Monday, June 8, 2020

ናይ እግዚኣብሔር ኣቦ ካህንን ንጉሥን ሸኽ ኣቡበከር

ናይ እግዚኣብሔር ኣቦ ካህንን ንጉሥን፡ ሸኽ ኣቡበከር!

ንነፍሲ ወከፎም ድማ ፃዕዳ ኽዳን ተዋህቦም፡ ቊጽሪ እቶም ከምኣቶም ኪቕተሉ ዘለዎም ብጾቶም ኣገልገልትን ኣኅዋቶምን ክሳዕ ዝመልእ ከኣ ገና ንቚሩብ ዘመን ከዕርፉ ተነግሮም። ራእ 6፡ 11

ኦ ቅዱስን ዘለዓለማውን ኣምላኽ ስምካ ይባረኽ። ንስኻ በይንኻ ሕያው ኮይንካ ኢኻ እትነብር`ሞ እባርኸካ ኣሎኹ።  ኣብ ነፍሲ ወከፍ ደቒቕ ታሪኽ ትቅይርን ተኣምራትካ እተርእን ኣምላኸይ ብስም ኢየሱስ ተባረኽ። እነሆ ሎሚ ድማ ታሪኽ ምእንቲ ክትቅይር ትዓዪ ኣሎኻ። ኣምላኸይ ስምካ ይባረኽ። ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ጸጋኻ ኣባና ይዕዘዝ፡ ኲሉ ብኣኻ ኮይኑ`ዩ`ሞ ተባረኽ። ጐይታ መንፈስ ቅዱስ ብሕግኻ ምእንቲ ክንመላለስ ርድኣኒ።

“ሸኽ ኣቡበከር ዘኢትዮጵያ”፡ ሸኽ ክበሃል እንከሎስ ኣብ ኣእምሮኹም እንታይ ተሳእለ፧ ጀለብያ ዚተኸድነ፡ ዕማመት ውን ዘለዎ፡ ሰብነቱ ብጀለብያ ዝተሸፈነ፡ ኣፉ ከፊቱ ዝእዝን፡…..ወስኽሉ ደኣ! ከምዚ ኸማይ ንሰብ ብደጊኡ ርእይ ኣቢልኩም ግምገማ እትህቡ ተኾንኩም ከኣ ሰዓቢ መሓመድ ምበልኩሞ ይመስለኒ። “ሰዓቢ ክርስቶስ`ዩ” እንተ ትበሃሉ`ኸ ምኣመንኩም`ዶ፧ በሉ ንዑ ኲልና ሓቢርና ናብ ትዝታና ንመለስ።

ዕዮ ልዑል ኣምላኸይ ኣርሚምኒ ኣሎ፡ ተግባሩ ውን ኣደኒቕኒ ኣሎ። ኣምላኽ ንዓይ ንንኡስ ንሎሚ ዝኸውን ጽሑፍን ዕላማን ምእንቲ ክትልም፡ ትማሊ ሰልፊ መሃረኒ። ዕለት 09/01/ 2016 ከባቢ ሰዓት 8፡00 ድ.ቀ፡ ሓደ ብክርስቶስ ዘፍቅሮ ዓርከይ ቴሌፎን ደዊሉ፡ “ጽባሕ ንግሆ ንኣገልገልቲ ዝተሰርዐ መደብ ኣሎ`ሞ ይጥዕመካ ተኾይኑስ ተሳተፍ፡ ክሓልፈካ የብሉን” ብምባል ዓደመኒ። ኣምላኽ ንኣእዳወይ ሰልፊ ክምህረን ስለ ዝመደበ ኸኣ ብሓጐስ ተቐበልክዎ። ሕጂ ዕድል ረኺበ ኸለኹ ነቲ ሓው ክባርኾ። “ኦ ክቡር ኃወይ ኣቦ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብኹሉ ዘመንካ ይባርኽካ”። ንጽባሒቱ ዕለት 10/01/2016 ምድሪ ምስ ወግሐ ምስ ካልእ ዓርከይ ኮይንና ከባቢ ሰዓት 9፡00 ቅ.ቀ  ናብቲ ቦታ ኸድና፡ ብመሠረት ቆጸራና ውን ቅድሚ ሰዓትና በጻሕና።

ካብ ኣኅዋት ተቐቢሉ ናብቲ ኣኅዋት ዝነበርዎ ቦታ ምስ ኣእተወና ኸኣ ምግራመይ መለሊሱ ይዓዝዝ ነበረ። ኣገልገልቲ ወንጌል፡ መዘምራን ዝነበርዎ ጉባኤ`ዩ። ልዕሊ ኹሉ ንኣእምሮይ ዝሰሓበ ተርእዮ ግን ነበረ፡ ጀለብያ ዝተኸድኑ ክልተ ኣኅዋት ኣብ ፊተይ ተቐሚጦም፡ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ቅድሚኦም ገንጺሎም ነበሩ። ኣእዳወይ ኣብቲ ንኽንጽሕፈሉ ተዋሂቡና ዝነበረ ንእሽቶ ጥራዝ፡ በታ ንኽንጽሕፈላ ዝተዋህበትና ሰማያዊት ቢሮ፡ ታሪኽ ክጽሕፍ ተተኺሉ ነበረ።

መደብ ዝጅመረሉ ሰዓት ምስ ኣኸለ፡ ነቲ ኣቦ ኹሉ ዝኾነ እግዚኣብሔር ብስም ሓደ ወዱ ኢየሱስ ክርስቶስ ጸሎት ቀረበ። “መን`ዩ፧ እቲ ዝጸለየ ዲኹም ዝበልኩም፧ እወ እቲ ዝጸለየ ሸኽ ኣቡበከር እዩ። ሽዑ ኣብ ልበይ ዝነበረ ባህታን ሓጐስን ብዘይካ ብርዐይ ክርድኦን ክፈልጦን ዝኽእል ዘሎ ኣይመስለንን። ሽዑ እቲ ጉባኤ ብሕብረት ፡ “በዘመናት የሸመገለ ክብርን ሁሉ የጠቀለለ፡እንደ ጌታ አረ ማን አለ፡ እንደ እግዚኣብሔር አረ ማን አለ (ኣነ ዝፋናት ክሳዕ ዚንበሮ እጥምት ነበርኩ፣ ሓደ ጥንታዊ ዝመዓልቱ ድማ ተቐመጠ። ክዳውንቱ ጻዕዳ ከም በረድ፣ ጸጕሪ ርእሱ ኸኣ ከም ጽሩይ ጸምሪ እዩ። ዝፋን ሃልሃልታ ሓዊ፣ መንኰራዅሩ ድማ ጕሁር ሓዊ እዩ። ዳን7፡9)” እናበለ ንኣምላኽ ይውድስን ይዝምርን ነበረ። ኣዕይንተይ ኣብ ሸኽ ኣቡበከር ተተኺለን ነበራ፡ ብመንፈስ ተመሊኡ፡ ኣዕይንቱ ብንብዓት እናኣንጀርበበ ይዝምር ነበረ። ልቡ ብፍቕሪ ክርስቶስ ዝተማረኸ ናይ ኢየሱስ ምዃኑ ኸእ ሕይወቱ ይምስክረ ነበረ።

ገዛእ ርእሱ ከላሊ ኸሎ ብንብዓት ዝበሎ ቓል ክሳዕ ሎሚ ኣይርስዖን`የ። “እነሆ ሎሚ ኣብ ጉባኤ ሕያዋን(ብጐይታ ኢየሱስ ዝኣመኑ) ክርከብ ንዝፈቐደ ኣምላኽ ምስጋና ይኹኖ” እናበለ ንእግዚኣብሔር ወደሶ። ቀጺሉ ብዛዕባ መጽሓፍ ራእይ ዮሃንስ ምዕራፍ 5 ገንጺሉ ብዛዕባ እቲ ዝሞተሉ ገንሸል ኢየሱስ ክርስቶስ ብሓቅን መንፈስ ይምስክር ነበረ። ነዚ ጐይታ እዚ ዝነበሮ ፍቕሪ ኸኣ ክሳዕ ሞት ከም ዝነበረ ሕይወቱ ምስክር እዩ። ኣብ ምዕራፍ 6፡ 11 ምስ በጽሐ ኸኣ ኣዕይንቱ ብንዓት መሊኡ፡ ብመንፈስ ተመሲጡ፡ ከምቶም ምእንቲ ስም ኢየሱስ ክርስቶስን ምእንቲ ቓሉን ኣብ መሠውዒ ዝሕረዱ ክሕረድ፡ ብዓቢይ ሃረርታ ንኣምላኽ ጸለየ፡ ነዚ ኸኣ ከም ጽቡቕ ዕድል ርእይዎ ነበረ።

እቲ ኣብ ቅድመይ ዝርእዮ ዘለኹ፡ በዓል ጀለብያን ቆብዕን ዝኾነ  ሸኽ፡ ንዓይ ኣብ ቤት ኣምላኽ ዓብየ`የ ንዝብል ሰብ(ዲያቆን)፡ ቅዱስ ቃል ወንጌል ኢየሱስ ክርስቶስ ይሰብከኒ ነበረ። ብውሽጠይ ኣምላኽ ናብዚ ጉባኤ ንምንታይ ከም ዘምጽኣኒ ኸኣ ይሓስብ ነበርኩ። ኣብዚ ጉባኤ’ዚ ካብ ምድሪ ኤርትራ ዝኾንና 3 ኣኅዋት ነበርና፡ ቅድሚ ሎሚ ምናልባት ብዛዕባ እቶም ኣብ ኤርትራ ዘለዉ ተኸተልቲ እምነት ምስልምና ሓሲብና ኮነ ሓሊንና ዘይንፈልጥ ኢና። ወንጌል ንእኦም`ውን ርስቶምን ብጺሒቶምን ከም ዝኾነት ዝተሰወጠና ኣይነበርናን፡ ኣምላኽ ግን ሕጂ ሕሪ ሕራይ ገይሩ ይምህረና ኣሎ። ኢየሱስ ናይ ኩሉ መድኃኒት ምዃኑ ኪኖ ብቓል ብግብሪ ዝተመሃርኩሉ ህሞት እዩ።

ሸኽ ኣቡበከር፡ ንመጽሓፍ ቅዱስ ብቁርኣን መዚኑ ውዱቕ ክገብር ዝተላዕለ፡ ክሳዕ ዝለዓለ ትምህርቲ ኣስተምህሮ ቁርኣን ክመሃር ከኣ ናብ ምስሪ ኸይዱ ዝተማህረ እዩ። ብመሠረት መደቡ ንመጽሓፍ ቅዱስ ብቁርኣን ክመዝን ከሎ ግን፡ እቲ መዛኒ ዂሉ ዝዀነ ጐይታ መንፈስ ቅዱስ በጽሖ። ልቡ ኸኣ ብፍቕሪ መጽሓፍ ቅዱስ መልአ፡ ነቲ ነዚ ኃው`ዚ ናብ መገዲ ሓቂ ዝመርሐ ጐይታ መንፈስ ቅዱስ ስብሐት ይኹን። ንኢየሱስ ከም ጐይትኡን መድኃኒኡን ብምቕባል ከኣ ውሉድ ኣምላኽ፡ ጥሪት ኣምላኽ፡ ኅሩይ ወለዶ፡ ናይ እግዚኣብሔር ኣቦ ካህንን ንጉሥን ኮነ። “ እቲ ዘገርም ነገር እዚ እዩ! ንስኻትኩም ካበይ ከም ዝኾነ ዘይትፈልጥዎ ንኣይ ኣዕይንተይ ከፈተለይ(ዮሃ9፡30_” ተባሂሉ ከም ዝተጻሕፈ፡ እቲ ኣነ ዘይፈለጥክዎ ኢየሱስ ንዕኡ ኣዕይንቱ ከፈተሉ። ሸኽ ኣቡበከር ንጐይታ ኢየሱስ ድኅሪ ምቕባሉ፡ ነቲ ዕዮ ወንጌል ኣብቲ ንሱ ዝእዝነሉ መስጊድ`ዩ ዘርጊሕዎ። “ኣላህ” እናበለ ዝእዝን ሸኽ፡ ንሱ ባዕሉ ኸኣ ነቶም ኣብኡ ዘለዉ ኣኅዋት መስካሪ ወንጌል ኢየሱስ ነበረ። ጐይታ ነዚ ኽዓዪ ዓቢይ ጸዓት ስለ ዝሃቦ ክብሪ ይኹኖ።

እቲ ኣዛኒ ሸኽሲ ናይ እግዚኣብሔር ኣቦ ካህንን ንጉሥን ነበረ። ንሱ ካብቶም ቅዱሳት ካህናት ተባሂሎም ብደም ኢየሱስ ተሓጺቦም፡ ብመንፈስ ቅዱስ ዝተመልኡ፡ መዋርስቲ ርስተይ፡ ብክርስቶስ ኢየሱስ ኃወይ ነበረ።

ኣምላኽ ከኣ ንዓይን ነቶም ኣዕሩኽተይን ንምድርና ዝኸውን ራእይ ሃበና። ብፍቕሪ ክርስቶስ ተደሪኽና ነቶም ኣብ ሃገርና ዘለዉ ኣኅዋትና ተኸተልቲ እምነት ምስልምና፡ ወንጌል ኢየሱስ ርስቶም፡ ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ከኣ ካህኖም፡ መንፈስ ቅዱስ ውን ዝሕተምሉ ዕርቡን ርስቶም ምዃኑ ክንነግር ኅድሪ ተቐበልና። ኣቱም ኲልኹም ውሉድ ኣምላኽ ዝኾንኩም፡  ነዚ ጽሑፍ`ዚ እተንብቡ ዘለኹም ኣኅዋተይን ኣኃተይን ነዚ ሸኸም`ዚ ኃቢርና ክንሽከሞን ክንጽልየሉን ብስም ኢየሱስ ክርስቶስ እምሕጸነኩም ኣሎኹ። ጐይታ ብርግጽ እሙን እዩ ንምድርና ኸኣ ብወንጌሉ ክመልኣ እዩ።

በዛ ዕለት እዚ ኣምላኽ ንኹሉ እቲ “ንሕናን ኣቦታትናን ጥራይ” ዚብል ትምክሕቲ ፈጺሙ ሰባበሮ። በቲ ንሱ ዝለኣኾ ሸኽ ኣቡበከር ከኣ ንወንጌሉ ኣብ ልበይ ክፈሪ ገበሮ። ኣብ ልበይ ዝተረፈ ካልእ ነገራት`ውን ኣሎ ግን`ከ ንሎሚስ እዚ ይኣኽለኒ መስለኒ። ነቲ ዓቢይ ኣምላኽ ኣዕብይዎ፡ ንእኡ ነቲ ቅዱስ ቀድስዎ። ኦ ኣምላኸይ ነዚ ዕዮ`ዚ ምእንቲ ክንፍጽም ንመንፈስካ ኣብ ልዕሌና ኣፍስሶ፡ ብኃይልኻን ብጉልበትካን ዓወት ክትህበና ኢኻ`ሞ ንሕና ውን ክንባርኸካ ኢና። ስለ ኹሉ ነገር ንእግዚኣብሔር ኣቦ ብስም ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ስብሐት ይኹን።

 

ጸጋን ሰላምን ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ኲላትኩም ይኹን።      

08/06/2020


2 comments:

  1. Amen Amen Amen kale hiwet yesmolna!!!

    ReplyDelete
  2. ነዚ ጎይታ እዙይ ከመይ ክገልጾ ካብ ዘለኣለም ንዘለኣለም ክብሪ ይኹኖ።🙏🙏🙏

    ReplyDelete