Tuesday, September 1, 2020

ካብ ተፋልሶ ተሓለዉ!

 

ቃልካ ንዘለዓለም ጸኒዑ ይነብር(መዝ119፡89)


ቅድሚ ኩሉ ነገር ንእግዚኣብሔር ኣምላኽ ብጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ምስጋና ይኹን። ዘመናትና ዝባረኸ ንሱ በይኑ እዩ`ሞ ስሙ ይቀደስ። ኣብ ኩሉ ኲርንዓት `ዛ ዓለም ኮንኩም ነዚ ጽሑፍ እትነቡ ዘለኹም ኣቦታተይን ኣዴታተን ኣኅዋተይን ኣኃተይን ሰላም ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ምሳኹም ይኹን። ዕላማ እዚ ጽሑፍ “ ካብ ተፋልሶ ተሓለዉ” ዚብል እዩ። ብዕለት 29/08/2020 ዓ.ም ወግዓዊት መርበብ ሓበሬታ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተክርስቲያን ኤርትራ ዝኾነት ልሳን ተዋሕዶ፡ ንምእራም መጻሕፍቲ ሓዲሳት ዚምልከት ሓበሬታ ዘርጊሓ ነይራ። እቲ ዝተቃንዐ ጉባኤ ኣብ ጉዳይ ሓድሽ ትርጉም መጽሓፍ ቅዱስ ትግርኛ ዝገበሮ ኪደት ከኣ ኣብታ መርበብ ሓበሬታ ሰፊሩ ይርከብ። እቲ ኣብቲ መርበብ ሓበሬታ ዚሰፈረ ጽሑፍ ከኣ ከምዚ ይብል “ እዚ ጉባኤ`ዚ ብሊቃውንቲ ቤተክርስቲያን ተማእኪሉ ሰፊሕን ኣገዳስን ዕማም ከዕምም፡ ኣብ ዝሓጸረ እዋን ብደረጃ ቤተክርስቲያን ርቱዕ ካብ ህጸጽ ዝረሓቐ፡ መኣዛ ልሳን ቅድስት ቤተክርስቲያን ዘለዎ መጽሓፍ ቅዱስ ንምሕታም ዝተቓንዐ እዩ።”

ክቡራት ኣቦታተይን ኣዴታተይን ኣኅዋተይን ኣኃተይን ነበብቲ እዚ ጽሑፍ፡ ዕላማ ጽሑፈይ ካብ ስሕተት ተሓሊና፡ ብድፍረት`ውን ኣብ ልዕሊ ቃል ኣምላኽ ኣእዳውና ከይነልዕል`ሞ ጥፍኣት ኣብ ምድርና ከም ውሒዝ ከይፈስስ ንምልባው እዩ። ናብ ድኅረ ባይታዊ ታሪኽ ምትርጓም መጽሓፍ ቅዱስ ቅሩብ ክመልሰኩም ደስ ይብለኒ። ካብቶም ኣብ ምትርጓም መጽሓፍ ቅዱስ ትግርኛ ብቐዳምነት ዝስርዑ ዝነበሩ፡ አለቃ ተወልደመድኅን ገብሩ እዮም። እዞም ኣቦ እዚኦም ከኣ ኣብ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስቲያን ፍሉጥ ዝነበሩ፡ ብኽእለት ቋንቋ ትግርኛ ኾነ ካልኦት ቋንቋታት`ውን ብሱል ዝነበሩ እዮም። ኣብ ምትርጓም መጽሓፍ ቅዱስ ትግርኛ(ሓድሽ ኪዳን) ኸኣ ዓቢ እጃም ዘበርከቱ ወንጌላዊ ኣቦ እዮም። መጽሓፍ ቅዱስ ትግርኛ(ሓድሽ ኪዳን) ዝትርጉሙ ዝነበሩ ኣባላት መበቆላዊ ቋንቋ ሓድሽ ኪዳን ዝኾነ ግሪኽ ብዝግባእ ዝኽእሉን ከምኡ`ውን ተወሰኽቲ ቋንቋታት ከም ግእዝ፡ አማረኛ፡ ዕብራይስጥ፡ ስውዲሽ ዝመልኩ ምንባሮም ታሪኽ ይነግረና። ቋንቋ ግሪክ መሠረት ገይሩ ብብዙኅ ጻዕርን ድኻምን ዝተተርጎመ መጽሓፍ ብምዃኑ ኸኣ ሎሚ እኳ ክሳዕ ንግረም ይገብረና ኣሎ። ናይ መጀመርታ መጽሓፍ ሓድሽ ኪዳን ትግርኛ ብ1909ዓ.ም እዩ ተሓቲሙ። ካብዚ ዘመን`ዚ ጀሚርና ክሳዕ ዘለናዮ ዘመን እንተቖጸርና ኸኣ ናይ ኣስታት 100 ዓመታት ዕድመ ገይሩ ኣሎ።  ንዘመኑ ብዝጥዕም መልክዕ ከኣ ብመርሒነት ማኅበር መጽሓፍ ቅዱስ ከኣ መሠረታዊ ናይ ግሪኽ ጽሑፍ ከይሓደገ ወለዶታት ክርድእዎ ብዝኽእሉ ተሓቲሙ ናብ ሕዝብና በጺሑ እዩ።

ኣብ መእተዊ ናይቲ ብ1990ዓ.ም ዝተሓትመ መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ዚብል ቃል ሰፊሩ ኣሎ። “በዝን ከምዝን ከኣ ማኅበር መጽሓፍ ቅዱስ፡ ንመጽሓፍ ቅዱስ ሰባት ብዚርድእዎ ቛንቋ ኣተርጒሙ ወይ ኣመኃይሹ ንምቕራብ ዕላማኡ ስለ ዝኾነ ተገዲሱ፡ በቈጻጽራ ጎርጎርዮስ ብ1982ዓ.ም ኣብ ኤርትራ ንዘለዋ ኣብያተ ክርስቲያንን ነዚ ሎሚ ናይ ማኅበር መጽሓፍ ቅዱስ ቦርድ ኮይኑ ዘሎን፡ ነዚ ወለዶ እዚ ብዚርድኦ ኣገላልጻ ጌርካ መጽሓፍ ቅዱስ ቀሪብካ ናብ ቃል ኣምላኽ ንምዕዳም ኣየናይ ይኃይሽ፧ ሓድሽ ትርጒምዶ ወይ ከም ብሓድሽ ምምኅያሽ ብዚብል ሓሳቦም ኪገልጹን ተርጐምቲ ኺመዝዙን ጸውዐ። እቲ ሽዑ ዝነበረ ጨንፈር ማኅበር መጽሓፍ ቅዱስ ድማ ምስ ኣብያተ ክርስቲያን ተመያይጡ፡ እቲ ብወንጌላዊት ቤተ ክርስቲያን ዝተተርጐመ መጽሓፍ ቅዱስ ብኅብረት ኣብያተ ክርስቲያን ተመኃይሹ ኺቐርብ መረጸ። በዚ መሠረት እቲ ዚድለ ምቅርራባትን ንተርጐምቲ ትምህርትን ምስ ተዋህበ ብ10 ኅዳር 1985ዓ.ም ከኣ ዕዮ ሓድሽ ኪዳን ተጀመረ። ናይዚ ዕዮ`ዚ ቐንዲ ናይ ትርጒም ኣማኸርቲ፡ ብኅቡራት ማኅበር መጽሓፍ ቅዱስ ዝተመዘዙ፡ ቋንቋ ዕብራትስጥን ግሪኽን ኣጽፊፎም ዚፈልጡ ሊቃውንቲ ነበርዎ። መዝነት እዞም ሊቃውንቲ እዚኣቶም ነቲ ዝተተርጐመ ወይ ዝተመኃየሸ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ካብቲ ሓሳብ ግሪኽን ዕብራይስጥን ብስምዒት ተርጎምቲ ኸይልወጥ ወይ ካልእ ሓሳብ ከይውሰኾ 1. ትኽክል 2. ግልጺ 3. ልሙድ ኣዘራርባ ናይ ተቐባሊ ቛንቋ ምዃኑ መርሚርካ ምርግጋጽ ነበረ።”

 

ብመሠረት እዚ ሓጺር ጽሑፍ እኳ እንተረኣና ኪደት ትርጉም መጽሓፍ ቅዱስ ትግርኛ ማዕረ ኽንደይ ከም ዝተጻዕረሉን ብቅኑዕ መገዲ ማለት ትርጉም መጽሓፍ ሓድሽ ኪዳን ግሪካዊ ሓሳብ ከይሰሓተ፡ ትርጉም መጽሓፍ ብሉይ ኪዳን ከኣ ዕብራይስጣዊ ሓሳብ ከይሓደገ ክትርጎም ተገይሩ እዩ።  እዚ ክቡር ዕዮ፡ ብቕኑዕ መገዲ ሎሚ ኣብ ኣእዳወይ ክበጽሕ ብተኣማንነት ንዘገልገሉ ኣቦታተይ ወርትግ እየ ዝባርኾም።  ከምቲ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ዘመንበረ ፓትርያርክ ሰፊሩ ዘሎ “ ርቱዕ ካብ ህጸጽ ዝረሓቐ፡ መኣዛ ልሳን ቅድስት ቤተክርስቲያን ዘለዎ መጽሓፍ ቅዱስ ንምሕታም ዝተቓንዐ እዩ” ዝተባህለ`ዶ እዩ እቲ ሓቂ፧ ሎሚ ነፍሲወከፍና ክንምርምር ይግበኣና እዩ። ምትርጓም መጽሓፍ ሓድሽ ኪዳን ዘገደሰሉን ዘድለየሉን ምኽንያት ኢርቱዕን(ዘይሓቀኛ) ካብ ህጸጽ`ውን ዘይረሓቐ (ህጸጽ ዝተረኽቦ) እዩ ኢና ንበሃል ዘሎና። ካብቲ መጽሓፍ ሓድሽ ኪዳን ትግርኛ ዝተሓትመሉ ዘመን ክሳዕ ሎሚ ቀዳሞት ኣቦታትና ኮነ ንሕና ንኣስታት 111 ዓመታት  ክንጥቀመሉ`ዶ ኣይጸናሕናን፧ ህጸት ማለት ኑፋቄ ዘለዎ መጽሓፍ ምዃኑ እንተደኣ ትኣምን ኮይናኸ ንምንታይ እያ ቤተክርስቲያን ክሳዕ ለይተ-ሎሚ ኣብ ከብሓ ኣንቢራ ትምህረሉን ተስተምህረሉን ዘላ፧

እቲ ሓቂ ግን ከምቲ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ዘመንበረ ፓትርያርክ ሰፊሩ ዘሎ ኣይኮነን። ቀዳሞት ኣቦታትና ኮነ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስቲያን ኤርትራ ኣብዚ ትርጉም ዝተሳተፉ፡ ከምቲ ኣብ መእተዊ እቲ ብ1990ዓ.ም ዝተሓትመ መጽሓፍ ቅዱስ ተዘርዚሩ ዘሎ ኸኣ ማዕረ እተን ካልኦት ኣብያተ ክርስቲያን ከም ዝተሳተፈት ተጻሒፉ ኣሎ። በእዳውካ ንዝጸሕፍካዮን ንዘሕተምካዮን መጽሓፍ ሎሚ ህጸት ኣለዎ ምባል ግን ናይ ነገር ጥዕና ኣይኮነን። መጽሓፍ ቅዱስ መለኮታዊ ናይ እግዚኣብሔር መልእኽቲ እዩ ምእንትዚ ኸኣ ዓቢይ ጥንቃቐ ዘድልዮ እዩ።  እቲ ሎሚ ኣብ ምድርና ዘንጸላሉ ዘሎ ሰርቢ ኸኣ ቀሊል ኣይኮነን ዓገብ ክንብሎን ክንኩንኖን ይግበኣና እዩ። መጽሓፍ ሓድሽ ኪዳን ካብ ግእዝ ኣይኮነን ክትጎም ዘለዎ፡ ምኽንያቱ መበቆላዊ ቋንቋ መጽሓፍ ሓድሽ ኪዳን ግሪክ ደኣ እምበር ግእዝ ኣይኮነን። እቲ ኣብ ናይ ኢትዮጵያ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተክርስቲያን ኣብ ልዕሊ መጽሓፍ ቅዱስ ዝተፈጸመ በደል ኣባና ከይድገም ብስም ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ እምሕጸነኩም ኣሎኹ። ናይ 2ሽሕ ዓ.ም ሕታም ተባሂሉ ብናይ ኢትዮጵያ ኦርቶዶክስ ቤተክርስቲያን ዝተሓትመ መጽሓፍ፡ ነቶም ክቕበልዎም ዘይደልዩ ወሰንቲ ጥቅስታትን ኣበሃህላታትን ብምቕያር ካብ መሠረታዊ ናይ ቛንቋ ግሪክ ትርጉም ዝዘበለን ዝተፋለሰን መጽሓፍ ተሓቲሙ እዩ። “ይማልዳል” ዚብል ቃል “ይፈርዳል” ብዝብሉ ቃላት እናተቐየረ ተፋሊሱ ይርከብ።

እምበኣር ንኣምላኽ ክትፈርሁን ክትእዘዙን ጸሎተይ እዩ፡ ነቲ ብጽፉፍ መገዲ ኣብ ኣእዳውና ዝበጽሐ መጽሓፍ ሓድሽ ኪዳን ትግርኛ “ህጸጽ ኣለዎ” ብዝብል ምስምስ ኣይተፋልስዎ። ኣብ ታሪኽ ዓለምና እቶም ነቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዘሎ መለኮታዊ ሓቂ ብእምነት ክቕበሉ ዘይከኣሉ ሰባት ኮነ ሃይማኖታት ዝወስድዎ ናይ መጀመርታ ተበግሶ፡ ንመጽሓፍ ቅዱስ በቲ ንዕኦም ዝጥዕም ሓሳብ ምቕያርን ምፍላስን እዩ። ቀዳሞት ኣቦታትና ዋጋ ከፊሎም ከይበረዙ ኣብ ኣእዳውና ስለ ዘብጽሕዎ ንኣምላኽ ምስጋና ይኹኖ። ቃሉ ካብ ምቕያር ዚዓቢ በደልን ኃጢኣትን የልቦን እሞ ሓደራ ኣእዳውኩም ብድፍረት ኣይተልዕሉ። ነፍሲ ወከፍ ሰብ ነዚ ተግባር`ዚ ብምቅዋም ዓገብ ክብል ይግባእ። ኦ ጐይታ ንሕዝብኻ ሓልወና፡  ምእንቲ ቅዱስ ስምካ ክትብል ከኣ መሓረና።

 

01/09/2020