Friday, June 17, 2022

እቶም ጽድቂ ዘይደለዩ ኣሕዛብ ጽድቂ ረኸቡ!

 


እቶም ጽድቂ ዘይደለዩ ኣሕዛብ ጽድቂ ረኸቡ! ሮማ9፡30

ኦ ጻድቕን ዘለዓለማውን ኣምላኽ ስምካ ይባረኽ። ካብ ድቕድቕ ጸልማት ናብ ዘደንቕ ብርሃን ስለ ዘስገርካኒ እባርኸካ ኣሎኹ። ብትውልደይ ኣሕዛብ ክነሰይ፡ ነቲ ንሕዝብኻ እስራኤል ዘተስፈኻዮ ዘለዓለማዊ ጽድቂ ብክርስቶስ ኢየሱስ ስለ ዝሃብካኒ አመስግነካ ኣሎኹ።

ብመሠረት ቅዱሳት መጻሕፍቲ ኣብ ዓለም ዘለዉ ሰባት ኣብ ክልተ ዝተመቕሉ እዮም። እቶም ብሥጋ ካብ ኣብርሃም ዝተወልዱ ዘበሉ ሰብ ኪዳን ሕዝቢ ኣምላኽ ክበሃሉ ከለዉ፡ እቶም ብሥጋ ካብ ኣብርሃም ዘይተወልዱ ኲሎም ከኣ ኣሕዛብ ተባሂሎም ይፍለጡ።  እግዚኣብሔር ጐይታ ሠራዊት፡ ብዛዕባ እስራኤል ከምዚ በለ “ንፈርኦን ድማ ክትብሎ ኢኻ፤ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል፡ እስራኤል በዅሪ ወደይ እዩ፡እሞ ንወደይ ኬገልግለኒ ይኺድ ሕደጎ፡ ኢለካ ነበርኩ፡ ግናኸ ምሕዳጉ ኣቤኻ። እንሆ፡ ኣነ ንበዅሪ ወድኻ ክቐትል እየ (ዘጸ4፡22-23)”፡ ከምኡ`ውን ኣብ ካልእ ጽሑፍ ከምዚ በለ “ ንእስራኤል ህጻን ከሎ ኣፍቀርክዎ፣ ንወደይ ካብ ግብጺ ጸዋዕክዎ” ሆሴዕ 11፡1። እዚ ውሉድ እዚ ኸኣ ምስ ኣምላኽ ሕብረት ዘለዎ ብዙሕ ውህበት ድማ ዝተቐበለ እዩ። ቅዱስ ጳውሎስ ብዛዕባ ሽዱሽተ ነገራት፡ ኣብ ሮሜ 9፡4-5 ከምዚ ይብል፡ “ደቂ እስራኤል እዮም እሞ፡ ውልድነትን ክብርን ኪዳንን ምሕጋግ ሕግን ምግልጋል ኣምላኽን ተስፋን ናታቶም እዩ።ኣቦታት ከኣ ናታቶም እዮም፡ ክርስቶስውን ብስጋ ኻባታቶም እዩ፡ ንሱ ንዘለኣለም ብሩኽ ኣምላኽ፡ ልዕሊ ዂሉ እዩ። ኣሜን”። ኣምላኽ እምበኣር ገዛእ ርእሱ ዝገለጸ ነዚ ሕዝቢ እዚ እዩ። እዚ ሕዝቢ እዚ ኸኣ ነቲ ካብ ኣምላኽ ዝመጽእ ጽድቂ ዝናፍቕን ዝደልን እዩ። መዝ147፡19-20 “ቃሉ ንያእቆብ፣ ስርዓታቱን ፍርድታቱን ንእስራኤል ነገረ።ንኻልኦት ኣህዛብ ከምዚ ከቶ ኣይገበረሎምን፣ ፍርድታቱ ኸኣ ኣይፈለጡን። ሃሌሉያ።

እቶም ካልኦት ሕዝብታት (ኣሕዛብ) እምበኣር ካብ ኣምላኽ ዝረሓቁ፡ ውልድነት፡ ክብሪ፡ ኪዳን፡ ሕጊ፡ ኣምልኾ፡ ተስፋ ዘይነበሮም እዮም። ምእንትዚ እዩ ቅዱስ መጽሓፍ ‘ፍርድታቱ ኣይፈልጡን እዮም’ ዝበለ። ቅዱስ መጽሓፍ ብዛዕባና ከምዚ ይብል፡ ኣብ ትሕቲ ሓለቓ ሥልጣን ኣየር ዝመላለስ፡ ርሑቓት፡ ብዘይ ክርስቶስ ዝነብር፡ ካብ ሕብረት እስራኤል ፍሉያት፡ ነታ ኪዳን ተስፋ ኣጋይሽ፡ ተስፋ ዘይብሎም፡ ብዘይ ኣምላኽ ዝነብሩ፡( ኤፌ2፡12)። ብዛዕባ ጽድቂ ግዲ ዘይብሉ ከም ድላዩ ዝነብር ንኣምላኽ ዘይተፈልየ ሕዝቢ እዩ። ቅዱስ መጽሓፍ እምበኣር ንኣና ነዞም ብክርስቶስ ኢየሱስ ብምእማን ብኸምኡ ዝደሓንና ኣሕዛብ ከምዚ በለና፡ “ እቶም ጽድቂ ዘይደለዩ ኣሕዛብ ጽድቂ ረኸቡ፡ እዚ ኸኣ እቲ ብእምነት ዚመጽእ ጽድቂ እዩ(ሮሜ9፡30)።  ሕጂ ግና፡ ኣቱም ቀደም ርሑቓት ዝነበርኩም፡ ንስኻትኩም ብክርስቶስ ኢየሱስ ብደም ክርስቶስ ቀረብኩም(ኤፌ2፡13)። ብዛዕባ እቶም ደቁ ዝኾኑ እስራኤል ከኣ ከምዚ በለ ”እስራኤል ግና ነቲ ናብ ጽድቂ ዘብጽሕ ሕጊ እናደለይዎስ፡ ናብቲ ናብ ጽድቂ ዜብጽሕ ሕጊ ኣይበጽሑን። ስለምንታይ፧ ብግብሪ እምበር ብእምነት ስለ ዘይደለይዎ እዩ። ብእምኒ መዓንቀፊ ኸኣ ተዓንቀፉ(ሮሜ9፡31-32።

ኣሕዋተየ እቶም ደቂ ኣምላኽ ዝኾኑ እስራኤላውያን እኳ ነቲ ጽድቂ ኣምላኽ ብግብሪ ምስ ደለይዎ ካብ ተዓንቀፉስ ንስኻትኩም ካብቶም ርሑቓት ኣሕዛብ ዝኾንኩም ከመይ ኣቢልኩም ብግብሪ ሕጊ ክትጸድቁ ትኽእሉ፧ ሽሕ`ኳ እስራኤል እንተ ተዓንቀፉ፡ ተረፍ ካብኦም ክድሕኑ እዮም፡ እቶም ዝድሕኑ ኸኣ ንጽድቂ ኣምላኽ ብእምነት ዝቕበሉ እስራኤላውያን እዮም። እቶም ጽድቂ ዘይደለዩ ኣሕዛብ ጽድቂ ረኸቡ፡ እቲ ዝረኸብዎ ጽድቂ ኸኣ ንክርስቶስ ኢየሱስ ብምእማን ዝርከብ ጽድቂ ኣምላኽ እዩ። ኦ ወገነይ ጽድቂ ኣምላኽ ንኢየሱስ ክርስቶስ ብምቕባል ጥራይ ዝርከብ ውህበት እዩ`ሞ ኣሕዛብ ክነስኻ ብግብሪ ሕጊ ክትጸድቕ ኢልካ ብኸንቱ ኣይትድከም፡ኣይትተዓንቀፍ፡ ኣይከኣልን እዩ።  እንተኾነ ከምቶም ካብ ቀዳሞት ዘመናት ክሳዕ ሕጂ  ነቲ ጻውዒት ኣምላኽ ኣሚኖም ብክርስቶስ ኢየሱስ ዝጸደቑ ካብ ወገን ኣሕዛብ ዝኾኑ ቅዱሳን፡ ንክርስቶስ ኢየሱስ ብምእማን ንጽድቂ ኣምላኽ ተቐበሎ።

 ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ምስ ኲላትኩም ይኹን


No comments:

Post a Comment