መዝሙር ምስጋና ሊቀ ካህነይ ( ካልኣይ ክፋል)
ንእግዚኣብሔር ኲሉ ጊዜ አመስግኖ፡ ውዳሴኡ ንሓዋሩ ኣብ ኣፈይ
እዩ። መዝ34፡1
ኦ ዘለለዓለማዊ ካህነይ ስምካ ይባረኽ፡ ኢየሱስ ንስኻ በይንኻ
ሊቀ ካህናት ኢኻ`ሞ አመስግነካ ኣሎኹ።
ቅዱሳት መጻሕፍቲ ብዛዕባ
ሊቀ ካህናት ኢየሱስ ብዘየወላውል መገዲ ብግልጺ መስኪሮምልና እዮም። መዝሙር “ካህነይ” ከኣ ብሽዱሽተ ኣግማድ ቅዱሳት መጻሕፍቲ፡
ተኣሲራ መለኮታዊ ሓሳብ ኣምላኽ ገሊጻትልና ትርከብ።
ረሃጽካ ከም ነጥቢ ደም ወሪዱ
እህህታኻን ልቕሶኻን ተሰሚዑ
ኣጽኒዕካ ብንብዓት ለሚንካ
ፍቓድ ኣቦ ክትፍጽም ተሠዊዕካ
ሊቀ ካህነይ ብደምካ ኣድኂንካኒ
ኢየሱስ ጠበቓይ ቀዲስካኒ
1. ረሃጽካ ከም ነጥቢ ደም ወሪዱ፡ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ድኅሪ ድራር ፋሲካ ምስ ደቀ መዛሙርቱ
ናብ እምባ ደብረ ዘይት ደየበ`ሞ “ ንሱ ኸኣ ካባታቶም ዳርባ እምኒ ዚኣክል ርሒቑ ተምበርኪኹ፡ኣቦይ፡ ፍቓድካ
እንተ ዀይኑ፡ ነዛ ጽዋእ እዚኣ ካባይ ኣሕልፋ። ግናኸ ፍቕድካ እምበር፡ ፍቓደይሲ ኣይኹን፡ እናበለ ጸለየ።ዜበርትዖ መልኣኽ ካብ
ሰማይ ተራእዮ።ጻዕረ ሞት ሒዝዎ፡ ኣጽኒዑ ይልምን ነበረ። ረሃጹ ኸኣ ከም ነጥቢ ደም ናብ ምድሪ ይነጥብ ነበረ (ሉቃ22፡41-44)።
ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ናብ መን`ዩ ዝጽሊ ዘሎ፧ ብሓቂ ንሱ ኣምላኽ ከሎስ ከመይ ኣቢሉ ደኣ “ጸለየ” በሎ፧ እምበኣር ኣኅዋተይ
ነታ ኣብ ቀዳማይ ክፋል ዝረአናያ ቊልፊ ዝኾነት ቃል “ሊቀ ካህናት” ኣብ ኣእዳውኩም ሕዝዋ`ሞ ነቲ ናብ ውሽጢ ከእትወና ዝኽእል
ደገ ከተርሕወልና እያ። ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ጥንቲ ዝነበረ ሕያው
ኣምላኽ፡ ወዲ ኣምላኽ`ውን እዩ። ሊቀ ካህናት ንምዃን ከኣ ሥጋና ዝለበሰ ዘርኢ ኣብርሃም እዩ። እዚ ምሥጢረ ተዋሕዶ ዝኾነሉ ምኽንያት
ከኣ ኢየሱስ ሊቀ ካህናት ምእንቲ ክኸውን እዩ። ምእንት’ዚ ኸኣ ንሱ ሊቀ ካህናት ብምዃኑ፡ ተምበርኪኹ ናብቲ ዝሾሞ እግዚኣብሔር
ኣቦ ኣጽኒዑ ለመነ። ካብ ብዝሒ ጭንቀቱን ጓህኡን ዝተላዕለ ኸኣ ረሃጹ ከም ነጥቢ ደም ናብ ምድሪ ይነጥብ ነበረ። ብሓቂ ንሱ ብብዙሕ
ነገር ተፈቲኑ’ዩ እሞ ነቶም ዝፍተኑ ኸኣ ክረድኦም ዝኽእል ሊቀ ካህናት እዩ።
2. እህህታኻን ልቕሶኻን ተሰሚዑ፡ ግሪኽ ἀνεβόησεν(aneboēsen) cried out፡ ዳዊት ኣብ
መዝሙር 22፡1 ብዛዕባ መሲሕ ከምዚ በለ “ ኣምላኸይ፡ ኣምላኸይ፡ ስለምንታይ ኃደግካኒ፧ ከተድኅነኒ ኢለ ኣምሪረ እበኪ ኣሎኹ፡
ስለምንታይ ካባይ እትርሕቕ፧ ወንጌላውያን ብዛዕባ መከራን ስቕለትን
ጐይታ ኣብ ዝመዝገብሉ ኸኣ ፍጻሜ እዚ ትንቢታዊ ቃል ነገሩና። ኣብ ላዕሊ ብግሪኽ ተጻሒፉ ዘሎ ቓል ከኣ ኣብ ግእዝ “ጸርሐ”፡ ኣብ
ትግርኛ “ ጨርሔ”፡ ኣብ ኣማረኛ ”ጮሀ” ብዝብል ተገሊጹ ኣሎ። እዚ ኣገላልጻ`ዚ ኸኣ “ኣውያት(መሪር ብኽያት)” ምዃኑ ከነስተውዕሎ
ይግባእ። እዛ ብህሎ እዚኣ ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ መስቀል ምስ ተሰቕለ ብገዓርን ንብዓትን ዝተዛረባ ራብዐይቲ ቃል እያ።
· ብታስዐይቲ ሰዓት ኢየሱስ፡ ኤሎሄ፡ ኤሎሄ፡ ላማ ሰበቅታኒ፧ ኢሉ
ብዓብዪ ድምጺ ጨርሔ። እዚ ኸኣ፡ ኣምላኸይ፡ ኣምላኸይ፡ ንምንታይ ሐደግካኒ፧ ማለት እዩ። ማቴ27፡46
· ብታስዐይቲ ሰዓት ኢየሱስ ብዓብዪ ድምጺ፡ ኤሎሄ፡ ኤሎሄ፡ ላማ
ሰበቕታኒ፧ ኢሉ ጨርሔ። ትርጉሙ ኸኣ፡ ኣምላኸይ፡ ኣምላኸይ፡ ንምንታይ ሐደግካኒ፧ እዩ። ማር15፡34
· At the ninth
hour Jesus cried with a loud voice, saying, "Eloi, Eloi, lama sabachthani?"
which is, being interpreted, "My God, my God, why have you forsaken me?"
Mark 15;34
ከምኡ`ውን ናይ ዕብራውያን ጸሓፊ ከምዚ በለ፡ “ኢየሱስ ኣብዛ
ምድሪ እዚኣ ከሎ፡ ናብቲ ካብ ሞት ከድኅኖ ዝኽእል፡ ብብርቱዕ ገዓርን፡ ንብዓትን፡ ጸሎትን ምህለላን ኣቕረበ። ንኣምላኽ ዝእዘዝ
ስለ ዝነበረ ኸኣ ተሰምዐ(ዕብ5፡7)። ስለዚ እምበኣር ኢየሱስ ክርስቶስ ሊቀ ካህናት ብምዃን ብዓቢይ ገዓርን ንብዓትን ኣብ ውሽጢ
መከራ ዀይኑ፡ ናብ እግዚኣብሔር ኣቦ ጸሎትን ምህለላን ኣቕሪቡ እዩ። እዙዝ ስለ ዝዀነ ኸኣ ጸሎቱ ተሰሚዑን ተቐባልነት ረኺቡን እዩ።
3.
ኣጽኒዕካ ብንብዓት ለሚንካ፡ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ንሱ እቲ እሙን ሊቀ ካህናት እዩ። ልመናኡ ጽንዓትን ንብዓትን ነበሮ። ምእንትዚ ኸኣ ቅዱስ
መጽሓፍ ከምዚ በለ፡ “ጻዕረ ሞት ሒዝዎ፡ ኣጽኒዑ ይልምን ነበረ። ረሃጹ ኸኣ ከም ነጥቢ ደም ናብ ምድሪ ይነጥብ ነበረ”። ዘማሪ
ከምዚ በለ፡ “ዎ ኣምላኸይ፣ ብመዓልቲ እጠርዕ፣ ንስኻ ግና ኣይትመልስን፣ ብለይቲውን ትም ኣይብልን(መዝ22፡2)።
My God, I cry
in the daytime, but you don't answer; in the night season, and am
not silent. ክርስቶስ ኢየሱስ ክሳዕ ክንድምንታ
ኣጽኒዑ እልምን እበክን ከም ዝነበረ፡ ብመዓልትን ለይትን ዚብሉ ቃላት ክንርዳእ ንኽእል ኢና። ብብርሃንን ብጸልማትን ንሱ ንኣቦኡ
ካብ ምልማን ኣየቋረጸን። እነሆ ካብ ፍርቂ መዓልቲ ጀሚሩ ኽሳዕ ታስዓይቲ ሰዓት ብዘሎ ምድሪ ጸልመተ(ማቴ27፡45)። ክርስቶስ ኢየሱስ
ብመዓልትን ብለይትን(ምድሪ ጸልመተ) ብብዙሕ መከራን ስቓይን ናብቲ ካብ ሞት ከድኅኖ ዝኽእል ጸሎትን ምህለላን ኣቕረበ። ትንቢታዊ
መልእኽቲ መዝሙር 22 ከኣ ብእኡ ተፈጸመ።
ስለዚ እምበኣር ፍቑራት ኣዋተይን ኣኅተይን ልብና ናብ ትምህርቲ ቅዱሳት መጻሕፍቲ
ከነቕንዖ ብጐይታ እምሕጸነኩም ኣለኹ። ኢየሱስ ክርስቶስ እቲ ብንብዓትን ገዓርን በአስተብርኾን ኣብ ልዕሊ መስቀልን ኮይኑ ሓቀኛን
ቅቡልን ዝኾነ ጸሎትን ምህለላን ዘቕረበ በይኑ ሊቀ ካህናት ሓድሽ ኪዳን እዩ።
መዝሙር ካህነይ፡ https://youtu.be/B6mCyIr4mZU
……………ይቕጽል………..
No comments:
Post a Comment