ስለዚ ድማ ነቶም ብእኡ(ብኢየሱስ) ኣቢሎም ናብ ኣምላኽ ዚመጹ፡ ኵሉ ጊዜ ምእንታኦም ኪልምን ዚነብር ስለ ዝዀነ፡ ፈጺሙ ኼድሕኖም ይኽእል እዩ ዕብ7፡25። (8ይ ክፋል)
ኦ ሕያውን
ዘለዓለማውን ኣምላኸይ ስምካ ይባረኽ፡ ሕግኻ ጥበብ ዘለዎ መለበሚ እዩ፡ ንኣፈይ ከኣ ካብ መዓር ንላዕሊ ይጥዕሞ። ምኽርታትካ ዘደንቕ፡
ንልቢ ውን ፍስሃ ዝፈጥር እዩ፡ ንስኻ ብሓቂ ጻድቕ ኣምላኽ ኢኻ። ኦ ኣቦይ ብስም ቅዱስ ወድኻ ኢየሱስ ክርስቶስ እባርኸካ ኣሎኹ።
ቅዱስን ካብ ኃጥኣን ዝተፈለኻ ፍቁር ሊቀ ካህነይ ኢየሱስ ተባረኽ። ብዘይመውት ኪዳን ደም ምስ ሕይወትካ ዝቛጸርካኒ መድህነይ ተባረኽ፡
ንዘለዓለማዊ ክህነትካ ኣጸቢቐ ምእንቲ ክርዳእ ባርኸኒ ኣእሙሮይ ክፈት። ጐይታ መንፈስ ቅዱስ ሓቂ እትገልጽ ብሩኽ መንፈስ ተመስገን፡
ብኹሉ ሕይወተይ እትባርኸንን ፈራዪ ሽዕበት ጌርካ እትወርሰንን በይንኻ ኢኻ`ሞ ንኹለንትና ውረስ። ንእግዚኣብሔር ኣቦ ብስም ጐይታ
ኢየሱስ ክርስቶስ ስብሐት ይኹን።
እዚ ሰብዚ ከመይ ዝበለ ዓቢ ከም ዝኾነ እሞ ረኣዩ! ዕብ7፡4
ቅዱስ
እግዚኣብሔር ኣቦና ኣዕይንቲ ልቦናና በሪሁ ምሥጢር ጽውዓኡ እንታይ ምዃኑ ከፍልጠና ስለ ዝፈተወ ክብሪ ይኹኖ። ነዚ መለኮታዊ መልእኽቲ
ምእንቲ ክንርዳእ ጥበብ ጸጋኡ ዘፍሰሰልና ኣምላኽ ይባረኽ። ክቡራት ተኸታተልቲ`ዚ ጽሑፍ ጐይታ መንፈስ ቅዱስ ምርዳእን ጥበብን ክህበኩም
ፍቓዱ`ዩ`ሞ ልብኹም ንዕኡ ክትህብዎ እምሕጸነኩም ኣሎኹ።
ብዛዕባ
መንነት “መልከጼዴቅ” ዝተባህለ ካህንን ንጉሥን ብመሠረት መጽሓፍ ቅዱስ ርኢናዮ ኔርና። ፍሉይነት እዚ ካህን`ዚ ውን መጽሓፍ ቅዱስ
ኣቐሚጡልና ኣሎ፡ ከም መቐጸልታ እቶም ዝሓለፉ ክፋላት ከኣ እነሆ ሎሚ`ውን ዕቤትን ልዕልናን እዚ ካህንን ንጉሥን ክንምልከት ኢና።
4. ዓቢ ሰብ
ናይ ዕብራውያን
ጸሓፊ ብዛዕባ ዕቤት መልከጼዴቅ ክገልጽ ከሎ፡ ብምውድዳር`ዩ ዝገልጾ። ዕቤት`ዚ ካህንን ንጉሥን ከኣ ብኽልተ ዓበይቲ ነጥብታት ተዘርዚሩ
ይርከብ።
· ተቐባሊ ዕሽር፦ ተቐባሊ ዕሽር ካብቲ ወሃቢ ከም ዝበልጽ ርዱእ`ዩ። መጽሓፍ ሕጊ ሙሴ እቶም ካህናት
ካብቶም ኣኅዋቶም ዝኾኑ ደቂ እስራኤል ዕሽር ክወስዱ ይእዝዝ እዩ። ኣቦና ኣብርሃም ነገሥታት ስዒሩ ናብ ለሰ ሻዌ ምስ መጸ፡ ነቲ
ዝተቐበሎ ካህንን ንጉሥን ካብቲ ዝማረኾ ዕሽር ሃቦ፡ በዚ ምኽንያት`ዚ ኸኣ ልዕልናን ዕቤትን እቲ ካህንን ንጉሥን መልከጼዴቅ መስከረ።
· ባርኾት፦ “እቲ ዓቢይ ነቲ ንንእሽቶይ ከም ዚምርቖ ፍሉፍ`ዩ(ዕብ7፡7)” ከም ዝበለ ቅዱስ መጽሓፍ፡
እቲ ዝባርኽ ካብቲ ዝባረኽ ዘሎ ዝዓበየ ወይ ዝበለጸ እዩ። ዓቢይ ተባሂሉ ዘሎ መልከጼዴቅ`ከ ንመን`ዩ ባሪኹ፧ ቅዱስ መጽሓፍ ከም
ዝነግረና ኣብርሃም ርእሲ ኣቦታት ተባሂሉ ዝፍለጥ፡ ኣምላኽ ዓቢ ሕዝቢ ክገብረካ እየ፡ ኣሕዛብ ኩሎም ብዘርእኻ ክባረኹ እዮም ኢሉ
ተስፋ ዝሃቦ ዓቢ ሰብ እዩ። እንተኾነ ንሱስ ከም ንኡስ ኮይኑ ካብቲ ዓቢይ ሰብ መልከጼዴቅ ምርቓ ተቐበለ። ስለዚ ኸኣ እዩ መጽሓፍ
ቅዱስ ብምግራም እዚ ንኣቦና ኣብርሃም ዝባርኽ ዘሎ ሰብ ማዕረ ኽንደይ ዓቢ ምዃኑ ረኣዩ ዝብል ዘሎ።
መልከጼዴቅ ሽሕ`ኳ ንሱ ካብ ሌዊ
ዘይተወልደ እንተኾነ ግን ካብ ኣብርሃም ዕሽር ተቐበለ። ኣቦና ኣብርሃም ልዕልና እዚ ዓቢ ካህንን ንጉሥን ዝኾነ መልከጼዴቅ ንእኡ
ዕሽር ብምሃብን ካብኡ በረኸት(ምርቓ) ብምቕባልን ልዕልናኡን ዕቤቱን ገለጾ።
ጸጋ ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ኩላትኩም ይኹን!
No comments:
Post a Comment