ሓደ መበቆል!
ወበእንተዝ ፡ ኢየኀፍር ፡ አኀውየ ፡ ብሂሎቶሙ ።ዕብ2፡12
ኣእዳወይ ኣልዒለ ዝጽሕፍ ዘለኹ፡ ነቲ ዝግበኣካ ክብሪ
ክገልጽ ዝኽእል ስለ ዝኾንኩ ኣይኮንኩን። እንተኾነ በቲ ኣብ ውሽጠይ ዘሎ መንፈስ ተደሪኸ፡ ንባህጊ ልበይ እትኸውን ንእሽቶይ ሕንጣጥ
ክገድፍ ስለ ዝደለኹ እየ። ኦ ፍቁር ኃወይ መጠን ፍቕርኻ ደረት የብሉን። ንስኻ ካብ ዘለዓለም ክነስኻስ፡ “ሓደ መበቆል” ተባሂሉ
ንዝተጻሕፈ ሕያው ቃልካ ክሕስብ ከለኹ ስቕ ኢለ እግረም ኣለኹ። ዓመታትካ ዘይውድኣ ንዘለዓለም ውን ዝነብራ ክነሰን፡ ኣብ ደረጃይ
ወሪድካ ኣብ መበቆለይ ምሕባርካ መርሚረ ክበጽሖ ዘይክእል ምሥጢር እዩ። ኦ ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ካባይ እትረኽቦ ነገር ኣይነበረን
ብኸምኡ ኣፍቀርካኒ። ነፍሰይ ንውዕለትካ ክትገልጾስ ይትረፍ ክትሓስቦ`ውን ትንግርቲ እዩ ዚኾና። እቶም ኣጸቢቕካ ዚፈጠርካዮም ፍጡራትካ፡
እሳታውያንን ፈጣናትን መላእኽትኻ`ኳ ከም ናተይ መበቆል የብሎምን። ንስኻ ግና ጐይታይ ብሥጋን ደምን ተኻፊልካ፡ ምስቶም ድኹማት
ተጸንቢርካ ተኻፋሊ መበቆልና ኾንካ፡ምእንትዚ ዘለዓለም እባርኸካ ኣለኹ። ምእንትዚ ውን ኢኻ ‘ኣኅዋተይ’ ኢልካ ንምጽዋዕ ዘይሓፈርካ።
እሞ ብጽድቂ ገዛእ ርእሰይ`ዶ ክምካሕ እየ፧ ኣይፋለይን ሓንቲ እኳ ውሉድ ክገብረኒ ዝኽእል ግብሪ የብለይን። በቲ ዝተቐበልክዎ ጸጋ
ግን ክምካሕ እየ። ኃጥእ ምንባረይን ሕጂ ግና ብክርስቶስ ኢየሱስ ብምእማነይ ብኸምኡ ከም ዝጸደቕኩን “ኃው ጐይታ” ክኸውንን ብደሙ
ክኢለ ኣለኹ። ብደምካ ቀዲስካ ውሉድ ዝገበርካኒ ካህነይ ኢየሱስ ስምካ ይባረኽ፡ ነ’ኣቦ ዘለዓለም ዝኾነ ቅዱስ ኣቦ ኸኣ ብስም ኢየሱስ
ስብሐት ይኹን፡ ንቕዱስ መንፈስ ውን ምስጋና ይኹን። ደጊም ብደም ኢየሱስ ክርስቶስ ብምእማንና ምስቲ ዘድኃነና ‘ሓደ መበቆል’ ኢና።
ብደሙ ስለ ዘጥረየና ኸኣ ‘ ኣኅዋተይ’ ኢሉ ንምጽዋዕ ኣይኃፍርን እዩ። እቲ ዝቕድስን እቶም ዝቕደሱን ካብ ሓደ መበቆል እዮም(ዕብ
2፡11)።
No comments:
Post a Comment