ብርሃን
ብርሃን`ውን ኣብ ጸልማት የብርህ፡ ጸልማት ግና ኣይሓዞን። ዮሃ1፡5
ኣዋህልሊ ግዳ ዝበሉኺ ስምዒ፡
ጸልማት ከዲኑ`ዩ ቅርኒብካ ዘይርኢ
እዚ ጥንታዊ ግጥሚ ትግርኛ መዝገብ ጥበብ እዩ። ጸልማትን ስምዕን ከኣ ማንታ መሳልል እዛ ግጥሚ እዮም። ገጣሚ መጠን ምጽልማት ክገልጽ ከሎ ኸኣ ቅርኒብ ገዛእ ርእስኻ`ኳ ክትርእየሉ ክሳዕ ዘይትኽእል ንኣዕይንቲ ዘዕውር ምዃኑ ከኣ ብግህዶ ይገልጽ። ግርማ ጸልማት ኣዝዩ ዘፍርህ፡ ስቓይ፡ ስግኣት፡ጭንቀት፡ ምንዋጽ፡ ተስፋ ምቚራጽ፡ ምርባሽን ሞትን ዝዓብለሎ እዩ። ንብዘሎ እቲ ሃገር ከኣ ጸልማት ዓብሊልዎ ከም ዘሎ ካብዚ ግጥሚ ንመሃር። ጸልማት የፍርሃካ/ኪ`ዶ እዩ? ኣብ ጸልማት ብዘይ ብርሃን ንኽንደይ እዋን ክትቅመጥ/ጢ ምኸኣልካ/ኪ፧ ብርግጽ`ዶ`ኸ ካብ ጸልማት ጥዕናን ሰላምን ይርከብ`ዩ፧ ኣብ መዓሙቕ ጸልማት ፈውሲ፡ ዕረፍቲ፡ ቅሳነት፡ ክርከብ’ዶ ይኽእል`ዩ፧
ገጣሚ ምረትን ባርነትን ጸልማት ኣዝዩ ዝተረድአ ብምዃኑ ኸኣ ነቲ ንጸልማት ክቐትል፡ ከዕኑ፡ ክገፍፍ፡ ክቖራርጽ ዝኽእል ሴፍ ብሓጐስን ደስታን ተደሪኹ ክጽውዖ ኸሎ ንምልከት። እዚ ሠራዊት እዚ ኸኣ ንጸላኢ ክስዕረሉ ዝኽእልን ንግርማ ጸልማትን ንኣጽዋር ጸልማትን ክገፈሉ ዝኽእል ኃይሊ ዘለዎ እዩ። ልዑል ስለ ዝኾነ ኸኣ ከቶ ዘይድፈር እዩ። ብስፍሓትን ዕቤትን ጸልማት ዘይደሃል ብኣዝዩ ንኡስ ጩራ ኸኣ ፈጺሙ ንኃይሊ ጸልማት ዝቕንጥጥ እዩ። `ስምዒ` ኣብ ጥንታዊ ዘመን ብርሃን ዝወጸሉ ያታዊ ምንጪ ብርሃን እዩ። ኣብዚ ዘለናዮ ዘመን ከኣ `ሽምዓ` ብዚብል ይፍለጥ። እቲ ምድሪ ከዲኑ ንጉሥ`የ እናበለ ዝጭድር ጸልማት ከኣ ኣብ ቅድሚ እታ ብስፍሓት ኮነ ብዕብየትን
ቁመትን ንእሽቶ ዝኾነት ሽምዓ ኃይሊ ዘይብሉ ስዑር እዩ። ከምኡ ውን ኣብ ቅድሚ እታ እትበርቕ ጩራ ጸሓይ ብድፍረት ክቐውም ዘይክእል ፈራህ እዩ።
ዓለምና ዓለም ጸልማት እያ። ማእለያ ዘይብሎም ብድሆታት ዝሓቖፈት ብኃጢኣትን
ሞትን ዝተኣስረት እያ። ስፍሓት ኃጢኣትን እቲ ንሱ ዘስዓቦ ሞትን ከኣ ኣብ ማእከላ ከም ነገሥታት ዝፋኖም ተኺሎም ዝዘርግሑ እዮም። ካብ ኃጢኣት ሓራ ዝኾነ ሓደ`ኳ የልቦን በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ኲሉ ሰብ መወዳእታ ኣብ ዘይብሉ ፍርሃት ተሓይሩ ባርያ ኾይኑ ይነብር ኣሎ። ኣዋጅ ድምጺ ሞት እናፍርሆ ኲሉ ሳዕ ርጉጽነት ኣብ ዘይብሉ ሕይወት፡ ተስፋ ተሓሪሙ፡ ካብዝስ መን`ዩ ዘድሕነኒ፧ እናበለ ይጸዓር ኣሎ። ኣኅዋተየ ከም ለባማት ክንሓስብ ደኣ እምበር ከም ዓያሹ ብሸለልትነትን ዘይተገዳስነትን ክንነብር ጽቡቕ ኣይኮነን። ሞት ዘፍርሆን ዘንቀጥቅጦን ወለዶ፡ ኣብ ተስፋ ምቑራጽን ገዛእ ርእስኻ ኣብ ምጽላእን ዝነብር ሕዝቢ ኮይንና ክንተርፍ ፍቓድ መንግሥቲ ብርሃን ኣይኮነን። እዚ ዓለም`ዚ ኣብ ትሕቲ ገዛእቲ ጸልማት ይመሓደር ከም ዘሎ ንማንም ዝተሰወረ ኣይኮነን።
ዕለት ዕለት ዝስምዑ ድምጽታት እዛ ዓለም ከኣ ኣዋጅ ሞት እዮም። ሽሕ`ኳ ርእዮተ ዓለም ከምዚ እንተኾነ ግን ነዚ መገዲ እክቕይር ዝኽእል ብርሃን ሕያው እዩ።
ንኣኻትኩም ነዞም እተኽብሩኒ
ግና፡ ምድኃን ኃይለይ ከም ፀሓይ ጽድቂ ኺበርቀልኩም እዩ፡ ከም ጩራ ፀሓይ ከኣ ፈውሲ ኼምጽኣልኩም እዩ። ንስኻትኩም ከኣ ኸም ፍታሕ ብተይ ክትወፁን ክትዕንድሩን ኢኹም (ሚልክያስ
4፡2) ዚብል ቃል ሕያው ኣምላኽ ግን ጸልማት ክስዕሮ ዘይክእል ከም ሰማያት ጸኒዑ ይነብር ኣሎ። እዚ ፈውስን ሓርነትን ሓጐስን ክህብ ዝኽእል ብርሃን ጽድቂ ንዂሉ ሰብ ከብርህ ናብዚ ዘለናዮ ዓለም መጺኡ እዩ። ንኃይሊ ጸልማት ዝረገጸን ኣጽዋር ዓመጻኦም ዝገፈፈን ማእሰር ሞት ውን ክሕይሮ ዘይከኣለ፡ ንእኡ ስዒሩ ኸኣ በቲ ልዑል ኃይሊ ኣምላኽ ካብ ምውታን ዝተንሥአ ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። ኦ ኣብ ጸልማት ዘለኻ ወገነይ ንቓሕ!ንቓሕ! ጸልማት ከዲኑ`ዩ እሞ ነቲ ብርሃን ዝኾነ ክርስቶስ ኢየሱስ ናብ ልብኻ ጸውዓዮ፡ ንሱ ኣብዚ ምድሪ`ዚ ቅዱስ ሰላምን ዕረፍትን ኣብታ እትመጽእ ዓለም ከኣ ዘለዓለማዊ ሕይወት ክህበካ ምእንታኻ ተሓሪዱ እዩ፡ ነዚ ብርሃን`ዚ ተቐቢልካ ናትካ ግበሮ፡ ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ይፈትወካ እዩ። ነዚ ብርሃን እዚ ናትኪ ግበርዮ ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ይፈትወኪ እዩ።
No comments:
Post a Comment