መዝሙር ምስጋና ሊቀ ካህነይ ( ቀዳማይ ክፋል)
ንእግዚኣብሔር ኲሉ ጊዜ አመስግኖ፡ ውዳሴኡ ንሓዋሩ ኣብ ኣፈይ
እዩ። መዝ34፡1
ኦ ዘለዓለማዊ ኣምላኽ ስምካ ይባረኽ፡ ኣብ ቅዱስ ስምካ ስለ ዝተኣመንና ብኣኻ ንሕጎስ ኣሎና። ኲሉ
ጊዜ ከነመስግነካ፡ ውዳሴኻ`ውን ንሓዋሩ ኣብ ኣፍና ክኸውን እዩ።
መዝሙር ንእግዚኣብሔር ጥራይ ዝግባእ ውዳሴ ምዃኑ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ነጊሮምና እዮም። ኲሉ ጊዜ ክምስገንን
ክውደስን ዝግብኦኸ ብዘይካ ኣምላኽና መን ኣሎ፧ መዝሙር ንእኡ ዝቐርብ ኣምልኾ እዩ። ዘማሪ “ንእግዚኣብሔር ኲሉ ጊዜ አመስግኖ፡
ውዳሴኡ ንሓዋሩ ኣብ ኣፈይ እዩ” ኢሉ ምስ ጀመረ፡ ጻድቃን ምስኡ ኰይኖም ንእግዚኣብሔር ከዕብዎን ከልምኽዎን ድኅሪ ምጽውዑ፡ “ኣቱም
ቅዱሳኑ ንእግዚኣብሔር ኣምልኽዎ” ብምባል ከኣ መዝሙር ኣምልኾ ምዃኑ ይነግረና። መዝሙር ኣምልኾ እዩ፡ ንእግዚኣብሔር ዘይተዘመረ
ኲሉ መዝሙር ከኣ ሕጊ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ዝፃረር፡ ኃጢኣት ምዃኑ ኲሉ ሰብ ክግንዘቦ ይግባእ።
መዝሙር፡ ክንዝምር፡ ክንሰምዕ ከሎናስ ንትኅዝቶኡ ብቓሉ መዚንናዶ ንቕበሎ ንኸውን፧ ኪኖ እቶም ብዙኃት
ደሃያት ዜማታትን መሳርሒታት ሙዚክን ንመዓሙቕ እቲ ትኅዝቶ ንምርምሮ`ዶ ንኸውን፧ እነሆ እምበኣር ሎሚ ነታ ቅድሚ 8 ኣዋርሕ ብሕብረት
ተዘሚራ፡ ኣብ “ዘጸአት ቲዩብ” ዝተዘርግሐት መዝሙር ‘ካህነይ’ ከነስተንትን ኢና። ኣብ ዝተፈላለየ ክፍላተ ዓለም ዘለኹም ነዛ መዝሙር
ሰሚዕኩማ ተኾንኩም ሠናይ፡ እንተዘይሰማዕኩማ ኸኣ ኣብ ዘጸአት ቲዩብ ኣቲኹም ክትባረኹላ እዕድም።
ሊቀ ካህናት ዚብል ቃል ቅድሚ ሎሚ ሓቲትኩምሉን ኣስተንቲንኩሞን ተኾንኩም ማሕረ፡ ምናልባት ኣስተብሂልኩምሉ
ዘይትፈልጡ ተኾንኩም ከኣ ልብኹም ክፈቱ`ሞ ንቓሉ መርምርዎ። ትኅዝቶ እታ መዝሙር ንምርዳእ፡ ነቲ ሰፊሕ ኣፍ ደገ ከፊታ ከተእትወና
እትኽእል ቊልፊ ቃል ‘ሊቀ ካህናት’ እያ። ነዚ ተተረዳእና ኸኣ ናብ ውሻጠ ንዘእቱ ማዕፆ ክንከፍት ብቕዓት ኣሎና።
ሊቀ ካህናት ማለት ኣብታ ዝቐደመት ኪዳን (ብሉይ ኪዳን) ብእግዚኣብሔር ንዝተሠርዐ ክህነታዊ ኣገልግሎት፡
ክመርሕ፡ ክጽሊ፡ ክዓርቕ፡ ካብቶም ድኹማት ሰባት ንድኹማት ክርህርህን ክሓልን ብእግዚኣብሔር ዝተሾመ ሰብ እዩ። እቲ ናቱ ኣገልግሎት
ከኣ ብዘይካ በይኑ ካልእ ክዓዮ ኣይክእልን እዩ። ሊቀ ካህናት ዘበለ ዂሉ ካብቶም ከምኡ ዝኾኑ ሰባት ይኅረ። ንእግዚኣብሔር
ብዜርኢ ነገር ከኣ መባእን መሥዋዕትን ስለ ኃጢኣት ምእንቲ ከቕርብ፡ ምእንቲ ሰብ ይሽየም። ንሱ ገዛእ ርእሱ ድኹም ስለ ዝኾነ፡
ነቶም ደናቊርን ኣብ ጌጋ ዝወደቑን ኪድንግጸሎም ይኽእል እዩ።ድኹም ስለ ዝኾነ ከምቲ ምእንቲ ሕዝቢ ከምኡ`ውን ምእንቲ ርእሱ፡ ስለ
ኃጢኣት ክሥውዕ ይግደድ። ከም ኣሮን ብኣምላኽ ዝተጸውዐ እምበር፡ ነዚ ኽብሪ`ዚ ባዕሉ ኺወስዶ ዝኽእል ሓደ`ኳ የልቦን(ዕብ5፡1-4)።
እዚ ክፍሊ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ሊቀ ካህናት ፡ ሠለስተ መሠረታውያን ነገራት ዘርዚሩ የብርሃልና።
1.ሊቀ ካህናት ምእንቲ ኃጢኣት ዘቕርቦ መሥዋዕቲ
2.ሊቀ ካህናት ብዛዕባ ሕዝቡ ዘሎዎ ርህራሄን ድንጋጼን
3.ሊቀ ካህናት ብእግዚኣብሔር ዝተጸውዐ ምዃኑ
ስለዚ እምበኣር ሰብ(ወገን ኣዳም) ዘይኮነ፡ ብኣምላኽ`ውን ዘይተጸውዐ ከምኡ`ውን ንሕዝቡ ክርህርህን
ክሓልን ዘይክእል ሊቀ ካህናት ክኸውን ኣይክእልን እዩ። እዚ መሠረት ትምህርቲ ሊቀ ክህንነት እዩ። ምእንትዚ ኸኣ እዮም እቶም ኣብ
ሰማያት ዘለዉ ሰማያውያን ፍጡራት ሊቀ ካህናት ክኾኑ ዘይክእሉ። ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ውን ቅድሚ ካብ ዘርእና ተኻፊሉ ፍጹም
ሰብ ምዃኑ ሊቀ ካህናት ኣይነበረን። ወገን ሰብ ዘይኮነ ሊቀ ካህናት ክኸውን ኣይከኣልን እዩ።
ነዚ ሓሳብ`ዚ ሒዝና ናብ ትምህርቲ ሓድሽ ኪዳን ምስ እንጒዓዝ ከኣ ነቲ ዘለዓለማዊ ምኽሪ ኣምላኽ ክንርድኦ
ንኽእል ኢና። ኣምላኽ ሰብ ዝኾነሉ ምሥጢር ከኣ ብጥበብ ከነስተውዕል ኢና። እግዚኣብሔር ሥሉስ ኣምላኽ እዩ፡ እዚ ኣምላኽ`ዚ ኸኣ
ብሠለስትነት ዝነበረን ብሓድነት ውን ዝነብርን እዩ። ብምኽንያት ውድቀት ሰብ እምበኣር ብፍቓድ ሠለስቲኦም ኣካላት፡ ሓደ ኣካል ንሱ
ኸኣ ወልድ፡ ሊቀ ካህናትና ምእንቲ ክኸውን ከምቲ ንሕና ሥጋን ደምን ለቢስና ሰብ ዝኾንና ኢየሱስ ውን ከማና ሰብ ኮነ። ምኽንያቱ
ሊቀ ካህናት ካብ ሰባት፡ ምእንቲ ሰባት እዩ ዝሕረ። ኣቦን መንፈስ ቅዱስን ሊቀ ካህናት ኣይኮኑን፡ ምኽንያቱ ንሳቶም ካብ ህላዌና
ኣይተኻፈሉን።
“ክርስቶስ`ውን ሊቀ ካህናት ንምዃን ገዛእ ርእሱ ኣየኽበረን። ግና ኣምላኽ “ ንስኻ ወደይ ኢኻ ኣነ
ሎሚ ወለድኩኻ” በሎ። ኣብ ካልእ ስፍራ ድማ ”ንስኻ ከም መዓርግ መልከጼዴቅ ንዘለዓለም ካህን ኢኻ” በሎ። ኢየሱስ ኣብዛ ምድሪ
እዚኣ ኸሎ፡ ናብቲ ካብ ሞት ከድኅኖ ዚኽእል፡ ብብርቱዕ ገዓርን ንብዓትን፡ ጸሎትን ምህለላን ኣቕረበ። ንኣምላኽ ዝእዘዝ ስለ ዝነበረ
ኸኣ ተሰምዐ። …ዕዮኡ ምስ ፈጸመ ድማ ነቶም ዚእዘዝዎ ዘበሉ ዂላቶም ናይ ዘለዓለም ድኅነት ምኽንያት ኮኖም። ዕብ5፡5-9
እዚ ክፍሊ መጽሓፍ ቅዱስ
ከምቲ ኣቐዲሙ ብዛዕባ ሊቀ ካህናት ሠለስተ ነጥብታት ዝነገረና፡ ሕጂ ውን ክርስቶስ ሊቀ ካህናት ምዃኑ ምእንቲ ከረድእ ብሠለስቲኦም
ነጥብታት ይገልጸልና። ብቚጽሪ 3 ጀሚሩ ኸኣ እዩ ናብ ቊጽሪ 1 ዝመጽእ።
1.ክርስቶስ ባዕሉ ዘይኮነስ ብእግዚኣብሔር ኣቦ ዝተሾመ ሊቀ ካህናት እዩ።
2.ንሰባት ክርህርህ ብዝኽእል መገዲ፡ ብድኻምን ውስኑነትን መከራን ንብዓትን ሰባት ብምሕላፉ፡ ደንጋጽን ርህሩህን ሊቀ ካህናት
እዩ።
3.ንሰባት ሥርየት ኃጢኣት ዘውህብ፡ ምኽንያት ዘለዓለማዊ ድኅነቶም እዩ።
ስለዚ ኸኣ ኢየሱስ ክርስቶስ
እንኮ ሊቀ ካህናት ሓድሽ ኪዳን ምዃኑ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ምስክር እዮም። መዝሙር ካህነይ ከኣ ከምዚ ብምባል ትምስክረልና፦
ረሃጽካ ከም ነጥቢ ደም ወሪዱ
እህህታኻን ልቕሶኻን ተሰሚዑ
ኣጽኒዕካ ብንብዓት ለሚንካ
ፍቓድ ኣቦ ክትፍጽም ተሠዊዕካ
ሊቀ ካህነይ ብደምካ ኣድኂንካኒ
ኢየሱስ ጠበቓይ ቀዲስካኒ
……….ይቕጽል……….
No comments:
Post a Comment