ሮሜ11፡33 ወዳጄ፡ መዓሙቝ ሃብቲ ኣምላኽን ጥበቡን ፍልጠቱን፡
ክንደይ ዘይምርመር ኮታ እዩ ፍርዱ፡ ክንደይ ብኣሰር ኣሰር ዘይርከብ እዩ መገዱ።
ኣቦየ! ብምግራም አመስግነካ ኣሎኹ፡ ንስኻ ከቶ ውን ኣይትምርመርን ኢኻ`ሞ ብስም ኢየሱስ ክርስቶስ
እባርኸካ ኣሎኹ።
ሕሊናሃ ለእግዝእትነ ማርያም ሕሊና አምላክ።
(መቅ. ገጽ 17 ቁ, 26)
ኣብ 5ይ ክፋል ጀሚርናዮ ዚነበርና ጽሑፍ እነሆ ሎሚ ንቕጽሎ ኣሎና፡ ንመዘከርታ ዝኣክል ተመሊስኩም
5ይ ክፋል ተንበብክምዎ ተመራጺ`ዩ እሞ ብትሕትና እሓትት። ኣብ 5ይ ክፋል `ሓሳብ ኣምላኽ` እንታይ ምዃኑ ርኢና ኔርና፡ ሎሚ ኸኣ
‘ሓሳብ ሰብ’ እንታይ ምዃኑ ብመሠረት ቃል ኣምላኽ ክንርኢ ኢና። ከም ሰብ ቤርያ ልብና ኣስፊሕና እንተመርመርና ኸኣ በረኸት ኣምላኽ
ክንቅበል ኢና። ድንግል ማርያም ኣደ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብተፈጥሮ ካብ ዘርኢ ኣዳም ዝተረኽበት ‘ሰብ’ ምዃና ቅድሚ ዂሉ ከነጽሮ
ደስ ይብለኒ፡ እዚ ማለት ብዘሎ ፍጥረታ ከማና እያ ማለት`ዩ።
ሓሳብ ሰብ
· ዘፍ1፡27 ኣምላኽ ድማ ብመልክዑ ሰብ ፈጠረ። ብመልክዕ ኣምላኽ
ፈጠሮ። ተባዕታይን ኣንስተይትን ገይሩ ፈጠሮም።
· መዝ94፡11 እግዚኣብሄር ንሓሳባት ሰብ ከንቱ ምዃኑ ይፈልጦ
እዩ።
· ሕዝ11፡5 መንፈስ እግዚኣብሄር ከኣ ኣባይ ወረደ እሞ፣ እግዚኣብሄርሲ፣
ኣቱም ቤት እስራኤል፣ ንስኻትኩም ከምዚ ትብሉ ኣሎኹም፣ ኣነውን ሓሳባት ልብኹም እፈልጦ እየ።
· መዝ 139፡2 ንምቕማጠይን ምትንሳኤይን ትፈልጦ፣ ንሓሳበይ ካብ
ርሑቕ ተስተውዕሎ።
· መዝ 139፡23 ዎ ኣምላኽ፣ መርምረኒ፣ ልበይ ከኣ ፍለጥ፣ ፈትነኒ፣
ሓሳበይውን ፍለጥ።
· ምሳ 16፡ 9 ልቢ ሰብ መገዱ ይምድብ፡ ንስጕምቱ ግና እግዚኣብሄር
እዩ ዜቃንዓ።
· መዝ 139፡6 እዚ ፍልጠት እዚ ኣዝዩ ይገርመኒ፣ ልዑል እዩ፣
ከርክቦ ኣይክእልን።
· ኢዮ11፡7 ንመዓሙቚ ኣምላኽዶ ኸተቚሮ፡ ንምልኣት እቲ ዂሉ ዚኽእልሲ
ኸተቚሮ ትኽእል ኢኻ?
· ኢዮ36፡26 እንሆ፡ ኣምላኽ ዓብዪ እዩ፡ ኣይንፈልጦን ኢና፡
ቊጽሪ ዓመታቱ ኸኣ ኣይምርመርን።
· ማቴ12፡25 ኢየሱስ ሓሳባቶም ፈሊጡ በሎም፡ ንሓድሕዳ እተፈላለየት
ኵላ መንግስቲ ትዖኑ፡ ንሓድሕዳ እተፋላለየት ኵላ ኸተማ ወይስ ቤት ድማ ኣይትነብርን እያ።
· ዕብ4፡12 ቃል ኣምላኽ ህያውን መስለጥን እዩ እሞ፡ ካብ ክልተ
ዝኣፉ ሰይፊ ዚበልሕ እዩ፡ ነፍስን፡ መንፈስን፡ መፈላልዮ ኣካላትን ኣንጕዕን ክሳዕ ዚፈላሊ ዚሰጥም፡ ኣብ ምሕላንን ሓሳብ ልብን
ከኣ ዚፈርድ እዩ።
· ራእ2፡23 ንደቃውን ብሞት ክቐትሎም እየ፡ ኣነ ልብን ኰላሊትን
ዝምርምር ምዃነይ ከኣ ብዘለዋ ማሕበራት ኪፈልጣ እየን። ንነፍሲ ወከፍኩምውን ከከም ግብርኹም ክህበኩም እየ።
ቅዱሳት መጻሕፍቲ ሓሳብ ሰብ ምስ ሓሳብ ፈጣሪ ከቶ`ውን ክመዓራረ ከም ዘይክእል፡ ሓሳብ ኣምላኽ ግና
ልዑል ክብጻሕ ዘይክእል መገረም ምዃኑ ብግህዶ ይምስክሩ ኣለዉ። ካብ ሰብ ዚተፈጥረ ዘበለ ኲሉ ተኻፋሊ ባህርይ ሰብ እዩ። ከፊላዊ
ባህሪ ሰብን ከፊላዊ ባህሪ ኣምላኽን ክወስድ ዝኸኣለ ፍጡር ከኣ ሓደ`ኳ የልቦን። ጸሓፌ/ ጸሓፍያነ መጽሓፈ ተኣምረ ማርያም እምበኣር
ከፊላዊ ዝኾነ ሰብኣዊ ባህሪ፡ ከፊላዊ ዝኾነ ኸኣ ኣምላኻዊ ባህሪ (ሕሊና ኣምላክ) ዘለዋ ማርያም እዮም ዘቕርቡልና ዘለዉ። ድንግል
ማርያም ኣደ ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ብዂሉ ነገራ ሰብ ደኣ እምበር መለኮታዊ ፍልጠትን ጥበብን ሓሳብን ኣይነበራን። በዚ ምኽንያት’ዚ
ኸኣ እቲ ዘቕረብዎ ምህሮ ኣንጻር ትኹል ቓል ኣምላኽ ብምዃኑ፡ ብሰይፊ ቓል ኣምላኽ ቀቲልና ንቐብሮ ኣሎና። ንልዕልና እቲ ልዑል
ከፍርሶ ዝኽእል ከኣ ሓደ`ኳ የልቦን። ጸጋ ጐይታ ኢየሱስ ምስ ኲላትኩም ይኹን።
አዝዩ ግሩምን ሃናፂን ትምህርቲ
ReplyDeleteGoyta ybarka
Delete