Tuesday, May 24, 2022

ድምጺ ሓርነት

 


ድምጺ ሓርነት

እምብኣርሲ ብሓቂ ንዘርኢ ኣብርሃም ኣልዓሎ እምበር፡ ንመላእኽትስ ኣየልዓሎምን እሞ፡ እቶም ውሉድ ብደምን ስጋን ካብ ዚሐብሩስ፡ ብሞቱ ነቲ ሓይሊ ሞት ኣብ ኢዱ ዝሐዘ ምእንቲ ኺስዕር፡ ንሱውን ድያብሎስ እዩ፡ ነቶም ብፍርሃት ሞት ብዘሎ ዘመኖም ብባርነት ተታሒዞም ዝነበሩ ዅላቶም ሓራ ምእንቲ ኼውጽኦም ኢሉ፡ ንሱውን ብእኡ ሐበሮም። ዕብ2፡14-16

ኦ ኣቦ ስለ እዚ ዓቢይ ነገር አመስግነካ ኣሎኹ፡ ንስኻ ብሓቂ ንዘለዓለም ግሩም ኢኻ ኲሉ ግብርታትካ ድማ መስተንክር እዩ። ሓራ ከውጽእ ዝኽእል ውሉድ ስለ ዝለኣኽካልና ተባረኽ፡ ብእኡ ብክርስቶስ ኢየሱስ ኣብ ሓርነት ንነብር ኣሎና።

ሓርነት ዚብል ቃል ኣብ ልቢ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ሓጐስ ዘዕስል፡ ብርሃን ዘስፍን ቃል ብምዃኑ ብሰባት ተፈታዊ እዩ። ዓለምና ዘወትር እትጸምኦ ግን ከእ ክትረኽቦ ዘይከኣለት መለኮታ መልእኽቲ እዩ። ንሓርነት ተፈታውን ተበሃግን ዝገብሮ፡ እቲ ሓርነት ምእንቲ ክህሉ ዝኽፈል መሥዋዕትነት እዩ። መሥዋዕትነት ዋጋ ናይ ሓርነት እዩ። ንሓርነት ክንፈጎ ዝደሊ ልቢ ዘሎ ኣይመስለንን ምናልባት እንተ ሃለወ ኸኣ ምረት ባርነት ዘየስተውዓለ ጥራይ እዩ። ሕዝብታትን መንግስታትን እዛ ዓለም እዚኣ እኳ ከይተረፉ ሓርነቶም ብመሥዋዕትነቶም ዝተረኽበ ምዃኑ ስለ ዘስትውዕሉ ንሓርነት ክብ ዝበለ ክብሪ እዮም ዝህብዎ። እቲ ሓርነት ምእንቲ ክህሉ መሥዋዕቲ ዝኾነ ሰብ፡ ተመሊሱ ነቲ ሓርነት ክርእየሉ ዝኽእል ዕድል የብሉን። እዚ ፍጻሜ እዚ ኸኣ ነቶም ብህይወት ነቢሮም ብዛዕባ ሓርነት ክዛረቡን፡ ነቲ ብርሃን ውን ክርእዩ ዝኸኣሉን ናብ ትዝታ ክመርሖም ንቡር እዩ፡ እዚ ኸኣ እቲ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ዘሎ ቅሉዕ ምሥጢር እዩ።

መጽሓፍ ቅዱስ፡ መጽሓፍ ሓርነት እዩ። ብዛዕባ እቲ ካብ ሰማይ ዝወረደ፡ ሓራ ከውጽእ ዝተላእኸ ጅግና ኸኣ እዩ ዝዛረብ። እዚ ካብቲ ርህሩህ ኣቦ ምጽንናዕ ዝኾነ እግዚኣብሔር ኣቦ፡ መልእኽቲ ሓርነት ተቐቢሉ ናብ ምድሪ ባርነት ዝመጸ ብርቱዕ ተዋጋኢ ኸኣ ብመንፈስ ቅዱስ ዝተመልአ ክርስቶስ ኢየሱስ እዩ። ንሱ ማንም ክሰብሮ ዘይክእል ኣርዑት ባርነት ክሰብር ዝኽእል ጅግና እዩ። ኣብ ውግእ ቀራንዮ ደሙ ኣፍሲሱ፡ ነቶም ብባርነት ተኣሲርና ዝነበርና ሓርነት ሃበና። መሥዋዕትነት ኢየሱስ ክርስቶስ ከኣ ዋጋ ዘለዓለማዊ ሓርነት እዩ። “ እቲ ሓደ ይዘርእ፡ እቲ ሓደ ኸኣ ይዓጽድ” ዚብል ምስላ ሓቂ እዩ። እቶም ተዋጋእትን ተሰዋዕትን ዘርኡ፡ ካልኦት ከኣ ሓርነት ዓጸዱ። እቲ ዝዘርአ፡ ኣብቲ ሎሚ ዘሎ እዋን ዓጺድ ግን የለን። እዚ ኸኣ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ዘሎ ቅሉዕ ምሥጢር እዩ። እዚ ቀመር እዚ ግን ነቲ ካብ ልዕሊ ጸሓይ ሓራ ከውጽእ ዝመጸ ጅግና ኣይምልከቶን እዩ። ምኽንያቱ ንሱ መሥዋዕቲ ዝኸውን ገንሸል ጥራይ ዘይኮነስ ብኽብርን ብኃይልን ንኃይሊ ሞት ዝጨፍለቐ ኣንበሳ እዩ። ተሓሪዱ ደው ዝበለ እንኮ ገንሸል ኢየሱስ ክርስቶስ። ንሱ ዘራኢ ክነሱ ምስቶም እንዳእቲ ሓቊፎም ዝዝምሩ ብደሙ ተሓጺቦም ዝነጽሁ ኣኅዋቱ፡ ኣብ ማእከሎም ኮይኑ ነቲ መልእኽቲ ሓርነት ሂቡ ናብ ምድሪ ባርነት ዝለኣኾ ኣቦኡ ዘመስግን እዩ።

እታ ብሓርነት ባህ ክብላ እትደሊ ነፍሲ፡ እነሆ ብሥራት ሓርነት፡ እነሆ ዘለዓለማዊ ሓርነት። ሓርነት ውህበት መሥዋዕትነት እዩ። ነዚ ሰማያዊ ውህበት ተቐበልዎ እዚ ኸኣ ጽድቂ ኣምላኽ እዩ። ‘ንኣምላኽ ተጋዲለ ባህ ከብሎ ሓርነተይ ውን ክእውጅ እየ’ ዚብል ልቢ እንተሎ ሎሚ መገዱ ይመርምር። ኣምላኽ ተዋጋ ካብ ሰማይ ልኢኹስ እቲ ሓርነት ውን ብመሥዋዕትነት ተረኺቡ እዩ፡ ኣምላኽ ክትዋጋእ ኣይጸውዓካን እንታይ ደኣ ነቲ ብመሥዋዕትነት ወዱ ዝተረኽበ ሓርነት ኣሜን ኢልካ ክትቅበል ኢኻ ተጸዊዕካ። ስለዚ ብኣፍካ ኢየሱስ ጐይታ እዩ ኢልካ እንተመስከርካ፡ ብልብኻ`ውን ኣምላኽ ካብ ምዉታት ከም ዘተንስኦ እንተ ኣመንካ ክትድሕን ኢኻ። ከመይ ሰብ ብልቡ ኣሚኑ ይጸድቕ፡ ብኣፉ መስኪሩ`ውን ይድሕን እዩ። (ሮሜ10፡9-10)

ኦ ሓርነት ዝኣወጅካ፡ ብደምካ ዓዲግካ ኸኣ ናይ እግዚኣብሔር ኣቦ ካህናትን ነገሥታትን ዝገበርካና ኢየሱስ ክርስቶስ ስምካ ይባርኽ።