ቃላት እግዚኣብሄር ጽሩይ ቃላት እዩ፣ ብመምከኽ መሬት ዝጸረየ፣
ሾብዓተ ሳዕ እተዀልዔ ብሩር እዩ። መዝ12፡6
ኦ ዘለዓለማዊ ኣምላኽ ስምካ ይባረኽ፡ ቃላትካ ከምቲ ብሓዊ ሓሊፉ እተኾልዐ ብሩር`ዩ እሞ አመስግነካ
ኣለኹ፡ ንስኻ ኲሉ ሳዕ ሓቀኛ፡ እሙን፡ ዘለዓለማዊ ኣምላኽ ኢኻ፡ ንዘለዓለም ስምካ ይባረኽ።
መልእኽቲ
ነዚ ጽሑፍ እዚ ጊዜኹም ወፊኹም ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ኮንኩም እትነቡ ዘለኹም ኣኅዋተይን ኣኃተን
ጸጋ ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ምሳኻትኩም ይኹን። ዕላማ እዚ ጽሑፍ`ዚ ነፍሲ ወከፍና ነቲ ሕያው ኣምላኽና ብግቡእ ብምፍላጥ፡ ነቲ
ንነዊሕ ዘመናት ኣብ ምድርና ብጸላኢ ተተኺሉ ክፍኣትን ኃጢኣት ክንፈሪ ዝገበረና፡ ካብ ፍቓድ ኣምላኽ ወጺእና`ውን መሕለውለውቲ ክንከውን
ዝገበረና መጽሓፍ ተአምረ ማርያም ፡ ኣብ ሚዛን ቃል ኣምላኽ ኣቐሚጥና ምምዛን እዩ። መድኃኒትናን ፈውስናን ኣብቲ ጽሩይ ቃላት እግዚኣብሔር`ዩ
ዘሎ። ነፍሲ ወከፍና ንመጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ጥቓና ገንጺልና፡ ነቶም ዝለኣኹ ጽሑፋትን መጽሓፍ ቅዱሳዊ ጭብጥታትን ብዓቢይ ትዕግሥትን
ኣድህቦን ከነንብቦ፡ ከነነጻጽሮ ብትሕትና እሓትት። እዚ ዕዮ እዚ በረኸት ምድርናን መጻኢ ወሎዶታትን ዘውሕስ ብምዃኑ፡ ኪኖ ካልእ
እዋን ብዝበለጸ ከነስተውዕሎ ይግባእ።
ተአምረ ማርያም እንታይ`ዩ፧
ስሙ ከም ዝሕብሮ፡ ብዛዕባ ድንግል ማርያም ጌራቶ ዝተባህለ ተኣምራት ዝገልጽ መጽሓፍ እዩ። ኣብዚ መጽሓፍ`ዚ
ተዘርዚሮም እንረኽቦም ተአምራት መብዛሕትኦም ድንግል ማርያም ከም ዝገበረቶም ዝገልጹ ክኾኑ ከለዉ፡ ገለ ገለ ተአምራት ከኣ ሕጻን
ኢየሱስ ዝገበሮምን ከምኡ`ውን ብሥእለ ማርያም ዝተገብሩ ተኣምራታትን የዘንቱ። ቐንዲ ዕላማ እዚ መጽሓፍ`ዚ ኸኣ ዕቤትን ልዕልናን
ክብርን ማርያም ምግላጽን ምውራይን እዩ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ገጽ ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሕጡበ-ጽሑፍ`ውን ልዕልናን ክብርን
ዕቤትን ማርያም ግዙፍ ንምግባር፡ ኣብ ልቢ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ውን ከም ዕላማ ተሰቒላ ከተንበልብል ንምግባር ዝጋደል መጽሓፍ እዩ።
ምንጪ እዚ መጽሓፍ/ ደራሲ፡ደረስቲ መን`ዩ?
መቅድም ዘተአምረ ማርያም ከም ዝሕብሮ፡ ቅድስት ድንግል ማርያም ብራእይ፡ ብሕልሚ፡ ብገሃድ ዝተዛረበቶምን
ዝተገለጸትሎምን፡ አባ አብርሃም፡ አባ ማርቆስ፡ አባ ማቴዎስ ዝተባህሉ መነኮሳት ከም ዝጸሓፍዎ ይነግር። እንተኾነ ብዛዕባ እዞም
ጽሒፎሞ ዝተባህሉ መነኮሳት፡ ዝኾነ ይኹን ተወሳኺ መብርሂ ኣየቕርብን እዩ። ንሳቶም መን`ዮም፧ ንዝብል ሕቶ ዝኸውን መልሲ`ውን የብሉን።
እዞም ተገሊጻትሎም ተዛሪባቶም ዝተባህሉ ጸሓፍቲ ብምንታይ ቛንቋ ከም ዝጸሓፍዎ ውን መቅድመ ተአምር ኣይሕብርን እዩ። እንተኾነ ኣስዒቡ
እዚ መጽሓፍ እዚ ካብ ቋንቋ ዓረብ ናብ ግዕዝ ከም ዝተተርጎመ ይጽሕፍ። እቲ መበቆላዊ ጽሑፍ ብዓረብ ድዩ ተጻሒፉ፧ ዝህቦ መብርሂ
የልቦን። መርሒነታ መንበረ ማርቆስ ዝኾነት ሀገረ ግብጺ፡ ቅድሚ ቋንቋ ዓረብ፡ ቅብጥ ዚበሃል ቛንቋ ከም ቀንዲ ቛንቋ ትጥቀም ምንባራ
መዛግብቲ ታሪኽ ዝሕብርዎ እዩ። ቛንቋ ዓረብ ድኅሪ እስልምናዊ ወራር ኣብታ ሀገር ዝተኣታተወ ምዃኑ ምግንዛብ ወሳኒ እዩ። ድኅሪ
እቲ መበቆላዊ ጽሑፍ ምጽሓፉ ክንደይ ዓመታት ጸኒሑ`ዩ ናብ ግዕዝ ተቶርጒሙ፧ ዚብል ሕቶ`ውን መልሲ ኣይንረኽበሉን ኢና።
ኣብ ቀዳማይ ተአምር`ውን ደቅስዮስ ዝስሙ ኤጲስቆጵስ ዘሀገረ ጥልጥልያ ተኣምራታ ዝነግሩ መጻሕፍቲ ከም
ዝኣከበን ከምኡ`ውን ተኣምራ ከም ዝጸሓፈን ይነግር። ተኣምራ ስለ ዝጸሓፈ ኸኣ ድንግል ማርያም ብራእይ ‘ ኦ ፈታውየይ መጽሓፍ
ስለ ዝጸሓፍካለይ ብኣኻ ደስ ኢሉኒ`ሎ’ ኢላ ከም ዝተገለጸትሉ ይነግር። ከምኡ ኸኣ ኣብ ተአምር 6.3 ሓደ ሰብ “ወረከብኩ በውስተ፡
መጽሐፈ ፍልሰታ ዘይብል ገደፉ በድና ለማርያም ድንግል በ፪ኤ፡ እንዘ ይወስድዋ ከመ ይቅብርዋ ሶበ መጽኡ ኅቤሆሙ አይሁድ በእንተዝ
ገደፉ በድና’ ሽዑ ኣብ ውሽጢ መጽሐፍ ፍልሰታ ሓዋርያት ንድንግል ማርያም ኪቐብርዋ ኂዞማ እናኸዱ ከለዉ ኣይሁድ ናብኦም መጹ። ሓዋርያት
ከኣ በድና ገደፍዎ ዚብል ረኸብኩ። እንተኾነ ግና ናይ ክብርቲ ኣዴና ቅ.ድ.ማርያም በድኒ ገዲፎሞ ከም ዘይሃደሙ መንፈስ ቅዱስ ገሊጹለይ
ኣሎ። መንፈስ ቅዱስ ስለ ዘጽንዖም ንግርፋት ኪፈርሁ ኣይክእሉን እዮም ”ይብል። እዚ መንነቱ ዘይገለጸ ጸሓፊ ኸኣ ቀጺሉ ብዛዕባ
እቲ ዝምጒተሉ ዘሎ ኣርእስቲ ሠለስተ መወከሲታት ይጠቅስ። “ ንክብርቲ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ኣብ መገዲ ሓዲጐማ ከም ዘይሃደሙ፡
ኣብቲ ብዛዕባ ፍልሰታ ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ዝዛረብ መጽሓፍ ሰሚዕናዮ ኣሎና። ካልኣይ`ውን ኣብቲ ብዛዕባ ዕርገታ ዝነግር
መጽሓፍን ኣብ መጽሐፈ ስንክሳርን ሰሚዕናዮ ኣሎና”። ኣብ ቁ.16 ኸኣ መጽሐፈ ፍልሰታ ዝጸሓፈ ዮሐንስ ወንጌላዊ እዩ ይብለና። ኣብ
ቁ.18 `ንሱ ባዕሉ እቲ ዝጸሓፎ ነገረኒ’ ይብል። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ መጽሐፈ ፍልሰታ ብሓዋርያ ዮሐንስ ቅድሚ አባ አብርሃም
ከም ዝተጻሕፈ ይምጒት። ንሱ ኸኣ ብቐጥታ ካብ ሓዋርያ ከም ዝተቐበለ ገይሩ ኸኣ ገዛእ ርእሱ ይገልጽ።
መጽሐፍ ተአምረ ማርያም እምበኣር ብዛዕባ ጸሓፍቱ ንጹር ዝኾነ መልእኽቲ ዘቀምጥ መጽሓፍ ኣይኮነን።
ብዛዕባ እቶም ጽሒፎሞ ተባሂሎም ብስም ተጠቒሶም ዘለዉ`ውን ካብ ስሞም ወጻኢ ብዛዕባኦም ዝተጻሕፈ ነገር የለን። ብዛዕባ ዝነበርዎ
ዘመን፡ ዝነበሮም መንፈሳዊ ሓላፍነትን ዝነበርዎ ቦታን ዝጸሓፍዎም ካልኦት መጻሕፍትን ዘየውስእ መጽሓፍ ብምዃኑ ክስውሮ ዝደለየ ነገር
ከም ዘሎ ዘእንፍት እዩ። ስለዚ ኸኣ ብንጹር ጸሓፍቲ ብዛዕባ ዝነበሮም መንፈሳዊ ብስለትን መለኮታዊ ርድኢትን ከምኡ`ውን ምስ ቅዱስ
ቃል ኣምላኽ ዝነበሮም ሕብረትን ዝምድና ኣጸቢቕና ከይንፈልጥን ከይንርዳእን ከይንምርምርን እቲ ብዛዕባኦም ዝተጻሕፈ ነገር እኹል
ብዘይ ምዃኑ ደራቲ እዩ።
No comments:
Post a Comment