ስለዚ እቲ ንዘለኣለም ዚነብር ልዑልን ዕዙዝን ቅዱስ ዝስሙን
ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኣብቲ ልዑልን ቅዱስን ስፍራ እነብር ኣሎኹ፡ ግናኸ ንመንፈስ ትሑታት ህያው ክገብሮ፡ ንልቢ ድቑሳት ከኣ ህያው
ክገብሮስ፡ ምስቲ ድቑስን ትሑትን መንፈስ ዘለዎ ሰብ ድማ እነብር ኣሎኹ። ኢሳ57፡15
ኦ ዘለዓለማዊ ኣምላኸይ ስምካ ይባረኽ፡ ከማኻ ዝበለስ ሓደ’ኳ የልቦን። ንስኻስ በይንኻ ንውሉድ ወለዶታት
ኣምላኸ ኢኻ። መንበሪኻ`ውን ልዑል እዩ።
ሞት ብጥሪ፡ ብነሓሰ ቀብሪ
ኣምላኸይሲ ጻድቕን ህያውን እዩ፡ ዘመናት ክስዕርዎ ዘይክእሉ ልዑል`ዩ። መጽሐፈ ተአምረ ማርያም ንዕቤት
ኣምላኸይ ከዕኑ ዝተጻሕፈ፡ መንፈስ ኣምላኽ ዘይብሉ መጽሓፍ ምዃኑ እነሆ ከም ጸሓይ ቀትሪ ደሚቑ ይረአ ኣሎ። `ሞታ ብጥሪ’ዩ ቀብራ
ኸኣ ብነሓሰ’ዩ’ ዚብል ሓሳብን፡ ኣይኮነን ‘ሞታ ብጥሪ፡ ቀብራ`ውን ብጥሪ እዩ’ ዚብል ሓሳብ’ውን ዘካተተ ተጻራሪ መጽሓፍ እዩ።
ወሲኹ`ውን ሓደ ጸሓፊኡ ዘይተገልጸ፡ ካልእ ከኣ ብሓዋርያ ዮሐንስ ዝተጻሕፈ ክልተ ተጻረርቲ መጻሕፍተ ፍልሰታ ከም ዘለዉ ኸኣ ይነግረና፡
ኣቤት! ዕሽነት ለካ ጥበብ ኣምላኽ ክስወር ከሎ፡ ብዘሎ እቲ ምኽሪ ጸልማት`ዩ ዝኸውን፡ ተአምራት 6ን7 ክንምልከት ኢና፡ ልብኹም
ኣልዕሉ፡ ሰይፍኹም ማለት ቃል ኣምላኽ ከኣ ተዓጠቑ።
ተአምር 6 (ገጽ 50-57)
· ኣርእስቲ፡ 1 በእንተ ዘከመ
ገደፉ በድና ለድንግል (ንበድኒ ናይ ድንግል ከም ዚገደፍዎ)
·
ዝተረኽበ መጽሐፍ ፍልሰታ(1ይ)፡ ምህዳም ሓዋርያት፡ 3 “ሽዑ ኣብ ውሽጢ መጽሐፍ ፍልሰታ ሓዋርያት ን/ኣ/ድ/ሥ/ነ/ክ/ኣ/ቅ/ድ/
ማርያም ኪቐብርዋ ኂዞማ እናኸዱ ከለዉ ኣይሁድ ናብኦም መጹ። ሓዋርያት ከኣ ንበድና ገደፍዎ” ዚብል ረኸብኩ።
·
ምስክርነት መንፈስ ቅዱስ፡ 4 እንተኾነ ግና ናይ ክብርቲ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም በድኒ ገዲፎሞ ከም ዘይሃደሙ መንፈስ ቅዱስ ገሊጹለይ
ኣሎ።
·
ሞታ ጥሪ፡ ቀብራ`ውን ጥሪ፡ 12 ሓዋርያት ባዕሎም ከም ዝገነዝዋን ኣብ ጌተሰማን ከም ዝቐበርዋን እነሆ ብግልጺ እነግረኩም ኣሎኹ።
·
ገዲፎማ ከም ዘይሃደሙ ዝገልጹ መርትዖታት፡
1. 13 ንክብርቲ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ኣብ መገዲ ሓዲጐማ
ከም ዘይሃደሙ፡ ኣብቲ ብዛዕባ ፍልሰታ ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ዝዛረብ መጽሓፍ ሰሚዕናዮ ኣሎና።
(2ይ፡ ዮሐንስ ወንጌላዊ ዝጸሓፎ) “ዝረኣየ ከም ዝረኣዮ ይዛረብ፡ ንሕና እቶም ዝሰማዕና ኸኣ ከምቲ ወንጌላዊ ዮሃንስ ብዛዕባ ን/ኣ/ድ/ሥ/ነ/ክ/ኣ/ቅ/ድ/
ማርያም ኣብ መጽሐፍ ፍልሰታ ዝጸሓፎ መሠረት ጌርና ንዛረብ ኣሎና።
2. 14 ካልኣይ ውን ኣብቲ ብዛዕባ ዕርገታ ዝነግር መጽሓፍን
3. ኣብ መጽሐፈ ስንክሳርን ሰሚዕና ሰሚዕናዮ
ኣሎን።
·
ድምጺ ዮሐንስ ወንጌላዊ ዝሰምዐ ጸሓፊ፡ 18 ንሱ(ዮሐንስ) ባዕሉ እቲ ዝጸሓፎ ነገረኒ።
·
ሥራሕ ኣጋንንቲ፡ 21-23 ስለምንታይ ደኣ ናይ ሓሶት ነገር ኃጢኣት ትደልይ፧ ብኣርባዕቲኡ መኣዝን ኣብ ጐደናታት እናዞርካ ንንጹሓት ኣቦታትና ሓዋርያት
ኣብ ልዕሊኦም ነዚ ዘሕፍር ነገር ንምንታይ ኣምጻእካሎም፧ ንበድኒ ንጽሕቲ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ገዲፎሞ ሃዲሞም ኢልካ ደፊርካ
ኪትዛረብ ኣይግብእን እዩ፡ እዚ ሥራሕ ናይ ኣጋንንቲ እዩ፡ ናይ ኣቦታትና ሓዋርያት ኣይኮነን። ዕንቁ ጳዝዮን ወልደ ነጐድጓድ ዮሓንስ
ኣብቲ ብዛዕባ ፍልሰታ ዚነግር መጽሓፉ ከምዚ ይብል፡ “ገኒዞም ሓቚፎም ብፅኑዕ ተሸኪሞም ኢድ ነሲኦም እናበኸዩ ኣብ ጌተሰማን ቐበርዋ
እምበር ኣይደርበይዋን።
ተአምር 7 (ገጽ 57-62)
· ሥጋኣ ዝተነብሮ ዕፀ ሕይወት፡ 3 ድኅሪ ዕረፍታ ሓዋርያት ካብኦም ስለ ዝተፈልየት ይኃዝኑን ይጉህዩን
ነበሩ፡ ዮሓንስ ወንጌላዊ ኣብ እስያ ዝተባህለት ሃገር እናሰበኸ ከሎ ብዕለት ዓሠርተ ሽዱሽተ ነሓሰ ሓጐስን ደስታን ኣብ ዘለዎ ገነት፡
ብመንፈስ ቅዱስ ተመሲጡ ንመድኃኔ ዓለም ንጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብቲ ሥጋ ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ተነቢርዎ ዝነበረ
ኣብ ትሕቲ ዕፀ ሕይወት ተቐሚጡ ረኣዮ።
·
ዕርገት ካብ ገነት ናብ መንግሥተ ሰማያት፡ 5 ሽዑ ሥጋ ናይ ብድንግልና ሥጋን ብድንግልና ነፍስን ዝጸንዐት ክብርቲ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም
ካብቲ ኣብ ትሕቲ ዕፀ ሕይወት(ገነት) ዝነበረ መቓብር ወፀ። መድኃኔ ዓለም ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ድማ ንዒ ናባይ
ኦ! ዘፍቅረኪ ክብርቲ ወላዲተይ ናብቲ ሓጐስን ሰላምን ዝዓሰሎ መንግሥተ ሰማያት ከዕርገኪ እናበለ ተዳህያ።
ኦ ፍቑራት ኣሕዋተይን ኣሓተይን ኣምላኽ ብጽድቂ ክንነብር`ዩ ጸዊዕና፡ ልባትና ከቶ`ውን ንሓሶት ከነግዝኦ
ኣይግበኣናን እዩ። ከምቲ ንፋስ ንየው ነጀው ዘብሎ ማዕበል ባሕሪ ብስሑት ምህሮታት ኣይንግፋዕን ኢና። ከምቶም ሕጂ ዝተወልዱ ህጻናት
ነቲ ጽሩይ መንፈሳዊ ጸባ ማለት ቃል ኣምላኽ ሰቲና ዓቢና ኢና ንዓቢ`ውን ኣሎና፡ ደጊም ብምህሮ ቁልዕነት ክጻወተልናን ክላገጸልናን
ዝኽእል ከቶ የልቦን። ነቲ ዓቢ ኣምላኽ ከነግንን ልዕል ከነብል ተጸዊዕና ኢና፡ ካብ ስሑት ትምህርቲ ተሓለዉ ንጽሁ። ጸጋ ጐይታ
ኢየሱስ ክርስቶስ ምሳኹም ይኹን።
No comments:
Post a Comment