ኣቱም ብቓሉ እትርዕዱ፡ ቃል እግዚኣብሄር ስምዑ! ኢሳ66፡5
“ ኣብቲ ሽጉርን ድቑስን መንፈስ ዘለዎን ብቓለይ ዚርዕድን ሰብ ደኣ እየ ዝጥምት ዘሎኹ” ኢልካ ኢኻ`ሞ
ኦ ጐይታ እዚ መንፈስ’ዚ ሃበና። ቓልካ ክቡርን ሠናይን’ዩ እሞ ብእኡ ክንርዕድን ንቓልካ ከነኽብርን መንፈስካ ኣፍስሰልና ብስም
ቅዱስ ወድኻ ኢየሱስ ኣሜን።
ሞት ብጥሪ ብነሐሰ ቀብሪ
እግዚኣብሔር ኲሉ ሳዕ ጻድቕን ሓቀኛን`ዩ ንሱስ ከይርስዕ ሰብ
ኣይኮነን፡ ከይሕሱ ኸኣ ወድ ሰብ ኣይኮነን። ሕግታቱን ፍርድታቱን ከኣ ሓቅን ጽድቅን እዩ። መጽሐፈ ተአምረ ማርያም ታእላው ዘይብሉ
ስሑት ምህሮታት ዘካተተ መጽሓፍ ምዃኑ ነፍሲ ወከፍ ነባቢ ከስተውዕሎ ጀሚሩ ኣሎ። ብዛዕባ ፍልሰታ ለማርያም ከኣ ሰፊሕ ሸፈነ ተዋሂብዎ
ተመዝጊቡ ይርከብ። ንሓድሕዶም ዝጋጨዉ ክፍልታት ተአምረ ማርያም ክንርእን ክንምርምርን ኢና`ሞ ልቦናኹም ኣልዕሉ፡ ኣእምሮኹም’ውን
ኣብልሑ፡ እቲ ዝጠቅም ከኣ ምስ ቓል ኣምላኽ ምውጋን እዩ።
ተአምር ፫ (ገጽ39-42)
·
ሞታ፡ 2. ብዕለት ዕሥራን
ሓደን ጥሪ ብሰላም ዓረፈት።
·
ሓዋርያት ብምፍርራህ ኣይሁድ ከም ዝሃደሙ፡ 4-5 ሓዋርያት ነዚ ኣብ ዝሰምዕሉ ጊዜ ገደፍዋ ብዘይካ እቲ ወዳ ዘፍቅሮ ሓዋርያ ዮሓንስ ምስኣ ዝተረፈ
ኣይነበረን። ብድኅርዚ ኣይሁድ ብፍጹም ቊጥዓ መጹ፡ ገብርኤል መልኣኽ ምስቲ ኣብ ሕልናኡ ጸላኢ ሠናያት ቦታ ዘይነበሮ ክቡር ሓዋርያ
ዮሃንስ ኮይኑ ወሰዳ። ኣብ ትሕቲ ዕፀ ሕይወት ኣብ ገነት`ውን ኣንበርዋ፡ ንነፍሳ ኸኣ ገብርኤል መልኣኽ ኣዕረጋ።
·
ኣይሁድ ንበድኒ ከም ዝሰኣንዎ ፡ 6 ሽዑ ኣይሁድ ንበድኒ ን/ኣ/ድ/ሥ/ነ/ክ/ኣ/ቅ/ድ/ ማርያም
ደልዮም ናብ ቤታ ኣተዉ፡ እንተኾነ ግና ሰኣንዋ።
ተአምር ፬ (43-46)
·
ዝዛረብ በድኒ(ሬሳ)፡ 2
ሓዋርያት ንወላዲቱ ክገንዝዋ ኣብ ዝተኣከብሉ ጊዜ፡ን/ኣ/ድ/ሥ/ነ/ክ/ኣ/ቅ/ድ/ ማርያም ካብ ፍቊር ወዳ ዓቢይ ክቡርን ምስጋና ከም
ዚተቐበለት ነገረቶም።
·
ታዉፋንያን በድኒ ማርያምን፡ 5 ሽዑ ታውፋንያ ካብቲ ተቐሚጥዎ ዝነበረ ተንሲኡ፡ ንበድኒ ን/ኣ/ድ/ሥ/ነ/ክ/ኣ/ቅ/ድ/ ማርያም ፄርዎ ንዝነበረ
ዓራት ኪድርብዮ ኣእዳዉ ዘርግሐ።
·
ዝዛረብ በድኒ(ሬሳ)፡ 10 ሽዑ ርኅራኄ ዝልማዳ ክብርቲ ኣዴና ቅ/ድ/ማርያም ንሓዋርያ ጴጥሮስ ነተን ዝተቖርጻ ኣእዳዉ ኣብዚ ዓራት ጠልጠል ኢለን
ተሪፈን ዘለዋ ምስ ኣካሉ ኣላግበን እሞ ከምቲ ቅድም ዝነበራኦ ኪኾና እየን ኢላ ኣዘዘቶ።
· ሥጋ ወላዲቱ ክብስብስ ፍታዉ ኣይኮነን፡ 15 ወዳ መድኃኔ ዓለም ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ሥጋ ወላዲቱ ኣብዚ
ዓለም ኪብስብስን ኪተርፍን ፍታዉ ከም ዘይኮነ ስለ ዘይፈልጡ፡ ከሓድትን ዓያሹን ኣይሁድ ንዑ ንሥጋ ናይ ማርያም ብሓዊ ነቃጽሎ ተበሃሃሉ።
ተአምር ፭ (47-49)
· ንመግነዝ ኢድ ዝነስአ ኢየሱስ፡ 2 ወልደ ነጐድጓድ ዮሓንስ “ ንመግነዝ ኢድ እናነሥአ መድኃኔ
ዓለም ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ወላዲቱ ንዝተገነዘትሉ መግነዝ ብዙኅ ጊዜ ከኽብሮ ‘ ኣነ ርእየዮ እናበለ ተዛረበ።
እቲ ዘንብብ የስተውዕል ተባሂሉ`ዩ እሞ ነፍሲ ወከፍና ከነስተውዕልን
ክንምርምርን ይግበኣና እዩ። ብሃሰሰ ለባም ዝኽየድ መገዲ ከቶ የልቦን። ኣብ ዝቕጽል ክፋል ተአምር 6ን7 ዚብልዎ ሓሳባት ርኢና
ነዚ ሓሳብ ብቓል ኣምላኽ መዚንና ክንድምድሞ ኢና፡ ክሳዕ ሽዑ ነዚ ክፍሊ`ዚ መርምርዎ፡ ሓድሕዳዊ ተጋጫዊ ሓሳባትን ምህሮታትን ከኣ
ብቓል ሓቂ ምዘንዎ፡ ኣብ ቅድሚ ቅዱስ መጽሓፍ ከኣ ከምቲ ብሓዊ ዝቃጸል ሓሰር እዮም። ጸጋ ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ምሳኹም ይኹን።
No comments:
Post a Comment