Thursday, June 18, 2020

ብወታእ ከናፍርዶ ወይስ ብቛንቋ ጓና ይዛረበና፧

                       

                          ብወታእ ከናፍርዶ ወይስ ብቛንቋ ጓና ይዛረበና፧


ንሳቶም ኣብ ልዕለይ የጒረምርሙ ኣለዉ፡ ”እዚ ሰብ እዚ ንመን ዚምህር ዘሎ መሲልዎ እዩ፧ ንመንከ እዩ መልእኽቱ ዚገልጽ ዘሎ፧ ትምህርቱ ነቶም ጡብ ኣዲኦም ሕጂ ዝኃድጉ ሕፃናት እዩ።….. እምበኣር ንኣይ ዘይትሰምዑኒ እንተዄንኩም፡ እግዚኣብሔር ብወታእ ከናፍርን ብቛንቋ ጓናን ክምህረኩም እዩ። ኢሳ 28፡9-11.  

ኦ ቅዱስን ሕያውን ኣምላኸይ ስምካ ይባረኽ። ቅድሚ ኹሉ ነገር ምሕረት ስለ ዝገበርካልና ብጥራሽ ክንጠፍእ`ውን ስለ ዘይደለኻ፡ ነዚ ዘሎ ወለዶ ገጽካ ስለ ዘብራህካልና ተባረኽ። ኣብ ቅድሚ ዓይንኻ ኩሉ ስጡሕ እምበር ካባኻ ዚኽወል ፍጡር የልቦን። ንዘመናት ዝተሠወረ ክፍኣትና፡ንሱ ኸኣ በደል ቀዳሞት ኣቦታትና ምእንቲ ክንስሓሉ ስለ ዝደረኽካና ተባረኽ። ኦ ኣምላኸይ ንዓኻ ኣጒሂና ንሕግኻ`ውን  ኣፍሪስናዮ ኢና`ሞ ምእንቲ ስም ወድኻ ኢየሱስ ይቕረ በለልና።

ኣምላኽ ኣብ ዘመን ሕይወተይ ኣሳጊርንን የሳግረኒ`ውን ኣሎ። ኣእዳወይ መጽሓፍ ክሕዛ፡ ኣእምሮይ ውን ንቃል መጻሕፍቲ ክርዳእ ዝገበሮ ንሱ በይኑ`ዩ ክብሪ ንስሙ ይኹን። ኣብ ሕይወተይ ካብ ዘንበብክዎም መጻሕፍቲ፡ ጦብላሕታይ ከውክዓኩም መሪጸ ኣሎኹ። እናነባዕኩም፡ እናጎሃኹም፡ እናተወጋእኹም ወይ ውን እናደመኹም ዘንበብኩሞ መጽሓፍ ትዝ ተበለኩም ሓሳብኩም ኣካፍሉና።

ንመዓሙቕ ልበይ ሰርሲሮም ንኣዕይንተይ ፈልፋሊ ዔላ ዝገበርወን መጽሓፍቲ ከም ዘለዉ ክሓብኣልኩም ኣይደልን። ሓንቲ መጽሓፍ ግን ብፍሉይ ንሕይወተይ ዝፈተነት፡ ተንብዐት ጥራይ ዘይኮነትስ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ገጻት እታ መጽሓፍ ንብዓተይ ዘፍሰሰት`ያ። ኣብ መንጎ ኸኣ እቲ ጓሂ ምጻሩ ይስእን እሞ መጽሓፈይ ዓጺፈ፡ ዝርንዛሕ እነብዕ።

ኣብ ከባቢ አራት ኪሎ(ኣዲስ ኣበባ) እናተዘዋወርኩ ከለኹ`የ ነታ ሃንደበት ዝረኣኽዋ መጽሕፍ ብዕለት 11/03/2009(ግእዝ) ዓዲገያ። ጎደናታት አራት ኪሎ ብመጻሕፍቲ ዝወቀቡ እዮም፡ ደሊኻ እትስእኖ መጽሓፍ የልቦን። ኣርእስቲ ናይታ መጽሓፍ “ ደቂቀ እስጢፋኖስና የደብረ ብርሃን ሸንጐ” ትብል ኮይና ብግርማ ኤልያስ ብ2000ዓ.ም ዝተሓትመት እያ።

ብዙሕ ሳዕ መጽሓፍ ከንብብ ከለኹ ብዙሕ ገጻት እየ ዘንብብ፡ ሓደ ሓደ እዋን ከኣ እንተዘይ ወዳእክዎ ብምባል ብዘይምቁራጽ ንነዊሕ ሰዓታት`የ ዘንብብ። እዚ ልምደይ እዚ ግና በዛ 230 ገጻት ዘካተት መጽሓፍ ፈረሰ። ትኅዝቶ እታ መጽሓፍ በቲ ቅድሚ ዘመን ኣባ እስጢፋኖስ ዝነበረ ኪደት ክርስትና ምድርና(1297-1327) እዩ ዝጅምር። ኣእዳወይ ኣልዒለ ምንባብ ጀመርኩ ገና ነዊሕ ከይከድኩ ኸኣ ኣብ ልበይ ቛጺረዮ ዝዓበኹ ሓቅታት ክፈርስ ጀመረ። ኣዕይንተይ ጀለም ይብል ኣነ ኸኣ የንብብ ይገርመኩም`ዩ 30 ገጻት`ውን ከነብብ ኣይከኣልኩን። ስቅያትን ስደትን ኣባ እስጢፋኖስ ከንብብ ቀሊል ኣይነበረን።

እቲ ኣብ 14ክ.ዘ ዝተኸስተ ክርክራት ጥራይ ዘይኮነስ እቲ ነቲ ክርክራት ንምግታእ ተባሂሉ ብሓጸይ ዘርአያዕቆብን መማኽርቱን ዝውሰድ ዝነበረ ስጉምታት ንልበይ ክገላብጦ ጀመረ። ንውሽጠይ ከኣ ተመሊሰ ይሓቶ እዚ ታሪኽ`ዚ ኣብ ምድርና ዝተገብረ ታሪኽ ክርስትና ምድርና ድዩ፧ ለካ ንሕና ዘይፈለጥናዮ ብዙሕ ደም ንጹሓት እባ ፈሲሱ`ዩ፧ እናበልኩ ንባበይ ቀጸልኩ። ኣብዚ ህሞት`ዚ ገጻት ብዝገንጸልኩሉ ደቂቕ፡ ዘንብቦ ስቅያት እናገደደ ይመጽእ ነበረ። ብሽፋን “ጸረ ማርያምን ጸረ” መስቀልን ከኣ ሰባት ብኽግለጽ ዘይክእል ስቅያት ምስቓይ ኣብዚ ዘመናት`ዚ ከም ጽድቂ፡ ንኣምላኽ ከም ምቅናእ ይቚጸር ነበረ። ቤተክርስቲያን ንሓጸይ ዘርአያዕቆብ፡ ከም ንጉሥ ቆስጠንጢኖስ ኣብ ምድርና ገይራ`ያ ኣቕሪባቶ፡ ነዚ ነገራት`ዚ ካብ ሕጻንነተይ ይፈልጦ ነበርኩ። ሕጂ ብተግርባሩ ዝርእዮ ብውሳኔታቱ ውን ዝምልከቶ ዘለኹ ሓጸይ ዘርአያዕቆብ ግን መግለጺ ዘይርከቦ ጭካኔ ዝፍጽም ሰብ እዩ።

ጸረ ማርያምን ጸረ መስቀልን እዮም ተባሂሎም ኣዋጅ ዝተነግሮም ደቂ ካልእ ምድሪ ኣይነበሩን። እዚ ምድሪ`ዚ ምድሮም ነበረ እንተኾነ ግን ምድሮም ሎሚ ከተጽልሎም ስለ ዘይከኣለት ኣብ ፈቐዶ በዓትታት ሰፈሩ። ንዕኦም ምቕታል ኮነ ምስቓይ፡ ንንብረቶም ውን ምርሳይ ከኣ ከም ቅቡል ነበረ። ኣባ እስጢፋኖስ ነቲ ቅኑዕ መገዲ ቃል ኣምላኽ ብምሓዝ እዮም ዝተቓወሙ፡ በዚ ምኽንያት`ዚ ኸኣ ብዙኅ ስደት ረኸቡ። ደቆም ውን እንተኾነ ንእግዚኣብሔር ደኣ እምበር ንቃል ንጉሥ ኣይንእዘዝን ብምባል ብብዙኅ ስቓይ ተሳቐዩ። መራሕቲ ቤተክርስቲያን እቲ ዘመን `ቲ ኸኣ ጸግዒ ንጉስ ብምሓዝ ደኣ መከራ የውርዱ ነበሩ እምበር፡ ንንጉስ ከም ቃል ኣምላኽ ኪድ፡ እቲ ንስኻ ትብሎን ተመሓላልፎን ዘሎኻ ትምህርቲ ጌጋ`ዩ ዝብሉ ተብዓት ኣይነበሩን።

ደቂቀ እስጢፋኖስ ኣእዳዎምን መልሓሶምን እናተቖርጸ፡ ደሞም ኣብ ምድሪ እናፈሰሰ ንሓቂ ዋጋ ከፈሉ። ኣብ መዝገባት ዓለም ብጭካነኡ ዝፍለጥ ኣዶልፍ ሂትረል፡ ብዝፈጸሞ ጭካነ ንዓይ ዝሓሸ ኮይኑ ተራእየኒ። ምኽንያቱ ሰባት ካብ ቃሉ ምስ ረሓቁ ዘጋጥሞም ተርእዮ ብዙኅ ስለ ዝኾነ።  እዚ ሕጂ ዘንብቦ ዘለኹ ግን ኣብ ምድረይ ጥራይ ዘይኮነስ ናይ ማርያም ተሓለቕቲ ኢና ብዝብሉ ዝፍጸም ተግባር ብምዃኑ ኣርመመኒ። ይትረፍ ክርስቲያን`የ ዚብል፡  ሰብ ፍጡር`ኳ  ኣብ ልዕሊ ወገኑ ከምኡ ዓይነት ጭካነ ይፍጽም`ዩ ዚብል ሓሳብ የብለይን።

ናይ ብዙኃት ንጹሃት ሰባት ዕዳ ደም እምበኣር ኣብ ምድርና ኣሎ። ፍረደልና እናበለ ዝጠርዕ ደም ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኣሎ። እቲ ዝተፈጸመ ስቅያት መወዳእታ የብሉን። “ጸረ ማርያምን ጸረ መስቀልን” እዮም ንዝተባህሉ ሰባት ንብረቶም ምራሳይ፡ ብግፍዒ ምቕታልን ምስቓይን ኣብዚ ዘመን`ዚ ገበን ኣይነበረን።

መርሒነት ቤተክርስቲያን`ውን እንተኾነ ምስ ንጉሥ ዝወገነ ገፋዒ ኃይሊ ደኣ ነበረ እምበር ንቓል መጽሓፍ ቅዱስ ዘድሉ ኣይነበረን። ኣስታት 300 ዝኣኽሉ ደቂቀ እስጢፋኖስ ክሳዕ ቁመቶም ጉድጓድ ተዃዒትሎም፡ ብሕይወቶም ኣብ ጉድጓድ ተቐቢሮም፡ ኣብ ልዕሊ ኣራእሶም ሰብ ዘይፈልጣ ጥሪት ብምግላብ፡ ኣራእሶም ብምርጋጽ እተን ጥሪት ክጭፍለቕን ክመቓቐልን ካብ ምግባር ዝዓቢ ኣረሜንነትከ እንታይ ኣሎ፧ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣምላኽ ከ ዘይፈርዶ ይኸውን፧  እዚን ካልእን ፍጻሜታት እዛ መጽሓፍ ነበብኩ፡ ክሳዕ`ታ ናይ መወዳእታ ገጽ ዝነብብ ውን ኣብ ልበይ ከም ሓዊ ዘቃጽለኒ ፈኸም ዝብል ጓሂ ይነድድ ነበረ።  ኣምላኽ በቲ ንሕና ክንሰምዖ ንኽእል ቋንቋ ብዙኅ ሳዕ ተዛረበ፡ ኣቦታትና ግን ንኣምላኽ ምእዛዝ ኣይመረጹን ነዛ ምድሪ እዚኣ ኸኣ ኣከል ደማ(ግራት ደም) ገበርዋ። ምድርና ብሰሪ እቲ ዝፈጸመቶ ግፍዕን ቅትለትን ባደመት እነሆ ክሳዕ ለይተ-ሎሚ ኣብ ምድርና ንብዓትን ቊዘማን ድርማሞን መልቀስን ኣሎ። ሎሚ ንሕና ንበደል ኣቦታትና ሒዝና ናብቲ ምሕረት ዝርከቦ ዝፋን ኣምላኽ ክንቀርብ ይግባእ። ነታ ብደም ምፍሳስ ዝተዓለሰት ምድርና ኣምላኽ ከንጽሃን ክባርኻን ብስም ኢየሱስ ክርስቶስ ምሕረት ንለምን። እዚ ግፍዒ ኣብ ቅድሚ ብዙኃት ብቕሉዕ ከም ዝተፈጸመ፡ ኣምላኽ መንፈስ ጓህን ንስሓን ልኢኹልና ኸኣ ቤተክርስቲያን ብግልጺ ብበደላ ተኣሚና ናይ ንስሓ ዘመን እትሰርዓሉ ዘመን ክርኢ ሃረርታይ እዩ።

እዛ መጽሓፍ እዚኣ እምበኣር ንድኅሪት ተመሊሰ ታሪኽ ክፍትሽ ቀሰበትኒ፡ ነቲ ፍሩስ ክንሃንጽ ኣምላኽ ጸዊዕና ኣሎ። ነቶም ብጅግንነት ሕይወቶም`ኳ ክሳዕ ምውፋይ እሙናት ዝኾኑ ኣባ እስጢፋኖስን ውሉዶምን ከኣ ኣምላኽ ትብዓት ስለ ዝሃቦም ንኣምላኸይ እባርኾ። ሎሚ ኸኣ ሰብ ተርታ ንሕና ኢና። እዞም ሎሚ ዘሎና ኣገልገልቲ፡ ሎሚ ንእንገብሮ ተግባራት ከም ቃሉ ንግበሮ፡ ኣንጻር ቃል ኣምላኽ እንተነበርና ግን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ኣብ ቅድሚ ዝመጹ ወለዶታትን ተኸሰስቲ ኢና። ኢየሱስ ክርስቶስ ናይ ዘወትር ምስጋናና ጸሎትና ጉልበት ኢኻ። ንእግዚኣብሔር ኣቦ ስለ ዂሉ ነገር ብስም ጐይታ ኢየሱስ ስብሐት ይኹን።

   

 


No comments:

Post a Comment