መዝሙር ምስጋና ሊቀ ካህነይ (ሓምሻይ ክፋል)
ንእግዚኣብሔር ኲሉ ጊዜ አመስግኖ፡ ውዳሴኡ ንሓዋሩ ኣብ ኣፈይ
እዩ። መዝ34፡1
ኦ ዘለዓለማውን እሙንን ካህነይ ስምካ ይባረኽ።
ኣብ ሰማያት ልዕል ዝበለ
ካብ ኃጥኣን`ውን ዝተፈልየ
ርኅሩኅን ደንጋጽን ካህነይ
ኢየሱስ ኴንኳ መድኅነይ
ኣምሳል መልኬጼዴቅ ንጉሥ ሰላም
መንጐኛ መሳልል ኪዳን ደም
ናብ ኣምላኽ ዝቐርበሉ ተስፋይ
ዓቢ ካህን ኢየሱስ እምንቶይ
ኣብ ኲሉ ኲርንዓት ዓለም ኮይንኩም ነዚ ጽሑፍ እትነቡ ዘለኹም ኣኅዋትን ኣኃትን ቅድሚ ዂሉ ጸጋ ጐይታ
ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ኲላትኩም ይኹን። ምሕረቱ ካብ ሕይወት ይበልጽ እዩ`ሞ ንእግዚኣብሔር ምስጋና ይኹኖ።
ኣብ ዝሓለፉ ኣርባዕተ ክፋላት፡ ብዛዕባ ኣዝማች መዝሙር ካህነይ፡ ብመሠረት መጽሓፍ ቅዱሳዊ ሓቂ ኢና
ርኢና`ሞ ክብሪ ኹሉ ንጐይታ ይኹን። ስዒቡ እምበኣር ኣብቶም ብሕብረት ተጠሚሮም ዘለው ሸሞንተ ነግሕታት ዘሎ መለኮታዊ ሓሳብ ብጥምሮ
ክንርኢ ኢና፡ ጸጋ ጐይታ ምስ ኩላትና ይኹን። ንነፍሲ ወከፍ ጥቕሲ ብኣስተብህሎ ከነንብቦን ክንርድኦን መንፈስ ቅዱስ ይደግፈና።
ኣብዚ ክፍሊ`ዚ ተገሊጹን ተተንቲኑን ዘሎ ዓቢይ ሓሳብ “መንነት ሊቀ ካህናት ኢየሱስ እዩ”፡ እዚ ሊቀ ካህናት`ዚ ኣበየናይ ቦታ`ዩ ዘገልግል፧ ኣብኡ ዘለዉ ፍሉያት ባህርያት`ከ እንታይ እዮም፧ ክሳዕ ክንድምታይ`ዩ ኸ ዘተኣማምን፧ ዚብሉ ሕቶታት መልሲ ክንረክብ ንኽእል ኢና።
1. ኣገልግሎቱ ልዕሊ ሰማያት እዩ። (ካብ ሰማያት ልዕል ዝበለ ሊቀ ካህናት`ዩ ዘድልየና ዕብ7፡26)
2. ኃጢኣት ዘይባህሪኡ ጻድቕ እዩ። (ንኣና ውን ቅዱስ፡ ክፍኣት ዘይብሉ፡ ንጹሕ ካብ ኃጥኣን ዝተፈልየ ዕብ7፡26፡ዕብ4፡15)
3. ርኅሩኅን ጻድቕን ደንጋጽን ደኣ እምበር ጨካን ኣይኮነን።(ስለዚ ብድኻምና ኪድንግጸልና ዘይክእል ሊቀ ካህናት ኣይኮነን ዕብ4፡16/ ዕብ2፡17)
4. ንሱ ካብ ዘለዓለማዊ ሞት ዘድኅን እዩ። (ከመይ ብሓቂ ንዘርኢ ኣብርሃም እምበር ንመላእኽቲ ከድኅን ኣይመጸን ዕብ2፡16/ ዕብ2፡10)
እዞም 4 ነጥብታት እምበኣር ብልክዕ እንታይነት እቲ ኣሎና ኢልና እንምክሓሉ ሊቀ ካህንና ዝገልጹ እዮም። ነዞም ነገራት እዚኦም ከማልእ ዝኸኣለ ካልእ ሓደ`ኳ የልቦን። ኣሮን ኰነ ደቁ ትእምርቲ ናይዚ ክኸውን ዝግብኦ ቅዉም ነገር ደኣ ነበሩ እምበር ሓደ`ኳ ካብኣቶምሲ ነዞም 4 መምዘኒታት ከማልእ ዝኽእል ኣይነበሮን፡ በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ክህነት ክርስቶስ ብመልከጼደቅ ተመሲሉ ተነግረን ተጻሕፈን።
5. ክርስቶስ ክህነትን ንግሥነትን ዘጣመረ ወዲ ዳዊት ብምዃኑ ብመልከጼዴቅ ተመሰለ። (ኢየሱስ ድማ ከም መዓርግ መልከጼዴቅ ሊቀ ካህናት ብምዃን ምእንታና ቅድሜና ኣብኣ ኣትዩ እዩ ዕብ6፡20)
6. ብደሙ መንጎኛ ሓድሽ ኪዳን ኮነ። (ናብቲ ናይ ሓድሽ ኪዳን መንጎኛ ዝኾነ ኢየሱስን፡ናብቲ ካብ ደም ኣቤል ብዝበለጸ ዝዛረብ ምንጻግ ደምን ኢኹም በጺሕኩም ዕብ12፡24)
7. ናብ ኣምላኽ እንቐርበሉ እንኮ ተስፋ። (ስለዚ ድማ ዂሉ ጊዜ ምእንትኦም ኪማልድ ዚነብር ስለ ዝኾነ፡ ነቶም ብእኡ ኣቢሎም ናብ ኣምላኽ ዝመጹ፡ ንዘለዓለም ከድኅኖም ይኽእል እዩ። ዕብ7፡25)
8. ዘየሕፍር እምንቶ፡ (ስለዚ ኣኅዋተይ፡ ሳላ ደም ክርስቶስ ናብ ቅድስተ ቅዱሳን ዜእቱ እምንቶ ረኺብና ኢና። ዕብ10፡19)
እዚኣቶም ኲሎም ኣብዚ ሓቀኛ ዝዀነ ሊቀ ካህናት ኢየሱስ ክርስቶስ ወዲ ኣምላኽ ጥራይ ክርከቡ ብልጫታት
እዮም። ምእንትዚ ኸኣ እዩ እታ ምድራዊት ኣገልግሎት ዝነበራ ቐዳመይቲ ኪዳን ሓሊፋ፡ እዛ ካብኣ እትበልጽ ዘለዓለማዊት ሓዳስ ኪዳን
ክትትከልን ክትጸንዕን ዝኸኣለት። ብርግጽ ከኣ እቲ ንኣና ዘድልየና ሊቀ ካህናት እዚ እዩ፡ ንሱ ኣብቲ ዘይኃልፍ ኃይሊ ሕይወት እተመሥረተ
ክህነት ዝውንን፡ ክህነቱ`ውን ዘይሰዓር ዘለዓለማዊ እዩ። እዚ ሊቀ ካህናት እዚ`ዶ እዩ ካህንና፧ ጸጋ ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ
ኩላትና ይኹን።