ቃል እግዚኣብሄር ቅኑዕ እዩ እሞ፣ ተግባሩ ዅሉውን እሙን እዩ።
መዝ33፡4
ኦ ዘለዓለማዊ ኣምላኸይ ስምካ ይባረኽ። ንስኻ ንግርማኻ ኣብ ሰማያት ዝተኸልካዮ ኣምላኸይ ኢኻ፡ ከማኻ
ዝበለ`ኸ መን እዩ፧ ኣምላኸይሲ ዓቢይን ዘይትምርመርን ኣምላኽ ኢኻ`ሞ ኣፈይ ከፊተ እባርኸካ ኣሎኹ፡ ብስም ቅዱስ ወድኻ ኢየሱስ
ክርስቶስ ተባረኽ።
ዕላማ መጽሓፈ ተአምረ ማርያም
“ ንእግዚኣብሄር ምሳይ ኣዕብይዎ፣ ንስሙ ሐቢርና ልዕል ነብሎ” (መዝ34፡3) ከም ዝበለ ዘማሪ፡ ቅዱሳት
መጻሕፍቲ ንእግዚኣብሔር ከዕብይዎን ከልዕልዎን ኢና እንምልከትን እንመሃርን። ብዘሎ ኲሉ ፍጥረት ከኣ ብዕብየትን ግርማን ኣምላኽ
ተደኒቑ፡ ንግብርታቱ እናኣስተንተነ ልዕልናኡ’ዩ ዘውርን ዘዘንቱን። ነዚ መለኮታዊ ጥበብ ሒዝና ናብ መጽሓፍ ተአምረ ማርያም ንኸይድ
ኣሎና`ሞ ቅዱስ መጽሓፍኩም ጨቢጥኩም፡ ጥበብ ወንጌሉ ተሰሊምኩም ገስግሱ። መልክዕ ጸሓፊ/ ጸሓፍቲ ተአምረ ማርያም ተመልኪትና ኣሎና፡
ሕጂ ኣእጋርና ብፍጥነት ኣልዒልና፡ ሓዊ ቃል ኣምላኽ እናኣንበልበልና ንውሽጣዊ መልእኽቱ ክንመዝን ተላዒልና ኣሎና! በርትዑ!
ንውግእ ተሰሊፉ ዕላማ ዘየንበልብል ሠራዊት የልቦን። እዚ ብስፍሓቱ ምርኡይ ዝመስል፡ ብፈኸራን ጭድርታን
ዝወጸ ሠራዊት፡ መጽሐፈ ተአምረ ማርያም ዘንበልብሎ ዘሎ ዕላማ እንታይ’ዩ፧ እዚ መጽሓፍ`ዚ ተሰኪምዎ ዘሎ ሰንደቕ ዓላማ፡ “ ኣብ
ልዕሊ እቲ ልዑል ኣምላኽ ቃል ትዕቢት ምዝራብ እዩ” (ዳን7፡25)። ቀንዲ ዕላማ ርኹሳት መንፈሳውያን ሠራዊት ንልዕልና እቲ ኣዝዩ
ልዑል ዝኾነ እግዚኣብሔር ምድብዛዝን ምውዳቕን እዩ። ኣእዳው ጸሓፊ/ ጸሓፍቲ ተአምረ ማርያም እምበኣር ንመሸፈኒ ክኾኖም`ኳ ስመ
እግዚአብሔር፡ ስመ ክርስቶስ እንተተጠቀሙ፡ ፍረ ጽሑፎም ከም ዝነግረና ግን ንእግዚኣብሔር፡ ንክርስቶስ ምኽሓድ ኣዘውቲሮም ዝተጠቕምሎም
ቃላትን ሓረጋትን እዮም። ንዕኡ ነቲ ልዑል ምኽሓድ ኣብ መጽሐፍ ተአምረ ማርያም ከም ኃጢኣት ክቑጸር`ሞ ይትረፍ ከም ነውሪ እኳ
ኣይቁጸርን እዩ፡ እኳ ደኣ ንእግዚኣብሔር ብምኽሓድ፡ ነታ ኣግኒኖምን ኰሓሒሎምን ዘቕረብዋ ማርያም ዘተአምረ ማርያም፡ ብምእማን ዝርከብ
ድኅነት እዮም ዘውርዩ።
ትሕዝቶታቱ ብዕምቆትን ጥልቀትን ንምምርማር እምበኣር ብመሳርዕ ተመሪሕና ክንከይድ ኢና። መጽሐፈ ተአምረ
ማርያም ከመይ ዝበለ መልክዕ`ዩ ዘለዎ፧ ዚብል ሓታቲ እንተተረኽበ፡ ነዞም መሳርዕ ብጥንቃቐ ተተኸታተሎም ጭቡጥ ትሕዝቶ እዚ መጽሓፍ
ክርዳእ እዩ። ዝተፋለሰ ትምህርተ ሥላሴ፡ ነገረ ቤዛነት ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ዘዕኑ እንተተኻእለ`ውን ካብ ሱሩ ከጥፍእ ዝኽእል
ጋሻ ትምህርቲ ድኅነት፡ መለኮታዊ ባህርያት እግዚኣብሔር ተመንዚዑ ዝተዋህባ ማርያም፡ ልዕሊ እቲ ልዑል ኣምላኽ ገኒና ዝተቐመጠት
ማርያም፡ መለኮታዊ ፍርዲ እትውስን ማርያም፡ ፍጥረት ምስጋናን ስግደትን ዘቕርበላ ማርያም፡ ነውረኛነት እተተባብዕ ማርያም፡ ግኖስቲካዊ
ምህሮ እትኽተል ማርያም፡ ዝተናዕቐ ክርስቶስ፡ ዝተበረዘ ቃል ኣምላኽ፡
ዝተጋጨዉ ታሪኻት፡ መጽሓፍ ቅዱስ ዘይመዝገቦም ዝተወሰኹ ታሪኻት፡ ዝተደናበረ ምህሮ ሲኦልን መንግሥተ ሰማያትን፡ ኃይላ እተርኢ ማርያም……ወዘተ።
ካብቲ ኣብ ዓለም ዘሎ እቲ ኣባና ማለት ኣብቶም ብክርስቶስ ኢየሱስ እንኣምን ዘሎ መንፈስ ዓቢይ`ዩ
እሞ ንዂሉ እቲ ምስ ሓሳብ ኣምላኽ ዚጻረር ብክርስቶስ ኢየሱስ ክንማርኾ ኢና። ስለዚ ሓቛቚ ልብና ተዓጢቕና፡ ኣብ ኣእዳውና ሰይፊ
ማለት ቃል ኣምላኽ ጨቢጥና ደው ንበል። ንልዕልና እቲ ልዑል ኣምላኽ ዝትንክፍ ዘበለ ዂሉ ፍላጻ ኸኣ ካብቲ ክፉእ`ዩ እሞ ንዕኡ
ንምምካት ድርዒ እምነት ለቢስና ኣሎና። ንሕናስ ወገን እግዚኣብሔርን ሕያው ቃሉን ኢና። ጸጋ ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ምሳኻትኩም
ይኹን።