Friday, June 12, 2020

ሊቀ ካህናት 11 ክፋል

ስለዚ ድማ ነቶም ብእኡ(ብኢየሱስ) ኣቢሎም ናብ ኣምላኽ ዚመጹ፡ ኵሉ ጊዜ ምእንታኦም ኪልምን ዚነብር ስለ ዝዀነ፡ ፈጺሙ ኼድሕኖም ይኽእል እዩ ዕብ7፡25። (11 ክፋል)

ንኣና ዘድልየና ሊቀ ካህናት ከመይ ዝበለ`ዩ፧

ሕያውን ቅዱስን ዝኾነ ኣምላኽና ንዘለዓለም ዓለም ምስጋና ይኹኖ። ሠናይ ነገር ዝሓስብ፡ ብመገድታቱ`ውን ዝመርሕ ኣምላኽ ብሩኽ እዩ። ሃሌ ሉያ! እናበልና ከነስግኖ ዝግብኣና ብዘይካኡ ካልእ የልቦን፡ ብቑዕ`ውን የልቦን። ንእኡ ነቲ ብሞት ወዱ ዘፍቀረና ኣቦ ስብሐት ይኹን። ክቡራትን ፍቑራትን ኣኅዋተይን ኣኃተይን ብጐይታ ኩሉ ሳዕ ተሓጐሱ። ብነገር ኩሉ ንሱ ክረድኣኩም`ዩ እሞ ኣብ ልብኹም ሰላም ክርስቶስ ኢየሱስ ይዕዘዝ።

መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል፡ “እቲ ዝኃለፈ ትእዛዝ ድኹምን ዘይጠቅምን ስለ ዝኾነ`ዩ ዝተሳዕረ። ከመይ ሕጊ ሙሴ ንሓደ`ኳ ኣብ ፍጻሜ ዘብጽሖ የልቦን። ሕጂ ግና ናብ እግዚኣብሔር እንቐርበሉ ዝበለጸ ተስፋ መጺኡልና ኣሎ።እዚ ክህነት እዚ ኸኣ ብዘይ ማሕላ ኣይኮነን ዝነበረ(ዕብ7፡18-20)”። ቃሉ ህያው`ዩ ስሙ ይባረኽ። እዚ ሕጂ መጺኡ ዘሎ ዝበለጸ ተስፋ ኸኣ ክህነት ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። ንሱ ኸኣ ብማሕላ ካህን ዝኾነ እዩ።

ጸሓፊ መጽሓፍ ዕብራውያን ብዛዕባ እቲ ዓቢይ ዝኾነ መለኮታዊ ነገር`ዩ መልእኽቱ ዘሕልፍ ዘሎ። እቲ ኣብታ ቀዳመይቲ ኪዳን ዝነበረ ክህነት፡ ፍጻሜ ስለ ዘይተረኽቦ ተሳዒሩ እዩ። ሕጂ ኸኣ ንዓና ዘድልየና ሊቀ ካህን፡ ካብቶም ቀዳሞት ካህናት ዝተፈልየ/ ዝበለጸ ክኸውን ኣለዎ። ንኣና ዘድልየና ሊቀ ካህናት ከመይ ዝበለ`ዩ፧ ኃወይ/ ኃፍተይ ዘድልየኩም ሊቀ ካህናት ከመይ ዝበለ እዩ፧ እዚ ሕቶ`ዚ ኣብ መዝገብ ልብኹም ኣቐሚጥኩም ሕሰብሉ።

ንኣና ዘድልየና ሊቀ ካህናት ብሉጽ ሊቀ ካህናት`ዩ። እቶም ቅድሚኡ ዝነበሩ ካህናት ክገብርዎ ዘይክእሉ ክገብር ዝኽእል ክኸውን ከኣ ናይ ግድን እዩ። እቶም ቀዳሞት ካህናት ድኹማት ነበሩ፡ ስለዚ ኸኣ ቅድም ምእንቲ ኅድገት ኃጢኣት ርእሶም ክስውዑ ግዲ ነበሮም። እዞም ካህናት እዚኦም ነቲ ምንጻህ ከምጽእ ዘይክእል መሥዋዕትታት`ኳ ደጋጊሞም እንተኣቕረቡ ብሞት ዝተገደቡ ነበሩ፡ በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ምትኽኻእ ክህነት ነበሮም። ምትኽኻእ ክህነት ከኣ መግሊጺ ድኻሞም ነበረ፡ ካብኣቶም ሓደ`ኳ ንዘለዓለም ጸኒዑ ብኽህነት ከገልግል ዝኽእል ኣይነበረን። እዚኣቶም ኲሎም ምድራውያን ነበሩ፡ ኣገልግሎቶም ውን ኣብ ምድሪ ነበረ። እዞም ካህናት እዚኦም ከኣ ናብ ፍጻሜ ከብጽሑና ዝኽእሉ ብዘይ ምንባሮም ካብኦም ዝበለጸ ካህን ሃረር ክንብል ተገብኣና። ንኣና ዘድልየና ካህን ግን ከመይ ዝበለ`ዩ፧

ጸሓፊ መልእኽቲ ዕብራውያን፡ ንኣና ዘድልየና ሊቀ ካህናት ኢሉ ክጽሕፍ ከሎ ነቶም ቀዳሞት ካህናት ከምዘየድልዩና እዩ ዚምስክር ዘሎ። ባህርያት እቲ ዘድልየና ሊቀ ካህናት ከኣ ብኸምዚ ይገልጾ። ንኣና ዘድልየና ሊቀ ካህናት

·       ቅዱስ፦ እቲ ንኣና ዘድልየና ሊቀ ካህናት ቀዳማይ መለለይኡ ቅድስና እዩ። ንሱ ኃጢኣት ዘይፈልጥ፡ ቅዱስ ዘርኢ ክኸውን ኣለዎ። እሞኸ ደኣ፧ ካብኣቶም እንኅሸሉዶ ኣሎና፧ ካብኣቶም እንሕሸሉ ሓንቲ`ኳ የብልናን። ምኽንያቱ ከምቲ ቅድም ዘመልከትክዎ፡ ኣይሁድ ኮኑ ግሪኻውያን ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ኃጢኣት እዮም። እቲ ጽሑፍ`ውን ከምዚ ይብል እዩ፦ “ሓደ`ኳ ጻድቕ የልቦን፡ሓደ`ኳ የልቦን(ሮሜ3፡9-10።

ካብ ኣዳም ዝተወልደ ዘበለ ዂሉ ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ኃጢኣት ወዲቑ እዩ። ኣይሁድ ኮኑ ግሪኻውያን ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ኃጢኣት ዝኣተዉ፡ ዘይቅዱሳት እዮም። ካብኣቶም ሓደ`ኳ፡ ደጊመ ከብርሆ ቅዱስ መጽሓፍ “ክልተ፡ ሠለስተ፡ ወይ`ውን ኣርባዕተ” ኣይበለን፡ ቅዱስ መጽሓፍ “ሓደ`ኳ” ጻድቕ የልቦን`ዩ ዝበለ። ካብ እልፍ ኣእላፋት ኣይሁዳውያንን ግሪካውያን ሓደ`ኳ ጻድቕ ኣይነበረን። በዚ ምኽንያት`ዚ ከኣ እዮም እቶም ቀዳሞት ካህናት ቅዱሳት ዘይነበሩ። ቅዱሳት እንተዝነብሩ፡ ድኻም፡ ኃጢኣት`ውን እንተዘይነብሮም፡ ቅድም ምእንቲ በደል ገዛእ ርእሶም መሥዋዕቲ ከቕርቡ ኣይምተገብኦምን ነይሩ። ሕጂ ግና ድኹማት ምዃኖም ምእንቲ ክገሃድ፡ ከምቲ ጽሑፍ ዝብሎ ቅድሚ ኲሉ ኅድገት ምእንቲ ክረኽቡ መሥዋዕቲ ክስውዑ ግዴታ ኣለዎም።

ኣምላኽ፡ ብዝሓርር መሥዋዕትን በቲ ምእንቲ ኃጢኣት ዚቐርብ መባእን ባህ ኣይበሎን። ሽዑ መሲሕ ናብ ዓለም ክመጽእ ከሎ፡ ከምዚ በለ “ኦ ኣምላኸይ፡ ከምቲ ኣብ መጽሓፍ ብዛዕባይ ተጻሒፉ ዘሎ፡ እነሆ ፍቓድካ ክፍጽም መጺአ ኣሎኹ በልኩ(ዕብ10፡5-7)”።  እዚ መሲሕ`ዚ ብኸመይ መገዲ`ዩ ኣብ ዓለም ዝተገልጸ፧

ቅዱስ ገብርኤል መልኣኽ፡ ካብ ኣምላኽ ተላኢኹ ናብ ገሊላ ምስ መጸ፡ ነታ ገሊላዊት ዝኾነት ድንግል ማርያም ከምዚ በላ፦

“እቲ መልኣኽ መሊሱ ’መንፈስ ቅዱስ ኣባኺ ክወርድ`ዩ፡ ኃይሊ ልዑል ውን ከጽልለልኪ እዩ፡ ስለዚ ኸኣ እቲ ካባኺ ዝውለድ ቅዱስ ወዲ ኣምላኽ ክበሃል እዩ(ሉቃ1፡35)። “ ዮሴፍ ወዲ ዳዊት፡ እቲ ኻብኣ ዚውለድ ብመንፈስ ቅዱስ ስለ ዝኾነ ንሕጽይትኻ ማርያም ምውሳዳ ኣይትፍራህ(ማቴ1፡20)። ስለዚ እምበኣር ሓደ`ኳ ጻድቕ የልቦን ካብ ዝተባህለ ዓለም፡ በይኑ ጻድቕ ሰብ ተረኽበ፡ ንሱ ኸኣ ወዲ ኣምላኽ ኢየሱስ እዩ።  ንኣዲኡ ማርያም መንፈስ ቅዱስ ኣብኣ ስለ ዝወረደ ኣንጽሃ፡ ቀደሳ፡ ኃይሊ ልዑል ውን ጋረዳ። እዚ ተግባር`ዚ ኣብኣ ምስ ተኸናወነ ኸኣ እቲ ቅዱስ ዝኾነ ወዲ ኣምላኽ፡ ብግብሪ መንፈስ ቅዱስ ተጠኒሱ ካብኣ ተወልደ።  እቶም ውሉድ ሥጋን ደምን ዝለበሱ ሰብ ስለ ዝኾኑ፡ ኢየሱስ ውን ከምኦም ሰብ ኮነ፡ እዚ ኸኣ ብሞቱ ነቲ ኣብ ልዕሊ ሞት ሥልጣን ዘለዎ ዲያብሎስ ምእንቲ ክሥዕር፡ ነቶም ብናይ ሞት ፍርሃት ምሉእ ዕድሚኦም ባራዩ ኮይኖም ዝነበሩ ሓራ ምእንቲ ከውጽእ ኢሉ እዩ። ብሓቂ ንዘርኢ ኣብርሃም ደኣ እምበር ንመላእኽቲ ከድኅን ኣይመጸን። ስለዚ ውን ርኅሩኅን እሙንን ንኣምላኽ ዜገልግል ሊቀ ካህናት ምእንቲ ክኸውን፡ ንኃጢኣት ሕዝቢ`ውን ሥርየት ምእንቲ ከውህብ ነቶም ኣኅዋቱ ብዂሉ ክመስሎም ተገብኦ(ዕብ2፡14-18)።

                                     ጸሎት

ኦ ቅዱስን ደንጋጽን ዝኾንካ ሊቀ ካህናት ኢየሱስ ስምካ ይባረኽ። ሊቀ ካህንና ምእንቲ ክትከውን ብሥጋን ደምን ከማና ተኻፊልካ ኢኻ`ሞ ተባረኽ። ንስኻ በይንኻ እትቕድሰና እንኮ ሊቀ ካህንናን ኃውናን ኢኻ፡ ስምካ ንወለዶታት ይንገሥ ኢየሱስ ተባረኽ። ስለ ኹሉ ነገር ንእግዚኣብሔር ኣቦ ብስም ጐይታ ኢየሱስ ምስጋና ይኹን።  


                      ጸጋን ሰላምን  ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ኩላትኩም ይኹን!


No comments:

Post a Comment