Wednesday, December 22, 2021

ኣስተንትኖ መዝሙር ካህነይ 4ይ ክፋል

 

መዝሙር ምስጋና ሊቀ ካህነይ (ራብዓይ ክፋል)


ንእግዚኣብሔር ኲሉ ጊዜ አመስግኖ፡ ውዳሴኡ ንሓዋሩ ኣብ ኣፈይ እዩ። መዝ34፡1

ኦ ግሩም ሊቀ ካህናት ኢየሱስ ክርስቶስ ስምካ ይባረኽ።

ረሃጽካ ከም ነጥቢ ደም ወሪዱ

እህህታኻን ልቕሶኻን ተሰሚዑ

ኣጽኒዕካ ብንብዓት ለሚንካ

ፍቓድ ኣቦ ክትፍጽም ተሠዊዕካ

ሊቀ ካህነይ ብደምካ ኣድኂንካኒ

ኢየሱስ ጠበቓይ ቀዲስካኒ

 

ሊቀ ካህነይ ብደምካ ኣድኂንካኒ፡ ድኅነት ወይ ሥርየት ኃጢኣት ቀንዲ ምህሮ ቅዱሳት መጻሕፍቲ እዩ። ሰብ ኃጢኣተኛ ኰይኑ ተረኺቡ እዩ፡ ምእንትዚ ኸኣ ኣካላዊ ቃል ኢየሱስ ክርስቶስ ሰብ ብምዃን መሥዋዕቲ ኃጢኣት ኰነ። እዚ መሥዋዕቲ እዚ ኸኣ ሓንሳእን ንሓዋሩን ዝኸውን ዘይደጋገም መሥዋዕቲ እዩ። “ብዘይ ምፍሳስ ደም`ውን ኅድገት ኃጢኣት የልቦን(ዕብ922)። ኣምላኽ ንርእሱ ውሉድ ክንኮኖ ምስ መደበና፡ ብእኡ ብምእማንና ብደሙ ድኅነት፡ ከምቲ ሃብቲ ጸጋኡ ኸኣ ኅድገት ኃጢኣት ረኸብና። ሰብ ዝድኅን እምበኣር ብሊቀ ካህናት ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ዝኣምን ጥራይ እዩ። ብእኡ ክንድሕን ዚግባእ ካልእ ስም ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንደቂ ሰብ ኣይተዋህበን። ስለዚ ድኅነት ብሓደ ካልእ ከቶ የልቦን(ግብ4፡12)። ቅዱስ መጽሓፍ ኢየሱስ ክርስቶስ ዘይኃልፍ ክህነት ከም ዘለዎ`ዩ ዝነግረና። እቲ ክህነት ዘይኃልፍ እዩ፡እቲ መሥዋዕቲ`ውን ዘይኃልፍ እዩ። ስለዚ ኸኣ ኢየሱስ ክርስቶስ ቅዱስ፡ ካብ ክፍኣት ዝተፈልየ፡ ካብ ሰማያት ከኣ ልዕል ዝበለ ሊቀ ካህናት እዩ።

 

ኢየሱስ ጠበቓይ ቀዲስካኒ፡  ኣቱም ደቀየ! እዚ ዝጽሕፈልኩም ዘሎኹ፡ ኃጢኣት ምእንቲ ኸይትገብሩ ኢለ እየ። ሓደ እኳ ኃጢኣት ዝገበረ እንተሎ ግና፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ኣቦ ዝጣበቐልና ኣሎና። ንሱ እቲ ጻድቕ፡ ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። ንሱ ምእንቲ ኃጢኣትና በጃ ኾነ፡ ምእንቲ ኃጢኣት ኲሉ ዓለም ከኣ እምበር ምእንቲ ኃጢኣትና ጥራይ ኣይኮነን(1ዮሃ2፡1-2)። ኣብዚ ክፍሊ መጽሓፍ ቅዱስ ሠለስተ ነገራት ከነስተውዕል ይግብኣና። ንሳቶም ከኣ፦

             1. እግዚኣብሔር ኣቦ    

             2.ጠበቓ  

             3. ኣመንቲ

ኃጢኣት፡ ንሰብ ገጽ ኣምላኽ ከይርኢ ዝጋረዶ መጋረጃ እዩ። እዚ መጋረጃ እዚ ኸኣ ብሞት እቲ ጻድቕ ዝኾነ ወዲ ኣምላኽ ኢየሱስ ክርስቶስ ተተርተረ። ብጽድቂ እቲ ዝሞተሎም ከኣ ሰባት ብእኡ ብምእማኖም  ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቅዱሳት ኮይኖም ተራእዩ። እዚ ኸኣ “ሰብ ሠናይ ምግባር እኳ እንተ ዘይብሉ፡ በቲ ንኃጢኣተኛታት ዜጽድቕ ኣምላኽ እንተ ኣሚኑ፡ እቲ እምነቱ ጽድቂ ኾይኑ ይቚጸረሉ እዩ። ዳዊት ብዛዕባ እቲ ብግብሪ ዘይኮነስ ብዛዕባ እቲ ብኸምኡ እግዚኣብሔር ዜጽድቖ ሰብ፡ ብፁዕ ከም ዝኾነ ክዛረብ ከሎ ከምዚ ዚስዕብ ይብል ፦” እቶም ኣበሳኦም ዝተኃድገሎም፡ ኃጢኣቶም`ውን ዝተኸድነሎም ብፁኣን እዮም። ኣምላኽ ኃጢኣቱ ዘይጸብጸበሉ ሰብ ብፁዕ እዩ(ሮሜ4፡5-8)።

 

ጥብቅና ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ነቶም ንሱ መድኃኒኦምን ጐይታኦምን ሊቀ ካህኖምን ምዃኑ ኣሚኖም ዝተቐበልዎ፡ ዳግም ዝተወልዱ ክርስቲያን ጥራይ እዩ ዝምልከት። ንኢየሱስ ክርስቶስ ዘይተቐበለ፡ ብዛዕባ እቲ ንሱ ኣብ ሰማያት ዘለዎ ኣገልግሎት ክሓስብን ክዛረብን ኣይክእልን እዩ። “ኢየሱስ ግና ንዘለዓለም ዝነብር ስለ ዝኾነ፡ ዘይኃልፍ ክህነት ኣለዎ። ስለዚ ድማ ዂሉ ጊዜ ምእንትኦም ኪማልድ ዚነብር ስለ ዝኾነ፡ ነቶም ብእኡ ኣቢሎም ናብ ኣምላኽ ዚመጹ፡ ንዘለዓለም ኬድኅኖም ይኽእል እዩ(ዕብ7፡24-25)። ነቶም ብእኡ ኣቢሎም ምስ ኣምላኽ ዝተዓረቑ ኣመንቲ፡ ኣብ ኲሉ ዘመኖም ምእንቶኦም ዝርአ፡ዝጣበቕ ሊቀ ካህናት ኣለዎም፡ ንሱ ኸኣ እቲ ጻድቕ ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። ኣብ ቤት ኣምላኽ ዓቢይ ካህን ኣሎና(ዕብ10፡21)።

 

ኦ ፍቁራትን ክቡራትን ኣኅዋተይ ኢየሱስ ሎሚ`ውን ሕያው እዩ፡ ኣእዳዉ ንምሕቛፍን ንምዕራፍን ዝርጉሓት እየን፡ ብእኡ እመኑ፡ ከም መድኃኒኹምን ጐይታኹምን ብውሳኔ ተቐበልዎ`ሞ ብእኡ ኣቢልኩም ናብ ኣቦ ክትበጽሑ ኢኹም፡ ንሱ ኸኣ ዘለዓለማዊ ምእንታኹም ዝርአ፡ ዝማልድ፡ ዝጣበቕ ካህን ክኾነልኩም እዩ። ጸጋሁ ለእግዚእነ ኢየሱስ ክርስቶስ ምስለ መንፈስክሙ አኅውየ፡አሜን።

 

 

 

                                …………..ይቕጽል…………….

Tuesday, December 21, 2021

ኣስተንትኖ መዝሙር ካህነይ 3ይ ክፋል

 

መዝሙር ምስጋና ሊቀ ካህነይ (ሣልሳይ ክፋል)


ንእግዚኣብሔር ኲሉ ጊዜ አመስግኖ፡ ውዳሴኡ ንሓዋሩ ኣብ ኣፈይ እዩ። መዝ34፡1

ኦ ዘለለዓለማዊ ካህነይ ስምካ ይባረኽ፡ ኢየሱስ ንስኻ በይንኻ ሊቀ ካህናት ኢኻ`ሞ አመስግነካ ኣሎኹ።

ረሃጽካ ከም ነጥቢ ደም ወሪዱ

እህህታኻን ልቕሶኻን ተሰሚዑ

ኣጽኒዕካ ብንብዓት ለሚንካ

ፍቓድ ኣቦ ክትፍጽም ተሠዊዕካ

ሊቀ ካህነይ ብደምካ ኣድኂንካኒ

ኢየሱስ ጠበቓይ ቀዲስካኒ

ሰላም ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ኲላትኩም ይኹን ፍቑራት ኣኅዋተይን ኣኃተይን፡ እቲ ክሳዕ እዛ ሰዓት እዚኣ ብጸጋኡ ዝረድኣና፡ ምሥጢሩ`ውን ዝገለጸና ኣምላኽ ብስም ኢየሱስ ክርስቶስ ይባረኽ። ኣብ ዝሓለፉ ክፋላት ንሠለስተ ኣግማድ መዝሙር ካህነይ ርኢና ኔርና`ና፡ ሎሚ ኸኣ ከም ፍቓድ ኣምላኽ ቀጺልና ክንምልከተን ኢና። ጸጋ ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ኲላትና ይኹን።

 

1.     ፍቓድ ኣቦ ክትፍጽም ተሠዊዕካ፡ ፍቓድ ኣቦ እንታይ`ዩ፧ ቅዱሳት መጻሕፍቲ`ኸ ብዛዕባ`ዚ እንታይ ይብሉ፧ ዚብል ጥበበኛ ኣእምሮ ክህልወና ጐይታ ይርድኣና። እምበኣር መደብ እግዚኣብሔር እንታይ ከም ዝዀነ ብቓሉ ንመልከት።

·       ነቶም ኣቐዲሙ ዝፈለጦም፡ ንሱ ንብዙኃት ኣኅዋት በዂሮም ምእንቲ ክኸውን፡ ንምስሊ ወዱ ክመስሉ ቐደም መደቦም(ሮሜ8፡29)

·       ጽቡቕ ፍቓዱን መደቡን ስለ ዝነበረን ከኣ ንርእሱ ውሉድ ክንኮኖ ብኢየሱስ ክርስቶስ ቀደም መደበና።(ኤፌ1፡5)

·       እቶም ኣቐዲምና ብክርስቶስ ተስፋ ዝገበርና፡ ንውዳሴ ኽብሩ ምእንቲ ኽንከውን፡ እቲ ብፍቓዱ ንዂሉ ነገራት ከም መደቡ ዚገብር ኣምላኽ ወረስቲ ንኽንከውን ብወዱ ሓረየና።(ኤፌ1፡11)

 

ሽሕ`ኳ ዘለዓለማዊ መደብ ኣምላኽ ኣኅዋት፡ውሉድ፡ወረስቲ  ክህልውዎ እንተዀነ፡ ሰባት ግን ንኃጢኣት ብምፍቃር ምስ ሰይጣን ብምስምማዕ ካብ እግዚኣብሔር ዓለዉ። ብሰሪ ሓደ ሰብኣይ ኃጢኣት ናብ ዓለም ኣተወ`ሞ ከም ሳዕቤኑ ኸኣ ሞት መጸ። እግዚኣብሔር ከኣ ንዘለዓለማዊ ምኽሩ ምእንቲ ክፍጽም ነቶም ብፍርሃት ሞት ምሉእ ዕድሚኦም ባረዩ ዀይኖም ዝነበሩ ሓራ ምእንቲ ከውጽእን ናብ ክብሪ ከምጽእን ንወዱ ብስቓይ ከሕልፎ ተገብኦ። ምእንት`ዚ ኸኣ መሲሕ ናብ ዓለም መጸ። ስለዚ ክርስቶስ ኣብ ዓለም ኪመጽእ ከሎ ከምዚ ዚስዕብ በለ፦ “መሥዋዕትን መባእን ኣይደሌኻን፡ እንተኾነ ሰብነት ኣዳሎኻለይ”(ዕብ10፡5)። ኲላትና ከም ዝተባረራ ኣባጊዕ ነበርና፡ ነፍስ ወከፍ ነናብ መገዱ ዘምበለ፡ እግዚኣብሔር ከኣ ኣበሳ ኲላትና ኣብኡ ኣውደቖ(ኢሳ53፡6)። ንሕና ብርግጽ ኣበሳ ዝጾርና ኃጥኣን ኣባጊዕ ብምዃንና ንመሥዋዕትነት ብቑዓት ኣይነበርናን፡ ካባናስ ሓደ`ኳ ጻድቕ ኣይነበረን። ምእንት`ዚ እግዚኣብሔር ኣቦ፡ ንወዱ ገንሸል፡ ንጹሕ መሥዋዕቲ ክኸውን ወፈዮ። ንሱ ንመሥዋዕትነት ብቑዕ፡ ንጹሕ በጊዕ ነበረ። እግዚኣብሔር ኣምላኽ ከኣ ብሰሪ ገበንና ክቖስል፡ ብሰሪ ኣበሳና ክኽትከት፡ ንሕና`ውን ሰላም ምእንቲ ክንረክብ መቕጻዕቲ(ፍርዲ) ኣብኡ ኣውደቐ። እግዚኣብሄር ግና ብመከራ ኺሕምሽሾ ፈተወ። ነፍሱ ንመስዋእቲ ሓጢኣት ምስ ወፈያ፡ ዘርኢ ኺርኢ፡ መዓልትታቱ ኼንውሕ እዩ፡ ፍቓድ እግዚኣብሄር ከኣ ኣብ ኢዱ ኺሰልጥ እዩ(ኢሳ53፡10)። ኣቦ ንብዘሎ ቅጽዓትና ኣብኡ ኣንበሮ፡ በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ እቲ ቕጽዓት ኣብ ወዱ፡ ምሕረት ከኣ ኣባና ኣብቶም ብክርስቶስ ዝኣመንና ተገለጸ። እቲ ንወዱ እኳ ምእንቲ ዂላትና ኣሕሊፉ ዝሃቦ እምበር ዘይነሓፎ፡ከመይ ደኣ`ኸ ምስኡ ኩሉ ዘይህበና!(ሮሜ8፡32)። ንወዱ ዘይነሓፈሉ ምኽንያት እንታይ`ዩ፧ ናይ ዕብራውያን ጸሓፍ ከምዚ ብምባል ይምልሰልና፡ እቲ ዂሉ ምእንትኡ ኲሉ ውን ብእኡ ዝተፈጥረ፡ ንብዙኃት ውሉድ ናብ ክብሪ ምእንቲ ከእትዎም፡ ነቲ ናይ ድሕነቶም መራሒ ብስቓይ ፍጹም ኪገብሮ ተገብኦ(ዕብ2፡10)። መሲሕ`ከ እንታይ በለ፧

·       እቲ ኣቦይ ዝህበኒ ዘበለ ናባይ ክመጽእ እዩ፡ ነቲ ናባይ ዝመጽእ ከኣ ንወፃኢ ከቶ ኣይክድርብዮን እየ። ምኽንያቱ ኣነ ፍቓድ እቲ ዝለኣኸኒ እምበር ፍቓደይ ምእንቲ ክገብር ኣይኮንኩን ካብ ሰማይ ወሪደ ዘለኹ። ዮሃ6፡37-38

·       ሽዑ ኸኣ ኣነ `ኦ ኣምላኸይ፡ ከምቲ ኣብ መጽሓፍ ብዛዕባይ ተጻሒፉ ዘሎ፡ እነሆ ፍቓድካ ኽፍጽም መጺአ ኣሎኹ` በልኩ። ዕብ10፡7

·       ቁሩብ ርሕቕ ኢሉ ብገጹ ተደፊኡ ጸለየ በለውን፡ ኣቦይ፡ ዚከኣል እንተ ዀይኑስ፡ እዛ ጽዋእ እዚኣ ኻባይ ትሕለፍ። ግናኸ ንስኻ ኸም እትደልዮ እምበር፡ ኣነ ኸም ዝደልዮ ኣይኹን። ማቴ26፡39

·       “ኣባ! ኣቦይ! ኲሉ ይከኣለካ እዩ። ነዛ ናይ መከራ ጽዋዕ እዚኣ ኻባይ ኣሕልፋ፡ እንተኾነ ፍቓድካ ደኣ እምበር ፍቓደይ ኣይኹን” በለ። ማር14፡36

·       “ ኦ ኣቦይ! ፍቓድካ እንተ ኾይኑስ ነዛ ጽዋዕ እዚኣ ኻባይ ኣኅልፋ፡ ግናኸ ፍቓድካ ደኣ እምበር ፍቓደይሲ ኣይኹን” እናበለ ጸለየ። ሉቃ22፡42

·       “ ሕጅስ ነፍሰይ ተጨኒቓ ኣላ፡ እንታይ እሞ ክብል እየ፧ `ኦ ኣቦ፡ ካብዛ ሰዓት እዚኣ ኣድኅነኒ`፧ ግና ምእንትዚ እንድየ ናብዛ ሰዓት እዚኣ ዝበጻሕኩ። ዮሃ12፡27

 

ኢየሱስ ክርስቶስ ፍቓድ ኣምላኽ ክፍጽም ንሰብነቱ ሓንሳእ ንሓዋሩ ስለ ዝሠውዐ፡ ተቐዲስና ኢና(ዕብ10፡10)። ንሱ ብደሙ ስለ ዝቐደሰና ኸኣ ኣኅዋተይ ኢሉ ንምጽዋዕና ኣይሓፍርን እዩ(ዕብ2፡11-12)፡ ንሕና ብእኡ ስለ ዝኣመንና ብክርስቶስ ኢየሱስ ወሉድ ኣምላኽን ወረስትን ከምኡ`ውን ኣኅዋት ኢየሱስ ክንከውን በቒዕና ኣሎና። ብዘሎ ኽብሪ ንእኡ ይኹን ኣሜን።

https://youtu.be/B6mCyIr4mZU

 

 

…..ይቕጽል……..

Monday, December 20, 2021

ኣስተንትኖ መዝሙር ካህነይ 2ይ ክፋል

 

 

መዝሙር ምስጋና ሊቀ ካህነይ ( ካልኣይ ክፋል)



ንእግዚኣብሔር ኲሉ ጊዜ አመስግኖ፡ ውዳሴኡ ንሓዋሩ ኣብ ኣፈይ እዩ። መዝ34፡1

ኦ ዘለለዓለማዊ ካህነይ ስምካ ይባረኽ፡ ኢየሱስ ንስኻ በይንኻ ሊቀ ካህናት ኢኻ`ሞ አመስግነካ ኣሎኹ።

ቅዱሳት መጻሕፍቲ ብዛዕባ ሊቀ ካህናት ኢየሱስ ብዘየወላውል መገዲ ብግልጺ መስኪሮምልና እዮም። መዝሙር “ካህነይ” ከኣ ብሽዱሽተ ኣግማድ ቅዱሳት መጻሕፍቲ፡ ተኣሲራ መለኮታዊ ሓሳብ ኣምላኽ ገሊጻትልና ትርከብ።

ረሃጽካ ከም ነጥቢ ደም ወሪዱ

እህህታኻን ልቕሶኻን ተሰሚዑ

ኣጽኒዕካ ብንብዓት ለሚንካ

ፍቓድ ኣቦ ክትፍጽም ተሠዊዕካ

ሊቀ ካህነይ ብደምካ ኣድኂንካኒ

ኢየሱስ ጠበቓይ ቀዲስካኒ

 

1.     ረሃጽካ ከም ነጥቢ ደም ወሪዱ፡ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ድኅሪ ድራር ፋሲካ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ናብ እምባ ደብረ ዘይት ደየበ`ሞ “ ንሱ ኸኣ ካባታቶም ዳርባ እምኒ ዚኣክል ርሒቑ ተምበርኪኹ፡ኣቦይ፡ ፍቓድካ እንተ ዀይኑ፡ ነዛ ጽዋእ እዚኣ ካባይ ኣሕልፋ። ግናኸ ፍቕድካ እምበር፡ ፍቓደይሲ ኣይኹን፡ እናበለ ጸለየ።ዜበርትዖ መልኣኽ ካብ ሰማይ ተራእዮ።ጻዕረ ሞት ሒዝዎ፡ ኣጽኒዑ ይልምን ነበረ። ረሃጹ ኸኣ ከም ነጥቢ ደም ናብ ምድሪ ይነጥብ ነበረ (ሉቃ22፡41-44)። ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ናብ መን`ዩ ዝጽሊ ዘሎ፧ ብሓቂ ንሱ ኣምላኽ ከሎስ ከመይ ኣቢሉ ደኣ “ጸለየ” በሎ፧ እምበኣር ኣኅዋተይ ነታ ኣብ ቀዳማይ ክፋል ዝረአናያ ቊልፊ ዝኾነት ቃል “ሊቀ ካህናት” ኣብ ኣእዳውኩም ሕዝዋ`ሞ ነቲ ናብ ውሽጢ ከእትወና ዝኽእል ደገ  ከተርሕወልና እያ። ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ጥንቲ ዝነበረ ሕያው ኣምላኽ፡ ወዲ ኣምላኽ`ውን እዩ። ሊቀ ካህናት ንምዃን ከኣ ሥጋና ዝለበሰ ዘርኢ ኣብርሃም እዩ። እዚ ምሥጢረ ተዋሕዶ ዝኾነሉ ምኽንያት ከኣ ኢየሱስ ሊቀ ካህናት ምእንቲ ክኸውን እዩ። ምእንት’ዚ ኸኣ ንሱ ሊቀ ካህናት ብምዃኑ፡ ተምበርኪኹ ናብቲ ዝሾሞ እግዚኣብሔር ኣቦ ኣጽኒዑ ለመነ። ካብ ብዝሒ ጭንቀቱን ጓህኡን ዝተላዕለ ኸኣ ረሃጹ ከም ነጥቢ ደም ናብ ምድሪ ይነጥብ ነበረ። ብሓቂ ንሱ ብብዙሕ ነገር ተፈቲኑ’ዩ እሞ ነቶም ዝፍተኑ ኸኣ ክረድኦም ዝኽእል ሊቀ ካህናት እዩ።

 

2.    እህህታኻን ልቕሶኻን ተሰሚዑ፡ ግሪኽ ἀνεβόησεν(aneboēsen) cried out፡ ዳዊት ኣብ መዝሙር 22፡1 ብዛዕባ መሲሕ ከምዚ በለ “ ኣምላኸይ፡ ኣምላኸይ፡ ስለምንታይ ኃደግካኒ፧ ከተድኅነኒ ኢለ ኣምሪረ እበኪ ኣሎኹ፡ ስለምንታይ ካባይ እትርሕቕ፧  ወንጌላውያን ብዛዕባ መከራን ስቕለትን ጐይታ ኣብ ዝመዝገብሉ ኸኣ ፍጻሜ እዚ ትንቢታዊ ቃል ነገሩና። ኣብ ላዕሊ ብግሪኽ ተጻሒፉ ዘሎ ቓል ከኣ ኣብ ግእዝ “ጸርሐ”፡ ኣብ ትግርኛ “ ጨርሔ”፡ ኣብ ኣማረኛ ”ጮሀ” ብዝብል ተገሊጹ ኣሎ። እዚ ኣገላልጻ`ዚ ኸኣ “ኣውያት(መሪር ብኽያት)” ምዃኑ ከነስተውዕሎ ይግባእ። እዛ ብህሎ እዚኣ ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ መስቀል ምስ ተሰቕለ ብገዓርን ንብዓትን ዝተዛረባ ራብዐይቲ ቃል እያ።

 

·       ብታስዐይቲ ሰዓት ኢየሱስ፡ ኤሎሄ፡ ኤሎሄ፡ ላማ ሰበቅታኒ፧ ኢሉ ብዓብዪ ድምጺ ጨርሔ። እዚ ኸኣ፡ ኣምላኸይ፡ ኣምላኸይ፡ ንምንታይ ሐደግካኒ፧ ማለት እዩ። ማቴ27፡46

·       ብታስዐይቲ ሰዓት ኢየሱስ ብዓብዪ ድምጺ፡ ኤሎሄ፡ ኤሎሄ፡ ላማ ሰበቕታኒ፧ ኢሉ ጨርሔ። ትርጉሙ ኸኣ፡ ኣምላኸይ፡ ኣምላኸይ፡ ንምንታይ ሐደግካኒ፧ እዩ። ማር15፡34

·       At the ninth hour Jesus cried with a loud voice, saying, "Eloi, Eloi, lama sabachthani?" which is, being interpreted, "My God, my God, why have you forsaken me?" Mark 15;34

ከምኡ`ውን ናይ ዕብራውያን ጸሓፊ ከምዚ በለ፡ “ኢየሱስ ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ከሎ፡ ናብቲ ካብ ሞት ከድኅኖ ዝኽእል፡ ብብርቱዕ ገዓርን፡ ንብዓትን፡ ጸሎትን ምህለላን ኣቕረበ። ንኣምላኽ ዝእዘዝ ስለ ዝነበረ ኸኣ ተሰምዐ(ዕብ5፡7)። ስለዚ እምበኣር ኢየሱስ ክርስቶስ ሊቀ ካህናት ብምዃን ብዓቢይ ገዓርን ንብዓትን ኣብ ውሽጢ መከራ ዀይኑ፡ ናብ እግዚኣብሔር ኣቦ ጸሎትን ምህለላን ኣቕሪቡ እዩ። እዙዝ ስለ ዝዀነ ኸኣ ጸሎቱ ተሰሚዑን ተቐባልነት ረኺቡን እዩ።

 

3.    ኣጽኒዕካ ብንብዓት ለሚንካ፡ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ንሱ እቲ እሙን ሊቀ ካህናት እዩ። ልመናኡ ጽንዓትን ንብዓትን ነበሮ። ምእንትዚ ኸኣ ቅዱስ መጽሓፍ ከምዚ በለ፡ “ጻዕረ ሞት ሒዝዎ፡ ኣጽኒዑ ይልምን ነበረ። ረሃጹ ኸኣ ከም ነጥቢ ደም ናብ ምድሪ ይነጥብ ነበረ”። ዘማሪ ከምዚ በለ፡ “ዎ ኣምላኸይ፣ ብመዓልቲ እጠርዕ፣ ንስኻ ግና ኣይትመልስን፣ ብለይቲውን ትም ኣይብልን(መዝ22፡2)። My God, I cry in the daytime, but you don't answer; in the night season, and am not silent. ክርስቶስ ኢየሱስ ክሳዕ ክንድምንታ ኣጽኒዑ እልምን እበክን ከም ዝነበረ፡ ብመዓልትን ለይትን ዚብሉ ቃላት ክንርዳእ ንኽእል ኢና። ብብርሃንን ብጸልማትን ንሱ ንኣቦኡ ካብ ምልማን ኣየቋረጸን። እነሆ ካብ ፍርቂ መዓልቲ ጀሚሩ ኽሳዕ ታስዓይቲ ሰዓት ብዘሎ ምድሪ ጸልመተ(ማቴ27፡45)። ክርስቶስ ኢየሱስ ብመዓልትን ብለይትን(ምድሪ ጸልመተ) ብብዙሕ መከራን ስቓይን ናብቲ ካብ ሞት ከድኅኖ ዝኽእል ጸሎትን ምህለላን ኣቕረበ። ትንቢታዊ መልእኽቲ መዝሙር 22 ከኣ ብእኡ ተፈጸመ። 

 

ስለዚ እምበኣር ፍቑራት ኣዋተይን ኣኅተይን ልብና ናብ ትምህርቲ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ከነቕንዖ ብጐይታ እምሕጸነኩም ኣለኹ። ኢየሱስ ክርስቶስ እቲ ብንብዓትን ገዓርን በአስተብርኾን ኣብ ልዕሊ መስቀልን ኮይኑ ሓቀኛን ቅቡልን ዝኾነ ጸሎትን ምህለላን ዘቕረበ በይኑ ሊቀ ካህናት ሓድሽ ኪዳን እዩ።


መዝሙር ካህነይ፡ https://youtu.be/B6mCyIr4mZU

 

 

……………ይቕጽል………..

 

Sunday, December 19, 2021

ኣስተንትኖ መዝሙር ሊቀ ካህነይ

 


መዝሙር ምስጋና ሊቀ ካህነይ ( ቀዳማይ ክፋል)

ንእግዚኣብሔር ኲሉ ጊዜ አመስግኖ፡ ውዳሴኡ ንሓዋሩ ኣብ ኣፈይ እዩ። መዝ34፡1

ኦ ዘለዓለማዊ ኣምላኽ ስምካ ይባረኽ፡ ኣብ ቅዱስ ስምካ ስለ ዝተኣመንና ብኣኻ ንሕጎስ ኣሎና። ኲሉ ጊዜ ከነመስግነካ፡ ውዳሴኻ`ውን ንሓዋሩ ኣብ ኣፍና ክኸውን እዩ።

መዝሙር ንእግዚኣብሔር ጥራይ ዝግባእ ውዳሴ ምዃኑ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ነጊሮምና እዮም። ኲሉ ጊዜ ክምስገንን ክውደስን ዝግብኦኸ ብዘይካ ኣምላኽና መን ኣሎ፧ መዝሙር ንእኡ ዝቐርብ ኣምልኾ እዩ። ዘማሪ “ንእግዚኣብሔር ኲሉ ጊዜ አመስግኖ፡ ውዳሴኡ ንሓዋሩ ኣብ ኣፈይ እዩ” ኢሉ ምስ ጀመረ፡ ጻድቃን ምስኡ ኰይኖም ንእግዚኣብሔር ከዕብዎን ከልምኽዎን ድኅሪ ምጽውዑ፡ “ኣቱም ቅዱሳኑ ንእግዚኣብሔር ኣምልኽዎ” ብምባል ከኣ መዝሙር ኣምልኾ ምዃኑ ይነግረና። መዝሙር ኣምልኾ እዩ፡ ንእግዚኣብሔር ዘይተዘመረ ኲሉ መዝሙር ከኣ ሕጊ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ዝፃረር፡ ኃጢኣት ምዃኑ ኲሉ ሰብ ክግንዘቦ ይግባእ።

መዝሙር፡ ክንዝምር፡ ክንሰምዕ ከሎናስ ንትኅዝቶኡ ብቓሉ መዚንናዶ ንቕበሎ ንኸውን፧ ኪኖ እቶም ብዙኃት ደሃያት ዜማታትን መሳርሒታት ሙዚክን ንመዓሙቕ እቲ ትኅዝቶ ንምርምሮ`ዶ ንኸውን፧ እነሆ እምበኣር ሎሚ ነታ ቅድሚ 8 ኣዋርሕ ብሕብረት ተዘሚራ፡ ኣብ “ዘጸአት ቲዩብ” ዝተዘርግሐት መዝሙር ‘ካህነይ’ ከነስተንትን ኢና። ኣብ ዝተፈላለየ ክፍላተ ዓለም ዘለኹም ነዛ መዝሙር ሰሚዕኩማ ተኾንኩም ሠናይ፡ እንተዘይሰማዕኩማ ኸኣ ኣብ ዘጸአት ቲዩብ ኣቲኹም ክትባረኹላ እዕድም።

ሊቀ ካህናት ዚብል ቃል ቅድሚ ሎሚ ሓቲትኩምሉን ኣስተንቲንኩሞን ተኾንኩም ማሕረ፡ ምናልባት ኣስተብሂልኩምሉ ዘይትፈልጡ ተኾንኩም ከኣ ልብኹም ክፈቱ`ሞ ንቓሉ መርምርዎ። ትኅዝቶ እታ መዝሙር ንምርዳእ፡ ነቲ ሰፊሕ ኣፍ ደገ ከፊታ ከተእትወና እትኽእል ቊልፊ ቃል ‘ሊቀ ካህናት’ እያ። ነዚ ተተረዳእና ኸኣ ናብ ውሻጠ ንዘእቱ ማዕፆ ክንከፍት ብቕዓት ኣሎና።

ሊቀ ካህናት ማለት ኣብታ ዝቐደመት ኪዳን (ብሉይ ኪዳን) ብእግዚኣብሔር ንዝተሠርዐ ክህነታዊ ኣገልግሎት፡ ክመርሕ፡ ክጽሊ፡ ክዓርቕ፡ ካብቶም ድኹማት ሰባት ንድኹማት ክርህርህን ክሓልን ብእግዚኣብሔር ዝተሾመ ሰብ እዩ። እቲ ናቱ ኣገልግሎት ከኣ ብዘይካ በይኑ ካልእ ክዓዮ ኣይክእልን እዩ። ሊቀ ካህናት ዘበለ ዂሉ ካብቶም ከምኡ ዝኾኑ ሰባት ይኅረ። ንእግዚኣብሔር ብዜርኢ ነገር ከኣ መባእን መሥዋዕትን ስለ ኃጢኣት ምእንቲ ከቕርብ፡ ምእንቲ ሰብ ይሽየም። ንሱ ገዛእ ርእሱ ድኹም ስለ ዝኾነ፡ ነቶም ደናቊርን ኣብ ጌጋ ዝወደቑን ኪድንግጸሎም ይኽእል እዩ።ድኹም ስለ ዝኾነ ከምቲ ምእንቲ ሕዝቢ ከምኡ`ውን ምእንቲ ርእሱ፡ ስለ ኃጢኣት ክሥውዕ ይግደድ። ከም ኣሮን ብኣምላኽ ዝተጸውዐ እምበር፡ ነዚ ኽብሪ`ዚ ባዕሉ ኺወስዶ ዝኽእል ሓደ`ኳ የልቦን(ዕብ5፡1-4)።

እዚ ክፍሊ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ሊቀ ካህናት ፡ ሠለስተ መሠረታውያን ነገራት ዘርዚሩ የብርሃልና።

1.ሊቀ ካህናት ምእንቲ ኃጢኣት ዘቕርቦ መሥዋዕቲ

2.ሊቀ ካህናት ብዛዕባ ሕዝቡ ዘሎዎ ርህራሄን ድንጋጼን

3.ሊቀ ካህናት ብእግዚኣብሔር ዝተጸውዐ ምዃኑ

ስለዚ እምበኣር ሰብ(ወገን ኣዳም) ዘይኮነ፡ ብኣምላኽ`ውን ዘይተጸውዐ ከምኡ`ውን ንሕዝቡ ክርህርህን ክሓልን ዘይክእል ሊቀ ካህናት ክኸውን ኣይክእልን እዩ። እዚ መሠረት ትምህርቲ ሊቀ ክህንነት እዩ። ምእንትዚ ኸኣ እዮም እቶም ኣብ ሰማያት ዘለዉ ሰማያውያን ፍጡራት ሊቀ ካህናት ክኾኑ ዘይክእሉ። ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ውን ቅድሚ ካብ ዘርእና ተኻፊሉ ፍጹም ሰብ ምዃኑ ሊቀ ካህናት ኣይነበረን። ወገን ሰብ ዘይኮነ ሊቀ ካህናት ክኸውን ኣይከኣልን እዩ።

ነዚ ሓሳብ`ዚ ሒዝና ናብ ትምህርቲ ሓድሽ ኪዳን ምስ እንጒዓዝ ከኣ ነቲ ዘለዓለማዊ ምኽሪ ኣምላኽ ክንርድኦ ንኽእል ኢና። ኣምላኽ ሰብ ዝኾነሉ ምሥጢር ከኣ ብጥበብ ከነስተውዕል ኢና። እግዚኣብሔር ሥሉስ ኣምላኽ እዩ፡ እዚ ኣምላኽ`ዚ ኸኣ ብሠለስትነት ዝነበረን ብሓድነት ውን ዝነብርን እዩ። ብምኽንያት ውድቀት ሰብ እምበኣር ብፍቓድ ሠለስቲኦም ኣካላት፡ ሓደ ኣካል ንሱ ኸኣ ወልድ፡ ሊቀ ካህናትና ምእንቲ ክኸውን ከምቲ ንሕና ሥጋን ደምን ለቢስና ሰብ ዝኾንና ኢየሱስ ውን ከማና ሰብ ኮነ። ምኽንያቱ ሊቀ ካህናት ካብ ሰባት፡ ምእንቲ ሰባት እዩ ዝሕረ። ኣቦን መንፈስ ቅዱስን ሊቀ ካህናት ኣይኮኑን፡ ምኽንያቱ ንሳቶም ካብ ህላዌና ኣይተኻፈሉን።

“ክርስቶስ`ውን ሊቀ ካህናት ንምዃን ገዛእ ርእሱ ኣየኽበረን። ግና ኣምላኽ “ ንስኻ ወደይ ኢኻ ኣነ ሎሚ ወለድኩኻ” በሎ። ኣብ ካልእ ስፍራ ድማ ”ንስኻ ከም መዓርግ መልከጼዴቅ ንዘለዓለም ካህን ኢኻ” በሎ። ኢየሱስ ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ኸሎ፡ ናብቲ ካብ ሞት ከድኅኖ ዚኽእል፡ ብብርቱዕ ገዓርን ንብዓትን፡ ጸሎትን ምህለላን ኣቕረበ። ንኣምላኽ ዝእዘዝ ስለ ዝነበረ ኸኣ ተሰምዐ። …ዕዮኡ ምስ ፈጸመ ድማ ነቶም ዚእዘዝዎ ዘበሉ ዂላቶም ናይ ዘለዓለም ድኅነት ምኽንያት ኮኖም። ዕብ5፡5-9

እዚ ክፍሊ መጽሓፍ ቅዱስ ከምቲ ኣቐዲሙ ብዛዕባ ሊቀ ካህናት ሠለስተ ነጥብታት ዝነገረና፡ ሕጂ ውን ክርስቶስ ሊቀ ካህናት ምዃኑ ምእንቲ ከረድእ ብሠለስቲኦም ነጥብታት ይገልጸልና። ብቚጽሪ 3 ጀሚሩ ኸኣ እዩ ናብ ቊጽሪ 1 ዝመጽእ።

1.ክርስቶስ ባዕሉ ዘይኮነስ ብእግዚኣብሔር ኣቦ ዝተሾመ ሊቀ ካህናት እዩ።

2.ንሰባት ክርህርህ ብዝኽእል መገዲ፡ ብድኻምን ውስኑነትን መከራን ንብዓትን ሰባት ብምሕላፉ፡ ደንጋጽን ርህሩህን ሊቀ ካህናት እዩ።

3.ንሰባት ሥርየት ኃጢኣት ዘውህብ፡ ምኽንያት ዘለዓለማዊ ድኅነቶም እዩ።

ስለዚ ኸኣ ኢየሱስ ክርስቶስ እንኮ ሊቀ ካህናት ሓድሽ ኪዳን ምዃኑ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ምስክር እዮም። መዝሙር ካህነይ ከኣ ከምዚ ብምባል ትምስክረልና፦

ረሃጽካ ከም ነጥቢ ደም ወሪዱ

እህህታኻን ልቕሶኻን ተሰሚዑ

ኣጽኒዕካ ብንብዓት ለሚንካ

ፍቓድ ኣቦ ክትፍጽም ተሠዊዕካ

ሊቀ ካህነይ ብደምካ ኣድኂንካኒ

ኢየሱስ ጠበቓይ ቀዲስካኒ

https://youtu.be/B6mCyIr4mZU

……….ይቕጽል……….

Wednesday, December 1, 2021

ተሓድሶ

 

በተን መዓልታት እቲአን የኽብሩንን ይፈርሁንን ነበሩ(ሚል2፡5)።

ኦ እግዚኣብሔር ንስኻ ሠናይ ኢኻ`ሞ እባርኸካ ኣሎኹ። እቲ ቅዱስ መንፈስ ከበርትዓናን ከጽንዓናን`ውን እጽሊ ኣሎኹ። ንስኻ በይንኻ ኢኻ “ተሓድሶ” ክትገብር እትኽእል`ሞ ኣምላኸይ፡ ዝፈረሰን ዝዓነወን ነገርና ሓድስ።

ቤተ ክህነታዊ ተሓድሶ

እግዚኣብሔር ‘መቓብራት ከፊተ ከውጽኣኩም፡ ሕያዋን ከኣ ክገብረኩም እየ’ ብዝበሎ ቃል ተስፋ መሠረት፡ ድኅሪ 70 ዓመታት ምርኮ፡ ውሑዳት ካብ ሓዊ ዝተመንጠሉ እያዳት፡ ብኣዋጅ ንጉሥ ቂሮስ ናብ ሃገሮም ተመልሱ። ብመሠረት ቃል እግዚኣብሔር ከኣ ብትንቢታዊ መልእኽቲ ሓጌን ዘካርያስ ወዲ ዒዶን ተደጊፎም መቕደስ እግዚኣብሔር ሠርሑ። መቕደስ እግዚኣብሔር ተሠሪሑ፡ አምልኮተ እግዚአብሔር ድኅሪ ምጅማሩ ድኅሪ ነዊሕ ዘመናት ግን እስራኤል ናብቲ ጥንታዊ በደላ ተመልሰት። ምእንትዚ ኸኣ እዩ እግዚኣብሔር፡ ብነቢይ ሚልክያስ ”ተመለሱ” ዚብል ተሓዱሳዊ መልእኽቲ ዝለኣኸ። እዚ ሕጂ እንምልከቶ ክፍሊ ብፍሉይ ነቲ ተባላሽዩ፡ ጋዕዝዩ፡ ፈሪሱ ከምኡ`ውን ሕጊ ኣልቦ ኾይኑ ዝነበረ ቤተ ክህነት ዝምልከት እዩ።

ተሓድሶ ዚብል ቃል ኣብ ልብና ተኾሊዑ ክቕመጥ ዘለዎ ጥበብ እዩ። ንምንታይ`ዩ እግዚኣብሔር ተሓድሶ ዝእውጅ ዘሎ፧ ረብሓን ጥቕምን ተሓድሶ`ኸ እንታይ`ዩ፧

ነዞም ሕቶታት ንምምላስ መልክዕ እታ ኣብ ዘመነ ሚልክያስ ዝነበረት ቤተ ክህነት ክንርኢ ግቡእ እዩ።

1.     ንእግዚኣብሔር እትንዕቕ

2.    ንሕጊ ሙሴ እትጻረር (እተፍርስ)

·       ርኹስ እንጌራ እተቕርብ

·       ክፉእ መሥዋእቲ እተቕርብ

·       ከንቱ ዝኾነ ሓዊ እተንድድ

3.    ክብሪ ኣገልግሎት ዝጎደላ

4.    ከንቱ ትምህርቲ እትምህር

5.    ብቅኑዕ መገዲ ዘይትኸይድ

6.   ኣሮናዊ ቃል ኪዳን እተፍርስ

7.    እሙናት ዘይኮኑ ሕዝቢ እተፍሪ

·       ሰብኡት፡ ጓኖት ኣማልኽቲ ዘምልኻ ኣንስቲ ዘእትዉ

·       ሰብኡት፡ ንኣንስቲ ንእስነቶም ፈቲሖም ካልእ ዘእትዉ

·       ንእግዚኣብሔር ዝሰርቁ(ዕሽር ዘየውጽኡ)

·       ብኃጢኣት ዝተኣስሩን ንንስሓ ዝጽየፉን

ብሓቂ ነዛ ከምዚ ዝበለት ብመንፈሳውን ማኅበራውን ጉዳያት ዝዓነወት ቤተ ክህነት ተሓድሶ`ዶ ኣየድልያን እዩ፧ ተሓድሶ ቅድሚ ጥፍኣት፡ ብኣምላኽ ዝወሃብ ናይ ንስሓ ዕድል እዩ። ብልክዕ እዛ ሎሚ ዘላ ቤተ ክህነት፡ ነቲ ጥንታዊ ክህነታዊ ኣገልግሎት`ዶ ትእሰሮ ኣላ እያ፧ ኣብ መሠውዒ ርኹስ እንጌራ እተቕርብ፡ ዕዉርን ሓንካስን ሕሙምን ስሩቕን እንስሳ ኣብ መሠውዒ እተቕርብ፡ ከንቱ ሓዊ እተንድድ፡ ብመገዲ ዓመጽን ክፍኣትን እትኸይድ ካብ ኮነትስ ብሓቂ`ዶ ንትእዛዝ መሥዋዕቲ ሕጊ ሙሴ ትፍጽሞ ኣላ`ያ፧ ሕጊ`ከ እንታይ በለ፧

·       ገለ ጐደሎ እንተለዎ ግና፡ ሓንካስ ወይ ዕውር ወይ ዝዀነ ኽፉእ እንታ ዘለዎ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣይትሰውኣዮ(ዘዳ 15፡21)።

·       ናዳብን ኣቢሁን፡ ደቂ ኣሮን፡ ጸጽንሃሆም ሐዙ፡ ሓዊ ድማ ገበሩሉ፡ ኣብ ልዕሊኡ ኸኣ ዕጣን ኣንበሩሉ፡ ንሱ ዘይኣዘዞም ጋሻ ሓዊ ድማ ናብ እግዚኣብሄር ኣቕረቡ(ዘሌ10፡1)።

ስለዚ ኸኣ እግዚኣብሔር ከምቲ ሕጊ ጌሮም ስለ ዘይተኣዘዝዎ፡ “ኣነ ብኣኻትኩም ሕጉስ ኣይኮንኩን፡ ነቲ እተቕርቡለይ መሥዋዕቲ ኸኣ ኣይቅበሎን እየ” በለ(ሚል1፡10)። እግዚኣብሔር እምበኣር እተን ቀደም ዝነበራ ጥንታውያን ዓመታት ኣቦታቶም ክነግሮም ጀመረ። እግዚኣብሔር ንደቂ ሌዊ ዝኾኑ ካህናት ቃል ኪዳን ከም ዝኣተወሎምን ንሳቶም ከኣ ከም ዘኽበርዎን ከም ዝፈርህዎን መስከረሎም። እቶም ቀደምት ካህናት ከመይ ነበሩ፧

·       ንእግዚኣብሔር ዘኽብሩን ዝፈርሁን(ንሕጊ ሙሴ ተኣዚዞም፡ ሥርዓት መሥዋዕቲ ዝሕልዉ)

·       ብዛዕባ እግዚኣብሔር ቕኑዕ ዝምህሩ

·       ምስ እግዚኣብሔር ዝሰማምዑ

·       ጽቡቕ ምግባር ጥራይ ዘይኮነስ ንኽፉኣት ውን ክምለሱ ዝምህሩ

·       ልኡኻት እግዚኣብሔር ነበሩ

ንስኻትኩም`ውን ` ንኣምላኽ ምግልጋል ከንቱ እዩ፡ ሥርዓታቱ ምሕላውን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ጐይታ ሠራዊት በቲ ዝገበርካዮ ኃጢኣት ተኣሚንካ ምጒሃይ እንታይ ረብሓ ኣለዎ፧` በልኩም(ሚል3፡14)። ምላሽ እቲ ካብ ኣምላኽ ዝዓለወ ሕዝቢ እዚ ነበረ። ኣብ ማእከል እቶም ክፉኣት ግና ንእግዚኣብሔር ዝእዘዙ ዓመጽ ዝጽየፉ፡ ንእግዚኣብሔር ዝፈርሁ ሰባት ነበሩ፡ ስሞም ከኣ ኣብ መጽሓፍ መዘከርታ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ተጻሕፈ። ኣነን ንስኻትኩምን`ከ ኣበይ ኣሎና፧ ተሓድሶ ዘየድልየና`ዶ ይመስለኩም፧ እቲ ዝተቐበልናዮ ቓል ሕያው ኣምላኽ ኣይተበረዘን ድዩ፧ ቅኑዕ ምህሮ ወንጌል ጠፊኡ መድረኻት ብምህሮ ሰብ ኣይመልአን ድዩ፧ ንኃጢኣትና ንዘክሮ`ሞ ንድምጺ ተሓድሶ ኣብ ልብና ንቀበሎ፡ እቶም ንኽፍኣት ርእዮም ኣብ ቅድሚ ኣምላኾም ዝጒህዩን ዝሓዝኑን ዝንስሑን ብፁኣን እዮም።

ጸጋ ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ኲላትና ይኹን!



Tuesday, November 16, 2021

ደቂቀ እስጢፋኖስ

 

ብመስቀሉ ከም ዘድኃነናኸ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ በልዎም

ምሕረት እግዚኣብሔር ጐይታ ሠራዊት ተስፋ እናገበርኩ፡ ነቲ ኣምላኽ ክህበኒ ዝኽእል ሰላምን ፍትሕን ውን ሃረር እናበልኩ ናብኡ እጥምት ኣለኹ። እቲ ሎሚ ኣብ ምድረይ ዘሎ ቊጥዓ መንቀሊኡስ እንታይ`ዩ፧ ኢለ ብዙኅ ሳዕ ካብ ዝሓስብ ነዊሕ ኮይኑ ኣሎ። ካብ ነዊሕ እዋናትን ዘመናትን ኣብ ምድርና ድምጺ ዕልልታን ሰላምን ንምንታይ ተሠዊሩ፧ እናበልኩ ኣብ ዝሓስበሉን ዝቚዝመሉን፡ እቲ መልሲ “ በደልና” እዩ ዝብል እዩ። ንምንታይ ኢና እግዚኣብሔር ናብ ምብዳል ወዲቕና፧ ንዝብል ሕቶ ክምልስ ከለኹ ኸኣ ንቓሉ ብዘይ ምእዛዝና ዝብል መልሲ እየ ዝረክብ። ብቅንያቱ ሓደ መጽሓፍ ገልጺለ እየ ከንብብን ክዕዘቦን ቀንየ፡ ኲሉ ሳዕ እንክሰምዖ መሊሱ ከም ዘይሓዊ ቊስሊ ዝዀነኒ ኸኣ እዩ።  ታሪኽ 14 ክፍለ ዘመን ምድርና ካብ ዕረ ዝዕርዕር፡ ካብ ሕሞር ከኣ ዝመጽጽ ምዃኑ፡ ነቲ ታሪኽ ዘንበበን ዘስተውዓለን ሰብ ጥራይ`ዩ ዝፈልጦ። ብዛዕባ ኣባ እስጢፋኖስን ንሳቶም ብቃል ኣምላኽ ወሊዶም፡ ብእኡ ከም ዝጸንዑ`ውን ዝገበርዎም “ደቂቀ እስጢፋኖስ” ብስፍሓት እንተዝጽሕፍ ኣዝዩ ባህ ምበለኒ። ኣብቲ ዝገንጸልክዎ መጽሓፍ ዝተጻሕፈ ታሪኽ ግን ከውክኣልኩም። ትዕግሥቲ መራር እያ፡ ፍሬኣ ግን ምቁር’ዩ! ዚብል ሓሳብ ኣይትረስዕዎ።

ንምድረይ ሎሚ ኣኬልዳማ ጌርዋ ዘሎስ እቲ ሽዑ ዝፈሰሰ ደም ንጹሓት`ዶ ይኸውን፧ በቲ ደቂቀ እስጢፋኖስ ዝግፍዕሉ ዝነበሩ ዘመን ሃፀይ ዘርአያዕቆብ፡ ገለ ካብ ደቂቀ እስጢፋኖስ “ ንድንግል ማርያምን ንመስቀል ኣይንሰግድን” ብምባሎም ኣብ መሪር ግፍዒ፡ ኣብ ማእሠርቲ ከለዉ፡ “ ወሀለዉ በውእቱ መዋዕል በብሔረ ኢትዮጵያ ላእካነ ሊቀ ጳጳሳት ዘእስክንድርያ ዘስሙ አባ ማቴዎስ። ወወእቶሙኒ ላእካን ፫ቱ እሙንቱ”፡ በቲ ወርኃት እቲ ካብ ኣቡነ ማቴዎስ ሊቀ ጳጳሳት ናይ እስክንድርያ ዝተላእኩ ልኡኻት ኣብ ኢትዮጵያ ነበሩ። እቶም ልኡኻት ሠለስተ እዮም፡ እናበለ መጽሐፈ ተአምረ ማርያም ይነግረና።

እዞም ሠለስተ ልኡኻት በቲ ንጉሥ ዘርአያዕቆብ፡ ዝገበሮ ውዕለት ንእኡ ዝኸውን ገጸ በረከት ሒዞም ዝመጹ እዮም። ግብጻዊት ቤተ ክርስቲያን ዝለዓለ መርሒነት ምድረ ኣግኣዚ ንኣስታት 1600 ዓመታት ከም ዝተቖጻጸረቶ፡ ኣብ ስደተይ ካብ መጻሕፍቲ ዝተመሃርክዎ ነገር እዩ። ንኽንድዚ ዝኣክል ዓመታት መርሒነት ሒዛ ክነሳ ግን ምድርና ማእከል ማእለያ ዘይብሎም ስሑታት ትምህርታትን ስሑታት ልምድታትን ምዃና፡ ድኽመት ምሕደርኦምን ዘይተገዳስነት መጓሰ ሕዝቢ ኣምላኽን ገሊጹ ዘርኢ ብሩህ መረጼን እዩ። ብዕድመ ዝሸምገሉ ቆሞስ፡ ጸሎተኛን መምህር መጻሕፍተ ብሉይን ሐዲስን፡ ሽማግለ ዲያቆን መምህር መጻሕፍቲ ከምኡ`ውን ሣልሳይ ዲያቆን፡ ካብ ሊቀ ጳሳት አባ ማቴዎስ መልእኽቶም ሒዞም ናብ ንጉሥ በጽሑ። ደቂቀ እስጢፋኖስ ከም እትህደን ጤለ በዱ እናተሃድኑ፡ እናተቐትሉ መከራን ስደትን እናበጽሖም፡ ተወከልቲ መርሒነት ቤተ ክርስቲያን ግብጺ ናብ ምድርና መጹ።  ንጉሥ ዘርአያዕቆብ ኣብ ልዕሊ እቶም ዓመጽቲ ተባሂሎም ዝተዋረዱ ደቂቀ እስጢፋኖስ፡ ፍርዲ ክህቡ ነዞም ሠለስተ ልኡኻት ተወከስዎም። ንደቂቀ እስጢፋኖስ፡ ንምምርማር ኣብ ዝተጸውዐ ጉባኤ፡ ልኡኻት ኣባ ማቴዎስ፡ “ ንምንታይ ኢኹም ንድንግል ማርያምን ንክቡር መስቀልን ኣይንሰግድን ኢልኩም፧ እምበርዶ ክርስቲያን ኢኹም፧” ብምባል ሕቶኦም ኣቕረቡ። ኣስዒቦም`ውን “ድንግል ማርያም ወላዲት ክርስቶስ ምዃና ኣይትኣምኑን ዲኹም፧ ንመስቀል ናይ ወዳኸ ስለምንታይ ዘይትሰግዱ፧ ብመስቀሉ ከም ዘድኃነናኸ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧” በልዎም። እቶም ከዳዓት(መጽሐፈ ተኣምረ ማርያም ዝበሎ`ዩ) መናፍቓን ግና ንሕና ንማርያምን ንመስቀል ናይ ወዳን ኣይንሰግድን ኢና በልዎም። ሽዑ እቶም ግብጻውያን ብዳርባ እምኒ ኪቕተሉ ፈረድዎም (ተአምር 24)።

እዚ ተግባር`ዚ ንእዝኒ ዝዂርኲሕ ጥራይ ዘይኰነስ ንልቢ ውን ኃዘን ዝመልእ እዩ። እቶም ልኡኻት ከምቲ ዝተጻሕፈልና መምህራነ ብሉይን ሐዲስን ካብ ነበሩስ ንምንታይ እዮም ብቓል ኣምላኽ መጒቶም ክረትዑ ዘይከኣሉ፧ እቲ ንሳቶም ዝብልዎ፡ መለኮታዊ ሓቂ ካብ ኣምላኽ እንተዀይኑስ ንምንታይ ኮን`ዮም መጻሕፍተ ብሉይን ሐዲስን ጠቒሶም ዘይገለጽዎ፧ ንሓሳቦም ብቓል ኣምላኽ ከረድኡስ ይትረፍ፡ “ ብመስቀሉ ከም ዘድኃነናኸ ኣይትፈልጡን ኢኹም” ዚብል ስሑት ትምህርቶም እዮም ኣብ ምድርና ዘሪኦሞ ከይዶም። እቲ ሽዑ ብዘይግቡእ ዝፈሰሰ ደም ንጹሓት ኣገልገልቲ ወንጌል ግን ከንቱ ኣይኮነን። እቲ ሽዑ ዝነበረ መርሒነት፡ ፍትሒ ከውጽእን ሓቂ ክፈርድንሲ ይትረፍ፡ ኣዋጅ ሞት ዝእውጅ ብምንባሩስ ሎሚ እሓዝንን እጒህን ኣለኹ። ኢድ ግብጻውያን መራሕቲ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ምፍሳስ ደም ደቂቀ እስጢፋኖስ ከም ዝወዓለት ግን ክሕከኽ ዘይክእል ጸሊም ታሪኽ እዩ። እሞ ደም ንጹሓት ፈሲሱ ደኣ ከመይ ኣቢላ ምድረይ ሰላም ክትረክብ፧ ብወግዒ እኳ ይቕሬታ ሓቲትናሉ ዘይንፈልጥ፡ ምሕረቱ ኣይውዳእን እዩ እሞ ነቲ ኣብ ምድርና ዝፈሰሰ ደም ንጹሓት፡ ኣገልገልቲ ወንጌል ንኣምላኽ ይቕሬታ ክንሓተሉ ናይ ወትሩ ጸሎተይ እዩ። ክንቀል ክሳዕ ዘይክእል ኃጢኣት ከም እምባ እኳ ኣብ ምድርና እንተ ተገተረ፡ መንፈስ እግዚኣብሔር ግን ንድምጺ እቶም ብእህህታ በደል ኣቦታቶም ዝንስሑ ሰሚዑ፡ ነቲ እምባ ከፍርሶ ጐልጐል`ውን ክገብሮ እዩ። ኦ እግዚኣብሔር ጐይታ ሠራዊት ደም ንጹሓን ኣብ ኣእዳውና ተረኺቡ እሞ ይቕረ በለንና፡ ዓመጽና ብዙኅ እዩ፡ ምሕረትካን ሳህልኻን ግን ካባና ኣይርሓቓ። ንኣኻ ንበይንኻ እሰግድ፡ ንበይንኻ ውን አምልኽ ኣሎኹ።


Thursday, April 22, 2021

ሊቀ ካህናት 16

 

ስለዚ ድማ ነቶም ብእኡ(ብኢየሱስኣቢሎም ናብ ኣምላኽ ዚመጹ፡ ኵሉ ጊዜ ምእንታኦም ኪልምን ዚነብር ስለ ዝዀነ፡ ፈጺሙ ኼድሕኖም ይኽእል እዩ ዕብ725 (16 ክፋል)

 መቕብኢ ዘይቲ 



መቕብኢ ዘይቲ ወሲድካ ድማ ናብ ርእሱ እናኾዖኻ ቕብኣዮ(ዘጸ29፡7)

ኦ ዘለዓለማዊ ኣምላኽ ስምካስ ክሳዕ ክንደይ ኮን ዓቢይ እዩ፧ ምኽርኻ`ውን ጐይታ ዘለዓለማዊ እዩ። መሠረት ጥበብ ንስኻ፡ ምንጪ ኩሉ ሠናይ ነገር ከኣ ንስኻ በይንኻ ኢኻ። ነዚ ዘለዓለማዊ ሓሳብካ ስለ ዝገለጽካለይ ከኣ እባርኸካ ኣለኹ። ንስኻ ንእኡ ነቲ ቅዱስ ወድኻ ካህን ዘለዓለም ጌርካ ሼምካዮ`ኢኻ እሞ ስምካ ይባረኽ። መንፈስ ጥብብን ምስትውዓልን ዓድለና፡ ነቲ ዘደንቕ ሕግኻ ክንፈልጥ`ውን በሊሕ ኣእምሮ ሃበና፡ ብስም ቅዱስ ወድኻ ተባረኽ ኣሜን።

ኣብ ኩሉ ኩርንዓት ዓለም ኮንኩም ነዚ ጽሑፍ ትነቡ ዘለኹም ሰላም ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ምሳኹም ይኹን። ሎሚ ከም ፍቓድ ኣምላኽ “ፍሉይ ሕላገት” ክህነት ኣሮንን ክህነት ኢየሱስ ክርስቶስን ክንርኢ ኢና።  ኣብቲ ዝቐደመ ኪዳን፡ እቲ ሊቀ ካህናት ቅድሚ ኣገልግሎቱ ክቕባእ ኣምላኽ ኣዚዙ ነበረ። ብዛዕባ ክህነት ክንሓስብ ከሎና ብዛዕባ ምቕባእ ክንሓስብ ግዴታ እዩ ምኽንያቱ ዘይተቐብአ ካህን ክኸውን ኣይክእልን እዩ። ኣብ ክህነት ዘሎ ፍሉይ መለለዪ እምበኣር ቅብዓት እዩ።

እግዚኣብሔር ጐይታ ሠራዊት ሥርዓት ኣወሃህባ ክህነት ክሠርዕ እንከሎ ንሙሴ ሓሙሽተ ነገራት ኣዚዝዎ ነበረ። ንሳቶም ከኣ “ኣልባስን መቕብኢ ዘይትን እቲ ኣብ ክንዲ ኃጢኣት ዚሥዋዕ ዝራብዕን፡ እቶም ክልተ ደዓውልን እቲ ቕጫ ዝኃዘ መሶብን ድማ ተማላእ(ዘሌ8፡2)”። እቲ ሊቀ-ካህናት ሰብነቱ ድኅሪ ምሕጻቡ፡ ኣልባሱን ኤፎዱን መጠምመምያኡን ድኅሪ ምግባሩ፡ ብዘይቲ እዩ ዝቕባእ። ቅቡእ ዚብል ቃል ብቋንቋ ዕብራይስጥ መሲሕ ማለት ምዃኑ ምስትውዓል የድሊ። ንሱ ክሳዕ ዘይተቐብአ ድማ ሊቀ ካህናት ክኸውን ኣይክእልን እዩ። ናብ ርእሲ ኣሮን ድማ ኻብቲ መቕብኢ ዘይቲ ኸዓወሉ፡ ምእንቲ ክቕድሶ ኸኣ ቀብኦ(ዘሌ8፡12)። እምበኣር እቲ ኣብታ ዝቐደመት ኪዳን ዘገልግል ሊቀ ካህናት ብኸምዚ ዝቕባእ ካብ ኮነ፡ እቲ ኣብታ ዘለዓለማዊት ኪዳን ዘገልግል ካህን ከኣ ዝቕብአሉ ነገር ከም ዘሎ ግሁድ እዩ።

እምበኣር ንዑ ናብቲ ዘለዓለማዊ ካህንና ንመልከት፡ ንሱ ከምቶም ቀዳሞት ሊቃነ-ካህናት ብዘይቲ ዝተቐብአ ኣይኮነን፡ ዘይቲ ምሳሌ ናይቲ ኣብ ሓድሽ ኪዳን ዝተጋህደ ክቡር መንፈስ ቅዱስ እዩ። “እግዚኣብሔር ኣምላኽ መንፈሱ መልኣኒ፡ ንድኻታት ብሥራት ከበሥር ቀብኣኒ(ኢሳ61፡1)” እዚ ክፍሊ ጽሑፍ ብዛዕባ መሲሕ እዩ ዚዛረብ ዘሎ፡ ሠለስተ ኣካላት ከኣ ብግህዶ ተገሊጾም ኣለው። ንሳቶም ከኣ እግዚኣብሔር ኣምላኽ፡ መንፈሱ፡ መሲሕ እዮም። “ ንድኻታት ከበሥሮም ስለ ዝቐብኣኒ መንፈስ እግዚኣብሔር ኣብ ልዕለይ ኣሎ(ሉቃ4፡18)”። ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ብመንፈስ ቅዱስ ከም ዝተቐብአ ብቃሉ ‘ቐብኣኒ’ ኢሉ ተዛረበ። እቲ ዝቐብአ እግዚኣብሔር ኣቦ እዩ፡ መንፈስ ቅዱስ ከኣ ቅዱስ ቅብኢ እዩ። እቲ ናይ ሓድሽ ኪዳን ሊቀ-ካህናት ዝኾነ ኢየሱስ`ውን ብመንፈስ ቅዱስ ኣቦ ዝቐብኦ ካህን እዩ። ቅዱሳን ሓዋርያት ውን ከምዚ ብምባል ይምስክሩ፡ “ ኣምላኽ ከመይ ኢሉ ንኢየሱስ ብዓል ናዝሬት ብመንፈስ ቅዱስን ብኃይልን ከም ዝቐብኦ፡ ንሱ ኸኣ ኣምላኽ ምስኡ ስለ ዝነበረን፡ ንዂሎም ነቶም ሰይጣን ዝኣሰሮም ከም ዘሕወየን ባዕልኻትኩም ትፈልጥዎ ኢኹም(ግብ10፡38)”። ብዛዕባ ወልድ ግና “ኦ ኣምላኸይ! ዝፋንካ ንዘለዓለም ዓለም ይነብር፡ ንመንግሥትኻ ብጽድቂ ተመሓድር። ጽድቂ ፈቶኻ፡ ክፍኣት ጸላእካ፡ ስለዚ እግዚኣብሔር ኣምላኽካ ኃለፋ ብጾትካ ብዘይቲ ሓጐስ ቀብኣካ” ይብል(ዕብ1፡8)። እዚ ቅብኣት`ዚ ምስቲ ኣካላዊ ቃል፡ ሰብ ዝኾነሉ ምሥጢረ ተዋሕዶ ዝተኣሳሰር እዩ። እቲ ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣምላኽን ኣቦን ዝኾነ እግዚኣብሔር ኣቦ ብዘደንቕ ጥበብ ንወዱ ብመንፈስ ቅዱስ ቀቢኡ ዘለዓለማዊ ካህን ክኸውን ሸሞ።  ከመይ ሕጊ ሙሴ ነቶም ድኹማት ዝኾኑ ሰባት ሊቃነ ካህናት ገይሩ ሸሞም፡ እቲ ድኅሪ ሕጊ ዝመጸ ቓል ማሕላ ግና ነቲ ንዘለዓለም ፍጹም ዝኾነ ወልድ ሸመ(ዕብ7፡28)። እቶም ብሕጊ ሙሴ ዝተሸሙ ሊቃነ ካህናት ብዘይቲ ተቐቢኦም እዮም ዝተሸሙ፡ እቲ ብቓል ማሕላ ዝተሾመ ወልድ ግና ብመንፈስ ቅዱስ ተቐቢኡ እዩ ዝተሾመ። እምኣርሲ እቶም ኣብ ምድርና “ሊቀ-ካህናት እገለ” ተባሂሎም ዝጽውዑ በየናይ ቅብኢ ኾን እዮም ተቐቢኦም፧ ብዘይቲ`ዶ እዮም ተቐቢኦም ወይስ ብመንፈስ ቅዱስ እዮም ተቐቢኦም ዝተሾሙ፧ ንጽላሎት ምስ ኣካል ምድብላቕ ዘምጽኦ ዝሕተት ቀሊል ከም ዘይኮነ ኣብ ምድርና ርኢናዮ ኢና። ኣብቲ ብደም ክርስቶስ ዝተሠርዐ ሓድሽ ኪዳን ግን ብዙኃት ሊቃነ ካህናት የለዉን፡ እቲ ብቓል ማሕላ ዝተሾመ ሊቀ ካህናት፡ ብኣምላኽ ብቅዱስ መንፈስ ዝተቐብአ ሓደ ኢየሱስ ወዲ ኣምላኽ እዩ። ካብዚ ወጻኢ ዝግበር ኩሉ ልምምዳት ግና ኣንጻር ቅዱስ ቃሉ ዝተተኽለ ክርዳድ እዩ`ሞ ክንቀል ይግብኦ እዩ። ንሕና ግና ብኣምላኽ ዝተቐብአ ሓደ ካህን ከም ዘሎና ኢና እንኣምን፡ ንእኡ ካብ ዘለዓለም ንዘለዓለም ክብሪ ይኹን፡ ኣሜን።


ለቡ፡ ነቶም ጸሊሞም(BOLD) ዘለዉ ቃላት ኣተኲሮ ንግበረሎም።

Sunday, April 18, 2021

ሰብ ካብ ኣምላኽ ክውለድ`ዶ ይኽእል እዩ፧

 

ሰብ ካብ ኣምላኽ ክውለድ`ዶ ይኽእል እዩ፧



ኣምላኽ ነቲ ኣብኡ ተሠዊሩ ዝነበረ ምሥጢር ዘለዓለማዊ ምኽሩ ብክርስቶስ ኢየሱስ ገሊጽዎ እዩ። እዚ ኸኣ ቅድሚ ምፍጣር ዓለም ዝተመደበ ዘለዓለማዊ ምኽሩ እዩ። “ ጽቡቕ ፍቓዱን መደቡን ስለ ዝነበረን ከኣ ንርእሱ ውሉድ ክንኮኖ ብኢየሱስ ክርስቶስ ቀደም መደበና(ኤፌ1፡5)። እግዚኣብሔር ቅድሚ ሰማያትን ምድርን ኣብኡ ዘሎ ኹሉ ፍጥረትን ምቋሙ፡ ንርእሱ ውሉድ ዝኾንዎ ሕዝቢ መዲቡ ነበረ። እዚኣቶም ከኣ ካብ ኣምላኽ ዝውለዱ እዮም።  እቲ ብፍቓዱ ንዂሉ ነገራት ከም መደቡ ዚገብር ኣምላኽ ወረስቲ ኽንከውን ብወዱ ኃረየና(ኤፌ1፡12)። ‘ውሉድን ወረስትን` ዚብሉ ቓላት ከም ክልተ ገጻት ናይ ሓንቲ ሳንቲም እዮም። ሓደ ሰብ መሰል ውርሻ ዝህልዎ፡ ውሉድ ምስ ዝኸውን እዩ። ውሉድ ዘይብሉ ኣውራሲ ጽብጽባሕ ዝሳቕዮን እህህታ ዝፈጥረሉ ጉዳይን ወራሲ ኩሉ ሃብቱ ዝኸውን ውሉድ  ብዘይ ምህላዉ እዩ።  ኣብራም ኣስዒቡ ”ውሉድ ኣይሃብካንን፡ እነሆ ድማ ሓደ ካብቶም ግዙኣተይ ኪወርሰኒ እዩ” በለ። እግዚኣብሔር ከኣ “ኣይፋሉን፡ ካባኻ ዝተወልደ እዩ ዚወርሰካ እምበር እዝስ ኣይወርሰካን እዩ” ኢሉ መለሰሉ(ዘፍ15፡3-4)። ውሉድ ናይ ውርሻ መሰል ዘለዎ እንኮ በዓል መዚ እዩ። እቲ ኣዝዩ ዚገርም ከኣ እዚ ነገር እዚ ውን ኣብ መደብ ኣምላኽና ክቱት እዩ።  ኣምላኽ ዘለዓለማዊ ርስቲ ኣለዎ፡ ወረስቱ ኸኣ እቶም ውሉድ ደኣ እምበር ግዙኣት ኣይኮኑን። ምእንትዚ ንሱ ንርእሱ ውሉድ ክንኮኖ ብክርስቶስ ኢየሱስ ቀደም መደበና። ኣብዚ ምድሪ ወረስቲ ክንከውን ካብ ሥጋን ደምን ክንውለድ ግድን እዩ፡ ከምኡ`ኸኣ ናይቲ ሰማያዊ ርስቲ ተማቐልቲ ክንከውን ካብ ላዕሊ ክንውለድ ግድን እዩ። ኢየሱስ ድማ “ሰብ ካልኣይ ጊዜ እንተ ዘይተወልደ፡ ንመንግሥቲ ኣምላኽ ኪርእያ ከቶ ከም ዘይክእል፡ ብሓቂ ብሓቂ እብለካ ኣለኹ” ኢሉ መለሰሉ(ዮሃ3፡3)። ሰብ ካብ ኣምላኽ ክውለድ እሞ ወራሲ ክኸውን ከኣ መደብ ኣምላኽ እዩ። እሞ መደብ ኣምላኽ  ከምዚ እንተደኣ ኾይኑ ሰብ ካብ ኣምላኽ ብኸመይ እዩ ዚውለድ፧  ኣምላኽ ንርእሱ ውሉድ ክንኮኖ ብመን`ዩ መዲቡና፧ ብመላእኽቲ`ዶ እዩ፧ ወይስ ብፍጡራን ሰባት ድዩ፧ ኣይፋሉን፡ ውሉድ ክንኮኖስ ብወዱ ብክርስቶስ እዩ መዲቡና። ነቶም ኣቐዲሙ ዝፈለጦም፡ ንሱ(ኢየሱስ) ንብዙኃት ኣኅዋት በዂሮም ምእንቲ ክኸውን፡ ንምስሊ ወዱ ኪመስሉ ቐደም መደቦም(ሮሜ8፡29)። ከምኡ`ውን ናይ ዕብራውያን ጸሓፊ ከምዚ ይብል “እቲ ኩሉ ምእንትኡ ኩሉ ውን ብእኡ(ብኢየሱስ) ዝተፈጥረ፡ ንብዙኃት ውሉድ ናብ ክብሪ ምእንቲ ከእትዎም፡ ነቲ ናይ ድኅነቶም መራሒ ብስቓይ ፍጹም ክገብሮ ተገብኦ(ዕብ2፡10)። ስለዚ እምበኣር ውልድነት ምስ ድኅነት እያ እትተኣሳሰር። እቶም ውሉድ ዝኾኑ፡ እቶም ክርስቶስ ኢየሱስ ብዘፍሰሶ ደም ዝኣመኑ፡ ንዕኡ ከም ጐይታ ሕይወቶምን መድኃኒኦምን ዝተቐበሉ እዮም። ሰብ ካብ ላዕሊ ዝውለድ ንኢየሱስ ክርስቶስ ብእምነት ብምቕባል እዩ። “ነቶም ዝተቐበልዎ ዘበሉ ብስሙ ንዝኣምኑ ዂሎም ግና ውሉድ ኣምላኽ ኺኾኑ ሥልጣን ሃቦም። ንሳቶም ከኣ ካብ ኣምላኽ እምበር ካብ ደም፡ ወይ ካብ ፍትወት ሥጋ፡ ወይ ካብ ድላይ ሰብኣይ ዘይተወልዱ እዮም(ዮሃ1፡12-13)።  ንኢየሱስ ምቕባልን ብስሙ ምእማን ዘምጽኣልና ዓቢይ መንፈሳዊ በረኸት ውልድነት እዩ። ውሉድ ዝኾነ ኩሉ ኸኣ ንኣምላኽ ወራሲኡ እዩ። ኒቆዲሞስ ካብ ጐይታ ኢየሱስ ዝተማህሮ መለኮታዊ ትምህርቲ እዚ እዩ። ንሱ ንኢየሱስ ከም ክርስቶስ ዝተቐበለ ውሉድ ኣምላኽ እዩ። ነዚ ጽሑፍ`ዚ እትነቡ ዘለኹም ኣኅዋትን ኣኃትን እነሆ ዓቢይ ብሥራት፡ “ ስለዚ ብኣፍካ “ኢየሱስ ጐይታ እዩ” ኢልካ እንተ መስከርካ፡ ብልብኻ ውን ኣምላኽ ካብ ምዉታት ከም ዘተንሥኦ እንተ ኣመንካ ክትድኅን ኢኻ(ሮሜ10፡9)። ጸጋ ጐይታ ኢየሱስ ምስ ኩላትኩም ይኹን።

Saturday, March 27, 2021

ሓደ መበቆል!

 


ሓደ መበቆል!

ወበእንተዝ ኢየኀፍር አኀውየ ብሂሎቶሙ ዕብ2፡12

ኣእዳወይ ኣልዒለ ዝጽሕፍ ዘለኹ፡ ነቲ ዝግበኣካ ክብሪ ክገልጽ ዝኽእል ስለ ዝኾንኩ ኣይኮንኩን። እንተኾነ በቲ ኣብ ውሽጠይ ዘሎ መንፈስ ተደሪኸ፡ ንባህጊ ልበይ እትኸውን ንእሽቶይ ሕንጣጥ ክገድፍ ስለ ዝደለኹ እየ። ኦ ፍቁር ኃወይ መጠን ፍቕርኻ ደረት የብሉን። ንስኻ ካብ ዘለዓለም ክነስኻስ፡ “ሓደ መበቆል” ተባሂሉ ንዝተጻሕፈ ሕያው ቃልካ ክሕስብ ከለኹ ስቕ ኢለ እግረም ኣለኹ። ዓመታትካ ዘይውድኣ ንዘለዓለም ውን ዝነብራ ክነሰን፡ ኣብ ደረጃይ ወሪድካ ኣብ መበቆለይ ምሕባርካ መርሚረ ክበጽሖ ዘይክእል ምሥጢር እዩ። ኦ ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ካባይ እትረኽቦ ነገር ኣይነበረን ብኸምኡ ኣፍቀርካኒ። ነፍሰይ ንውዕለትካ ክትገልጾስ ይትረፍ ክትሓስቦ`ውን ትንግርቲ እዩ ዚኾና። እቶም ኣጸቢቕካ ዚፈጠርካዮም ፍጡራትካ፡ እሳታውያንን ፈጣናትን መላእኽትኻ`ኳ ከም ናተይ መበቆል የብሎምን። ንስኻ ግና ጐይታይ ብሥጋን ደምን ተኻፊልካ፡ ምስቶም ድኹማት ተጸንቢርካ ተኻፋሊ መበቆልና ኾንካ፡ምእንትዚ ዘለዓለም እባርኸካ ኣለኹ። ምእንትዚ ውን ኢኻ ‘ኣኅዋተይ’ ኢልካ ንምጽዋዕ ዘይሓፈርካ። እሞ ብጽድቂ ገዛእ ርእሰይ`ዶ ክምካሕ እየ፧ ኣይፋለይን ሓንቲ እኳ ውሉድ ክገብረኒ ዝኽእል ግብሪ የብለይን። በቲ ዝተቐበልክዎ ጸጋ ግን ክምካሕ እየ። ኃጥእ ምንባረይን ሕጂ ግና ብክርስቶስ ኢየሱስ ብምእማነይ ብኸምኡ ከም ዝጸደቕኩን “ኃው ጐይታ” ክኸውንን ብደሙ ክኢለ ኣለኹ። ብደምካ ቀዲስካ ውሉድ ዝገበርካኒ ካህነይ ኢየሱስ ስምካ ይባረኽ፡ ነ’ኣቦ ዘለዓለም ዝኾነ ቅዱስ ኣቦ ኸኣ ብስም ኢየሱስ ስብሐት ይኹን፡ ንቕዱስ መንፈስ ውን ምስጋና ይኹን። ደጊም ብደም ኢየሱስ ክርስቶስ ብምእማንና ምስቲ ዘድኃነና ‘ሓደ መበቆል’ ኢና። ብደሙ ስለ ዘጥረየና ኸኣ ‘ ኣኅዋተይ’ ኢሉ ንምጽዋዕ ኣይኃፍርን እዩ። እቲ ዝቕድስን እቶም ዝቕደሱን ካብ ሓደ መበቆል እዮም(ዕብ 2፡11)።

 

Friday, March 26, 2021

መጽሓፍ ዝተሓርደ ገንሸል ብapp

 ንእግዚኣብሔር ኣቦና ስለ ኹሉ ነገር ስብሐት ይኹን። መጽሓፍ ዝተሓርደ ገንሸል ኣብ ሞባይልና ኣውሪድና ንጠቐመላ። ነዚ ጥብቆ(link) ብምትንካፍ ንጠቐመላ።  https://play.google.com/store/apps/details?id=com.zteharde_genshel.zteharde_genshelnew