Sunday, June 21, 2020

ሊቀ ካህናት 12

ስለዚ ድማ ነቶም ብእኡ(ብኢየሱስ) ኣቢሎም ናብ ኣምላኽ ዚመጹ፡ ኵሉ ጊዜ ምእንታኦም ኪልምን ዚነብር ስለ ዝዀነ፡ ፈጺሙ ኼድሕኖም ይኽእል እዩ ዕብ7፡25። (12 ክፋል)

ንኣና ዘድልየና ሊቀ ካህናት ከመይ ዝበለ`ዩ፧

ዘለዓለማውን በዓል ብዙኅ ሳህልን ምሕረትን ዝኾነ ኣምላኽ ካብ ጥንቲ ዝኸበረ እዩ`ሞ ስሙ ይባረኽ። ሰማያት ግብሪ ኣእዳዉ ይነግርሉ፡ ወርሕን ከዋኽብትን`ውን ከሃልነት እቲ ልዑል ይምስክሩ ኣለዉ። ስሙ ካብ ኣጽናፍ ክሳዕ ኣጽናፍ ይባረኽ። ጐይታ መንፈስ ቅዱስ ምግላጹ የብዝኃልና፡ ኣብ ዝተፈላለየ ኣጽናፋት ዓለም ኴንኩም ነዚ ጽሑፍ ትከታተልዎ ኣኅዋተይን ኣኃተይን  ሰላምኩም ብክርስቶስ ይብዛሕ። ነዚ ጥዑም መኣዛ ወንጌል ክንሽትት ዝፈቐደ ጐይታ ስሙ ይባረኽ። ንኣይ፡ ንኣኻ፡ ንኣኺ ዘድልየና ሊቀ ካህናት መን`ዩ፧ እዚ ሕቶ`ዚ ብውልቅን ግልን ዝምለስ ሕቶ እዩ።  ብሓቂዶ`ኸ ነቲ ዘድልየኒ ሊቀ ካህናት ፈሊጠዮ`የ፧ኢልና ምስ ገዛእ ርእስና ክንዘራረብ መንፈስ ቅዱስ ንልብና ይደርኮ።

v ኃጢኣት ዘይፈልጥ ካህን

ጸሓፊ መልእኽቲ ዕብራውያን ብዛዕባ እቲ የድሌኒ እዩ ዚበሎ ሊቀ ካህናት ክጽሕፍ ከሎ ንሱ ዝፍለየሉ መዐቀኒታት`ዩ ዘቐምጥ። ንኣና ዘድልየና እቲ ዝበለጸን ዝሓሸን ከምኡ ውን ምሉእ ውሕስነት ክህበና ዝኽእል ካህን ምዃኑ ክርሳዕ ዘይብሉ፡ ክስመረሉ ዘለዎ ረዚን መለኮታዊ ሓሳብ እዩ። ፍጹም ሰብ ክነሱ፡ ነቐፋ ዘይርከቦ፡ ንጹሕ፡ ካብ ኃጥኣን ዝተፈልየ ካህን እዩ ዘድልየና ዘሎ። እቶም ቀዳሞት ካህናት ኲሎም ነቐፋ ዝተረኽቦም፡ ዘይንጹሓት፡ ኃጥኣን ዝኾኑ እዮም።  መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል፦”ሰብከ ንጹሕ ክኸውንዶ ይኽእል እዩ፧ ካብ ሰበይቲ ዝተወልደኸ ጻድቕዶ ኺኸውን ይኽእል`ዩ፧ እነሆ ኣምላኽ ንመላእኽቱ`ኳ ኣይኣምኖምን እዩ። ንሳቶም ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ንጹሓት ኣይኮኑን፡ እቲ ንኣበሳ ከም ማይ ዝሰትዮ ሰብ ደኣ ግዳ ኽንደይ ኣዝዩ ፍንፉንን ብልሽውን ዘይከውን(ኢዮ15፡14-16)። እምበኣር ንጽሕናን ቅድስናን ኣምላኽና ነስተውዕሎ።  ምእንት`ዚ ኸኣ እዩ ካብ ደቂ ሰባት ሓደ`ኳ ጻድቕ ዘይተረኽበ፡ ሰባት ብነቐፋ ዝሕመዩ፡ ጉድለት ዘለዎም ዘይብቑዓት እዮም።

ኃጢኣት ዘይፈልጥ፡ ካብቶም ንኣበሳ ከም ማይ ዝሰትይዎ ካብ ኣንስቲ ዝተወልዱ ሰባት ከቶ`ኳ ኣይርከብን እዩ። እቲ ብሩኽ ኣምላኽ ከኣ ሕቡእ ምሥጢራዊ መደቡ ንዓለም ገለጾ። ከምዚ ዝበለ ሊቀ ካህናት ካብ ሰማይ ጥራይ`ዩ ክርከብ ዝኽእል። ሰባት ናይ ዘለዓለም ሕይወት ክረኽቡ እንተኾይኖም ኃጢኣት ዘይፈልጥ ካልእ ካህን ክትንስእ ብግዲ ነበረ።

ኣምላኽ ንዓለም ስለ ዘፍቀራ ነቲ እንኮ ወዱ ሊቀ ካህናት ገይሩ ናባና ለኣኮ። “ካብቶም ኣብ ዙርያ ዝፋኑ ዚቖሙ ኃይላት ኮነ፡ ካብ መላእኽቲ ሊቀ ካህናት ኣየተንስኣልናን። እንታይ ደኣ ባዕሉ ሓደ ወረደ፡ ካብ ህላዌና ሰብ ኮይኑ ድማ ሊቀ ካህናት ኮነና(ሃ.ዮ.አፈ ወርቅ ም.63፡16)። “ንሳቶም ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ንጹሓት ኣይኮኑን” ብምባል መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዝነገረና ካብኣቶም ሊቀ ካህናት ኣየተንስኣልናን። ነቲ እንኮ ወዱ ኢየሱስ፡ ናይ ባህሪኡ ነጸብራቕ ዝኾነ ውሉድ ግና ሊቀ ካህናትና ጌሩ ብማሓላ ሾሞ።

ንሱ ጻድቕ ምዃኑ ኣብ ኣፉ ውን ኣበሳ ዘይተረኽቦ ምዃኑ መጻሕፍቲ መስኪሮሙሉ እዮም። ከምዚ ዝኣመሰለ ሊቀ ካህናት ከኣ እዩ ንወገን ሰብ ዘድልዮ፡ ብብቕዓት ውን ናብ ቅድስተ ቅዱሳን ክኣቱ ዝኽእል ቅድስና ስለ ዘለዎ እዩ። እዚ ካህን እዚ ብኃጢኣት ኣይክሰስን እዩ፡ ሕፍቲ በደል ውን የብሉን። ንሱ ኣምላኽ ጻድቕ ባርያይ ኢሉ ዝመስከረሉ እሙን፡ ካብ ኃጥኣን ዝተፈልየ ካህን እዩ።

·       እከይ ዘይገበረ፡ ሓሶት ከኣ ኣብ ኣፉ ዘይተረኽበ ኽነሱስ፡ መቓብሩ ምስ ረሲኣን ገበሩ፡ ብሞቱ ግና ምስ ሃብታም ኰነ። ኢሳ 53፡9

·       ንሱ ሓጢኣት ዘይገበረ፡ ተንኰልውን ኣብ ኣፉ ዘይተረኽበ፡ 1ጴጥ2፡22

·       ስለዚ ንሕና ኣብ ክንዲ ክርስቶስ ልኡኻት ኢና እሞ ኣምላኽ ብኣና ገይሩ ይምዕድ ኣሎ። ንሕና ብእኡ ጽድቂ ኣምላኽ ምእንቲ ኽንከውን፡ ነቲ ሓጢኣት ዘይፈለጠ ኣብ ክንዳና ሓጢኣት ገበሮ። ምስ ኣምላኽ ተዓረቑ፡ እናበልና ኣብ ክንዲ ክርስቶስ ኴንና ንልምነኩም ኣሎና። 2ቆሮ5፡20-21

እቲ ንኣይ ዘድልየኒ ሊቀ ካህናት ከምዚ ዚበለ እዩ። ኃጢኣት ዘይፈልጥ ሊቀ ካህናት ከኣ ናብ ቅድስተ ቅዱሳን ክኣቱ ብቕዓት ኣለዎ። መሲሕ እቲ እንኮ ኃጢኣት ዘይፈልጥ ፍጹም ሰብ እዩ። ንኣና ብኹሉ ነገር መሲሉና እዩ፡ ብተግባር ኃጢኣት ግን ፍጹም ኣይመሰለናን፡ ስለዚ ኸኣ ንሱ ካብቶም ቀዳሞት ካህናት ዝበለጸ ኮነ። ነዚ ጻድቕ ሊቀ ካህናት እዚ ምእንቲ ክንርኢ ጐይታ መንፈስ ቅዱስ ኣዕይንቲ ልቦናና የብርህ።

  • እወ፡ ንስኻትኩም ነቲ ቅዱስን ጻድቕን ክሒድኩምሲ፡ ነቲ ነፍሲ ዝቐተለ ሰብኣይ ኪምሕረልኩም ለመንኩም። ነቲ ራእሲ ህይወት ቀተልኩምዎ። ንእኡ ኣምላኽ ካብ ምውታት ኣተንስኦ፡ ንሕና ኸኣ፡ ነዚ ምስክሩ ኢና። ግብ 3፡14-1


  • ንሱ ኸኣ፡ ኣምላኽ ኣቦታትና ብዝርኤኻዮን ብዝሰማዕካዮን ኣብ ኲሉ ሰብ ምስክር ምእንቲ ኽትኰኖን፡ ፍቓዱ ኽትፈልጥን ነቲ ጻድቕ ከኣ ክትርእዮን ካብ ኣፉውን ቃል ክትሰምዕ ቅድም ሐረየካ። ግብ22፡14-15
  •  ካብ ነብያትከ ኣቦታትኩም ዘይሰጐጒዎ መን እዩ፧ ነቶም ብዛዕባ ምምጻእ እቲ ጻድቕ ኣቐዲሞም ዘበሰሩ ድማ ቐተልዎም። ሕጂ ውን ንስኻትኩም ኣሕሊፍኩም ወሃብቱን ቀተልቱን ኰንኩም። ግብ7፡52

ስለዚ ኣኅዋተይን ኣኃተይን ንኣና ጻድቕ ሊቀ ካህናት እዩ ዘድልየና። ጻድቕነት ዘውዲ ሊቀ ካህንነት እዩ። ኣብ ልብኹም ነዚ ካህን`ዚ ጸውዕዎ፡ ንሱ ክህነቱ ዘይሰዓር ካብ ኃጥኣን ዝተፈልየ ርኅሩኅን ደንጋጽን እዩ። ኣዕይንቲ ልብና ናብኡ ይጠምት። “ንኣይ ዘድልየኒ ሊቀ ካህናት ጻድቕ እዩ” ብምባል ናብ ልብና ንጸውዓዮ። እቲ ዝቐደመ ኪዳንን ክህነትን ከድኅን ከም ዘይክእል ተጋሂዱ`ዩ`ሞ ገጽና ናብዚ ሓድሽ ሊቀ ካህናት ኢየሱስ ወዲ ኣምላኽ ንምለሶ።

ጸሎት

ኦ ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ስምካ ይባረኽ። ጻድቕ ሊቀ ካህነይ ንስኻ በይንኻ ኢኻ። ምስ ኣቦ ክትዓርቕ ብቕዓት ዘሎካ ንስኻ ጥራይ ኢኻ። ኦ ኣቦ ኣብ ቅድሜኻ ዘለዉ መላእኽቲ ኮኑ ኃይላት ከምኡ`ውን ነፍሳት`ቶም ብደም ኢየሱስ ዝጸደቑ ጻድቃን፡ ናይ ምትዕራቕ መዝን ሥልጣንን የብሎምን። በቲ እሙን ሊቀ ካህናት ብኢየሱስ ክርስቶስ ኣቢለ ናባኻ ቀሪበ ኣሎኹ። ንሱ ንዘለዓለም ምእንታይ ኪማልድ ዝነብር ሕያው ካህን እዩ ስሙ ይባረኽ። ጐይታ መንፈስ ቅዱስ ተባረኽ። ስለ ኹሉ ነገር ንእግዚኣብሔር ኣቦ ብስም ጐይታ ኢየሱስ እባርኾ ኣሎኹ።

                   ጸጋን ሰላምን ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ኩላትኩም ይኹን


No comments:

Post a Comment