መዝሙር ምስጋና ሊቀ ካህነይ (ሣልሳይ ክፋል)
ንእግዚኣብሔር ኲሉ ጊዜ አመስግኖ፡ ውዳሴኡ ንሓዋሩ ኣብ ኣፈይ
እዩ። መዝ34፡1
ኦ ዘለለዓለማዊ ካህነይ ስምካ ይባረኽ፡ ኢየሱስ ንስኻ በይንኻ
ሊቀ ካህናት ኢኻ`ሞ አመስግነካ ኣሎኹ።
ረሃጽካ ከም ነጥቢ ደም ወሪዱ
እህህታኻን ልቕሶኻን ተሰሚዑ
ኣጽኒዕካ ብንብዓት ለሚንካ
ፍቓድ ኣቦ ክትፍጽም ተሠዊዕካ
ሊቀ ካህነይ ብደምካ ኣድኂንካኒ
ኢየሱስ ጠበቓይ ቀዲስካኒ
ሰላም ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ኲላትኩም ይኹን ፍቑራት
ኣኅዋተይን ኣኃተይን፡ እቲ ክሳዕ እዛ ሰዓት እዚኣ ብጸጋኡ ዝረድኣና፡ ምሥጢሩ`ውን ዝገለጸና ኣምላኽ ብስም ኢየሱስ ክርስቶስ ይባረኽ።
ኣብ ዝሓለፉ ክፋላት ንሠለስተ ኣግማድ መዝሙር ካህነይ ርኢና ኔርና`ና፡ ሎሚ ኸኣ ከም ፍቓድ ኣምላኽ ቀጺልና ክንምልከተን ኢና።
ጸጋ ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ኲላትና ይኹን።
1. ፍቓድ ኣቦ ክትፍጽም ተሠዊዕካ፡ ፍቓድ ኣቦ እንታይ`ዩ፧ ቅዱሳት መጻሕፍቲ`ኸ ብዛዕባ`ዚ እንታይ
ይብሉ፧ ዚብል ጥበበኛ ኣእምሮ ክህልወና ጐይታ ይርድኣና። እምበኣር መደብ እግዚኣብሔር እንታይ ከም ዝዀነ ብቓሉ ንመልከት።
· ነቶም ኣቐዲሙ ዝፈለጦም፡ ንሱ ንብዙኃት ኣኅዋት በዂሮም
ምእንቲ ክኸውን፡ ንምስሊ ወዱ ክመስሉ ቐደም መደቦም(ሮሜ8፡29)
· ጽቡቕ ፍቓዱን መደቡን ስለ ዝነበረን ከኣ ንርእሱ ውሉድ
ክንኮኖ ብኢየሱስ ክርስቶስ ቀደም መደበና።(ኤፌ1፡5)
· እቶም ኣቐዲምና ብክርስቶስ ተስፋ ዝገበርና፡ ንውዳሴ ኽብሩ ምእንቲ
ኽንከውን፡ እቲ ብፍቓዱ ንዂሉ ነገራት ከም መደቡ ዚገብር ኣምላኽ ወረስቲ ንኽንከውን ብወዱ ሓረየና።(ኤፌ1፡11)
ሽሕ`ኳ ዘለዓለማዊ መደብ ኣምላኽ ኣኅዋት፡ውሉድ፡ወረስቲ ክህልውዎ እንተዀነ፡ ሰባት ግን ንኃጢኣት ብምፍቃር ምስ ሰይጣን ብምስምማዕ
ካብ እግዚኣብሔር ዓለዉ። ብሰሪ ሓደ ሰብኣይ ኃጢኣት ናብ ዓለም ኣተወ`ሞ ከም ሳዕቤኑ ኸኣ ሞት መጸ። እግዚኣብሔር ከኣ ንዘለዓለማዊ
ምኽሩ ምእንቲ ክፍጽም ነቶም ብፍርሃት ሞት ምሉእ ዕድሚኦም ባረዩ ዀይኖም ዝነበሩ ሓራ ምእንቲ ከውጽእን ናብ ክብሪ ከምጽእን ንወዱ
ብስቓይ ከሕልፎ ተገብኦ። ምእንት`ዚ ኸኣ መሲሕ ናብ ዓለም መጸ። ስለዚ ክርስቶስ ኣብ ዓለም ኪመጽእ ከሎ ከምዚ ዚስዕብ በለ፦ “መሥዋዕትን
መባእን ኣይደሌኻን፡ እንተኾነ ሰብነት ኣዳሎኻለይ”(ዕብ10፡5)። ኲላትና ከም ዝተባረራ ኣባጊዕ ነበርና፡ ነፍስ ወከፍ ነናብ መገዱ
ዘምበለ፡ እግዚኣብሔር ከኣ ኣበሳ ኲላትና ኣብኡ ኣውደቖ(ኢሳ53፡6)። ንሕና ብርግጽ ኣበሳ ዝጾርና ኃጥኣን ኣባጊዕ ብምዃንና ንመሥዋዕትነት
ብቑዓት ኣይነበርናን፡ ካባናስ ሓደ`ኳ ጻድቕ ኣይነበረን። ምእንት`ዚ እግዚኣብሔር ኣቦ፡ ንወዱ ገንሸል፡ ንጹሕ መሥዋዕቲ ክኸውን
ወፈዮ። ንሱ ንመሥዋዕትነት ብቑዕ፡ ንጹሕ በጊዕ ነበረ። እግዚኣብሔር ኣምላኽ ከኣ ብሰሪ ገበንና ክቖስል፡ ብሰሪ ኣበሳና ክኽትከት፡
ንሕና`ውን ሰላም ምእንቲ ክንረክብ መቕጻዕቲ(ፍርዲ) ኣብኡ ኣውደቐ። እግዚኣብሄር ግና ብመከራ ኺሕምሽሾ ፈተወ። ነፍሱ ንመስዋእቲ
ሓጢኣት ምስ ወፈያ፡ ዘርኢ ኺርኢ፡ መዓልትታቱ ኼንውሕ እዩ፡ ፍቓድ እግዚኣብሄር ከኣ ኣብ ኢዱ ኺሰልጥ እዩ(ኢሳ53፡10)። ኣቦ ንብዘሎ ቅጽዓትና ኣብኡ ኣንበሮ፡ በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ እቲ ቕጽዓት ኣብ ወዱ፡ ምሕረት
ከኣ ኣባና ኣብቶም ብክርስቶስ ዝኣመንና ተገለጸ። እቲ ንወዱ እኳ ምእንቲ ዂላትና ኣሕሊፉ ዝሃቦ እምበር ዘይነሓፎ፡ከመይ ደኣ`ኸ ምስኡ ኩሉ ዘይህበና!(ሮሜ8፡32)። ንወዱ ዘይነሓፈሉ ምኽንያት እንታይ`ዩ፧ ናይ ዕብራውያን ጸሓፍ ከምዚ ብምባል
ይምልሰልና፡ እቲ ዂሉ ምእንትኡ ኲሉ ውን ብእኡ ዝተፈጥረ፡ ንብዙኃት ውሉድ ናብ ክብሪ ምእንቲ ከእትዎም፡ ነቲ ናይ ድሕነቶም መራሒ
ብስቓይ ፍጹም ኪገብሮ ተገብኦ(ዕብ2፡10)። መሲሕ`ከ እንታይ በለ፧
·
እቲ ኣቦይ ዝህበኒ ዘበለ ናባይ ክመጽእ እዩ፡ ነቲ ናባይ ዝመጽእ ከኣ ንወፃኢ ከቶ ኣይክድርብዮን እየ።
ምኽንያቱ ኣነ ፍቓድ እቲ ዝለኣኸኒ እምበር ፍቓደይ ምእንቲ ክገብር ኣይኮንኩን ካብ ሰማይ ወሪደ ዘለኹ። ዮሃ6፡37-38
·
ሽዑ ኸኣ ኣነ `ኦ ኣምላኸይ፡ ከምቲ ኣብ መጽሓፍ ብዛዕባይ ተጻሒፉ ዘሎ፡ እነሆ ፍቓድካ ኽፍጽም
መጺአ ኣሎኹ` በልኩ። ዕብ10፡7
·
ቁሩብ ርሕቕ ኢሉ ብገጹ ተደፊኡ ጸለየ በለውን፡ ኣቦይ፡ ዚከኣል እንተ ዀይኑስ፡ እዛ ጽዋእ እዚኣ ኻባይ
ትሕለፍ። ግናኸ ንስኻ ኸም እትደልዮ እምበር፡ ኣነ ኸም ዝደልዮ ኣይኹን። ማቴ26፡39
·
“ኣባ! ኣቦይ! ኲሉ ይከኣለካ እዩ። ነዛ ናይ መከራ ጽዋዕ እዚኣ ኻባይ ኣሕልፋ፡ እንተኾነ ፍቓድካ
ደኣ እምበር ፍቓደይ ኣይኹን” በለ። ማር14፡36
·
“ ኦ ኣቦይ! ፍቓድካ እንተ ኾይኑስ ነዛ ጽዋዕ እዚኣ ኻባይ ኣኅልፋ፡ ግናኸ ፍቓድካ ደኣ
እምበር ፍቓደይሲ ኣይኹን” እናበለ ጸለየ። ሉቃ22፡42
·
“ ሕጅስ ነፍሰይ ተጨኒቓ ኣላ፡ እንታይ እሞ ክብል እየ፧ `ኦ ኣቦ፡ ካብዛ ሰዓት እዚኣ ኣድኅነኒ`፧
ግና ምእንትዚ እንድየ ናብዛ ሰዓት እዚኣ ዝበጻሕኩ። ዮሃ12፡27
ኢየሱስ ክርስቶስ ፍቓድ ኣምላኽ ክፍጽም ንሰብነቱ ሓንሳእ ንሓዋሩ
ስለ ዝሠውዐ፡ ተቐዲስና ኢና(ዕብ10፡10)። ንሱ ብደሙ ስለ ዝቐደሰና ኸኣ ኣኅዋተይ ኢሉ ንምጽዋዕና ኣይሓፍርን እዩ(ዕብ2፡11-12)፡
ንሕና ብእኡ ስለ ዝኣመንና ብክርስቶስ ኢየሱስ ወሉድ ኣምላኽን ወረስትን ከምኡ`ውን ኣኅዋት ኢየሱስ ክንከውን በቒዕና ኣሎና። ብዘሎ
ኽብሪ ንእኡ ይኹን ኣሜን።
…..ይቕጽል……..
No comments:
Post a Comment