ይቕሬታ
እግዚኣብሔር ከምዚ ይብል
ኣሎ፦ “ሕዝበይ ናባይ ተመለሱ። ኣዓርዩ፡ ኣዓርዩ፡ መገዲ ጽረጉ፡ ካብ መገዲ ሕዝበይ መዓንቀፊ ኣርሕቑ። ኢሳ57፡14
ክቡራት ኣኅዋተይን ኣኃተይን ነበብቲ እዚ ጽሑፍ፡ ቅድሚ ዂሉን ልዕሊ ዂሉን ነቲ ሕያው ዝኾነ ዘለዓለማዊ
ኣምላኸይ ይቕሬታ ክሓትት እደሊ፡ ልበይ ውን ኣብ ቅድሚኡ አፍስስ። ንሱ ዘለዓለማውን ሓቀኛን ኣምላኽ`ዩ፡ መጽሓፍ ከም ዝምስክሮ
ኸኣ ኲሉ ሰብ እኳ ሓሳዊ እንተኾነ ኣምላኽ ሓቀኛ እዩ። ብዛዕባ መጽሐፈ ተአምረ ማርያም ክሓስብ ከለኹ፡ ነፍሰይ ኣብ ውሽጠይ ትፈስስ፡
እቲ ንኣምላኽ ከም ቃሉ ዘይምፍላጥና ዘስዓቦ ዕንወት ከኣ ወለዶታት ብኸንቱ ዝኾነ ስሑት ትምህርቲ ክነብሩ ዝገበረ ስለ ዝኾነ ከቢድ
ኃዘን ኣሎኒ። ንልዕልና እቲ ልዑል ኣምላኽን ዘለዓለማዊ ኃይሉን፡ ነቲ ንደቂ ሰብ ዘርኣዮ ዓቢይ ፍቕርን ኸኣ ከም እምንት ወሲድና
ምንዓቕና ከም እንድቆስን ኣብ መቚሕ ጸላኢ ከም እንኣቱን ገበረና እምበር በረኸት ኣየምጽኣልናን። ንደም ክርስቶስ ኢየሱስ በእጋርና
ረጊጽና፡ ነቲ ስቑል ኢየሱስ ከኣ ካብ መስቀል ኣውሪድና፡ ናትና እንብሎ ነውሪ ከም ሰንደቕ ዓላማ ሰቒልና ምንብልባልና ዘስተውዓሎ
መን`ዩ?
ኦ እግዚኣብሔር! ንስኻ ንዚፈትውኻን ትእዛዛትካ ንዝሕልዉን ኪዳንካ እተጽንዕ፡ ምሕረትካ`ውን እትገልጽ
ዓቢይን ክቡርን ኣምላኽ ኢኻ። “ ንሕና ኃጢኣት ገበርና፡ ኣበስና፡ ኃጥኣንን ዓለውትን ኮንና፡ ካብ ትእዛዛትካን ካብቲ ቕኑዕ መገድኻን
ኣልገስና”። ኦ ዘለዓለማዊ ኣምላኸይ እነሆ ንበደለይን በደል ኣቦታተይን ኣዴታተይን እእመን ኣለኹ። ነቲ ሓቀኛን እሙንን ዝኾነ ቃልካ
ብዘይምኽታልና ካባኻ ዓሊና ኢና’ሞ ኦ! ጐይታ ምሕረት ግበረልና። ነቶም ብስምካ ዝተነበዩ ነቢያትን ሓዋርያትን ክንሰምዖም ኣይከኣልና፡
ንሓቂ ከዲንና ንሓሶት ከኣ ተሰሊምና ኣጒሂናካ ኢና`ሞ ብስም ቅዱስ ወድኻ ኢየሱስ ክርስቶስ ምሕረት እልምን ኣሎኹ። ኣእዳውና ከም
ብርዒ ቅጡፍ ጸሓፊ ፈጢነን ኣብ ልዕሌኻ ዓመጽን ነውርን ስለ ዝጽሓፋ ኦ ጐይታ ይቕረ በለልና። ኣእዳውና ኣብ ልዕሊ እቶም ሓቂ ዝተዛረቡ
ተወርዊረን ስለ ዘሳቐያ፡ ኣእጋርና`ውን ንምፍሳስ ደም ንጹሃት ስለ ዝፈጠና በዲልናካ ኢና`ሞ ይቕረ በለልና።
ኦ! ኣቦ ብዘለዓለማዊ ጻውዒት ብክርስቶስ ኢየሱስ ጸዊዕካና ክነስኻስ፡ ነቲ ካብ ሰማይ ዝመጸ ድምጽኻ
ራሕሪሕና ንትምህርቲ ስሑታት መናፍስትን ኣጋንንትን ስለ ዝሰዓብና ዓመጽቲ ኮይንና ተረኺብና ኢና`ሞ ይቕረ በለልና። መንፈስ ቅዱስ
ንዝተቓወሞን ዝተጸየፎን ትምህርቲ ልባትና ከፊትና ብደስታ የእቲናዮ ኢና`ሞ ኦ ኣምላኸይ፡ በዓል ዓቢይ ምሕረት ይቕረ በለልና። ኦ
ኣምላኽ ምለሰና፡ ነቲ ዝፈረሰ መሠውዒና ሓድሶ፡ ደጊምካ ብምሕረትን ብሓድሽ ሕይወትን ብጽሓና። ከማኻ ዝበለስ ሓደ`ኳ የልቦን እሞ
ንሕሙም ልባትና ፈውሶ፡ ብዘይትኻ ዘንኖ። ኣምላኸይ ንስኻ ንስቡርን ቅጥቅጡን ልቢ ኣይትንዕቖን ኢኻ። በደልናን ኣበሳናን እኸሰና
ኣሎ፡ ንዓኻ ብምብዳልና ሰላም ኣይረኸብናን፡ ፍትሒ ውን ካብና ኣዝዩ ርሒቑ እዩ፡ ነታ ሓቂ ስለ ዝኸደንናያስ ንሕሱር ኣእምሮን ምህሮ
ኣጋንንትን ክንግዛእ ኣሕልፊካ ሃብካና። ኣቦየ! መሓረና ምሕረትካ መወዳእታ የብሉን። ነቲ ተሰኪምናዮ ንብዙኅ ዘመናት ዝመጻና ነውሪ
ብስም ኢየሱስ ክርስቶስ ወድኻ ኣንከባልሎ። ወለዶታት ዝበልዐ፡ ኣእምሮና ክብሪ ክርስቶስ ከይምልከት ዝጋረደ፡ ምድርና ብበረኸት ከይተንጀርብብ
ዝገበረ፡ ጸረ ወንጌልካ ዝኾነ ስሑት ምህሮ ብስም ኢየሱስ ወድኻ ካብ ልቢ ሕዝበይን ምድረይን ይነቐል። ከምቲ ሓዊ ንሓሰር ሞኽ ዘብሎ፡
ስምካ ኢየሱስ ሓዊ እሞ ነቲ ኣብ ልቢ ብዙኃት ዝተዘርአ ክርዳድ ሞኽ የብሎ።
ቃልካ ሓቂ እዩ፡ ቃልካ ብርሃን እዩ፡ ቃልካ መድኃኒት`ዩ እሞ ኣምላኸይ ብቓልካ ፈውሰና፡ ቃልካ ንምድርና
በረኸት`ዩ ነቲ ጸላኢ ዝዘርኦ ክርዳድ ከኣ ነቒሉ ከውጽእ ብቑዕ እዩ። ኦ ኣምላኸይ ኣባኻ እውከል ኣሎኹ። ንስኻ ኸኣ ብሓዊ እትምልስ
ሕያው ኣምላኽ ምዃንካ ኣጸቢቐ እፈልጥ ኣሎኹ። በዚ ወለዶ`ዚ ሠናያትካ ስለ ዘርኣኻና፡ ንዕዉር ልባትና ውን ስለ ዘብራህካዮ አመስግነካ
ኣሎኹ። ኣብ መንጋጋ ጸላኢ ወዲቕና ብኸንቱ ክንጠፍእ ስለ ዘይፈተኻ፡ ብደም እቲ እንኮን መድኃንን ወድኻ ኢየሱስ ክርስቶስ ሓጺብካ
ብርሃን ስለ ዝሃብካና ኪኖ ቃላት ብዝኾነ ምስጋና አመስግነካ ኣሎኹ። ነስናን ኲሎም ጸላእትና ሓምሺሽካዮ ኢኻ`ሞ ተመስገን። ሃሌሉያ!
ብስም ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ እባርኸካ ኣሎኹ።
No comments:
Post a Comment