Saturday, July 9, 2022

መድኃኒት

 

መድኃኒት

ብእኡ ዚኣምን ኵሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር፡ ከይጠፍእሲ፡ ከምቲ ሙሴ ኣብ በረኻ ተመን ዝሰቐለ፡ ከምኡ ድማ ወዲ ሰብ ኪስቀል ይግባእ እዩ። ወንጌል ዮሃንስ 3፡14-15

ኣብ ዓለም እቲ ክሳዕ ሎሚ ዘሎ ብርቱዕ ሕማም ሓጢኣት እዩ። ካብታ ሓጢኣት ናብ ዓለም ዝኣተወላ እዋን ከኣ ሞት ኣብ ልዕሊ ኲሉ ነገሠ። ቅዱስ መጽሓፍ ከኣ ከምዚ ይብል “ብሰሪ ሓደ ሰብኣይ ኃጢኣት ናብ ዓለም ኣተወ፡ ብምኽንያት ኃጢኣት`ውን ሞት መጸ፡ ኲላቶም ስለ ዝበደሉ ድማ ሞት ናብ ኲሉ ሰብ ተመሓላለፈ (ሮማ5፡12)”። ካብ ኣዳም ዝተወልደ ዘበለ ዂሉ ኸኣ ካብዚ ሕማም እዚ ሓራ ዝኾነ ሓደ እኳ የልቦን። ምእንትዚ ኸኣ እዩ ሰብ ወርትግ ብፍርሃት ሞት ዝሳቐ። “ብርቱዕ ሕማም ካብ ሞት ነሓልፍ” ዚብሃል ምስላ ኸኣ ነቲ ድኅሪ ብርቱዕ ሕማም ዝመጽእ ሞት ዝነግር እዩ። እዚ ማለት ከኣ እቲ ብርቱዕ ሕማም፡ መድኃኒት እንተ ዘይተረኺብሉ ሞት ዘስዕብ ምዃኑ ብግህዶ ይዛረብ። ብርትዐ ዝኾነ ይኹን ሕማም ዝግታእ ከኣ ብመድኃኒት እዩ። ንሓኪም ዝደልይዎስ ሕሙማት`ዶ ኣይኮኑን፧ ነቶም ሕሙማት ዘድልዮምስ መድኃኒት’ዶ ኣይኮነን፧

ነፍሲ ወከፍ ሰብ ክግንዘቦ ዘለዎ ነገር እምበኣር ካብ ብኃጢኣት ዝሓመሙ ኣቦን ኣደን ዝተረኽበ ብምዃኑ ንሱ/ንሳ ሕሙማት ምዃኖም እዩ። ካብ ኣዳምን ሔዋንን ዝተወልደ ኲሉ ኸኣ ብሕማም ዝተወልደ እዩ፡ በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ካብ ሰብ ሓደ`ኳ ጥዑይ ብዘይ ምንባሩ መድኃኒት ክርከብ ኣይተኻእለን። ‘ኲሎም ኃጢኦም ክብሪ ኣምላኽ ውን ስኢኖም’ ዚብል ጽሑፍ እዩ።

ኣኅዋተየ እስራኤል ኣብ ምድረ-በዳ ክጎዓዙ ከለዉ ስለ ዝበደሉ፡ ብመርዛማት ኣትማን ተነኺሶም ክሞቱ ምስ ጀመሩ፡ ኣምላኽ ንእስራኤል ሓደ መድኃኒት ሃቦም፡ “እግዚኣብሄር ከኣ ንሙሴ፡ ዚነድድ ተመን ንኣኻ ግበር፡ ኣብ ባላ ድማ ስቐሎ። ኪኸውን ከኣ እዩ፡ እተነኽሰ ዘበለ ናብኡ እንተ ጠመተ፡ ኪሓዊ እዩ(ዘኁልቅ 21፡8”። እዚ ኣብ ባላ እተሰቅለ ተመን ኣስራዚ ኸኣ ነቶም ብእምነት ዝጠመትዎ ናይ ሞት መድኃኒ ኮኖም። ንሱ ኣይበደለን እንተኾነ መርገሞም ተሰኪሙ ኣብ ዕንጨይቲ ተሰቕለ፡ ነቶም ዝጠመትዎ ኲሎም ከኣ መድኃኒት ኮነ። ኣቐዲሙ ከም ዝተባህለ እምበኣር ካብ ሰብ ሓደ`ኳ ጥዑይ ብዘይምንባሩ ኣምላኽ ንሰብ ስለ ዘፍቀሮ፡ ሰብ ምእንቲ ከይጠፍእ ካብ ሰማያት መድኃኒት ለኣኸ። ነፍሲ ወከፍ ሰብ ምእንቲ ከይመውት መድኃኒት ናብ ዓለመ ሕሙማት መጸ። እዚ መድኃኒት እዚ ኸኣ ብዘይካ ኃጢኣት(ሕማም) ብዂሉ ነገር ከማና ኮነ። ከምቲ ሙሴ ኣብ ምድረ-በዳ ተመን ኣስራዚ ዝሰቐለ`ሞ ንሱ ኸኣ ጊዚያዊ መድኃኒት ዝኾነ፡ ወዲ-ሰብ (ኢየሱስ ክርስቶስ) ከኣ ሕማም ብዙኃት ጸይሩ፡ ኣብ ቀራንዮ ተሓምሸሸ። “ብሓቂ ንሱ ንሕማምና ጾሮ፡ ንስቓይና ኸኣ ኣብ ነፍሱ ጸዓኖ፡ ንሕና ግና ከም እተወቕዔን ብእግዚኣብሄር ከም እተቐዝፈን ከም እተዋረደን ጌርና ኣቋጸርናዮ።ንሱ ግና ብሰሪ ገበንና ቘሰለ፡ ብሰሪ ኣበሳና ድማ ተኸትከተ፡ ንሕና ሰላም ምእንቲ ኽንረክብ፡ መቕጻዕቲ ናብኡ ወረደ፡ ንሕናውን ብስምብራቱ ሓዌና(ኢሳይያስ 53፡4-5)”። ክርስቶስ ኢየሱስ እምብኣር ኣብ ክንዳይ፡ ኣብ ክንዳኻ፡ ኣብ ክንዳኺ፡ ኣብ ክንዲ ኲሉ ሰብ መርገምና ጸይሩ ተሰቒሉ እዩ። ንሕሙም ብዛዕባ መድኃኒት ምስማዕን ምንባብን ጥዕና ክኾኖ ኣይክእልን እዩ፡ ወይ ውን ነቲ መድኃኒት ኣብ ኣእዳዉ ብምጭባጡ ጥዕና ክረክብ ኣይክእልን እዩ፡ ጥዕና ክረክብ እንተደኣ ኮይኑ ነቲ መድኃኒ ክውሕጦ ኣለዎ። እቲ መድኃኒት ብዝኾነ ይኹን መገዲ ናብ ውሽጢ ኣካላቱ ክኣቱ ኣለዎ። ኦ! ኃወይ፡ ኃብተይ ነዚ ካብ ዘለዓለማዊ ሞት ከድኅን ዝኽእል እንኮ መድኃኒት ተቐቢልካ ውሒጥካዮ ዲኻ፧ እንተዘይ ውሒጥካዮ ኣብ ብርቱዕ ሕማም ኢኻ ዘሎኻ እሞ ፍጠን፡ ንመድኃኒትካ ተቐበሎ፡ ብእኡ ኸኣ ሕይወት ክትረክብ ኢኻ። ንመድኃኒትካ/ኪ ክትውሕጦ/ጥዮ ልብኻ/ኺ እንተኸፈትካ/ኪ ነዚ ጸሎት ብእምነት ጸልይ/ዪ ሕይወት ምስ ትርፉ ኸኣ ክኾነልካ/ኪ እዩ።

ጸሎት


ኦ ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ እደልየካ ኣሎኹ፡ ካብ ሕማመይ ከተናግፈኒ ዝተሰቐልካ፡ ከምኡ`ውን ንኣይ ከተጽድቕ ካብ ምዉታን ዝተንሳእካ ምዃንካ እኣምን ኣሎኹ። ብልበይ ነዚ ነገራት’ዚ ኣሚነ ብኣፈይ ከኣ ኢየሱስ ጐይታ ምዃንካ እምስክር ኣሎኹ። ነቲ ምስ ሞት ዝነበረኒ ኪዳን ኣፍሪሰ፡ ብደምካ ምሳኻ ሓድሽ ኪዳን እኣቱ ኣሎኹ። ሕይወተይ ናትካ እያ`ሞ መድኃኒተይ ብእምነት ተቐቢለካ ኣሎኹ። ብስም ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ጸለኹ፡ ኣሜን።


No comments:

Post a Comment