ቃላት እግዚኣብሄር ጽሩይ ቃላት እዩ፣ ብመምከኽ መሬት ዝጸረየ፣
ሾብዓተ ሳዕ እተዀልዔ ብሩር እዩ። መዝ12፡6
ቅዱስን ሕያውን ዝኾንካ
ኣምላኽና ስምካስ ኮን ኣብ ኲላ ምድሪ ክንደይ ዓቢይ`ዩ፧ ጥበብካ ረቂቕ ኣእምሮኻ`ውን ኣይምርመርን`ዩ እሞ ኣምላኸይ አመስግነካን
እባርኸካን ኣሎኹ።
ውሽጣዊ መርትዖ ጸሓፊ/ጸሓፍቲ ተአምረ ማርያም
መቅድመ ተአምረ ማርያም “ ዝንቱ መጽሐፈ ሥርዓት ዘወጽአ እመንበረ ማርቆስ ሐዋርያ እመካነ መዓልቃ
ዘምስር፡ እዚ ናይ ሥርዓት መጽሓፍ ካብ ክፍሊ ሃገር ግብጺ ካብ መዓልቃ ካብ መንበረ ማርቆስ ዚወጸ እዩ” ድኅሪ ምባሉ ኣስዒቡ ኸኣ
ከምዚ ይብል ‘ ብዘመን አባ ሚካኤልን አባ ገብርኤልን ዝበሃሉ ጳጳሳት፡ አባ ዮሐንስ`ውን ኤጲስቆጶስ ክኸውን ኣብ ዚተሓረየሉ ወርኃት
ካብ ምድሪ ግብጺ ናብ ምድሪ ኣግኣዚ ምስ መጹ ኣብ ሣልሳይ ዓመት እዚ ናይ ሥርዓት መጽሓፍ ካብ ቛንቋ ዓረብ ናብ ቛንቋ ግእዝ ንምእመናን
ሕዝቢ ኣግኣዚ ተተርጐመ። ብመሠረት እዚ መጽሓፍ፡ ምንጩ ካብ መንበረ ማርቆስ ዘምስር እንተኾይኑ፡ እቲ በዂሪ ጽሑፍ ኣብ መንበረ
ማርቆስ ኣሎ`ዶ፧ ግብጻዊት ቤተ ክርስቲያን`ከ እዚ መጽሓፍ`ዚ ኣሎኒ፡ ዋንነቱ ኸኣ ናተይ`ዩ ኢላ ትፈልጥ`ዶ፧ ብርግጽ`ዶ`ኸ እቲ
ብቛንቋ ዓረብ`ዩ ተጻሒፉ ዝተባህለ መጽሐፍ ህልው`ዩ፧ በብእዋኑ ኣብ ግብጺ ዝነበሩን ኣብኡ`ውን ዝተባህሩ ኣገልገልቲ ኸኣ ብዛዕባ
እዚ ካብ ቛንቋ ዓረብ ተተርጒሙ`ዩ ዝተባህለ መጽሓፍ ሓቲቶምን ጥንታዊ ሰነድ ክምርምሩ ውን ጽዒሮም ከም ዘይረኸቡ ይምስክሩ እዮም።
መቅድም ተአምረ ማርያምን ውሽጣዊ ትሕዝቶኡን ኣብቶም ጸሓፍቲ ዘለዎም ግንዛቤ ዝተፈላለየ እዩ። መጽሐፈ
ተአምረ ማርያም ኣጸሓሕፍኡ ኾነ ውሽጣዊ ትሕዝቶኡ ከም ካብ ዓረብ ዝተተርጐመ ዘይኮነስ ካብ ምድርና ብዝኾኑ ጸሓፍቲ ዝተደርሰ መጽሓፍ
እዩ። ሱር መሠረት እዚ መጽሓፍ`ዚ ካብ ግብጺ ከም ዘይኮነ ኸኣ ባዕሉ ፍረ እቲ መጽሓፍ ብግህዶ ይሕብር። ኣብ ግብጺ ተፈጺሞም ዝተባህሉ ተአምራት`ኳ እንተ ኣካተተ ዓቢይ ኣተና እቲ
መጽሓፍ ግን ኣብ ምድሪ ግብጺ ዘይኮነስ ኣብ ምድረ ኣግኣዚ እዩ። ንልዕልና ንጉሥ ዘርአያዕቆብን ኣብ ዘመኑ ንዝነበረ ሃይማኖታዊ፡
ፖለቲካዊ ኣረኣእያታትን ብደቂቕ ዝትርኽ፡ ንሕዝቢ ምድረ ኣግኣዚ ዘግንን ንግብጻውያን ከኣ ኣትሒቱ ዘቐምጥ፡ ስሕበት`ዚ መጽሓፍ ንቦታታትን
ኣስማትን ኣነባብራን ምድረ ኣግኣዚ ዘጉልሕ ብምዃኑ ካብ ቛንቋ ዓረብ`ዩ ናብ ግእዝ ተተርጒሙ ክበሃለሉ ዘኽእል ትሕዝቶ የብሉን።
መፈለጥታ ሓደ ካብ ካልእ ቛንቋ ዝተተርጐመ
ጽሑፍ፡ ኣስማት ቦታታትን ሰባትን ከም ዘለዎ ስለ ዘቐምጥ እዩ። ኣብቲ በዂሪ ጽሑፍ ዘለዉ ኣስማት ቦታታት ኮነ ሰባት ጐደናታት….ወዘተ፡
ኣብቲ ትርጒም ከም ዘለውዎ ኢና እንረኽቦ። መጽሐፈ ተአምረ ማርያም ግን ከምኡ ኣይኮነን፡ ትርጒም ክነሱ ስም ቦታታትን ኣስማትን
ልምድታትን ምድረ ኣግኣዚ እዩ ዘስፍር። ኣስማት ቦታታት፦ተከዘ፡ ሽረ፡ ዋሊ፡ ሙገር፡ደዋሮ፡ ወግዳ፡ መርሐ ቤቴ፡ ኢፋት፡ ትግራይ፡የረር፡
አግአዚ፡ ደብረ ብርሃን፡ ዳሞት፡ ጎጃም፡ ኣኽሱም፡ መጠራ፡ ጣና፡ ሀዘሎ፡ ደብረ ወገግ፡ ዝቛላ…ወዘተ። ኣስማት ሰባት፦ ሠረቀ ብርሃን፡
ዘሚካኤል፡ አስከናፍር፡ ዘርዑ፡ ያሬድ (ማኅሌታይ)፡ አባ ጊዮርጊስ፡ ዘርዐያዕቆብ፡ ዘርዐ ክርስቶስ፡ ዘርዐሐዋርያት…..ወዘተ። ታሪኻዊ
ፍጻሜታ፦ ኣብ ዘመን ንጉሥ ዘርአያዕቆብ ከም መንፍቓን ዝተቖጽሩ ትምህርቲ ደብረ ጽዮን ሰንበትን ዘይቅበሉ ከም እኒ መነኮስ ዮሐንስን አባ ዘሚካኤልን። ከምኡ`ውን መጽሐፈ ተአምረ
ማርያም ዘይተቐበሉ፡ንማርያምን መስቀልን ኣይንሰግድን ዝበሉ ደቂቀ እስጢፋ ዝበጽሖም ግፍዕን ፍርድን ተጻሒፉ ይርከብ። ስለዚ እምበኣር
ብመሠረት ትሕዝቶ መጽሐፈ ተአምረ ማርያም፡ ሱር እዚ መጽሓፍ`ዚ ሀገረ ግብጽ ዘይኮነትስ ምድረ ኣግኣዚ እያ። ንምንታይ ደኣ ካብ
መዓልቃ ዘምስር`ዩ ተተርጒሙ ክበሃል ኣድለየ፧ በዚ ምኽንያት`ዚ ኸኣ`ዩ መጽሐፈ ተአምረ ማርያም ብዛዕባ ጸሓፍቱ ንጹር መልእኽቲ
ከስፍር ዘይከኣለ፡ እዚ ተግባር`ዚ ኸኣ ንሚዛን እዚ መጽሓፍ ባይታ ኣዝቢጥዎ ይርከብ። `ሓቂ ሓራ ከተውጽኣኩም እያ’ ከም ዝበለ
ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ሚዛን ቃል ኣምላኽ ንሓቂ ዝዂልዕ፡ ንሓሶት ግን ከም ክንቲት ዘፍኩስን ዘዋርድን እዩ። እዝኒ ዘለዎ ይስማዕ!
No comments:
Post a Comment