Saturday, June 6, 2020

ሊቀ ካህናት 9ይ ክፋል


ስለዚ ድማ ነቶም ብእኡ(ብኢየሱስ) ኣቢሎም ናብ ኣምላኽ ዚመጹ፡ ኵሉ ጊዜ ምእንታኦም ኪልምን ዚነብር ስለ ዝዀነ፡ ፈጺሙ ኼድሕኖም ይኽእል እዩ ዕብ7፡25። (9ይ ክፋል)


ሕያውን እተደንቕ ኣምላኸይን ስምካ ይባረኽ። ንስኻ ንልቢ ሓጐስ ዝፈጥር ቃላትካ ትዕድሎ፡ መመሊስካ ኸኣ ብምኽርኻ ተደንቖ። ኣምላኸይ ከማኻ ዝበላ ገላጺ ምሥጢራት`ከ መን ኣሎ፧ ሓደ`ኳ የልቦን። ንስኻ ንምስኪን ብሕቡእ ምስጢር ትነግሮ፡ መለኮታዊ ምኽርኻ`ውን ተካፍሎ፡ ንሱ ኸኣ ብኣኻ ኣዝዩ ይሕጐስ። ስለ ኹሉ ነገር ኣቦይ ብስም ኢየሱስ እባርኸካ ኣሎኹ። እሙንን ሓቀኛን ንጉሠይን ካህነይን ኢየሱስ ስምካ ይባረኽ። “ከምቲ ብወጋሕታ ዝመጽእ ኣውሊ፡ ከምኡ`ኸኣ መንእሰይካ ቅድስና መሊኦም ይመጹኻ፡ ብፍታዎም ውን ይግዝኡኻ” ብኣኻ ተማሪኾም ብመንፈስ ተመሊኦም ይባርኹኻ። ኦ ጐይታይ ንስኻስ በይንኻ ካህነይን ንጉሠይን ኢኻ። ጐይታ መንፈስ ቅዱስ ንልቢ እተብርህ ኣምላኸይ ተባረኽ። ንኣይን ነቶም ፍቓድካ ክገብሩ ዝሕልኑን ኲሎም ምሥጢር ሰማያት ምእንቲ ክንርዳእ ፍልጠት፡ ምሥትውዓል፡ ጥበብ ዓድለና። ስለ ዂሉ ነገር ንእግዚኣብሔር ኣቦ ብስም ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ስብሐት ይኹን።

እግዚኣብሄር፣ ንስኻ ኸም ሥርዓት መልከጼዴቅ ንዘለኣለም ካህን ኢኻ፣ ኢሉ መሓለ ኣይጠዓስን ከኣ። መዝ110፡4

ወዲ ዳዊት፡ ብመሓላ ካህን ዝኾነ ንጉሥ እዩ!

ሰላም ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ኩላትኩም ይኹን ኣኅዋተይን ኣኃተይን፡ ኣቦ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣዕይንቲ ልቦናና ከፊቱ ንሓቂ ክንፈልጦ ስለ ዝገበረና ስሙ ይባረኽ። ብዘሎ ምግላጽ ሓቅን ጥበብን ካብኡ ካብ ኣቦ ብርሃናት`ዩ እሞ ንእኡ ነቲ ጐይታ ኹሉ ነመስግኖ ኣሎና። መጽሓፍ ቅዱስና ሰፋሕትን መለኮታውያንን ሓሳባት ጸይሩ ካብ ኣምላኽ ዝተዋህበና ህያብ እዩ። ንእኡ ምምርማርን ምርዳእን ከኣ ሕይወትን ሰላምን`ዩ ዝፈጥር። ካብ ሊቀ ካህንነት ኣሮን ተበጊስና፡ ናብ ነገረ ካህንነት መልከጼዴቅ ኢና በጺሕና ዘሎና። ምርዳእ እዞም ክልተ ምድባት ከኣ ነቲ ድኂሩ ዝግለጽ ሊቀ ካህንነት ኢየሱስን ዘለዓለማውነቱን ከነጽረልናን ከግህደልናን እዩ። ኣብ መጻሕፍቲ  ብሉይ ኪዳን ብዛዕባ መልከጼዴቅ ዝጸሓፉ ነቢይ ሙሴ ኣብ ዘፍጥረት፡ ቅዱስ ዳዊት ከኣ ኣብ መዝሙራት ጥራይ እዮም። ኣብ ዘመነ ኣብርሃም ዝነበረ መልከጼዴቅ፡ ድኅሪ ዓሰርተው ኣርባዕተ ወለዶታት ኣብ ዝመጸ ንጉሥ ዳዊት ኢና ንረኽቦ። ንጉሥ ዳዊት ኣብ ዝነበረሉ ዘመን ገና ኣገልግሎት ሊቃነ ካህናት ደቂ ኣሮን  ህልው ነበረ።

ዳዊት ብመንፈስ ተመሊኡ ኣብ ዝዘመሮ መዝሙር 110፡ “ጐይታ ንጐይታይ፣ ንጸላእትኻ መርገጽ እግርኻ ኽሳዕ ዝገብሮም፣ ኣብ የማነይ ተቐመጥ፣ በሎ።” እናበለ ይዝምር።  ኣብዚ ክፍሊ መጽሓፍ ቅዱስ ጐይታ(ያህዌ)፡ ንጐይታይ(ኣዶናይ) ዝተዛረቦ መለኮታዊ መልእኽቲ`ዩ ዝነግረና። እዚ ክፍሊ ጽሑፍ`ዚ ኸኣ ናይ ሓድሽ ኪዳን ጸሓፍቲ ደጋጊሞም ዝጠቐስዎ ክፍሊ እዩ። ኣስታት 27 ጥቕስታት መጽሓፍ ሓዲሽ ኪዳን ብቐጥታ ኮነ ብተዘዋዋሪ ምስዚ ጥቕሲ`ዚ ሕብረት ከም ዘለዎም መምህራን መጽሓፍ ይሕብሩ።(ማቴ22፡44/ማር12፡36/ግብ2፡34-35/1ቆሮ15፡25/ዕብ1፡13/ዕብ10፡13)።

ቅዱስ ዳዊት  ብግሁድ እግዚኣብሔር ኣቦ፡ ንወልድ(መሲሕ) ንጸላእቱ መርገጽ እግሩ ክሳዕ ዝገብሮም ኣብ የማነይ ተቐመጥ ከም ዝበሎ ይገልጽ። “እግዚኣብሔር ካብ ጽዮን ሥልጣን መንግሥትኻ ከስፍሕ እዩ” ከም ዝበሎ ውን ወሲኹ ይነግር። እግዚኣብሔር ኣምላኽ ንዳዊት ዝመሓለሉ ማሕላ ኣሎ፡ እዚ ማሕላ`ዚ ኸኣ ሓደ ካብ ፍረ ከርስኻ ኣብ ዝፋንካ ከንብር እየ፡ መንግስቱ ኸኣ ንዘለዓለም ክትጸንዕ`ያ ዚብል እዩ። መሲሓዊ ዝኾነ ንግሥነት ኣምላኽ ከም ዝምስርት ብተስፋ ንዳዊት ነጊርዎ እዩ። እቲ ዝገዝእ ክሳዕ ዚመጽእ፡ ሕዝብታት`ውን ክሳዕ ዝግዝእዎ በትሪ መንግሥቲ ካብ ይሁዳ፡ ዘንጊ ገዛኢ ኸኣ ካብ ማይ ቤቱ ኣይከልግስን እዩ(ዘፍ49፡10) ተባሂሉ ውን ብኣበው ኣቐዲሙ ተነጊሩ`ዩ። ኣብዚ ክፍሊ ጽሑፍ እምበኣር እቲ ንጉሥ ዓወት ከም ዝርከብ፡ ብፍቓዶም ዝግዝኡ ብልብሲ ቅድስና ዝመልኡ መንእሰያት ውን ሠራዊቱ ከም ዝኾኑን ንሱ ውን ዓወት ከም ዝረክብን ብሰፊሑ ይትንትን። እዚ ክፍሊ ጽሑፍ`ዚ ኸኣ ንንግሥነት እቲ መሲሕ ኣብሊጹ የብርሆ።

ቅዱስ ዳዊት ውን ካልእ ካብ ኣምላኽ ዝተገለጸሉ ሰማያዊ ምስጢር ወሲኹ ይነግር። እዚ ንጉሥ`ዚ ኣምላኽ ብማሓላ ዘቖሞ ዘለዓለማዊ ካህን ምዃኑ ይገልጽ። ገና ክህነት ደቂ ኣሮን እናሃለወስ ዳዊት ግን ብመንፈስ ኮይኑ ብዛዕባ እቲ ከም ማዕርግ መልከጼዴቅ ዝትንስእ ካህን ይዛረብ። ክህነት ደቂ ኣሮን ብማሓላ ኣይነበረን፡ እዚ ማለት ኣምላኽ ንኣሮን ንስኻ ንዘለዓለም ዓለም ካህን ኢኻ ኣይበሎን። ስለዚ ኸኣ እዩ እቶም ካህናት ደቂ ኣሮን እናሃለዉስ ዳዊት ብመንፈስ ቅዱስ ተመሊኡ ብዛዕባ እቲ ዝትንስእ ካህን ዝዛረብ ዘሎ። ዳዊት እቲ ካብ ፍረ ከርሱ ዝውለድ፡ ዘለዓለማዊ ንጉሥ ጥራይ ዘይኮነስ እንኮላይ ዘለዓለማዊ ካህን ምዃኑ ተረዲኡ ነበረ። እዚ ከም ማዕርግ መልከጼዴቅ “ ንስኻ ንዘለዓለም ካህን ኢኻ” ተባሂሉ ኣምላኽ ዝመሓለሉ ከምኡ`ውን ዘይጠዓሰሉ ካህን ግን መን`ዩ፧

እግዚኣብሔር ንሓደ ጥራይ እዩ “ንስኻ ንዘለዓለም ካህን ኢኻ” ኢሉ ብማሓላ ዘረጋገጸሉ። እዚ ካህን እዚ ኸኣ ክህነቱ ዘለዓለማዊ፡ መተካእታ ዘይብሉ`ዩ ከምኡ`ውን እዚ ካህን`ዚ ወናኒ ዘለዓለማዊ ዝፋን ንግሥነት እዩ። ኦ ኣምላኸይ! ዝፋንካ ንዘለዓለም ይነብር፡ ንመንግሥትኻ ብጽድቂ ተመሓድር(ዕብ1፡8) ተባሂሉ ዝተነግረሉ ካህን እዩ። ዳዊት እዚ ኲሉ ብዛዕባ እቲ ጐይታይ፡ ኣምላኸይ ዝበሎ መሲሕ ብመንፈስ ተዛረበ። ሽሕ`ኳ ዳዊት ኣብ ዙርያኡ ኣገልግሎት ድንኳን ምርኻብ ዘካይዱ ካህናት ደቂ ኣሮን እንተነበሩ ንሱ ዘለዓለማዊ ክህነት ከም ዘይኮነ ግን ይፈልጥ ነበረ። በቲ ኣምላኽ ዝገለጸሉ ዘጸናንዕ ቃል ከኣ ንምምጻእ እቲ ዘለዓለማዊ ካህንን ንጉሥን ዝኾነ ወዱ ብሃረርታ ይጽበ ነበረ።

ናይ ዕብራውያን ጸሓፊ “ንስኻ ከም ማዕረግ መልከጼዴቅ ንዘለዓለም ካህን ኢኻ” ዚብል ቃል ዓሚቚ መለኮታዊ ሓሳብ ከም ዘለዎ ስለ ዝተረድአ 5 ሳዕ ደጋጊሙ ጽሒፍዎ ይርከብ።(ዕብ 5፡6/ 5፡10/ 6፡20/ 7፡17/ 7፡21)። እዚ ክህነት`ዚ ብዘይ መሓላ ኣይኮነን ዝነበረ። እቲኣቶም(ኣሮንን ደቁን) ብዘይ መሓላ እዮም ካህናት ዝኾኑ ዝነበሩ። ንሱ ግና “ እግዚኣብሔር፡ ንስኻ ከም መልከጼዴቅ ንዘለዓለም ካህን ኢኻ” ኢሉ ስለ ዝመሓለሉ፡ በዚ ኸኣ ኣይጠዓስን እዩ፡ ብማሕላ እዩ ካህን ዝኾነ። ኢየሱስ ድማ በዚ ማሕላ እዚ ምኽንያት ናይታ ዝበለጸት ኪዳን ዋሕስ ኮነ።

ዕዮ ገዛ፡

1.        1.     ኣብ መንጎ ሊቀ ካህንነት ኣሮንን መልከጼዴቅን ዘሎ ፍልልይ ዘርዝር፧

           2            ፍሉይነት መልከጼዴቅ እንታይ ምዃኑ ግለጽ፧

ክቡራት ኣኅዋተይን ኣኃተይን ኣብ ዝተፈላለየ መኣዝናት ዓለም ዘሎኹም፡ ነዘን ክልተ ሕቶታት ዕለት ጽሒፍኩም ኣብ ወረቐት መልስወን፡ ነታ ወረቐት ዓጺፍኩም ከኣ ኣብ መዝገብ ኣቐምጥዋ። ተመሊስና እንግንጽለሉ መዓልቲ ክሳዕ ዝኣክል ኣብኡ ትነበር።

 

                           ጸጋ ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ምስኩላትኩም ይኹን።

 


No comments:

Post a Comment