Tuesday, November 16, 2021

ደቂቀ እስጢፋኖስ

 

ብመስቀሉ ከም ዘድኃነናኸ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ በልዎም

ምሕረት እግዚኣብሔር ጐይታ ሠራዊት ተስፋ እናገበርኩ፡ ነቲ ኣምላኽ ክህበኒ ዝኽእል ሰላምን ፍትሕን ውን ሃረር እናበልኩ ናብኡ እጥምት ኣለኹ። እቲ ሎሚ ኣብ ምድረይ ዘሎ ቊጥዓ መንቀሊኡስ እንታይ`ዩ፧ ኢለ ብዙኅ ሳዕ ካብ ዝሓስብ ነዊሕ ኮይኑ ኣሎ። ካብ ነዊሕ እዋናትን ዘመናትን ኣብ ምድርና ድምጺ ዕልልታን ሰላምን ንምንታይ ተሠዊሩ፧ እናበልኩ ኣብ ዝሓስበሉን ዝቚዝመሉን፡ እቲ መልሲ “ በደልና” እዩ ዝብል እዩ። ንምንታይ ኢና እግዚኣብሔር ናብ ምብዳል ወዲቕና፧ ንዝብል ሕቶ ክምልስ ከለኹ ኸኣ ንቓሉ ብዘይ ምእዛዝና ዝብል መልሲ እየ ዝረክብ። ብቅንያቱ ሓደ መጽሓፍ ገልጺለ እየ ከንብብን ክዕዘቦን ቀንየ፡ ኲሉ ሳዕ እንክሰምዖ መሊሱ ከም ዘይሓዊ ቊስሊ ዝዀነኒ ኸኣ እዩ።  ታሪኽ 14 ክፍለ ዘመን ምድርና ካብ ዕረ ዝዕርዕር፡ ካብ ሕሞር ከኣ ዝመጽጽ ምዃኑ፡ ነቲ ታሪኽ ዘንበበን ዘስተውዓለን ሰብ ጥራይ`ዩ ዝፈልጦ። ብዛዕባ ኣባ እስጢፋኖስን ንሳቶም ብቃል ኣምላኽ ወሊዶም፡ ብእኡ ከም ዝጸንዑ`ውን ዝገበርዎም “ደቂቀ እስጢፋኖስ” ብስፍሓት እንተዝጽሕፍ ኣዝዩ ባህ ምበለኒ። ኣብቲ ዝገንጸልክዎ መጽሓፍ ዝተጻሕፈ ታሪኽ ግን ከውክኣልኩም። ትዕግሥቲ መራር እያ፡ ፍሬኣ ግን ምቁር’ዩ! ዚብል ሓሳብ ኣይትረስዕዎ።

ንምድረይ ሎሚ ኣኬልዳማ ጌርዋ ዘሎስ እቲ ሽዑ ዝፈሰሰ ደም ንጹሓት`ዶ ይኸውን፧ በቲ ደቂቀ እስጢፋኖስ ዝግፍዕሉ ዝነበሩ ዘመን ሃፀይ ዘርአያዕቆብ፡ ገለ ካብ ደቂቀ እስጢፋኖስ “ ንድንግል ማርያምን ንመስቀል ኣይንሰግድን” ብምባሎም ኣብ መሪር ግፍዒ፡ ኣብ ማእሠርቲ ከለዉ፡ “ ወሀለዉ በውእቱ መዋዕል በብሔረ ኢትዮጵያ ላእካነ ሊቀ ጳጳሳት ዘእስክንድርያ ዘስሙ አባ ማቴዎስ። ወወእቶሙኒ ላእካን ፫ቱ እሙንቱ”፡ በቲ ወርኃት እቲ ካብ ኣቡነ ማቴዎስ ሊቀ ጳጳሳት ናይ እስክንድርያ ዝተላእኩ ልኡኻት ኣብ ኢትዮጵያ ነበሩ። እቶም ልኡኻት ሠለስተ እዮም፡ እናበለ መጽሐፈ ተአምረ ማርያም ይነግረና።

እዞም ሠለስተ ልኡኻት በቲ ንጉሥ ዘርአያዕቆብ፡ ዝገበሮ ውዕለት ንእኡ ዝኸውን ገጸ በረከት ሒዞም ዝመጹ እዮም። ግብጻዊት ቤተ ክርስቲያን ዝለዓለ መርሒነት ምድረ ኣግኣዚ ንኣስታት 1600 ዓመታት ከም ዝተቖጻጸረቶ፡ ኣብ ስደተይ ካብ መጻሕፍቲ ዝተመሃርክዎ ነገር እዩ። ንኽንድዚ ዝኣክል ዓመታት መርሒነት ሒዛ ክነሳ ግን ምድርና ማእከል ማእለያ ዘይብሎም ስሑታት ትምህርታትን ስሑታት ልምድታትን ምዃና፡ ድኽመት ምሕደርኦምን ዘይተገዳስነት መጓሰ ሕዝቢ ኣምላኽን ገሊጹ ዘርኢ ብሩህ መረጼን እዩ። ብዕድመ ዝሸምገሉ ቆሞስ፡ ጸሎተኛን መምህር መጻሕፍተ ብሉይን ሐዲስን፡ ሽማግለ ዲያቆን መምህር መጻሕፍቲ ከምኡ`ውን ሣልሳይ ዲያቆን፡ ካብ ሊቀ ጳሳት አባ ማቴዎስ መልእኽቶም ሒዞም ናብ ንጉሥ በጽሑ። ደቂቀ እስጢፋኖስ ከም እትህደን ጤለ በዱ እናተሃድኑ፡ እናተቐትሉ መከራን ስደትን እናበጽሖም፡ ተወከልቲ መርሒነት ቤተ ክርስቲያን ግብጺ ናብ ምድርና መጹ።  ንጉሥ ዘርአያዕቆብ ኣብ ልዕሊ እቶም ዓመጽቲ ተባሂሎም ዝተዋረዱ ደቂቀ እስጢፋኖስ፡ ፍርዲ ክህቡ ነዞም ሠለስተ ልኡኻት ተወከስዎም። ንደቂቀ እስጢፋኖስ፡ ንምምርማር ኣብ ዝተጸውዐ ጉባኤ፡ ልኡኻት ኣባ ማቴዎስ፡ “ ንምንታይ ኢኹም ንድንግል ማርያምን ንክቡር መስቀልን ኣይንሰግድን ኢልኩም፧ እምበርዶ ክርስቲያን ኢኹም፧” ብምባል ሕቶኦም ኣቕረቡ። ኣስዒቦም`ውን “ድንግል ማርያም ወላዲት ክርስቶስ ምዃና ኣይትኣምኑን ዲኹም፧ ንመስቀል ናይ ወዳኸ ስለምንታይ ዘይትሰግዱ፧ ብመስቀሉ ከም ዘድኃነናኸ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧” በልዎም። እቶም ከዳዓት(መጽሐፈ ተኣምረ ማርያም ዝበሎ`ዩ) መናፍቓን ግና ንሕና ንማርያምን ንመስቀል ናይ ወዳን ኣይንሰግድን ኢና በልዎም። ሽዑ እቶም ግብጻውያን ብዳርባ እምኒ ኪቕተሉ ፈረድዎም (ተአምር 24)።

እዚ ተግባር`ዚ ንእዝኒ ዝዂርኲሕ ጥራይ ዘይኰነስ ንልቢ ውን ኃዘን ዝመልእ እዩ። እቶም ልኡኻት ከምቲ ዝተጻሕፈልና መምህራነ ብሉይን ሐዲስን ካብ ነበሩስ ንምንታይ እዮም ብቓል ኣምላኽ መጒቶም ክረትዑ ዘይከኣሉ፧ እቲ ንሳቶም ዝብልዎ፡ መለኮታዊ ሓቂ ካብ ኣምላኽ እንተዀይኑስ ንምንታይ ኮን`ዮም መጻሕፍተ ብሉይን ሐዲስን ጠቒሶም ዘይገለጽዎ፧ ንሓሳቦም ብቓል ኣምላኽ ከረድኡስ ይትረፍ፡ “ ብመስቀሉ ከም ዘድኃነናኸ ኣይትፈልጡን ኢኹም” ዚብል ስሑት ትምህርቶም እዮም ኣብ ምድርና ዘሪኦሞ ከይዶም። እቲ ሽዑ ብዘይግቡእ ዝፈሰሰ ደም ንጹሓት ኣገልገልቲ ወንጌል ግን ከንቱ ኣይኮነን። እቲ ሽዑ ዝነበረ መርሒነት፡ ፍትሒ ከውጽእን ሓቂ ክፈርድንሲ ይትረፍ፡ ኣዋጅ ሞት ዝእውጅ ብምንባሩስ ሎሚ እሓዝንን እጒህን ኣለኹ። ኢድ ግብጻውያን መራሕቲ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ምፍሳስ ደም ደቂቀ እስጢፋኖስ ከም ዝወዓለት ግን ክሕከኽ ዘይክእል ጸሊም ታሪኽ እዩ። እሞ ደም ንጹሓት ፈሲሱ ደኣ ከመይ ኣቢላ ምድረይ ሰላም ክትረክብ፧ ብወግዒ እኳ ይቕሬታ ሓቲትናሉ ዘይንፈልጥ፡ ምሕረቱ ኣይውዳእን እዩ እሞ ነቲ ኣብ ምድርና ዝፈሰሰ ደም ንጹሓት፡ ኣገልገልቲ ወንጌል ንኣምላኽ ይቕሬታ ክንሓተሉ ናይ ወትሩ ጸሎተይ እዩ። ክንቀል ክሳዕ ዘይክእል ኃጢኣት ከም እምባ እኳ ኣብ ምድርና እንተ ተገተረ፡ መንፈስ እግዚኣብሔር ግን ንድምጺ እቶም ብእህህታ በደል ኣቦታቶም ዝንስሑ ሰሚዑ፡ ነቲ እምባ ከፍርሶ ጐልጐል`ውን ክገብሮ እዩ። ኦ እግዚኣብሔር ጐይታ ሠራዊት ደም ንጹሓን ኣብ ኣእዳውና ተረኺቡ እሞ ይቕረ በለንና፡ ዓመጽና ብዙኅ እዩ፡ ምሕረትካን ሳህልኻን ግን ካባና ኣይርሓቓ። ንኣኻ ንበይንኻ እሰግድ፡ ንበይንኻ ውን አምልኽ ኣሎኹ።


No comments:

Post a Comment