣባና ይብዛሕ። ቅዱስ ኣቦይ፡ ዘይመውት ሕያው ሊቀ ካህናት ኣተንሢካልና ኢኻ`ሞ እባርኸካ ኣሎኹ። ንጐይታና ኢየሱስ ክብርን ምስጋናን ይኹኖ፡ ንሱ ዘለዓለማዊ ካህንና ኣማላዲናን ዓራቒናን እዩ። ጐይታ መንፈስ ቅዱስ ነቲ ኣብ ሕግኻ ዘሎ ተኣምራትካ ምእንቲ ክንርኢ ኣዕይንትና ኽፈት። ስለ ዂሉ ነገር ንእግዚኣብሔር ኣቦ ብስም ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ስብሐት ይኹን።

                   

                               ጸጋ ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ይብዝኃልኩም!


No comments:

Post a Comment