ሓንቲ!
ኦ ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ እባርኸካ ኣሎኹ፡ ስምካ ንዘለዓለም ይባረኽ! ካብ ድቕድቕ ጸልማት ናብ ዘደንቕ ብርሃን ስለ ዘስገርካኒ ተመስገን። ብኣኻ ካብቶም ዝስዕሩ ኣዝየ እበልጽ እየ። ካብታ ብኣኻ ዘላትኒ ፍቕሪ ኣምላኽ ከኣ ሓደ እኳ ክፈልየኒ ዝኽእል ከም ዘየልቦ ኣርጊጸ ኣለኹ።
“ሓንቲ”፡ ቅዱስ መጽሓፍ ክልተ `ሓንቲ` ብዝብል ቃል ዝጅምራ እንተኾነ ግን መደምደሚአን ከም ክልተ ጫፋት ዓለም ዘይራኸባ ቓላት ዘለወን ሓረጋት የስፍር። እታ ቐዳመይቲ `ሓንቲ` ንኹሉ ሰብ ዘበለ ብዘይ ኣፈላላይ ዝተዋህበት ክትከውን ከላ፡ እታ ካልኣይቲ ` ሓንቲ` ግን ነቶም ካብታ ዝተዋህበቶም ቀዳመይቲ ሓንቲ ከምልጡ ዝደለዩ፡ ብፍቃዶም ምስታ ቐዳመይቲ ሓንቲ ዝነበሮም ውዕል፡ ቐዲዶም ካልእ ውዕል ዝፍጽሙ ዝተዋህበት እያ።
ክልቲአን መንግስታት እየን፡ ካብአን ወጻኢ ኸኣ ካልእ መንግሥቲ ከቶ የልቦን። ኣብ ንሓድሕደን ከኣ ጽልኢ ዘለወን መንግሥታት እየን።” እምበኣር ከምቲ ብሓንቲ ኃጢአት ናብ ኲሉ ሰብ ኲነኔ ዝመጸ፡ ከምኡ ድማ ብሓንቲ ግብሪ ጽድቂ፡ ንዂሉ ሰብ ሕይወት እትህብ ጽድቂ መጸት(ሮሜ5፡18።
ካብ ማእሰር እታ ቐዳመይቲ ሓንቲ እተስዕቦ ኲነኔ ዘምለጠ ሓደ እኳ የልቦን፡ ምእንትዚ ኸኣ ንሳ ዓለመ ኃጥኣን እያ። ጸልማት፡ነውሪ፡ ሕስረት፡ ውርደት ኸኣ ትኅዝቶታታ እዮም። ሓደ እኳ ጻድቕ ዘይብሎም፡ ጸላእቲ ኣምላኽ ዝኾኑ ሕዝቢ ዘለውዋ እያ። መወዳእታ እዛ መንግሥቲ እዚኣ ኸኣ ዘለዓለማዊ ኲነኔ እዩ። ምእንትዚ ኸኣ ኣምላኽ ነቶም ጸላእቱ ዝኾኑ ካብ ፍቕሩ ዝተላዕለ ክዕረቖም ደለየ እሞ ነቲ ጻድቕን ብርሃንን ዝኾነ ወዱ ናብኣቶም ለኣኾ፡ ንሱ ኸኣ ሓዳሽ ውዕል መሥረተ። ኣምላኽ ከኣ ነቶም ኣብ መንግሥቲ ጸልማት ዘለዉ፡ ነታ ኣረጊት ውዕል ሞት ቀዲዶም፡ ነታ ሓዳሽ ውዕል ዝቕበሉ፡ ሕይወት ሂቡ ናብ መንግሥቲ ብርሃን ከም ዘስግሮምን ተኻፈልቲ ክብሪ ኣምላኽ ከም ዝኾኑን ብደም ወዱ ኣረጋገጸሎም። እዚ ብሥራት እዚ ንኹሉ ዝተነግረን ሎሚ ውን ዝንገርን እኳ እንተኾነ፡ ሰብ ካብ መንግሥቲ ጸልማት ወጺኡ፡ ናብ መንግሥቲ ብርሃን ክኣቱ እንተዘይ ወሰነ ግን እቲ ኣብታ ሓዳሽ ውዕል ዘሎ ዕርቅን ሰላምን ግደኡ ክኸውን ኣይክእልን እዩ።
ቅዱስ ጳውሎስ ነዚ መልእኽቲ ናብቶም ኣብ ሮማ ዝነበሩ `ቅዱሳን` ኽኾኑ ዝተጸውዑ እሞ ንክርስቶስ ኢየሱስ ብምቕባል ብደሙ ዝተቐደሱ ኣመንቲ እዩ ጽሒፍዎ። ኣብታ መንግሥቲ ጸልማት ሓደ`ኳ ቅዱስ ክርከብ ከም ዘይክእል፡ ልክዕ ከምኡ ኸኣ ኣብታ መንግሥቲ ብርሃን ውን ሓደ እኳ ኃጥእ የልቦን። ሰብ ቅድሚ ሞቱ፡ ቅዱስ ክኸውን እንተዘይክኢሉ ብርግጽ ድሕሪ ሞቱ ቅዱስ ክኽውን ኣይክእልን እዩ። ኣምላኽ ቅዱሳን ክንከውን ብወዱ ብክርስቶስ ጸውዓና፡ ይጽውዕ ውን ኣሎ፡ ሰብ ነዚ ጻዊዒት ብእምነት ክቕበሎ ብደም ክርስቶስ ኢየሱስ ከኣ ክቕደስ እንተዘይከኣለ፡ ብርግጽ ንሱ ድሕሪ ሞት ናይ ዘለዓለም ሕይወት የብሉን።
ብእምነት`ዶ ጸዲቕካ ኢኻ/ኺ፧ እምበኣር ብእምነት ካብ ጸደቕና፡ ብጐይታና ብኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ኣምላኽ ሰላም ኣሎና (ሮሜ5፡1)። ቅዱስ ጳውሎስ ኮነ እዞም መልእኽቲ ዝጸሓፈሎም ዘሎ ኣብ ሮማ ዝነበሩ ቅዱሳን፡ ነቲ ምስታ መንግሥቲ ጸላማት ዝነበሮም ውዕል ቀዲዶም፡ ንኢየሱስ ብልቦም ዝተቐበሉ፡ ብኣፎም ውን ዝመስከሩ እዮም። ቐደም እኳ ጸላእቲ ኣምላኽ እንተነበሩ ሕጂ ግን ብክርስቶስ ኢየሱስ ብምእማን ብደሙ ምስ ኣምላኽ ስለ ዝተዓርቁ ጻድቃን እዮም እሞ ምስ ኣምላኽ ሰላም ኣለዎም። ኣምላኽ፡ ወዱ ንኲሉ ዓለም እኳ እንተሃበ መንፈሱ ግን ንዂሉ ኣይኮነን ዝህብ። መንፈስ ቅዱስ ንጻድቃን ጥራይ ዝወሃብ ህያብ ኣምላኽ እዩ። ንክርስቶስ ኢየሱስ ዘይተቐበለ ሰብ፡ ንሱ ኣካል መንግሥቲ ጸልማት ስለ ዝኾነ ኃጥእ`ዩ እሞ መንፈስ ቅዱስ የብሉን። መንፈስ ቅዱስ ብደም ክርስቶስ ኣብ ዘይተቐደሰ ሰብ ኣይሓድርን እዩ።
ኣቱም ኣኅዋትና እንታይ ንግበር፧ ግብ 2፡37 ኣነ ውን ከምኦም ኣብ ሕይወተይ ዝሓተትክዎ ወሳኒ ሕቶ እዩ ነይሩ። ንኣምላኸይ ስለ እዚ ነገር እዚ ምስጋና ይኹኖ። ሽሕ`ኳ ሰበይቲ እንተተጻዕረት ድሕሪ እቲ መከራን ጻዕርን ግን ውላድ ኣሎ። እቲ ሕያውን ቅዱስን ኣምላኸይ ከኣ ድሕሪ እቲ ሓላፊ ጻዕሪ፡ ዘይሓልፍ ሕይወት ሃበኒ። ነቲ ምስ መንግሥቲ ጸልማት ዝነበረኒ ውዕል ቀዲደ ኸኣ ነቲ ሓድሽ ውዕል ተቐበልክዎ፡ ብደሙ ተቐዲሰ ናብ ማኅበር ጻድቃን ተደመርኩ፡ ስመይ ውን ኣብ መዝገብ ሕይወት ተጻሕፈ። ኣምላኽ ነቶም ብደም ወዱ ዝኣመኑ፡ መንፈስ ቅዱስ ከፍስሰሎም ምዃኑ ኣተስፍዩ ነበረ እሞ መንፈሱ ኣባይ ኣፍሰሰ። ሃሌ ሉያ ክብሪ ንኣምላኽ ይኹን። ዓለም ክትፈልጦ ኮነ ክትቅበሎ ዘይትኽእል መንፈስ ሓቂ ምሳይ ኣሎ ንዘለዓለም ውን ኣባይ ዝነብር እዩ። መንፈስ ቅዱስ ኩሉ ሳዕ ምሳይ ዘሎ መንፈስ ስለ ዝኾነ እባርኾ ኣለኹ።
ሎሚ ውን ኣምላኽ ቅዱሳን ክትኮኑ እጽውዕ ኣሎ እሞ ምስኡ ሰላም ክኾነልኩም ንኢየሱስ ክርስቶ ብምቕባል ዳግም ተወሊድኩም መንግሥቲ ቀይሩ። ኦ ኢየሱስ ንጉሠይ ተባረኽ፡ ጸጋ ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ምሳኹም ይኹን።
No comments:
Post a Comment